ሓይልታት ፀጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም

 

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ምስቶም ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዓብይ ጸረ-መንግስቲ ተቓውሞ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ተጓኒፆም።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ መላእ እታ ሃገር ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ብምጥላብ ንዝተኻየደ ዓብይ ተቓውሞ ሰልፊ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ተጠቒሞም።

ብምሁራት ዶካትር፣ መሃንዲሳትን መማህራንን ዝምራሕ እዚ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ኣብ 50 ከባብታት ሱዳን ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምንቁልቋል ቁጠባ ብምቅዋም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝጀመረ እዚ ናዕቢ፡ ሕዚ ኣንፈቱ ብምቕያር፡ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምውጋድ ቀንዲ ዕላምኡ ገይሩ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ዜነብ ሞሓመድ ሳሊሕ ንቢቢሲ ከምዝገለፀቶ፡ እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ታሪኽ ሱዳን እቲ ዝዓበየ እዩ።

ፖሊስ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ካርቱም ዝነበረ ብዙሕ ናዕቢ ንምብታን ዘንብዕ ትኪ ከምዝተጠቐመ ድማ ተገሊፁ።

ኣብታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ካብ ዝጅምር ዛጊድ 26 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ክሕብሩ እንከለዉ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግና ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ እዮም ዝገልፁ።

ነዚ ናይ ተቓውሞ ናዕቢ ብምትሕብባር ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሱዳናውያን ዶካትር ድማ ቀንዲ ዕላማ ኣካላት ፀጥታ እታ ሃገር ኮይኖም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣካላት ፀጥታ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ንሓደ ወዲ 16 ዓመት ሰገንን ሓደ ዶክተርን ቀቲሎም እዮም።

ገለ ናይ ወፃኢ ጋዜጠኛታት ድማ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፍፃመታት ንከይፅብፅቡ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራሕ፡ ንኣልጀዚራ፣ ንናይ ቱርኪ ማእኸል ዜና ኣናዶሉ፣ ከምኡ እውን ንተሌቬዥን ኣልዓረብያን ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ካብታ ሃገር ንከይፅብፅቡ ፍቓድ ስራሕ ተኸልኪሎም ኣለዉ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-46997704

ኢጣልያ፡ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ንዝዝርጋሕ ፕሮጀክት መንገዲ ባቡር ንናይ መጀመርያ መጽናዕቲ ክትሽፍን ምስምምዓ ኣዚዩ ዘሐጉስ`ዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣፍሊጡ።

“ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝነበረና ፃንሒት ምስ ዓለምለኸ ትካላት ብዛዕባ ልምዓትን ሰላምን ብርክት ዝበሉ ምይይጣት ዝገበርና’ኳ እንተኾና፡ ብፍላይ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኮንቴ ኣብ ዝገበርናዮ ኩለ-መዳያዊ ናይ ልምዓት ምይይጥ ንወደብ ምፅዋዕን ኣዲስ ኣበባን ብመንገዲ ባቡር ንምርኻብ ንዘለና ድልየት ነቲ ናይ መጀመሪያ መፅናዕቲ ምሉእ ናይ ገንዘብ ድጋፍ ክገብሩን ነቲ ውፅኢቱ ሪእዮም`ውን ምትሕብባሮም ክቕፅሉ ዘርኣይዎ ድልየት ኣዚዩ ደስ ዘብልን ብዝለዓለ ደረጃ ዝተቐበልናዮን`ዩ።”

ቀ/ሚ ኣቢይ ሎሚ ኣብ ሮማ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ካልኦት ልምዓታዊ ምትሕግጋዛት`ውን ከም ዝዘተዩን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑን ኣፍሊጡ`ሎ።

ዶ/ር ኣቢይ ብዘይካ`ዚ ምስ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስን ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገርን፡ ከምኡ ምስ ሓለፍቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ማሕበረ-ሰብ ኢትዮጵያን ተራኺቡ ኔሩ።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ኢጣልያ-ካብ-ወደብ-ምጽዋዕ-ክሳብ-ኣዲስ-ኣበባ-ዝዝርጋሕ-መንገዲ-ባቡር-ንምስራሕ-ከምትሕግዝ-ኣፍሊጣ/4752584.html

ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ኣቢሉ ይኸውን፡ ዲክቶቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ፡ ወነንቲ ጀራዲን ዝጥቀሙለን ዝነበሩ ናይ ግሎም ጀነረይተራት፡ ማይ ብዘይ ቀጥዒ ይውድኣ ኣለዋ ብዝብል ምስምስ ካብ ህዝቢ ከምዝዘመተን ምንጪታትና ካብ ውሽጢ ኤርትራ ሓቢሮም።

ጀነረይተራቶም እትወስዶም ተቐማጦ ጽልማ፡ ነቲ ዝምታ ኣሜን ኢሎም ዘይኰነስ ብርቱዕ ተቓውሞ ኢዮም ገይሮም። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ብዙሓት ብኣባትር ተሃሪሞም ካብ ወተሃደራት መንግስቲ እውን በእማን ዝተፈግኡ ይርከብዎም። ብድሕር’ዚ እቲ ስርዓት፡ ነተን ጀነረይተራትን ንገለ ዝተቓወሙ መንእሰያትን ኣብ መኪና ጽዒኑ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰዶም ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ብ9 መስከረም 2018 ዝተካየደ ህዝባዊ ምርጫ ሃገር ሽወደን ብሰንኪ ዉጺኢት ተዋዳደርቲ ሰልፍታት ናይ ጸጋምን ናይ የማንን 144 ብ143 ስለ ዝወጹ፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ዓብላሊ ድምጺ ኣብ ባይቶ ክረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ እንሆ ሎሚ ብምሕዝነት ናይ ጸጋም ደሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ናይ ሓምላይ ሰልፍን ካብ የማን ከኣ ናይ ሊበራን ናይ ሰንተርን ብስምምዕ 73 ነጥባታት ድሕሪ 5 ወርሓት ምይይጥን ዘተን መንግስቲ ከቁሙ ከም ዝተሳማምዑ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣቃሊሔን። ኣቀዲሙ ግና ሃገራው ባጀ ብናይ የማን ርእይቶ ከም ዝተዓወተ ይፍለጥ። ኣብዚ ሓዲሽ መንግስቲ ከኣ መራሕ መንግስቲ  ዝነበረ ኣቶ ስታፋ ሎቨን ናይ ደሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ከም ዝኮነ ተቃሊሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይላየድ ዘሎ ለውጢ ዓሚቕን ሰፊሕን ተስፋ ሒዙ እንተመፀ እውን ስግኣታት’ውን ዝሓዘለ እዩ ኢሉ ኣኼብኡ ሎማ ዝወድአ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣፍሊጡ።ዝተወደቡ ፀረ ለውጢ ኣተሓሳስባታት ብድሆታት ኮይኖም ኣለው እውን ኢሉ።

ኣብ መንጎ ኣባል ፓርትታት ዘሎ ፀገማት ኣካይዳን ነንባዕልኻ ምጥርጣራትን ክዕረዩ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ሓቢሩ’ሎ።

ካብ 7 ጥሪ ክሳብ ሎማ ዓርቢ 10 ጥሪ 2011 ዓ.ም ኣኼባ ዘካየደ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ መወዳእታ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ተስፋታትን ፈተናታትን ጎኒ ንጎኒ ይጉዓዙ ኣለው ኢሉ።

እቲ መግለፂ እቲ ለውጢ ዘምፅኦም ውፅኢታት፣ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ንቕድሚ ከጋጥሙ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታትን ብዕምቆት ብምዝታይ ኣንፈት ከምዘቐመጠ ይገልፅ ።

ፖለቲካዊ ሃውህው ኣብ ምስፋሕ፣እሱራት ብይቕሬታን ምሕረትን ክፍትሑ፣ዕጥቓዊ ቓልሲ የካይዱ ዝነበሩ ሓይልታት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ፣መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንምእራም ዝተወስዱ ስጉምትታትን ካልኦትን ብኣወንታ ዘርዚሩ’ሎ።

