ብዛዕባ እዋናውነትን ህቡብነትን መኸተ “ይኣክል” ብዙሕ ተዛሪብና ጌናውን ንቕጽል ኣለና። ክሳብ ውጽኢቱ ንሓፍስ ከኣ ክንቅጽል ኢና። ብመጽርዚ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብዙሓት ብሓባር ናይ ምውፋር ፈተነታት’ኳ እንተካየድና ክንዲ “ይኣክል” ንኹልና ሓይልታት ለውጢ ዘበራበረናን ንጨቋኒ ህግደፍ ዘጻበበሉን ኣይተራእየን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ናትና ብርታዐን ምብርባርን ጥራይ ኣይኮነን። ህግደፍ ክሕበኣሎምን ህዝቢ ከዕሽወሎምን ዝጸንሐ በዓትታት ምፍራሶም’ውን ናቱ ግደ ኣለዎ። ደጊም ህግዲፍ ካብዚ ብውጡ ዝህውጾ ዘሎ ምስሕሓብን ከቢብዎ ዘሎ ህዝባዊ ብድሆታትን ከምቲ ልማዱ ሓደስቲ መደንዘዝታት ምሂዙ ክድሕን ከምዘይክእል፡ ብዙሓት ውሽጣውን ግዳማውን ምልታት ንርኢ ኣሎና። በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ኮነ ወጻኢ ትዕግስቱ ኣብ ህግዲፍ ወዲኡ “ከምዚዶ መሲሉና እዩ” እናበለ ይሕንሕነሉ ኣሎ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ግፍዕታትን ነውርታትን ህግዲፍ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ተቓሊዑ፡ ምስምሳቱ ሰማዒ እዝኒ ይስእኑ ኣለዉ። ኣብ መዳይ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክሳብ ክንደይ ነቲ ቀይሕ መስመር ክሰግሮ ከም ዝጸንሐ ዓለም ትነግሮ ኣላ። እቲ ካብ ጐዳጉዲ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምጋሽ ከዕርዮ ወጢኑ ዝነበረ ናይ ሓሶት ምስሊ “ከም መጀመሪ ጽቡቕ ድሌት እንተዘይኮይኑ ምስቲ ትጥለቦ ዘለኻ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕማም እኹል ኣይኮነን” ይበሃሎ ኣሎ። በዚ ዝወሃቦ ዘሎ መጥንቀቕታ ክጥንቀቕ ከኣ ባህሪኡ ዘይፈቕደሉ እዩ።
“ይኣክል” ናብ ሓደ ወገን ጥራይ ዝቐንዐ ዘይኮነ፡ ካብኡ ንላዕሊ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ብልሑ ናብ ህግዲፍ ዝቐንዐ ኮይኑ፡ “ይኣክል ብዘይሕገመንግስቲ ምግዛእ፡ ይኣክል ብኩራት ልዕልና ፍትሒ፡ ይኣክል ስደትን ግዱድ ዕስክርናን፡ ይኣክል ምስዋርን ብዘይፍርዲ ምእሳርን፡ ይኣክል ብጉዳይ ልኡላውነት ሃገርን ክብሪ ህዝብን ምጽዋት፡ ኮታ ይኣክል ጭቆና” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። በቲ ካልእ ወገኑ ከኣ ናብቶም ሓይልታት ለውጢ፡ “ይኣክል ግጉይ ኣተሓሕዛን ኣተረጓጉማን ብዙሕነት፡ ይኣክል ምዝብራቕ ቀዳምነታት፡ ይኣክል ዘይውዱብ ኣቀላልሳ፡ ይኣክል ምንጽጻግን ምግላልን ወዘተ” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ስለዚ መድረኽ ይኣክል በቲ ሓደ ወገን ህግዲፍ ነወግደሉ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣርሒቕካ ብምርእይ ንቐጻሊ ናይ ለውጥን ድሕሪ ለውጥን ነብስና እነመዓራርየሉ ንቕሎ እዩ። ነዚ እንተዘይበቒዕናዮ ከኣ ክንኮነ እንደሊ ኣይክንከውንን ኢና።
“ይኣክል” ከም ዝኣክል ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ ቁጽሉ ሓሪሩ፡ ጉንዱ ምስ ነቐዘ ቦኽቦዀ ክወድቕ ነይነይ ይብል ከም ዘሎ ኣረጊት ኦም ኣብ ዝምሰለሉ ደረጃ እዩ በጺሑ ዘሎ። ናትና ናይ “ይኣክል” ንፋስ ድፍእ እንተቢልዎ ከኣ፡ እቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ ቀልጢፉ ክገሃድ እዩ። እቲ እንዕዘቦ ዘለና ምልክታት ከኣ ነዚ ዘራጉድ እዩ። “ይኣክል” ብመንጽር ምቅርራብ ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመታትካ ርኢኻ፡ ኣብ ክንዲ ምንጽጻግ ብምድግጋፍን ብሓባር ዘስርሓካ ናይ ሓባር ባይታ ምድህሳስን ተስፋ ዝህብ ኣንፈት ንሕዝ ኣለና። ኣብዚ ኣደልዲልካ ምርጋጽ ዘኽእል ቀጻሊ መንገዲ ናይ ምምድማድ መስርሕ ነቲ ዝጨበጥናዮ ልጓምን ዝረገጽናዮ ርኻብን ከነጽነዖ ይግበኣና። ኣብ ዝውሰድ ተበግሶታት ተመላላእቲ እምበር፡ ንድሕሪት መለስቲ ከይንኸውን ክንጥንቀቕ ይግበኣና።
እቲ ካብ ሕጂ ጀሚሪና ክንሻቐለሉን ብሩህ መልክዕ ከነትሕዞ ዝግበናን ዕማምና እቲ “ይኣክል” ኣኺሉ ህግዲፍ ጸግዑ ምስ ሓዘ ብዛዕባ እንርከቦ ሓላፍነት እዩ። እዚ ሓላፍነትዚ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ከምቲ “መለበምን ኣይግበርካ፡ መለበምንከ ኣይኽላእካ” ዝበሃል ካብ ናይዚ ቀረባ ተመኩሮ ጐረባብትና፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ የመን ሕጂ ድማ ሱዳን ክንመሃር ይግበኣና። ባዕሉ ዝዛረብ መምሃርታት እንዳሃለወና እንተዘይተማህርና ግና ቀንዲ መርኣያ ሕመቕና ኮይኑ ክምዝገብ እዩ። ምስ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣየናይ ኣውንታ ንወስድ ካበየናይ ኣሉታኽ ንጥንቀቕ ክንሓስብ ይግበኣና። ብሓፈሻ ከኣ ኣቐዲምካ ድሕሪ “ይኣክል” ክመጽእ ብዛዕባ ዝኽል ሳዕቤን ከይሓሰብካ ምጽናሕ ክሳብ ክንደይ ከምዘዋጥጥን እቲ ዝኣኽለ መልክዑ ለዊጡ ናይ ምምላስ ዕድል ከም ዘለዎን ኣብዚ ድርኩዂትና ሱዳን ዘሎ ኣብ ቀራና ቀንፈዘው ናይ ምባል ጉዳይ ናተይ ኢልና ክንመሃረሉ ይግበኣና። እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብባህርያት ተልእኮኡ ዝሓሸ ውዳበ ዘለዎን ዝያዳ ኩልና ለውጢ ዝብህግን ኣካል ሓይልታት ምክልዃል እውን ነዚ ኩነታት ብግቡእ ክቓንዮ ዘገድዶ ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ። ህግደፍ ግና ብዘይካ ኢድካ ምሃብ ካብዚ ናይ ለውጢ ነበልባል ከበባ መህደሚ የብሉን።
ስለዚ ንጨቋኒ ህግደፍ በስቢሱ ዓነው ኢሉ ዝወድቀሉ መዓልቲ ከም ዝጽበ ኦም ካብ መሰልናዮ፡ ኣብቲ ብምብርቋቑ ዝፍጠር ሃጓፍ ጉድጓድ ከምኡ መርዚ ዘፍሪ ዘይኮነ፡ ጽላሉ ዘጥልል ፍሪኡ ከኣ ዘዕንግል ፈልሲ ኦም ክንተክል ክንበቅዕ ኣይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ድሕሪኡ ውን ቆጽሉ ቀይሩ ተመሳሳሊ መሪር ዘፍረ ዘፍሪ ፈልሲ እንተተኺልና ጭቖና ይቕጽል፡ ናይ ክሳብ ሕጂ ቃልስና ኮንቱ ኮይኑ፡ ንተካኢ ወለዶ ኣብ ክንዲ ራህዋ መከራ ነውርሶ ማለት እዩ። ካብ ንምድሓን እምበኣር “እቲ ይኣክል ምስ ኣኸለኸ?” ንዝብል ሕቶ ብግቡእ ከነቕልበሉ ናይ ግድን እዩ።
ኲልና ዓጊብናሉ ዘለና ሕቶ ከልዕል። ነዚ ኣርእስትና ዝዛመድ ወይ ዝኸይድ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ውሽጢ ይኹን ወጻኢ ብሰንኪ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግዛኣተ ምልኪ: ኣብ ዓቢ ሽግርን ጸበባን ከም ዘለና ኩሉ ኤርትራዊ ዝሳምማዓሉ ጉዳይ ኢዩ። ነቶም እናሰምዑ ዝጸመሙ እናረኣዩ ዝዓወሩ ገዲፍካ።
እዚ ሎሚ ተኣኪብናሉ ዘለና ምኽንያት ድማ ከምቲ ኣብ ወጻኢ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለው ኤርትራውያን በዚ ገጢሙና ዘለ ሓደጋ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ ካብቲ ኣብ ድሕሪ ኮምፒተር ኮፍ ኢልካ ዝርእየካ ዘይብልካ ዝምደርን ዝበሃልን ዝነበረ ወጺእና: ኣብቲ ዓለም ዘደነቐ ፍንው ሰላማዊ ሰልፊ ጀንቭ. ጥራይ ደው ምባል ዘይኮነስ: ንውጽኢቱ ብውደባን ጥርኑፍን ኣገባብ ንምቅላስ ፍሕሕታ ህዝቢ ዝረኣየሉ ዘሎ መድረኽ ኣቲና ኣለና።
ናይ ሎሚ ዘረባይ ድማ ነዚ ፍሕሕታዚ ብኸመይ ኢና ናብ ሓደ ጭቡጥ ነገር እነብጽሖ ዝብል ክኸውንዩ። ነዚ ንምግልጽ ብርእይቶይ ኣብ እዋናዊ ጒዳይና ብምጥማት ኣድማዒ ዝበልክዎ ናይ ውደባ ጥቕሚ ኣብ ለውጢ ካብ ምልካውነት ምስግጋር ናብ ሕውነትን ማዕርነትን ሓርነትን ዘለኒ ርእይቶ ከካፍለኩምየ።ኣነን ኣብ ናተይ ዕድመ ዘለናን እንሓስቦ ምሳኹም ምስዞም ብዕድመ ትንእሱና ተምክሮና ምትሕልላፍ ምብቃዕና ንዕደመና ከም ዓቢ ጸጋ ኢየ ዝርእዮ። ምስቶም ኣብ ግዜና ዝተወልዱ ሎሚ ንጸጋ ዕድምኦም ኣብ ንህዝቢ ኣድምዮም ታሪኾም ዘባላሽው ዘለው ዘይምዃነይ ከኣ ከም ዓቢ በረኸትየ ዝቖጽሮ። ብምቕጻል እምበኣር ለወጢ ብኸመይዩ ክመጽእ ዝኽእል ዝብል ሓሳብ ከልዕል እደሊ። ኣቓልቦኹም ክትህቡኒ ኸኣ ብትሕትና እሓትት።
ናይ ለውጢ መስርሕ:- ናይ ለውጢ መስርሕ ካብ ሓቂ ወይ ጭቡጥ ኲነታት`ዩ ዝብገስ። ለውጢ ምግባር ማለት ልምዲ ምትካኽ/ምስታይ ትኪ ሽጋራ እንተነይሩካ ብውልቅኻ ንሂወትካ ብጥዕና ይኹን ንቚጠባኻ ሃሳይ ምዃኑ ፈሊጥካ ካብ ዝነበረካ ኣመል ወይ ወልፊ ንምልቓቕ እትገብሮ ቃልሲ: ናይ ሂወት መስርሕ ለውጥዩ። እዚ ንገለ ሰባት ክዕወትሉ ቀሊልዩ። ሓንሳብ ምስ ወሰኑ ናብ ዓወት ምግልጋል ምትካኽ ሽጋራ ዝበጽሑ። ክሳብ መጀመርያ ተሰዓትታት ናይ ኤርትራውያን ማሕበራት ብስም ማሕበረ ሰብ ዝቖማ ነይረን። ገለ ማሕበራት ናተን ክበባት ተኻርየን ንኣባላተን ናይ ሓባር ማሕበራዊ ሂወቶም ዘውሃህድሉ ዕድል ምፍጣር ዘኽኣለ ኲነት ዝፈጥር ነይሩ ። ኣብ ዝቕመጠላ ኮሙውን ነይሩና። ሓደ ምሸት ብዛዕባ ምግልጋል ካብ ሽጋራ ዕላል ተላዒሉ። ኣብቲ ዕላል መኮነን ነጋሽ ዝብሃል ሓው: ኣነ ካብ ጽባሕ ሽጋራ ኣይሰትንየ ኢሉ። ካልእ ከምኡ ሰታይ ሽጋራ: ምሰታይ ሽጋራ እንተገዲፍካያ በጊዕ ክሓርደልኩምየ ይብል። ሓደ ካልእ ከኣ ኣነውን ጥርሙዝ ወስኪ ሒዘ ክመጽእየ ዝብል መብጽዓ ይገብር። ሓው መኮነን ድሕሪ ዝኣወጀሉ ዕለት ሽጋራ ምስታይ ኣቋሪጹ። ክሳብ ሎሚውን ኣይተመልሳን። ልዕሊ ዕስራ ዓመቱ። እቲ ዝወሰኖ ለውጢ ምትካኽ ወይ ምስታይ ሽጋራ ኣተግቢርዎ ማለትዩ።
ሕጂ ኣኣኪቡና ዘሎ ምኽንያት ነዚ ሕብረተሰብና ካብ ዘለዎ ዓዘቕቲ ጭኮና: ሃገርና ካብ ናይ ምወዳእታ ፍሽለት ንምድሓንዩ። ዕብየት ጒዳይና ከቢድ ፖለቲካዊ ሓደጋ ዘለዎዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃ: ካብ 1973 ዓም ኣትሒዙ ንብሉጻት ኤርትራውያን ከጥፍእን ክምቊስን ድሕሪ ምጽንሑ: በቶም ዝተረፉ ኤርትራውያን ብዝገበርዎ መስዋእቲ ሂይወት ዝተረኽበት ኤርትራ ኸኣ: ካብ 1993 ኣትሒዙ ቅድም ምስ ሱዳን ደሓር ምስ የመንን ቀጺሉ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ጁቡቲውን ኣብ ኲናት ነቚቱ እልቢ ዘይብሎም ኤርትራውያን ኣጥፊኡ። ብሰንኩ ኸኣ ህዝቢ ካብ ቦትኡ ተፋናቒሉ ስደትን ዘርምዘርሞን ኮይኑ። ድሕሪዚ ዂሉ ጥፍኣት ብኣብይ ኣሕመድ ዝበሃል መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝረኸቦ መዋጽኦ ምንጻል ካብ ዓዲ ሃሎ ምስ ወጸ: ዕንደርኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ምስ ኣካየደ ድሕሪ ከም ”ርሕርሕቲ ኣደ”: ኣምስሉ ከንፈሩ ብምሓዝን ኣፍ ልቡ ምህራምን: መቸስ ሸዑ ዝተራእየ ፍዂሰት ኢሳያስ ከም ክንቲትዩ። ንዓመታት ዝኸሰርናዮ ክሳራውን ኣምሊስናዮ ኣለና ኢሉና። እቲ ነውራም መልሓሱ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ኲናት ወሊዑ ከህልቖ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዋጋ ከምዘይቆጽሮ ብጋህዲ ኣርእዩናን ኣስሚዑናን። እቶም ድሮ ዝቕበጽናዮ ኣይገረመናን: በታ ናይ ሽዑ ፍኾስኮሱን ዕብዳኑን ግን ኣእማንውን ተንቃሳቒሶምዮም።
