ነባር ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ናይ ምዕጻው ተንኮል ህግደፍ

2022-07-16 17:14:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1004 times

ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም ጅረፍ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት  ንምዕው ኣፍራሲ ተንኮላት ይፍሕስ ከም ዘሎ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ናይቲ ስርዓት ልኡኻት ነታ

ነባር ቤት ትምህርቲ ካርቱም ጅረፍ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሮም ንምእታው ንነዊሕ ግዜ ዘካየድዎ ጐስጓስ ምስ ፈሸለ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ሓድሽ ተንኮል ምሂዞም ከም ዘለዉ  ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣካላት ኣቃሊዖም።ኣካላት ህግደፍ ነታ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ከእትውዋ ካብ ነዊሕ እዋን ፈቲኖም ዘይተዓወቱላ ቤት ትምህርቲ ንምዕጻዋ፡ ኮነ ኢሎም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ታሸዓይ ክፍሊ ክምህራ እየን ዝብልወን ክልተ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ከባብታት ሰሓፋን ጅረፍን ከፊቶም ተመሃሮ ምምዝጋብ ጀሚሮም ኣለዉ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ናይታ  ቤት ትምህርትን ወለዲ ተመሃሮን ቁጠባዊ ጸገማት መዝሚዞም እቲ ዝኸፍትዎ ዘለዉ ኣብያተ-ትምህርቲ ብናጻ ኣገልፍሎት ክህብ እዩ ዝብል ምልዕዓላት ይገብሩ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይዚ ስጉምቶም ቀንዲ ዕላማ ነቶም ተመሃሮ ጀሆ ሒዝካ፡ ስርዓተ ትምህርትን በብግዜኡ ዝወሃብ ሓፈሻዊ መርመራታትን ካብ ኣስመራ ከም ዝጽበዩ ንምግባር እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ ተመሃሮ ኣብ ኤርትራ ዝሳቐይዎ ዘለዉ ከም ዝሳቐዩ ንምግባር እዩ።

ስለዚ ኤርትራውያን ወለዲ፡ ተመሃሮ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ኩነታት ብኻልእ ክንገሮም ክጽበዩ ኣይግበኦምን። እዛ ብዙሓት ፈላጣት ዘፍረየት፡ ደቆም ዝመሃሩላ ዘለዉ፡ ሃብታም ተመኩሮ ዝደለበት  ኤርትራውያን ግዱሳት ብደረጃ ማሕበራት ይኽን ብውልቀ ኣፍልጦን ሓገዝን ክልግሱላ ዝጸንሑ፡ ቤት ትምህርቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካርቱም ተዓጽያ ደቆም መፍቶ ህግደፍ ከይኮኑ፡ ከሎ ጌና ንከይትዕጾ ኩሉ ዝከኣሎ ጻዕሪ ክገብሩ ይግበኦም።

Last modified on Saturday, 16 July 2022 21:05