ኣደ እቲ ሞያኽስ ነይዋሓደ
እቲ ጅግንነትኪ'ውን ጸላኢ ዘሰንበደ
አረ ለዋህ ኢኺ በቑባቕ ብተፈጥሮ
ብዙሕ ይሓጽረኒ ብቓላተይ ንኽስፍሮ
ክንዲ ዝወለደት ዳቃ ዘረከበት
ክንዲ ዘዐንገለት ንጸላእታ ዝሳዓረትq
እዚ ዶ ምኾነ ጻማ ውዕለታ
ንድርብ ወጽዓኣ ተቓሊሳ ክንሳ መኪታ
ብጸልማት ኣይበት ብብርሃን
ንኹሉ ሓሊፋቶ ብድሓን
ክሓልፈላ ክትለብሶ ናይ ሓርነት ሽቦ
ግን ሰሪቖም ብምውሳድ ደርቢዮሞ ናብ'ቲ ጎቦ
ጎቦታት ከይበለት ሰናጭሮ
ቅጫ ብምቑጻር እንጀራ ብሽሮ
ማይ'ውን ኣይተረፈን ብብራሾ ብዕትሮ
ንዝጠመየ የዐንጊላ ተረስርሳ ንዝጸምአት ጎሮሮ
እዛ ኣደ! ኣብ ቅድሚተ ግንባር-- ዘይትብል ንዳሓር
ንሂወታ ዘይትበቃ --ንመስዋእቲ ዘይትርሕቃ
ትኣሊ ንብጾታ ንእህህታ-- ብፈገግታ
ኩሉ ዶ'ታ ክብላ--ቃላት ስኢነላ
ወሊዳ ተዕቢ--ንሃገር ትናቢ
ትምህር ትኵስኩስ-- ንሃገር ትልግስ
ተስንቕ ተዐጥቕ--ንጸላእታ ከተሕቅቕ
ሓያል ብተፈጥሮ--ኣንቲ ጽላል ዳዕሮ
ተጽንዕ ትትልም--ክዳን ደቃ ትኣልም
ትሓጽብ ተጽሪ--ንኹሉ ትሓሊ
ትዓጥቆ'ቲ ብረት--ሸጥ ማዓንጣ ኣብ እምነት
ትግስግስ ትዳሎ--ዕርድታት ገዛእቲ ክትብልሎ
ንኹሉ ድልውቲ'ዛ ውሕልልቲ ክብርቲ
ለዋህ ብተፈጥሮ በላሕ ብኣእምሮ
ሃያብ ንፈተውታ--መርዛም ንጸላእታ
ኤርትራዊት ኣደ የብላን መሰታ
ኣይእዳን ኣይናታን ነዚ ኣይነበረን ዓስባ
ሸውሃታ ዓጼሞ ንትርግታ ናይ ልባ
ማዕጾ ይገበሮ ኣደ ተከተዕርፍ
ባህጋ ሰሚሩላ ጾራ ከተራግፍ
ኣደ ትገብሮ መን ይገብሮ
ንኹሉ ኣብ ከብዳ ከም ውላዳ ትጸሮ
ንሕማቕ ከም ጽቡቕ ኣብ ልባ ትሰትሮ
ከም'ዚ ኢዩ ነሩ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ኩሉ ዝምስክሮ
እንተ ሕጅ ግና ባዕልኺ ሓብርና'ቲ ዝና
እንታይ'ዩ ዝብለኪ ትትረግጽዮ ዘለኺ ጎደና
ካብ ደገ ንውሽጢ ትመላለሲ ንእርትራ
ተሸልምኪ በዋርቕ ዘቑጸልጸለ ሕብራ
እንታይ ከ ትብለኪ ኣደ'ታ ስውእቲ
ኩሉ ሂባ ዝሳኣነት ሓንቲ
እንታይ ከ ተዓዚብኪ ካብ መንብሮ'ታ ስንክልቲ
ኣካላ ኣወፍያ ዘንበርከኸት ጸላእቲ
ይኣክል ዝብላኺ- ኣለዋ ኣብ ጥቓኺ
ኢደን ዘይሃባ ዝቃለሳ ኣንጻር'ዚ መላኺ
ንዓኺ ወሲንኸን ሓራ ከውጻኣኺ
ንዒ ሕበርየን ንሱ'ዩ ግርማኺ
ኤርትራዊት ኣደ ሎሚ'ውን ከም ቀደኪ
ኣይ'ቲ ሃቢ ኢድኪ ኣይተረክብዮም ስልማትኪ
ክሳብ ትለብስያ ዝፋን ናይ ኣኽሊልኪ
ካብ ድርብ ወጽዓኺ--ሓራ ከይወጻእኺ
ስለ'ዚ ምእንታኺ ንሰላም ዝግስግሱ
ብስነ-ፍልጠት ንጐደና ዝህንዱሱ
ኣለው ዝበቑሉ ንመንፈስኪ ከሓድሱ
ካብ ማህጸንኪ ዝወጹ ዝፈለሱ
ግን እዚ ዕሸል ብቑሊ ባልዕ ከይረኽቦ
ዓንቢቡ ከሸወተ ፍልሖ ከይሰልክዎ
መድሃኒት ኩንዮ ከም ኣመልኪ
ምስጢርኪ ዕቖብዮ ከም ቀደምኪ
መስዋእትነትኪ--ንበኮትነት ኣይኮነን
ጸላኢኺ ይድነን--ቃልስኺ ይሕነን
ሓደ ነቲ ካልእ ብውግእ ምስ ዝስዕሮ፥ ሓደ ሓያልን ሓደ ከኣ ድኹምን ይኾኑ እሞ፥ እቲ ሓያል ነቲ ድኹም ተመሊሱ ሓይሊ ከይፈጥር፡ ብኹሉ ሸነኽ ማለት ብቁጠባ፥ ዲፕሎማሲ፥ ፖለቲካዊ ከዳኽሞ ናይ ሰዓርቲ ባህሪያት እዩ። ካብቲ ዝሓሰብዎ እውን ብምንም ዓይነት ክላቐቑ ድልዋት ኣይኮኑን። ኢሰያስ ውን ስዒሩሉ ኣብ ዝነበረ እዋን “ጸሓይ ብዝዓረበቶ ተመሊሳ ኣይትበርቕን እያ ውን” ኢሉ ነይሩ እዩ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና ተረኺቡ ዘሎ ጉዳይ፥ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ዝመሳስል፡ ካብ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኣትሒዝካ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ስምምዓት ንልኡላውነት ሃገርና ዝፈታተን ከይከውን ዘጠራጥር እዩ። ምኽንያቱ እቲ ልክዕ እንታይነት ናይቲ ዝድለ ዘሎ ስምምዕ ስለዘይግለጽ ኣብ እንተታት ክተድህብ የገድደካ። ካብዚ ሽግር ከይንላቐቕ ድማ ተቓወምቲ ሕዝ ፍንጥሕ፥ ኣልቦ ስምምዕ ኮይኑሉ ዘሎ ህሞት ብቐሊሉ ንዘልቆ ኣይመስልን። እዚ ነታ ስውእ ኣሕመድ ፍሩም ኣብ 1975 ዘበላ የዘኻኽረካ። ስውእ ኣሕመድ ፍሩም ዝበሎ፥ ”ሃገራዊ ቃልስና ክዕወት ናይ ግድን እኳ እንተኾነ፡ ሓርነታዊ ቃልስና ግን ገና ሓምሳ ዓመት ከድልዮ እዩ።” ካብታ ነዚ ቃል ዝበሎ ኣትሒዝና እተን ሓምሳ ዓመታት ከመልኣ ሽዱሽተ ዓመት ተሪፉ ኣሎ። ስለዚ ፣ምናልባት ካብዚ ደምበ ተቓውሞ ዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ ኣካይዳን ኣብ ንሓድሕዱ ምትፍናን ወጊዱ ብሃገራዊነት ስምዒት እንተተቓሊሱ ኣብ 2025 ዋግዋጎ ናይ ሓርነትና ይቀላቐል ይኽውን። ካብኡ ሓሊፉ ኣነ ውን ብወገነይ “ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ደኣ ከይትብሉኒ እምበር ኣብ 2035 ብርሃን ንርኢ ንኸውን እብል።
ሎሚ፥ እቲ ምኽንያት መንቀሊኡ ብዘይተፈልጠ ስምምዕ ናይ ኢትይጵያን ኤርትራን ዶብ ኣልቦ ናብ ዝብል ኣጉል ሕልሚ በሰላም ከንበረና እዩ ዝብል ሓሳብ “እዛ ዳዋ ተምጽኦ ኣለዋ” ከምዝበሃል ከይከውን ነገሩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኤርትራ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ጣልያን ፍሉጥ ዝነበረ ዶባታ፥ ዋላ ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ከይተሓንጸጸ ዝተረፈ ክህሉ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፥ ኣብቲ ግዜ ስምምዕ ውን መሬት ኤርትራ ዝተወስደ ክህሉ ይኽእል እዩ። እንግሊዝ ንኢትዮጵያ ሓጊዛ ንጣልያን ኣብ ዝወግኣትሉ ውን እንተኾነ፡ ገለ ካብ መሬት ኤርትራ ከይተሸርመመ ዝሓለፈ ኣይመስልንን። ሕጂ ድማ እነሆ ትማሊ ኢሰያስ ብሰንኪ ዶብ ማዕረ ሰላሳ ሽሕ ዝተሰውኡሉ ቀያሕቲ ደቅና፥ ሎሚ ምልስ ኢሉ ኪኖ ዶብ ክንሓስብ ኣሎና፥ ዶብ ይተሓንጸጽ ዝበሃልሲ ውግእ ንምጽሕታር እዩ ዝብል ዝበለየ ሽጣራ ብእይከሰርናን ክድምድሞ ከሎስ ናይ ምንታይ ንዕቀት እዩ። ናትና ከይፈለጥናኸ እንታይ ዓይነት ሰላም እዩ ክሰፍን።
ሻዕብያን ወያኔን ነቲ ናይ ኮሙዩንስት ዕላማ ዝተሓንገጠ መንግስቱ ሃይለማርያም ክድምስሱ ሓቢሮም ተቓሊሶም። እዚ ድማ ንጀብሃ ውን በቲ ንሳቶም ዝደልይዎ ሕቡእ ኣጅንዳ ከምዘይትሰማምዖም ስለዝፈለጡ፥ ክትድምሰስ ተፈሪድዋ። ተመሊሳ ወያኔ ባድመ ናይ ኤርትራ ምዃና ምስ ተበየነ ቅድም ክንዛተ ኣሎና” ብዝብል ምስምስ እቲ ጉዳይ ናይ ዶብ ክሳብ ሕጂ ከይተሓንጸጸ ተሪፉ። እዚ ስለምንታይ እዩ ናብ ከምኡ ደረጃ ተበጺሑ? እንታይ ስለተደልየ እዩኸ ከምኡ ተሓሲቡ።? ምስቲ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝበሎኸ እንታይ ፍልልይ ኣለዎ? ማለት ዶ/ር ኣብይ’ውን እኮ ቅድም ምርግጋእን ምትእምማንን ንፍጠር ኢዩ ዝበለ። እዚኣስ ሰላሕታ ወራርዶ ኣይተብልን። እዚ ምስቲ ናይ ወያኔ ክተነጻጽሮ እንከሎኻ ብዙሕ ዝርሕቕ ኣይኮነን። ወረ ናይ ዶ/ር ኣብይሲ’ውን ፓርላማኡ ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ስምምዕ የለን እዩ ዝብል። እቲ ዶብ እንተዘይተሓንጺጹኸ እንታይ ሳዕቤን ወይ ትርጉም ኣለዎ? ነቲ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ብኽልቲኡ ሸነኽ ካልኣዊ ዝብል ዘረባ እዩ ዝስማዕ ዘሎ። ካልኣዊ ማለትከ እንታይ ማለት እዩ? ብዙሕ እንተታት ዝሓዘለ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ሓደ ብሄር፥ ታሪኽ፥ ባህሊ፥ ቋንቋን ታሪኽን ዘለዎ ህዝቢ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎስ፥ ሓደ ቋንቋ ባህሊ ታሪኽ ዝብል ኣብ ኤርትራ ብዘይካ እቲ ክርስቲያናዊ ሸነኽ ካልእ ምስ ሰዳን ዝዳወብከ ቋንቋን ባህልን ታሪኽን ዘተኣሳስሮ ሕብረተሰብ የብልናን ዲና? እዝስ ነቲ ኣብ ግዜ ሓያላን መንግስታት ብፍላይ መንግስቲ እንግሊዝ እቲ መታሕት ንሱዳን እቲ ከበሳ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ናይ ምምቃል መደብ ወይ እውን እንተወሓደ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምፍልላይ ወይ ድማ ኣብ ነንሓድሕዱ ከምዝጠራጠር ንምግባርዶ ኣይመስልን። ምስናይ እዚ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕራ ስኢና፥ መነሊክ ንኤርትራ ያኢ ከም ኣቕሓ ቆጺሮማ ሸይጥዋ ክብሉ እንከለዉ፥ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣሎ ማለትዶ ኣይኮነን። ንሱ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዳኺምካ ኣላሽ ከምዝብል ገርካ ክሳብ ኣብ ነንሓድሕዱ ስምምዕ ስኢኑ ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን መንነታውን ቅልውላው ንኽሽመም እዩ ዝመስል።
