ኣብ ኤርትራ ከተማ ባረቱ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 48 ጋሩ ብ12 ማዝያ 2024 ተፈቲሖም ናብ ትግራይ ከም ዝተፋነዉ ማሕበራዊ መራኸብታት ትግራይ ኣፍሊጠን። እዞም ካብኣቶም ናይ 37 ዝርዝር ኣስማት ዝጠቕሰ ተጋሩ ኣብ ግንባር ዓዲ ጸጸር ናብ ዝርከብ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ረከቡ ናብ ከተማ ሸራሮ ከም ዝተወስዱ እውን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ብይካዚ ምስቶም እሱራት ብሓይልታት ኤርትራ ተወሲደን ዝነበራ 29 ከብቲ ናብ ትግራይ ከም ዝተመለሳ እተን ምንጭታት ኣፍሊጠን።

እቶም ምንጭታት እዞም ዝተፈትሑ ግዳያት ምስ ስድራቤቶም ዝራኸብሉ መንገዲ ይስራዕ ከምዘሎ፡ ተወሰኽቲ እሱራት ክፍትሑ ተስፋ ከም ዘሎ ድማ ጠቒሶም።

ኣብዛ ብብዙሓት ወገናት “ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር” እትበሃል ዘላ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ክቐርቡን ዝተኣስርሉ ቦታኳ ዘይፍለጥን ዝኾነ ኣካል ረኪቡ ደሃዮም ክፈልጥ ዘይክእልን ኣማኢት ኣሸሓት ኤርትራውያን ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

ኬንያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብዛዕባ መደበር ሓይሊ ባሕርን ኣገልግሎት ወደብን ብዝምልከት ክሰማምዓ ይፍትና ኣብ ዘለዋሉ እዋን፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ህድእ  መፍትሒ ምቕራብ ዘኽእል  ርኢቶ ኣለኒ ምባላ ሮይተርስ/REUTERS ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ኬንያ ኮሪር ሲንጎይ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ርኢቶ  ከይጠቐሰ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኣገልግሎት ወደብ ዘትክል ኮይኑ፡ ጅቡትን ኢጋድን ብሓባር ክነድፈኦ ከም ዝኽእላ ኣመልኪቱ።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ኬንያዊ በዓል መዚ፡ ኢጋድ ከም ዞባዊ ትካል፡ ኣብ ጉዳይ ውዕል ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ንዞባና  ከቀራርብ ዘኽእል እማመ ከቕርብ ከም ዝኽእል’ውን ኣሚቱ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ፕረሲደንት ሶማሊያ ኣብ ናይሮቢ ምስ መራሒ ፕረሲደንት ኬንያ ዊልያም ሮቶ ዘካየድዎ ርክብ ነቲ ብኬንያ ዝቐርብን ነዚ ዞባ ከህድእ ትጽቢት ዝግበረሉን ርኢቶ ኣብ ምዕዋት ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ። እንተደኣ እዚ ናይ ኬንያ ርኢቶ ተዓዊቱ፡ በቲ ሓደ ወገን  ኢትዮጵያ ብዘተኣማምንን ብቐጻልን ኣገልግሎት ኣፍደገ ባሕሪ ክትረብ ክትእል እያ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማሊያ ምዕቀብ ከም ዘኽእል ጠቒሱ።

እቲ ኬንያዊ ዲፕሎማት፡ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ዞባና ዝፍጠር  ዘሎ ቅልውላው፡ ጉጅለ ኣልሸባብ ክጥቀመሉ ስለ ዝኽእል፡ መዋጸኦ ንምርካብ ግዜ ምውሳድ ከምዘየድሊ ኣጠንቂቑ። በዚ መሰረት መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ብኣካል ተራኺቦም ኣብቲ ጉዳይ ክመያየጡ ብኬንያ ተዓዲሞም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዞባና እውን ተጽዕኖ ዝፈጥር ዘሎ ጸገም ዝተፈጥረ፡ ኢትዮጵያ ብ1 ጥሪ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መሰማምዒ ሰነድ፡ ሶማሊያ ድማ ናጽነተይን ልኡላውነተይን ዝግህስ እዩ ብዝብል  ተሪር  ተቓውሞ ተስምዓሉ ዘላ  እዩ። እዚ ዘይምስማዕ ኣብ ኢትዮጵያ ኬንያ ከይተወሰነ ሓዲሽ ዞባዊ ኣሰላልፋ ናብ ምፍጣር ገጹ ዝምዕብል ዘሎ እዩ።

