6 ሃገራት ውግእ ኢትዮጵያን ትግራይን ደው ክብል ፀዊዐን ንተሳትፎ ኤርትራ ብትሪ ኮኒነን።

2022-10-12 20:28:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 623 times

ኣውስትራልያ፣ ደንማርክ፣ ጀርመን፣ ሆላንድ፣ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ሰብኣዊ ቅልውላውን እናገደደ ምምጽኡ ከምዘሻቐለን  ምግላጸን ቤት ጽሕፈት ወሃብ ቃል  ወጻኢ ጉዳይ ኣሚሪካ ብ12 ጥቅምቲ 2022 ኣፍሊጡ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ወተሃደራዊ ግጭት ኣብ ሓጺር ግዜ ጠጠው ከብሉ’ውን መግለጺ ናይዘን ሽዱስተ ሃገራት ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ናይዘን ሃገራት፡  እቲ ክቐርብ ጸኒሑ ዝተቛረጸ፡ መሰረታዊ  ሰብኣዊ ሓገዝ ከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ከም ዝቕጽል ክገብሩን ናብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ተመዲቡ ዘሎ መስርሕ ዘተ ተሳቲፎም ናብ ዘተኣማምን ስምምዕ ንክበጹ እውን እቲ ናይ ሓባር መጸዋዕታ ናይዘን ግዱሳት ሃገራት  ኣመልኪቱ።

ናይዘን ሽዱሽተ በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማውን ኣዕናውን ውግእ ኣዝየን ዝተሻቐላ ሃገራት መግለጺ፡ ነቲ መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ኢድ ኣእታውነት ሓይልታት ኤርትራ ብትሪ ኮኒኑ። ኣተሓሒዘን ከኣ መንግስቲ  ኤርትራ  ዘካይዶ ዘሎ  ወተሃደራዊ ስርሒት ጠጠው ኣቢሉ  ብቕልጡፍ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ጸዊዐን። ኩሎም ነቲ ውግእ ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢዶም ክስሕቡ ድማ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ብሓፈሻ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ብፍላይ ድማ፡ ናይ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ናይ ሓባር ኣጻራይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡  ኩነታት ኢትዮጵያ ዝከታተል፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ናይ ክኢላታት ኮሚሽን  ኣብዚ ቀረባ ዝቐረበ ጸብጻባት ከም ዝተኸታተሎ  እቲ መግለጺ ጠቒሱ። በቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ጸብጻባት መሰረት፡ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ትግራይን ከምኡ ከኣ ከም ፋኖ ኣምሓራ ዝኣመሰሉ ዝተዓጥቁ ሓይልታት፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ዝፈጸሙ ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ካብ ዝርዝር ናይቲ ሰብኣዊ ግህሰታት ድማ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ኣካላዊ ሰብኣዊ ጉድኣትን ጾታ ዝመሰረቱ ዓመጻትን ከም ዝርከቦ ተሓቢሩ።  ምስዚ ኣተሓሒዙ እቲ መግለጺ በቲ ብትካላት ሰብኣዊ መሰል ዝቐረበ ጸብጻባት ሻቕሎት ከም ዝሓደሮ ጠቒሱ፡ ጥሜት ናይ ውግእ መሳርሒ ይኸውን ኣሎ ንምባል ዘኽእል ባይታ ከም ዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኺሩ።

Last modified on Wednesday, 12 October 2022 22:34