እቲ ለውጢ ስግኣት ሒዙ ምምፅኡ እውን ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ገምጊሙ’ሎ።ለውጢ ህዝባዊ መሰረት ሒዙ ብኢህወዴግ ይምራሕ እንተሃለወ እውን ህዝባዊ መሰረት ዘይብሎም ፀረ ለውጢ ኣረኣእያታት ብዝተዋደደ እናተመርሑ ብድሆታት ኮይኖሞ ኣለው ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለፂ ወሲኹ ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ምድንጋርን ኣብ እዋን ለውጢ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ናይ ኣመራርሓ ጉድለታትን ከምኡ እውን መንነትን ካልኦት ኣጀንዳታትን ንመፈፀሚ ዕላማታቶም የውዕሉዎ ኣለው ይብል።ፅንፋዊ ኣካይዳ ብምኽታል ናይ ባዕሎም ድልየት ንምፍፃም ኣብ ህይወት፣ኣካልን ንብረትን ዜጋታት ጉድኣት ክወርድን ዜጋታት ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉን ይሰርሑ ኣለው ይብል።

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ካብ ኣርባዕቲአን ኣባል ውድባት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ፣ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምቅስቓስን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ዝተዋፅኡ 36 ኣባላት ዝሓቖፈ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ዘሎ ለውጢ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኣባል ውድባት ዘሎ ሓድነትን ናይ ዕላማ ምትእስሳርን ኣብ ሕቶ ዘእትው ክስተታት ክርኣዩ ፀኒሖም ኣለው።

እቲ መግለፂ ኣብ መንጎ ኣባል ፓርትታት ዘሎ ናይ ኣካይዳ ዘይምቅዳውን ምጥርጣርን ብግልፂ ከምዝተልዓለ፣እዞም ፀገማት ንመጻኢ ክፍትሑ ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐን እቲ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኩሉ ዕላልና ፖለቲካ ኮይኑ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ቀደም ፖለቲካ ናይ ውሱናት ኣብ ከባቢ ፖለቲካውን መንግስታውን ስልጣን ዝርከቡ ወገናት ኣጀንዳ ጌርካ ይውሰድ ነይሩ። ሎሚ ግና ፖለቲካዊ ዛዕባን ዕላልን ካብ ሊቅ ክሳብ ደቂቅ ናይ ኩሉ ሰብ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እዚ  ብቀንዱ ናይ ኩሉ ወገን ህይወት ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ስግኣት ምህላዉ ዘመልክት ኮይኑ፡ ሳላ ዘበናዊ ስልጣነ ዝተፈጥረ ስሉጥ ዋሕዚ ሓበሬታ እውን ካልእ ምኽንያት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ህይወትና ምሉእ ብምሉእ ካብ ፖለቲካ ፈሊኻ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡ ፖለቲካ ብፖለቲካኡ ብዛዕባ ብቐጥታ ዝምልከተካ ምዝራቡ ጽቡቕ እዩ። እዚ ማለት ግና ብዛዕባ ናይ ካለኦት ክየልዓልካ ተሓጺርካ ምንበር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ከም ኤርትራውያን ጸገማትና ብዙሕ፡ እንጽበዮ መፍትሒ እውን ከምኡ ብዙሕ እናሃለወ፡ ብዛዕባ ፖለቲካና ምዝራብ ዝጽላእ ዘይኮነስ ዝተባባዕ እዩ፡ ምኽንያቱ ፍታሕ ካብ ቀጻሊ ልዝብን ምዝርራብን ስለ ዝመጽእ። ወዮ “እስኪ ንላዘብ ምኽሪ ንክርከብ” እኳ ዝበሃል።

ብዓለም ደረጃ ከይተረፈ፡ ኣሻቓሊ ኣጀንዳ ዝኾነ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ ብዛዕባ ብቐጥታ ዘይምልከተካ ምዝራብ ግና ዘይሩዘይሩ ነቲ እንተሃደምካሉ’ውን ዘይተርፈካ ሓላፍነት ፊትንፊት ካብ ምግጣም ምህዳም ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኮታ ከምቲ “መርዓ ጓለን ቀላቕል ምዓለን” ዝበሃል እዩ ክኸውን። ንኣብነት ህደግለነ ዘየብሉ ናይ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ዲክታቶርያዊ ምምሕዳር ኣብ ቅድሜኻ ተኾድጩ እናሃለወ፡ ብዛዕባ ብዝምድናዊ ኣዘራርባ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ዝሓሸ ምምሕዳር ንዘለወን ሃገራትን መራሕተንን ከተነኣእስ ምውዓል ብቐሊሉ ዝረአ ሕማም ኣይኮነን።

