EPDP News

ቀዳማይ ሶማሊያ ዝመበቆሎም፡ ኣባል ፓርላማ ፊንላንድ ሱልዳን ሰይድ መሓመድ፡  ፍሉይ ልኡኽ ፊንላድን፡ ናይቲ መበቆል ሃገሮም እትርከቦ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ኮይኖም ከም ዝተመዘዙ፡ መሓመድ ደይሳን ዝተባህለ ጋዜጠኛ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪፊንላንድ ብምጥቃስ፡ ካብ መቃድሾ ሓቢሩ። ሱልዳን ሰይድ መሓመድ ኣብቲ ተባራዒ ጸገማት ዘለዎ ቀርኒ ኣፍሪቃ መስርሕ ሰላም ምሕጋዝ ቀንዲ ዕማሞም ከም ዝኸውን እቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ገሊጹ። እቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ፊንላንድ ምስ መብዛሕተኣን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብን ዝምድናን ከም ዘለዎ  ኣረጋጊጹ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ፊንላንድ ኣተሓሒዙ ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ተኣፋፊ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊቲ ንዓመታት ከጋጥሞ ዝጸንሐ ደርቂ፡ ዝተፈላለዩ መልከዓት ብዘለዎም ፖለቲካዊ ግርጭታት ዝሳቐ እዩ። ብመሰረ ናይ ጸጥታን ወጻኢ ጉዳይን ፖሊሲ ፊንላንድ እቲ ቀዳምነት ዝህቦ ዘተ ሰላም  እዩ።

ናይዞም ፍሉይ ልኡኽ ናብቲ ዞባ ምምዛዝ ዕላማ፡ ዝምድና ፊንላንድ ምስ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ምድልዳል፡ ግርጭታት ንሃዋህው ህድኣትን ጸጥታን ንክሕግዝ፡ ጸገማት ብሰላም ንምፍታሕ ኣስተዋጸኦ ምብርካትን ምስ ሰብኣዊ ኩነታት ዝተሓሕዙ ጉዳያት ምብራኽን ዝምልከት እዩ።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ነዚ መዝነት ዝምልከት ተወሳኺ ክፍሊት ከምዘይህልዎ ጠቒሶም፡ ነዚ ናይ ፍሉይ ልኡኽነት ሓላፍነት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተረከብዎ ብብዙሕ ጸገማት ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ ምዃኑ ንትካል ዜና ኣናዶሉ (Anadolu) ሓቢሮም። ኣተሓሒዞም ከኣ ናብዚ ሓላፍነት ምምዛዞም ከም ዘሕጉሶምን ምስ ላዕለዎት ሰብ መዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓቢሮም ዓበይቲ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ከም ዝጽዕሩ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝገሹን፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣብ ህንጸት ሰላም ከም ዘሕይሉን ከኣ ጠቒሶም።

ኣድሚ ሕጂ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቻይናን ዓባይ ብሪታንያን ዝርከብዎም ወገናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት  ልኡኻቶም መዚዞም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ። እዚ ከኣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ኣሰካፊ ይኸውን ምህላዉ ዘመልክት እዩ።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡  ብ11 ሰነ 2022 ዝመዘዛ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ሰዲህኤ ብ9 ሓምለ 2022 ኣብ ዘካየደቶ ኣኼባ ንኡሳን ሽማግለታት ኣቚማ፡ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል ናብተን ዝቆማ ንኡሳን ኣካላት ከፋፊላ፡ ዝመርሑወን ከኣ  መሪጻ። እተን ዘቖመተን ንኡሳን ሽማግለታት፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝቐርብ ንድፊ ሰነዳት፡ ክፍሊ ገንዘብን ቀረብን፡ ክፍሊ ምድላው ናብ ጉባአ ዝሳተፍቲ ኣባላትን ክፍሊ ዜናን እየን።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ኣኼባኣ ናይ ዝሓለፈ ኣኼባ ቃለ-ጉባአ ተመያይጣ ኣብ ርእሲ ምጽዳቓ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ብማእከላይ  ባይቶ ዝተመዘዙ 13 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንኡስ ሽማግለ ተመዲቦም ብዛዕባ ዝሰርሑ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰልፊ እውን ተመያይጣ።

እዛ ሽማግለ፡ ኣቐዲማ ብ26 ሰነ 2022 ኣብ ዘካየደቶ በኹሪ ኣኼባ፡ ብጾት ኣድያም ተፈራ ኣደመንበር፡ ደስበለ ካሕሳይ ምክትልን ኪዳነ በርሀ ጸሓፍን ኮይኖም ክመርሑ  ምምራጻ ዝዝከር እዩ።

ጉባአታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረት ቅዋሙ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ዓመት ዝካየድ ኮይኑ፡ 4ይ ጉባአ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ።

ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ብ8 ሓምለ 2022፡ ኣብ ዙርያ  ዓመታዊ (2021-2022) ምንቅስቓስ ኮሚሽኖም መግለጺ ሂቦም። ኣብዚ መግለጺኦም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኮሚሽኖም ከም ዝተዓጽወ ጠቒሶም።

ቅድሚ ሕጂ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣቱ ብመንግስቲ ተኸልኪሉ ዝነበረ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከጻሪ ዝቖመ ዓለም ለኻዊ ኮሚሽን ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣቱን፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ፡  ክተሓባበሮ ቅሩብ ከምዘሎን ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ እውን ኮሚሽን ሰብኣዊ ኢትዮጵያ ምስ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኣፈናዊ ምጽራይ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ኣብዚ መግለጺኦም ጠቒሶም።

እቶም ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ከም ዝገለጽዎ፡ እዚ ናይ ሕቡራት ሃገራት ፍሉይ ኮሚሽን ኣብዚ እዋንዚ ብቐጥታ ናብ ምጽራይ ክኣትው ዘይኮነ፡ ኣቐዲሙ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ተራኺቡ መጻኢ ስራሑ ከመይ ከም ዘካይድ ኩነታት ከጣጥሕ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምጽናት (genocide) ተኻይዱዶ ኣይተኻየደን ኣዛራቢ ዛዕባ  ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቶም ኮሚሽነር፡  ኣብዚ ጉዳይዚ ንምድምዳም ተወሳኺ ምጽራይን መርመራን ከም ዘድሊ ጠቒሶም። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ኣጸጋሚ ምዃኑ ግና ኣይሓብኡን። ኣብ ርእሲዚ፡ ብጉልባብ “ምኽባር ሕጊ”፡ ዜጋታት ንዝተናወሐ ግዜ ብዘይኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ምእሳር፡ ዜጋታት ኣብ ዘይፍሉጥ ቦታ ሓቢእካ ምስቓይ፡ ከምኡ ከኣ ብቤት ፍርዲ ዝተወሰነ መሰል ብዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ምውጻእ ዘይምኽባር ይረአ ከም ዘሎ ኣብቲ መግለጺኦም ኣስፊሮም። ሓሓሊፉ ይረአ ንዘሎ ሕጋውን ኣውንታውን መስርሕ ናይ ምኽታል ስጉምቲታት ከኣ ኣመስጊኖም።

እቲ ዝቐረበ መግለጺ ሰፊሕ ኮይኑ፡ “ብህይወት ናይ ምንባር መሰል፡ ኢሰብኣውነትን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ እሱር፡ ብዘይ ሕጊ ምእሳርን ምጭዋይን፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፡ መሰል እሱራት ምግሃስን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባትን” ኣብ ዝብሉ ንኡሳን ክፍልታት ዝርዝር መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮጵያ ናታ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ዘለዋ ክትከው እንከላ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዓለም ለኻዊ ኣጻራይን መርማርን ግህሰታት  ሰብኣዊ መሰል ክትቅበል’ውን ተሰማሚዓ ኣላ።

ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ንሰብኣዊ መሰል ዝምልከት ኣካል ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፡ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዙ ኮሚሽነር ኣትዮም ክዕዘቡ እውን  ኣይፍቀደሎም እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ዝተወሰኑ ኤርትራውያን ግዱሳት ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ኣብ ቅድሚ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዝግደስ ጉጅለ ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ምስክርነቶም ከም ዝሃቡ ማእከል ዜና ኤርትራ (ERITREA HUB) ሓቢሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ብዘይካቲ ብረንዳን ኦ ሃራ ዝበሃሉ ኣባል ፓርላማ ዝምራሕ ዝግዱስ ጉጅለ፡ ካለኦት ብዛዕባ ዓለም ለኸ ናጽነት ሃይማኖትን ምክልኻል ጽንተትን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነትን ዝግደሱ ኣባላት ፓርላማ ከም ዝተስተፉ እውን እቲ ዜና ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብቲ መድረኽ መግለጺ ዝሃቡ ኤርትራውያን ግዱሳት፡ ሄለን ብርሃነ ዝተባህለት ኣባል ቤተክርስትያን ኢቫንጀሊካን ብምዃና ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ዝተሳቐየት ሓንቲ እያ። ንሳ ኣብቲ መግለጺኣ ብሰንኪ እምነታ 32 ኣዋርሕ ተኣሲራ ከም ዝተሳቐየት ገሊጻ። ብዘይካዚ ኣቶ ዓብደራሕማን ሰይድ ኣቡሃሽም፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ተኸተልቲ ምስልምና ዝወርድ በደል መብርሂ ሂቡ።  ዶ/ር ኣባ ኣንቶኒዮስ ሃብቱ ገብረ ዝተባህሉ ኤርትራዊ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ድማ ብዛዕባ ኩነታት ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብማሕበራዊ መራከቢ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም። መልእኽቶም ብዶ/ር ካታዛ ካብ ዓለም ለኻዊ ክርስትያናዊ ምሕዝነት ኤርትራዊት ኤልሳ ጭሩምን ከም ዝተደገፈ ከኣ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ሓቢሩ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ለንደን ናብቲ ኣጋጣሚ ወኪል ከም ዝለኣኸን ናብቲ ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ደብዳበ ከም ዝለኣኸን ተፈሊጡ። እቲ ኤምባሲ ኣብቲ መልእኽቱ፡ ከምቲ ልሙድ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሃይማኖታዊ ግህሰት ክሒድዎ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ነቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፉ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ዝግደሱን ዝነጥፉን ኤርትራውያን፡ ብኸመይ ከም ነትፉ ንምርዳእ ዝሕግዞም መግለጺ ብኣባላት ፓርላማ ዓብይ ብሪታንያ ከም ዝተዋህቦም ካብቲ ዜና ምርዳእ ተኻኢሉ።  እቲ ኣጋጣሚ እቶም ኤርትራውያን ነቶም ትምህርቲ ዝሃቡ ኣባላት ፓርላማ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ዘረድእሉ ዕድል ከም ዝኸፈተሎም’ውን ተፈሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣቦመንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልብርሃንን ብ5 ሓምለ 2022 ኣብ ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም ከም ዝተዘራረቡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተ ኢትዮጵያ ሓቢሩ። እዞም መራሕቲ ናብ ናይሮቢ ዘምርሑ ኣብ መበል 39 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ንምስታፍ ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ከም ዝተዘራረቡ እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።

እቲ ዜና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝበልዎ ጠቒሱ ከም ዘስፈሮ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ዝፈላልየን ዘራኽበን ስለ ዝበዝሕ ኣብዚ እዋንዚ ብጉዳይ ዶብን መስርሕ ህንጸት ዓብይ ሓጽቢ ህዳሰ ኢትዮጵያን ዘለወን ምስሕሓብ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሑ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ናይ ናይሮቢ ርክቦም ተሰማሚዖም።

ቅድሚ ሰሙን ሓይልታት ሱዳን፡ “ሽውዓተ ወተሃደራተይ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም” ብዝብል፡ ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳን ዘሰሃሕብ ኣል ፋሽቃን ከባቢኡን ናይ ከቢድ ብረትን ኣጋር ሰራዊትን መጥቃዕቲ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ እዩ። ናይቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተጋብአ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣጀንዳ፡ ብዛዕባ ሓባራዊ ጉዳያት ናይተን ኣባል ሃገራት ኮይኑ፡ ብፍላይ እናወሰኸ ክኸይድ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ኣብ ኢጋድ ስኽፍታ ፈጢሩ ዘሎ ምዃኑ እቲ ዜና ጠቒሱ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ኣቦመንበር መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ከረክቡ ቅሩብ ምዃኖም ከም ዝሓበሩ ካብ መርበብ ኣል ዓይን ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እቶም ጀነራል ከምዚ ዓይነት ቃል ዝኣተዉ፡  ብሰንክቲ ብፍላይ ድሕሪ ዝሓለፈ ሓዳር 2021 ዕልዋ ምክያዶም፡ መመሊሱ ዝሕይል ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ  ተገዲዶም እዮም። እቶም ጀነራል  ኣተሓሒዞም ስልጣን ናብ ሲቪል ኣብ ናይ ምስግጋር መስርሕ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ ክፍሊ ከም ዝተሓባበር  ቃል ኣትዮም።

ናይ ሱዳን ህዝባዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብወገኑ፡ እዞም ጀነራል ዝሃብዎ መግለጺ፡ ብሓቂ ስልጣን ንህዝቢ ንምርካብ ዘይኮነ፡ “ግዝያዊ ምንስሓብ” ምዃኑ ይገልጹ ኣለዉ። እቶም ጀነራል ስልጣን ዘረክብሉ ግዜ ዘይምጥቃሶም ከኣ ዝያዳ ጥርጠራ ዘሕድር ምዃኑ እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ስግኣቶም ገሊጾም።