ምትእኽካብና ካብዚ ጉዕዙይ ኣጽፋር ንምግልጋልዩ። እምበርከስ: ነዚ መዓትዚ ንምልጋስ ከመይ ዝኣመሰለ መስርሕ ኢና ክንሓልፍ ዝብልዩ እቲ ዓቢ ሕቶ። ንዓቢ ሕቶ ንኸምዚ ናትና ክፉእ መራሕን ግዜን: መስርሕ ለውጥና ዕውት ዝኸውን: ነብሲ ወከፍ ሰብ ጒጅለ ስቪክ ማሕበር ፖለቲካዊ ውድብ: ጽልዋ ለውጢ ቅድም ኣባኻ: ኣብ ማሕበርካ: ኣብ ውድብካ ክመጽእ ከም ዝግባእ ምርዳእ መባእታዊ መጀመሪናዩ። ሒዝካዮ ዝጸናሕካ መገዲ ጒዕዞ ንሓርነት ካብ ምስ ህግደፍ ምጽናሕ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ስቕታ ፍርሂ ዝኣተኻሉ: ከምኡውን ብዝመስለካ ንለውጢ ክተተገብሮ ዝጸናሕካ መስርሕ ካብ ደምበርበር ዝበለ ኲነታት ናብ ጭቡጥ ከስርሕ ዝኽእል ዕላማ ምምጻእ: መጀመርያ ንስኻ ለውጢ ግበር፣ ማሕበርካ ውድብካ ለውጢ ክገብር ስራሕ። እቲ መስርሕ ዕውት ኽኸውን ንጹር ራኢ ሃልዩ: ኣብ ምቕራጹውን ንጡፍ ተራ ምጽዋት፣ ብዘይ ናይ ነብሲ ወከፍ ንጡፍ ተራ ንለውጢ ዝርከብ ዓወት የለን። ዓወት ብኻብ ውሽጥና ዝብገስ ድለየት ንለውጢዩ ዝመጽእ።
እምበኣር! መጻኢ ዕድልና ንፍትሕን ቁዋማዊ መንግስትን ደሞክራስን ምዕባለን ኣብ ህዝብናን ሃገርናን ንኽመጽእ ᎒ ብግብሪ ክንርእዮ ይከኣል ድዩ ኢልና ሓቲትና መልሱ መጀመርያ ኣብ ውሽጢ ቀልብና ክሰርጽ ዓርከይ ሓወይ ኢልዎ እልካ ዘይኮነ ካብ ልቢ ነብሲ ወክፍና ዝነቐለ ናይ ለውጢ ሓይሊ ክህሉ ምስ እንቃለስዩ። ለውጢ ክንርኢ ብሃንቀውታን ባህግን ጥራይ ምጽባይ ኣይኮነን: ከምኡውን ካልኦት ክሰርሕዎን ክተግብርዎን ዘይምጽባዩ። እጃምካ ምጽዋት ኣድላይ ጥራይ ዘይኮነ ግድነትዩ።
ሰለስተ ዓንዲ ኲርንዓት ለውጢ:- መጀመርያ ፍልጠትና ኣብቲ ክንልውጦ ንደሊ ጒዳይ ከመይ ኢዩ᎒ ኲሎም ደቂ ሰባት ፍልጠት ኣለዎም። ፍልጠቶም ግን በበይኑዩ። ንኣብነት እንሰርሖ ስራሕ በበይንዩ። ነቲ ንሰርሖ ስራሕ ብዛዕባ ተገዳስነትና: ኣብኡ እንጥፍኦ ግዜ ኣብቲ ስራሕ ዘለና ኣጠማምታን ክፋላለ ይኽእል። ብትግሃት እትገብሮን ደሞዝካ ንምርካብ ጥራይ እትገብሮን ፍልልይ ክህልዎ ይኽእል። ትምህርቲ`ውን ከምኡ። ትምህርቲ ናይ ዕደመ ምሉእ መስርሕዩ። ትምህርቲ ስቕ ኢልካ ብኸምኡ ዝዕደል ነገር ኣይኮነን። በቲ ናይቲ ውልቀ- ሰብ ጻዕሪ ዝረኽቦ ሓበረታ ብምምርማርን ንሓድሕዱ ብምግጫውን ክጭበጥን ክብጻሕን ዘለዎ ነገር`ዩ። ፍልጠታዊ ምዕባለ ኣብ ናይ ደቂ ሰባት ውልቃዊ ተመክሮ ዝተመርኮሰዩ። ምሕታት: ምግራም: ኣብ ምልክት ሕቶ ምእታው: ምፍታን ምንጽብራቕን ስጒምቲ ምውሳድን ዝኣመሰለ ባህርያት: ህያው ዝኾኑ ናይ ፍልጠት ሰንሰለት ኮይኖም ኣዝዮም ኣገደስቲ ስጉምታትዮም።
ኣብዚ ዘለናዮ ህሞት: እቲ ጨፍላቒ ስርዓት ንናይ ውሽጢ ናይ ህዝቢ ፍሕሕታ ንምድርቋስ ናይ ደገ ጸላእትኻ ከም በዓል ወያኔ መጹኻ ዝብል ባህራሪ ዘመተ ባዶ ሰለስተ ኣዋፊሩ ኣሎ። እቲ ጽወታ ተወዲኡ ኢዩ ዝብል ኣዕናዊ ሙዚቃኡ: ምስ ደምበ ኣብይ ተዛሚዱ ንጎረቤትና ዝኾኑ ህዝብን ውድብን ከም መሳርሒ ናይ ጥፍኣት ጒዕዞኡ ክጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ። ኣብቲ ናይ 1998-2000 ዓ.ም ኲናት ኢትዮ-ኢርትራ ካባይ ጀሚርካ ዝወደበሉ ጥበብዩ። ኣብቲ ዘይ ቅዱስ ኲናት ከእትወናን ገንዘብና ክዝርፍን: ካብ ልብን ኣእምሮን ዝወጸ ገምጋምን ፍልጠትን ብዘይምግባርና ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዘደምየ ኲናት ተኻፋሊና በዓል ኣነ። ውጽኢቱ ኣፍራይ ሓይሊ ክፋል ህዝብና ጠፊኡ። ካብ ዓዱን መረቱን ተዛኒቡሉን ተሰዲዱን። ንኢስያስ ግደፍ ይኣክል ንዝበልዎ ኣብ ናይ ሞት ጎዳጒዲ ብሂወቶም ዳጒኑ።
ነቶም ከምዚ ኸማይ ዘይቅዱስ ኲናቱ ዝደገፍና ኸኣ ንብረትና መጽዩ ኣብ ኣፈ ደገ ድኽነት ኣጻጢሑና። ንሱ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ኮይኑ የድምየና ኣሎ። እቲ ተወሪረ ዝብል መዳናገሪ ጥሩምባ ኲናቱ ቀንዲ መበገሲኡ ምግሃስ ዶም ብወያነ ከምዘይነበረ ዘርእየና: ኣብይ ኣሕመድ ንምሕናጻጽ ዶብ ተቐቢልናዮ ኣለና ምስ በለ: ኢሳያስ ካብ ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ኣብ መናገሻ ከተማ ኣስመራ ርግእ ኢሉ ኮፍ ኢሉ: ቅድሚ ዝኣገረ ዶብና: ብመሰረት ውሳኔ ኮሙሽን ዶም ንሓንጽፆ ክብል ነይርዎ። እቲ ኢስያስ ንዋርስይን ይከኣሎን ናብ ኲናት ብምእታው ሰብን ንብረትን ኤርትራን ዝሸመመሉ ጒዳይ ግን ጒዳይ ዶብ ከምዘይነበረ ብግብሪ ኣርእዩና። ብነፋሪት ንደቡባዊ ዶባት አርትራን ትግራይን ሰጊሩ ንኣዲስ ኣበባ ክእቱ ኢና ዝረአናዮ። ንኣብይ ካብ ሎሚ ምርሓና ምስ በሎ ድማ ኣብይ ጒዳይ ዶብ ምሕንጻጽ ናይ ሕጂ ተግባርና ኣይኮነን ኢሉና። ከም ዋጻኢ ምኒስተር ኤርትራ ኮይነ እንተሰራሕኩ ከይትግረሙ ብምባል ንዑስማን ሳልሕ ኣይትቀየምኒ ክብል ሓጪጩሉ። ክብራት ተኻፈልቲ! ኤርትራን ህዝብናን ብሰንኪ ብደም ኤርትራውያን ዘይዓግብ ሕሙም መራሒ ናይ ተልመደናት ፖለቲካ መሐጨጪ ኮንና ኢና።
እቲ ከይሲ ሎሚው`ን ዝሃርሞ ከበሮ ኲናት ንሰምዕ ኣለና። ግን ኣነ ፍልጠት ስለ ዝገበርኩ ክድግፎ ዘይኮነስ ንኢስያስ መቓብር ፖለቲክኡ ኣብ ምዂዓት ዝካፈለሉ ፍልጠት ቀሲመ ኣለኹ። እቲ ንዂላትና ዘድልየና ፍልጠት ንምድሓን ሃገርና ብጥልመት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኣብርሃ ናይ ፍልጠት ባንደራ ድሕነት ሃገር ከነምበልብል ኣለና። ጻላእትና ውሑዳትዮም ኢሳያስን ጒጅልኡን። ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ብዙሓት ኢና፣ ብዝሕና ግን ብፍልጠታዊ ውደባ ክህብትም: ንርእስና ናይ ውደባ ፍልጠት ክህልወና ኣለዎ። ናይ ውደባና ሓይሊ ድማ ደሞክራስን እምነት ሰብኣዊ መሰላትን`ዩ። ነዚ ዓቢ ጒዳይ ድሕነት ሃገርን ህዝባን ኢልና ብሓባር ዝወሰንናዮ ውሳነ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቀንዲ መዐቀኒ ቃልስናዩ። ናይ ሓባር ውሳኔ ክብል ከለኹ ኣብ ውሽጢ ሲቪካዊ ማሕበር ይኹን ፖለቲካዊ ውድብን ኣብ መንጎ ውድባትን ጽላላትን ዝግበር ውዕላትን ውሳኔን ማለተይ ኢዩ። እቲ እናሳዕ ዝርአ ውድቀት ኣሳራርሓና ኣብ ስምምዕናን ውዕላትናን ነቲ ብደሞክርያስያዊ መስርሕ ውሳኔ ብዙሓት 50+1 ተቐቢልካን ሪዒምካን ዘይምስራሕዩ። ቅኑዕ ሓሳባት ንእትብሎም ኣብ ውሽጢ እቲ ብሓሳብ ዝተሳዓርካሉ ውድብ ወይ ማሕበር ኮንካ ዕግበትካ ንምስፋን ኣብ ክንዲ ምስራሕ ምህዳምን ምፍንጫላትን እቶም ኣዕነውቲ ተግባራትናዮም። ነዚኦም ብግቡእ ምግምጋምን መስርዖም ከም ዝሕዙ ምግባርን መፍትሕ ዓወት ንለውጥናዮም።
ኣብ ልዕሊ ሰባት ዘለና ኣረኣእያ:- ቀንዲ ሕመረት ናይዚ ኲሉ ሰብ ማዕረ ምዃኑ: ካበይ መጺኡ እንታዩ ሃይማኖቱ: ጾትኡ: ስርሑ ሃብቱን ድኽነቱን ትምህርቱን መዓርጉን ወዘተ ብዝየገድስ: ሓደ ሚዛንን ቦታን ምሃቡ። ከምቲ ማርቲን ሉተር ዝበለዩ፣ ሕልሚ ኣሎኒ ኢሉ፣ ሓደ ሰብ ብሕብሪ ቆርበቱ ዘይኮነስ ብጠባዩን ግብሩን ዝምዘነሉ ግዜ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ብባህርኡ ካብ ካልኦት ፍሉይ ኮይኑ ዝሓስብን ዘንጻባርቕን ፍጡርዩ። በዚ ዂርናዕዚ ጠሚትና ክንርኢ ከለና ዝኾነ ሰብ ሃብቲ ናይ ሓደ ጽፉፍ ሕበረትሰብዩ። ናይ ምዕባይን ምምዕባልን ድልየትን ዓቕምን ኣለዎ። ለውጢ ምምጻእን ምጽላውን ሓላፍነት ምስካምን ዓቕሚ ኣለዎ። ነብሲ ወከፍ ሰብ ግን ኣባል ናይ ሓደ ሓባራዊ ናብራ ደኣምበር ብውልቁ ዝቖመ ፍጥረት ኣይኮነን። ክዓብን ክምዕብልን ከማዕብልን እንተኾይኑ ድማ ምስ ካልኦት ከምኡ ብምትሕብባር ጥራዩ ነቲ ዓቢ ቁምነገር ለውጢ ንሓድሽን ምዕቡልን ሕብረ-ሰብ ክበጽሖ ዝኽእል። እዚ ሕጂ ተጋቢእናሉ ዘለና ኣጋጣሚ ጨሪሕናን ይኣክል ኢልናን ገገዛና ምኻድ ዘይኮነ ናብ ጩቡጥ መስርሕ ህዝባዊ ባይቶ ኣብ ስቶኮሆልም ከነሰጋግሮ ክንሓስብን ክንዋሃሃድን እዩ ዘለና።
ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ዘሎና ኣረኣእያ:- ሕብረተ-ሰብ ናይ ኲሉ ፍጡር ናይ ሓባር ባይታን መበገስንዩ። ከምቲ ንዓና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ። ደቂ-ሰብ ብሓባር ብምዃንዮም ጥዕና ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ዝሃንጹ። ኲሉ ድማ በብዓቕሙ ብማዕረ ከም ዝሳተፍ ዝገብሩን። እዚ ግን ኣብቲ ህዝባዊ መንግስቲ ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ኢዩ። ንዘራጊቶ ውልቀ መላኺ ምስ ኣልገስና ሕጂ ኸኣ ናትና ንመጻኢት ደሞክርያስያዊት ኤርትራ መንጸፍ ንምግባር። ክምዚ ምስ ሓሰብና ንምምዕባሉ ነብሲ ወከፍና ተራ ክንጻወት ግቡእን ሓላፍነትን ኣሎና። ውሑዳት ሰባት ጥራይ ክሰርሑን ክኣልዩን ከማሓድሩን ክግደፉ የብሎምን። ኲልና ንሓደ ዕላማ ንምድሓን ሃገርን ህዝብን ገዛእ ርእስናን ብሓባር ንስራሕ። ሰብኣዊ ኣረኣእያ ኣብ ሰባት ደረት ኣይገብርንዩ። ኣውራጃ: ሃገራትን ክፍሊ ዓለማት ኣብ ግምት ዘየእቱን ማሕበራውን ዓለታዊ መበቆልን ኣመጻጽኣን ሰባት ዘይፈልጥን ንዂሎም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ደቂ ሰብ ብማዕርነት ዘሳትፍንዩ።
እዚ ሓሳብዚ እዚ እንነብረሉ ሕብረተ-ሰብ ሽወደን ዝቃለሰሉ ስነ ሓሳብዩ። ኣንጻርዚ ዝሰርሑ ሓይልታትውን ኣለው። ስለ ዝኾነ ኣብቲ ናይ ውህደት ቃልስና ምስቶም ጥዑይ ሓሳባት ዘለዎም: ኣንጻርቶም እኩያት ብሓባር ምስራሕ ዝጠመተ ዕላማውን ክንሕንጽጽ ክህልወናዩ። ስለምንታይሲ ንረብሓናን ደቅናን ዝሰርዕ ወይ ዝጎድእ ውሳኔታት ዝገብሩ ኣለው። ንኣብነት እዞም ሕጂ ኣብ 26 ግንቦት ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ንምእታው ዝዋዳደሩ ዘለው። ኣብዚ ውድድርዚ ኣበየናይ መስርዕ ክንከውን ንደሊ᎒ ደሞክርያስያውያን ሓልታትን ሑሉፋት ናይ የማን ሓልታታት ዓለታውያንን ዝዋዳደርሉ መስርሕዩ። ኤውሮጳ ብዓለቶም ጥራይ ክትምላእ ዝደልዩን: ብዘይ ፍልልይ ናይ-ሰባት ብሓባርን ሰላምን ንንበር ዝብሉን። ብዙሓት ካባና ዜጋታት ሽወደን ኢና። መሰል ናይ ምድማጽ ኣሎና። ከነድምጽ ወሲንና ክንህሉ ተስፋ እገብር። ንግብራዊ መስርሕ ውህደት ኢለ ዝሓሰክዎ ኣብነትዩ። ቀንዲ ናይ ሎሚ ኣጀንዳና ግን;-
እቲ ኣብ ልዕለናን መላእ ሕብረተ-ሰብናን ደይቡ ዘድምየና ዘሎ ጸላኢ ንሓሳብ ማዕርነት ኤርትራውያንሲ ይትረፍ ካብ ሱርና ንምምሓውና ዝነቐለ ምዃኑ ደጊምሲ ኣለሊናዮ ኣለና። እሞ ብኸመይ ኢና እንልግሶ ዝብል ሓሳብ ይምልሽዩ ኢለ ዝተናኸፍክዎ ድሮ ኣቕሊብኩምሉ ክትህልው እናኣመንኩ ኣብቲ እንደልዮ ናይ ለውጢ መስርሕ ገጽና ክንቅጽል።
ለውጢ ክተምጽእ ምድላይ:- ለውጢ ከተምጽእ ምድላይ ማለት ለውጢ ኣምጺእካ ኣለኻ ማለት ኣይኮነን። ንጭቡጥ ኲነታት። ንማሕበራዊ ናብራ በይንኻ ክትልውጦ ማለት ዘይከኣልዩ። ለውጢ ክመጽእ እንተደኣ ኮይኑ ምውሳእን ተሳትፎን ናይ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፋላለየ ጽፍሒ ይሓትት። ኲሉ ግዜ እቶም ብብዝሕን ብናይ ሓባር ሓሳብን ዝሰርሑ ሰባትዮም ክዕወቱ ዝኽእሉ። ናይ ለውጢ መስርሕ እምበኣር ዕውት ክኸውን እንተኾይኑ: ፍልጠትን ተሳትፎን ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ። ፍልጠት ከም መሳርያ እንተዘይተጠቒምካ: እቲ መስርሕ ከተጽንዕን ቅርጺ ክትህቦን ስለ ዘይከኣል: ብሃወኽን ደምበበርን ብዘይ መጽናዕቲ እትወስዶ ስጒምቲ: ነቲ ትደልዮ ለውጢ ቀይዱ ከይሰጎመ ጠጠው ዘብል መፈንጠራ እዩ።
ፍልጠትን ተሳትፎን:- መብዛሕትኦም ውድባት ወይ ማሕበራት ይዕበ ይንኣስ ለውጢ ናይ ምምጻእ ዕላማ ኣለዎም። እቲ ዕላማታት ዝተፋላለየ ክኸውን ይኽእል: ኲሎም ሰባት ብዘለዎም ዕቕሚ ብማዕረ ዝነብሩሉን ዝሳተፍሉን ሕብረተ-ሰብ ምምዕባል ክኸውን ይኽእል። ኣብቲ ትሰርሓሉን ትሰርሖን ለውጢ ምምጽእ ክኸውን ይኽእል። ማሕበራት ወይ ውድባት እውን ቅልጡፍ ለውጢ ከምጽኡ ብምእማን ነቲ ክመጽእ ዝድለ ለውጢ ይሕግዝዩ ዝብልዎ ሓበረታታት ምእካብ ልሙድ ስርሖምዩ። ንሱ ጥራይ ግን ዓወት ከምጽእ እይኽእልንዩ። ከመይሲ ምዕባለ ወይ ለውጢ ዝዕወት ብዝእከብ ውድዓዊ ፍልጠትን ንጡፍ ተሳታፍነትን ናይ ኩሎም ዝሓትትዩ። እዚ ድማ ብምትእምማን ኣብ መንጎቶም ተዋሳእቲ ለውጢ ይፍጸም። ፍልጠት ግን ንማንም ብኸምኡ ዝዕደል ወይ ዝወሃብ ኣይኮነን። ፍልጠት ብንጥፈትን ሓድሽ ነገር ክትፈልጥ ብምድላይካን: ንፍልጠት ሃሰስ ብምባልን ዝመጽእ ነገርዩ። እዚ ዕውት ዝኸውን ከኣ ኲሉ ግዜ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንጡፍ ተሳታፍነት ናይ ግድን ኢዩ።
