ዩጋንዳ 200 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት: ከም ዝኣሰረት ተፈሊጡ

2022-10-07 20:02:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 684 times

ዩጋንዳ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ፡ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ከም ዝኣሰረት ቢቢሲ ሓቢራ። ቢቢሲ ንቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ዜግነት ዩጋንዳ ጠቒሳ ከም ዝገለጸቶ እዞም ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ስደተኛታት ዝተኣሰሩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ከተማ ካምፓላ ብ5 ጥቅምቲ 2022  ቦንጋ፣ ካባላጋላ፣ ካንሳንጋን ሙያንጋን ኣብ ዝበህሉ ከባብታት ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ብዘይብቑዕ መንበሪ ፈቓድ ዝተረኽቡ እዮም።

ናይቶም ዝተኣስሩ ዝርዝር ዜግነት 116 ኤርትራውያን፡ 62 ሶማላውያንን 5 ኢትዮጵያውያንን እዩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት ካብቶም ግዳይ ማእሰርቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ኣብ 1990ታት ዝተወልዱ ዕሸላት እዮም።

ዝርዝር መእሰሪኦም ምኽንያታት፡ ገሊኦም ዝኾነ ወረቐት ዘይነበሮም እዮም። ናይ ገሊኦም ፈቓድ ድማ መዓልቱ ዝሓለፈ እዩ። ካብዚ ዝሓለፈ ናይ ስራሕ ፈቓድ ዘየብሎምን ካብ ዝይተፈቕደሎም ዓይነት ስራሕ ወጻኢ ዝተረኽቡን ይርከብዎም። በቲ ዜና መሰረት እዞም እሱራት “ኣብ ዩዳንዳ ብዘይሕጋዊ መንግዲ ምንባር” ብዝብል ክሕተቱ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ ብምዝውዋር ሓሽሽን ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባትን ዝጠጠሩ እንተልዮሞም ብዝኸበደ ደረጃ  ዝተሓዙ ከም ዝኽእሉ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ዩጋንዳ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ካብ ዝርከቡለን ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኰይና፡ ብፍላይ ኣብ ከተማ ካምፓላ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከም ዝነጥፉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ብሕጋዊ መንግዲ ናብ ወጻኢ ንምኻድ ካብ ዘሳልጡንን ናብ ኤርትራ ክኣትዉ ዘይክእሉ መንእሰያት ካብ ዝምርዓዉለንን ሃገራት እውን ዩጋንዳ ሓንቲ እያ።  ቅድሚ ሕጂ እውን ኤርትራውያን በመንግዲ ኬንያ ኣቢሎም ናብ ዩጋንዳ ክእትዉ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ክእሰሩ ዘኒሖም እዮም።

Last modified on Friday, 07 October 2022 22:11