ጉጅለ ህግደፍ ዕላማ ዘለዎ ኣካል እዩ። ናይ ዕላምኡ ማእከላይ ነጥቢ ከኣ ንኹሉ መሰል ህዝቢ ጐዓጺጽካ ኣብ ስልጣን ምንባር እዩ። እዚ ዕላማኡ ብመሰረቱ ካብ ናይ ፍሉይ ጉጅለ ምናልባት እውን ዲክታቶር ውልቀሰብ ድሌትን ባህግን ዝነቅል ስለ ዝኾነ፡ ጸረ ህዝቢ ብዛዕባ ምዃኑ ዘዳዲ ኣይኮነን። እዚ ብክለሰ-ሓሳብ ዝበሃል ጥራይ ዘይኮነ ብናይ ኩሉ ኤርትራዊ ሕሱም መነባብሮ ዝተመስከረ እዩ።

ዝምድና ህግደፍን ህዝቢ ኤርትራን ናይ መሰል ዝሓትትን መሰል ዝነፍግን፡ ፍትሒ ዝሓትትን ፍትሒ ዝነፍግን፡ ኮታ ኣብ መንጎ ሕገመንግስታዊ ስርዓት ዝሓትትን ብዘይሕጊ ጨፍሊቑ ናይ ዝገዝእን፡ ናይ ተወጻዕን ወጻዕን ዝምድና እዩ ኢልካ ዝድምደም እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ህዝቢ ኣሜን ኢሉ ይግዛእ ኣሎ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ውጹዓት ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበሉ ባህርያዊ ስለ ዘይኮነ።  ጉጅለ ህግደፍ ግና ንገዛእ ርእሱ ከጸባብቕ ነቲ ናይ ህዝቢ ስቕታ ከም ንመግዛእታዊ ስርዓቱ  ምቕባል ክወስዶ ከም ዝፍትን ንዕዘብ ኢና። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ከኣ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ስለቲ ስቕ ኢሉ ዝተገዝኣሉ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ክንእዶ ንሰምዕ ኢና። እንተኾነ እዚ ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ምስጋና ንባህሪ እቲ ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ክቕይሮ ኣይክእልን እዩ።

ኩልና ከም እንረዳደኣሉ ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ዕድመ ረኺብሉ ዘሎ ብሳላ ብቕዓቱ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ናይቶም ኣብ ምውጋዱ ረብሓን ሓላፍነትን ዘለና ወገናት ድኽመት ዝተመስረተ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ናይዞም ከሎ ጋና ንህግደፍ ከነወግዶ ዝግበኣና ዝነበረ ኣካላት ድኽመት ብዙሕ መግለጽታት ኣለዎ። ኣብዚ እቲ በሪኽ ቦታ ዝሕዝ ድኽመት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምስ ዝነፈሰ እንዳነፈሰ መዕሸዊ መብጸዓታትን መግለጽታትን ክዝርግሕ እንከሎ ተቐቢልካ ምድጋምን ምቅላሕን እዩ። ዶብና ተነጺሩ ልኡላውነትና ከይተረጋገጸ ኣይንዛተን ኢና ክብል እንከሎ ከምዘለዎ ወስዲና ነቃለሓሉ፡ ደሓር ተጠውዩ ዝኾነ ሓድሽ ነገር ኣብ ዘይተራእየሉ፡ “ደጊም ጉዳይ ምምልካት ዶባትን ምዕቃብ ልኡላውነትን ዘልዕሉ ናይ ሰላም ሰመምቲ እዮም” ክብል እንከሎ ነዚ እውን ተቐቢልና ነጸባብቐሉ፡ ኣብዘይጉዳዩ ኣትዩ ናቱ ናይ ጸወታ ሕጊ ዘይረኣየ “ደጊም ናይ እገለ ጸወታ ተወዲኡ እዩ” ኢሉ ኣብዘይጉዳዩ ኣትዩ ጸላኢ ክዕድም እንከሎ ኣብዚ እውን ንምርቐሉ፡ “ሕገመንግስቲ ከይተሰርሓሉ በርዒኑ” ክብል እንከሎ እውን፡ ኣብ ክንዲ ስለምንታይ? መተካእትኡኸ? ክሳብ መዓስ? ንብል ናትና መራጐዲ ወሲኽና ከነሻህርቶ እንከለና ህግደፍ ብኹርምቱ እንዳሰሓቐ፡ እንዳዋቐዐ ንክነብር ኩነታት ነጣጥሓሉ ኣለና ማለት እዩ።

ካልእስ ይትረፍ ባዕሉ ንባዕሉ ሓሳባቱ ከጋጩ እንከሎ’ኳ ዘይነቕልበሉ ብዙሓት ኢና። እስኪ ርሑቕ ከይከድና ትማሊ “ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ተነጺጉ፡ ልኡላውነትና ተደፊሩ ሰራዊት ጸላኢ ኣብ መሬትና ሰፊሩ ህዝብና ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እንከሎ፡ ብዛዕባ ምንታይ ኢና ኣብ 5 ነጥብታት ክንዛተ” እንዳበለ ሓቂ ከምስል ብናህሪ ዝምድር ዝነበረ ኢሱ፡ ሎሚ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ዓጢጥዎ ዘይኮነስ መናውሒ ዕድመ ኣብ ስልጣን ንምርካብን ናይዚ ከባቢ ጎይተቱ ፈቓድ ንምምላእን፡ “ኣብ ጉዳይ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይከሰርናን። ጠንቂ ውግእ ዶብ ኣይነበረን። ምስ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ናብ ዘይምለስ ሰላም በጺሕና ኢና። ብዛዕባ ሚልዮን ህዝብታት እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ኣይኮናን ክንግደስ ዝግበኣና። ከም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝኣመሰለ መራሒ ምርካብና ዕድለኛታት ኢና፡ ዶክተር ኣብይ ክመርሕናን ብዘይናተይ ፈቓድ ናብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራ ክኸይድን ፈቒደሉ እየ” እንዳበለ ክግዕር እንከሎ፡ ብዘይካቶም ብቕሉዕ ዝቃወምዎ፡ ብውሽጡ “እዋእ እንታ እዚ ሰብኣይ ትማሊ ደኣ እንታይ ድዩ ዝብል ነይሩ? እምበርከ ብጥዕነኡ ድዩ” ዘይብል ኤርትራዊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን። እንተኾነ እዚ ኣበሃህላ ኣብንዲ ቃልዕ ወጺኡ ብዓውታ ዝቃላሕ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ምትራፉ  ትርጉም ኣይህልዎን እዩ እሞ፡ ሳዕሪሩ ናብ ዘይምለሰሉ ደረጃ ከይበጸሓ ንሕሰበሉ።

ብዓብይኡ ኣብቲ ካባና ካብቶም ግዳይ ጉጅለ ህግደፍ ኮይንና ዘለና ዝድለ፡ መራሒ ህግደፍ ይኹን ኣዝዮም ውሑዳት ደቀመዛምርቱ ንዝብልዎ ከም ዘለዎ ወሲድካ ምዝራዉ ክተርፍ ይግበኦ። እዚ ጉጅለ ኩሉ ዝብሎ ካብ ናቱ ጸቢብ ረብሓ  ዝወስዶ ናይ ወጽዓ ቋንቋ እዩ። ረብሓኡ ረብሓ ህዝቢ ክሳብ ዘይኮነ ከኣ ኣንጻር ህዝቢ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ነቲ ዝበሃል ብመንጽር ረብሓኡን ለውጥን ማለት፡ ሰላም፡ መሰረታዊ መሰል፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ፍትሕን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳርን  እንዳመዘነ ዝቕበሎ ናይ ምቕባል ክነጽጎ ዝግበኦ ከኣ ናይ ምንጻግ ምኽንያታዊ ኣተሓሳስባ ከማዕብል ይግበኦ። ህግደፍ ዘዝዘርኦ መርዚ ብዕሙት ምቕባል፡ ኣይኮነንዶ ብቓልሲ ፈሊሑ ካብ ዝገረረ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልእ እውን እትጽበዮ ኣይኮነን። ንሓደ ኣካል ክንድግፍን ክንቃወምን ወይ ክንፈቱን ክንጸልእን እንከለና ነቲ ህግደፍ ዝነዝሖ ብጸቢብ መንፊት ክንነፍዮ ይግበኣና።

ኣብዚ እዋንዚ ምስቲ ናይ ህግደፍ ተሓቢኡ ግዜ ክጽበ ዝጸንሐ ተንኮላት እንዳነጸረ ምምጻኡ፡ እኹል’ኳ እንተዘይተባህለ ተንኮላት ህግደፍ ከምዘለዎ ወሲድካ ናይ ምርባሑ ግጉይ መንገዲ ይንኪ ኣሎ። ንኣብነት ድሕሪ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ኩነታት ምፍጣሩን ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ዓበድበድ ዘይቅበሉ ግና ድማ በሪኾም ዘይተቃልሑ ምጉርምራማት ይውስኹ ኣለዉ። “መላምል ደቅና ከፊልናስ ኣብቲ ውግእ ኣይከሰርናን ማለት እንታይ ማለት እዩ?፡ ወዮ ደቅና ዝወደቕሉ ጉዳይ ልኡላውነት ስለምንታይ ግቡእ ቆላሕታ ኣይረኸበን?፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተበጺሑ ዘሎ ዝምድና ስለምንታይ ንህዝቢ ነጺሩ ቀጥዒ ዘይሕዝ? ወዮም ንዛመዶም ዘለና ኢትዮጵያውያን 24 ሰዓታት ኣብ ባንክ ዘለዎም ግንዘብ ከም ድላዮም ከንቀሳቕሱ እንከለዉ፡ ንሕና ግና ብገዛእ ገንዘብና ኣብ ወርሒ ቁንጣሮ ናቕፋ ጥራይ እንዳተተኾብና ከመይ ጌርና ኢና ንግዳዊ ዝምድና ነካይድ?,,,, ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ኣብ እንዳኹሉ ኤርትራዊ ዝለዓሉ ዘለዉ እዮም። እዚ ከኣ ህግደፍ ዘዝዘመሮ ከምዘለዎ ተቐቢልካ ናይ ምድጋም ባህሊ የብቅዕ ከምዘሎ ዘርእን ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ክቃላሕ ዝግበኦን እዩ።

