Thursday, 12 September 2024 21:04

Dimtsi Harnnet Kassel 12.09.2024

Written by

ኣብ ሓያል ምትህልላኽ ኣትዮም ዘለዉ፡ ጌታቸው ረዳን ደብረጼን ገ/ሚካኤልን

ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ዶር ደብረጼን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ውድብ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ምስ ህግደፍ ብምስጢር ክራኸቡ ከም ዝጸንሑ ተኣሚኑ። ንሱ ነዚ ዝግለጸ ከም ውጽኢት ናይቲ ኣብቲ ውድብ ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል፡ ኣቦመንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምክትል ኣቦመንበር ህወሓትን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “እቲ ብደብረጼን ዝምራሕ ወገን ኢደ-ወነናዊ ጉባአ ዘካየደ ብድሕሪት ዝኣምኖ ሓይሊ ስለ ዘለዎ እዩ” ንዝበሎ መልሲ ንምሃብ ብዝዓለመ እዩ።

ከም መግለጺ ዶር ደብረጼን ነቲ ርክብ ብፈጻሚ ኮሚተ ተመዚዙ ዘካየዶ ኣቶ ጌታቸው ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ርክብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ እውን ከም ዝፈልጦ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ “ዛራ መድያ ኔትዎርክ”  ትካል ዩቱብ፡ “ካብ ምንጭታተይ ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ” ብዝብል እቲ ቀዳማይ ርክብ ኣብ ዱባይ ኣብ መንጎ ጌታቸው ረዳን የማነ ገብረኣብን ከም ዝተኻየደ ጠቒሳ፡ ደሓር ግና ብወገን ጌታቸው ኣብ ሃዘሞ ዳግማይ ምርኻብ ክቕበል እንከሎ፡ ህግደፍ ግና ኣብ ምጽዋዕ ንራኸብ ስለ ዝበለት ምርድዳእ ስኢኖም ከም ዝተቋረጸ ሓቢራ። እንተኾነ እቲ ርክብ ብመንገዲ ጌታቸው ምዃኑ ተረፊ ካልእ ሰብ ብምትካእ ከም ዝቐጸለ ዝሕብሩ ወገናት ኣለዉ።

ተዓዘብቲ ከም ዝብልዎ፡ ነቲ ርክብ ብዝምልከት ኣብ መንጎ’ተን ብዶር ደብረጼን ገ/ሚካኤልን ብጌታቸው ረዳን ዝምራሓ ጉጅለታት ህወሓት ምክሕሓድ ዝፍጠር ዘሎ፡ ኣብ ዕላማ ናይቲ ርክብ ስለ ዝተፈላለዩ እዮም  ዝብል ግምት ኣለዎም።

እዚ ኣብ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ነቲ ቀጻሊ ሰላም ከስፍን ተስፋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ሎሚ ግና ኣብ ፖለቲከኛታት ትግራይ ዘሰሓሕብ ዘሎ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣት ኣሎ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብሓፈሻ ንኹሎም ኤርትራውያን ኣብ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለዉ፡ ብፍላይ ድማ ንኣመንቲ ክርስትና እንኳዕ ናይ ክረምቲ ጸልማትን ደልሃመትን ሓሊፉ፡ ናብ በዓል ቅዱስ ዮሃንስን መቐይሮ (ናይ ግእዝ ሓድሽ ዓመት)ን ብሰላም ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና። መጻኢና ጸላኢና ስዒርና ዝተረሓሓቐ ህዝብና ተቐራሪቡ፡  ኣብ ሃገርና ሰላምን ርግኣትን እነረጋግጸሉ ክኾነልና  ብስም መላእ ኣባላት ሰልፊ ዘለና ሰናይ ትምኒት ንገልጽ።