Thursday, 11 April 2024 21:26

Dimtsi Harnnet Kassel 11.04.2024

Written by

ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብገበን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ባእታታት ብኸፊል

ኤርትራ ምናልባት ኣብታ ሃገር ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ምቅላል እንተ ሓገዘ ብዝብል፡ ሓንቲ ካብተን 42 ኣባላት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከምእትኸውን እኳ እንተተገብረ፡ ዝኾነ ይኹን ውጽኢት ከምዘይተረኽቦ ናይቲ ባይቶ ጸብጻብ 2024 ኣቃሊዑ።

እቲ ጸብጻብ ክሳብ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ መሰል  ምምሕያሽ ከም ዘየለ ጠቒሱ፡ እኳ ደኣ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ ኣብተን ኤርትራዊ ዝዕቊበለን ዝነበረ ከም ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ጐረባብቲ ሃገራት ይፍጠር ብዘሎ ውግእን ዘይምርግጋእን፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝገደደ ምክልባትን መጭወይትን ከም ዝርከቡ እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እዚ ድማ ዕድመ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ብምልኡ ኤርትራዊ ኣብ ስቓይን መከራን ዝጸንሓሉ   ዘርኢ ምዃኑ እቲ ባይቶ ኣብቲ ጸብጻቡ ኣስፊርዎ።

ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ በብግዜኡ ንከተመሓይሾ ዝቐርባ ምሕጽታ ዘይትቕበል ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ምስ ኮሚሽናት ሰብእዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ክትተሓባበር ቅርብቲ ከም ዘይኮነ እውን ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ ከም መዕቀኒ ናይ ሚዛኑ ካብ ዝወሰዶም ነጥብታት፡ ብዘይሕገመንግስታዊ መሰረት ዝተኣወጀ ግዱድ ውትህድርናን ኣተገባብራኡን፡ ናይ ዜጋታት ናይ እምነት ነጻነት፡ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ምስዋርን ዜጋታትን ኣገዲድካ ምምላስ ስደተኛታት ካብቲ ዝተዓቖብዎ ሃገራትን ከም ዝርከብዎም እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ህግደፍ ዝብል ስም ተጠሚቑ ዝተቀልቀለ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ብኣተሓስሳባ ኣይራኸቡን እዮም። ዘይቃደውሉ ምኽንያት ኤርትራውያን ስለ ዘይኮኑ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኤርትራ፡ ዕድላን ብደሆኣን እውን እንንተኾነ ሓደ ዓይነት ወይ ከኣ ዝመሳሰል ጭረሖ ስለ ዘየቃልሑ እውን ኣይኮኑን። ፍልልዮም ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክትሓብኦ እንተደለኻ’ውን ዘይሕባእ ናይ ዓማጽን ተዓማጽን ኣሰላልፋ ዝነቅል እዩ።