መስርሕ ለውጢ ዕውት ክኸውን ካብ ሓበረታ ምውሳድን ምሃብን ጀሚሮም ክሳብ ለውጥን ምምሕያሽን ክበጽሑ ዝኽእሉ ህርኩታትን ውፉያትን ሰባት ምስ ዝህልውዎ ጥራይ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ኲሉ ዓይነት ለውጥታት እቲ ዝሓቶ ግዜ ክወስድ ኣለዎ። ከምቲ ዝፍለጥ ”ክተማ ሮማ ብሓደ መዓልቲ ኣይኮነትን ትሃኒጻ። ኣብዚ ናትና ኲነታት ምስ ምህላው ዕቡድ ምልካውነት ጒዳይና ንለውጢ ህጹጽ ከም ዝገብሮ ርዱእዩ። ምህናጽ ቁዋማውን ህዝባውን ንዕኡ ዝኸውን መሰረትን ምጅማርና ድማ ኣንፈቱ ሒዙ ኣሎ። ዝተፋላለዩ ፖለትካውያን ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ተሲኦም ድምጾም የስምዑ ከም ዘለው `ውን ንርኢ ኣሎና። ኲሉዚ ፈትልታትዚ ብስራሕ ክተሓብባረሉ ዝኽእል መድብ ምውጽእ ከኣ ህጸቱ ንዂልና ርዱእ እመስለኒ። ንምድምሳስ ምልካውነት ዘሕብረና መደብ። ምፍንፋን የብቅዕ። ኣብ ልብና ንመለስ ንካባበር ሓድሕድ ምንእኣስ ዕድመ ጸላኢና ዘንውሕዩ። ባህላዊ ክብርታትናን ማሕበራዊ ምትእስሳርናን ኣብ በቶኦም መልሲና ንቕድሚት ንስጒም።
ጽን ኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ አመስግን
ረዘነ ተስፋጽዮን።
27 ሚያዝያ 2019
ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ ንሃገራዊ ዕርቂ-ሰላም ዝጽውዕ ሃዋርያዊ መልእኽቲ ዘርጊሖም
Sunday, 28 April 2019 02:00 Written by Catholic Bishopsኣብ በዓለ ትንሳኤ መልእኽቶም: 4 ኤርትራውያን ጳጳሳት ንዕርቀ-ሰላምን ኣሳታፊ ለውጥን ጸዊዖም
Saturday, 27 April 2019 20:41 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤናይ ኣስመራ ካቶሊካዊ ሊቀ-ጳጳስ ኣባ መንግስተኣብ ተስፋማርያም ዝርከብዎም ናይ ሰበኻታት ባረንቱን ከረንን ሰገነይትን ጳጳሳት ኤርትራ: ኣብ ናይ 2019 በዓለ ትንሳኤ መልእኽቶም፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ኰይኑ ዕርቀ-ሰላም ብምግባር “ቈራጽን ታሪኻውን ለውጢ” ክገብር ኣሎዎ ኢሎም። ኣስዒቦም’ውን፡ “ምስ ጐረቤት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጥና’ውን ናይ ሕንጸትን ሕውየትን ሓዲሽ እዋን’ዩ ኣርኪቡና ዘሎ…. ምእንቲ ከይንጠፍእ፡ ዕርቅን ምሕረትን ነምጽእ” ዝብል ተሪርን ሓያልን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ሓዋርያዊ መልእኽቲ 4 ጳጳሳት ኤርትራ፡ ንዝሓለፈ ዛዚምካ ናብ ዝመጽእ መደብ ንምስግጋር፡ መደብ ዕርቀ-ሰላም (national reconciliation) ክእወጅ ከም ዘድሊ፡ እሞ ነቲ “ናይ ሓቅን ዕርቅን መደባት” ዝመርሕ ኣሳታፊ ዝኾነ ሃገራዊ ኣካል ክቐውም ከም ዝግባእ ድሕሪ ምጥቃስ፡ “ቀንዲ ስርሑ ነቲ ኣብ ወጥርን ስግኣትን ዘሎ ኲነታት ኣልጊሱ፣ናይ ምቅርራብን ምዝርራብን መንፈስት ከበጋግስ” ምዃኑ የብርህ። እዚ ግድነት ክብጻሕ ዘሎዎ ዕርቀ-ሰላም “ገለ ዝረብሓሉ ገለ ኸኣ ዚግለለሉ ዘይኮነስ፡ ብሓንሳብ ኰንካ ናይ ዝሓለፈን ዝመጽእን ሓላፍነት ተሰኪምካ” እተኣትዎ ምዃኑ ብብሩህ ሓረጋት ተገሊጹ።
ኣብ መእተዊ ናይዚ መልእኽቲ፡ ናይ ኣይረሳዕናኩምን ሰላምታ ናብ ኲሎም ዝሓለፉን ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከቡን ኤርትራውያን ድሕሪ ምቕራብ ከምዚ ኢሉ ይቕጽል፡ “እዚ ኹሉ ኣብ ቅድሚ ዓይንና እናተፈጸመ፣ ኹሉ’ቲ ቅድሚኡ ዝነበርናዮን እተሳቐናዮን እናሓሰብና፡ ስቕ ክንብል ብርግጽ ዘይከኣልን፣ እቲ እተዋህበና መዝነት ዘየፍቅዶን ኢዩ። ነዚ ንኽንገብር ዚድርኸና ድማ ፍቕሪ ህዝብናን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎና ሓላፍነትን ደኣ’ምበር ካልእ ምኽንያት ኣይኮነን።”
መልእኽቶም ነቲ ብሰነ 2018 ምስ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እተጀመረ ናይ ሰላም መስርሕ ድሕሪ ምጥቃስ፡- “ሰላምን ራህዋን ብዘምጽእ ኣገባብ፡ ኩሉ ዶባት ብዝቐልጠፈ ተሓንጺጹስ፡ ኽልቲኡ ወገን ዕለታዊ ሃለዋቱን ርክባቱን፡ ናብ ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ዳግም ዝምለሰሉ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ዝሕደሰሉ መድረኽ ክመጽእ ንጽሊ፣ እዚ ንክኸውን እናተመነና ድማ፣ ነዚ ዘሰናኽል ዝኾነ ይኹን ስምዒታውን ወገናውን መዳይ ተወጊዱ፣ ብሰፊሕ ልቦናን ብናይ ረብሓ ህዝቢ ቅድምናን ኪርኤ ሓደራ ንብል።….ምስ ግዳማዊ ሓይሊ ክንዕረቕን ሰላም ክንጭብጥን ዘይፈራሕና፡ ምስ ርእስና፡ ምስ ናትና ከፍርሓና የብሉን” ይብል።
እዚ 30 ገጻት ዝሓዘ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣቡናት ኤርትራ (ማለት ኣቡነ መንግስተኣብን፡ ኣቡነ ቶማስ ዖስማንን፡ ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮን፡ ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስን) ንዝነበረን ንዘሎን ቃንዛ ናይ ኲሎም ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ “ዘይጽወርን ዘይንቡርን” ሃለዋት ዝነበሩን ዘሎዉን ደቂ ሃገርር ብዝርዝር ድሕሪ ምስትንታን፡ ካብዚ ዘሎናዮኸ ብኸመይ ንወጽእ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ዕምቈት ዘሎዎ ትርጉም ናይ ዕርቂ ሰለም፣ ህንጸት ሃገርን መደብ ዕርቅን፣ ፍትሕን ኣገባብ ምሕረትን፣ ትርጉም ሓቅን ሰላምን፣ መሰልን ናጽነትን ኣህዛብ ጠቒሱ ሰፊሕ መግለጺ ይህብ።
ከምቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” (2014)፣ ”ነዛ ሃገር እግዚኣብሄር የፍቅራ ኢዩ” (2001)፣ “ሰላምን ምዕብልናን” (1991) ወዘተ ዝኣመሰለ ዝቐደመ መድረኻዊ መልእኽትታኣቶም፡ እዚ ናይ ሎሚ ምልእኽቶም’ውን ብኹሉ ንሃገሩን ህዝቡን ዘፍቅር ዜጋ ክንበብን ኣቓልቦ ክወሃቦን ዘሎዎ እዋናዊ ጻውዒት ኢዩ። (መርበባት ሓበሬታ ተወከስ።)
ናጽነትን ሉዑላውነትን ሕዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ምስ ተረጋገጸ፣ ኤርትራ ብዓለምለኸ ከምሉዑላዊት ሃገር ምስተፈልጠት፣ድሕሪኡ ዝሰዓበ እቲ ክኽወን ዘነበሮ መእዋጅ መረታዊ ዶብን፣ ኣቋቁማ ሃገረ ኤርትራን፣ ኣቋቁማ መንግስታዊ ቅርጻን፣ ሕዝባውን ግላውን ትካላት፣ በብመዳዩ ማለት ፖሊቲካውን ፣ምጣነሃብታውን ፣ማሕበራውን ንባህርያዊ ክብረታት ዚጋታት ኤርትራ ማዕረን፣ፍትሕን፣ ሰላምን ኣብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተው ኣጀማምራ ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩ መን ዘምጻልካ ናጽነት ኢኻ ትዛረብ ዘሎኻ ፈቲኻ ጸሊእካ ንሕና ኢና ንገዝኣካ ብዝብል ትምክሕታውን ጸብለልታውን ስለዝነበረ፣ እቲ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ዘይምኽባርን፣ ንሕልና ወዲ ሰብ ዘቈጥዕ ባርባራዊ ተግባራትን፣ሕዝቢ ኤርትራ ሓሳባቱ ብነጻ ዘይምግላጽን፣ ናይ እምነትን ሓርነትን ምስኣኑ ብሰንኪ እዚ ኣተሓሳስባ ኢዩ።
ናይ ኤርትራውያን ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ታሪኽ ( The Historical Idea of Eritrean Nationalism) ድሕሪት ተመሊስና ማለት ካብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ሓምሳታት ቀጺሉ ኣብ ናጽነታዊ ቃልሲ፣ ድህሪኡ ድማ ድህሪ ናጽነት ይኹን ክሳብ ሕጂ ዝወረስናዮ እዚ ድሑርን ዘይስልጡንን ኣተሓሳስባ ኢዩ፣ከም ሕዝብን ሃገርን ናይ ሓድሕድ እምነት ስኢና ንሕዝብና ክንመርሕን ክንምራሕን ኣይከኣልናን፣ ግዳያት ውሁዳት ባእታት ኰና ድማ እዚ ዘሎናዮን ዘሕለፍናዮን ግዜ እኹል ምስክር ኢዩ። ካብዚ ባርባራዊ ስርዓት ክንገላገል ናይ ዝሓለፈ ተመክሮታትን ኣተሓሳስባን ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ፣፡
ያኣክል ምልክነት ካብ ንብል እኳ ሓደ 27 ዓመታት ሓሊፉ ዝሰምዓና ድኣ ስኢና፣ ሕጂ እውን ኣይደንጐየን ማዕበል ያኣክል ብወገነይ ብምሉእ ዕግበት እድግፎ። ነዚ ጻዋዒትዚ ናብ ክውንነት ንምልዋጥ ግን ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ኣብ ኣድማሳዊ መሰላትን፣ ክብርታት ሕዝብታት ኤርትራ፣ ብማዕረ ካብ ናይ ትምክሕትን ኣግላልን ኣረኣእያ ነጻ ኩይኑ ምስ ዝውደብ ኢዩ ዕዉት ዝኸውን፡፤
ሎም ቅነ ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ምልዕዓላት ኣብ ወጻኢ በብሃገሩ ዝነኣድ ኢዩ፣ ኣብ ሕዝብና ድማ ተሰማዕነት እናረኸበ ይኸይድ ኣሎ፣ ከምቲ ናይ 2001 ውልዕ ኢሉ ከይጠፍእ ግን ክንህመል የብልናን፡፤እወ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደምክራስያ ብዙሕ ሓጐጽጐጽን መሰናኽላትን ዘመልኦ ኢዩ።
ናህና ቃልሲ እውን ካብዚ ዕንቅፋታት ነጻ ኣይኮነን፣ ሎሚ ቃልስና ኣብ ባይታ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘይኮነስ ብማሕበራዊ መራኸቢ ሰለዝኾነ መን ምስ ኣንጻር መን ይቃለስ ናይሓድሕድ ኣፍልጦ ዘይብሉ ኣብ ዘይተረጋገጸ ሓበረታ እናተመርኰስካ ብበላ በለው ሓድሕድ ምንዕዓቅን ምንእኣስን ስለዝበዝሖ ወኒ ናይ ቃልስኻ ዝቀትል መርዛም ኣዘራረባ ይፍኖ ኣሎ፣ ገለ ባእታት ከም ፈላጣት ፍልጠቶም ድማ ኣብ ሰባት ኣብ ምጽልላም ጥራሕ ተሓጺሩ፣ ትምህርታዊ ዘይኮነ 24 ሰዓት ኣብ facebook ሃተፍ ተፍ ክብሉ ዝውዕሉ ኣለዉ እዚኣቶም ንጻዋዒት ያኣክል ዕንቅፋት ኢያቶም።
መስርሕን ኣወዳድባን "ጻዋዒት ያኣክል" ኣብ ባይታ በብሃገሩ ተጀሚሩ ዘሎ ንኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ኣረዳድኣ ንምብጻሕ ቃልሱ መጀመርያ ነፍሱ ወዲቡ፣ መጀመርያ ንምልካዊ ሰርዓት ካብ ሱሩ መንቊሱ፣ ካልኣይ ድማ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንጽባሕ ኤርትራ ስማዊ ደሞክራስያን ፍትሕን ዘይኮነ ግብራዊ ውዕል ቅዋም ሃገር ብኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ተቀባልነት ዘለዎ መሰል ኩለን ብሔራት ምኽባርን ፍትሕን ሰላምን ጸጥታን ዘውሕስ መንግስታዊ ትካላትን፣ ነጻ ቁጠባውን፣ማሕበራውን፣ ባህላውን፣ ሲቪላውን፣ ፖሊቲካውን መሰላት ዝኽበር ው ዕል ባይታ ክፈጥር ድማ ካልኣይ መደብ ቃልሲ ናይዚ ጻዋዒት ያኣክል ክኽወን ኣለዎ፣ ከምቲ ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓበ ኣፈላላዪ መን ዘምጻልካ ሓርነት ኢኻ ትዘራብ ዘሎኻ እንተ ድኣ ኮይኑ ከይዱ ከይዱ ተሓጺብካ ኣብ ምልክነት ምምላስ ኢዩ ዝኸውን መኽሰቡ፣ ኣብዚ ግዜዚ ገለገለ ባእታት ሓደ ዞቦ ኤርትራ ጥራሕ ኢዮም ዝቃለሱ ዘለዉ ዝብል ናይ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝንዛሕ ንጥቅሚ ኩልና ኣይኮነን፣ሰለዚ በዞም ከምዚ ዝብሉ ክንድሃል የብልናን፣ በብዞባና ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ምልዓል ኣዎንታዊ ኢዩ፣ ምእንቲ ንካልኦት እውን ኣብነታዊ ክኸውን ግን፣መስርሕ ዘተ፣ ዕርቂ፣ ምስ ካልኦት ሃገራውያን ክራኸብን፣ እናኣትኣተወን፣ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ኣብ ምፍጣር ክቃለስ ኣለዎ፡፤ ውሽጣዊ ግርጭታት ብሰላማዊ መገዲ ዝፍትሓሉ ትሕተ ቅርጻ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሕሰበሉ ኣለዎ፡፤ ናይ ቅድም ደም ምፍሳስን፣ ሓድሕድ ውግእን ዝነበረ ጠባይ ናይ ጥርጠራን፣ ዘይምትእምማንን ተሪፉ፣ ኣብዚ ግዜዚ ካብ ተመክሮናን ተመክሮ ካልኦት ሃገራትን ተማሂርና ዘተ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣገዳሲ ኢዩ ትምህርታዊ መጽናዕትታት ኣህጉራዊ ትካል ንደምክራስያውን፣ ምርጫውን ስቶክሆልም ( IDEA) ዝመደበሩ ከምዝምስክሮ፣ ንሕና ንደምክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንቃለስ ካብዚ መጽናዕታትዚ ክንቀስም ይሕግዘና ኢዩ፡፤