ምስ ኣኽብሮት

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

11 መስከረም 2024

ሚኒስትሪ ሃገራዊ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክሳብ ሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ ዝርከብዎም 178 ተጋሩ  ቅድም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ብ10 መስከረም 2024 ብናጻ ከም ዝተፈትሑ ተሓቢሩ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ እዚ ብናጻ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ዝተወሰነ፡ እቶም ግዳያት ብዘቕረብዎ ናይ ምሕረት ሕቶ መሰረት እዩ። እቲ ብኣዋጅ ቁጽሪ 840/2006 ዓንቀጽ 3 ዝቖመ ናይ ምሕረት ቦርድ በቲ ዘቕረብዎ ሕቶ መሰረት ዝሓደሮም ጣዕሳ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝወሰነ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እዞም ብናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ዕማም ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ፡ ክሳብ ሞትን ናይ ነዊሕ ዓመታት ማእሰርትን ዝተፈርዱ ኣብቲ ውግእ ዝተጀመረሉ ምስ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ ዝምድና ፈጢሮም ብዝብል ብክድዓት ሃገር ስለ ዝተኸሱ ምንባሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተጠቒሱ። እዞም ሎሚ ዝተፈትሑ ኣካል እቶም ንሓጺር ግዜ ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ወተሃደራት ምዃኑ ተጠቒሱ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሚራብ ኣባያ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣስታት 83 እሱራት ወተሃደራት ተጋሩ ዝነበሩ ብግፍዒ በቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ከም ዝተቐትሉ ጽሒፉ ከም ዝነበራ ኣብዚ ምፍታሕ 178 ወተሃደራት ዝሓበረ ጸብጻብ ተመልኪቱ።

በቲ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት፡ ናይዞም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ዝነበሩ 178 ወተሃደራትን ናይ ካለኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምሩኻት ውግእ ምፍታሕ ኣካል ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ ውዕል ምቑራጽ ተጻብኦ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ። እቲ ሚኒስትሪ ናይዞም ተፈሪዶም ዝነበሩ ምፍታሕ ኣካልቲ ውዕል ፕሪቶርያ ንድሕሪት ከይምለስ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ኢልዎ።

ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምትህልላኽ ነዊሕ ዕድመን ዝተፈላለዩ  መልከዓት ሒዙ ክጐዓዝ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ከምዚ ንክኸውን እቲ ዝለዓለ ኣሉታዊ ብጽሒት ዘለዎ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ሓይልታትን  “ክንስማዕ ንኽእል ኢና ባሃልቲ” ወገናትን ‘ውን እጃም የብሎምን ማለት ኣይኮነን። ሕማቕ ታሪኽን ምስልን ህግደፍ ርሑቕ ከይከድና በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ “እዚ ይጐድሎ’ዩ ዘይበሃል” ኩለ-መዳያዊ ግህሰትን ጥልመትን ዝግለጽ ኮይኑ፡ ካብ ድኽመታት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ተቓውሞ ድማ “ዓቕሙ ጠርኒፉ ኣንጻር ጸላኢኡ ዘድምዕ  ዓቕሚ ክፈጥር ዘይምኽኣሉ”  ቅድሚት ዝስራዕ  እዩ።

ኣብ ሕድሕድ ውዳበ ደንበ ተቓውሞና መሰረታውን ዘይመሰረታውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣለዉ። ብዙሓት ውዳበታት ናይ ምህላዎም ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ካብቲ ፍልልይና ነቲ ዘይመሰረታዊ ኢና  ንዘይምኽኑይ ምርባሕ ውድባት ጠንቂ ኮይኑ ኢልና እንነቕፎ። ምኽኑይ ፍልልያት ምህላዉን ብኣኡ መሰረት ብዝተፈላለየ መልክዕ ምውዳብናን ግና ናይ ምውዳብ መሰል ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ክዕወት ኣለዎ ዝባሃል ተወድዳሪ ሓሳብ ምቕራብ እምበር፡  ሓጥያትን ዕንቅፋት ቃልስን ኣይኮነን። ናይ ኩሉ ውዳበታት ዝለዓለ ናይ ሓባር ሽቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ኣብ ክንድኡ ህዝባዊ ስርዓት ምትካልን ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ   ብዝሒ ውዳበታት ከም ዘየሰክፍ ጌርና እንጠቕሶ።

