EPDP News

ኣርበዓ ዝኾኑ፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት፡ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተሳፈርዋ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ  ስለ ዝጸዓነትን ብሓያል ንፋስ ስለ ዝተደፍአትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓለትን ተሳፈርታ ግና ከም ዝደሓኑን  ኦፐን ኣርም/open Arms ዝተባህለ ናይ ስፐይን ህይወት ኣድሕን ትካል ብመንገዲ ናይ ትዊተር ገጻ ከምዝሓበረት  መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።

እታ ስፐይናዊት ትካል ምድሓን ህይወት፡ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት  ብ11 ነሓሰ 2022 ናብ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝተረከቡ ተፈሊጡ። ካብቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ 2 ትሕተ ዕድመ ህጻናት ከምዝነበርዎም ከኣ ተሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ናብ ኢጥልያ ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝቐርብ ከባቢ፡ ሓያል ንፋስን ሕማቕ ኩነታት ባሕርን ምስ ኣጋጠሞም፡ ሲሲሊያ ኣብ ዝተባህለ ደሴት ናይ ላምባዱሳ ከም ዝተዓቑቡ ናይታ ህይወት  ኣድሕን ትካል ጉጁለ ኣብሪሃ።

ትካል ኦፐን ኣርም/Open Arms ህይወት ኣድሕን ስፐይን፡ ካብ 2015 ጀሚራ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 26,500 ስደተኛታት ከም ዘድሓነት ኣፍሊጣ።

ካብ ዝተፈላላያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ግዳያት ከምዝኾኑ፡ እቲ ካብ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ጠቒሱ፡ ክሳብ ሕጂ ኤርትራውያን ሓዊሱ ብማእከላይ ባሕሪ  ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ናይ ዝሰገሩ ስደተኛታት ብዝሒ ናይዚ ዓመት ልዕሊ 71 ሽሕ ክኸውን እንከሎ፡ 945 ዝኾኑ ድማ ከም ዝሞቱን ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ብመሰረት ሰነዳት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ፡ ካብቶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ዝሰገሩ ኣስታት 4 ሺሕ ኤርትራውያን ምዃኖም  ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ ድማ ተጠቒሱ።

ብስም ትካል ሰብኣዊ መሰል ንኤርትራውያን ዝተባህለ ትካል ናብ ሓለፍቲ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዘሄግ ብመንገዲ ኢመይል ዝተላእከ ሕጹጽ መጸዋዕታ፡ ን13 ነሃሰ 2022 ኣብ ሪጅስዊጅክ ኔዘርላንድ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ  ፈስቲቫል ህግደፍ ክስረዝ መጠንቀቕታ ቀሪቡ። እቲ ፈስቲቫል እንተዘይተሰሪዙ ግና ስጉምቲ ከኸትል ምዃኑ ድማ እቲ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ዝተዘርገሐ መልእኽቲ ኣመልኪቱ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከምዚ ዓይነት መደባት ኣብ ምስራዕ ዝሳተፉ ኣካላት ህግደፍ ንመጻኢ እውን ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ።

እቲ ነቲ መጠንቀቕታ ዝለኣኸ ትካል፡ ነቲ ናይ 13 ነሃሰ 2022 መደባት ከም ዝተኸታተሎ ጠቒሱ፡ ነቲ ፈስቲቫል ብዝምልከት ካብ ዝተዘርግሐ ጽሑፋት፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣብቲ መድረኽ ከም መዳሪ ከም ዝቐርብን እቲ መደብ ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተዳለወን ከም ዝተገንዘበ ገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እቲ ናይ ፈስቲቫል መጸዋዕታ ባንደራታት መንግስቲ ኤርትራን ወተሃደራዊ ክዳን ዝለበሰ ስእሊ ዕሉል ደጋፊ ህግደፍን ጻሕታሪ ጽልእን ኣወል ስዒድን ከም ዝርከቦ ከም ዝተረደአ እውን ኣስፊሩ።

ብዛዕባዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድን ኤውሮጳን ዘዳለዎ ፈስቲቫላት ምድንጋራት ንከይፍጠር፡ እቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ኤርትራ ኣብ ኔዘርላንድ፡ ኣብ ብሩሰልስ ናብ ዘሎ ኤምባስን፡ ኣብ ምድላው እቲ  ኣብ ሽወደን  እተሰረዘ ፈስቲቫል ኢድ ዝነበሮ ኣቶ ሲራክ ባህልብን ናይ “እቲ ፈስቲቫል ይሰረዝ” መልእኽቲ  ከም ዝለኣኸ፡ ነቲ ትካል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝወከለ ኣካል ሓቢሩ።

