ደ/ሱዳን ስደተኛታት ክትሰጉግ፡ ጀርመን ግና ንስደተኛታት ዝድግፍ ውሳነ ትውስን፡

2022-10-12 17:02:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 708 times

ደቡብ ሱዳን መብዛሕቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵውያንን ዝኾኑ ልዕሊ 20 ወጻእተኛታት ካብ ሃገራ ክትሰጉግ ምዃና ብቢሲ ሓቢራ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ፈደራላዊ ምምሕዳር ቤት ፍርዲ ጀርመን ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ሃገሮም ወረቐት ከቕርቡ ንኸይግደዱ ከም ዝወሰነ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

እዞም ካብ ደቡብ ሱዳን ናይ ምስጓግ ሓደጋ ኣጋጥምዎም ዘሎ ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ፡ ናብ ጁባ መበግሲኦም ከተማ ካርቱም ኮይና፡ ምኽንያት ጉዕዘኦም ከኣ ደሕንነቶም ንምሕላው  ምዃኑ ተፈሊጡ። ንሳቶም ካብ ካርቱም ነቒሎም በንትዩ ወይ ፓሎት ካብ ዝበሃላ ናእሽቱ  ከተማታት ናብ ጁባ ብዘይ ፓስፖርት ብናይ ውሽጢ ሃገር በረራ ዝተጓዕዙ ምዃኖም እቲ ዜና ጠቒሱ።

ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ደቡብ ሱዳን  ሓላፊ ጉዳይ ኢሚግረሽን፡ ሌተናል ጀነራል ኣተም ማሮል ቢያር፡ እቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተኣስሩን ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ናይ ግድን ዝኾነሉን ምኽንያት ዘርዚሮም። ንሶም እቶም ሰባት ናይ ጉዕዞ ሰነድ ዘይብሎም ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምስ ዘለዋ ትካላት ዝኾነይኹን ምትእስሳር ስለ ዘየብሎም እሞ ንጸጥታ ሃገሮም ጠንቂ ከይኮኑ ብምስጋእ እዮም ዝጥረዙ ኢሎም።

እቶም ስደተኛታት ንግዜኡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይሰነድ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣትዉ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ኣብ ዝጸንሕሉ ኮሎሎ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዝርከብ ናይ ኢሚግረሽን ፍሉይ ትካል ከም ዘለዉ ናይ ደቡብ ሱዳን መዲያታት እውን ሓቢረን ኣለዋ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ፈደራላዊ ምምሕዳር  ቤት ፍርዲ ጀርመን ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ጀርመን ናይ ጉዕዞ ሰነድ ንምርካብ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ወረቐት ከቕርቡ ንኸይግደዱ ከም ዝወሰነ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ኣፍሊጡ። በቲ ውሳነ መሰረት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኤምባሲ ኤርትራ ዝኾነ ቀጥዒ ንክመልኡ ኣይክግደዱን እዮም። እዚ እቲ ከም ዝተጠዓሱ መረጋገጺ ክህቡ ክግደድሉ ዝጸንሑ ምኽንያት እዩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ምምሕዳር ጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ዝኾነ ሰብ ፓስፖርት ንክረክብ “ገበነኛ እየ”  ክብል ክግደድ ከይዘይግባእ ኣዕዚዙ ገሊጹ።

ናይ ኤርትራውያን ብዘይዝኾነ ይኹን ናይ ጉዕዞ ሰነድ እንዳቖራረጽካ ኣብ ደቡብ ሱዳን ምብጻሕ፡ እሞ ኣብዚ ኣትየምዎ ዘለዉ ጸገም ምውዳቐሞ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋንዚ  ዝካየድ ዘሎ   ጨካን መደብ  ግፋ ህግደፍ እዩ።

Last modified on Wednesday, 12 October 2022 19:30