ቐንዲ ኣትኩሮና ነዚ ብሓዲሽ ወለዶ ተጀሚሩ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ጻዋዒት ፣ ያኣክል፣ ናብ ሰናይ ምእንቲ ክቅንዕ ብሓሳብ ይኹን ብግብሪ ንሕና እቶም ብዕድመ ዝደፋእና ተመክሮን ምኽርን ብምልጋስ እጃምና ነበርክት፡፤ እወ ልክዕ ኢዩ ሉዕላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣሎ እዚ ድማ ብናይ ሓደ ውልቀ መላኺ ስርዓት ዘይኮነስ ብናህና ምዝሕታልን ኣብ ሓድሕድ ቁርቁስ ስለዝነበርናን ዘሎናን ኢዩ ሰለዚ መጀመርያ ነዚ ጠባይ ናይ ሓድሕድ ተጻቦኦታት ነፍሰ ወከፍና ካብ ሕልናና ነውጽኣዮ፡፤ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዝፍጠር ኣብ ምዝራግን፣ ተጻብኦን፣ ሕግታት መሰላት ሕዝብታት ዝነጽግ ፣ ኣብ ምግህሃር ውግእን ወረ ውግ እን ዝነብር ስርዓት ምዃኑ ኩሉ ዓለም ዝፈልጦ ኢዩ፡ ካብዚ ባህርያት ጸረ ሰላም ድማ ክወጽእ ኣይኽእልን፣ እዚ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ገርና ዝብል እውን ሽፋን ኢዩ እምበር ሓቀኛ ሰላም ኣይኮነን ድሮ እኳ ምልክታት ሓቀኛ ዘይምዃኑ ይርኤ ኣሎ። መራሕቲ ያኣክል ጻዋዒት ብቅልጡፍ ዝምድና ምስ ሕዝቢ ኢትዮጵያን መንግስትን በቲ ሓቀኛ መንገዱ ክኸይድ ክረባርቡ ኣለዎም ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሕዝባዊ ማዕበል ንደምክራስያዊ ለውጢ ብኣዋጅ ክድግፉ ኣለዎም።
ጻዋዒት ያኣክል ኣንጻር ምልክነት እናተቃለሰ ምሕዝነት ምስ ጉረባብቲ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ናይ ምምሃዝ ዓቅሙ ከልዕል ኣለዎ ምኽንያቱ እዚ ዞባውን ኣህጉራውን ምሕዝነት ኣብ ምውዳቅ ምልክነት ዓብይ ተራ ኣለዎ፡፤
መቆምያታት/ መሪሕ- ሓሳባት/ Principles ጻዋዒት ያኣክል እንታይ ክኸውን ኣለዎ። መሪሕ ሓሳባት ናይ ያኣክል
- ሓድሕዳዊ ምትእምማን ምፍጣር 2. ኣብ ናይ ሓባር ጥቅሚ ምትኳር 3. ምትሕልላይ 4. ምኽብባር
እምበኣር በዚ መቆምያታት/ Principles ተማእዚዙ ዝኸይድ ቃልሲ ዓወቱ ናይ ግድን ሰለዝኾነ፣ ጻዋዒት ያኣክል ኣትኮሮኡ ኣብ ጽፋፍን ቀጻልን ስትራተጂ ኣብ ምውጣን ኮይኑ ነዚ ሕዝብና ብጅምላ ዘሳቂ ዘሎ ምልክነት ኣልጊሱ ደሞክራስያዊ ዝኾነ ማሐበረ ሰብ ንምሕናጽ ክረባረብ ኣለዎ፡፤
ውከሳ ጽሕፋት
- IDEA, Democracy Capacity building
- Universal Human Rights
- International Conventions on Economic, Social and Cultural Rights
- International Conventions on Civil and Political Rights
ሰዲህኤ፡ ኣፍሪቃ ንጸገም ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዘየቕለበሉ የዘኻኽር
Saturday, 27 April 2019 10:20 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤብ24 ማዝያ 2019፡ 400 መንእሰያት ዝተሳተፍሉ 2ይ መድረኽ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ። ምስዚ ጉዳይዚ ብዝዛመድ፡ ኣፍሪቃ ብዛዕባቶም ኣብ መላእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ኤርትራውያን ዘይምቕላባ ዘዘኻኽር ኤርትራዊ መልእኽቲ ናብ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ መሃመት ፋቒ ቀሪቡ።
እዚ ን4 መዓልታት ዝቐጸለን በቶም ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኸፍተን ርክብ መንእሰያት ኣፍሪቃ “ሓደ ሚልዮን ኣብ ናይ 2021 ተበግሶ” ብዝብል መሪሕ ጭረሖ፡ ነቲ 4E ((Employment/ስራሕ, Enterpreneurship/ዋንነት, Education/ትምህርቲ and Engagement/ተሳትፎ) ንረብሓ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝብል ሓሳባት ንምትብባዕ ዝዓለመ እዩ።

እቲ ነዚ ብዝምልከት ናብ ኣቶ ሙሳ መሓመት ፋቂ ዝተላእከ ናይ ሰዲህኤ መዘክር፡ ነቲ ተበግሶ ንኢዱ፡ እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ይፍጠር ንዘሎ ማሕበራዊ ብርሰት ቆላሕታ ዘይምሃቡ ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ እቲ መዘክር፡ ኣብዚ እዋንዚ መጽናዕትታት ከም ዘረድኦ ኣስታት 2 ሚሊዮን ኤርትራውያን መብዛሕተኦም ትሕቲ 35 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ወጻኢ ካብ ሃገሮም ፋሕ ኢሎም ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ እዞም መንእሰያት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ክሳብ ዘይተወገደ፡ በቲ 4E ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዝብል ተበግሶ ናይ ምጥቃሞም ዕድል ርግጸኛ ከምዘይኮነ ኣመልኪቱ።
መዘክር ሰዲህኤ ብተወሳኺ፡ ቅድሚ ሕጂ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ወሲኽካ፡ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ከቕልበሉ ክሕበሮ ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኣስዒቡ ድማ እቲ ተበግሶ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ክሳብ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ከይተረፈ ዝኽሰሱ ኣባላት ገዛኢ ጉጅለ፡ ኣብ ቅድሚ ተሓታትነት ከቕርቦም እቲ ግቡእ መስርሕ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ።
እቲ ሕርቃኑ ዝገልጽ መልእኽቲ ሰዲህኤ፡ ኣብዚ መልእኽቱ ሕብረት ኣፍሪቃ ኤርትራውያን ንምሕጋዝ ብተደጋጋሚ ክቐርብ ንዝጸንሐ መጸዋዕታታት ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለዘመን ጸማም እዝኒ ብምሃቡ ዝተሰምዖ ሓዘን ጠቒሱ። ብምቕጻል ከኣ እቲ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ስጉምቲ ብዘይምውሳዱ ዘይጠዓስ ኣካይዳ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣፍሪቃ ናብ ካልእ ሕማቕ፡ ኣቐንዛዊ፡ ሰላም ዘይህብን ጸጥታ ዝዘርግን ኩነታት ክመርሕ ከም ዝኽእል ጠቒሱ።
ናይ ምስሊ መግለጺ ወከልቲ ዋዕላ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን
ንዘመናት ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዓለም ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ቀይሕ ባሕሪ፡ ጂኦስትራተጂካዊ ኣገዳስነቱ፡ ከም ብሓድሽ ኣቓልቦ ሓያላት ሃገራት ዓለምን፡ ኣተኲሮ ሃገራት ናይቲ ዞባን ስሒቡ ከም ዘሎ ዘርእዩ፡ ሓያሎ ምዕባለታትን መናውራታትን ይራኣዩ ኣለዉ።
ትማሊ ሰንበት፡ ብኣሳሳይነት ሱዕዲ ዓረብ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብጽሒት ዘለወን ሃገራት ናይቲ ዞባ፡ ብዛዕባ ጸጥታ ዝዝቲ ኣኼባ ኣካዪደን።
ኣብቲ ዋዕላ፡ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን፡ ማለት፡ ኤርትራ፤ ጂቡቲ፤ ሶማልያ፤ ሱዳን፤ ንግስነት ሱዕዲ ዓረብ፤ የመን፤ ግብጺን ዮርዳኖስን ተሳቲፈን።
ኣብቲ ኣብ ታሕሳስ 2018 ዝተገብረ ተመሳሳሊ ዋዕላ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግን ኤርትራ ርዱእ ብዘይኮነ ምኽንያት ኣይተረኽበትን።
ብወገን ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ንጡፍ ምንቅስቓሳት
ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ተገዳስነት መንግስቲ ኤርትራ እናዓበየ ምምጽኡ ዘርእዩ ንጥፈታት ክካየዱን፡ ዝተፈላለዩ ምስ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝተተሓሓዙ መግለጺታት ክዋሃቡ ጸኒሖም ኣለዉ።
ብ23 መጋቢት መንግስታዊት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዘስፈረቶ "ሰረታዊ መትከላትን ኣተሓሕዛን 'ሰላምን ርግኣትን' ቀይሕ ባሕሪ" ዝብል ሓተታ፡ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጹ ንፓሊሲ መንግስቲ ዘመላኽቱ መግለጺታት'ዩ።
ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይዚ ሓተታ፡ ኣብቲ "ተኣፋፊ ክፋል ቀይሕ ባሕርን ላቔባታቱን ዘለዋ ሃገራት" ሓያልን ካብ ጸግዒ ካልኦት ናጻ ዝኾነ ናይ ምክልኻል ሓይልታት ክምስርታ ዝጽውዕ'ዩ።
"ብፍሉይነት" ድማ ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርህ እቲ ሓተታ። ሰለስተ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ግብጺን ዮርዳኖስን ግን ኣብቲ መግለጺ ኣይተጠቕሳን።
ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ ሱዳን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ዑመር ኣልበሽር ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ኤርትራ ዝነበረ ዝምድናኣ ሻሕኪሩ ብምንባሩ ኣብቲ እማመ ብቐጥታ ኣይተጠቕሰትን።
ግብጺ ድማ፡ እቲ ዘለዋ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ፡ ንሚዛን ናይቲ ዝቐውም ሓይሊ ባሕሪ ይኹን ዝእቶ ኪዳን፡ ከዘንብሎ ይክእል ይኸውን።
ዋላ'ኳ እዞም መግለጺታት እዚኣቶም ሕጂ ይወሃቡ፡ ኤርትራ ምስቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ምትሕባባር ካብ እትጅምር ቀኒያ'ያ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ንእግረመንገዱ ህላወ ወታሃደራዊ መዓስከር ኢማራት ዓረብ ኣብ ኤርትራ ተኣሚኑ'ዩ፡ ዋላኳ እቲ መዓስከር ሓያሎ ዓመታት ኣቑጺሩ እንተኾነ።
§ ኤርትራ፡ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪን-ድልየታት ኢትዮጵያን
§ ኣዱሊስ፡ "ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ ናይ መጀመርታ ኣርኪኦሎጂካዊ ፓርክ" ክትከውን ትዳሎ

Image copyright AAK ናይ ምስሊ መግለጺ ኣሕመድ ኣልቀይሲ፡ ተንታኒ ቅልውላዉ የመን
ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ፡ ኣሕመድ ኣለቀይሲ ከም ዝብሎ፡ ኤርትራ ኣካል ናይቲ ኪዳን ክሳብ ዝኾነት ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክትገብር ዘገርም ከም ዘይኮነ ብምሕባር፡ መደበር ታዕሊም ናይ ሓይልታት ናይቲ ኪዳን ምህላው ከም ዝፈልጥ፡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ጸጥታዊ ስግኣታት ቀይሕ ባሕሪ ኣዮኖት'ዮም?