እቲ ምድላው ብስም “ባህላዊ ጉዳይ” ከም ዝተመዝገበ፡ ብግሪ ግና ኣብ ካብ ኤርትራውያን ብስም ግብሪ  ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምእካብን ምንዛሕ ናይ ጽልኢ መደረታት ዝዓብለሎ ምልዕዓልን ዘተኮረ ምዃኑ ከም ዝተቓልዐ እቲ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰል፡ ናይ ኔዘርላንድ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ እቲ ኣብ ሪጅድዊጅክ ክካየድ ዝተመበ  ፈስቲቫል ዕላማኡ ካብ ኤርትራውያን ብተጽዕኖን ድፍኢትን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ምእካብ ምዃኑን ፈቐደኛታት ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ዘይከፍሉ ነበርቲ ኔዘርላድን ኤርትራውያን ሳዕቤን ከም ዘኸትልን ከም ዝተረደአን ገሊጹ።

ፈቓደኛታት ኮይኖም ገንዘብ ዘይከፍሉ ኤርትራውያን ነብርቲ ኔዝርላንድስ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡን ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዘለዉ ስድራቤቶም ተጽዕኖ ከም ዘኸትልን እውን ብመንገዲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኔዘርላንድ ከም ዝፍለጥ ተገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ በዚ ኣገባብ ዝረኽቦ ገንዘብ ናብ ውግእ ከም ዘውዕሎ እውን ተጠቒሱ።

ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ፈስቲቫል ክዛረብ ካብ ኤርትራ ዝመጸ ኣወል ስዒድ በብግዜኡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንመንግስቲ ህግደፍ ደጊፉ ዝነዝሖ መርዛም ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳን ኣዕናውነቱን ዝሕብር ኣብቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ብዝርዝር ሰፊሩ። በቲ ሰፊሩ ዘሎ መሰረት ብኔዘርላንድስ ክልኩልን ከም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝውሰድን ናይ ጽልኢ መደረ ኣወል ስዒድ፡ ኣንጻር ትግራይ ዝዓለመን ንፕርፖጋንዳ ወራር ሩሲያ ዘመጉስን ምዃኑ ተጠቒሱ

ናይ ዓመተ-2022 መደባት ፈስቲቫል ህግደፍ፡ በቲ ኣብ ሃገር ሽወደን ዝጀመረ ምስራዝ ክራይ ኣደራሽን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዳላስ ዘጋጠሞ ምቁራጽ መደባትን ምስዚ ናይ ኔዘርላንድስ ሓዊስካ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣይኮነሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓቀኛ መእከቢ ገንዘብን ምንዛሕ ጽልእን ቅርሕንትን ምዃኑ ተቓሊዑ እዩ። ንመጻኢ እውን ዘኸተመ  መደብ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ሰብ መዚ ሱዳን፡ ብ5 ነሃሰ 2022 ፖለቲካዊ መራሕትን ዓበይቲ ዓድን ምብራቕ ሱዳን ዝርከብዎ ልኡኽ፡ ናብ ጐረቤት ሃገር  ኤርትራ ክሰግር እንከሎ ከም ዝኸልከልዎ ሱዳን ትሪቡን ኣፍሊጣ።

እቶም ናብ ኤርትራ ከይከዱ ዝተኸልከሉ ኣባላት ናይቲ ልኡኽ፡ ኣብቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምውሎ እሞ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘሎ ንጸጥታ እቲ ከባቢ ብኣሉታ ዝጸልዎ ቀቢላዊ  ቅልውላዋት ዝምልከት ንምዝርራብ ዝተወጠነ ርክብ ንምስታፍ ዝተጸውዑ እዮም። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ኣብ ስምምዕ ሰላም ጁባ ዝፈረሙን ኣባላት ግንባር ሰውራ ሱዳንን ግና ኣይዓደሞምን።

ኣብቲ ናብ ኤርትራ ዘስግር ላፋ ዝተባህለ መቆጻጸሪ ዶብ ምምሕዳር ከሰላ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ ሱዳን፡ እቶም ናብ ኤርትራ ዘቕንዑ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ልኡኽ፡ ንክሓልፉ ዘፍቅድ ዕላዊ መምርሒ ከምዘይበጸሖም ሓቢሮም። እዞም ብመሬት ናብ ኤርትራ ዝተበገሱ 112 ኣባላት እቲ ልኡኽ ኣብ ፓስፖርቶም መሕለፊ ቪዛ ከምዘይነበሮም እውን ካብቲ ዜና ተፈሊጡ።