ተጸራርነት ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዝተፈላለዩ ኣምራት ብምጥቃስ ዝግለጽ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ናጽነትን ልኡላውነትን ኣውሒሱ ሓርነት ዝብህግን ምእንታኡ ዝቃለስን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናጽነትን ልኡላውነትን ይኣኽለካ ኢሉ ሓርነት ዝነፍግን ብቐጻሊ ዝዕምጽን፡ በቲ ሓደ ወገን ብኣፍልጦይን ተሳትፎይን ብዝጸደቐ ቅዋም እየ ዝምራሕ ዝብል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብህርፋን ውልቀ ዲክታተር ብዝተቓነየ ኣዋጃትን መግለጽታትን እየ ዝመርሓካ ኢሉ ዝኣስርን ዝሞቅሕን፡ በቲ ሓደ ወገን ዲሞክራሲያዊ መሰለይ ተጠቒመ ቆጽሊ ብዘውደቕኩሎም ኣመሓደርቲ እየ ዝምራሕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንሕና ብግደታ ብእንምድበልካ ሓላዊ ስልጣና ኢኻ ትምራሕ ዝብል………ወዘተ ኢልካ ፊትንፎት ክሰፍሩ ዝኽእሉ እዮም። ኮታ ኣብ መንጎ “ኣብ ገዛእ ሃገረይ ኩሉ መሰላተይ ይከበረለይ ዝብልን ምእንታኡ ዝቃለስን” ደላይ ሰላም ልምዓትን ዲሞክራሲን፡ “ንሕና ዓቂና ንዝሃብናካ መሰል ጥራይ ኣሜን ኢልካ ተቐበል” ዝብል ትዕቢተኛ ጉጅለን እዮም ኢልካ ምስፋሩ እውን ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገሩ ሓደ ዓይነት ባህጊ ነይርዎን ኣለዎን። ነዚ ባህጉን ትጽቢቱን ብኸመይ የውሕሶ ኣብ ዝብል ግና፡ እቲ ሎሚ ዝጸብብ ዘሎ ፍልልይ ጸኒሕዎ እዩ። ኣብ ኤርትራውያን ነቲ ናይ ህግደፍ ጥልመትን ክሕደትን “መዓስን ብኸመይን ንግጠሞ” ኣብ ዝብል፡ “ህግደፍ ዕድል እተረኺቡ ከዕረ ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ክንዲ ንህወኽ ግዜ ንሃቦ፡ ኣብ ባዶ ካዝና እዩ ስልጣን ተረኪቡ፡ ብዘይካ ኤርትራ ተኹሲ ዘይስመዓላ ሃገር የለን፡ ክቡር ዋጋ ከፊልና ከነብቅዕ ሎሚ ኣብ ዋጢጥ እንተኣቲና መፍቶ ጓኖት ክንከውን ኢና፡” ዝበሉ ኣለዉ። “ኣይፋል እዚ ኩሉ ምኽንያታት ኣይሰርሕን እዩ፡ ህግደፍ ግዜን ዕድልን ስኢኑ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ እዩ ዝኽሕደና ዘሎ” ዝበሉ እውን ኣለዉ። እዚ ዘርእየና ንኣተሓሕዛ ኣካይዳ ህግደፍ ብዝምልከት ዝቐርቡ  ገለን ጉርሒ ገለን ድማ ግርህነት ዝመንቀሊኦም ኣተሓሳሳታት ይንጸባረቑ ነይሮም። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ወዮ መፍቶ ጓና ከይንኸውን ብዝብል ምስምስ ክሕባእ ዝድለ ዝነበረ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ህግደፍ፡ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ ካባና ሓሊፉ ናይ ዓለም መድረኻት ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ።