ብጉጅለ ህግደፍ እትምራሕ ኤርትራ ኣብ ዓለምና ብግህሰት ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝለዓለ ደረጃ ካብ ዝልለያ ውሑዳት ሃገራት ሓንቲ ምዃና ክትጥቀስ ጸኒሓ እያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ “ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ኣሉታዊ ቅጽል ክወሃባ እውን ክንዕዘብ ጸኒሓ ኢና። ኣብዚ ሚዛንዚ ንምብጻሕ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም መምዘንታት እዩ ጸኒሕዎም። ንሕና ኤርትራውያን ንጉጅለ ህግደፍ ክንገልጾ እንከለና፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐ ሕጂ’ውን ዘይተቐየረ ገበናቱ ኢና እንብገስ። ካለኦት ወገናት ግና ሕማቕ ህይወት ህዝብና ዓጢጥዎም ዘይኮነ ካብ ክብሮምን ዞባዊ ረብሓኦምን ክብገሱ ከም ዝጸንሑ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብብሩህ ንዕዘቦ ኣለና። ዲክታቶር ኢሳይያስ ንሓንሳብ ኣብ ጎንደር ንሓንሳብ ድማ ኣብ ኣዋሳ ክምረቕን ጋብታት ክስለምን ዝውዕል ዘሎ፡ ነቶም ሰለምቲ ስለ ዘድለዮም እምበር ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ደሓኑ ስለ ዝኾነ ኣይኮነን።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ጉጅለ ህግደፍ ካብቲ ተዓቢጥሉ ዝጸንሐ ዕጽዊ ሳንዱቕ ወጺኡ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሓድሽ ሽፉን ምዕራፍ ኣትዩ። ነዚ ከምቲ ባዕሉ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ዝተኣመነሉ፡ ብናይ ርሑቕ ሓይልታት ዞባዊ ረብሓ ዝተወጠነ ለውጢ ተጠቒሙ እነሆ ኣብዚ ከባቢ ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ኣሎ። ንሓንሳብስ ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቀ ክነሱ፡ ናይ ሰላም ዘማሪ መሲሉ ክቐርብ ዝተደናደነሉ ኩነታት’ውን ተዓዚብና። ምስዚ ኩሉ ግና ብዘይካ ውሱናት ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሑ ቤተሰብ ብቐሊሉ ምርኻብን፡ ጐዳኢኡ ድዩ ጠቓሚኡ ዘይተነጸረ ኣዝዩ ውሱን ዘይስሩዕ ንግዳዊ ንጥፈታት ምርኣይ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ወዛሕዛሕ ዝረኸቦ መሰረታዊ ናይ መሰል ረብሓ የለን። ምኽንያቱ ናይዚ ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ናይ ከባቢና ሃገራትን ዝውቃዕ ዘሎ ዳንኬራ ቀንዲ መንቀሊ፡ ዞባዊ ረብሓ ሓያላት እምበር፡ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ስለ ዘይነበረ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ተባዕ ኤርትራዊ ሃይማኖታዊ መራሒ “ቀንዲ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ስሚንቶን ጻዓዳ ፊኖን ኣይኮነን” ዝበልዎ ግቡእ ኣድህቦ ክንህቦ ዝግበና እዩ።

ጉጅለ ኢሳይያስ ነቶም ዞባውያን ተወዳደርቲ ጌና ንካልእ እስትራተጅካዊ ጉዳያት ስለ ዘድልዮም ከተባብዕዎ ከም ዝወጠኑ ብዙሓት ገበኑ ሸፊንካ ዘይምስሉ ናይ ምሃብ ምልክታት ንርኢ ኣለና። እቲ ኣብ ክንዲ መሕነቒኡ ገመድ፡ ዝእሰረሉ ዘሎ መማላኽዒ ወርቂ ማዕተባት ናይዚ ኣብነት እዩ። ጉጅለ ህገድፍ ዝመርሖ መንግስቲ ኣባል ኮሚሽ ሰብኣዊ መሰል ከም ዝኸውን ምግባሩ ከኣ ካልእ ኣንዳስሓቐ ዘስደምም ተግባር እዩ። እቶም ናብዚ ዘብጽሕዎ ወገናት ሕጂ’ውን ናቶም ሕሳብ ኣለዎም። እዚ ሕሳቦም ከኣ ካብ ናቶም ክብርን ዞባዊ ሕሳብን እምበር ካብ ህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ንሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ብዝምልከት ዝነቅል ኣይኮነን። ህግደፍ ከኣ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ዝበሃል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ንምርስሳዕ ዝተቐበሎ ህያብ እዩ። እዚ ተግባር ካብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘስተናዕቖ ናይቲ ትካል ክብደት ዝንኪ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰታት፡ በቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዝሽፈን ዘይኮነ ናይ ገዛእ ርእሱ መንገዲ ዘለዎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ዳንኬራ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ዝተነፍገ መሰላት ሕጂ’ውን ንፉግ እዩ ዘሎ። ጉጅለ ህግደፍ ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣዋፈርቱን’ኳ ክኾሓሕልዎን ግነዕት ክህብዎን እንተፈተኑ፡ ዝኾነ ዘቤታዊ ለውጢ የብሉን። እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ኤርትራ ዘቤታዊ ለውጢ ከምጽእ ብዙሓት ግሩሃትን ጐረሓትን ኣንቢረምዎ ዝነበሩ ተስፋ ባዶ እዩ። እኳደኣ ካልእ ነቲ ዝተዋሕሰ ኤርትራዊ ልኡላውነት ዝህድድ መዘዝ ሒዙ ዝመጸ እዩ። እቶም ንጉጅለ ኢሳይያስ ምእንቲ ናቶም ረብሓ ከተዓባብይዎ ሓሓሊፎም ከልዕልዎ ዝፈተኑ ጉዳያት ንህልዊ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ዝጓሰየ ምዃኑ ንርእዮ ኣለና። ኣሜሪካውያን ብዛዕባ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ከልዕሉ እንከለዉ ብዛዕባቶም ኣብ ኣስመራ ኣብ ኢምባሲኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ’ሞ ብህግደፍ ዝተኣስሩ እምበር፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ዝያዳ 300 ኣብያተ ማእሰርቲ ዝማስኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ኣይኮኑን። ከምዚ ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ብሰንኪ ሓሳቦም ምግላጾም፡ ምእንቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰሎም ምሕታቶም፡ ናተይ ዝበልዎ እምነት ምስዓቦም፡ ግዱድ ዕስክርና ምቅዋሞም፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ይማስኑ ምህላዎም ብዘይምፍላጥ ዘይኮነ፡ ስለ ዘይተገደስሉ እዮም። እዚ እዩ ከኣ ምእንቲ ክብሮም እምበር ምእንቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝርህርህ ሕልና የብሎምን ዘብለና።

እዚ ዘረደኣና እምበኣር ጉጅለ ህግደፍ ንውሽጣዊ ጉዳያት ብደጋዊ ገልታዕታዕ ሸፊንካ ካብ ናይ ምኻድ ባህሪኡ ዘይወጸን ዘይወጽእን ምዃኑ እዩ። ብዘይካዚ ናይ ግዳም ሓይልታት ዘገድሶም ጉዳዮምን ረብሓኦምን እምበር ኤርትራዊ ጉዳይ ከም ዘይኮነ ዘነጽር እዩ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበደለ እንተበደለ፡ ወዮም ብጉዳይ መሰል ወዲ ሰብ ንግደስ ኢና ዝብሉ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ መግለጽታት ምውጻእ ሓሊፎም ዘሕምሞ ስጉምቲ ዘይወስዱ ምዃኖም እዩ። ስለዚ ሎሚ እውን ናይ ግዳም ኢድ እንተገደደ መመላእታ እምበር፡ ኣብቲ ጉዳይና ንኣበርክቶና ዘይትክእ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ከም ኩሉ ግዜ ሎሚ’ውን እታ ኣርዑት ኣብ ዝባና እያ ዘላ። ህግደፍ ምስ ከኣ ናይ ርሑቕን ቀረባን እንዳተመሓዘወን ኣብ ናይ ካለኦት ኢድ እንዳእተወን ኤርትራዊ ውሽጣዊ ኩነታት ንምሕባእ ይሕግዘኒ ዝብሎ ስጉምቲ ካብ ምውሳድን ዘይንጹር ስምምዓት ካብ ምኽታምን ንድሕሪት ኣይክብልን እዩ።

መግለጺ ሓዘን

Monday, 10 December 2018 13:22 Written by

Woldeselassie Ghebremedhin

ብምኽንያት ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ወልደስላሰ ገብረመድህን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፤ ንስድራቤቱን ኵሎም ቤተሰቡን ድማ፡ እግዚኣብሄር ጽንዓቱ ይሃቦምን ጠሉ የውርደሎምን እናበልና ናይ ሓዘኖም ተኻፈልቲ ምዃና ንገልጽ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

እቲ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኩነታት፡ ሃንደበት ዝተባህለ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዝምድና ካልእ መልክዕ ምስ ሓዘ፡ ብዙሓት ኣዛረብቲ ጉዳያት ተቐልቂሎም። ብዛዕባቲ ሓድሽ ምዕባለ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተላይ ብወገን ኤርትራ ክዝረቡ ዝግበኦም ዝነበሩ መግለጽታትን መብርህታትን ክቐርቡ ጸኒሖም። ብወገን ህግደፍ እቲ ዝያዳ ጐሊሁ ዝተራእየ ከምዛ ኣብ ማይ ዝኣተወት ኣንጭዋ ምጽቃጥ ኮይኑ፡ ኢሳይያስ ግና ሓሓሊፉ እሞ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ ኣብ ዘይርጉእ ኣቀራርባ፡ ኣገራሚ ዘረባታት ክስንድው ጸኒሑ። ብፍላይ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣዋሳ ከይዱ ምስ ዓወነ “እዚ ለውጢዚ ሓድሽ ዘይኮነስ ዝነበረን ክንሰርሓሉ ጸኒሕና ዝተሓደሰን እዩ። መራሒ ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ መጺኡ፡ ንሕና ድማ ክሳብ ኣዋሳ በጺሕና፡ ዶ/ር ኣብይ ኣብ ሓላፍነት ምምጻኡ ከኣ ኣብዚ ዘለናዮ ደረጃ በጺሑ። ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምርካብና ዕድለኛታት ኢና። ድሕሪ ሕጂ ንሱ ንኹልና ክመርሓና ፈቓድ ሂበዮ ኣለኹ። ነዓይ ከይሓተተ ናብ ኩሉ ከባብታት ኤርትራ፡ ኣስመራ ምጽዋዕ፡ ከረን ተሰነይን ኦሞሓጀርን ክኸይድ ይኽእል እዩ። ኣነ እውን ከምኡ ናብ ኢትዮጵያ እመጽእ” ዝበሎ ካብቲ ኣዝዩ ኣገራሚ ኣበሃህላታቱ ሓደ ነይሩ።