እቲ ዝዓበየ ሸቶና ናይ ሓባር ኮይኑ፡ ዘለና ፍልልይ ኣብ ኣወጋግናኡን ኣተገባብርኡን ዘትከለ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ሓደ መዋጸኦ ነቲ ፍልልያት ናብ ሓደ ኣረዳድኣ፡ ኣወዳድባን ሓቢርካ ምስራሕን ምምጻእ እዩ። እዚ ኣብ ዘይተኻእለሉ ከኣ በበቲ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባን ኣወዳድባን እናተሓጋገዝካን እናተኸባበርካን ተትኽእሎ ምግባር እዩ። ኣብዚ መስርሕ ከምቲ ርኢቶኻ ብኻልኦት ወገናት እንተኾነ ተቐባልነት ረኺቡ ክስራሓሉ እንተዘየሎ ከኣ ክኽበረልካ እትደልዮ፡ ናይ ካልኦት ርኢቶን ኣተሓሳስባን  ናይ ምኽባር ግደታ ከም ዘለካ ምእማን መግለጺ ስልጡን ቃልሲ እዩ። ናይ ካልኦት ርኢቶ ምኽባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝወስድዎ ኣውንታዊ ስጉምቲ ምትብባዕ እውን ኣካል ስልጡንን ውሕሉልን ኣመሓዳድራ ፍልልያት እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ዘየለ ድኽመት ጠፋጢፍካ ብምፍጣር ወይ ነቲ ዓብይ ኣውንታ ጐሲኻ ንንእሽቶይ ድኽመት ኣተዓባቢኻ ነቓፋይን ተዓዛባይን ምዃን ንቕድሚት ዘሰጉም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ከምዚ ዓይነት ዘይሓጋዚ ኣቀራርባ ጽባሕ ንስኻ ንእትወስዶ ስጉምቲ እውን ኣብ ቅድሜኻ ተገቲሩ ክጸንሓካ ስለ ዝኽእልን፡ ውጽኢቱ ከኣ ተተሓሒዝካ መፍቶ’ቲ ንምጥርናፍና “ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ” ህግደፍ ምዃን ስለ ዘስዕብ።

ኣብዚ እዋንዚ “ከመይ ጌርና ተጠርኒፍና ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘድምዕ ዓቕሚ ንፈጥር? ” ዝብል ሕቶ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ህጹጽ ኣዛራቢ ኮይኑ ዝላዓል ዘሎ ኣጀንዳ እዩ።  እዚ ዛዕባ ሎሚ ከም ሓድሽ ዝለዓል ዘሎ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ምሳና ዝጸንሐ፡ ግና ከምቲ ዝድለ ዘየዕወትናዮ እዩ። እዚ ማለት ግና ካብቲ ዘይተዓወተ መስርሕ ዝቐሰምናዮ ተመኩሮ የለን ማለት ኣይኮነን። ሎሚ እውን ዝተፈላለዩ ኣካላት ነዚ መሰረታዊ ሕቶ ንምምላስ ነናቶም ሓሳብ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ርኢቶኦም ተቐባልነት ንክረክብ ኣብ ጽዕጹዕ ምንቅስቓስ ኣለዉ። “ዜጋ ተኮር ኮይኑ፡ ናይተን ዘለዋ ውድባትን ሰልፍታትን ኣባላት’ውን ኣባላቱ ዝኾንሉ ምጥርናፍ ምፍጣር፡ መሰረቱ ኣውራጃ ተኮር ዝኾነ መንግስቲ ኣብ ስደት ምፍጣር፡ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ውድባት ምምስራት …… ወዘተ” ዝብሉ ካብቶም ኣብ መድረኽ ዝዝተየሎም ዘለዉ  ምርጫታት እዮም።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ ክሳብ ሎሚ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓደ ካብዞም ምርጫታት ከም ዘይረዓሙ ኣብ ባይታ ዘሎ ምልክታት ይምስክር። እዚ ኣብ ዝኾነሉ እቲ ንምቅርራብ ዝግበር ቃልስን ምክብባርን ቀጻሊ ኮይኑ፡ በቲ እትኣምነሉ ምርጫ ክስዕብዎ ንዝደልዩ ኣፍደገ ከይዓጸኻ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞን ሓያል ጻዕርን ምምስራት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ከኣ ብመንጽርዚ ብኣወንታ ክረአ ዝግብኦ ተበግሶ እዩ። እቲ ብብዙሓት ወገናት ዝግበረሉ ዘሎ ምትብባዕ ከኣ ከም ሓደ ካብ ተመኩሮና ዝተመሃርናዮ ጸጋ ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ጉዕዞ ተቓወምቲ ውድባትን ሰልፍታትን ኤርትራ ክለዓል እንከሉ፡ ወትሩ ዝጥቀስ ጉዳይ ተመኩሮኻ ተመሊስካ ምግምጋም እዩ። ዕምቆት ገምጋም ዝምድናዊ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ምስዚ ግና ኣስታት 13 ውድባት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 2013 እኹል ግዜ ወሲዶም ሰፊሕ ገምጋም ኣካይዶም “ፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ዘይምውናን፡ ኣብ ዝተሓቱ ነጥብታት ተሰማሚዕካ ዘይምስራሕ፡ ቀዳምነታትካ ክትሰርዕ ዘይምብቃዕ፡ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ ምእዙዝ ዘይምዃን፡  ውልቃውን ውድባውን ረብሓታት ምቕዳም፡ ናይ ምግላል (exclusion) ፖሊሲ ምኽታል፡ ዘይግሉጽነትን ካልኦት ከምኦም ዝኣመሰሉን”  ዝርከብዎም 21 ድኽመታት ዘመዝገብሉን ዝተማህርሉን ተመኩሮ ምንባሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ውድባት ኣብ ውሽጠን ዘካይደኦ ገምጋም’ውን ኣለወን። ስለዚ እዚ ገምጋማት ነዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ኣተሓሳስባ  ምክብባርን ምድምማጽን ኣስተዋጸኦ ኣየበርከተን ማለት ኣይኮነን።