ንስኻ ኣካሉ ዝኾንካሉ ህዝብን ሃገርን፡ ልዕልና ፍትሕን ሕገመንግስታዊ ምምሕዳርን ምሉእ ብምሉእ በዂርዎም እናሃለወ፡ ናይ ካለኦት ሃገራት ኣተገባብራ ሕገ-መንግስታት፡ ዘይምእኩል ምምሕዳራት፡  ኣወሃህባ ፍትሒ፡ መስርሕ ምርጫታት፡ ቁጠባዊ ፖሊስታት ’’’’’’’’ ወዘተ ከተነኣእስን ከተቆናጽብን ምውዓል ንበሃሊኡ ዘሕፍርን ኣብ ዓይኒ ተዓዘብቲ ዘውድቕን እዩ። ስርዓት ህግደፍ ዓይኑ ብጨው ተሓጺቡ ሕንኩ ዝቐንጠጠ ኣብ ጥራይ ጐልጐል ዝዕብ ስለ ዝኾነ፡ ብዛዕባቲ ኣብ መዝገበ ቃላቱ ዘየለ ምርጫን ካልእ መርኣያ ዲሞክራሲ ብዝኾኑ   ኣምራት እንተተወራዘየ መለክዒ ባህርያቱ ስለ ዝኾነ ኣየገርምን። እዚ ተግባሩ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ ናይ ንዕቀት መልእኽቲ ግና ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ንዓኣቶም ዝምልከት ዛዕባታት ዘንጊዖም፡ ብዛዕባ ህወሓት፡ ኢህወደግ፡ ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ኦሮሚያ፡ ቅማንት፡ ወልቃይትን ነጢሮም ከኣ ብዛዕባ ሰላም ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ክለዓል እንከሎ መልሓሶ ዝሰሓሉ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ብዛዕባ እዚታት ምዝራብ ንውሪ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ብቐጥታ ዝምልከተና ዘራጊቶ ተግባራት ህግደፍ ንዛረብ ክትብሎም እንከለኻ ግና ሚዛኖምን ቅሩብነቶምን ዝጐድል ብዙሓት እዮም። ብፍላይ ናይ ጉርሒ ይኹን ናይ ገርሂ ደገፍቲ ህግደፍ እንተኾይኖም ኣብቲ ዘረባ ዘቐጽል ሕሩጭ ስለ ዘይህልዎም፡ እቲ ዝመርጽዎ ዘረባ ንዘይምጅማር ምጉብዕባዕ እዩ። ይፍተዉ ይጽልኡ ግና ጉዳይና ብምጉብዕባዕ ስለ ዘይውዳእ፡ ኣብ ኤርትራ ናብ ዘሎ ሓቂ ተገዲዶም ኢዶም ዝህብሉ ኩነታት ደፊኡ ይመጽእ ከምዘሎ ከስተብህሉ ይግበኦም።

እቲ ካልእ ካብ ጉዳይካ ናይ ምህዳም መልክዕ፡ ንካልእ ብምንኣስ ጐብለል ክትከውን ምፍታን እዩ። ንካልእ ሓሳዊ ብምባል ሓቀኛ፡ ንኻልእ ድኻ ብምባል ሃብታም፡ ንካልእ ግጉይ ብምባል ቅኑዕ፡ ዝኽወን ስለ ዝመስሎም ጸፍ ክብሉ ዝውዕሉን ዝሓድሩን እውን ምስቶም ጉዳያም ኣቐሚጦም ብዛዕባ እንዳማቶም ክመጻረዩ ዝውዕሉ ዝጽብጸቡ እዮም። እዚ ማልት ግና ንጉዳይካ ምስ ናይ ካለኦት ጉዳይ እንዳወዳደርካ ምዝራብ ነውሪ እዩ ማለት ኣይኮነን። እዚ ናትካ ኣቐሚጥካ ብዛዕባ እንዳማትካ ምዝራብ ካብቲ ህግደፍ ህዝቢ ንምድንጋርን ተሓቚኑ ኣብ ዘይጽዒ ሸንኮለል ንምንባርን ዝህንድሶ ሜላታት ሓደ እዩ። ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ጥራይ መዓኮሩ፡ ብዘለዎም ዓቕሚ ህዝቦም ብምስታፍ ሃገራቶም ክመርሑ ሓርኮትኮት ንዝብሉ መራሕቲ ምንእኣስ ካብቲ ዝልለየሉን ብብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ከም ጽሉል ዝተገልጸሉን ተግባራቱ እዩ። ኢሳይያስ ኣብዚ ኤርትራዊ ህልዊ ኩነታት ኣዝዩ ውዑይ ኣጀንዳ ዘለወሉ መድረኽ እውን ከይተረፈ “ ንሕና ብዛዕባ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ 480 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ እዚ ዞባ ኢና እንሓስብ” ከም ዝበለና ኩልና ሰሚዕናዮ ኢና። ሰማይ ዝሃገርኩም ኣብዛ 5 ሚልዮን እሞ ተባዕ፡ ጻዕረኛን ትዕግስተኛን ዝህዝባን ብኣቀማምጣ ኮነ ብተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለትን ሃገር ዘየድመዐስ፡ 480 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዘለውዎ ተሓቋኒ ማዕበል ሓንቢሱ ክወጽእ ማለት ድዩ። እዚ ምናልባት ነቲ ኢሳይያስ “ኤርትራ ንኢሳትኒ” ዝብል ሕማም ኣለዎ ዝብል ናይ ብዙሓት ግምት ዘራጉድ ይኸውን።

