ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ከምዝምስረት ፕረዚደንት ጅቡቲ ገሊጹ

2019-04-08 18:46:42 Written by  Radio Erena Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2001 times

ኢትዮጵያ ብሓገዝ ፈረንሳ ከተቖሞ መዲባ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ; መደበሩ ኣብ ባጽዕ ከምዝኸውን ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ጅቡቲ ነዚ ዝገለጸ፣ ምስ ሓንቲ ካብ ህቡባት መጽሔታት ፈረንሳ ዝኾነት፣ ዠን ኣፍሪክ፣ ቁጽሪ 3039፣ ካብ 7 ክሳብ 13 ሚያዝያ 2019፣ ኣብ ዘሎ ሰሙናዊ ሕታማ፣ ኣብ ገጽ 26 ሰፊሩ ኣብ ዘሎ ሰፊሕ ቃለ መጠይቕ'ዩ።

እቲ ፕርዚደንት፣ "ፈረንሳ፣ ንኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ከተቑመላ ምዃና ድሕሪ'ቲ ናይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ዑደት ተገሊጹ'ዩ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ የብላን። ኣብ ጅቡቲ ድያ ከተቑሞ? ንዝብል፣ ዝቀረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ "ኣይፋላን። ኣብ ባጽዕ፣ ኤርትራ'ያ ከተቖሞ። ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ዝቖሞሉ ቦታ'ዩ። ንኢትዮጵያ፣ ሃገራዊ ክብራ'ዩ። ግና ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኣዝዩ ክቡር'ዩ። ካብ ምቛም ሓይሊ ኣየር ይኸብር።" ኢሉ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተበታተነ ሓይሊ ባሕራ ዳግም ከተቑሞ ምዃና፣ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ዘካየደቶ ምስጢራዊ ውዕላት እኳ እንተገለጸት፣ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ ከምዝድኮን ብምስጢር'ያ ሒዛቶ ዘላ።

ፈረንሳ'ውን ብወገና ብዛዕባ'ዚ ንኢትዮጵያ ከተቑመላ ተሰማሚዓትሉ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኣበይ ከምዝምስረት ኣይገለጸትን።

እቲ ብሓገዝ ፈረንሳ ዳግም ክምስረት ምዃኑ ዝግለጽ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ወደብ ባጽዕ ከምዝቐውም ብወግዒ ዝገለጸ፣ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ናይ መጀመርያ ኮይኑ ኣሎ።

ብዛዕባ'ቲ ፕረዚደንት ጅቡቲ ምስ መጽሔት ዠን ኣፍሪክ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቅ፣ ንምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ባጽዕ ኣመልኪቱ፣ ካብ ወገን ኤርትር ይኹን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መልሲ የለን።

ብርጋዴር ጀነራል ክንዱ ገዙ ተናኝ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መደባርት ሓይሊ ባሕሪ ፈረንሳን ጅቡቲን ዑደት ከምዘካየደ ኣብ ዝሓለፈ ቅንይያት ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ'ዩ።

Last modified on Monday, 08 April 2019 20:51