ኣል-ቡርሃን ናብ ቅድመ ውግእ ሱዳን፡ ምምላስ የለን ኢሉ

2024-04-10 08:12:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 209 times

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል ኣል ቡርሃን፡ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር 2024 ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ድሕሪ ሕጂ ናብቲ ሱዳን ቅድሚ ውግእ ዝነበረቶ ኩነታት ምምላስ ከምዘየለ ኣፍሊጡ። መግለጺኡ ብምቕጻል ድማ እቲ ንሱ ዝምርሖ ልኡላዊ መንግስትን መሰጋገሪ መንግስትን ክበሃል ዝጸንሐ ኣገባብ ከም ዘብቀዐ ጠቒሱ፡ ሎሚ ሱዳን ኣብ ዝተፈልየ መንገዲ ከም ዘላ ኣፍሊጡ።

ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ካብ ወርሒ ማዝያ 2023 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሕድሕድ ውግእ፡ “ምእንቲ ወላዲት ሃገር ዝካየድ ናይ ክብሪ ውግእ እዩ” ኢሉ፡ እዚ ኩነታት ንሱዳን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእትዋ መበገሲ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ። ኣብዚ ተሪር ዝተባህለ መግለጺኡ፡  “ድሕሪ ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ የለን” ከም ዝበለ ድማ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ።

ነቲ መደረ ዝተኸታተሉ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝሃዎ ርኢቶ፡ መግለጺ ጀነራል ኣል-ቡሃን አቲ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከቦ እሞ እቲ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብ ንቡር ክምለስን ሰራዊት ጀነራል መሓመድ ሓምዳን  ኣካል ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን ክኸውንን ንዝነበረ ተስፋ ዘጸልምት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ኣብ 15 ማዝያ 2024 ክልቲኦም ወገናት ሱዳን ክራኸቡ እዮም ዝብል ትጽቢት እናተገብረ እንከሎ እዩ።

ማእከላይ ትሕዝቶ ናይዚ ብምኽንያት ዒድ ኣልፈጥር ዝተሰምዐ መደረ፡ ስልጣን ናብ ሲቪል ንዘይምምላስ ምዃኑ ዝጠቐሱ  ወግናት፡ ዕላማ ኣል-ቡርሃን፡ ምስቲ “ተቐዱም” ዝበሃሉ ሲቪል ሱዳናውያን ዝተጠርነፍሉ ወገን እውን ንዘይምቕባል እዩ። ብናይ ብርሃን እማመ፡ ነቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዝምራሕ ተወርዋሪ ሰራዊት ሱዳን ብውግእ ስዒሩ፡ ድሕሪኡ ኣካሉ ዝነበሩ ውልቀሰባት  ዕጥቆም ብምፍታሕ ኣካልቲ ንሱ በይኑ ዝምስርቶ መንግስቲ ክኾኑ ምፍቃድ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምብራቓዊት ከተማ ሱዳን ገዳርፍ፡ ብ9 ማዝያ 2024 ብድሮን ከም ዝተደብደበትን ኣብኣ ዝነበሩ ኣስታት 400 ሺሕ ተመዛበልቲ ሱዳናውያን ኣብ ጸገም ከም ዝወደቑን ተፈሊጡ። እዚ ስዒሩ ስልጣን በይኑ ከም ዝጥቕልል ዝመደረ ዘሎ ጀነራል ኣል-ቡርሃን፡ ብኤርትራ፡ ግብጽን ሳዑዲ ዓረብን ዝሕገዝ ዘሎ ወገን ሱዳን ምዃኑ ይፍለጥ።

Last modified on Wednesday, 10 April 2024 10:28