ባንክ ዓለም “ንካለኣይ ገጽ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ምላሽ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምምዝባል ንዝተጸልዉ” ወገናት ዝውዕል ናይ 180 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ ከም ዘጽደቐ፡ ካብ ዋሽንግተን ሓቢሩ። እዚ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ብዝምውሉ ዓለም ለኻዊ ናይ ልምዓት ማሕበራት ኣቢሉ ዝወሃብ ምዃኑ ከኣ ተፈሊጡ። ቀንዲ ዕላምኡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ቀረባት ንምዝያድን ንምሕያል ምምሕዳር ስደተኛታትን ዘዕቆብዎም ማሕበረሰባትን እዩ።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ በዚ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘለዉ ሓገዝ ዘድልዮም፡ ብደረጃ ጾታ 50% ደቂ ኣንስትዮ፡ ብደርጃ ዕድመ ድማ ሓደ ሲሶ ህጻናት ንዝኾኑ፡ 2.5 ሚልዮን ሰባት ዝጥቀም ክኸውን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዚ መደብ ብ2016 ካብ ዝጅመር ንደሓር፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ጅቡትን ን5 ሚሊዮን ሰባት ከም ዝሓገዘ ተገሊጹ።

ዞባዊ ዳይረክተር ባንክ ዓለም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ቦውተኒያ ጉርማዚ፡ እዚ ካለኣይ ገጽ ማሕበራዊ ሓገዝ፡ ዝምድና  ስደተኛታትን ዘዕቆቦም ማሕበረሰብን ዘመዓራሪ ምዃኑ ገሊጸን። እተን ዳይረተር ኣተሓሒዘን፡ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ ነቲ መንግስታት ሕቶ ስደተኛታት ንምምላስ ዝገብርዎ ጻዕሪ ካብ ግዝያውነት፡ ናብ ቀጻልን ናይ ነዊሕ ግዜ መደባት ዕቤትን ዘሰጋግር እዩ ኢለን።

እዚ መደብ ናብ ኩሎም እቶም ስደተኛታት ኣዕቊቦም ዘለዉ ጀኦግራፍያዊ ከባብታት ክሰፍሕ ጻዕሩ ከም ዝቕጽል ተሓቢሩ ኣሎ። ንምስፋሕ ኣተገባብራ ፖሊሲታት ስደተኛታት ከም ዝሕግዝ እውን ተሓቢሩ። ስደተኛታት በዚ ፕሮጀክትዚ ኣቢሎም ቀጥታዊ ተጠቀምቲ ኮይኖም፡ ድሌታቶም ምስ መደብ ከባቢያዊ ምዕባለ ንክዛመድ ዘኽእል እዩ። እቲ መደባት ብዝያዳ ናብ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕቤትን ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ከም ዘድህብ ድማ ባንክ ዓለም ከም ዘመልከተ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋንዚ  ኢትዮጵያ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብዕቋብ ካብ ኣፍሪቃ 3ይ፡ ካብ ዓለም ከኣ 9ይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ሃገር ምዃና ኣብቲ ናይ ባንክ ዓለም መግለጺ ተጠቒሱ። ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስደተኛታት፡ መብዛሕትኦም  ኤርትራውያን፡ ደቡብ ሱዳናውያንን ሶማላውያንን እዮም። ጠንቂ ስደት ናይ ኩሎም ከኣ  ዘይምርግጋእ ዘስዓቦ ቀጻሊ ምምዝባል እዩ።

ሰልፊ ዲሞከራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ 3ይ ጉባአኡ ንስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ፡ “በጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከተን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን፡ ናይ ዓለም ሕግታት ኣኽቢረን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት መሰላት ህዝቢ ዘየኽብር፡ ህዝቢ ሃገሩ ራሕሪሑ ክወጽእ ዝደፋፍእን ዜጋታቱ ምቕባል ዝሕሰምን ምምሕዳር ምዃኑ ኣሚነን፡ መሰል ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከኽብራን  ይምሕጸነን።”  ከም ዝብል ዝዝከር እዩ።

ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮሚሽነር ሙሳ ፋቂ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ወተሃደራዊ ምስፍሕፋሕ ክዕቀባን ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ ብዘተ ፍታሕ ክረኽባሉን  ብ29 ሰነ 2022 ጸዊዕም።