እቲ ምግራም ኣብ ኩሉ ሰማዕን ተዓዛብን ዝሓደረ ኮይኑ፡ ኣብ ደግፍቲ ህግደፍ ከም ዝገድድ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ዝተረፈስ መልክዑ ደኣ ይቀያየር እምበር ካብ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዝጽበዮ ጣቋ ስለ ዘይነበሮ። ወዮም ኢሳይያስ ከም ቀንዲ ተሓላቕን ተኸላኻልን ክብርን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ወገናት፡ ነቲ ብኻለኦት ዝበሃል ንልኡላውነት ኤርትራ ዝህድድ ኣበሃህላ ክከላኸልስ ይትረፍ፡ ባዕሉ ጸራግ መንግዲ ከም ዝኾነ ምስተዓዘቡ ደንጽይዎም መሊሶም ካብ ኣፉ ክሰምዑ ተሃንጥዮም። ድሕሪ ነዊሕ ምዕጥጣይ ኣብ መድረኽ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ከኣ “ደጊም ጉዳይ ልኡላውነትን ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ወገናት፡ ሰላምና ክስምሙ ዝደልዩ እዮም” ክብል ብእዝኖ ሰሚዐምዎ።

ድሕሪዚ ሓሓሊፉ ኣብ ገለ ከባብታት ብወከልቲ መንግስቲ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ኣኼባታት ክካየድ ተዓዚብና። ኣብቲ ኣኼባታት ከምቲ ናይ ቀደም ብዝሒ ተሳተፍትን ጫውጫውን ከምዘየለ ርኢናዮ ኣሎና። ኣብቲ ኣኼባታት ብዙሓት ሕቶታት ቀሪቦም። ካብቶም ሕቶታት ቀዳምነት ዝሕዙ፡ ምስ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ንግዳዊ ዝምድና ቀጥዒ ምስ ምትሓሓዙ እዮም። ኣብዚ ኣኼባታት ደገፍቲ ህግደፍ ዳርጋ ክልተ ዓይነት ኮይኖም ከም ዘለዉ ምርዳእ ይከኣል። እቶም ሓደ ወገን ዳርጋ ሓቀኛ ኣካይዳ ህግደፍ ስለ ዘረድኡ ኣብ ምስማዕን ከንፈርካ ምርምጣጥን ዘድህቡን ፈውሲ ሕሜታ ዘጣቕዑን እዮም። እቶም ካሎት ከኣ ጌና ካብ ህግደፍ ዘይቀበጹ፡ ካብ ህግደፍ ናይ ሕቶታትና መልሲ ክንረክብ ኢና ኢሎም ዝትስፈዉ እዮም።

እቶም ንርእሶም ከይዓገቡ፡ ምስ ህግደፍ ምእንቲ ክነብሩ፡ ክሕተቱ እንከለዉ ዝምልሱ መራሕቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ዝጥቀምዎ ዝነበሩ ኣገባብ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ሃዲምካ ጓልነገር ምፍጣር እዩ። በዚ ንዘይተዓገሱ ሓተቲ ከኣ ክንድቲ ናይ ቀደምኳ እንተዘይኮነ ኣፈራሪሕካ ኣፎም ከተትሕዞም ምፍታን ካልእ ኣረጊት ሜላ ነይሩ። ኣብቲ ዝርካቡ መልስታቶም ጐሊሖም ካብ ዝረኣዩ፡ እቲ ልሙድ “ንመንግስትና ዝሓስበሉ ግዜ ንሃቦ” ዝብል መደንዘዚ ሓደ እዩ። ወዮ ትማሊ ዶብና ከይተጠረረ “ዘበት ኩነታት ናብ ንቡር ምምላስ” ዝበሃል ዝነበረ ናይ ሓሶት ፈኸራ ተረሲዑ፡ “ዶብ ይተሓንጸጽ ኣይተሓንጸጽ መሬትና ናብ ዝኸደና የብሉን” ከኣ ካልእ መደንዘዚ መልሲ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ጌና ውሽጣዊ ጉዳያቱ ስለ ዘይወገነ ግዜ ክንህቦን ክንሕግዞን ኣለና” ዝብል እውን ከም መልሲ ይወሃብ። ሰማይ ዝሃገርኩም ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳያት ወጊኑስ ህግደፍ ንካለኦት ሓላዪ ኮይኑ ግዜ ክህብ። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ “ኣብ ኤርትራ ደኣ ምውዳእስ ይተረፍ እንታይከ ዝተጀመረ ናይ ምውጋን ዕማም ኣልዩ እዩ ብጉዳይቲ ብዶ/ር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዜ ምርካብን ዘይምርካብን ንሻቐል?” ዝብል ሕቶ ምሕታት ኤርትራዊ ምዃን እምበር ደጋፊ ወይ ዘይደጋፊ ህግደፍ ምዃን ዘድሊ ኣይመስለናን።

እቲ ቀንዲ ቁምነር ካብዚ ህግደፍን መጋገርያታቱን ዘርእይዎ ዘለዉ ትሕቲ ጉጭ ልዕሊ ጉጭ እንታይ ንርዳእ ዝብል እዩ። ብርኢቶይ ካብዚ ኩነታት እንዳ ህግደፍ እንርደኦ፡

1ይ፡ ኩሉቲ ክግልገለሉ ዝጸንሐ መሕብኢ መጋረጃታት እንዳተቐንጠጠ ሓቀኛ መንነቶ ይወጽእ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

2ይ፡ ህግደፍ ብዛዕባ ሓቀኛ ተንኮለኛ መደባቱ ካብ ህዝቢ ዝሓብኦ ከም ዘለዎን ሓሓሊፉ ግና ይመልቆ ከም ዘሎን የምልክት። እቲ ክሕባእ ዝድለ ዘሎ ተንኮል መጻኢ ዕድል ሃገርና ዝውስንን ነቲ ሰንሰለታዊ ምእንቲ ኤርትራ ዝተኸፍለ ናይ ደቃ መስዋእትነት ዘይውክልን ምዃኑ ዘገምት እዩ።

3ይ፡ እዚ ሕጂ ህግደፍ ፈትዩ ዘይኮነስ ምትሓዝ ኣብይዎ ዝወጽኦ ዘሎ ስምዒታት፡ ሓድሽ ዘይኮነስ ብመንጽር ኤርትራዊ ኮነ ኢትዮጵያዊ ኩነታት ጥጡሕ ኣጋጣሚ ክጽበየሉ ዝጸንሐ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ውዲት ምዃኑ ምእማት ዘኽእል እዩ።

4ይ፡ ብዓብይኡ ከኣ ነቶም ካብ ቀደሞም ህግደፍ በዓል ደሓን ከምዘይኮነ ኣሚኖም ክቃለሱ ዝጸንሑን ኣብዚ ጉጅለ እምነት ኣንቢሮም ክድግፍዎ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ከቢድ ሓላፍነት ዘሰክምን ንወሳኒ ቃልሲ ዝዕድምን እዩ።

ስለዚ ዜርናዜርና ናብቲ “ናይ ኢሳይያስ ኣቕጣጫስ ንርእዮ ኣለና፡ ንሕናኸ እንታይ ንግበር?” ናብ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ኢና እንመጽእ። እዚ ዘለናዮ ግዜ ገለን ንህግደፍ ክንድግፍ ገለን ክንቃወም ዓቕምና በቲና መፍቶኡ ከይንኸውን ክንጥንቀቐሉ ዝግበና ወሳኒ ምዕራፍ እዩ። ኣንጻር ህግደፍ ንምዕዋት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘለና ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ናይ ግድን ኣብ ዙርያ ምድሓን ኤርትራን ህዝባን ክንዓስል ይግበኣና። ንህግደፍ ንደግፍ ንቃወም፡ ኣብ ምዕቃብ ኤርትራና ግና ኩልና ሓደ ኢና ዝብል እምነት ኣለና። ምስ ህግደፍ ተላሒግካ ንኤርትራ ምድሓን ከም ዘይከኣል ግና ባዕሉ ይነግረና ኣሎ።

ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዝርዝር ናይ ምትላል ስንክሳር፡ ቆሪጽካ እምበር ስሒብካ ከምዘይውዳእ ርኡይ እዩ። እቲ ጉጅለ ዝድህሰስ ሓቅን ልባዊ ህዝባዊ ሓልዮትን ስለ ዘየብሉ ቀንዲ ሓይሉ፡ መታለሊ ምህዞታትን ዘይትግበር መብጸዓታት ምብዛሕን እዩ። ህግደፍ ንጉዳይ ምትላልን ሓሶትን ብዝመስረቶም ዝተፈላለዩ ትካላት ብዙሓት ሓዳርካ ዘረስዑ ምህዞታት እንዳባዝሐ ክዝርግሕ ጸኒሑ። ህዝብና ምእንቲ ስኑ ነኺሱ ኣብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ከየትክል ንሓንሳብ ኢሳይያስ ሞይቱ ኢሉ የውሪ እሞ እቲ ህዝቢ ነዚ ሓሶት ከኮማስዕ ዝተወሰነ ግዜ ይወስድ። ህግደፍ ከኣ ባዕሉ ምሂዙ ብዛዕባ ዝነዘሖ ሓሶት ኣዕሊልኩም ኢሉ ተገልቢጡ ህዝቢ የበሳብስ። ንሓንሳብ ነቲ ካብ እከይ ተግባራቱ ነቒሉ ዝግንፍል ተቓውሞ ዘይመልክዑ ሂቡ የዳህልለሉ። ንተበግሶ ጉጅለ 15 ምስ ክድዓት ሃገር ኣተሓሒዝዎ። ንተበግሶ በዓል ወዲ ዓሊ ከኣ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ህርድግ ኢሉ። ናይ ሓሶቱ ተቐባልነት እንዳሃሰሰ ዝመጽእ ዘሎ’ኳ እንተኾነ ገለ ወገናት ክሳብ ሕጂ ዝርዕምዎ ምዃኖም ከኣ ዘተሓሳስብ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ከኣ እነሆ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መእተዊ ሓድሽ ዓመት 2019 “ገለ ነገር ክገብር እዩ” ዝብል ናይ ሓሶት ወረ ፈቐዶ ጐደናታት ሸነን ይብል ኣሎ። እዚ ናይ ህግደፍ ምትላልን ጥልመትን ነቲ ቀደም ኣብ ድኳናት ዝስቀል ዝነበረ “ልቃሕ ጽባሕ” ዝብል ዘይትግበር ጥቕሲ የዘኻኽረካ። የዋህ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነቲ ንመዓልቲ ሰማእታትን ባሕቲ መስከረም ምጅማር ሰውራ ኤርትራን ተጐዝጒዝካ ዝውረ ዝነበረ፡ እቲ ዕለት ምስ በጸሐ ዝርሰዓሉ ተመኩሮ ዘንጊዑ ሕጂ እውን ያኢ ይሳይያስ ንለውጢ ዝምልከት ከተንፍሰሉ ይጽበ ኣሎ። ለውጢ ንኢሳይያስ ጥፍኣቱ ምዃኑ ዘንጊዕካ ሕጂ’ውን ንሕማቕ ናብ ጽቡቕ ክልውጥ ምጽባዩ ብዙሕ ትርጉም ዝወሃቦ ኮይኑ፡ ቀንዲ ትሕዝቶኡ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ዘይምምሃር ዘመልክት እዩ። “ጤል ዘይትጣጥሞን ህግደፍ ቃል ዘይኣትወሉን የለን” እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ተግባር ግና ወይከ።

ብሓደሓደ ካብ ህግደፍ ዘይቀብጹ ወገናትና፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ኢሳይያስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱስ መን ከም ዝኣሰሮም ከይተፈልጡ፡ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝገበሩ ግዳያት ረኺቡ። ድሕሪኡ ብመንን ስለምንታይን ከም ዝተኣስሩ ጸብጻብ ይቕረበለይ ኢሉ” እንዳበልካ ይውረ ኣሎ። ስለዚ ከምኡ ምባሉ እሱራት ናይ ምፍታሕ መደብ ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ ክብሉ ሰሚዐ። ሰማይ ንሃገርኩም ኣብ ኤርትራስ ኢሳይያስ ብዘይፈልጦ ዝተኣስረ ኣሎ ማለት ድዩ? ናቱ ናይ ቀረባ ሰብ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃስን ወናኒ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣብየቶ ምዃኑን ኣብኡ ዘለዉ እሱራት መን ከም ዝኣሰሮምን ኣይፈልጥን ማለት ድዩ? ኣብ ኤርትራ ኣሳሪኻን መእሰሪኻን ከይተፈለጠ ዝያዳ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ማሕቡስ ምጽናሕከ ብሓቂ ኒሳይያስ ሓድሽ ኮይንዎ ማለት ድዩ? እምበርከ ኢሳይያስ እሱራት ዘይፈትሕስ ብዘይገበን ዝተታሕዙ እሱራት ምህላዎም ስለ ዘይፈልጥ ድዩ? ምናልባት እውን መን ይፈልጥ ኣባላት ጉጅለ 15 እውን ብመን ከም ዝተኣሰሩ ኣይፈልጥን ኢሉ ናብ ገሊኦም ይስልበጥ ይኸውን።

ኢሳይያስ ንጉዳይ እቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ዶብ ግዱድ ዕስክርናን ዝምልከት ስጉምቲ ከም ዝወስድ ሃንቀው ዝብሉ እውን ሓያሎ እዮም። “ከምኡ እንተዘይገይሩ እሞ ንገብሮ ኣለና” ዝብሉ’ውን ትሰምዕ ኢኻ። እዚኣቶም እዚ ብዛዕባኡ ንዛረበሉ ዘለና ናብ ዕብዳን ገጹ ዝገማገም ዘሎ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ሃዳሚ ቃለመጠይቕ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘልዕሉ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ በጺሕናዮ ዘለና ስምምዕ ክስምሙን ከበላሽዉን ዝደልዩ እዮም” ክብል እንከሎ ዘይተኸታተሉ እዮም። ብዘይካዚ ጉዳይ ምቁራጽ ግዱድ ዕስክርና ብዝምልከት ምስተላዕለ “ሕጂ እሞ 24 ሰዓት ዘይኮነስ 48 ሰዓት ክንሰርሓሉ ዝግበኣና እዩ” ብዝብል ኣገላልጻ ከም ዘቕበጾም ዝተረድኡ’ውን ኣይመስለንን።

እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ዘረደኣና፡ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ለውጢ ዘየብቑሎ ምድረበዳ ምዃኑ እዩ። እቲ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከም ዘድሊ ግና ዓይኑ ኣፍጢጡ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ ኣድላይ ዝኾነ ለውጢ ካብ ኢሳይስ ክመጽእ ማለት ዘበት ምዃኑ ከኣ በሪሁልና ኣሎ። ህግደፍ ለውጢ ዘየምጸኣሉ ምኽንያት ብሩህ እዩ። ንሱ ዝቕጽልን ዝርባሕን ኣብ ምፍርራርሕን ምጭቋንን ጥራይ ስለ ዝኾነ። ንሕና ለውጢ ክንደልን ምእንትኡ እንቃለሰሉን ምኽንያት ከኣ ንጹር እዩ። ምኽንያቱ ጭቑናት ኣንጻር ጭቆና ክቃለሱ ባህርያዊ ስለ ዝኾነ። እዚ ዘረደኣና ከኣ ባህጊ ህዝብናን ድሌት ህግደፍን ቀጥታዊ ተጻራሪ ምዃኑ እዩ። ዘይሩ ዘይሩ ራህዋና ካብ ኢድና ኢድ ደለይቲ ፍትሕን ልዕልና ሕግን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ መሰልዚ ካብ ምንጋጋ ህግደፍ መንዚዕካ ንምውሳድ ከኣ ናይ ግድን ዋጋ ዘኽፍል እዩ። እቶም ነዚ ዋጋ ዝኸፍሉ ከኣ ክልና እቶም ኣብ ኤርትራ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ክስዕርር እንብህግን ምእንታኡ ንቃለስ ዘለናን ኢና።

ሎሚ ወያ ኣብ ዕጽዊ ገዛ ጅሆ ተታሒዛ ዝነበረት ኤርትራን ህዝባን ድሕርዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጥዒ ዘየብሉ ሓድሽ ዝምድና ምእታዉ፡ ህዝቢ መዳጐኒ ከም ዝተኸፍተለን ከምቲ ደፊኡ ወጺኡ ንዝጸንሖ ደልሃመት ምስ ከባቢኡ የወዳድር ኣሎ። ህግደፍ ንኤርትራን ህዝባን እንተላይ ንገዛእ ርእሱ ጅሆ ሒዝዎም ከም ዝጸንሐ ተቓሊዑ እዩ። ህግደፍ ናቱ ድኽመት ናብ ካለኦት እንዳላገበ ክላገጽ ምስ ጸንሐ፡ እነሆ ሎሚ ገበጣ ዝጻወተሉ ጭንጫ ተወዲእዎ ኣሎ። ስለዚ ደጊም እቲ ጉዳይ ናትና እዩ እምበር ንሱስ ሕሩጩ ወዲኡ እዩ። ህግደፍ ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣጉዶ ቀሊሱ፡ ምስቶም ስረሖም ዝሰርሑ ዝነበሩ፡ ኣሜሪካን ወያነን እንዳተጻረፈ ባዕሉ ቀንዲ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዕብራንን ንድሕሪት ምትራፍን ኤርትራ መስካሪ ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ካለኦት ህዝብታት ብመራሕቶም ክሕበኑ እንከለዉ ኤርትራውያን ግና ናይ ስጋ ግዲ ኮይንዎም ብባዶነት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓፍርሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ጎንደር ኣብ ዝተራኸቡሉ “ደጊም እዘን ሰለስተ ሃገራት ብሓደ መራሒ ክምረሓ እየን” ዝብል ሓሳብ ምስ ቀረበ፡ መራሒ ሶማሊያ “እዚ ብህዝቢ ዝውሰንዩ” ክብል እንከሎ ኢሳይያስ ግና ኣጽቂጡ። እዚ ሓደ ካብቲ ኢሳያስን ጉጅለኡን ብዝኸፈትዎ ኣፍደገ፡ ንሉኣላውነት ኤርትራ ብኣሉታ ዝጸሉ ትንዕምንዕ እዩ። ዝተፈላለዩ ወገናት ከምዚ ዓይነት መፈተኒ ኣእማን ዝድርብዩ ዘለዉ ከኣ፡ ኢሳይያስ ንክብሪ ኤርትራን ምእንተኣ ዝተሰውኡ ሓርበኛታትን ሸለል ይብሎም ከምዘሎ ስለ ዝገመቱ እዮም።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን
ግዱሳት ኤርትራውያን:

ብምቕዳም ናይ ክብሪ ሰላምታና ነቕርብ።


ኣስዒብና ከምቲ ወርትግ እነዳልዎ ድራር ነቶም ምእንቲ ሃገርምን ህዝቦምን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ጸሓይን ደሮናን ኣብ ሃገር ሱዳን ምስ ኩሉ መውጋእቲ ስቓይን ተወሳኺ ጸቕጢ ደምን ሽኰርን ካልእ ሕማማትን ወዘተ----ተሳቒዮም ዝነብሩ ዘለዉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን፣ ብጾትናን ሓደ ምሸት ድራር ክንዝክሮም ናይ ኩላትና ኤርትራውያን ሓላፍነትን፣ ሓልዮትን ምዃኑ ንዓኻ፣ ንዓኺ ዝስወር ኣይኰነን፣ እሞ ኣብዚ ንዕለት 15-12-2018 ኣብ SAALBAU GALLUS FRANKENALLEE 111 60326 Frankfurt a.M. ካብ ሰዓት16.00 ክሳዕ ሰዓት 23.00 ድሕሪ ቀትሪ ዘሎ ሰዓታት ብጉዳዮምን ብጠቕላላ ማሕበራዊ ጉዳያትናን ብወግዒን ብዋዛ ምስ ቁምነገርን ዕላልናን ገርና ከነማሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ግዱሳት ደቂ ኣንስትዮን ኤርትራውያን ፍራንክፈርትን ከባቢኡን ኣባላት ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን

ምናልባት ኣብዚ ናይ ድራር ምሸት ብስራሕ ክትካፈሉ ዘይከኣልኩም በዚ ሕሳብ ባንክ ወፈያኹም ክትሰዱ ትኽእሉ።

Eritreischer Verein 2010 60439 Frankfurt
BLZ 50010060 BIC PBNKDEFF
Iban DE 96500100600790750601

ሓበሬታ ቦታ፣
ካብ Hauptbahnhof ብ Straßenbahn 11+21 Richtung Höchst ደይብኩም ኣብ Gallus Warte ወሪድኩም ንየማን ስግር ኢልኩም ንቕድሚት ጸግዒ ጸግዒ ምስ ከድኩም ቀዳማይ ኩርናዕ ንየማን ሰጐምኩም SAALBAU ብማዕዶ ትርእይዎ።

ሃገራዊ ቤተ-መዝገብ ዓባይ ብሪጣንያ

ኣብ ሃገራዊ ቤት መዝገብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ (F0371/ 41499) ዝመለለይኡ መዝገብ ምስ እትመዝዝ፡ ኣብ ኣርብዓታት ብስም ናጻ ኤርትራ ኣንድነታዊ ውዲት ይካየድ ምንባሩ ዝሕብር መዝገብ ትረክብ።

እቲ ታሪኽ ብዛዕባ ኤርትራ ክነሱ ግን ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ታሪኽ ኣይፈልጥዎን እዮም። ኣብ ስነዳ ታሪኽ ብግቡእ ኣይነጠፉን።

ዛንታታት እቲ እዋን መብዛሕትኡ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ካብ ሰማዒ ናብ ሰማዒ እናተለዋወጡ ዝመሓላለፉ ኣፋዊ ታሪኽ እዮም። ንጽዋ ኣፈ-ታሪኽ ግን ተመራመርቲ ከም መወከሲ ክጥቀምሉ ኣይክእሉን።

ኣብቲ መዝገብ ዝርከቡ ጽሑፋት ብ 1944 ኣብ መንጎ ኣስመራን (ወትሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ) ኣዲስ ኣበባን (ወኪል ለጋስዮን ዓባይ ብሪጣንያ) ዝተኻየዱ ናይ ደብዳቤ ምልልሳት ዘርእዩ ዀይኖም እቲ ዛዕባ ድማ ብ"ናጻ ኤርትራ" ዚፍለጥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ ንኡስ ማሕበር ኤርትራውያን ዘካይዶ ዝነበረ ኣንድነታዊ ዉዲት ይገልጽ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ስቲቭን ሄምሲ ሎንግሪግ፡ ዋና ኣማሓዳሪ ኤርትራ፡ ብ 7/6/1944 ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከ መልእኽቲ (ለጋስዮን ዓባይ ብሪጣንያ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማሕበር ኣቚሞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣልዒሉ እዩ ዝዝቲ። ይብል ከኣ ...

"ብዛዕባ እቶም ብኢትዮጵያ ተደጊፎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ዝንቀሳቐሱ ዘሎዉ ሰባት ወረ በጺሑኒ ኣሎ። እቲ ነዚ ምንቅስቓስ ዘበገሶ ሰብ ጸሓፊ-ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ወልደዮሃንስ ምዃኖም፡ ምስኦም ከኣ ኤርትራውያን ዳዊት ዑቕባዝጊ (ምኽትል ኣማሓዳሪ ኣዲስ ኣበባ)፡ ገብረመስቀል ሃብተማርያም (ዳይረክቶር ሚኒስትሪ ጶስጣን ቴለግራፍን)፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ይሰርሑ ከም ዘለዉ በጺሕናዮ ስለ ዘሎና ብዛዕባ እቲ ማሕበር ተወሳኺ ሓበሬታ ክትልእኩልና ነማሕጽነኩም" ይብል እቲ ደብዳቤ።

ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ዝሰፍሐን ዝዓበየን ስለ ዝነበረ ልኡኻን መንግስቲ ካበዮ ኵርንዓት ዓለም ንለንደን ዝልእክዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ብግቡእ ተሰኒዶም ኣብዚ ሃገራዊ ቤተ-መዝገብ ይርከቡ።

መቸም ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ሰፊሕን "ኣብ ግዝኣትና ጸሓይ ኣይትዓርብን'ያ" ዝበሃለሉን ብቀዳማይን ካልኣይን ዉግእ ዓለም ዳርጋ ንሓደ ርብዒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮምዎ ዝነበሩ እዋን እዩ ነይሩ እቲ እዋን።

ንኣብነት፡ ሓደ ካብ'ቶም ኣብዚ ሃገራዊ ቤተ-መዝገብ ዚርከቡ ሰነዳት እቲ 1833 ዝወጸ ኣዋጅ ውገዳ ባርነት ኢዩ።

ኣብዚ መዝገብ ኣስማት ናይ 46,000 እንግሊዛውያን ወነንትን ሸያጦን ባሮት ኣብ ግዝኣቶም ከም ዝነበሩ የርኢ።

እቲ ዘገርም ነገር ንግዲ-ባሮት ንክውገድ መንግስቲ እንግሊዝ ንዅሎም ወነንትም ነገድትን ባሮት እስትሕጋጎም (መዕበስ-ኣፍ) ከፊሉ ነቲ ዘስካሕክሕ ንግድ ክሰርዞ ከም ዝኸኣለ ንርኢ።

ካልእ ኣብነት፡ ደይቪድ ኦሉሶጋ ዝተባህለ ተማራማሪ-ታሪኽ ነቶም ዕቑራት መዛግብ ተጠቒሙ ዘገርም ዛንታታት'ዩ ኣቕሪቡ።

"ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ እንፍትሽ ኣብ ዉሽጡ ብዙሕ ጊዜ ታሪኽ ጸለምቲ ኣህዛብ ንረክብ ኢና" ይብል።

ንሱ ብዛዕባ ቀዳማይ ዉግእ ዓለም ዘካየዶ ምርምር - ኣብ ጐድኒ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰለፉ ግን ዝተረስዑ ኣፍሪቃውያን፡ ህንዳውያን ካልኦት ኤስያውያን ወትሃደራት ግዝኣት እንግሊዝ ከም ዝነበሩ ስለ ዘርኣየ ዓቢ ኣድናቖት ኣትሪፉ'ዩ።

ኣብዚ ቤት-መዝገብ'ዚ ልዕሊ 11 ሚሊዮን ህዝባዊ ሰነዳት ተዓቂቦም ይርከቡ፣ እንተላይ መዛግብ ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ደይቪድ ኦሉሶጋ - ዕቑር መዛግብ ተጠቒሙ ዓሚቝ ምርምር ዘካየድ ናይ ታሪኽ ምሁር'ዩ። ናይ ምስሊ መግለጺ ደይቪድ ኦሉሶጋ

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዛግብ እንግሊዝ

እቶም ብዓባይ ብሪጣንያ ዝተዓቀቡ ፋይላት (ብዛዕባ ዉሽጢ ዀነ ወጻኢ ሃገራት) ብዙሕ ምስጢራት መንግስቲ ዘሎዎም ስለ ዝዀኑ ንህዝቢ ክቐርቡ ኣይክእሉን።

እቶም ካብ ፈቐዶ ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ዝለኣኹ ደብዳቤታት ይዅኑ ካልኦት ጽሑፋት፡ ሰላሳ ዓመት ምስ ዝመልኡ፡ ናብ ሃገራዊ ቤት-መዝገብ ይሰጋገሩ'ሞ ኣብኡ ይዕቀቡ ማለት'ዩ።

ነዞም ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ጽሑፋት፡ ማለት ሓለፍቲ ኤባሲታት ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ዘካፍልዎም ሚስጢራዊ ሓሳቦምን ርእይትኦምን ከመይ ከም ዚመስል ገናጺልና ከነንምብቦም ንኽእል።

ፋይል Image copyright Getty Images

እዚ ማለት፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከነብብ እንተድኣ ደሊና ክሳብ 1988 ዝተሰነዱ ሓበሬታ እምበር ብድሕሪኡ ዝተኸሰቱ ፍጻሜታት ከነንብብ ኣይካኣልን።

ነቲ ንፈለማዩ ኣብ ሃገራዊ ቤት-መዝገብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝበጽሕ ሰብ በየን ከም ዝጅምር'ዩ ዝጠፍኦ።

ኣብ ኮምፕዩተር ኣስፊልካ ምስ እትኣቱ 'ኤርትራ' ዚብል ቃል ዘሎዎም ፋይላት ኣምጽእለይ ዚብል ትእዛዝ ምስ እተቕርብ '1292' ፋይላት ስሒባ ኣየናይ ኢኻ ትደሊ ትብለካ።

'ኢትዮጵያ' ዚብል ቃል ዘሎዎም ፋይላት ከኣ ማዕረ 5683 ይዀኑ። እዚኦም ላዕለ-ላዕሎም'ዮም፣ ዝተጠናገጉ ኣርእስትታ ስለ ዘሎዉ ኣፈታትሻና እንተድኣ ኣጸቢቕና ምስ ካልኦት ዛዕባታት ዝተኣሳሰሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዛንታታት ክንረክብ ይከኣል'ዩ።

መዝገብ

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከ መልሲ ...

