ቡተፍሊቃ ንህዝቢ ኣልጀርያ እቕረታ ሓቲቱ
2019-04-04 19:02:57 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1608 timesናይ ኣልጀርያ ቁዋም ቤት ምኽሪ ንናይ ኣልጀርያ ፕረሲደንት ዓብደልዓዚዝ ቡተፍሊቃ ምሕዳግ ስልጣኑ ተቐቢልዎ። ንሱ ድማ ንህዝቢ ኣልጀርያ ወግዓዊ ይቕረታ ሓቲቱ። ንሱ ኣብ መግለጺ እቕረትኡ: ”ምውዳቕ ሰብኣዊ`´ዩ በዚ ድማ ንዂሉ ብቓል ይኹን ብግብሪ ኣንጻርኩም ንዝፈጸምክዎ ኩሉ በደል እቕረታ እሓትት” ዝብል`ዩ ዝርከቦ። እቲ ኣብ ነዊሕ መልእኽቱ ዝሓተቶ እቕረታ ብመላእ ትሕዝተኡ ኣብቲ ናይ ኣልጀርያ ዜናዊ ቤት ጽሕፈት ኣፐስ ተዘርጊሑ ዘሎ።
83 ዝዕድሚኡ ቡተፍሊቃ ካብ ስልጣኑ ዝሳናበት ዘሎ ድሕርቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ናዕቢ ህዝቢ ኣልጀርያ ኢዩ። ሕጂ ድማ ህዝቢ ኣብ ማእከል ኣልጀርያ ብምእካብ ንምግዳፍ ስልጣን ፕረሲደንት ቡተፍሊቃ ብሓጎስ ተመሊኡ ደስትኡ ይገልጽ ኣሎ። ንፕረሲደንት ቡተፍሊቃ ዝትክእ መን ምዃኑ ዛጊት ዝተፈልጠ ኣይኮነን።
ህዝባዊ ሃገራዊ ተለቭዥን ሽወደን
ዕለት 4-ሚያዝያ 2019