ስለዚ ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክሕንጸጽ እንከሎ እዩ ምትእምማንን ሰላምን ክፍጠር ዝኽእል። ምኽንያቱ ብሕጊ ንዝተወሰነ ኣብ ተግባር እነተዘይ ውዒሉ፡ ዝያዳ ዘየተእማምንን ሰላምን ቅሳነትን ዝኸልእን እዩ ክኸውን። እዚ ማለት ሕጊ ጥሒሱ ንዝጎዓዝ በየናይ ሕጊ ጌርካ ኢኻ ደው ክተብሎ። ዶብ ክሕንጸጽ እንከሎ ግን ድንክል ክተቕምጥ ምዃንካ ብሩህ እዩ። ምኽንያቱ ነናትካ ፈሊጥካ ኣብ ሓድሕዳዊ ርክባት እትኽተሎ ሕግታት ዝተኣማምንን ሰላምን ቅሳነትን ከውሕስ ይኽእልን ይኸውን። ህዝብን መንግስትን’ውን ናይ ክልቲኡ ሸነኽ ዝስግሮን ዘይሰግሮን ፈሊጡ በቲ ዝተሰማምዕሉ ሕጊ መሰረት ብኣገባብ ክጎዓዙ ከለው እዩ ምቹእ ሃዋህው ዝፍጠር። ስለዚ ዶብ ኣብ ክንዲ ምሕንጻጽ ቅድሚኡ በዝን በትን ክንሰማማዕ ኣሎና ምባል ነታ ባድመ እውን ብሕጊ ናይ ኤርትራ ምዃና ምስ ተፈልጠ ዶብ ዘይምሕንጻጽ፥ ምስ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክተኣሳሰር ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ማለት ምስቲ ኢትዮጵያውያን ኣፍደገ ባሕሪ ስኢናን ካልእን ምባሎም ክተታሕዞ እንከለኻ ባድመ ክንገድፈልኩም ዓሰብ ብናጻ ግደፉልና ናብ ዝብል ሓሳብ እዩ ዝኸይድ። በዚ ምኽንያት እዩ እምበኣር እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብምኽንያት ይኹን ብዘይምኽንያት ዝደናጐ ዘሎ ከብለካ ዝኽእል። ስለዚ ቅድም ንዛተ ወይ እውን ምርግጋእን ሰላምን ንፍጠር ምባል መሀመሊ እዩ። ብተወሳኺ ነቲ ብሕጊ ዝተበየነ ሓንጊድካ መሬትና ተጎቢጡ እንከሎ ንዛተዶ ነረጋግእን ነተኣማመንን ዝበሃል፡ ፈረስ ድሕሪ ሰረገላ ዝዓይነቱ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራ ዘይምሕንጻጽን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ቦታታት ዘይምውጻእን፡ ከምታ ናይ ጎላን ኮረብታ ብእስራኤል ተታሒዙ ዘሎ መሬት ሱርያ እዩ ክኸውን።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ “ለውጢ” ዝብል ቃል ኣዝዩ ዝውቱር ኣሎ። “ይኣክል” እውን ከምኡ። ክልቲኡ እዋናዊ ቃላት ክወሃሃድ እንከሎ ከኣ “ወጽዓ ይኣክል፡ ለውጢ ይረጋገጽ” ዝብል መሰረታዊ ቁምነገር የንጸባርቕ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓን፡ ሉኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ድንዕምንዑን፡ ንሕና እንዕዘቦ ጥራይ ዘይኮነ፡ መራሒ ህግዲፍ ባዕሉ ተጠሊዑ ብዘነውር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝብሎ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ኢሳይያስ ዝሓስቦን ዝብሎን፡ ባዕሉ እንከለዎ፡ እንዳመሓየሹ ጽቡቕ ምስሊ ንከትሕዝዎ ናቶም ምህዞ ወሲኾም “ከምዚ ክብል እንከሎኮ፡ ከምዚ ማለቱ እዩ” እንዳበሉ ከመላኽዕዎ ዝጸንሑ ግሩሃት ወይ ጐረሓት ወገናት እውን፡ ሎምስ ሕሩጮም ወዲኦም ከም ሰቦም ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሰብኣይዚ ከይተወገደኮ” ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚኣቶም ሎሚ ኢሳይያስ ደጋጊፍካ’ውን ጽቡቕ ክወጾ ከምዘይክእል ዝተኣመኑ ይመስሉ። ኣብዚ ክዉን ነገር ናይ ምቕባል ደረጃ ዘይበጽሑ ኤርትራውያን እንተልዮም ግና፡ ካብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ወጻኢ ዝነብሩ እዮም ክኾኑ።
ትርጉም ናይዚ “ለውጢ” ዝብል ቃል ካብ ምውጋድ ህልዊ ጨቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ዝምለስ ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ ብትሕዝቶኡን መንፈሱን ዝተፈልየ፡ ምኽባር ኩሉ መሰላት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ብዝማእከሉ ስርዓት ምትካእ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብ”ይኣክል” ተሰንዮም ዝቐርቡ ዘለዉ ናይ “ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት በቲ ዝተኣወጆ መሰረት ይተግበር ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያት ይጣየሱ፡ ዶብና ምስ ኢትዮጵያ ብመሰረቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ይመልከት፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ጉልቡብ ዝምድና ንህዝቢ ይተሓበር፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ይተኣታቶ፡ መሰረታዊ መሰል ህዝብና ይከበር” ዝብሉ ህጹጽ መልሲ ዘድልዮም ኣፈናዊ ጠለባት እዮም። ናይዞም ጠለባት መልሲ ካብ ህግደፍ እንጽበዮ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሓይልታት ለውጢ፡ ባዕልና ተግበርቲ ክንከውን ይግበኣና።
እዞም ዝተጠቕሱ ጠለባት ህጹጻት ኮይኖም፡ ብመሰረቱ ናይ ለውጥና መሰረታዊ ጠለብ ኣብ ናይ ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራ፡ ብዙሕነት ብግቡእ ዘመሓደረ፡ ልኡላዊ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ዝዕቅብ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምትካል እዩ። እምበኣር ውድቀት ህግዲፍ በዚኦም ክስነ እንከሎ እዩ፡ እዚ ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ሓቀኛ ለውጢ ዝኸውን። ኪኖ ውድቀት ህግዲፍ ኣንዊሑ ዘይርእን ግቡእ ምድላው ዘይገበረ ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሒቑ ዘይርእን ለውጢ ግና እዚ ንረግሞን ንቃለሶን ዘለና ህግደፋዊ ህይወት መልክዑ ቀይሩ ከይመጽእ ውሕስነት የብሉን። ስለዚ እቶም ንቃለስ ዘለና፡ ናይ ኣብ መቓብር ህግደፍ ዘተኣማምን ለውጢ ከነምጽእ፡ ንገዛእ ርእስና እውን ክንልወጥ ከድልየና እዩ። ነቲ ህግዲፍ ከውሕሶ ዘይበቐዖ፡ ብምውሓስ፡ ብመሰረታዊ ረብሓ ህዝብናን ክብሪ ልኡላዊ ሃገርናን ዝቃነ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ክንውንን ዘብቀዓና ካባና ዝጅምር ለውጥን ቅሩብነትን ከነርኢ ናይ ግድን እዩ።
እዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ህግደፍ እነውግደሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ እንዳለወሉ ብዓል ድርብ ዕማም እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣንዊሕና እንተዘይሓሲብና ኣብ ናይ ምፍራስ እምበር፡ ኣብ ናይ መሊስካ ዝሓሸ መተካእታ ምህናጽ መሰረታዊ ሓላፍነት የለናን እዩ ከስምዕ። ናብ ዝሓሸ ንኸይድ ኣለና እንዳበልና፡ ናብ “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” ኣተሓሳስባ ከይንኣቱ ውሕስነት ክህልወና ይግበኦ። እዚ ከኣ ቅርቡነ እንተልዩ ዝከኣልን ኣብ ኢድና ዘሎን እዩ። ነዚ ንጠልቦን ንቃለሰሉን ዘለና ውሑስ ለውጢ እነዕውት፡ ንሕና ባዕልና እምበር ህግድፍ ክተግብረልና እንምሕጸነሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህግዲፍ ኣግሂዱ ለውጥን ወረ ለውጥን ከይሰምዕ እዝኑ ከም ዝጸመመን ልቦናኡ ከም ዝተደፍነን ደጋጊሙ ኣርእዩናን ኣስሚዑናን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ኳ፡ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ኣብ ጀነቭ፡ ተጠሊዑ ዓይኑ ከይሓሰየ ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ሰብእውን ዲሞክራስያውን ተዓዘብቲ “ፖለቲካዊ እሱራት የብለይን፣ 11 ኣብያተ ማእሰርቲ ጥራይ እየን ዘለዋኒ፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፍጸም ጥሕሰት የለን፡ ኣብያተ ፍርዲ ናጻ እየን፡ መንእሰያት ዓዶም ገዲፎም ይፈልሱ ኣለዉ ዝበሃል ናይ ጸላእቲ ጸብጻብ እዩ” ዝብል ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ዘይገልጽ መስልስታት ክህብ ሰሚዕናዮ ኢና። እዚ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ጨቋኒ ጥራይ ዘይኮነ ደረቐኛ ሓሳዊ’ውን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ ግዜዚ መመሊሱ ዝዕምር ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን፡ እቲ ዘሰማምዓና ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ፡ “ብውሑዳት ዝዝወር ጭቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ተወጊዱ፡ ወሳኒ ልዕልና መላእ ህዝቢ ኤርትራ በሪኹ ዝረኣየሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል” ዝብል ንኹልና ዝውክል ሚዛን እዩ። ኣብዚ ናይ ሓባር ተረድኦና ንምድማዕ፡ ነባር ሓድሽ፡ መንእሰይ ዓብይ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ጓለንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኣብ ዲያስፖራ፡ ገጠርን ከተመኛን ምሁር ዘይተማህረን፡ ፖለቲካዊ ውድብ ሲቪላዊ ማሕበር፡ እናተበሃልና ክንውደብ ወይ ክንንቀሳቐስ እንከለና ዘባእሰናን ዘድክመናን ኣይኮነን። እቲ ናይ ለውጢ ኣበርክቶና ግና ከበየናይ ወገን ይምንጩ ብዘየገድስ ናብቲ ናይ ሓባር ናይ ለውጢ ማዕበልና ክውሕዝ ይግበኦ። ነዚ እንተበቒዕናዮ ሓደ ካብ ውሕሉል ኣመሓድራ ፍልልያትን ስምምዓትን ኮይኑ፡ ናይ ለውጢ ሓይልና ዘዕንትር ጥራይ ዘይኮነ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ መወዳደሪና ፍትሓዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ሜዳ’ውን ዝምድምደልና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ እምበኣር፡ ማዕረ ንናይ ለውጢ ባህግና ንገዛእ ርእስና እውን ክንልውጥ ግዜ ዘይህብ ሓላፍነትና እዩ።
ኣባላት ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ንድፊ ቅዋም ተመያይጦም
Saturday, 23 March 2019 04:59 Written by EPDP North America Information Officeቀዳም ዕለት ዕለት 16 መጋቢት 2019 ናይ ምሉእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ተኻይዱ። ቀንዲ ዛዕባ መካትዒ ኣብ መሕበሪ ጉባኤ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም ነይሩ።
ኣብዚ ምልኣት ኣባላት ዘንጸባረቐ ኣኼባ ኣባላት ዓሚቝን ሰፊሕን ትምህርታዊ ሓዘል ዝሰፈኖ ምይይጥ ኣካይዶም። ድሕሪ ኣስታት 3 ሰዓት ዝወሰደ ኣኼባ ኣባላት ሃብታም ዝኾነ መኣረምታን መወሰኽታን ሓሳባት ኣቕሪቦም። ታሳትፎ ናይ ነፍስ ወከፍ ኣባል ዝንኣድ ነይሩ።
ግሉጽነት ባህልና እዩ
ኣብዚ ሰሙናት’ዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል (Enough Is Enough) መልእኽትታት፡ ኣዝዩ ዘተባብዕን፡ ዝያዳ ክተባባዕ ዘሎዎን ተበግሶ ኢዩ። ንዕቱብ መልእኽቲ ኣፍሪቃዊ ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ ከኣ የዘኻኽረካ።
ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ፡ ብ11 ለካቲት 1990 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽኤ ኣብ ዘስመዖ መደረ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፡-
We have waited too long for our freedom. We can no longer wait. Now is the time to intensify the struggle on all fronts. To relax our efforts now would be a mistake which generations to come will not be able to forgive.
‘’ንሓርነትና ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጸቢና። ካብዚ ንላዕሊ ግና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ንቓልስና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ከነሐይሎ ዘሎና ሕጂ ኢዩ። ሎሚ ብቓልሲ እንዛነየሉ ግዜ ኣይኮነን። እንተተዛኒና፡ መጻኢ ወለዶታት ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ ክንፍጽም ኢና!!
ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ17 መጋቢት 2019 ኣብ ከተማ ኦስሎ ስሩዕ ኣኼባ ኣቃኒዑ። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ኣብላት ጨንፈር ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፤ ተሳተፍቲ ኣብቲ ቀሪቡ ዝነበረ ኣጀንዳታት ዓሚቊ ምምይያጥን ሰፊሕ ተሳትፎን ኣርእዩም።
ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ውሽጣዊ ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ከመይ ገርና ነስርሓዮን ነሐይሎን ዝብልን፣ ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ኣብ ጎድኒ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤን ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሰልፍን ኰና እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብሉን እዮም ነበሩ።
ኣኼበኛታት ንምሕያልን ምብርባርን ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ኣብ ዝብል ኣጀንዳ እነካይዶ ቃልስን ምትእስሳር ሰልፊ ምስ ኣባላትን፣ ኣባላት ንሰልፊ ብዘስንቕዎን ዘገልግልዎን ኣገባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባላትውን ካብ ሰልፊ ብዝረብሑሉ ማለት ጸገማቶም ኣብ ምቅላል ምትሕብባርን ኣገልግሎት ዝረኽብሉን፣ ዝመሃሩሉን ዝምዕብሉሉን ኣገባብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ብዝምልከት ድማ ማዕረቲ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤ ዝጠልቦ ጠለባትን ዝያዳ ተወሳኺ ጨንፈራዊ ጻዕርታትን ተበግሶታትን ወሲዱ ንዓወት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዕም። ነዚ ስምምዕዚ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ግብራውነት ንምልባስ ድማ ከም ጀማሪ ግብራዊ ስጉምቲ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ዕለተ ኣኼባ ብዓቕሞም ንዓወት 3ይ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝውዕል ገንዘባዊ ወፈያ ኣካይዶም፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብውን ኣዋህሊሎም።
ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ!