መግለጺ ሙሳ ፋቂ፡ ሓይልታት ሱዳን ንምቕታል 7 ወተሓደራቱ ተኸቲሉ፡ ብ28 ሰነ 2022  ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስጉምቲ ምውሳዱ ጠቒሱ፡  ኣብ መንጎ ክልቲኣን ጐረባብቲ ሃገራት ወተሃደራዊ ጐንጺ ምብራኹ ከም ዘተሓሳስቦም ጠቒሶም።

እቶም ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መበገሲኡ ዝኾነይኹን ብዘየገድስ ወተሃደራዊ ረጽሚ ጠጠው ኢሉ፡ ኣብ መንጎ እተን “ኣሕዋት” ዝበልወን ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን “ብፖሊሲ ዶብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ናብ ዘተ ክእተው እጽውዕ” ኢሎም።

ኣቐዲማ ኣብ ጉዳይ ኣል ፋሽቓ፡ ምስ ኢትዮጵያ ምዝታይ ዝነጸገት ሱዳን፡ ናይ 1902ን 1975ን ክልተ ናይ ዶብ ስምምዓት ከም ዘለዉ ኣፍሊጣ። እንተኾነ ምስቲ ኢትዮጵያ “ብዘተ ንምፍትሑ ቅርብቲ ኣለኹ” ምባላ ናይ ምሳ ፋቒ መጸዋዕታ ጸቢብ ተቐባልነት ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎ።

ብኻልእ ወገን ሱዳን ድሕሪ ናይቶም ሸውዓተ ካብ ወተሃደራታ ምቕታሎም፡ ነቲ ጉዳይ ንሕብረት ኣፍሪቃ ሰጊራ፡ ደገፍ ንምርካብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲዳቶላ።

ሓደ ገጽ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ

ስርዓት ኤርትራ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጒንዎም ዝጸንሐ መንእሰያት ናብ መደበራት ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዶም ከም ዘሎ ሬድዮ ኤረና ኣብ ናይ 26 ሰነ 2022 ፈነወ ዜናኣ ሓቢራ። በቲ ዜና መሰረት ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ጥራይ፡ 500 ፍትሒ ዝጽበዩ ዝነበሩ እሱራት ከይፈተዉ ናብ መደበር ታዕሊም ተወሲዶም።

እዞም ንነዊሕ ግዜ ምስ ሕጽረት መግቢ፡ ሕክምናን ካልእ ማሕበራዊ ቀረብን ብሕሱም መግረፍትን ዝቓይን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስኑ ዝጸንሑ እሱራት መንእሰያት ዝተወስድዎ መደበር ታዕሊም ኣብ ኣፍዓበት ዝርከብ ምዃኑ ከኣ እቲ ሓብሬታ ኣቃሊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተመዚዞም፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ብዝከታተሉ ሱዳናዊ ኮሚሽነር፡ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ስርዓት ኤርትራ በቲ ምስ ጐረቤት ትግራይ ኣትይዎ ዘሎ ውግእ፡ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፉ ኣገዲዱ የሰልፍ ከም ዘሎ ምጥቃሱ ዝዝከር እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ ብሰንክቶም ቅድሚ 3 ዓመታት ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ መንእሰያት ሶማሊያ፡ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ዘይምርድዳእ ይፍጠር ከም ዘሎ ተገሊጹ።  ጆርጅ ኣንደርሰን ዝተባህለ ጋዜጠኛን ተመራማርን ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ከም ዝጸሓፎ፡  እቲ ዘይምርድዳእ ዝተፈጥረ፡  ሓድሽ መንግስቲ ሶማሊያ ነቶም መንእሰያት ናብ ሃገሮም  ክመልሶም ምስ መደበ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ክኽፈለኒ ዝግበኦ 50 ሚልዮን ዶላር ቅድም ይወሃበኒ ብዝብል፡ ጀሆ ስለ ዝሓዞም ምዃኑ እቲ ጋዜጠኛን ተመራማርን ኣቃሊዑ። ብሓፈሻ ህዝቢ ሶማሊያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣደታት ደቀን ካብ ኤርትራ ክምለሱለን ብተኸታታሊ ክሓታ ከም ዝጸንሓ ዝፍለጥ እዩ።

ብመንጽርቲ ነቶም ሶማላውያን ዝተዋህበ ደረጃ ታዕሊም፡ ስርዓይ ህግደፍ ዝሓቲቶ ዘሎ ክፍሊት ኣዝዩ ዝተጋነነ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።