ካብ ኣሕዋት ሱዳናውያን፡ እንታይ ንመሃር?

2019-04-19 09:16:32 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1740 times

ግዜ ንሓደ እንዳተቐበለ፡ ደሓር ነቲ ዝተቐበሎ ኣፋንዩ ካልእ ቀዳምነት ሒዙ እዩ ጉዕዘኡ ዝቕጽል። ኣብቲ መስርሕ ብደረጃ ዓለም ዝረኣዩ ምዕባለታት ኣለዉ፡ በብኸባቢኡ ዝምዕብሉ ሰብ ተራ ዛዕባታት ከኣ ኣለዉ። ከባቢና ከኣ ውዑይ ምቅይያራት ዝረኣየሉ ኩርናዕ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እቲ ብቱኒዝያ ዝጀመረ ደሓር “ናይ ዓረብ ጽድያ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ናይ ለውጢ ማዕበል፡ ብቱኒዝያን ብሊብያን ኣቢሉ ናብ ግብጽን የመንን ምስተላብዐ ንኣልጀርያን ሱዳንን እውን ብጐቦ ዓይኑ ክርእየ ጸኒሑ። ናብ ኢትዮጵያ እውን ፍልይ ዝበለ ኣገባብን መልክዕን ሒዙ ተገማጊሙ። ኣብዚ ኩሉ ተርእዮታት፡ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፡ ብትሑት ዋጋ ሓያል ለውጥን ህዱእ ቀጻልነትን ከረጋግጽ ከም ዝኽእል ዝተረጋገጸሉ ተመኩሮ እዩ። በቲ ካልእ ገጹ ከኣ፡ እቲ ከቢድ ሓላፍነት ለውጢ ምምጻእ ዘይኮነ፡ ነቲ ለውጢ ከተቐጽል ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ምዃኑ ኣብዚ ተመኩሮ ተራእዩ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ብፍላይ ነቶም ቀንዲ ዝምልከተና፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጋህደ ዘይግሉጽነት ዝዓብለሎ ምሕዳስ ዝምድና፡ በቲ ሓደ ወገን፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ናይ ስግር ባሕሪ ጐረባብትና ብዘይግሉጹነት ኣብ ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ዝደናደን ሓደገኛ ውዕላት ምፍጣሩ ካልእ ኣዛራቢ ዛዕባታት ነይሮምን ጌና’ውን ኣለዉ። ኮታ ኩሎም እዞም ምዕባለታት ዋላ’ኳ ህግዲፍ ድንን ኢሉ ነቲ ሓቂ ከስሕቶም እንተፈተነ ከከም ርሕቀቶምን ቅርበቶም ንኤርትራዊ ጉዳይና ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ክጸልውዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እዮም።

ወዮ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ ኣብቲ ዘለዎ ጠጠው ክብለሎም ክምህለልሉ ዝጸንሑ መራሺ ናይ ለውጢ ማዕበል መዓልቱ ቆጺሩ፡ እነሆ ናብ ኣልጀርያን ጐረቤትና ሱዳንን ደበኽ ኢሉ፡ ናይ ጎደቦና እዋናዊ  ኣጀንዳ ኮይኑ። እዚ ማዕበልዚ ኣብ ሱዳን ጥራይ ጠጠው ዘይብልን ናብ ኤርትራ ዝልሕምን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እዚ ናይ ለውጢ ማዕበል ናይ ብሓቂ ለውጢ ንክኸውን ጽኑዓትን ውዱባትን ዋናታት የድልይዎ። ኣድማዕነቱን ቀጻልነቱን ከኣ ብትብዓት፡ ጽንዓትን ኣርሒቕካ ምሕሳብን ናይዞም ዋናታቱ ዝውሰን’ዩ። ጭቡጥ ዋና እንተዘይረኺቡ ግና ከም ናይ ሊብያ፡ ሱርያን የመንን መዕንደሪ ናይ ግዳም ሓይልታትን ተለኣኽቶምን ይኸውን። ሱዳናውያን ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ብጠንቂ ምውሳኽ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝወልዕዎ ናይ ለውጢ ሽግ ንከይቅህም ብዘካየድዎ ቀጻሊ ትንፋስ ዘይህብ ድፍኢት ነቲ ብፕረሲደንት ብዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝምራሕ ወጻዒ መንግስቲ ኣንበርኪኽምዎ። እቲ ቁጠዐ ናይ ናህሪ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ጥራይ ዘይኮነ ብቐንዱ ውጽኢት ናይ 30 ዓመታት ወጽዓ እኩብ ድምር እዩ።

ሱዳናውያን ክሳብ ሕጂ በጺሐምዎ ዘለዉ ደረጃ ክምዘን እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ከባብና ዝተራእየ ናይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ለውጥታት ተመኩሮ ብዙሕ ከም ዝተማህሩ ምርዳእ ይከኣል። ንኣብነት ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሲቪል ናይ ለውጢ ሓይልታትን ብጎቦ ዓይኒ ምርእኣዮም ካብ ተመኩሮ ግብጻውያን ዝተማህሩ ይመስሉ። ክንድቲ ነቲ ወጻዒ ጉጅለ ንምእላይ ዘርኣይዎ ብዝኾነ ብዙሕነት ናይ ዘይምፍልላይ ጽንዓቶም፡ እቲ ለውጢ ምስ መጸ፡ ምምሕዳሩ ብዝምልከት ዝነበሮም ውዱብ ምድላው ትሑት ምንባሩ ከኣ ንዕዘብ ኣለና። ነዚ ኣቐዲምካ ናይ ዘይምድላው ሃጓፍ መሊእካ፡ ካብቶም ነዚ ለውጢ ክጭውይዎ ዝደናደኑ ናይቲ ዝወደቐ ስርዓት ናፈቕቲ ከተንድሕኖ ምኽኣል ቀሊል ከምዘይከውን ከኣ ንርእዮ ዘለና እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ኣብ ዘተኣማምን ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምብጻሕ እቲ ጉዕዞ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ጉዳይ ሱዳናውያን ጉዳይናውን’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ቀንዲ ዋኒናስ ናትና ኤርትራዊ ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ጉዳይና ካብ ጉዳይ ጐረባብትና ሱዳን ኮነ ኢትዮጵያ ፈሊኻ ዝርአ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ጉዳይዞም ጐረባብትና ክለዓል እንከሎ ኣእዛና እንጸሉ። ምስ ሱዳን ዘለና ምትእስሳር ከኣ ታሪኻውን ቃልሳውን እዩ። ዓወት ሱዳናውያን ዓወትና እዩ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ዓወትና ክረጋገጽ  ኣዝዩ ዕዙዝ ጽልዋ ዘለዎ እዩ።  ዲክታተር ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዘርእዮ ዘሎ ጠብሎቕሎቕ፡ ሱዳናውያን ለውጦም ከበርዕን ኢዱ ከይሰደሎም ክጥንቀቕሉ ይግበኦም።

