ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ተኹሲ ጠጠው ክብል ተማሕጺኖም

2024-03-09 19:24:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 393 times

ጸሓፊ ብሊንከንን ፍሉይ ልኡኾም ኣብ ሱዳን ቶም ፐሬሎን

 ብ26 ለካቲት 2024 ናብ ሱዳን ዝተመዘዙ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ቶም ፐሬሎ፡ ድሕሪ ምምዛዞም፡ ኣብ ናይ መጀመርያ ጉዕዘኦም ናብቲ ዞና፡ ቀዳማይ ዕማሞም፡ ኣብ ሱዳን ንምቑራጽ ተኹስን  እኹል ሰብኣዊ ቀረብን ከም ዝጽውዑ ኣፍሊጦም። እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ እንከለዉ ዘመሓላለፍዎ ሓጺር መልእኽቲ፡ መገሻኦም  ብስም ቤት ጽሕፈት ወዳኢ ጉዳይን መንግስትን ኣሜሪካ ምዃኑ ኣነጺሮም።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ሓጺር መልእኽቶም፡ “ንሕና እዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብል ንደሊ። ከምኡ እውን ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ኩሎም ሱዳናውያን እኹል ሰብኣዊ ቀረብ ክረጋገጽ ድሌትና እዩ” ዝብል ኣገዳሲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሱዳን ፐሪየሎ፡ ምስ ኩሎም ተሻረኽቲ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ከምኡ እውን ምስ ኩሎም ብሰንኪ ውግእ ሱዳን፡ ኣብ መደበራት ተዓቚቦም ዘለዉን ኣብ ካልእ ከባቢ ዝርከቡን ስደተኛታትን ተመዛበልትን  ክራኸቡ ምዃኖም ጠቒሶም።  ከምኡ ከኣ ምስቶም ጉዳይ ሱዳን ብሰላም ክውዳእ ዝድግፉ ኣፍሪቃውያንን ከም ሳዑዲ ዓረቢያ ዝኣመሰሉ መሻርኽትን ናይ ምርኻብ መደብ ከም ዘለዎም ኣስፊሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ሱዳን ብምኽንያት ኣብዚ ቀረባ ዝጅመር ቅዱስ ወርሒ ሮመዳን 2024 ተኹሲ ጠጠው ከብሉ ከም ዝወሰነ እቲ  ኣፍሊጡ። ከምኡ ድማ ኣብ ሱዳን ቀጻሊ ሰላም ክመጽእ ጸዊዑ።

Last modified on Saturday, 09 March 2024 20:34