8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ።
Sunday, 17 March 2019 21:30 Written by ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ፣ ካሊፎርንያኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ9 መጋቢት 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ በዓል ብሓልዮት እቲ ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ” ተዳልዩ፣ ኣብቲ ሓድሽ መአከቢ ቤት ጽሕፈቱ እዩ ተኻይዱ። ኣብዚ በዓል’ዚ ዝተሳተፉ ድማ ንኤርትራዊ ፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ዝወከሉ ብምንባሮም ዝያዳ ድምቀት ዘንጸባረቐ ነይሩ።
ኣቦ መንበር ኣካያዲ ቦርድ ማሕበር ኣቶ ማእከለ እምባየ ንተሳተፍቲ እንቋዕ ነዚ ድርብ በዓል ብሓደ እዋን ብሓባር ክንዝክርን ከነብዕልን ኣብቅዓና ብምባል መድረኽ ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ቅደም ተኸተል ናይ ዝተዳለወ መደብ ብዝርዝር ሓቢሩ። ኣቶ ማእከለ ኣብ መግለጺኡ፤ ንታሪኻዊ ቃልስታት ደቀንስትዮ ዓለም ብሓፈሻ፣ ንቓልስታት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ኣባል ቦርድ ዝዀነት ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ኣብ ክንዲ ቦርድ ቃል ከተቕርበልና እያ ኢሉ። ካብኣ ቀጺሉ ድማ ኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ብዛዕባ ታሪኻዊ ኵናት ተጎርባ መግለጺ ክህበና እዩ። ብምቕጻል ሓባራዊ ምይይጥ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ማሕበረ-ኮምናን ሃገርናን’ውን ክቕጽል’ዩ ብምባል ሓበሬታኡ ዛዚሙ።
ንዝኽሪ 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ፣ ብወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረገርጊስ ዝቐረበ መግለጺ፡

ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ተሳተፍቲ ድርብ በዓል፡
እዚ ንዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮን፡ ንዝኽሪ ኲናት ቶጎሩባን እነካይዶ ዘሎና በዓል ምኽንያት ብምግባር፡ ንዅሉ ክህልወኩም ዝኽእል ስራሕ ኣወንዚፍኩም፡ ንድምቀት እዚ ዕለት'ዚ ምፍዋይኩም፡ እናመስገንኩ፡ ኣብዚ ዕለት'ዚ ቃል ክህብ ንዝተዋህበኒ ዕድል ኣመልኪተ ልዑል ኣኽብሮትን ምስጋናን ከመሓላልፍ እፈቱ።
ርግጽ፤ እዚ ዕለት'ዚ ክቡር ዕለት'ዩ ከብሎ ዝኽእል ድርብ ምኽንያታት ኣለዎ። ብሓደ ሸነኽ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እዩ። ብፍላይ ንዓና ከም ኤርትራውያን፡ ደቀ ኣንስትዮና፡ ስለ ጾታውን ፖሊቲካውን ወጽዓኤን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ንምንጋፍ፡ ሰፍ ዘይብል ሓላፍነት ተሰኪመን፡ ከም መላእ ህዝበን ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ዘብቅዓ ምዃነን እዩ። ከምቲ ኣብ እዋን ሰውራ ንጭርሖ ዝነበርና፡ "ብዘይ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕወት ቃልሲ የልቦን"። ብርግጽ’ውን ብዘይከአን ናጽነት ኣይምተረጋገጸን፡ ብዘይከአን ድማ ናይ ሕጂ ቃልሲ ንምዕዋት ዲሞክራስን ፍትሕን ክዕወት ኣይክእልን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብቲ ውሽጣዊ ቃልሲ እውን እንተዀነ፡ ንጾታዊ ፍትሒን ማዕርነትን፡ ንመሰል ምውዳብ፡ ንኣቓልቦ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ ተቓሊሰን፡ ኣብ ሰራዊት ከቢድን ፈኲስን መሳርያታት ዓጢቐን ኣብ ቅድመ ግንባር፣ ኣብ ከተማዊ ደባይ ስርሒት ቅያታት ኣርእየን፡ ኣብ ኲናት ሰንኪለን ልዕሊ ኩሉ ድማ ሂወተን ብምሃብ እቲ ዝለዓለ ክፍሊት መስዋእቲ ከፊለን፡ ኰታ ኣብ ክሉ ጽፍሕታት ሕብረተሰብና፡ መንነተን ኰነ ብቕዓተን ኣረጋጊጸን ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ሓራ፡ ልዑላዊት ሃገር ንኽትከውን ኣብቂዐን እየን።
ምስ'ዚ ኩሉ ጅግንነት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ እቲ ንመላእ ህዝብና ዝበጽሖ ጽንኩር ፈተነታት ንዓኣተን’ውን በጺሕወን እዩ። እወ፤ ናጽነት ሃገር ተረጋጊጹ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ጻማ ቃልሰን ዝፍደያሉ መድረኽ ኣቲና ኣሎና ተባሂሉ እዩ። ከም ሰበን፡ ደጊም ናብ ራህዋን ሰላምን ከነማዕዱ ኢና ዝብል ትጽቢት ሰፊኑ እዩ። የግዳስ፡ እቲ ትጽቢት ተጣሒሱ፡ እቲ ተስፋታት ተሃሪሙ ሕልምታትን መብጽዓታት ሰውራን እውን በብመድረኹ ክጥለም ተራእዩ እዩ። ሕልምታት ምስ ተጠልመ፡ ዓዲ ናብ ሰፋሕ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተቐየረትከ? መጀመርያ ዝተጐድኣ ደቂ ኣንስትዮ እየን። ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒነን፡ ናይ ሞት ጽዋእ ዝተፈድያ’ውን ውሑዳት ኣይኰናን።
ድሕረትን ድኽነትን ዘስዓቦ ጥሜትን ዕርቃንን፣ ህዝብና ብተስፋ ተጸሚሙ ክሰግሮ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ብስርዓት ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ክካየድ ዝጸንሐ ኰነ ኢሉ ንብርሰትን ምብትታንን ሃገርና ዝዓለመ ሽርሓዊ ተግባራት፣ ንዓለም ዘስካሕክሐን መዛረቢ ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ጥራይ ምዓስ ኰይኑ፣ ንልዑላውነት ሃገርና ዝፈታተን ውዲታትን ዘይግሉጽ ስምምዓትን ምስ ወጻእተኛታት ዝገብሮ ዘሎ ጥልመት ኣንጸላልዩ፣ ንህዝብና ኣብ ስግኣትን ሻቕሎትን ኣኣትዩዎ ይርከብ።
እዚ ዕለት'ዚ እምበእር፡ ነቲ ኩልና እውን ጌና ሓራ ዘይወጸናሉ፡ ካብ ባህልን ማሕበራዊ ክውንነትን ዝተወርሰ ኣሉታትና ሰጊርና፡ ከብሪ ደቂ ኣንስትዮና፡ እንዝክረሉን፡ ጉዳይ መላእ ሕብረተሰብ ብምዃኑ፣ ብሓድሽ ንያት ንሓድሽ ዕማም እንዋፈሩሉ ዓቢ ዕለት እዩ።
ኣህጉራዊ መዓልቲ፣ በዓል 8 መጋቢት ክትዝከር ትንበር!!!!!!!