ዝተረዳድኡ ኣካላት የዕውተና እዩ ብዝበልዎ መንገዲ ክጠራነፉ እንከለዉ፡ ናይ ምውዳብ መሰሎም ብምጥቃሞም፡ “ስለምንታይ ንምርጫና ምርጫኹም ዘይገበርኩምዎ” ብዝብል፡ ዕንቅፋት ክትኮኖም ሓጋዚ ኣይኮነን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታውን ሓደገኛነት ምጥልላፍ ብምግንዛብን ኢና ድማ “ኣብቲ ነንኣምነሉ ዓዓቕና ዘይነበርከት”  እንብል ዘለና።

ዕላማ ቃልስና ኮነ ምምስራት ጽላል ኣብ ምውዳቕ ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ቅድሚት’ኳ እንተዘይሰራዕናዮ፡ “ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍከ ናበይ?” ዝብል ሕቶ ዘመላኸተ ክኸው ናይ ግድን እዩ። ቃልስና ካብ ሕቶ ፖለቲካዊ ስልጣን ወጻኢ ስለ ዘይረአ “ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ብመንን ብኸመይን ትምራሕ? ናይ ሽዑ ግደና ኸ ከመይ እዩ ክኸውን?”  ኣብ ዝብል ከሎ ጋና እምነትካ ምንባርን ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ ስልጣን ተወዳዳሪ ምዃንካ ምምልካት’ውን ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሕዳር ህርፋን ስልጣን ዘመልክት ዘይኮነ ኣብ “ሽዑ ነርክበሉ ሕጂ ንኺድ ጥራይ” ዘይንጥልጠል ቅኑዕ ዋሕዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ነዚ ዝእምት ስሩዕን ዝተጸንዐን ባይታ ምንጻፍ ኣገዳሲ እዩ። ፖሓኤ ከኣ ብርኢቶኡ ነዚ ሕቶታት’ዚ መልሲ ይኸውን’ዩ ዝበሎ እዩ ኣብ ቻርተሩ ኣስፊሩ ዘሎ።

ከምቲ “ብተመን ዝሰንበደስ ብልሕጺ ተዳህለ” ዝበሃል፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ምምስራት ጽላል ዘየዕወተ ተመኩሮና ከሰክፈና ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ፡ “ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን” ዝብል ምስላ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እምበርከ እቲ ፈተነታት ምምስራት ጽላል ስለምንታይ ከም ዘይተዓወተ፡ ነቲ ጽላል ኣብ ምስሳይ ዝነበሩ ነፍስ-ወከፎም ግደኦም እንታይ ከም ዝነበረ ተመሊሶም ክሓስብሉዶ ኣይግባእን እዩ።   ድሕሪቲ ተደጋጋሚ ፍሽለታት ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ካብ ተመኩሮኻ ምምሃርን ከም ዝህሉ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ እውን በቲ መንገዲቲ እንተሰጒምና ክንፈሺል ኢና ኢልካ፡ ምስ ኩነታትናን ንቡር ኣተሓሕዛ ኣብዘሓ ውድባትን ብዘየሳኒ ክሳብ “ውድባት ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተዓወታ ኣየድልያን እየን” ዝብል ተመጢጥካ፡ “ዝተኣከበ በቲንካ፡  ክትእክብ ምፍታን  ውሕሉልን ዘዋጽእን ምርጫ ኣይኮነን።