እቲ ናብ ኤርትራ ክሰግር እንከሎ ኣብ ዶብ ዝተኸልከለ ልኡኽ፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ቀቢልን ዓበይቲ ዓድን ዝርከብዎ እዩ።  ካብ ኣባላት እቲ ልኡኽ፡ መሓመድ ኣልኣሚን ተሪክ ቅድሚ ኣብ ሱዳን ብ2021 ዕልዋ መንግስቲ ምፍጻሙ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝመርሕ ዝነበረ መራሒ ቀቢላ ሃደንደዋ ሓደ እዩ። ብዘይካኡ ኣብቲ ዝወደቐ መንግስቲ ሱዳን ምክትል ፕረሲደንት ዝነበረ፡ ምስ መንግስቲ ሱዳን ውዕል ሰላም 2006 ዝኸተመ መራሒ ግንባር ምብራቕ ሱዳን ሙሳ መሓመድ ኣሕመድ፡ መራሒ መኒዓምር ዓሊ መሓመድ ዳኪልን ኣብ ስምምዕ ጁባ ዘይፈረመ መራሒ  ህዝባዊ ግንባር  ንናጽነትን ፍትሕን ኣልኣሚን ዳውድን እውን ከም ዝርከብዎ  ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ። ሱዳን ኣል ኣኽባር ዝተባህለት ማዕከን እውን ነቲ ፍጻመ ኣረጋጊጻቶ።

ምምሕዳር  ህግደፍ ዶብ ሰጊሩ ኢድ ብምእታው፡ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃደንደዋን ብኒዓምርን  ዘሎ ፍልልያት በብግዜኡ ብምብላሕ፡ ኣብ ምምሕዳራት ቀይሕ ባሕርን ከሰላን ምብራቕ ሱዳን  ህውከት ብምግዳድ፡ ናይታ ሃገር ሰላም  ክዘርግ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።

ቀዳም 30 ሓምለ 2022፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ስያትል ንስዉእ ኢሳቅ ምስ ካብ ካልኦት ጨንፈራት ዝተሳተፉ ኣባላት ኮይኖም ብመሪር ሓዘን ድሕሪ ምቕባሮም፡ ሰንበት 31 ሓምለ 2022 ኸኣ ብሓባር ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣኼባ ኣብ ትሕቲ ዝወረደ ከቢድ ሓዘንን፡ ንጨንፈር ኣንጸላልዩ ዘሎ ብድሆን እዩ ተኻይዱ። ኣባላት ንህልዊ ኵነታትን፡ ከመይ ገርና’ከ ንሰግሮ ዝብሉ ሓሳባት በብሓደ ገሊጾም። ድሕሪ ዓሚቝ ምይይጥ ኸኣ ኣብ ክሊ መትከል ሰልፍና ተምርኵስና ንዕቤትን ምሕያልን ሰልፍና ኣጽዒቕና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ብናይ ሓባር ውሳኔ ውጺኦም።

ሕድሪ ኢሳቅን ሕድሪ ኩሎም ስዉኣትን ኣብ መዓላኡ ከነብጽሖ ኢና ዝብል ተሪር መርገጽ ዝሰፈኖ ኣኼባ ነይሩ።

ዘለኣለማዊ ክብሪ ንስውኣትና

ክንዕወጥ ኢና

ዞባ ሰሜን ኣመሪክ

04 ነሓሰ 2022

ብሓፈሻ ኣብ ሱዳን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሓይልታት ጸጥታ ብቐጻሊ እናተገፉ ይእሰሩን ዝለዓለ ዓቐን ገንዘብ  ክኸፍሉ ይግደዱን ከም ዘለው፡ ቢቢሲ/BBC ገሊጻ። ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝጸንሐን ንድሕነቱ ክብል ስሙ ክዕቀበሉ ዝሓተተን ኤርትራዊ ስደተኛታት ብዛዕባዚ ተረኽቦ ንቢቢሲ  ገሊጹ። እቲ ዜና ኣብ ሱዳን ከምዚ ዓይነት  ምስ ህልዊ ኩነታት ኣገናዚብካ ዝካየድ ወፈራ  ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ዝረአ ዘሎ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ንኤርትራውያን ብኣልማማ ኣሲሮም ካብ 400 ክሳብ 500 ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ከፊሎም ንክፍትሑ  የገድድዎም ከም ዘለዉ ‘ውን ተሓቢሩ።