ቀጺሉ፡ ዝኽሪ በዓል መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት “ኵናት ተጎርባ” ብኣቶ ፍስሃየ ሓጎስ ዝቐረበ መግለጺ:

ነዚ ድርብ በዓል፡ ንምዝካርን ምኽባርን እንቋዕ ኣብቀዓና። ነዚ ክቡር መደብ ዘዳለወ ኣካያዲ ቦርድ ናይ በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ምስጋና ይብጽሓዮ።
ተጎርባ ኣብ ጐላጕል ታሕታይ ባርካ ዝርከብ ጎቦታት ምቹእ መዛግብ (ድፋዕ) መከላኸሊ ዘለዎ ከባቢ እዩ። ሰራዊት ሓርነት ከም መዝገቡ ዝመረጸሉ ምኽንያት’ውን ኣብኡ ዓሪዱ ካብ መጥቃዕቲ መግዛእታዊ ሰራዊት ክከላኸል ስለዘኽእሎ እዩ ነይሩ። ታሪኻውን ብዕሊ ክዝከርን ዘንብሮ ድማ በቲ ኣብ 15 መጋቢት 1964 ሎሚ መበል 55 ዓመቱ፣ ዝተኻየደ ዕዉት ሓርነታዊ ምክልኻል ኵናት እዩ።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስለምንታይ እያ ን15 መጋቢት 1964 ኲናት ተጎሩባ፣ ከም መዓልቲ ሰራዊት ኤርትራ ከተብዕላ ዝመረጸት? ቅድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዝተኻየደ ንኣሽቱ ይኹን ዓበይቲ ዓወታትን ዝተኸፍለ ግዙፍ መስዋእትን የለዉን’ድዮም ዝብሉ ሕቶታት ክላዓሉ ከምዝኽእሉ ፍሉጥ ኢዩ። ናይዚ መልሲ ድማ “እወ! ኣለዉ እምበር!“፡ ካብ ጫፍ ደንካልያ ክሳብ ዶብ ሱዳን፡ ካብ ጫፍ ሳሕል ክሳብ ዶብ ናይ መረብን ዛላምበሳን ዘሎ ሰናጭሮን፡ ኩርባታትን ሜዳን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዋና ከተማታት መግዛእታዊ ሰራዊት ኣትዩ ዝፈጸሞም ስርሒታትን ዓወታትን ኣብ መዛግብ ታሪኽ ዝሰፈሩን ክሰፍሩ ዝግብኦምን ኣለዉ።
ናይ 15 መጋቢት 1964 ኵናት ቶጎሩባ ሓለፋ ግን፡ መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ “ሃገርና ሰላም እዩ ዘሎ፡ ውግእ ዝበሃል የብልናን፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣዲኡ ኢትዮጵያ ብሓደ ሓቢሩ ክነብር መሪጽዎን ተቐቢልዎን እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብገመድ ኣሲርና እነምጽኦም ውሑዳት ወንበዴታት (ሸፋቱ) እንተዘይኰይኖም ተቓውሞ ዝበሃል የለን፡“ እንዳበለ ንደገን ንውሽጥን ክምድር እንከሎ፡ ንሰውራና ብዕሸሉ ንምቝጻይ ከኣ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዝፍለጥ ሰራዊት ኣዋፊሩ ፍሽለታትን ሕፍረትን ተኸዲኑ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ናይ ደባይ ውግእ እዋናት እዩ ኵናት ቶጎሩባ ተኻይዱ።
ሰራዊት መግዛእቲ ስርዓት ሃይለስላሴ በዚ ኣገባብ እዚ ነጭ-ለባሽ፣ ባንዳ-ብጨርቁን ፊልድ-ፎርስን ኣዋፊሩ ንሰውራ ኤርትራ ከሰንፎ ከምዘይክእል ስለዝተገንዘበ ድማ እዩ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንሰራዊት ሓርነት ካብ ገጽ መሬት ንምድምሳስ ኣብ ዕለት 15 መጋቢት 1964 ዓ.ም ንመጀመርያ ግዜ ካብቲ እቲ ስርዓት ዝምክሓሉ ዝነበረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ብብዙሓት ታንክታትን፡ መዳፍዕን፡ ካልእ ከበድቲ ኣጽዋር ውግእን ተሰንዩ እንዳፈከረ ናብ ቶጎሩባ ወፈረ። ነዚ ብዱዕ ወፍሪ ዝፈለጡ ገለ ካብ ጋንታታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ከኣ ኣብ ቶጎሩባ ኣድብዮም ብምጽናሕ ነቲ ብትምክሕቲ ተላዕጢጡ ንተጋደልቲ ኣሲሩ ንኽምለስ ገመድ ከይተረፈ ሒዙ ዝወፈረ ሓይሊ ጦር ሰራዊት ንመጀመርታ ግዜ ፊትን ግንባርን ገጢሞም፡ ብናይ ሓርነት ሃልሃልታ ለብሊቦም ኣደዳ ሞትን መቝሰልትን ኰይኑ፣ ንብረቱ ግዳይ ምርኮን ዛሕዛሕን ኰይኑ ናብ ዝተበገሰሉ ቦታ ሃዲሙ ንኽምለስ ዝተገደደሉ ቦዅሪ ዓወት ካብ ስርሒታት ሰራዊት ሓርነት ዝተረጋገጸላ መዓልቲ ነይራ።
ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ነዚ ዓወት እዚ ከመዝግብ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰውራኡ ዝነበሮ ምትእስሳር ድሩት፡ ዕጥቂ ተጋደልትና ኣዝዩ ኣረጊትን ውሑድን፡ ዕቤት ሰራዊትና ምስ ሰራዊት ስርዓት ሃይለስላሰ ፈጺሙ ኣብ ዘይዳረገሉ ዝነበረ እዋን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ክፍጸም ዘኽእሎ ቀንዲ ምስጢር እምበኣር፡ ብዘይካ ጽኑዕ ዕላማ ሓርነት፣ ተወፋይነትን ጽንዓትን ካልእ ኣይነበሮን።
ኣብዚ ቦዅሪ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረ ኵናት፡ 87 ካብ ወተሃደራት መግዛእታዊ ስርዓት ክሞቱ እንከለዉ፡ ሒዞሞ ካብ ዝወፈሩ ኣጽዋር ውግእ ብርክት ዝበለ መትርየስን ጠበናጁን ተማሪኹ ንብረት ሰውራ ኰይኑ፡፡ ዓወት ብዘይ መስዋእቲ ክረጋገጽ ስለዘይክእል ድማ 17 ተጋደልቲ ብጅግንነት በጃ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ህዝቦምን ሓሊፎም። ድሕሪ ዓወት ኵናት ቶጎሩባ መቓልሕ ሰውራ ኤርትራ ኣብ መላእ ህዝብና ተባጽሐ፡ ህዝቢ ምስ ሰውራኡ ርኡይ ምትእስሳር ክገብር ጀመረ፡፡ ኣብ ግዳም እውን ብዛዕባ ሰውራ ኤርትራ ክጸሓፍን ክዝርጋሕን ጀመረ። እዚ ብስራት እዚ ድማ እዩ ንሞራል መግዛእታውያን ሓይልታት ሰባቢሩ ሰውራና ብገመድ ተኣሲሮም ክመጹ ናይ ዘለዎም ውሑዳት ሸፋቱ ዘይኮነስ ህዝባዊ ቃልሲ ምዃኑ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዘመስከረ ስርሒት ብምንባሩ ድማ እዩ ኵናት ቶጎሩባ ሓንቲ ካብ መዓልታት ሰራዊት ኤርትራ ኰይና ንኽትብዕል ዝተመርጸት። ንሓደ ተረኽቦ ከም ሃገራዊ ኮነ ውድባዊ በዓል ኰይኑ ንኽኸይድ ዝምረጸሉ ምኽንያታት ድማ እተፈጸመሉ ኵነታትን መድረኽን ኣብ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽልዋን ተቐባልነትን እዩ ዝዕቀን።
ድሕሪ ዓወት ቶጎሩባ ዝተኻየዱ ዓበይትን ንኣሽቱን ስርሒታትን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መግዛእታውያን ስርዓታት ዘስዓብዎ ምድኻማትን ስዕረትን እኩብ ድምር ናይቲ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ መሪር ሓባራዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝብና፡ ብረት ዓጠቕ ተጋዳላይ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፣ ሲቪል ኣዴታት፣ ኣቦታት፣ ኣሓትን ኣሕዋትን ብዘይኣፈላላይ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ ኤርትራ ከተማታትን ገጠራትን፡ ዝተፈጸመ ዓበይትን ንኣሽቱን ዓወታትን፡ ብዝኸፈልዎ መስዋእትን ስንክልናን፡ ዝፈሰሰ ደምን ዝተኸስከሰ ኣዕጽምትን፡ ዘስዓቦ ብርሰትን ንድየትን ድማ እያ ኤርትራና፡ ኣብ 1991 ዓ.ም ምሉእ ናጽነታ ክተረጋግጽ ዝኸኣለት።
ብሕጽር ዝበለ፣ ኵናት ተጎርባ ኣብ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ኣገዳሲ ምዕራፍ ካብ ታሪኽና ዝሕዘት ብምዃና፡ እታ መዓልቲ ኵናት 15 መጋቢት 1964 ዓመታዊ ክትዝከርን ክትከብርን ተመሪጻ። ምኽንያቱ ድማ፡
- ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ ንኽድምስስ ተሃንዲዱ ዝመጸ መግዛእታዊ ሰራዊት፣ ብጅግንነት ገጢሞም ስለዝሰዓርዎ
- እቲ ዓወት ንገድሊ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ተፈላጥነትን ዕላማ ሓርነትን ኣቃሊሑ ህዝባውነት ብምንጽብራቑ
- ንሰውራ ኤርትራ ካብ ደረጃ ደባይ ተዋጋኢ፣ ማለት ኣጥቂዕካ ምዝላቕ፣ ናብ ደረጃ ኣትኪልካ ምውጋእ (transformed the struggle from hit and run to conventional mode of fighting) ስለዘሰጋገረ
- ንያትን ዓቕምን ሰውራ እናደየበ ክኸይድ ከሎ፣ ንያት መግዛእታዊ ሓይሊ ግን ብራዕዲ እናንቆልቆለን እናተነጸለን ብምኻዱ፣ ኵናት ተጎሩባ ፍልይትን ባና ናጽነት ዝወልዐትን ኰይና ትዝከርን ትኸብርን።
ኣብዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ምንታይ ኵነታት ከምዘሎ ምርኣይ’ውን ዘገድሰና እዩ።
- ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቃ ልዑላውነታ ካብ ትጓናጸፍ 27 ዓመታት ሓሊፉ።
- ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ግን ህዝብና ኣደዳ ስደት፣ ማእሰርትን ሞትን፣ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎት፣ ድሕረትን ጭቆናን ይነብር ኣሎ።
- ኣብ ሃገርና ቅዋም፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝቖመን ዝሰርሕን ባይቶን ስርዓት ፍትሕን የልቦን
- ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ዝኸይድ ዘሎ ውዲት ግሉጽ ኣይኰነን፡ እቲ ኢሳያስን ልኡኻቱን ዝበልዎን ዝብልዎ ዘለዉን ዘሕፍር ጥራይ ዘይኰነ፣ ናይ ጥልመትን ክድዓትን ሓደጋ ኣብ ልዑላውነት ሃገርና ኣንጠልጢሉ ምህላዉ፣ ህዝብና ይሻቐልን ይቃወምን ኣሎ።
- እንታይ ይገበር ዝብል ሕቶ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ይርከብ፡ ዓበይትና፣ መንእሰያትና፣ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ድማ ናይ ምምላሱ ሓላፍነት ብሓባር ንሰከም።
ክብርን ዝኽርን ን8 መጋቢት መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮ ዓለም
ክብርን ማዕርነትን ንደቀ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን
ክብርን ዝኽርን ንመዓልቲ ሰራዊት ሓርነት - ኵናት ተጎሩባ
ኤርትራ ብልዑላውነታ ንዘልኣለም ትንበር
ሓቀኛ ፍትሕን ደሞክራስን ኣብ ኤርትራ ክትከልዩ!!!!
