ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ ተሰዊሮም
2022-07-28 20:25:43 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1324 timesየማነ ሃይለስላሴ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወዳዳርን ፊልሞን ዓንደ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጐያይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብታ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮን ዓለም-22 ኣብ አረገን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትሳተፍ ዝነበረት ጋንታ ተፈልዮም ከም ዝተሰወሩ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብምጥቃ ሓቢሩ።
እዞም ኣባላት ኣትለቲክስ ብሓባር ብ24 ሓምለ 2022 ካብቲ ኣዕሪፈምሉ ዝነበሩ ህንጻ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሰወሩን ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብዛዕባ ምስዋር ናይዞም ኤርትራውያን ምስተሓበሮ ኣብ መዝገብ ሒዙ ይከታተሎም ከም ዘሎን ተፈሊጡ።
ብመሰረት’ቲ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ዝተዋህበ ግምት፡ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ስለ ዘለዉ፡ ንከም ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ሻምፒዮና ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታት ከም መሕተቲ ዑቕባ ከም ዝጥቀምሎም ርዱእ እዩ።
ኣስማት ናቶም ብዛዕበኦም ዋላ ብደረጃ ፖሊስ ሓበሬታ ዘይተረኽበ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዓንደ ፊልሞን ወዲ 24 ዓመት፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ ወዲ 18 ዓመት፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ ወዲ 44 ዓመት (ኣሰልጣኒ)፡ መርሃዊ መብራህቱ ተወልደብርሃን ወዲ 18 ዓመትን ሃይለስላሴ ተኽለሃይማኖት የማነ ወዲ 24 ዓመትን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስፖተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ መብዛሕትኦም ዘይምለሱ ምዃኖም ዝተለምደን መግለጺ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭቆና ምዃኑን ዝተፈልጠ እዩ።