ይኣክል ምፍልላይ ደለይቲ ፍትሒ!  ይኣክል ኣምልኾ ንጠላሚ! 

2019-04-19 20:13:11 Written by  ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ካስል/ከባብን ካስል/ጀርመን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1959 times

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ትርከብ ዘለኻ፡ኣቐዲምና ካብ ደቅኻ፡ ብስም እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ካብ ከተማ ካስል/ጀርመን ሰላምታና ይብጻሓካ። ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ፡ካብ ነዊሕ መዋእላት ኣትሒዝካ ከይቀሰንካ ትካለበት ዘለኻ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ።ኩላትና ደቕኻ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና፡ብኣኻን ብሃገርናን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ከምዘይቐሰና ኣጥቢቕና ክንሕብረካ ንፈቱ። ብመሰረቱ ጠንቂ ናይ’ዚ ኣብ ልዕለኻን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ዘይንስሕቶ’ኳ ይኹን’በር።ድኽመታትናን ፍልልያትናን ወጊድና፡ብሓድነት ዘይምግጣምና ድኽመታትና ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ኮይኑ ግን እቲ መጀመርታ ዘለዎ፡ መወዳእታ ኣለዎ እሞ፡እዚ ሕሱም ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን፡ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ተኾስኵሱን ተመልሚሉን ንኤርትራዊ ዘርኢ ንምድምሳስ፡ገረብ ብሓኽላ ዕላማ ሒዙ ዝወፈረ ስለዝኾነ እንሆ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብሪሱዎ ይርከብ ኣሎ።* እዚ ሕሱም ጨካን ጸላኢና ኣብ ውሽጥና ኣትዩ፡ኣብ ነንሕድሕድና ከምዘይንተኣማመን ገይሩ ንመዋእላት ከሳቕየናን ከጽንተናን ጸኒሑን ኣሎን።ብፍላይ ገለ ካባና ነዚ  ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ንልዕሊ ኣርበዓ ዓመት ዝኣክል ጸላኢናን ሓደገኛን  ምዃኑ ዘይሓበርና ኣይኮናን፡እንተኾነ ግዳ፡ትሰምዓና እዝኒ ኣይረኸብናን። እወ!እዚ ሽፍታ’ዚ ንኣሕዋትና ምሁራትን ኣስተውዓትን ተጋደልቲ ክቃለሱ ንሜዳ ኤርትራ ዝወረዱን፡ዓበይቲ ዓድን፡ኣሽሓት ገባርን ደቂ ገባርን ዝቐዘፎም ማእለያ የብሎምን።ብድሕሪ’ታ ነጻነት ተባህላ ትፍለጥ፡ ግን ከኣ ባርነት ዝኾነት፡ንህዝብና ብጋህዲ ቅንጸለን ማእሰርትን ኣብ ዘየድሊ ኵናት ምጥባስን፡ንብረቱ ምዝራፍን፡ክሳብ ሃገሩ ገዲፉ ንሰደት ከም ዘምርሕ ገይሩዎን ረጊጹዎን ኣሎ።ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ ንሉኡላዊ መረት ኤርትራ፡ዓሰብ ንኢሜራት ዓርብ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ መጥይዎ ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብሽፋን ናይ ሰላም ዘብዘብ ዝተጀመረሉ ግዜ፡ውልቀ መላኺ ኤርትራ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ንኣዕጸምቲ ጀጋኑ ስዉኣትና ረጊጹ፡፡ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ዝእምቶ ዝነበረ፡ ብጋህዲ’ዩ ደርጉሒዎ፡ ዶ/ር ኣቢይ "ምርሓና  ንስኻ፣ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ኣይከሰርናን፡ዝጠፍኣና ንብረት የብልናን፡ዶብ ምሕንጻጽ ክጸንሕ ዝኽእል ጉዳይ ኢዩ፡ቀዳማይ ዕማም ክውሰድ ዘለዎ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ፡ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ፡ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥን፡ንሰላምና ክብርዛ ዝደልን እዩ፡ክብል ሰሚዒናዮ ኢና። ኤርትራ፡ካብ ዝሓለፈ ዓመት  ኣትሒዛ ድማ፡ ከም ክልል ኢትዮጵያ ኮይና ትኸደሉ ዘላ ብዙሕ ጩራታት ይረኣዩ ኣለዉ።ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ፡ ውልቀ መላኺ፡ ንኤርትራዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣፍሪሱ፡ንባጽዕ ሓይሊ መደበር ኢትዮጵያ ክትኸውን ሂብዎም ከምዘሎ ብዙሓት ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ። 

ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል  ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!።ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል  ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!። 

ይኣክል ሙሉኽ  ዜጋ  ምዃን! ይኣክል ኣምልኾ ንውልቀ መላኺ! ይኣክል ኣምልኾ ንጠላሚ! ይኣክል ኣምልኾ ንሽፍታ! ይኣክል መቕዘፍትን፡ጭውያን! ይኣክል ምፍልላይ! ሉኡላውነት ሃገርና ይተሓሎ! እሱራትና ይፈትሑ!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት! ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!  

ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ካስል/ከባብን ካስል/ጀርመን

ዕለት 13/04/2019

Last modified on Sunday, 21 April 2019 06:37