ፈጻሚ ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

2022-07-16 19:13:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1001 times

ኣፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ ስቴቨን ሲ ዌከር ብ16 ሓምለ 2022 ብመንገዲ ናይ ፌስቡክ ገጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ተልእከኦም ኣብ  ኤርትራ ፈጺሞም ካብ 17 ሓምለ 2022 ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ኣፍሊጦም። ኣብቲ መልእኽቶም ኣብ ኤርትራ ናይቲ ኤምባሲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮይኖም ክሰርሑ ምጽነሖም፡ ንሞያኦም ክብርን ድምቀትን ከም ዝሃቦ ሓቢሮም።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሕሉ ግዜ እቲ ዝዓበየ መግለጺኡ፡ ምስ ህዝቢ ክራኸቡ ምኽኣሎም ምንባሩ ስቴቨን ሲ ዌከር ጠቒሶም። ኣብዛ እትድነቕ ዝበልዋ ሃገር ኤርትራ “ኣዝዩ ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበርኩምለይ” ንዝበልዎም ኤርትራዊ ወገናት፡ ሃብታም ባህሎምን ታሪኾምን ስለ ዘካፈልዎም፡ ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን በቲ ኣብ 1993 ዘረጋገጽዎ ልኡላውነት ሕቡናት ብምዃኖም ከም ዘመስገንዎም ኣብቲ ናይ ፈነወ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳድር ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ጠቒሶም፡ በቲ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣጸጋሚ ብዘይካ ካብ ሃገርካ ናብ ስደት ምውጻእ ካልእ ዕድል ዘይህብ ኩነታት ይሓልፎ ብዘሎ ህይወት “ተመሲጠ ኣለኹ” እውን ኢሎም። እቶም ኣንበሳድር ካብቲ ተስፋኹም እካፈል እየ ኢሎም፡  መንግስቲ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መስተንክር ዓቕሚ ዕድል ዝኸፍት ፖለቲካውን ቁጠባውን ጽገናታት ክገብር ከም ዝትስፈዉ ኣብቲ መልእኽቶም ኣስፊሮም።

ኣንበሳደር ስቴቨን ሲ ዌከር፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ዋላኳ ንሓቂ ክትክሕዱን ክትጠልሙ ዝደፋፍእ እንተሃለወ፡ ኣነን ካለኦት ብዙሓትን ግና ብዛዕባቲ ትብዓትኩም፡ ክብርኹም፡ መስዋእትነትኩምን ቃልስኹምን ንፈልጥ ኢና፡ ዝብል ናይ ምትብባዕ ቃል ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ኣስመራ ክብገሱ ኣብ ዝዳለውሉ እዋን ዓሚቕ ትሕትናን ምስጋናን ከም ዝስመዖም ገሊጾም። ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ካብ ሓሳቦምን ጸሎቶምን ከምዘይፍለ ምስ ጠቐሱ ከኣ፡ ኣግዚኣብሄር፡ ንኤርትራውያን ስድራቤታትን ንሃገሮም ኤርትራን ክባርኻ ተመንዮም።

ኣንበሳደር ስቴቨን ሲ ዌክር፡ ኣብ ስፖዚየምን መደብ ተለቪዥን ኤሪሳት 2022፡ ካብ ኣስመራ ብቐጥታ ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾኑ። ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፡ሰላምን ዲሞክራስን ናእዳን ኣድናቖት ዝረኸቡ ኣሜሪካዊ  ዲፕሎማት እዮም።

Last modified on Saturday, 16 July 2022 21:23