ውድባት ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ምትእምማን ፈጢረን ዝተሓናፈጻ፡ ነናተን ነጻነት ሃልይወን ኣብቲ ዘሰማምዓሉ ብደረጃ ጽላል ብሓባር ከም ዝቃለሳ ምግባር፡ ብዙሓት ዝተዓወትሉን ዝሰርሕሉ ዘለዉን ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እምበር፡ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ከምዘይኮነ ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ጽላል ይኹን ካልእ ጥርናፈ እተዘይተዓዊቱ’ውን  እቲ ናይ ዘይምዕዋት ጠንቂ እቲ ናይ ምጥርናፍ  ኣገባብ ዘይኮነ፡ እቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ፖለቲካዊ ኣካላት ዝሕተትሉ እዩ ዝኸውን።

ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ሃዲያ ሓሰበላ

ነጠፍቲ activists ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ሃገረን ብህጹጽ ተኹሲ ጠጠው ክብል፡ ሰብኣዊ ቀረብ ክማላእን ምሉእ እገዳ ኣጽዋር ብምትግባር፡ ውሕስነት ብዘለዎ ወግእ ክቋረጽን ከም ዝጸወዓ ማዕከን ዜና “ሱዳንስ ትሪቡን” ኣፍሊጣ።

ሃዲያ ሓሰበላ ዝተባህለት ፕረሲደንት ትካል ሓለዋ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ንምቁራጽ ተኹስን ረዲአት ዝቐርበሉ ኣፍደገ ምኽፋትን እዋናዊ ቀዳምነት ዝወሃቦ እዋናዊ ኣጀንዳ እዩ ክትብል ገሊጻ። ኣተሓሒዛ ድማ ንተሳተፍቲ ኣብዚ እዋንዚ “ኣብ መላእ ሱዳን ቀረብ ኣጽዋር ክቋረጽ፡ ሓለዋ ሲቪል ሕበረተሰብ ክግበርን ሰብኣዊ ቀረብ ብስሩዕ ክቕጽልን ክንሰማማዕ ይግበኣና” ከም ዝበለት እቲ ዜና ጠቒሱ።

ሃዲያ ሓሰበላ ኣተሓሒዛ፡ ንግዝያዊ ሰላም ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንቐጻሊ ዘተኣማምን ሰላምን ንሰውራ ታሕሳስ ናብ ንቡር ንምምላስን ክንሰርሕ ይግበኣና ከም ዝበለት እውን ተሓቢሩ። ኣብ ርእሲኡ ኣካላት ሃገራዊ ሰልፊ ጉባአ ሱዳን ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ መስርሕ ሰላም ከም ዝግለሉ ክንገብር ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ኣንጻርቲ ሲቪል ሕብረተሰብ ንምክፍፋል ዝግበር ምንቅስቓስ ንክስለፋ ጸዊዓ።

ናይዚ ኣብ ካምፕላ ዋዕላ ዘካየደ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ዝሓቖፈ ትካል ምክትል ፕረሲደንት ቡታይና ዲናር ብወገና፡ እዚ ኣብ ሱዳን ዝተፈጥረ ውግእ መብጸዓታት ሰውራ ታሕሳስ ንምምላእ ዕድል ዝኸፍት ክኸውን  እዩ ኢላ፡ ግደ ሱዳናውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘጉልሕ ኣጀንዳ ንክዓስላ ጸዊዓ።