እቲ ዜና እቲ ተረኽቦ ነቲ ኣጸጋሚ ዝኾነ መነባብሮ ሱዳን ከም ዘጋድዶን ንገንዘባዊ ጠቕሚ ተባሂሉ ካብ ናእሽቱ ነቑጣታት ፖሊስ ዝነቅል ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ናይቲ ዝተቐበልዎ ገንዘብ ቅብሊት ዘይህቡ ምዃኖም ነቲ ኩነታት ዝያዳ ኣጸጋሚ ከም ዝገብሮ ተሓቢሩ። መብዛሕትኡ ስደተኛ ካብ ሃገሩ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስለ ዝወጸኳ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ክኸይድ ዘይክእል እንተኾነ፡ ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብቲ ጉዳይ መፍትሒ ክሕብሩ ብገለ ስደተኛታት ተሓቲቶም፡ ምስምሳት ብምፍጣር ከምዘይሓገዙ እቲ ዜና ጠቒሱ። 

እቶም ግዳይ ዝኾኑ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሱዳን ስደተኛታት ምእሳር ልሙድ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ማእሰርቲ ወረቐት ናብ ዘየብሎም ዘተኩር ምንባሩ ጠቒሶም፡ ኣብዚ እዋንዚ ግና ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ መነባብሮ ጸገም ገንዘብ ንምርካብን ኤርትራዊ ተገዲዱ ክኸፍል እዩ ብዝብል ግምት ብኣልማማ ይኣስሩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ክኣስሩ እነከለዉ ካብ ዘቕርብዎ ምኽንያት ስደተኛ ኣብ መደበር እምበር ኣብ ከተማ ክነብር ኣይክእልን ዝብል እዩ። እንተኾነ መነባብሮ ኣብ መደበር ስደተኛታት ኣጸጋምን ዘይውሑስን ብምዃኑ እቲ ስደተኛ ካብ ናብ መደበር ዝኸይድ ካብ ዘምጸአ ኣምጺኡ ክኸፍል ከም ዝግደድ ይፈልጡ እዮም። ሒዞም ናብ መደበራት ክወስድዎ ዘይደልይሉ እውን ኣብ ከተማታት ብተደጋጋሚ ኣሲርካ ብምኽፋል ናይ ኣታዊ ምንጮም ክኸውን ስለ ዝደልይዎ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተዓዘብዎ ይምስክሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ኣስታት 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ስደተኛታት ኣለዉ። ካብዚኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እዮም። ኣብ ሱዳን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣስታት 113 ሺሕ ክኾኑ እንከለዉ፡ ካብዚኣቶም እቶም 83 ሺሕ እዮም ኣብ መደበራት ዘለዉ ምዃኖም ኣብቲ ሰፊሕ ጸብጻብ ተጠቒሱ።

ኣብ መንጎ ነባራትን ሓደስትን ሰራሕተኛታት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ሱዳን፡ ደድሕሪ ፖርት ሱዳን ዝዓበየት ወደብ ዋኪን ከም ዝተዓጽወት ሬድዮ ዳባንጋ ሓቢራ። ሬድዮ ዳባንጋ፡ ቅልውላው ዳርፉር ንምክትታል ብ2008 ዝተመስረተት ናጻ መደበር ኮይና፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ መላእ ሱዳን ሓበሬታ ትህብ ዘላ መዲያ እያ። ካብታ ሬድዮ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ካብቲ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ነቒሎም ብሓደ ነሃሰ 2022 ናይታ ወደብ  ዘእቱን ዘውጽእን መንግዲ ዝዓጸዉ እቶም ሓደስቲ ሰራሕተኛታት እዮም።

እቶም ነባራት ሰራሕተኛታት ነቲ ብናይ ቅድም ኣማሕዳሪ ናይታ ወደብ 190 ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ክቑጸሩ ዝተወሰነ ውሳነ ኣይተቐበልዎን። ካብቲ ዝነጸግሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ኣቆጻጽራ ናይቶም ሰራሕተኛታት ዓሌታዊ እዩ ብዝብል ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ነቲ ዜና ዘቕረበ ጋዜጠኛ፡  ብድሕሪ እቲ ምቑጻር ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ዝተሓብአ ኣጀንዳ ከም ዝህሉ ጠቒሱ፡ እቲ ኩነታት ኣብ መጻኢ ምምሕዳር ግዝኣት ፖርት ሱዳን ዓሌታዊ ምስሕሓብ ከየኸትል ዝሓደሮ ስግኣት ሓቢሩ። እቲ ኩነታት ነቲ ኣብ መንጎ ላዕለዋይ ባይቶ ቤጃን ናጻ ገዛእቲ ምብራቕ ሱዳንን ዘሎ ፍልልይ ከየስፈሖ ዘፍርሕ እዩ።

ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ዝተሓላለኸ፡ ኣብ ፍልልይ ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ጥራይ ዝተወሰነ ዘይኮነ፡ ናይ ኣቦመንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ምክትሎም  ጀነራል ሓመቲ ዳግሎን ኣእዳው ዘለዎ ምዃኑ እውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ባይቶ ቤጃን ላዕለዎት ገዛእቲ ምብራቕ ሱዳንን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከሰላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብቲ ፕሮቶኮል ምብራቕ ሱዳን ዝብሃል ኣካል ስምምዕ ሰላም ጁባ 2020 ዝኾነ መድረኽ ከም ዝስሓቡ ኣፍሊጦም። ብዘይካዚ ካብቲ ኩነታት ምብራቕ ሱዳን ዝከታተል ብጀነራል ሓመቲ ምክትል ልኡላዊ ባይቲ ሱዳን ዝምራሕ ላዕለዋይ ባይቶ እውን  ክወጹ ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ናብ ሃገረ ግብጺ ክገይሽ  ዝነበሮ መደብ ብፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ተቐባልነት  ከምዘይረኸበ፡ ራድዮ ኤረና ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ።  መራሒ ህግደፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2022 እውን ተመሳሳሊ ጠለብ ከም ዝነበሮን ሕቶኡ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ህግደፍ ዑስማን ሳልሕን ፍሉይ ኣማኻሪ ኢሳያስ የማነ ገብረኣብን ዝርከብዎ ልኡኽ  ህግደፍ፡ ናብ ግብጺ ከይዱ ናይ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ናይ ምጋሽ ጠለብ ዝሓዘ መልእኽቲኳ ኣቕሪቡ እንተነበረ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ኣብ ናይ ስራሕ ጻዕቂ ስለ ዝርከብ እቲ መገሻ ናብ ካልእ ዘይተወሰነ ግዜ ተሰጋጊሩ ዝብል መልሲ ሒዙ ከም ዝተመለሰ ኣብዚ ካብ ኤረና ዝተረኽበ ዜና ተጠቒሱ።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2022 ብመንገዲ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ግብጺ፡ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ እታ ሃገር ዝቐረበ ናይ ኢሳያስ መገሻ ጠለብ ዝተዋህቦ መልሲ እውን ንካልእ ግዜ ዝብል ኮይኑ፡ ንጹር ቆጸራ ኣይተታሕዘሉን። እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ ኢሳያስ ናብ ግብጺ ክገይሽ ዝህንጠየሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብቲ ንግብጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ጉዳይ ዓራቓይ ተመሲሉ ኢዱ ንምእታው ዝዓለመ እዩ።

ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ  ትሃንጾ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ፡ ክሳብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝበጸሐ ምስሕሓብ ኣትያ ዘላ ግብጺ፡ ደገፍ ንምርካብ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት  ርክባ ንምድልዳል  ትጽዕር ኣብ ዝሃለወትሉ እዋን፡ ኢሳያስ ከይመጻ ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ እቲ ካብ 2018 ጀሚሩ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝፈጠሮ ዕርክነት ክኸውን ከም ዝኽእል ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

Saedia Tesfu 1(ስእሊ ስውእቲ ሳዕዲያ ተስፉ፡ ካብ ፈይስቡክ)

መስዋእትነት ገዲም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ሳዕድያ ተስፉ፡ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ሳዕድያ ተስፉ ሓንቲ ካብተን ኣብ 60ታት ዝተሰለፋ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ከተማ ከረን ቅያ ድሕሪ ምስረሓ፡ ብ1968 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተሰለፈት፡ ኣብታ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘሕተማ መጽሓፍ “ምስክርነት ኣብ ግደ ተመሃሮ”፡ ብጅግንነት ተጠቒሳ ዘላ ሓርበኛ እያ። ስለዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንስውእቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፡ ንቤተሰባ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም እናበሉ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

29 ሓምለ 2022

Athlets 1የማነ ሃይለስላሴ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወዳዳርን ፊልሞን ዓንደ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጐያይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብታ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮን ዓለም-22  ኣብ አረገን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትሳተፍ ዝነበረት ጋንታ ተፈልዮም ከም ዝተሰወሩ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብምጥቃ ሓቢሩ።