ሓደ ሰብ ከም ዝሓበረኒ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ኤውሮጳዊ ናይ ማሕበራዊ ሳይነስ ተመራማሪ ምስ ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቡ ነይሩ። ኣብዚ ናይ ዝያዳ ክልተ ሰዓታት ርክቦም ኢሳይያስ ዋላ ሓንሳብ ኤርትራ እትብል ቃል ከይጠቐሰ፡ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ዝብላ ሓረጋት እንዳቐያየረ ወግዑ ብምውዱኡ ከም ዝተገረም እቲ ሊቅ ዘጻወቶም ወገናት’ውን ተገሪሞም። እዚ ኢሳይያስ ክሳብ ክንደይ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ልቡ ኣውጺኡ ሰማይሰማይ ይሓስብ ከምዘሎ ዘረድእ ምስክርነት እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ  ንሕና እቶም ሰብ ጉዳይ “ብዛዕባ ጉዳይና ግዳ ዘይንዛረብ” ንብል ዘለና።

ጥሪ 15, 2019

ዶ/ር ደብረጽየንን ፕረዚደንት ኢሳያስን

 

ዶ/ር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ምስ መራሒ ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝገበርዎ ክልተኣዊ ልዝብ ‘ጉዳይ ክልቲኦም ኣሓት ህዝቢታት ሰላሞምን ረብሓታቶምን ብቀጻሊ ናይ ምርግጋጽን ዘለው ሽግራት ብከመይ ከምዝፍትሑ ዝነጸርሉ’ ከምዝኾነ ወ/ሮ ልያ ካሳ ገሊጸን።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣየርላንድ ኣብ ትግራይ ወግዓዊ መገሻ ዝሓለፈ ሰሙን ፈጺሞም ኣለው።

‘ኣየርላንድ ነቲ ሎሚ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሰላምን ምዕባለን ንክረጋገጽ ካብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ ኣብ ጎኒ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝቆመ’ዩ’ ኢለን ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝቢን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/doctor-debresion-gebremichael-and-president-isayas-afewerkin/4742730.html

ኢትዮጵያ

መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ምዕራብ ኦሮሚያ ብነፈርቲ ዝተደገፈ መጥቓዕቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ከምዝቐፀለን ሰባት ብዕጡቕ ሓይሊ መንግስቲ ይሞቱ ከምዘለውን ነበርቲ ገሊፆም።ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባታት ቀሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ብርክት ዝበሉ ናይ መንግስትን ውልቅን ባንክታት ብዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተዘረፉን ሰባት እውን ከምዝተጨውዩን ተፈሊጡ።


ኣዲሱ ሰርቤሳ ዝተባህለ ነባሪ ወረዳ ቤጊ ንዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ኢና ንደሊ ብዝብል ሰባት ብዕጡቓ መንግስቲ ይቕተሉ ኣለው ኢሎም።ትማሊ ሓደ ሎማ ድማ ካልእ ሰብ ከምዝተቐትለን ኣብ ኣቤ ሻንጎ ድማ ኣርባዕተ መንበሪ ኣባይቲ ብዕጡቓት መንግስቲ ከምዝተቓፀሉን ገሊፆም።