ቀይሕ ባሕሪ ዳርጋ ልዕሊ 40 ሚእታዊት ናይ ዓለምና ንግዲ ማሪታይም ዝሓልፈሉ ስትራተጂካዊ መስመር'ዩ። ኣደጋስነቱ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ እኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ምዂዓት ስዊዝ ካናል፡ መራኽብ ኣውሮጳ ነቲ ብጸንፊ ጽቡቕ ተስፋ (ደቡባዊ ጫፍ ኣፍሪቃ) ተጠውየን ዝኸድኦ ዝነበራ ጉዕዞ ኣዝዩ ስለዘሕጸሮ፡ ኣገዳስነቱ ዝያዳ ዓብዩ'ዩ።
ብቐረባ ግን ኣብ ጎዶቦ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ዓረብ ናብ ምዕራብ ዝሰድኦ ነዳዲ ብኡ ስለዝሓልፍ ንኣገዳስነቱን ተነቃፍነቱ ዝያዳ የዕዝዞ።
ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ እቲ መስመርን ደቡባዊ ኣፍደጊኡን ውሕስነት ክረክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ ማለት'ዩ።
ወጥሪ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ
ኣብቲ ኣብ ሱዕዲ ዝተገብረ ዋዕላ ዝቐረበ መርገጺ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝገለጾ፡ ቀይሕ ባሕሪ "ዞባዊን ዓለማዊን ምትእትታዋት ኰነ ዕንደራታት ዝተፈጥረ ኣራግጽን ሕልኽላኻቱን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኩነት'ዩ ፈጢሩ ዘሎ"።
ይኹን 'ምበር ይብሉ ተንተንቲ፡ ኤርትራ ንባዕላ፡ በቲ ክትወስዶም ዝጸንሐተ ተቐያያሪ መርገጺታትን ዝምድናታትን ኣካል ናይቲ "ኣራግጽ" ኮይና ትርከብ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ሃያማኖታዊ ሰረት ዘለዎ ኾይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ መንጎ ተኸታሊት ሱኒ (ዋሃቢ) ዝኾነት ንግስነት ሱዕዲ ዓረብን ሺዓ ኢራንን ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ዘንቀሎ ህልኽ'ዩ።
ዶ/ር ኣዳነ ገብረመስቀል፡ ምሁር ፓለቲካዊ ስነፍልጠት ኮይኑ፡ መሰረት ናይቲ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብን መናውራታትን ካብዚ'ዩ ዝብገስ በሃላይ'ዩ።
"ክልተ ዓንኬላት ዞባዊ ሓይልታት ኣለዉ፡ እቲ ቀዳማይ ዓንኬል ብቱርኪ፤ ኢራን፡ ቐጠር፡ ከምኡ'ውን ሱዳን ዘለውዎ ኮይኑ፡ እዚኦም ብኣሕዋት ሙስሊሚን ዝኽተልዎ ፍልስፍና ዝተጸልወ ኣካይዳ ኣለዎም ተባሂሎም ዝግምገሙ'ዮም።
"ኣብቲ መሳልል ናይቲ ሕሉፍነት ወይ ኣኽራርነት እንተ ሪኢናዮ፡ ኣልቃዒዳን ዳዒሽን ኣብቲ ጫፍ ኣለዉ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል"።
እቲ ካልኣይ ዓንኬል ድማ "ብሱዕድን ኢማራትን ዝተማእከለ ኮይኑ፡ ምናልባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም መሻርኽቲ ኣብኡ ኣለዋ" ይብል ዶ/ር ኣዳነ።
ገለ ተንተንቲ ከም ዝብልዎ ድማ፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ኣብ መወዳእታ እዋን፡ ናብ ሱዕዲ ገጹ ክዛዙ ጀሚሩ ነይሩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዝግበኦ፡ ሱዳን ኣባል ናይቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን ምዃና እቲ ጉዳይ ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ንምርዳእ ይካኣል።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኩዌት፡ ግብጺ፡ ባሕሬን ዝበላ ሃገራት ንመስመር ሱዕዲ ዝኽተላ ክኾና እንከለዋ፡ በቲ ሓደ ጫፍ ድማ ሶርያ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ጉጅለ ሕዝቡላህ ምስ ኢራን ዝወገኑ'ዮም።
ርእሳ ኪኢላ ኣብቲ ዞባ ሓያል ጽልዋ ክህልዋ ትኒዕ ትብል ዘላ ቱርኪ ብወገና፡ ነተን ካብ መስመራት ኢራንን ሱደዕን ወጻኢ ዘለዋ ወይ ድማ ድኹም ምትእስሳር ዘለወን ዝበለተን ሃገራት ናብኣ ንምቐራብ ፈተነታት ከተካዪድ ትረአ'ያ።
እታ ብብዝሒ ህዝብን ጆግራፊን ንእሽቶይ ዝኾነት፡ ብገንዘብ ዝተሰርነቐት ቐጠር ድማ፡ እቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ ዓንኬል ምስ ኣወገናን፡ እገዳታት ምስ ገበረላን ምስ ቱርኪ ክትጽጋዕ ተገዲዳ'ያ። ቐጠር፡ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ምስ ኢራን'ውን ዝሓሸ ርክብ ዘለዋ ተባሂላ'ያ ብጎረባብታ ትሕመ።
ቱርኪ ንቐጠርን፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝርከባ ከም ሱዳን ሶማልን ዝበላ ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ብምምስራት፡ እግሪ ክትተክል እትገብሮ ዘላ ሃቐነ ንሱዕድን ደገፍታን ቅሳነት ኣይሃበንን።
ኤርትራ ንቱርኺ፡ ቐጠርን ሱዳንን ዝጥቅን ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ምውጽኣ ነዚ ናይ ቱርኪ ኣብቲ ከባቢ ምቕልቃል ዝቃወም'ዩ ክበሃል ይከኣል'ዩ።
ኣብቲ መግለጺ፡ መንግስቲ ቱርኪ ንኣቦ መንበር "ኣስላማዊ ምንቅስቓስ ኤርትራ" ኢሉ ዝጠቐሶ መራሒ ቤት ምኽሪ ዑለማእ ኣስላም ኤርትራ ዝተባህለ ጉጅለ ቤት ጽሕፈት ከም ዝኸፈተት ብምንቃፍ፡ እቲ "ውዲት...ምወላን ኣገልጋልነትን ቐጠርን" ብሓደ ወገን፡ "ኣሳሳይነት" ናይቲ ብዑመር ኣልበሽር ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ሱዳን ድማ በቲ ካልእ ከም ዘለዎ ይውንጅል።
ሰለስቲአን ሃገራትን፡ እቲ ዝተጠቕሰ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ሊቃውንቲ ኣስላም ኤርትራ ነቲ ክሲ ነጺጎሞ'ዮም።
ግጭት የመን
ግጭት የመን ድማ እዞም መስመራትን ቃልኪዳናትን ዝቃለስሉ ግልል ዝበለ ቦታ ኮይንዎም'ዩ። እቲ ንግጭት የመን ከም ዝጋደድ ዝገበረ፡ ምትእትታው ናይቲ ብሱዕዲ ዝምራሕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተጸንበረቶ ወታሃደራዊ ኪዳን'ዩ።
እቶም ምስ ኢራን ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝኽሰሱ፡ ጉጅለ ሑቲ ነቲ ኣብ 2011 ብ"ቀውዒ ዓረብ" ዝተወለዐ ናብ ጎነጽ ዘምረሐ ፓለቲካዊ ቅልውላው ብምምዝማዝ ወይ'ውን ብምብጋስ'ዮም ንርእሰከተማ ሰንዓ ዘጠቓለለ ሰፊሕ ከባቢታት ክቆጻጸሩ ኪኢሎም።
እቲ ነታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝመርሓ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣን ምስ ወረደ፡ ምክትሉ ዝነበረ ዓብዱሮቦ መንሱር ሓዲ'ዩ ተኪእዎ። ይኹን 'ምበር፡ ፕረዚደንት ሓዲ፡ ክቆጻጸሮም ዘይክእል ብድሆታት'ዮም ገጢሞሞ።
ከም በዓል ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፡ ዘይምእዙዝ ሰራዊት፡ ብልሽውና፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ሕጽረት መሰረታውያን ሃለኽቲ ዝበሉ ጸገማት ክፈትሖም ብዘይ ምኽኣሉ፡ ናዕቢ ተላዒሉ፡ ኣብ መጀመርታ 2015 ሑቲ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሮም።

Image copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ብሱዕዲ ዝምራሕ ወታሃደራዊ ኪዳን፡ ኣብ መጋቢት 2015 ኣብ የመን ምትእትታው ጀሚሩ
ጉጅለ ሑቲ ዘዪዲ ዝተባህለ ምስ ሺዓ ዝቀራረብ እምነት ምስልምና ዝኽተሉ'ዮም።
ይኹን 'ምበር፡ ሱዕዲ እቲ ጉጅለ ብኢራን ዝድገፍ'ዩ ኢላ ስለ እትኣምን፡ ኣብ 2015 ቀጥታዊ ወታሃደራዊ ምትእትታዉ ብምግባር፡ ንሰራዊት ናይቲ ካብ ሰንዓ ዝተባረረ ሰራዊት መንግስቲ ብምድጋፍ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ከተካዪድ ጸኒሓ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ ወታሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዘሎ ብወግዒ ክእመን ከሎ፡ ነቲ ምሩዃት ኲናት የመን ኣብ ኤርትራ ይእሰሩ ኣለዉ ዝብል ክሲ ግን ነጺግዎ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ሑቲ፡ ኤርትራ ንኣሸበርቲ ጉጅለታት ዳዒሽን ኣልቃዒዳን ከም እትድግፍ ዝገለጾ ክሲ ዝነጽግ መግለጺ ብሚኒስትሪ ዜና ወጺኡ።
ኣቶ ኣሕመድ ኣለቀይሲ ብወገኑ፡ እንተወሓደ፡ ምስቲ ናይ ሱዕዲን ኢማራትን ዘለዋ ጥቡቕ ዝምድና ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንከምዚኦም ዝበሉ ጉጅለታት ከተአንግድ ኣይትኽእልን'ያ ይብል።

I
mage copyright AFP ናይ ምስሊ መግለጺ ጉጅለ ሑቲ ንርእሰከተማ ሰንዓ ኣብ ጥሪ 2015 ተቖጻጺሮማ
"ብዘይብኡ'ውን እቲ ስርዓት ኣብ ከምኡ [ምድጋፍ ኣሸበርቲ ጉጅለታት] ዝኣቱ ኣይመስለኒን" ኢሉ።
እንተኾነ ግን ይብል ንሱ፡ እቶም ኣብ ጎኒ መንግስቲ የመን ዝተኣኻኸቡ "ዳርጋ 90% ካብቶም ናይ መንግስቲ ሰራዊት እክብካብ'ዩ"።
"ኣብቲ ገማግም ባሕሪ፡ ኣብ ሑደይዳ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝሳተፍ ዘሎ ሓይሊ፡ ሓደ ሰራዊት ኣይኮነን። ሰለስተ ሰራዊት ኣለዉ" ብምባል ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ የመን ከም ዘለዉ ይዛረብ።
ስለዚ ድማ፡ እቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንኸምዚኦም ዝበሉ ጂሃዳውያን ጉጅለታት ሱር ክሰዱ ዝገብር ምዃኑ፡ ንናይ ዓለም ሓይልታት ኮነ ናይቲ ዞባ ሓደገኛ ናይ ጸጥታ ስግኣት ዝፈጥር'ዩ
ቅርሰና (ፓይረሲ)

Image copyright Alamy
እቲ ኣብ ማያት ሶማልያ (ህንዳዊ ውቅያኖስ) እናወሰኸ ዝመጸ ተርእዮታት ቅርሰና፡ ኣብ ቀራና መስመራት ንግዲ ምፍጻሙ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበ'ዩ ነይሩ ክበሃል ይክኣል። ክምኡ ስለዝኾነ ድማ'ዩ፡ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳን፡ ርሑቕ ምብራቕን ሓይሊ ባሕሪታተን ናብቲ ዞባ ብምውፋር ንመራኽብ ንግዲ ከሰንያ ዝተገደዳ።
እቲ ኩነታት ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቀዪሕ ባሕሪ (ወሽመጥ ዓደን) ምግጣሙ ንርእሱ፡ ንቀይሕ ባሕሪ'ውን እቲ ሓደጋ ከንጸላልዎ ዘይተርፍ'ዩ።
ብፍላይ፡ እቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ምፍራስ መንግስትን፡ ወግእ ሓድሕድን ምስቲ ሶማልያ ንሰላሳ ዓመታት ዝሓለፈቶ ኩነታት ተመሳሳልነት ስለዘለዎ፡ ቅርሰና ንዘካይዱ ጉጅለታት ምቹእ ባይታ ዝፈጥር'ዩ።
ስለዚ ድማ'ዩ እቲ ወሽመጥ ዓደን'ውን ውሕስነት ክረክብ ዝሕሰብ ዘሎ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ሶማልያ ግድን ኣካል ናይቲ ዝፍጠር ውህደት ክትከውን ኣለዋ።
ምምስራት ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ
ኢትዮጵያ፡ ሓይሊ ባሕሪ ክትምስርት ምውሳና ኣቓልቦ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝሰሓበ ኮይኑ'ሎ። ብፍላይ ብወገን ኤርትራ፡ እቲ ውሳነ ነቲ ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈኦ ነዊሕ ደማዊ ኲናት ተኣሳሲሩ ምጥርጣር ፈጢሩ'ሎ።
ኢትዮጵያውያን ከም ዝብልዎ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ዞባ ብቑጽሪ ህዝቢ ይኹን ቁጠባ እታ ዝዓበየት ምዃናን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘይምርግጋእ እንተ ተፈጢሩ ቀንዲ እትህሰ ስለዝኾነት፡ ኣብቲ ማያት ህላወን ተሰማዕነትን ክህልዋ ኣለዎ በሃልቲ'ዮም።
§ ስለምንታይ እታ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ትህቅን?