እዞም ኣባላት ኣትለቲክስ ብሓባር ብ24 ሓምለ 2022 ካብቲ ኣዕሪፈምሉ ዝነበሩ ህንጻ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሰወሩን ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብዛዕባ ምስዋር ናይዞም ኤርትራውያን  ምስተሓበሮ ኣብ መዝገብ ሒዙ ይከታተሎም ከም ዘሎን ተፈሊጡ።

ብመሰረት’ቲ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ዝተዋህበ ግምት፡ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ስለ ዘለዉ፡  ንከም ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ሻምፒዮና ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታት ከም መሕተቲ ዑቕባ ከም ዝጥቀምሎም ርዱእ እዩ።

ኣስማት ናቶም ብዛዕበኦም ዋላ ብደረጃ ፖሊስ ሓበሬታ ዘይተረኽበ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዓንደ ፊልሞን  ወዲ 24 ዓመት፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ ወዲ 18 ዓመት፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ ወዲ 44 ዓመት (ኣሰልጣኒ)፡ መርሃዊ መብራህቱ ተወልደብርሃን ወዲ 18 ዓመትን ሃይለስላሴ ተኽለሃይማኖት የማነ ወዲ  24 ዓመትን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስፖተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ መብዛሕትኦም ዘይምለሱ ምዃኖም ዝተለምደን መግለጺ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭቆና ምዃኑን ዝተፈልጠ እዩ።

PFDJ Festival 1እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን፡  ካብ ከተማ ስቶክሀልም ንወገን  ሴሜን ጃርቫ ኣብ ዝበሃል ህዝባዊ መናፈሲ/ፓርክ  ክካየድ ተመዲቢ ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ ስካንድንቪያን፡  ሓያል ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritrea Hub ሓቢራ። ኣብዚ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ፈስቲቫል፡ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣንጻር ህዝቢ ዘለዓዕል ዕሉል መሳርሒ ህግደፍን  ኣማኻሪ ፖለቲካ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወቂ የማነ ገብረኣብን ኣብቲ ኣጋጣሚ  ዝሳተፉ ዕዱማት ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ብግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ህዝባዊ መእከቢ ኣዳራሽ ተኻርዩ ፈስቲቫል ከካይድ ክፍቀደሉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና፡ ብትሕሓዝ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት መደብ ፈስቲቫል ዘውጽእ ዘሎ፡ ንጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽዊደናዊ ዳዊት ይስቕ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሰቐየ እንከሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ ተቓውሞ “ብሩህ መጻኢ” ዝተባህለ ኤርትራዊ ጉጅለ መሪሕ ግደ ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።

ኣብቲ ናይ ብዙሓት ተቓውሞ ዝዓደመ ናይ ፈስቲቫል ህግደፍ  ዛዕባ፡ ኣሳ ኒልሰን ዝተባህለት ኣብቲ ኣዳራሽ ዝርከበሉ ከባቢ ፖለቲከኛን ሕጽይቲ ከንቲባ ስቶክሀልምን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝተገደሱ ሓንቲ ነይራ። በዚ መሰረት፡ ብዛዕባቲ ንህግደፍ ክካረ ተሓሲቡ ዝነበረ ህዝባዎ ኣዳራሽ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓያል ተቓውሞ “ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ንሰርዞ፡ ንዓመታ ኣብቲ ቦታ ናይ ዲሞክራስያዊ ፈስቲቫል ከነካይድ ኢና”  ከም ዝበለት ተፈፈሊጡ።

ጉጅለ ብሩህ መጻኢ ብወገኑ፡ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ህዝባዊ መናፈስሲ/ፓርክ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ፡ ምስ ጠበቓታትን ናይቲ ከባቢ ሚድያታትን ምምኻርን ብኢመይልን ካልእ ኣገባብን ኣንጻርቲ ፈስቲቫል ሰፊሕ ወፈራ ምክያድን ዝኣመሰሉ ናይ ተቓውሞ ስጉምታት ወሲዱ። ኣብ መወዳእታ ከም ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ተቓውሞታት ናይቲ መናፈሲ/ፓርክ ምምሕዳር  ናይ መእከቢ ኣዳራሹ ንፈስቲቫል ህግደፍ ከካሪ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ፡ ተሳተፍቲ’ቲ ፈስቲቫል ናይ ማይ፡ ዓይኒ ምድሪን ሓይሊ መብራህትን ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ከም ዝወሰነ ተሓቢሩ።