"ዋላ'ኳ እቲ ቍጽሪ ኣባላት 'ናጻ ኤርትራ' ክንፈልጦ እንተ ዘይከኣልና ብቤት ጽሕፈት ጸሓፊ-ትእዛዝ ይድፍኣሉ ከም ዘሎ ነረጋግጸልኩም።

እቲ ማሕበር ዘዋጽኦ ዘሎ ገንዘብ ሓገዝ ንጽጉማን ኤርትራውያን ዚብል ምስምስ'ኳ እንተዀነ ናብ ኤርትራ ሰዲድም ንናይ ፕሮፓጋንዳ ስርሓት ይጥቀምሉ ከም ዘሎዉ ንፈልጥ።

"ከም ዝመስለኒ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዚ ማሕበር ዝግደሱን ብሸዋ ክግዝኡ ዝደልዩን ኣይመስለንን።

እቶም ቀንዲ ኤርትራውያን ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ - ሎረንዞ ታእዛዝን ኤፍረም ተወልደመድህንን - ምእንቲ ኣብዚ ጕዳይ ኢዶም ንኸየእትዉ ይመስል ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣርሒቖም ናብ ሞስኮን ዋሺንግቶንን ተመዲቦም ከም ዝሰርሑ ተገይሩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ዝርአ ፍሩይ ኤርትራዊ ኣብ ልዑል ስራሕ መንግስቲ የሎን።

"ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዓቢ ዘተኣኻኽቦም ረቛሒ፡ ኤርትራ ተመሊሳ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጣልያን ከይትወድቕ'ዩ ዚብል ግምት ኣሎኒ።

ይዅን'ምበር እዞም ኣብ ሞንጎኦም ስምምዕ የለን። ጸሓፊ ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ግን ንገብረመስቀል ሃብተማርያምን ዳዊት ዑቕባዝጊን ሒዞም ይደፍኡ ኣሎዉ"።

"እዚ ማሕበር'ዚ፡ ዋላ'ኳ ቅርጹን ስርሑን ጋሕማጥ ይዅን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ከም ዘለዎ ግን ክፈልጥ ምደለኹ ..." ብምባል እቲ ወኪል ኤምባሲ (ሻርጅ-ዳ'ፈር) መልእኽቱ ይድምድም።

እቲ ምልልስ እናቐጸለ ንሓድሕዶም ሓበሬታት ክለዋወጡ ምንባብ የስደምም'ዩ፣ እንግሊዝ ክሳብ ክንደይ ብኣትኵሮ ነቲ ጕዳይ ይከታተልዎ ምንባሮም ግን ዘደንቕ'ዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን (ኣባላት 'ናጻ ኤርትራ') ብጸሓፊ-ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ተመሊኾም ነቲ ኣብ ኤርትራ ብ 1943 ዝጀመረ "ኤርትራ ንኤርትራውያን" ዚበሃል ምንቅስቓስ ክድህኽኩዎ ከም ዝተበገሱ የርኢ።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ንኤርትራ ተላእከ፣ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ከኣ ኢዱ ኣብ ፖለቲካ ከእቱ ጀመረ፣ 'ናጻ ኤርትራ' ኸኣ ምስ በዓል ኣቡነ ማርቆስ ዀነ ተድላ ባይሩ ብኣይድዮሎጂ ኣንድነት ተኣሳሲሮም እቲ ዝግበር ገበሩ - ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ተቘጻጸሩ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምጽንባር ከኣ ስርሖም ኣዕዘዙ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ...

ቀጺሉ እቲ ዝኸፈትናዮ መዝገብ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእከ የርኢ። እቲ መልኽቲ ከምዚ ዚስዕብ ይብል ...

"ማሕበር 'ናጻ ኤርትራ' ንመጀመርያ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ብ 8/2/1944 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ቤት ሲነማ ኣኼባ ኣካዪዱ።

እቶም ዕዱማት ብህዝባዊ ማዕከናት ዘይኰነስ ብሰበ-ሰብ 'ዮም ዕድመ ልኢኾም። ዘይኣባላቶም'ውን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተረኽቡ (ኢትዮጵያውያን እንተላይ) ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ።

"ነቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣቶ ገብረመስቀል ሃብተማርያም'ዮም መሪሖምዎ። እቶም ዝቐረቡ ዲስኩራት ካብ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ሓዲስ ነገር ከም ዘይነበሮም፡ ግንከ ሓደ ተባዕ ሰብኣይ፡ ብላታ ኪዳነማርያም ኣበራ ዝበሃሉ ሰብኣይ፡ ተንሲኦም ሕቶ ከም ዝሓተቱ ንፈልጥ።

"ብላታ ኪዳነማርያም ከኣ 'ከበሳ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብታሪኽን ባህልን ልምድን ሓደ ኢና በልኩምና፡ ግናኸ እቲ ዘገድስ ጕዳይ ንሱ ድዩ ወይስ ብቕዓት ኢትዮጵያ ... ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከተካይድ ትበቅዕ ድያ?' ኢሎም ዱብ-በላ ሕቶ ኣቕሪቦም' ብምባል፡ ብዙሓት ኣኼበኛታት ከኣ ብዉሽጦም ዘረባ ብላታ ኪዳነማርያም ሰሚዖም ብዉሽጦም ከም ዝተሓጐሱ ይገልጽ።"

ኣብቲ እዋንቲ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ይሰርሑ ነይሮም'ዮም።

ከም በዓል ኣቶ እምባየ ወልደማርያም፡ ሚኪኤል ተሰማ፡ ሰሎሞን ኣብርሃ፡ ክፍለዝጊ ይሕድጎ ዘኣመሰሉ ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ፣ ከም በዓል ጳውሎስ ብርሃነ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ገብረሚካኤል ፍስሃየ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳይ፣ ሓጎስ ተወልደመድህን ኣብ ሚኒስትሪ ኮመርስን ኢንዱስትርን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ ዉሽጢ ሃገር ... ወዘተ ድሓን ቦታ ሒዞም ዝሰርሑ ኤርትራውያን ነይሮም'ዮም።

ካብ ሰነዳት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሕ ንመሃሮ ነገራት ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎዉ ቤተ-መዛግብ ክህብትሙ ጻዕርታት ክካየድ ይግባእ።

ብቑዕ ቤት መዝገብ ሃገር ምስ ዚህሉ ንመወከሲ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኰነስ መንግስቲ ምስ ዝጋገ ኣብ ናይ ትማል-ኣብነታት፡ ፍጻሜታት፡ ፍርድታት ኰኑ ካልኦት ሓቕታት ተመርኲስና ዓገብ ክንብል ንኽእል።

News Item 25.02.2018 Eritreische Verein 2010

ነቶም ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝሰንኪሎም ዘለዉ ጀጋኑ ኣሕዋትናን ብጾትናን ንምሕጋዝ ኣብ ከተማ ሽቱትጋርትን ትቢንገንን ከባቢኡን ንዕለት 24-11-2018 ኣብ Heilbronner strasse 107 Stuttgart ክካየድ ተጸዊዑ ዝነበረ ዕድመ፡ ዕለቱን ሰዓቱን ብምኽባር ብርክት ዝበሉ ዕድመኛታት ዝተሳተፍዎ ዕዉት ዝዀነ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብዚ ብማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን፣ ብምሉእ ምትሕብባር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ሽቱትጋርትን ዝተጸወዔ ኣኼባ፡ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣባል ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ኤርትራን ንጥፍቲ ኣባል ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብጸይቲ ትርሓስ ኣማኒኤልን፣ ካልኦት ግዱሳት ብጾትን ተረኺቦም፡ ንህሉው ኩነታት መደበር ከሰላ ዝገልጽ ተንቀሳቀሲ ስእሊ ብምርኣይን፣ ተወሳኺ ኣቋም ማሕበር ኣካለ ጽጉማት ኤርትራ ብቃል ብምሕባርን፡ ኩሎም ኣኼበኛታት ዝተዋስእሉ ንመጻኢ ዕብየት ማሕበር ዝምልከት ኣጀንዳ ብምልዓል ሓባራዊ ርእይቶን ለበዋን፣ ምኽርን ብምልውዋጥ ካብ ሰዓት 16.00 ክሳዕ ሰዓት 21.00 ግዜ ዝወሰደ ሰናይን ሕጉስን ምሸት ኣምስዩ።

ኣብዚ ምስዮት እዚ ኣኼበኛታት ብመስዋእቲ ብጻይና ሓምድ ኣደም ሳልም ሓዘኖም ገልጾም። ብድሕሪዚ ካብ ፍትፍቱ ፊቱ ከም ዝብሃል ኣኼበኛ ነዚ ማሕበርዚ ንምሕጋዝን ንምትሕብባርን ድሉው ምዃኑ ኣብ ርእሲ ምርግጋጽ፣ 945.00-ኤውሮ (ትሸዓተ ሚእቲን ኣርብዓን ሓሙሽተን ኤውሮ) ንማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣስተዋጽኦ ኣበርኪቱ።

ራድዮ ማሕበረ-ሰብ ሽቱትጋርት ንጸዋዒት ማሕበር ኣካለ-ጽጉማን ብምቅላሕ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጸዋዒት፣ ብስም ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ክብ ዝበለ ምስጋና ነቕርብ።

ብስራሕ ኮነ ካልእ ምኽንያታት ኣብዚ ኣኼባዚ ዘይተሳተፉ ኣሓትን ኣሕዋትን ብናይ ማሕበር ናይ ባንክ ሕሳብ ኣቢሎም ሓገዞም ከበርክቱ ከምዝኮኑ ድማ ንኣምን ኢና።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን
ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ሽቱትጋርትን

ህዝቢ ኤርትራ ብመንፈሳውን ባዕሉ ብዘቆሞን ሞራላውን ማሕበራውን ሕጊ እናተመርሐ፡ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ከየድለይዎ ብሰላምን ብዘይኳሕ-ገልጠምን ህይወቱ ዘመሓድር ምንባሩ ዓለም ብምልኡ ዝመስከረሉን ዘድነቖን ክቡር ህዝቢ ኢዩ። እዚ ህዝብዚ ብጽጋብ ዘይብዳዕ፣ ኣንፈቱ ዘይስሕት፣ ብስእነት ዘይጭነቕን ጉልባቡ ዘይቀልዕን ተሓጋጊዙ ዝነብር ዕጉስን ተጻዋርን፡ ዘረባ ሓደ ሰሚዑ ዘይፈርድ፣ ንሓሶትን ጠቐነን ዕድል ዘይህብ፣ ንስርቅን ጥልመትን ብግልጺ ዝቃወምን ዝግስጽን፡ ክህብ እንተዘይኮይኑ ዘይናቱ ዘይደሊ ውርዝነት ዝመለለይኡ ለዋህ ህዝቢ እዩ።