9 መጋቢት, 2019
መልእኽቲ በይ-አርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምልኪ የብቅዕ፣ ስልጣን ኣብ ኢድ ህዝቢ ይረከብ
Sunday, 17 March 2019 21:08 Written by ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ፣ ካሊፎርንያኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ ካሊፎርንያ፤ ድርብ በዓላት 8 መጋቢት ዓለም-ለኸ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮን ዝኽሪ ኵናት ተጎሩባን ከኽብሩ ብ9 መጋቢት 2019 ኣብ ቤት ጽሕፈት ማሕበር፣ ከተማ ኦክላንድ ሰፊሕ ኣኼባ ብምክያድ ንህልዊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣልዒሎም ዕቱብን ዓሚቝን ምይይጥ ኣካይዶም። ኣብ ኣኼባ ዝተረኽቡ ንፖሊቲካውን ማሕበራውን ብዙሕነት ኤርትራ ዝወከሉ፡ መብዝሕትኦም'ውን ኣብ ፖሊቲካውን ዕጥቃውን ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን እጃሞም ዘበርከቱን ገና'ውን ሃገሮም ልዑላውነታ ተኸቢሩ ክነብር ብልዑል ሃገራዊ ሕልና ዝቃለሱ እዮም።
ጽማቕ ኣብ ኣኼባ ካብ ዝተኻየደ ምይይጥ፡
ህዝቢ ኤርትራ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ከፊሉ ሃገራዊ ናጽነቱ መንዚዑ፡ ብረፈረንደም 99.9% “እወ ንናጽነት” ኢሉ ብምድማጽ'ውን ልዑላውነቱ ኣረጋጊጹ። ባህጉን ትጽቢቱን ድማ ስልጣን ናይ ህዝቢ ዝረጋገጸላ፥ ብፍትሕን ማዕርነትን እትመሓደር፥ ፖለቲካውን ማሕበራውን መሰላትን መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓርነታትን ናይ ህዝባ ዝረጋገጸላ ብልጽግቲ ሃገር ንምህናጽ እዩ ነይሩ። ነዚ ዘብቅዓ ዕቑር ጸጋን ዓቕምን ድማ ነይርዋን ኣለዋን።

ን27 ዓመታት ስልጣን ብኢሳያስ ተጨውዩ፡ ናይ ህዝብና መነባብሮ ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ተቐይሩ፡ መንእሰያት ኣዋልድናን ኣወዳትናን ኣደዳ ግዱድ ባርነታዊ ደረት ኣልቦ ኣገልግሎት፡ ኣደዳ ስደትን ህልቀት ኣብ ምድረበዳን ባሕርን፡ ግዳይ ማእሰርትን ቅትለትን፡ ድሕረትን ውርደትን ተሳጢሑ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን። ኢሳያስ ብጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ፣ ዓቕሚ ህዝቢ ኣዳኺሙ ናብቲ ምቹእ እዋን ዝጽበየሉ ዝነበረ ደጕልዎ ዝጸንሐ ከዳዕ ዕላማታቱ ንምትርጓም ምዃኑ በዚ ኣብዚ እዋን’ዚ በይኑ ምስ ውሑዳት ልኡኻቱ ላዕልን ታሕትን ዝብሎ ዘሎ ምንቅስቓሳት ተጋሂዱ እነሆ። ኢሳያስ ካብ ዝሓለፈ ገበናቱ ዘይተማህረ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ነታ ብመስዋእቲ ደቃ ዝተረኽበት ልዑላዊት ሃገር፡ ናብቶም ብቓልሲ ዝሰዓርናዮም ተረፍ መረፍ ጎበጥቲ ትምክሕተኛ ሓይልታት ሃይለስላሴን ደርግን ኣሕሊፉ ክህባ ላዕልን ታሕትን ዝብለሉ ዘሎ ወቕቲ እዩ። ነዚ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ድማ እቲ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስኣበባ፡ ጎንደር፡ ባህርዳርን ኣዋሳን ዝበሎ፡ “ዶብ ምሕንጻጽ ኣየድልን፣ ኣይከሰርናን፣ ክልተ ህዝቢ ዘይኰናስ ሓደ ህዝቢ ኢና፣ ክልተ ህዝቢ ኢና ዝብል እንተሎ ግን ናይ ታሪኽ ሓቅታት ዘይፈልጥ’ዩ፣ ዶክተር ኣቢይ ክትመርሓና ምሉእ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ፣ ዝብሎ ዘለኹ ድማ ንቐልዓለም ዘይኰነ፣ ካብ ልበይ እዩ፡” እንዳበለ ኣፍልቡ እንዳሃረመ ብዘሕፍር ደርጕሕዎ እዩ።
ሃገርና ብልዕልና ሕጊ ዘይኮነ፡ ብዊንታ ውልቀ-መላኺ እያ ትሕመስ ዘላ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ቅዋም፡ ሓጋጊ ባይቶ፡ ፈራዲ፡ ፍትሓውን ደሞክራስያውን ትካላዊ መንግስቲ የለን።
ምስ ውጻእተኛታት ዝኣትዎ ዘይግሉጽ ናይ ሕሹኽሹኽ ውዲታዊ ውዕላት፡ ንልዑላውነት ሃገርና ናብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ብምዃኑ፡ ህዝብና ይሻቐልን ይነዓዓብን ኣሎ።
ካብ ሕጂ ንንዮ እሱራት ፍታሕ፣ ዶብ ሓንጽጽ፣ ቅዋም ተግብር ኢልና ንዘይገብሮ ኣይክንሓቶን ኢና። ከምቲ ምስላ ኣበው ዝብሎ “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ስለዝዀነ፡ ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ ኤርያ ኣብ ኣጋጣሚ ድርብ በዓላት መዓልቲ ደቀንስትዮን ተጎርባን፡ ብምሉእ ድምጺ “ኢሳያስ ካብ ስልጣኑ ተማሕዩ የልግስ፡ ስልጣን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ይረከቦ” ክብል ጻውዒቱ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ የመሓላልፍ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብሓባር ዝተቓለሰ፣ ባህጉን ዕላምኡን’ውን ሓደ ስለዝዀነ ደጊምና ብሓባር ንኸነዐውቶ ጻውዒትና ነቕርብ።

ኤርትራ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ውልቀ-መላኽን ጠላምን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣይኰነትን። በዚ መሰረት ንልዑላውነት ሃገር ዝደፍር፣ ንረብሓ ህዝቢ ዝሃሲ፡ ብስርዓት ኢሳያስ ዝግበር ውዲተኛ ስምምዓት ኰነ ውዕላት፡ ዘይቅቡል፣ ዘይቀያድን ዘይሕጋውን ምዃኑ ነረጋግጽ። ንፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራን ንዅሎም ከባብያውን ኣህጉራውን ሓይልታት ድማ ንድሌትን ዕላማን ህዝቢ ኤርትራ ከኽብሩን ክከላኸሉን ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ ኢድ ካብ ምእታው ክቝጠቡ ንላቦ።
ኤርትራ ብልዑላውነታ ንዘልኣለም ትንበር !!!
ክንዕወት ኢና !!!
ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-አርያ፣ ካሊፎርንያ
9 መጋቢት 2019
ናይ ኢትዮጵያ ነፋሪት ቦይንግ 737 ብ10 መጋቢት 2019 ብጠቕላላ 157 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ዓለም -ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ናይሮቢ እንዳበረረት ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኩሎም ተሳፈርታ ሃሊቖም። ድሕሪ እዚ ኣሰቃቒ ሓደጋ ብዙሓት ወገናት፡ በቲ ኩነታት ዝሓደሮም ሓዘን ንምግላጽ ናብ ቤተሰብ ግዳያትን መንግስቲ ኢዮጵያን መልእኽትታቶም ክልእኩ ተኸታቲልና። መንግስቲ ህግደፍ እውን ንቡር ፈልጡ ዘይኮነስ፡ በቲ ናህሩ እንዳነከየ ዝኸይድ ዘሎ ዝመስል ሓድሽ ዕርክነት ግዲ ተደፊኡ፡ ኣብ ሪጋ እቶም ሓዘኖም ዝገለጹ ተሰሪዑ። እዚ ብሰብኣውነት ክረአ እንከሎ ቅኑዕ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንሕና እውን በቲ ዝወረደ ኣሰንባዲ ሓደጋ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ። ንግዳያት መንግስተ-ሰማያት፡ ንተረፍቲ ቤተሰቦም ከኣ ጽንዓት ንምነየሎም።
ኣደታት ኤርትራ እዚ ሕጂ ብሓቂ ሓዚኑ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓድሽ ዕርክነቱ መራጐዲ ንክኾኖ ናይ ሓዘን መግለጺ ዝልእኽ ዘሎ ኣካል፡ በቶም በብዕለቱ ብሓደጋም ምድረበዳን ባሕርን ዝሃልቁ ደቅኽን ብሓፈሻ በቶም ብሓንሳብ ልዕሊ 360 ዝሃለቑ ግዳያት ላምፓዱሳ ዘይሓዘነ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስኻትክን ኣደታት ብንቡር ከይትሓዝና ዝኸልከለክን ኣካል ምዃኑ ተስተውዕላዶ ኣለኽን። ኣብቲ እዋንቲ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ድንገታዊ ሓደጋ መላእ ዓለም ከተንቀጥቅጥን ክትንቀሳቐስን እንከላ መንግስቲ ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንደቅኽን ክብሪ ሂቡ ናይ ሓዘን ዕለት ክውስን ኣፍልጦ ክህቦም እውን ኣይከኣለን። ድሕሪ ክንደይ ምዕጥጣይ “ኤርትራውያን” እንተበሎም ከይዓብዮም፡ ከምቲ “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ፡ ብእግራ ትሓክኽ” ዝበሃል “ኣፍሪቃውያን” ኢሉ ጓስይዎም ሓሊፉ። ናይዞም ግዳያት ኣስከሬናት ኣብ ኤርትራ መጺኡ ንከይቅበር እዚ ጸረ-ህዝቢ ምምሕዳር ሓመድ ዓዶም ስለ ዝነፈጎም ኣብ መኻዚኖ ዓዲ ጣልያን ተኸዚኑ ግዜ ይጽበ ኣሎ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ እምበኣር መልእኽቱ ናብቶም ነዚ ኩነታት ዘይሰምዕዎን ዘይርእይዎን ግዳያት ዘይኮነ፡ ብፍላይ ናባኻትክን ኤርትራውያን ኣደታት፡ ብሓፈሻ ከኣ ናብ ኩልና ኤርትራውያን እዩ። ሓደ ዘገርም ኣሎ። ነቲ ብኸምዚ ደረጃ ንደቅኽን ዋጋ ዝኸለኣ ጉጅለ፡ ብምስልታቱ ወቂብክን ኣብ ዝተኸሎ ጓይላታት እትስዕስዓሉ ኣደታት እንተሊኽን፡ ብዙሕ ከብል ዝኽእል እዩ እሞ ብሓጺሩ ግና “ዓገብ ናብ ልብኽን ደኣ ተመለሳ” ንብለክን። እምበርከ እተን ከምኡ እትገብራ፡ ነቲ “ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት” ዝብል ምስላ ወለድናኸ ትፈልጠኦ ዲኽን?
ጉጅለ ህግዲፍ፡ ስለምንታይ ብሓደጋ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓዘኑ ገሊጹ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ንዓኡስ “እምበኣር ሎምስ ንቡር ለቢሱ” ኢለዮ ኣለኹ። ክብሎ ዝደለኹ ናይ ብሓቂ ብከምዚ ዓይነት ፍሉይ ቀልብኻ ዝስሕብ ሰብኣዊ ጉድኣት ዝግደስን ዝሓዝንን እንተዝኸውንስ በቲ ብቐጥታ ንዓኡ ዝምልከት መጀመረ እየ ዝብል ዘለኹ። ስለዚ እዚ ትማሊ ዝገበሮ፡ ናይ ሓቀኛ ሰብኣውነት መግለጺ ዘይኮነስ ናይ ሓድሽ ዕርክነት መቀናጀዊ እዩ ንምባል ዝኣክል እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ከኣ ንክብሪ ኤርትራውያን ትሕቲ ዘይኤርትራውያን እዩ ዝሰርዖ ክንብል ኢና። ዝያዳ ድማ ከምቲ “ንዓኻ እንተዘይንዕቁዶ ዓንድኻ መነቕንቑ” ዝበሃል ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ነተን ሓብሒብክን ዘዕበኽን ወለድቲ ጀጋኑ ኤርትራያን ኣደታት ዘለዎ ንዕቀት መስካሪ እዩ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እየ።
ንዕቀት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብ ጉዳይ ግዳያት ላምፓዱሳ ዝወሰዶ ከኣ ካብቲ ብዙሕ ሓደ እዩ። ብመሰረቱ ግና ንኤርትራን ህዝባን ብንዕቀትን ብደዐን ተሰንዲሑ ዝገዞም ዘይኮነስ፡ ዘብርሶም ዘሎ ኣካል እዩ። እዚ ድማ መርኣያ ናቱ ሓያልነት፡ መንፈዓትን ጉርሕን ዘይኮነ መግለጺ ሕመቕ ናይዞም ነዚ ግፍዒ ዘይንቕበል ኤርትራውያን ምዃኑ ክንእመነሉ ዘለና እዩ። ነዚ ሓቂዚ እንተዘይተቐቢልና፡ መጻኢ ካብዚ ዘለና መዋጽኦ ክንረክብ ኣይክንበቅዕን ኢና። ኣብዚ ጉጅለ ኢሳይያስ ምስዚ ኩሉ ገበናቱ “ቸቸ” ክብለልና ዕድል ዝሃበ ድኽመት፡ ኩልና ነናትና ብጽሒት እነልዕለሉ እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ዝድርብየሉ ሓልፍነት ኣይኮነን።
ብዝኾነ ንዕቀት ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኣብ ጉዳይ ተረኽቦ ላምፓዱሳን ካልእን ኣይንረሰዓዮ። ክንርሰዖ እንተበልና እውን ዝርሳዕ ኣይኮነን። ቀንዲ ኣቓልቦና ግና ኣብኡ ምኒን ምባል ዘይኮነ ነቲ ናብዚ ዘብጸሐ እከይ ካብ ስሩ ምምሓው እዩ። ካብ ሱሩ እንተዘይተማሕዩ ግና ኣብ መጻኢ እውን መልክዑ እንዳቀያየረ ክቕጽል እዩ። ብፍላይ ኤርትራውያን መንእሰያት ተረከብቲ ሕድሪ ኢኹም። ምስቶም ሓደራ ክትርከብዎም ዝግበኣኩም ክትተሃላለኹ ግዜኹም ኣይተባኽኑ። ሎምን ጽባሕን ኣዝየን ዝተቐራረባ እየን። ጽባሕ ሎሚ ክትከውን ግዜ ኣይወስደላን እዩ። ሎሚ ክትዓምዎ ዝግበኣኩም እንተዘይሰሪሕኩም ጽባሕ ክትጠዓሱ ኢኹም። ብርግጽ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ቴማታት ኣምሪሕኩም ተስምዕዎ ዘለኹም ናይ “ወጽዓን ጭቆናን ይኣክል” ድምጽታት ተስፋ ዝህብ እዩ። እንተኾነ ነቲ ድምጽታት ኣብ ሓደ ኣብ ምምጻእን ምስ ናይ ትማልን ጽባሕን ኣብ ምንባብን ዝተርፈኩም ኣሎ። በዚ ጀሚርኩምዎ ዘለኹም፡ ብዘይምቁራጽ እንተቐጺልኩም ግና ናብቲ ዝጽበየኩም ሸቶ ከም እትበጽሑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣባላት ምክልኻል ኤርትራ ብዘይካ ውሱናት ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዝተኾየጡ ሰብ ፍሉይ ሓለፋ፡ ግዳይ ትኾኑ ዘለኹም በሃግቲ ለውጢ መንእሰያት ኢኹም። ግዳያት ላምፓዱሳ ኣብ ሕልና ኣደታቶም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕልና መሓዝቶምን መማህርቶምን ዘሕድሮ ኣሉታዊ በሰላ ቀሊል ኣይኮነን። ብጸቢብ ናታቶም ሕነ ንምፍዳይ ዘይኮነ፡ ንገዛእ ርእስኹም ካብ ዘለኹምዎ ሰንፈላል ህይወት ንምድሓን ዝቃለስ ሰራዊት ኩኑ። ሰራዊት ክበሃል እንከሎ ዕጥቁ ፈቲሑ ናይ ኣዘዝቱ ኣባይቲ ዝሃንጽን ጀራዲኒኖም ዝኹስኩስ ሰራዊት ዘይኮነ፡ መሰሉ ኣኽቢሩ በጃ ህዝቡ ዝሓልፍ ሰራዊት ኩኑ። ዝተወሰነ ጉጅለ በቲ ንስኻትኩም ዝዓጠቕኩምዎ ብረት ተነይቱ ህዝብኹም እንዳጨቆነን ሃገርኩም እንዳብረሰን ኣይትተዓዘሙ።
ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝርአ ዝነበረ ክወዳደር እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምብርባር ተስፋ ዝህብ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኤርትራን ኩሉ ኩርነዓት ዓለምን ብዛዕባ ፖለቲካ ሃገሮም ብጋህዲ “ጉጅም” ኣብ ዝብልሉ ደረጃ ኢና እንርከብ። ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንኤርትራ ዝምልከት ፖለቲካዊ ዕላል ንውሱናት ህግዲፍ ዝተፈላለየ ሕማቕ ሳጓ ዝልጠልፈሎም፡ ንኣብነት “ወያነ” እሞ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት እዩ ነይር። ሎሚ ግና እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ብፖለቲካውን መጻኢ ዕድል ሃገርካ ምሽቓልን መተካእታ ዝበልካዮ ሓሳብ ምምንጫውን ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ እውን፥ “እዚ ርጉም ሰብኣይ ቅድም ናትና ይመስለና ነይሩ፡ ሎሚ ግና ናትና ኣይኮነን፡ ቅድም ኤርትራ ናይ ምሕዋይ ድሌትን ቅሩብነትን እናሃለዎ ዝተጸገመ ይመስለና ነይሩ፡ ሎሚ ግና ኮነ ኢሉ ኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእ ወጢኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ምዃኑ በሪሁልና ኣሎ” ዝብሉ ስምዒታት ሳዕሪሮም ምህላዎም ኣስመራ ገይሾም ዝተመልሱ’ሞ ነቲ ኩነታት ኣዕሚቖም ዝመዘንዎ ዝህብዎ ሚዛን ኮይኑ ኣሎ።
ህግዲፍ ኣሚንሉ ድዩ ተገዲዱ ቀስ ኢልና ከነጽነዖ ኢና። ብዙሓት ናይ ከባቢና ፖለቲካ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዓዘብቲ ግና ኢሳይያስ ብናይ ምዕራብ ሓይልታት ስለ ዝተሸረጠ እዩ ኢሎም ብዘእምኑ ምኽንያታት ይገልጽዎ። እቲ ካብ ቀደም ብፈንጠጋር ተግባሩ ዝፍለጥ ኢሳይያስ ምስ ብኹሉ መለክዒ መዛንኡ ዘይኮኑ ባእታታ ክቆጻጸ ዝውዕል ዘሎ እውን ብውነኡ ኣይኮነ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ኣለዉ። እቲ ዝዛረቦ ቃላትን ዘርእዮ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ከኣ ንኤርትራውያን ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሓደ እዋን “ውሰደየ ኢስሳይያስ በዓል ስረ” ዝብልሉ ዝነበሩ ግሩሃት ስንባደ ፈጢሩ ከም ዘሎ ንዕዘብ ኣለና። እቶም ሓደ እዋን ተዓሚቶም “ ወዲ ኣፎም ብሪየ ንሱ ኣንበሳ ዓሻክሩ ነብርየ” ዝብሉ ዝነበሩ ርትዓውያን እንተኮይኖም ሎሚ ክሓፍርሉ ዝግበኦም ግዜ እዩ። ምኽንያቱ ኢሳይያስ ከምቲ ዝገመትዎ ዘይኮነስ ኣብ ጥቓ ዝገመትዎ ከም ዘየለ ብተግባር ተረጋጊጹ ስለ ዝኾነ። እቲ መፍትሒ ግና ብዝሓለፈ ምሕፋር ዘይኮነ፡ ካብኡ ተመኲርካ ዝሓሸ ሒዝካ ምቕራብ እዩ።
ነዚ ኣርእስት’ዚ ከልዕል ዘገደደኒ፡ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ናብ ህግዲፍ እንዳተማሕጸኑ፡ ካብኡ መፍትሒ ዝጽበዩ ምህላዎም ስለ ዝተዓዘብኩ እየ። ኣብዚ እዋንዚ ዓይንኻ እንዳረኣየ፡ ልብኻ እንተዓዝበ ናብቲ ዲክታተር ኢሳይያስ ከም መኸወሊ ዝጥቀበሉ ስማዊ ህግዲፍ፡ “ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ደረት ይሃልዎ፡ ቅዋም ይተግበር፡ ባይቶ ኤርትራ ይተኣከብ፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ጠለባት ኣብ ሕልና ህግዲፍ ቦታት ክህልዎም ይኽእል’ዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ብርኢቶይ ነቲ ንሓልፎ ዘለና ኤርትራዊ ህይወት ብግቡእ ዘይምርዳእ ዘመልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምዚ ዓይነት ጸማም እዝኒ ዝተዋህቦ ጠለባት ብመንገዲ ህግዲፍ ከተተግብር ምፋታን “ኣብ ዘይሰምምዓካ ደብሪ ምምህለል” ዘብል እዩ።
እዚ ክንብል እንከለና ግና ብዛዕባቲ ጸገምና ኣይንዛረብ ማለት ኣይኮነን። ክንዛረብ ጥራይ ዘይኮነ ካብዚ ህዝብናን ሃገርናን ዘለዉዎ ደልሃመት ናይ ምውጻእ ሓላፍነት እውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነትና እዩ። እቲ ክብሎ ዝደለኹ እቲ ፍታሕ ናብ ህግዲፍ ምሕጽንታ ብምቕራብ ዘይኮነ ንህግዲፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ኣወጊድካ ጥራይ ዝረጋገጽ ምኳኑ ንምምልካት እዩ። ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገም ክብደትን ዕምቆትን ምስ ኩልና ኣሎ ዝብል እምነት ስለ ዘለኒ ናብ ምዝርዛሩ ኣይኣቱን እየ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና ሓደ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ኤርትራ ዝበጸሐ ሰብ “ኣብ ኤርትራኮ፡ መንግስታዊ ፍትሕን ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንስሙ መንግስቲ’ውን ዘሎ ኣይመስልን እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ እቲ ናይ ኩሉ ነገር ወሳኒ ሰብ እውን ኣብ ኤርትራ የለን። ኣብ እትገብሮ ምንቅስቓስ መንእሰይ ምርኣይ ሳሕቲ እዩ። እዚ ብፍላይ ቀደም ንኣስመራ፡ ምጽዋዕን ዝኣመሰላ ከተማታትን ኤርትራ ንዝፈልጥ ዘሕዝን እዩ።” ዝበለኒ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ። “ኤርትራ ደልየ ከይደ ስኢነያ ተመሊሰ” ዝብል ሰብ’ውን ኣጋጢሙኒ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ እየ በሃላይ፡ ኮነ ኢሉ ትሕተ ቅርጸኣ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝባ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ እውን ከፍርስ እዩ ጸኒሑ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ኩነታት ኤርትራ ምስ ተመኩሮ ብዙሓት፡ ብውግእን ቁጠባዊ ድኽነትን ዝሓለፋ ሃገራት ክወዳደር እንከሎ ፍሉይ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም። ምኽንያቱ ምስ ኩሉ ጸገማት ናይቲ ዝመርሕ ኣካል ቅርቡነትን ሓልዮትን እንተልዩ ይውሕድ እምበር ናይ ሕውየት ምልክት ይረአ እዩ። ኣብ ኤርትራ ግና ንምልክት እውን የለን። ብኣንጻሩ ዝነበረ ክፈርስ እንከሎ ኢኻ እትዕዘብ። እዚ ከኣ ናይ ዓቕሚ ውሱንነት ጉዳይ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ሃገር ናይ ምፍራስ ተንኮል እዩ። ካልእ ነዚ ዘራጉድ ከኣ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጉጅለ ንኤርትራ ነፊጉ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ገዚፍ ኣታዊ ዝረኽበሉ ወፍርታት ዘካይድ ምዃኑ እዩ። መንግስቲ ኢድ እንተሓጸሮ ብዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ሃገሮም ከውፍሩ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ሰብ ጸጋ ምኽንያታት ፈጢሩ ደፊኡ ምስ ኣውጸኦም፡ ዓደማቶም ከልምዑ ምግዳዶም’ውን ናይዚ ህዝብን ሃገርን ናይ ምጥፋእ ምህዞ ኣካል እዩ።
ስለዚ ኢሳይያስ ሓድሽ ካብ ክውነት ናይ ምህዳም ሜላ ቀይሱ፡ መራሒ ምምሳል እምበር መራሒ ምዃን ስኢኑ፡ ካብኡ ብዝሓሸ ኣብ ጉዳይ ሃገራቶም ፈንጠርጠር ምስ ዝብሉ መራሕቲ ንሓንሳብ ናብ ሶማልያ፡ ደሓር ከኣ ናብ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ኮለል ክብል እንከሎ፡ ንሕና ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣብ እንግደዓና ዘሎ ወገናት ናትና ክንገብር ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይገርና ግና ንሕና’ውን ካብ ተሓታትነት ኣይክንድሕንን ኢና።