ህግደፍ ከምቲ እቶም ውሑዳት ግና ድማ ትኩራትን ውዱባትን ኣቐዲሞም ዝመዘንዎ፡ እቲ ክሳብ ሎሚ ዝኸዶ ዘሎ ግጉይ መንገዲ ኮነ ኢሉ ሓሲብሉ ስለ ዝመረጾ ኣብቲ ግጉይ ምርጭኡ መልክዕን ሕብርን እናቐያየረ ምኹዳድ እንተዘይኮይኑ፡ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝህቦ ቀልቢ የብሉን። እቲ ንመናዊሒ ዕድመ ስልጣኑ ዝመረጾ ድማ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ዘቤታዊ ሕቶኡ ጓስዩ፡ ተሻቒሉ ናብ  ካልእ ዘድህበሉ ኩነት ምምሃዝ እዩ። ካብ ቅድም በብታራ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትኹታኽ ናይ ምእታዉ ምኽንያት ከኣ፡ ሓርበኛን ሓያልን መሲልካ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ንምርካብ ነይሩ። ደሓር ባዕሉ ብዘርኣዮ ጸፋዕፋዕ ደኣ ተቓሊዑ እምበር ሓሳቡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ብዝተወሰኑ ሰባት ገዛኢ ረኺቡ ነይሩ እዩ።   ነቲ ምህዞኡ ንምጽብባቕን ሓሳቡ ዝገዝእ ንምብዛሕን ከኣ ነቲ ተግባሩ ምስ ልኡላውነት ኤርትራን ህላወ ህዝባን ከዛምዶ ክጽዕት ጸኒሑ። ስለዚ መልከዓቶም እዮም ዝቀያየሩ እምበር፡ ብትሕዝቶ ደረጃ  እቶም ክሳብ ሎሚ ዝጥቀመሎም ዘሎ መጻወቲ ካርታታት ተሓይኾም ዝተደርበዮ እዮም። ህግደፍ ሎሚ እውን ካብዚ ዕንክሊል  ስለ ዘይወጸ ኢና ከኣ ቅድም ይለዓሉ ናብ ዝነበሩ ጉዳያት ክንምለስ እንግደድ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሰክተራት ዘይትግበር መብጸዓታት ምእታው ከኣ፡ ካልእ ናይ ህግደፍ መመላኽዕን መዕደጊ ግዜን እዩ። ነቲ ናይ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝቕበሎ መሲሉ ብምቕራብ ድማ ኤርትራ ኣትያቶ ንዘላ ድሕረትን ድኽነትን “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ ሎሚ ኣበይ ኣላ? ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰሩ’ውን የለን” እናበለ ንብዓት ሓርገጽ ይነብዕ። ነቲ ህዝቢ ናብ ዘይጭበጥ ዓለም ንምውሳዱ ድማ ሓንሳብ ጉዳይ ብቑጠባ ነብስኻ ምኽኣል የምጽእ። ጥሙር ሕርሻዶ ናጻ ፋይናንሳዊ ማእከል ዝበሃሉ ኣምራት የቐልቅል እሞ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ከም ዝበሃል ከኣ የህጥሞም። እዚ ነቲ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገራ ኢና” ዝብሎ ዝነበረ ወሲኽካ እዩ። ኤርትራ ብኸምዚ ዝረአ ዘሎ መንእሰያ ተበቲኑ ብህግደፍ ንድሕሪት እንተዘይትምለስ፡ ከምቲ  ህግደፍ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝተመባጽዖም ናይ ምዃን ዓቕሚ ሕጂውን ኣለዋ። እቶም ኤርትራ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ድኽነትን ድሕረትን ዝወደቐት፡ ነብሳ ክኢላ ከም ሃገር እትዓብየሉ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ጸጋታታት ስለ ዘየብላ ገይሮም ዝርድእዎ ድማ፡ ኣዝዮም ግጉያት እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ንሰምዖ ዘለና፡ ኢሳያስ ምስ መራሕቲ ሃብታማት ሃገራት ተመሓዝዩ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ስምመዓት ከቲሙ፡ ዓበይቲ ጀነረተራት ዝጸዓና መካይን ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ተራእየን ዝብሉ ወረታት፡ ኩሎም ሕብሮምን መልከዖምን ዝቐየሩ ናይ ቀደም መደንዘዝቲ እምበር ሓደስቲ ኣይኮኑን።  እንተ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ እውን  ቀልቡን ሃሙን ኣብ ምምላስ ህዝባዊ ዘቤታዊ ሕቶታት ዘይኮነ፡ ኣብ ምስዋርን ምጉህሃር እዚ ብደረጃ ኣህጉር ኮነ ዞባ ኣብ ከባቢና ዝላባዕ ዘሎ ጐንጽታት እዩ ዘውደኽድኽ ዘሎ።

ስለዚ ከምቲ ወኻርያሲ “ንወዲ ሰብ ምእማን ቀቢርካ እዩ” በለት እናተባህለ ዝዝንቶ፡ ንህግደፍ ከኣ ስዒርካዮ እምበር ኣሚንካ ተጸቢኻዮ ለውጢ ከምዘየምጽእ ኣሚና፡ ኣብ ቃልሲ  ከነትክል ይግበኣና።