ኣብ 1948 ኣብ ባጽዕ ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ  ዝዓበየን ዝተማህረን፡ ውሩይ ኤርትራዊ ደራፋይ ዑስማን ዓብደርሒም፡ “ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ስደት ዓሪፉ” ዝብል ዜና ምስ ሰማዕና ኣዚና ሓዚንና። ዑስማን ካብቶም ኣብ ሱሳታት ኣሰር በዓል ኣልኣሚን ዓብደላጢፉ ተኸቲሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ደርፊ ዝጀመረን  ካብቶም ኣብቲ እዋንቲ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮም ደረፍቲ ሓደ  ኮይኑ፡ በተን፡

“ፍልስፍና ገድሊ ምግስጋስ ስምረት እዩ መባእታ፡ ምፍንጫል ይወገድ ንኹን ሓደ ዋልታ። ኣብ ከተማ ምጽዋዕ ጥቓ ደንደስ ባሕሪ፡ ሎሚ ተዘኪሩኒ ዘሕለፍኩዎ ፍቕሪ። ኣብ ገዛና ዘሉኹም ተቐማጦ ሰብ ክራይ፡  ሕጅስ ንዑ ውጹ መጺኦም እዮም ስድራይ። ኣብዛ ዓለም ኣላይተይ፡ ኣደይ’ያ ወላዲተይ። ዓቕሊ ጽበት ኮይኑኒ ኣይከኣልኩን ንበይነይ። ፍቕሪ ዕዉር ኣሚነ ተሳቐኹ ዋይ ኣነ። ዝሕው ኢሉ መዓንጣይ። ጸላም ብሮት ዘላታ ኣብ ምዕጉርታ።”  ብዝብሉን ካለኦት ሰሚዕካዮም ዘይምነዉን ዜማታቱ ዝፍለጥ ክኢላ ነይሩ።

መላእ ኣባላትን መሪሕነትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመዋቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ እናበሉ ንስድራቤቱ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ።

ገረዝጊሄር ተወልደ

ኣቦመንበር ሰዲህኤ

8 መስከረም 2024

ኣምኒስት ኢንተርናሽናል ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ኣብ ቱርክ ኣዲን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ተዳጒኖም ከም ዘለዉን ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ኣብ ናይ ምምላስ ሓደጋ ከም ዝወደቑን ሓቢሩ። እቲ ጸብጻብ ኣምንስቲ ከም ዝገለጾ ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዓዲ ኣብየቶ ኣብ ዝበሃል ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዞም ጌና ኣብ ቱርክ ተታሒዞም ዘለዉ ብዘይድሌቶም እንተተሰጒጎም እውን ኣብ ትሕቲ ጨካን ስርዓት ኤርትራ ኣደዳ ማእሰርቲ፡ ስቓይን ካልእ ሰብኣዊ ግህሰትን ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

እቲ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ትካል፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኩነታት እቶም ኤርትራውያን ኣብ ግምት ኣእትዩ ኣገዲድካ ናይ ምስጓጎም መደቡ ኣቃሪጹ ብመሰረት’ቲ ብ1951 ዝፈረሞ ንኣተሓሕዛ ስደተኛታት ዝምልከት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ነዞም ኤርትራውያን መሰል  ዕቑባኦም ከኽብረሎም ጸዊዑ።

ኣምንስቲ እቶም ግዳያት ንቐረቦም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከም ዝሓበርዎ፡ ንክስጎጉ ተዳለዉ ከም ዝተባህሉን ናይ መግቢ፡ ሕክምና፡ ክዳንን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ጸገም ከም ዘለዎም ምሕባሮም ጠቒሱ፡ ብዛዕባቲ ዝተወሰኖም ኣገዲድካ ናብ ኤርትራ ምምላሶም  ነብሶም ናይ ምክልኻልን ሓሳቦም ናይ ምግላጽን መሰል ከም ዝተነፍጎም ገሊጹ።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ማልታ፡ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከምዝተጠረዙ ዝዝከር ኮይኑ፡  ምስ ተመለሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዳጎኑ ዝዝከር እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ሓንቲ ካብተን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዓ ሃገራት ከምዝኾነት ይፍለጥ። በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ ብዘይክስን ብዘይፍርድን ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት፡ ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካለኦት ዜጋታትን ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ኣምንስት ኢንተርናሽናልን ካለኦት ሰብኣዊ ትካላት ብተደጋጋሚ ከቃልዑ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

Thursday, 05 September 2024 20:53

Dimtsi Harnnet Kassel 05.09.2024

Written by
Page 7 of 576