Image copyright FITSUM AREGA/TWITTER
ድሮ ኢትዮጵያ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ብምሻም፡ ትሕተ ቀርጺ ናይቲ ዝቐውም ሓይሊ ኣብ ምጥጣሕ ትርከብ ኣላ። ምስ መንግስቲ ፈረንሳ'ውን ምስ'ዚ ዝተኣሳሰር ስምምዕ ፈሪማ ከም ዘላ ይንገር።
እቲ ገና ፡ ምስጢር ኮይኑ ዘሎ ግን፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣበይ'ዩ ክኸውን ዝብል'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ፕረዚደንት ጂቡቲ እቲ መደበር ኣብ ባጽዕ ከም ዝኸውን ዝሃቦ ርእይቶ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቂ ኣይኮነን ክብል ነጺግዎ'ዩ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ "ዝተወሃሃደ እዝን ቁጽጽርን" ዘለዎ ሓይሊ ባሕሪ ተሳታፍነት ዝህልዋ እንተ ኾይኑ፡ ጸኒሕካ ዝረአ ክከውን'ዩ።
ህላወ ዓበይቲ ሓይልታት
ከም በዓል ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ዝበላ ሃገራት፡ ንስትራተጂካዊ ረብሓታተን ክብላ'ውን ኣብቲ ዞባ ጉሉሕ ወታሃደራዊ ህላወ ኣለወን።
ኣመሪካ፡ ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ካብ ግዜ ዝሑል ኲናት ጀሚራ ገዚፍ ወታሃደራዊ ህላወ ኣለዋ፡ ቀንዲ ሰፈር ማእከላይ እዚ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብኡ ምዃኑ'ውን መርኣያ ናይ እዚ'ዩ። እቲ ኣብ ሶማልያ ቀጻሊ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ዘካይድ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊታ'ውን ኣካል ናይዚ'ዩ።
ጂቡቲ፡ ብዘይካ'ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዘሎ ወታሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ፡ ናይ ቻይናን ጃፓንን ሰራዊት'ውን ኣአንጊዳ ትርከብ።
ህላወ ናይዞም ዓበይቲ ሓይልታት እዚኣቶም፡ ኣብቲ ዞባ ምክፍፋላት፡ ምጥርጣራትን ዘይምትእምማንን ምፍጣሮም ኣይተረፎምን።
Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-47883323
ሕዝቢ ኤርትራ ኣርዑት ስለ-ዝኸበዶ መራሕቲ-ሃይማኖት ደሃዩ ክገብሩ ይጽውዕ ኣሎ
Thursday, 25 April 2019 20:38 Written by ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮንእቶም ሰብ ታሪኽ ዝኾኑ ዓደቦና “-ኣውያት ግበር’ሞ፥ ሰብ ክእከብ ረዳኢ ከኣ ክርከብ-” ዝብል ምስላ ጸኒሑዎም’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፥ ዝኾነ ጸገም ክፍታሕ ዝኽእል፥ ሰብ ምስ ዝእከብን ምኽሪ ምስ ዝርከብን’ዩ ንምባል እዩ። ብርግጽ ድማ ንሕና ብታሪኽና ምስ ባይቶ-ዓደቦ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ከመይሲ ንኹሉ ጸገማት ክፈትሕ፥ ሕቶ ኅብረተ-ሰብ’ውን ክምልስ ዝጸንሐ፥ ባይቶ ዓደቦ ምዃኑ’ዩ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝዛረብ።
ስለዚ’ውን ኣብ ኅብረተ-ሰብና፥ ባይቶ-ዓደቦ ዝለዓለ ተራ’ዩ ጸኒሑዎ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ግና፥ ታሪኽ ባይቶ ዓደቦ ነበረያ ነበረ ከም-ዝበሃል፥ ኣሰሩ ደሊኻ’ውን ክርከብ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘሎና። ብዝተረፈ ናይ ዕድል ነገር ግዲ ኮይኑ፥ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ባዕዳውያን ገዛእቲ መጺኦምን ከይዶምን ‘ዮም። ንክብሪ ባይቶ ዓደቦ ዝገሃሰ ገዛኢ ነይሩ ዝበሃል ታሪኽ ግና ኣይጸንሓናን። ካልእሲ ይትረፍ እቲ ኣብ 40-ታት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ-መሥርሕ ሃገርና እንተረአና።
ሕዝብና ኣብቲ መጻኢ ዕድሉ ንክውስን፥ ክልተ ግዜ ቀሪቡሉ ዝነበረ ሕቶ። ኣብቲ ክልቲኡ እዋናት፥ እቶም ብመንገዲ ኅቡራት-መንግሥታት ኣቢሎም መጺኦሞ ዝነበሩ ሓተትቲ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ባይቶ ዓደቦኡ መጺኦም ደኣ’ዮም ዝሓተቱዎ እምበር፥ ናብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ጸዊዖም ወሲዶሞ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ኣብ 1991 ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ ግና። ንባይቶ ዓደቦ ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ ከኣ፥ ሕዝብና ኣፉ ስለ-ዝተለጉመ። ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡዎ፥ እንሆ ከም መሸላ እናሓረረ ክስሕቕ፥ ተገዲዱ ይርከብ ኣሎ።
ብዝተረፈ ከየብዛሕካን ከየውሓድካን ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ሃገርና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ትርከብ ምህላዋ፥ ብዙሓት ብዛዕባኣ ጽሒፎምን ተዛሪቦምን እዮም። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ’ዮም፥ ነቲ ሕጂ ዘሎዋ መንነት ንምግላጽ “-ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን-ኮርያ-” ዝብል ቅጽል ክህቡዋ ዝስምዑ ዘለዉ። እዚ ዝተዋህባ ቅጽል’ዚ ከኣ፥ ልክዕ ዝሰማምዓን ብዕቅና ከም-ዝተሰፍየን ክዳን ስለ-ዝኾነ። ካብ ንዕኣ ሓሊፉ ንማንም ካልእ ይሰማምዖ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።
ከመይሲ እቲ በቲ ሥርዓት ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት። ሓደን ክልተን ኢልካ ዝርዝሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ ሕዝብና፥ ካብ ማእሰርትን, ቅትለትን, ስደትን, ሞትን ምልቓቕ ስኢኑ፥ ብቐጻሊ እግሩ ናብ ዝመርሖ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ። ቅዋማዊ-መንግሥቲ ካብ ዘይብላ ሃገር ከኣ፥ ሕግን ፍትሕን ሥርዓትን ክርከብ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ግዳስ ንሕና እቶም ሕዝቢ’ዛ ሃገር’ዚኣ እንበሃል። ገሌና እንስሕቕ ገሌና ከኣ እንቝዝም ብምዃንና። ንማኅበረ-ሰብ ዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ምህላውና’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ሕማምና ሓኪም ክፈልጦን ክፍውሶን ዘይክእል ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።
የግዳስ ከም ሓቂ ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ኃቢርና ክንበክን ክንቝዝምን ዝግበኣና ሕዝቢ ደኣምበር፥ ተፋላሊና ክንርከብ ዝግብኣና ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ኩሉ ኣደራዕ ብኃባር ኢና ክንቅበሎ ንርከብ ዘሎና። እቲ ሕዝቢ ኣብ ሓሳብ ሓደ ኮይኑ ንኸይርከብ ግና፥ እተን ፈቖዶኡ ጫጭሐን ዝርከብ ዘለዋ ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈታት። ኣብቲ ሕዝቢ እሾኽ ኣብ ምዝራእ’የን ተዋፊረን ዝርከባ ዘለዋ። ከም ውጽኢት’ዚ ዝተባህለ ኩሉ ድማ፥ እቲ ሓደ ክፋል ሕዝብና ዋይ እናበለ ክቝዝም ከሎ። እቲ ካልእ ክፋል ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጓይላ ኣትዩ ክስዕስዕን ክዕልልን’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ንሳቶም እቶም ዝስዕስዑ፥ ኣብ ዓዲ ዴሞክራሲ እናተቐመጡ ከለዉ፥ ኣብ ልዕሊ ሕሰምን መከራን ሕዝቦም እናላገጹ ክስዕስዑ ምድላዮም እዩ።
እቲ ኣብ ውሽጢ-ዓዲ ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና ግና። ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ኣውያቱን መረረኡን ከስምዕ ዘኽእሎ ባይታ ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ሥርዓት ንሕቶ ሕዝቢ ክምልስ፥ ወይ ንዝቐርበሉ ወቐሳ ክጻወር ዘኽእሎ ትዕግስቲ፥ ትማሊ ኣይነበሮን ሎሚ’ውን ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ-ዝኾነ’ውን ዝኾነ ዝለዓል ሕቶ፥ ነቲ ሥርዓት ከም-ምቅዋም ወይ ከም ጸላኢ ስለ-ዝውሰድ። ዝኾነ ነገር ክብል ዕድል ኣለዎ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ ሕዝቢ-ኤርትራ ከም ኣድገ በቕሊ፥ ብልጓም-ፖለቲካ እናተገርሐ፥ ዝበሉዎን ዝኣዘዙዎን ኮይኑ ምንባር እንተ-ዘይኮይኑ። ሕዝቢ ንክሓትት ዘፍቅድ መሰል ኣብ ኤርትራ፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን።
እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንዓና ከም ሕዝቢ፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ክህበና ዝኽእል ኣይኮነን። ሓደ ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል፥ ጥርናፈ ስለ-ዝተሳእነ ግና። ገሌና ከነጣቕዕ ገሌና ድማ ክንነብዕ ንርከብ ኣሎና። ግዳስ ከምቲ “-ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ-ይሰትያ-” ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ። ናይቲ ሰብኣዊ-ክብርና ገፊፉ፥ ደም ከንብዓና ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት፥ ኣጣቓዕቲ ኮንና ንርከበሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይምተገብአን። ከምዚ ምስ-ተረኽበ ከኣ’ዮም ዓደቦና “-ናይ ሞት ይጽናሕ፥ ናይ ሕልፈት ይበኸ-” ኢሎም ዝምስሉ።
ርግጽ’ዩ ኣከያይዳና ኣይጸበቐን ብምባል፥ ልዕልና ሕጊ ዝተኸተለ ሥርዓት ንኽህሉ፥ በብግዚኡ ክግበሩ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ነይሮም ‘ዮም። ግዳስ እቲ ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ንኹሎም ውሒጡ ከም-ዘጥፍኦም፥ ካብቲ እቶም ክልተ ጀጋኑን ተባዓትን ዝኾኑ ተጋደልቲ፥ ማለት ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተክለ-ጊዮርጊስን፥ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ከመይሲ እቶም ኣብ 1973 ኣብ ሜዳ፥ ጌጋ ንኽእርሙ ኢሎም ተላዒሎም ዝነበሩ ምሁራን። ተደምሲሶም ከም-ዝጠፍኡ ክግበር ዝተኻእለኮ፥ ኣብ ገበን ስለ-ዝተረኽቡ ኣይነበረን። የግዳስ እቲ ንልዕልና-ሕጊ ኣኽብሮት ነይሩዎ ዘይበሃል መሪሕነት። እቲ ምንቅስቓስ ናይቶም ምሁራን፥ ንሥልጣኑ ከም ሓደጋ ወይ ስግኣት ኮይኑ ስለ-ዝረኣዮ። እቶም ሓልዮት ሕዝብን ሃገርን ዝነበሮም ምሁራን፥ ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ክጠፍኡ ከለዉ፥ እቶም ተጋደልቲ’ውን እንተኾኑ፥ ይርእዩን ይሰምዑን ነይሮም’ዮም። ዓገብ-! ክብሉ ግና ኣይተረኽቡን።
እቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝነበሩ፥ ናይ ማይ-ሓባር ተጋደልቲ’ውን። መሰልና ይተሓሎ ኢሎም’ዮም ዝሓተቱ እምበር፥ ካብኡ ሓሊፎም ዝበሉዎን ዝገበሩዎን ነገር ኣይነበረን። እቲ ዝረኸቡዎ መልሲ ግና፥ ኣብ ማእከል ጎልጎል ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ከም-ዝጠፍኡ‘ዩ ዝተገብረ። ብወገን ሕዝቢ ኮነ፥ በቶም ብጾቶም ተጋደልቲ ግና፥ ርኢኻ ሱቕ ካብ ምባል ሓሊፉ፥ ዝተገብረ ወይ ዝተላዕለ ተቓውሞ ነይሩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ሕልና’ቶም ተጋደልቲ ኮነ፥ ሕልና’ቲ ሕዝቢ መሬት ከም-ዝዘብጥ ኮይኑ ስለ-ዝተሃስየ። እንኳንዶ እምቢ-! ብምባል ድምፂ ተቓውሞ ከስምዕሲ ይትረፍ፥ ዝኾነ ነገር ክብል’ውን ዓቕሚ ነይሩዎ ዝበሃል ኣይነበረን።
ይተካእ ይለቀብ ድማ፥ ኣብ 1997 ዓ/ም (2005) ናይ ኤርትራ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ፓትርያርክ፥ ማለት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብዘወሃሃዶ ኣድማ፥ ካብ ሥልጣኖም ብፖለቲካዊ-ጐነጽ ከም-ዝወርዱ ክግበር ከሎ። ሽዕኡ’ውን ዓገብ-! ክብል ዝኽእል ሕዝባዊ-ተቓውሞ፥ ተሰሚዑ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ከመይሲ ኣብቲ እዋን’ቲ ገለ ዓድታት ሓማሴን፥ ንናይ ገዛእ ርእሰን ጉዳይ ብዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዐን ተባሂለን “ናዅራ” ከም-ዝሰፍራ ዝተገብራ ዓድታት ስለ-ዝነበራ። በዚ ምኽንያት’ዚ ዝኾነ ነገር ክብል ዝደፈረ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ሕዝቢ፥ ብቐጻሊ እናሞተ ከሎስ፥ ሞት ካብ ምፍርሁ ዝኣክል፥ ከም እንስሳ ኩን ዝበሉዎ እናኾነ ዝነብር ዘሎ።