ገለ ካብ መዐቀኒ ብልጫታቱ ንምጥቃስ፡

1. መራሕቱ ቈጽሊ ብምውዳቕ ካብ ምምራጽ ሓሊፉ ክሳብ ሓላው ሕዛእቱ ውን ብሓባር መኺሩን ተላዚቡን ዝመርጽን።
2. ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ውን እናሃለወ ባዕሉ ብዘቆሞ ሕጊ እንዳባ እናተመርሐ ብቕሳነት ዝነብርን።
3. ዓቕሙ ደሪትዎን ምቹእ ዕድል ክሳብ ዝረክብ ዝተዓገሰ´ምበር ዘይተምበርከኸን ዘይተጻዕደን።
4. ይኣክል ኣብ ዝበለሉ ህሞት ብሓባር ቈሪጹ ዝተላዕለን ተቓሊሱ ኣክሊል ዓወት ዝደፍአን መምህር እምበር ተመሃራይ ዲሞክራሲ ክኸውን ዘይግብኦ ህዝቢ ምዃኑ እዩ።

ካብዚ ስነ-መጐታዊ ዕግበትዚ ነቒሉ ድማ ኢዩ ነቲ ብኹሉ መምዘኒ ክመርሖ ብቕዓትን ዓቕምን ዘይነበሮ መስፍናዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰን ስዒቡ ዝመጸ ወታሃደራዊ መንግስትን ፈንፊኑ ባዕሉ ዝውንናን ብስርዓተ ዲሞክራሲ ዘመሓድራን ሃገሩ ነጻ ንምውጻእ ተቓሊሱ ዝተዓወተ:: እዚ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ፡ ጸልማት መግዛእቲ ቀንጢጡ ብርሃን ናጽነት ዘብረቐ ዕዉት ህዝቢ ኣብ ናጽነቱ ሓጐሱ ብዝገልጽ ደረጃን ኣገባብን ክጽንብሎን ከኽብሮን ክስዕስዓሉን ክድብለሉን ንቡርን ቅቡልን እዩ።

ይኹን እምበር: ብኽቱር ሓጐስን ፈንጠዝያን መኣዝንካ ብምስሓት እናሓደረ ዘጣዕሰካ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዳግማይ ዋጋ ዘኽፍል ደረጃ ክሳብ ዝበጽሕ ክትድቅስን ክትዛነን ግን፡ ዝተዋህበ ምኽንያት ወይ ምስምስ ይወሃቦ ተቐባልነት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ብርግጽ ምእንቲ‘ዛ ዝፈትዋ ሃገሩን ክቡር ህዝባን ክብል ዝተፈጸመ ጅግንነትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ብጽንዓት ዝተሰግረ መሰናኽልን ርእዩ፣ ኣብ ሰውራኡን መራሕቱን እምነት ከሕድር ነቲ ዝተሓልፈ ጽንኩር ህሞት ዝግብኦ ምስክርነት ምሃብን ሓቂ ምምስካር እዩ። ይኹንእምበር: ንሳጥናኤል ኢሰያስ ካብ ናይ ሰብ እምነት ናብ ኣምላኻዊ ኣምልኾ ምስግጋር ደረቱ ዝሰሓተ ጌጋ ምንባሩ፡ እዚ ሎሚ ሃገርናን ህዝብናን ዝርከብዎ ዘለዉ ኩነታት ባዕሉ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ፡:

እዚ “ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ ብሕጊ ዘይምሓደር ህዝቢ ጥፉእ”፡ „ምናልባት ነብሪ ኣብ ኦም ደይቡ ከጸንሓካስ: ምሳር ተማላእ“ ዝብሉ ናይ መጠንቀቕታ ኣስተምህሮኣዊ ምስላታት ሓዲጉ፣ ነታ „ትኣምኖ ልኢኽካስ እንታይ ተረፈኒ ኣይትበል” እትብል ምስላ ምውሳዱ: ንባህሪ ጉሒላ ኢሰያስ ብልክዕ ዘይምፍላጡ ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ ክበሃል ምተኻእለ። እቲ በቶም ተሰኪመሞ ዝኣተዉ ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ህግሓኤ ብ1993 ኣድማ ክገብሩ፡ ሰነድ ሰውራና ዝዀኑ ጀጋኑ ኣካለ-ስንኩላን ክቕንጸሉ፡ ሕድሪ ተቐቢሎም ክሃንጹን ክመርሑን ዝኽእሉ መንእሰያት ጐደና ምዕባለ ዝኾነት እንኮ ዩኒቨርስቲ ዓጽዩ ተመሃሮ ክኣስር: ኣብ ሞትን ስነ-ኣእሙራዊ ሓደጋን ከውድቕ፡ ህጻናት ኣብ ትሕቲ ወለዶም ከይዓብዩ ሓሓፊሱ ኣብ ሳዋ ወሲዱ ባህልን ያታን ወለዶም ከይፈልጡ ክገብርን: ኣብ ፈቐዶ ውግእ ጠቢሱ ከጽንትን: መሰረት እምነትን ስነ ምግባራዊ ሕግን ባህልን ዝኾነ ሃይማኖታትና ክዘርግን: ላዕለዎት መራሕቲ ክኣስርን፡ ሃገር ብዘይቅዋም ንጥፍኣት ክመርሕን: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሃገራውያን ብዘይብይን ንመዋእል ኣብ ማእሰርቲ ከብልን: ዘዝወለድካዮም ከም ደቂ ዛግራ ፋሕብትን ከእትወሎም ዓገብ ዘይምባል ግን፡ ህይወት ሰብ ዘለዎም ፍጡራት ዘብል ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ክርአ ከሎ፡ ሃገርና ኣብዚ ዘላቶ ኩነታት ምውዳቓ ስርዓት ህግደፍ ብቐዳምነት ዝሕተት እኳ ይኹን እምበር: እቲ ምእንቲ ናጽነት ኩሉ ዝውንኖ ክቡር ህይወት ዝኸፈለ ህዝቢ ኣብ ነጻ ሃገሩ ማሕበራውን ቁጠባውን ሓርነት ተጐናጺፉ ኰሪዑ ክነብር እምበር: ግዙእ ሕልና ኣልቦ ገበነኛ ኢሰያስን ተመጽዋቲ ትኳቦታቱን ክኸውን ምፍቃድ ብማዕሪኡ ካብ ተሓታትነት ነጻ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ማእለያ ዘይብሉ ጻዕርን ማዕሪኡ ዝትመን ገንዘብን ዝፈሰሶ ቅዋም ቀቲሉ ቀይዲ በቲኹ ክጋልብ ከሎ ዓይንና ክንዕመት ዝመረጽና ህዝቢ እምበኣር ሃገር ኣብ ምዕናውን ብኢሰያስ ክንነዓቕ ዕድል ዝኸፈትና ንሕና ባዕልና ምዃንና መዓር ይጥዓመና ዓንዴል ክንውሕጦ ዘሎና ውሽጣዊ ምራቕና እዩ። እዚ ኩሉ ደረቱ ዝሓለፈ ስቕታ’ዩ ድማ ነታ ኤርትራ ሲንጋፖር ቀርኒ ኣፍሪቃ ክንገብራ ኢና ክብል መታለሊ መብጸዓ ክሒዱ ከምቲ ማይ ብዓይኑ ኣይዘረግ ዝብል ምስላ ኣቦታት፡ ነታ መሰረት መንፈሳውን ማሕበራውን ፍትሓውን ባህርያት ህዝብና ደምሲሱ፡ ነቲ ምንጪ ሓድነትን ፍቕርን ዝኾነት ኤርትራዊት ስድራቤት በቲኑ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቍጽጻሩ ንምእታው ዝሓገዞ። ካብዚ ኵነታትዚ ነቒሉ’ዩ ድማ ምሉእ ጸጋ ሃገር እናጓሕጉሐ ካዝናኡ ካብ ምምላእ ሓሊፉ ብክቱር ንዕቀትን ብደዐን ሰኺሩ ንህዝቢ ዘጥፍእን ብሃገር ዝዋገን ዝፋቶን ዘሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ ኣብ ውሽጥዚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዘይመልእ ዝካየድ ዘሎ ሃገራውን ህዝባውን ክድዓት ዘመልክት ሸብዳዕዳዕን ቃለ መጠይቓትን ከኣ ንኢሰያስ ጻዕረሞቱ ዝሕብር፡ ንዓና ንህዝቢ ኤርትራ ግን ምህላውና ንምርግጋጽ ክንበራበር ዝዕድም ደወል እዩ። ትማሊ ሃገር ክሃንጹ ህዝባ ካብ ድኽነት ከውጽኡ ብምሉእ ተስፋ እንጽበዮም በጃኻን ቅድሜኻን ይግበረና ክንብሎም ዝጸናሕና ውሑዳት ብሓደ ዝተመልኩ ጉጅለ ነይሮም። ሎሚ ግን ንዓና ከም ህዝቢ ንሃገርና ድማ ከም ልኡላውነታ ዘረጋገጸትን ዝዓቀበትን ሃገር ካብ ምዃን ተሪፉ፡ ኣብቲ ቅድሚ ስሳታት ዝመልስ ንክቡር መስዋእትና ከንቱ ዝገብርን ዝኽሕድን ኣካይዳ ከዳዕ ስርዓት ኢሰያስ በጺሕና ኣለና። እቲ ንዓና ዝተርፍ ምርጫ እምበኣር ሓንቲ ካብ ክልተ ምርጫታት ማለት በቲ ኢሰያስ ብንጕሁኡ ብሕቡእን ግሉጽን ዝሰርሓሉን ህዝቢ ብዘይፈልጦን ብዘይተሳተፎን ኣገባብ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ምምራሕን፡ ረዚን ታሪኽ ቃልስና ትርጉም ዘይብሉ ዝገብር ምርዓም ዶ ወይስ ናይ እንዳመን ሃገር ኢኻ ከተሕብርን ክትድምርን ኢልና ብቕዓትናን ጅግንነትናን ንምድሓን ሃገር ዳግማይ ከነመስክር፣ ብህጹጽ ክምለስ ዘለዎ ንኹልና ዝምልከት ሕቶ እዩ።