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር 2024 ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ሱዳን ቅድሚ ውግእ ዝነበረቶ ኩነታት ምምላስ ከምዘየለ ኣፍሊጡ። መግለጺኡ ብምቕጻል ድማ እቲ ንሱ ዝምርሖ ልኡላዊ መንግስትን መሰጋገሪ መንግስትን ክበሃል ዝጸንሐ ኣገባብ ከም ዘብቀዐ ጠቒሱ፡ ሎሚ ሱዳን ኣብ ዝተፈልየ መንገዲ ከም ዘላ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ካብ ወርሒ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሕድሕድ ውግእ፡ “ምእንቲ ወላዲት ሃገር ዝካየድ ናይ ክብሪ ውግእ እዩ” ኢሉ፡ እዚ ኩነታት ንሱዳን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእትዋ መበገሲ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣብዚ ተሪር ዝተባህለ መግለጺኡ፡  “ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ የለን” ከም ዝበለ ድማ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።

ነቲ መደረ ዝተኸታተሉ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝሃዎ ርኢቶ፡ መግለጺ ጀነራል ኣል-ቡሃን አቲ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ እሞ እቲ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ንቡር ክምለስን ሰራዊት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን  ኣካል ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ክኸውንን ንዝነበረ ተስፋ ዘጸልምት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ኣብ 15 ማዝያ 2024 ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት እናተገብረ እንከሎ እዩ።

ማእከላይ ትሕዝቶ ናይዚ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ዝተሰምዐ መደረ፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ንዘይምምላስ ምዃኑ ዝጠቐሱ  ወግናት፡ ዕላማ ኣል-ቡርሃን፡ ምስቲ “ተቐዱም” ዝበሃሉ ሲቪል ሱዳናውያን ዝተጠርነፍሉ ወገን እውን ንዘይምቕባል እዩ። ብናይ ብርሃን እማመ፡ ነቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዝምራሕ ተወርዋሪ ሰራዊት ሱዳን ብውግእ ስዒሩ፡ ድሕሪኡ ኣካሉ ዝነበሩ ውልቀሰባት  ዕጥቆም ብምፍታሕ ኣካልቲ ንሱ በይኑ ዝምስርቶ መንግስቲ ክኾኑ ምፍቃድ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምብራቓዊት ከተማ ሱዳን ገዳርፍ፡ ብ9 ማዝያ 2024 ብድሮን ከም ዝተደብደበትን ኣብኣ ዝነበሩ ኣስታት 400 ሺሕ ተመዛበልቲ ሱዳናውያን ኣብ ጸገም ከም ዝወደቑን ተፈሊጡ። እዚ ስዒሩ ስልጣን በይኑ ከም ዝጥቕልል ዝመደረ ዘሎ ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ብኤርትራ፡ ግብጽን ሳዑዲ ዓረብን ዝሕገዝ ዘሎ ወገን ሱዳን ምዃኑ ይፍለጥ።

 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናይ 2024 በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምኽንያት ብምግባር፡ ንኣመንቲ ምስልምና ብፍላይ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ፡ እንቋዕ ኣብጸሓኩም ኣብጽሓና እናበለ ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ።

ዒድ ኣልፈጥር፡ ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማትን ምክልባትን ስዒሩ ራህዋ ከምጽእ፡ ነቲ ኩሉ ውግኣትን ስደትን ዛዚሙ ሰላም ክፈጥር፡ ነቲ ጭቆና ዘስዓቦ ሕሰም ይኣክል ብምባል፡ ቅሳነት ዘውርደልና ክኸውን ንምነ።

ጾም ሮሞዳን ብሓያል እምነትን ጽንዓትን ድሕሪ ምዝዛም፡ ናብ ምኽባር ዒድ ኣል-ፈጥር  ብምጻሕና ደጊምና እንቋዕ ኣብቅዓና ብምባል ብስም መላእ ኣባላት ሰዲህኤ  መልእኽቲ ዒድ ሙባረክ ነመሓላልፍ።

ገረዝግሄር ተወልደ

ኣቦ መንበር፡ ሰዲህኤ

Page 4 of 555