ብተመሳሳሊ መንገዲ’ውን፥ እቶም ብጂ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ። እቲ ዝኸይድ ዝነበረ ኣከያይዳ’ቲ ሥርዓት። ቅዋማዊ ኣሠራርሓ ዘይተኸተለ፥ ብሓደ ሰብ ተመሪሑን ተጐቲቱን ዝኸይድ ምዃኑ ብምቅዋም። ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንኽትህሉ’ዮም ጻውዒት ዝገበሩ። እዋኑ ዝሓለወን ግዚያዊ ሕቶን ብምንባሩ ድማ፥ እዚ ሕቶ’ዚ ምሉእ ናይ ሕዝቢ ደገፍ ከም-ዝነበሮ ዝፍለጥ’ዩ። ንሱ እቲ ውልቀ-መላኺ ግና፥ ንከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ፥ ክጻወር ዘኽእል ብቕዓት ወይ ትዕግስቲ ስለ-ዘይነበሮ። ነቶም ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን ኮነ፥ ኣዳለውቲ ብሕታውያን-ጋዜጣታት ዝነበሩ ኩሎም ብኣልማማ፥ ኣብ መቝሕ ከእትዎም’ዩ ዝተጓየየ። ዓገብ-!! ክብል ዝኽእል ሕዝቢ ግና ሽዕኡ’ውን ኣይተረኽበን።
ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት ድማ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ። ዘይተፈጸመ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። መወዳእታኡ ድማ ኣብ 2005 ዓ/ም (2113) ኣብ ላምባዱሳ 365-ደቂ-ሕዝቢ፥ ኣብ ባሕሪ ተዋሒጦም ጠፊኦም ዝብል መርድእ ተሰሚዑ። በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ድማ፥ ዓለም ብዓለሙ’ዩ ከንቀጥቅጥ ዝተራእየ። እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ሥርዓት ግና “..ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን’ዮም..” ብምባል’ዩ ናይ ኣሽካዕላል መግለጺ ክህብ ዝተሰምዐ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ ክሳብ ክንደይ ንዕቀት ከም-ዘለዎ ዘርኢ’ዩ ነይሩ።
ብርግጽ ድማ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን። ካብዚ ዘሎናዮ ጸበባን መከራን ንኽንገላገል ተባሂሉ፥ ኣብቲ ዝሓለፈ ኩሉ-ዓመታት፥ ክግበር ዝጸንሐ ምትእኽኻባት ውሑድ ኣይነበረን። ሃገራዊ-ባይቶ ቈይሙ ዝተባህለሉ እዋናት’ውን ነይሩ’ዩ። ንጸገም ሕዝብና መሠረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ሓሳብ ግና፥ ዛጊት ተረኺቡ ክበሃል ኣይተሰምዐን ዘሎ። ስለዚ’ውን እቲ ንሕዝቢ ዘይውክል ዲክታተርያዊ-ሥርዓት። ሕጂ’ውን ኣብ ዝባን ሕዝቢ ኮይኑ፥ ምሽክዕላሉ ክቕጽል’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ንሕና ከም ንሕና መጠን ግና፥ እቲ ከም ሓደ ሕዝቢ ደው ከብለና ዝኽእል ዝነበረ ጥርናፈ፥ ዓቂብናዮ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። እቲ ዝዓበየ ጸገምና ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ከኣ እዚ’ዩ።
እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ብኣጋጣሚ ዝኾነ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንታይ ደኣ እቲ ኣብ 1991 ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ’ዩ፥ ሕጂ’ውን ከዕገርግረናን ሰላምና ክዝርግን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ንእስራኤላውያን’ውን፥ ኣብ ግዜ ሮብዓም ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙዎም ነይሩ’ዩ። ንዕሽነትን ንዕቀትን ሮብዓም ግና ተጻዊሮሞ ክኸዱ ኣይደለዩን። ብትብዓት መኪቶም’ውን፥ ነቲ ተጻዒኑዎም ዝነበረ ኣርዑት ባርነት፥ “-እምቢ-” ብምባል፥ ሰይሮም ከም-ዝደርበዩዎ’ዩ ብሉይ-ኪዳን ዝነግረና። (1ነገ.12/3-17)
ኩነታት ሰላም-ሃገርና ድማ። እቲ ተስፋ መመሊሱ እናረሓቐ ደኣ’ዩ ክኸይድ ዝርአ ዘሎ እምበር፥ ዛጊት ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንምምሥራት ኣብ ዘኽእል ተስፋ፥ ተበጺሑ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ መሠረት’ዚ ድማ፥ እቲ ጉዳይ ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ። ደቂስና ክንሓድር ዘኽእለና፥ ወይ ሰላምን ቅሳነትን ክህበና ዝኽእል ኮይኑ ኣይረአን ዘሎ። እቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግፍዒ ተጻዊርና ድማ፥ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ ንሕና ክንነብር እንተደኣ ኮንና፥ ዘሎና ምርጫ ሓደ ጥራይ’ዩ። ንሱ ድማ ህልውና’ቲ ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሡሩ ተማሕዩ ከልግስ፥ ኣብ ዝኽእለሉ ኣቢልና ክንጥምት፥ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ይግድደና ምህላዉ ክንዝንግዕ የብልናን።
ስለዚ ኩሎም መራሕቲ-ሃይማኖት። እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዝኾነ ዋኒን ንላዕሊ። ቀዳምነት ሂቦም ክሥርሑሉ ከም-ዝግባእ፥ ንሳቶም’ውን ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ሕዝቢ ይብተን ሃገር ከኣ ትፈርስ ኣላ፥ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ኣብዚ ቀውጢ ዝኾነ ሰዓት’ዚ። ልቦም ወዲቑሎም ክድቅሱ ይኽእሉ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ እቲ መኣዝኑ ስሒቱን፥ ናበይ ከምዘብል’ውን ጠፊኡዎ ዝርአ ዘሎ ሕዝብና። ኣንፈት ዘትሕዞን መንገዲ ዘርእዮን ሓጋዚ ይደሊ ኣሎ።
እዚ ከቢድ ዝኾነ ሓላፍነት’ዚ ከኣ። ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ኣቦታት ንላዕሊ፥ ክበቕዖ ወይ ክምልከቶ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ዘሎ ኣይመስለናን። ንሳቶም ብሓባር ዝጸውዑዎ ጉባኤ ከም-ዝዳሎ ኮይኑ ከኣ። ንኩሉ ማኅበረ-ሰብ ኤርትራ ከሳትፍ ዝኽእል። ብደረጃ-ሃገር ዝጥመት ሓደ ዓቢይ ጉባኤ ክግበር፥ እቲ ሕዝቢ ይሓትት ምህላዉ፥ እቶም ኣቦታት ብዓቢይ ትዅረት ክጥምቱዎ ዝግባእ፥ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ወሳኒ ጉዳይ ስለ-ዝኾነ።
ብዝተረፈ እቲ ግዜ ኣንጻር ረብሓ ሕዝብና፥ ፍጥነት ወሲኹ ክጐዪ’ዩ ዝርአ ዘሎ። እቶም ን27-ዓመት መመላእታ ብዕድል ሕዝብን ሃገርን ክጻወቱ ዝጸንሑ መራሕቲ ፖለቲካ ከኣ። ኣብ ካልእ ዘይምልከተና ጸገም፥ ከእትዉና ደኣ’ዮም ሃነፍነፍ ክብሉ ዝረኣዩ ዘለዉ እምበር። ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ኢዶምን እግሮምን ኣኪቦም ክቕመጡ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ከመይሲ ኣብ ዝኾነ እዋን፥ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት፥ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ንላዕሊ ክባራዕ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፥ እቶም መጀመርታ በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ክልብለቡ ዝኽእሉ። ንሕና ኢና’ምበር፥ ካልእ ሕዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
ከምኡ’ውን እቲ ብመንገዲ ዶክተር-ዓቢይ ክግበር ዝድለ ዘሎ ዕርቂ። ንሕና ከም ሕዝቢ እንደልዮን እንምነዮን እኳ እንተኾነ። እቲ ሓንሳእ ጎንደር ሓንሳእ ድማ፥ ኣዋሳ እናኸድካ ክግበር ዝተራእየ ወዛሕዛሕ-!! ግና፥ ካብ ንፕሮፖጋንዳዊ-ሃልኪ ምዃን ሓሊፉ። ውሕስነት ዘለዎ ዕርቅን ሰላምን ከምጽእ ይኽእል’ዩ፥ ዝበሃል ኮይኑ ስለ-ዘይተራእየ። እዚ ብጭቡጥ ከምዚ’ዩ ነይሩ ኢልካ ክዝረበሉ ዘይክኣል ዑደት’ዚ። ውጽኢታዊ’ዩ ነይሩ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፥ ንኽልቲኡ ሕዝቢ ዘርብሕ ዘተኣማምን ዕርቅን ሰላምን ተረኺቡ’ዩ ዝብል እምነት ኣብቲ ሕዝቢ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።ብዝተረፈ እቲ ናብ ኵናት ንኽእቶ ጠንቂ ዝኾነ ባድመ፥ ኣብ ክሊ ትግራይ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ። እቲ ንትግራይ ዘሊካ ብምኻድ፥ ኣብ ጎንደርን ኣዋሳን ክግበር ዝቐነየ ብልቦና ዘይተጠመተ ፖለቲካ። ኣብ ዝኾነ ክበጽሕ ዘይክእል ፍሹል ምንባሩ፥ ክልቲኡ ሕዝብታት ድሮ ፈሊጡዎ ኣሎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘሎና።
ብዝተረፈ ከምቲ “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-” ተባሂሉ ዝምሰል። እቶም ንሕዝቢ-ኤርትራ ትማሊ፥ ኣብዚ ኩሉ ጸበባን መከራን ከም-ዝሽመም ዝገበሩዎ መራሕቲ-ፖለቲካ። ሕጂ ድማ ንዕኡ ነቲ ደም ከንብዕዎ ዝጸንሑ ሕዝቢ ሓሊፎም፥ ነቲ መድረኽ ቀዲሞም ክቈጻጸሩዎ። ብዝኾነ ተኣምር ቅቡል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ’ዚ እቶም መራሕቲ-ሃይማኖት ኣቦታት፥ ነዚ ሰብ ክጾሮ ዘይክእል መከራን ጸበባን እናተቐበለ፥ ግደ ማእሰርትን ሞትን ስደትን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ። ዝጸንሖ ፍልልያት ኣወጊዱ፥ ኣብ ሓደ ናይ ሰላምን ዕርቅን መኣዲ ክራኸብ’ሞ፥ ነቲ ናይ መጻኢ ዕድሉ ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ። ባዕሉ ዝቈጻጸሮን ዝውንኖን ኮይኑ ምእንቲ ክርከብ። ኣብዚ ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ’ዚ።ሓገዝ መራሕቲ-ሃይማኖቱ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ-ዝኾነ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕርን ምርድዳእን መኣዲ ከራኽቡዎ’ሞ፥ ንመሰሉን መጻኢ-ዕድሉን ባዕሉ ወሳኒ ኮይኑ ክርከብ። እስከ ዘይብሉ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ከካይዱ፥ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም-ዘለዎም ይዝንግዑዎ’ዮም ኣይንብልን።
ብዝተረፈ እቶም ን27-ዓመት መመላእታ፥ ነቲ ሕዝቢ ደም ከንብዑዎ ዝጸንሑ መራሕቲ-ፖለቲካ ሃገርና። ሕጂ ንሕዝብን ንሃገርን ብምውካል፥ ኣብዝን ኣብትን እናተገላበጡ ወዛሕዛሕ ክብሉ ዝፈቕደሎም ሕዝቢ የልቦን። ካብ ሕጂ ንደሓር እግሮምን ኢዶምን ኣኪቦም ደኣ፥ ወሰን ከይዶም ጸግዖም ይሕዙ እምበር። ወከልቲ ሕዝቢ ኮይኖም ኣብ መድረኽ ክቐርቡ፥ ሕጋዊ ኮነ ሞራላዊ ብቕዓት የብሎምን። ከመይሲ ባዕላቶም’ውን “-game over-” ክብሉ ተሰሚዖም እዮም። ብርግጽ ድማ እቲ ብዕድል ሓደ ሕዝቢ፥ ክግበር ዝጸንሐ ጸወታ ኣብዚ ኣብቂዑ ስለ-ዝኾነ። ካልኣይ ግዜ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ይረኽቡ’ዮም ኣይንብልን።
ስለዚ’ውን እቲ ሕጂ ሃገርና፥ በጺሓቶ ትርከብ ዘላ ውድቀት። ግዜ ክህበና ዘይክእል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ ወጻኢ ዝርከቡ ዘለዉ ተጸዋዕቲ ሃይማኖታውያን-ትካላት። እቲ ኣብ መንጎ ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ተጻዊሮም ብምክእኣል። ንድኅነት ሕዝብን ሃገርን’ውን ክብሉ። ሓደ ንኹሉ ከሳትፍ ዝኽእል፥ ዓቢይን ሰፊሕን ጉባኤ ክግበር ኣብ ዝከኣለሉ ኣቢሎም፥ ጠመተ ወይ ጻዕሪ ክገብሩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት ሃገርና፥ ከቢድ ሓላፍነት የሰክሞም ምህላዉ ክዝንግዑዎ የብሎምን በሃልቲ ኢና።
ይኹን እምበር እቶም ኣብ ሥልጣን ዘለዉ መራሕቲ-ፖለቲካ። ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት። ሕዝብና ሃይማኖትን ባህልን ክብርን ታሪኽን መንነትን ዘይብሉ ኮይኑ ንኽተርፍ። ብመደብ ክሠርሑሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ’ዩ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕና ከም ንሕና መጠን። ሓደ-ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል ጥርናፈ ስኢንና፥ ኣብ ሓደ መወዳእታ ክርከቦ ዘይክእል፥ ኮለል ኣቲና ንርከብ ዘሎና
ስለ’ዚ ነዚ ናይ ቅርሕንቲ ሕማም’ዚ ፈዊሶም። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ከራኽቡዎ ዝኽእሉ፥ ንሳቶም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ጥራይ ስለ-ዝኾኑ። ኣውያት እቲ ሕዝብን እታ ሃገርን፥ ኣብ እዝኖም ክበጽሕ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ። ብዝተረፈ ነቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ኣብ ግምት ኣእቲና ክንዛረብ እንተደኣ ኮንና። ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ኣሎና ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ ናይቲ ጸድፊ፥ ኣብቲ ገምገም ንርከብ ምህላውና። እዚ ጥቓ ሞትን ጥፍኣትን ዘሎ ሓደጋ’ዚ፥ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት፥ ተኸዊሉዎም ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል።ደሃይ ሃቡ-!! ይበሃሉ ኣለዉ’ሞ፥ ሃገር ብሃገሩ ድምፆም ክሰምዕ ይጽበ’ዩ ዘሎ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ
ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም
ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተቐየረ ካብ ዘመልከቱ ስጉምትታት ሓደ፡ ምኽፋት ዶባዊ ኣፍደገታት ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ቅድም ኣፍደገ ሰርሓን ዛላንበሳን ኣብ ዕለተ ቅዱስ ዮሃነስ ተኸፊቱ። ኣብዚ ዕለት ኣፍደገ ቡሬ እውን ተኸፊቱ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣፍደገታት ክሳድ ዒቃን ራማን ከምኡ’ውን እሞሓጀርን ሑመራን ተኸፊቶም። ድሕሪ ምኽፋት ናይዞም ዶባት ተኸቲሉ ዝተራእየ ምዕባለታት ከኣ መልእኽቱ ንጉጅለ ኢሳይያስ ዘሰንብድ ነይሩ።
ዶብ ሰርሓን ዘለንበሳን ክኽፈት እንከሎ፡ ኢሳይያስ ነቲ ናይ ህዝቢ ርክብ እናቆንጠረ ከካይዶ እዩ ነይሩ መደቡ። ንኣብነት ኣብቲ ዕለቲ ናብቲ ተጋሩ ኣዳልየምዎ ዝነበሩ ናይ ዛላንበሳ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፡ ክሳተፉ መደብ ተታሒዝሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራዊት ወሲኽካ 1,500 ሰባት ጥራይ ነይሮም። እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ግና ህዝቢ ሓደ ምክትል ወረዳ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ምክትል ወረዳታት’ዩ ካብ ህግዲፍ ፈቓድ ከይተጸበየ በብዝጠዓሞ ኣገባብ ደፊኡ ኣትዩ። ካብቲ ብጸቢብ ስነስርዓት ብምቁጽጻር ክንድዚ ይከኣል ተባሂሉ ዝተገመት ሰራዊት እውን ዕጥቁ ፈቲሑ ከምቲ ሲቪል ህዝቢ ዝያዳ ኣሃዝዩ ደፊኡ ኣትዩ። ካብዞም ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ሽዑ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዳግማይ ናብ ኤርትራ ዘይተመልሱ ብዙሓት እዮም። በዚ ዘይተጸበዮ ማዕበል ዝሰንበደ ኢሳይያስ ካብቲ ዶብ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ብኸመይ ከም ዝሃደመ ሽዑ ብናይ ቀጥታ ፈነወ ተለኢቪዥን ብዙሓት ዝተዓዘብዎ እዩ።
እቲ ድሕሪ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝተራእየ ዋሕዚ፡ ተራ ሃገር ገዲፍካ ምውጻእ ዘይኮነ ናብቲ ዲክታቶር ናይ “ንስኻ ኣይናትና ንሕናውን ኣይናትካን” መልእኽቲ ኣመሓላለፈ ነይሩ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞ ገበን ስለ ዝፈልጥ፡ ህዝቢ ነቲ ኣጋጣሚ ከም ዝጥቀመሉ ዝተጸበዮ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ብዝሕን ኣገባብን ግና ካብ ግምቱ ወጻኢ እዩ ነይሩ። ሳላዚ ዘይግሉጽን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይተሓስበሉን ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ትግራይን፡ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ስድራቤታት ምርኻቡ ብኣውንታ ዝርአ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕያሎ ዓመታት ብስእነትን ልዑል ክብርን መሰረታዊ ቀረባት ክሳቐ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስቲ ምኽፋት ዶባት፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ቀረብ ብርትዓዊ ዋጋ ክረክብ ምኽኣሉ እውን ካልእ ናይዚ ብስምዒትን ብዘይንጹር ቀጻልነትን ዝተኸፍተ ዶባት ዝተረኽበ መኽሰብ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ “ስለምንታይ ሎሚ፡ ብመን፡ በየናይ ስምምዓት፡ ክሳብ መዓስከ?” ዝብሉ ሕቶታት ዘይመለሰ ሽፉን ስለ ዝነበረ ህዝቢ ብዓይኒ ስኽፍታ እዩ ርእይዎ። እነሆ ከኣ እቲ ስኽፍታ ስኽፍታ ጥራይ ኮይኑ ኣይተረፈን ስግኣት ኣስዒቡ።
ከምቲ ህዝቢ ዝገመቶ ብናይ ህዝብታት ርክብን ናይ ቀረብ ሕቶኦም መፍትሒ ምርካቡን “ዓይኑ ደም ዝመለአ” ኢሳይያስ ቅድም ኣፍደገ ሰርሓ-ዛላንበሳ ዓጽይዎ። ስለምንታይ ከም ዝተዓጽወ መብርሂ ዝህባ ኣካል ኣይነበረን። ድሕሪኡ በብግዜኡ እቲ ናይ ምዕጻው ለበዳ ቀጺሉ ኣርባዕቲኡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ኣፍደገታት ተረጊጡ። ብዛዕባዚ ጉዳያት ብወገን ኤርትራ መብርሂ ኣይተዋህበን። እዚ መብርሂ ዘይምሃብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣረገሉ ስለ ዝኾነ እምብዛ ኣይሕደሶን። ምናልባት ብወገን ኤርትራ “ብኸምዚ ምኽንያት ኢና ከፊትናዮ ወይ ዓጺናዮ” ዝብል መብርሂ እንተዝወሃብ ግና፡ ኣዝዩ ውዑይ መዛረቢ መኾነ። ምኽንያቱ ንኤርትራውያን እቲ ሓድሽ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ምጽቃጥ ዘይኮነ፡ ድምጽኻ ምስማዕ ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምቲ “ሕማም ጐረቤት ተላጋቢ” ዝበሃል፡ ግዲ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ተዓዛቢ ዓዲሙ ተጠሊዑ ዝኸፈቶ ኣፍደገታት ክዕጸው እንከሎ፡ ካብቲ ብዛዕባ ዝኾነ ምዕባለ ናይ ምሕባር ባህሉ ወጺኡ፡ ሕማቕ ምስሊ ኢሳይያስ ክሓብእ ግዲ ደልዩ ምጽቃጥ ምምራጹ ዘገርም እዩ።
ጉጅለ ኢሳይያስ ነቲ ብወገን ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶባት ክኸፍት እንከሎ፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ጽቡቕ ድሌት ዝተፈልየ ግና ዝበርዓነ ዕላማ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ እዩ። እዚ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ እንከሎ ትንፋስ ዝሓጽሮን ዘንጸርጽርን፡ ዝተዓዛዘሮ ወዲ 73 ዓመት ገበነኛ ሰብኣይ ብዛዕባ እንዳማቱ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ’ዩ (The game is over)” ምእዋጁ ትጽቢቱ ኣብ ግጉይ ሕሳብ ዝተመስረተ ምንባሩ ዘመልክት እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ነቲ ዝተኸፍተ ኣፍደገታት ጥዕና ዝኸለኦን መሊሱ ንክዕጾ ዘገደዶን ነይሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ዓቢሩ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ኢትዮጵያ ሴፍ ክመዝዝ ዝደናደን ኤርትራዊ መራሒ እየ በሃሊ፡ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ጽቡቕ ክኾነሉ ምጽባዩ ቅኑዕ ነይሩ ምባል ኣይከኣል። ብመንጽር ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ፡ ኢሳይያስ ምስ ጐረባብቲ ዝምድና ክፈጥር እንከሎ ኢድ ኣእታውነት መለለይኡ ምዃኑ ላዕለዎት ሓላፍቲ ኢትዮጵያ ከሎ ጌና ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሓደ LTV ዝበሃል ናይ ኢትዮጵያ ዘይመንግስታዊ መደበር ተለቪዥን፡ ነባር ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር መራሕን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ንዲክታቶር ኢሳይያስ ዝፈልጥዎን ኣቶ ለንጮ ለታ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ኣሎ ይበሃል’ሞ ከመይ ትርእይዎ?” ተባሂሎም ምስተሓቱ ፡ ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሕቶዚ ሎሚ ኣይምልሶን እየ” ብዝብል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ረዚን ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢድ ምእታው ከኣ፡ ሓደ ካብ መለለዪ ናይ ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶም ጉዳይ ዝፈሸለ ኣካል እዩ።
ይኣክል ምፍልላይ ደለይቲ ፍትሒ! ይኣክል ኣምልኾ ንጠላሚ!
Friday, 19 April 2019 22:13 Written by ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ካስል/ከባብን ካስል/ጀርመንክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ትርከብ ዘለኻ፡ኣቐዲምና ካብ ደቅኻ፡ ብስም እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ካብ ከተማ ካስል/ጀርመን ሰላምታና ይብጻሓካ። ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ፡ካብ ነዊሕ መዋእላት ኣትሒዝካ ከይቀሰንካ ትካለበት ዘለኻ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ።ኩላትና ደቕኻ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና፡ብኣኻን ብሃገርናን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ከምዘይቐሰና ኣጥቢቕና ክንሕብረካ ንፈቱ። ብመሰረቱ ጠንቂ ናይ’ዚ ኣብ ልዕለኻን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ዘይንስሕቶ’ኳ ይኹን’በር።ድኽመታትናን ፍልልያትናን ወጊድና፡ብሓድነት ዘይምግጣምና ድኽመታትና ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ኮይኑ ግን እቲ መጀመርታ ዘለዎ፡ መወዳእታ ኣለዎ እሞ፡እዚ ሕሱም ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን፡ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ተኾስኵሱን ተመልሚሉን ንኤርትራዊ ዘርኢ ንምድምሳስ፡ገረብ ብሓኽላ ዕላማ ሒዙ ዝወፈረ ስለዝኾነ እንሆ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብሪሱዎ ይርከብ ኣሎ።* እዚ ሕሱም ጨካን ጸላኢና ኣብ ውሽጥና ኣትዩ፡ኣብ ነንሕድሕድና ከምዘይንተኣማመን ገይሩ ንመዋእላት ከሳቕየናን ከጽንተናን ጸኒሑን ኣሎን።ብፍላይ ገለ ካባና ነዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ንልዕሊ ኣርበዓ ዓመት ዝኣክል ጸላኢናን ሓደገኛን ምዃኑ ዘይሓበርና ኣይኮናን፡እንተኾነ ግዳ፡ትሰምዓና እዝኒ ኣይረኸብናን። እወ!እዚ ሽፍታ’ዚ ንኣሕዋትና ምሁራትን ኣስተውዓትን ተጋደልቲ ክቃለሱ ንሜዳ ኤርትራ ዝወረዱን፡ዓበይቲ ዓድን፡ኣሽሓት ገባርን ደቂ ገባርን ዝቐዘፎም ማእለያ የብሎምን።ብድሕሪ’ታ ነጻነት ተባህላ ትፍለጥ፡ ግን ከኣ ባርነት ዝኾነት፡ንህዝብና ብጋህዲ ቅንጸለን ማእሰርትን ኣብ ዘየድሊ ኵናት ምጥባስን፡ንብረቱ ምዝራፍን፡ክሳብ ሃገሩ ገዲፉ ንሰደት ከም ዘምርሕ ገይሩዎን ረጊጹዎን ኣሎ።ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ ንሉኡላዊ መረት ኤርትራ፡ዓሰብ ንኢሜራት ዓርብ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ መጥይዎ ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብሽፋን ናይ ሰላም ዘብዘብ ዝተጀመረሉ ግዜ፡ውልቀ መላኺ ኤርትራ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ንኣዕጸምቲ ጀጋኑ ስዉኣትና ረጊጹ፡፡ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ዝእምቶ ዝነበረ፡ ብጋህዲ’ዩ ደርጉሒዎ፡ ዶ/ር ኣቢይ "ምርሓና ንስኻ፣ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ኣይከሰርናን፡ዝጠፍኣና ንብረት የብልናን፡ዶብ ምሕንጻጽ ክጸንሕ ዝኽእል ጉዳይ ኢዩ፡ቀዳማይ ዕማም ክውሰድ ዘለዎ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ፡ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ፡ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥን፡ንሰላምና ክብርዛ ዝደልን እዩ፡ክብል ሰሚዒናዮ ኢና። ኤርትራ፡ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዛ ድማ፡ ከም ክልል ኢትዮጵያ ኮይና ትኸደሉ ዘላ ብዙሕ ጩራታት ይረኣዩ ኣለዉ።ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ፡ ውልቀ መላኺ፡ ንኤርትራዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣፍሪሱ፡ንባጽዕ ሓይሊ መደበር ኢትዮጵያ ክትኸውን ሂብዎም ከምዘሎ ብዙሓት ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ።
ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!።ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!።
ይኣክል ሙሉኽ ዜጋ ምዃን! ይኣክል ኣምልኾ ንውልቀ መላኺ! ይኣክል ኣምልኾ ንጠላሚ! ይኣክል ኣምልኾ ንሽፍታ! ይኣክል መቕዘፍትን፡ጭውያን! ይኣክል ምፍልላይ! ሉኡላውነት ሃገርና ይተሓሎ! እሱራትና ይፈትሑ!
ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት! ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!
ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ካስል/ከባብን ካስል/ጀርመን
ዕለት 13/04/2019