ብወገነይ ወጋሕታ ብርሃን ሓርነት ይቕልቀል ኣሎ ብዝብል ኣርእስቲ መልእኽተይ ከተሓላልፍ ዝተበገስኩሉ ምኽንያት፡

1. ኢሰያስ ዓበድበድ ኣድሂብሉ ንሃገርን ህዝብን ክሓልን ክኣልንስ ይትረፍ ነታ ኣብ ክሳዱ ሓኒቓ ሒዛቶ ዘላ ገመድውን ከዝልቕ ዘይክእል ኣብ ደንደስ ሞት ምህላዉ ዘመልክት መትሓዚ ዘይብሉ ሃለውለውን ከለብለብን ብሓደ ወገን፡ እቲ ብመሪሕነት ኢሰያስ ክሓልፈሉ ዝጽበ ንሕና ንሱ፡ ንሱ ንሕና ዝብል ደጋፊኡውን ከይተረፈ ኣብዝቐበጸሉን ዝፈንፈኖን ድማ ብኻልኣይ ወገን።
2. እቲ ኩሉ ኩነታት ታሓዋዊስዎ ኣይደጋፊ ኣይተቛዋሚ ኮይኑ ናይ ተዓዛቢ መርገጽ ወሲዱ ዝነበረ፡ ነገሩ ከምጸሓይ ቀትሪ በሪህሉ ድግድጊት ዓጢቑ ፍትሒ ንምምጻእ ኣብ ደምበ ደለይቲ ለውጢ ክውሕዝ ይዕዘብ ምሕላወይ።
3. ልዕሊ ኩሉ ድማ እቶም ሃገሮም ገሃንበ እሳት ኰይናቶም ብምስዳድ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩን ሓቀኛ ታሪኽ ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ንኽፈልጡ ዕድል ዘይረኸቡን ንስደት ከም ፍታሕ ክርእዩ ዝጸንሑ መንእሰያት ብብዝሒ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ተሰሊፎም ሕድሪ ስዉኣት ኣቦታቶምን ኣዴታቶምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ንምፍጻም ብጻዕቂ ኣብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ምውሓዞም።
4. ኣብ መወዳእታ ድማ ተቓላሳይ ህዝብና ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ኢሉ ሃገሩ ካብ ኢድ ጠላማት ብቕልጽሙ ኣውጺኡ ንዕኦም ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ንሃገሩ ድማ ናብቲ ዝተቓለሰሉን ጌና ዘይተዓወተሉን ዕላማ ሰላምን ራህዋን ዝሰፈና ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን መሊሱ ስልጣኑከረጋግጽ ይብገስ ምህላዉ ብምእማን እዩ።

እዚ ድሌትን እምነትን’ዚ፡ ባህግን እምነትን ናይ ኩሉ ብሕሉፍ መግዛእቲ ዝተለብለበ ምዃኑ ስለዝተኣማመን ከኣ ድሌቱ ኣብ ተግባር ንምልዋጥ ሓገዝቲ ዝብሎም ምኽርታት ክልግስ ሃገራዊ ሕልናይ ይድርኸኒ። ሓቂ’ዩ ንኣገባብ ኣቀላልሳናን ምፍታሕ ጸገምናን ብዝምልከት ብብዙሓት ካባይ ንላዕሊ ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን ብተደጋጋሚ ክ ጸሓፍን ክቃላሕን ጸኒሑ ኢዩ፡ እቲ ምኽሪ ብግብሪ ክሳብ ዝትግበር ከኣ ክንደግሞ ዘይስገር ግዴታ ስለዝኾነ ብኸምዚ ኣቕርቦ።

1. ከምቲ ታሪኽ ተወከስ ባላ ተመርኰስ ዝበሃል ምስላ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ባዕዳውያን ገዛእቱ ተቓሊሱ ዝተዓወተሉ ምስጢር ሓጺናዊ ጽንዓትን ስሙር ሓድነቱን እምበኣር ካብ ናይ ጸላእቱ ንላዕሊ ሓይሊ ኣጽዋርን ጉልበትን ስለዝወነነ ኣይነበረን።
2. ኢሰያስውን ነዚ ስለዝተረድአ እዩ ሓድነትና ንምዝራግ ብሃይማኖታትናን ባህልናን ጀሚሩ ክሳብታ ቁጽሮ መሰረት ፍቕርን ሰላምን ዝኾነት ስድራ ቤት ከይተረፈ ሰሊኹ ብምእታው፣ ኣብ ክንዲ ንመላላእ ክንከላላእ ኣብ ክንዲ ንፋቐር ክንጻላእ፣ ኣብ ክንዲ ክንተኣማመን ክንጠራጠርን፡ ክንተሓማመን ከምደቂ ዛግራ ፋሕ ኢልና ከምዘይነድምዕ ዝገብረና ዘሎ።
3. ሎሚ ብሓቂ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ክንብገስ ድሉዋት እንተኮይና ብቐዳምነት ነቲ ጠንቂ ረማሲ ሕማምና ዝኾነ ዲያብሎስ ኢሰያስን መሳሰይቱን ምልጋስ ቀዳማይ ዕላማና ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ከኣ ኩሉቲ ዝሓለፍናዮን ፋይዳ ዘይረኸብናሉን ትሕቲ ሃገራዊ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ብዘይንሕስያ ገምጊምና ክንናስሓሉ ኣለና።
4. ኩሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኣወዳድባን እምነትን ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ንኹሉ ኣብ ለውጢ ዝውሕዝ ዘሎ ዓቕሚ ብዘይ ጾታዊ ሃይማኖታዊ ዓሌታዊ ኣውራጃዊ ኣፈላላይ ኣብ ሃገር ንምድሓን ዝዕላምኡ ሓቛፍን ኣሳታፍን ባይታ ቃልሲ ጸሚድካ ብሓድነት ምቅላስ።
5. ኣብዚ ንሓድነት ዝጻረር ሕቶ ምምራሕን ካልእ ፍሉይ ድሌትን ሓለፋታትን ዘየፍቅድ ሕቶ ምህላውን ዘይምህላውን ምምላስ።
6. ነዚ ስራሓትዚ እተማእክል ኣካል ብሓባር መሪጽካ፡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያትካ እትውክል ምቓም።
7. እዚ ስርርዕዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ከኣ ብፍላይ ከም ዝልሕም ምግባር።
8. በዚ ጥርኑፍ ውዳበ’ዚ ተማእኪሉ ዝሰርሕ ማዕከን ዜናን ሓበሬታን ከምዝህሉን ጽዑቕን እዋናውን ፖለቲካውን መሃሪ መልእኽቲ ምትሕልላፍን።

እዚኦም ከም መበገሲ ወሲድና ምስ እንሰርሕ ንዓወትና ዝዕንቅፍ ሓይሊ ከምዘይህሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡ እዚ ማለት ከኣ ማዕረዚ ኣብ ዞናና ዝርአ ዘሎ ምዕብልና ክንቀዳደም ኣለና ማለት እዩ፡ ኩልና ንዕዘቦ ከምዘለና ኣብ መንጎቲ ትርጉም ኣልቦ ብዶብ ተመኽንዩ ዝተወለዐን ኣሸሓት ዝኸፈልናሉን ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣይንዝትን እናበለ ክግዕር ዝነበረ ሰራም ኢሰያስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶክቶር ኣብይ ኣሕመድ ብዝገበረሉ ዕድመ ጉዳይ ዶብን ምሕንጻጽን ረሲዑ ጥራሕ ዘይኮነስ ቀዳምነትና ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ እናበለ ትፋኡ ዘልምጽ ዘሎ ፍሹል ኢሰያስ ንምንዋሕ ስልጣኑ ሓገዝቲ መሲሎም ዝረኣዩ ከም ምልዓል እገዳ ሓዊሱ ንጠቕሙ ክግልገለሉ ኣይሰርሕን ማለት ኣይኮነን። እዚ ግን ከምቲ ተሸይሙ ከሎ ዘይበልዐስ ምስ ተሳዕረ ተጣዕሰ ዝበሃል ምስላ፡ ኢሰያስ ዝነበሮ ፍቕርን ተቐባልነትን ህዝቢ ኤርትራ ምድሪ ስለ ዝዘበጠ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ክመርሕስ ይትረፍ ንነብሱ’ውን ክመርሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ መንእሰያት ከይመሃሩን ሰሪሖም ከይምዕብሉን ቅዋም ከይትግበር ተወሪርና፡ ናብራ ህዝቢ ከይማሓየሽ ተኣጊድና እናበለ ነቲ ባዕሉ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ከይዓብን ከይምዕብልን ዝኣገዶ ህዝብና ሓቁ ከይፈልጥን ሃሙን ቀልቡን ብደገ ከምዝተፈጸመ ከምስል ብኣመሪካን ከደምታን ዝብሎም ስርዓት ኢትዮጵያ (ወያነ)ዝወረደ ሓጥያት ገይሩ ዝገልጾ ሓሶት ተቓሊዑ እዩ። እዚ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ይገበር ኣብ ልዕሊኡ ዝተወሰነ ማዕቀብ ይለዓል ኣይለዓል ካልኣይ ዝስራዕ ኮይኑ ቀዳምነትና ስርዓት ህግደፍ ምዕናውን ስልጣን ንዋንኡ ህዝቢ ምርካብ ምዃኑ ተረዲኡ ብቖራጽነት ተበጊስሉ ዘሎ ጉዳይ እዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ብትዕግስቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ምህርቲ ሰላምን ራህዋን ኣብ ዝሓፍሰሉ ቀውዒ በጺሑ ስለዘሎ ብሓባርን ብልቦናን ግዜ ከይወሰደ ዕዮ ገዝኡ ክሰርሕ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብ መወዳእታ እተን መሕብኢ ገበነኛ ዝነበራ ምስምሳት ካብተሰግራ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ዝባንካ ተጻዒኑ ዘሎ እገዳ ንምስዓር ግዜ ከይሃብካ ክትላዓል መድረኽ ይሓተካ ኣሎ።

ዓንደጽዮን ግርማይ

ጀርመን

ዕለት 21/11/ 2018