ካብዚ ሱዳናውያን ኣሕዋት ዝኣትዉዎ ዘለዉ ምዕራፍ ክንመሃረሉ ዝግበኣና ብዙሕ ተረኽቦታት ኣሎ። ሱድናውያን ናይ “ክፋያ” ወፍሪ ሒዞም ናብዚ ኣትየምዎ ዘለዉ መድረኽ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ቅድሚት ዘምጽእዎ መወልዒ ዛዕባታት እንታይ ምዃኖም ተጠቒሶም ኣለዉ። ንሕና ከም መቐጸልታ ናይቲ በብእዋኑ ከነልዕሎ ዝጸናሕና ናብዚ ናይ ሎሚ “ይኣክል” ማዕቢሉ ዘሎ ሕራነ ክንመጽእ ዝድርኸና ዛዕባ ምስ ዋጋ ሕብስትን ነዳድን ዝመጣጠን ዘይኮነ፡ “ወጽዓ” ዝብል ቃል ዘይገልጾ፡ ናብ ግህሰት ልኡላውነት ሃገርን ብርሰት ህዝብን ዝደናደን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ከቢድ ሕቶ ዘልዕል ዘሎ እዩ። ስለዚ ክብደት ወጽዓና ካብ ናይ ሱዳናውያን ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ። ሱዳንውያን ነቲ ኩለመዳያዊ ብዙሕነቶም ብምምዝማዝ ንምክፍፋሎም ዝተሃቀነ መኪቶም፡ ብመጠበሪ መብጸዓታትን ጽገናታትን ወጻዕቲ ከይተዓሸዉ፡ ኣብቲ ንኹሎም ዘርበሖም ኣትኪሎም እሞ ንወጻዕቲ ትንፋስ ብዘይህብ ቅልጣፈ ደፊኦም ኣብ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ ለውጢ ክበጽሑ ምኽኣሎም ክንቀስሞ ዝግበኣና ኣገዳሲ ተመኩሮ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሕሪት ኣብ ዘሎ ጉዕዘኦም’ውን ብዙሕ ንመሃረሉን ንጐርሓሉን ተረኽቦታት ከጋጥመና እዩ። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና፡ ጉዳይና ምስ ጉዳይ ሱዳናውያን ኣዝዩ ዝመሳሰል እምበር፡ ሓደ ዓይነት ስለ ዘይኮነ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተመኩሮኦም ናብ ኤርትራዊ ኩነታት ናይ ምቕናዩ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ናይ ካለኦት ተመሃሮ ጥራይ ከይኮና፡ ናትና ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ቅዲ ክንቅይስ ይግበኣና።

ብሓፈሻ ካብተን ብዘይጐነጻዊ ኣገባብ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዝሓልፋ ዘለዋ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ካብዘን ዳሕረዎት ኣልጀርያን ሱዳንን ክንመሃር ዝገበኣና ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት ጥራይ ክንከውን ኣይመተገብአን። ወዮደኣ ተማሂሩ ዘጽንዕን ጥዑይ ሓሳብ ዘብቁል ኣእምሮኡ መኺኑ እዩ እምበር፡ ኢሳይያስ’ውን ጽባሕ ብእዝኑ ካብ ዝውጠጥ ነዚ ከቢብዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ሃዋህው ክመሃረሉ መተገበአ። ሰራዊት ኤርትራ እቲ ቀንዲ ነዚ ኩነታት ክመሃረሉን ብህዝባዊ ወገናውነት ሰራዊት ሱዳን ቅዱስ ቅንኢ ክሓድሮ ዝግበኦ ኣካል’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ሰራዊት ሱዳን ንህዝቡ ዝተበጀዎ፡ ሰራዊ ኤርትራ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ ንህዝቡ እንተነፊግዎ ኣይኮነንዶ ንዓኡ ንዓና’ውን ከም ኤርትራውያን ዘሕፍር ታሪኽ’ዩ  ክኸውን።

ስለዚ ወጽዓና ካብ ወጽዓ ሱዳናውያን ዝኸበደ ካብ ኮነ፡ ካብቲ ወጽዓ ክንወጽእ ንኸፍሎ ዋጋ ካብቲ ናይ ሰዳናውያን እንተኸበደ’ውን ክንከፍሎ ግድን’ዩ። ምኽንያቱ ካብ ተመኩሮ ዕዉታት እንዳተመኮርካ ካብ ምቕጻል ካልእ ኣቋራጭ ናብ ራህዋ ዘብጽሕ መንገዲ ስለ ዘየለ።

Last modified on Friday, 19 April 2019 11:19