ወቢ ነሞምሳ ዝተባህለ ነባሪ ብወገኑ ካብ 3 ጥሪ ክሳብ ትማሊ ሓሙሽተ ጥሪ 5, 2011 ዓ.ም ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ኣብ ዙሪያ እታ ከተማ ነፈርቲ ብዝፈፀምኦ ደብዳብ ትካላት መሰረት ልምዓት መንግስቲ ከምዝዓነው ገሊፆም።

“ቀዳም ስዓት ሸውዓት ኣብ ከተማ ቄለም ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ።ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ተደብዲቡ።ትካላት ኔትወርክ ስለዝተወቕዑ ኔትወርክ ይቆራረፅ ኣሎ።ትማሊ ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ሰለስተ ደብዳብ ነፈርቲ ተፈፂሙ’ሎ።እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ።”

በቲ መጥቓዕቲ ህይወት ሰብ ንምጥፍኡ ዝፈልጡዎ ከምዘይብሎም ብምሕባር ናይ ሓረስቶት ፍሪያት ቡንን ካልኦት ንብረታትን ከምዝዓነወ ዝገለፁ ኣቶ ወቢ ነበርቲ ቄለም ንብረቶም እናራሕርሑ ናብ ከተማታት ጊዳሚን ቤግን ኣብ ምህዳም ከምዝርከቡ ገሊፆም።

ሎሚ እውን ኣብ ቀሌም ወለጋን ከባቢኡ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተፈፀመ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዛዕባ እዚ መብርሂ ንምሕታት ንሰበስልጣን መንግስቲ ዞባ ቄለም ወለጋን ክልል ኦሮሚያን ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባታት ቄለም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ናይ መንግስትን ውልቅን ባንክታት ብዕጡቓት ሓይልታት ከምዝተዘረፉን ሰባት ከምዝተጨውዩን ነበርቲ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ቅድሚ ስዓት ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ዞባ ቄለም ወለጋ ከተማታት ገባ ሮቢ፣ጫንቃ፣ቅቤን መቻርን ባንክታት ከምዝተዘረፉ ኣቶ ቡሉሱማ ዱፌራ ዝተባህሉ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሮም።

“ገንዘብ ንምውፃእ ናብ ባንኪ ከይደ ነይረ።ሪጋ በዚሑ ነይሩ።መብዛሒቲኦም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ኣስታት 19 ዕጡቓት መፂኦም።ክልቲኦም ባንክታት ጎኒ ንጎኒ ስለዝነበሩ ብኩንታል መሊኦም ብመኪና ፅዒኖም እናደረፉ ወሲዶምዎ።”

እቶም ዕጡቓት ኣብ ከተማ ገባ ሮቢ ናይ ዝርከብ ንግዲ ባንክን ትካል ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያን ኣካየድቲ ስራሕን ተሓዝቲ ገንዘብን ብድምር ንኣርባዕተ ሰባት ዓፊኖም ከምዝወሰዱዎም ኣቶ ብሉሱማ ተዛሪቦም።

ሓላፊ ፀጥታ ቄለም ወለጋ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተሓቲቶም ባንክታት ምዝራፎም ከምዝፈልጡ ብምግላፅ ካብቲ ከባቢ ሪሒቖም ስለዝርከቡ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘይብሎም ንቪኦኤ ገሊፆም።

ናይ ኢትዮጵያ ንግዲ ባንኪ ኣካያዲ ስራሕ ምዕራብ ዲስቲሪክት ኣቶ ግርማ ጪብሳ ንቢቢሲ ኣብዝሃብዎ ቃል ሓሙሽተ ጨንፈራት ባንኪ ብዕጡቓት ከምዝተረፉን ካልኦት ሓሙሽተ ጨንፈራት ምዕናዎምን ገሊፆም።ካብ ዝተጨወዩ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ባንኪ ክልተ ከምዝተፈትሑ እውን ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ እውን መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ሽዱሽተ ወረዳታት ንዝርከቡ 10 ባንክታትን ሓደ ናይ ልቓሕን ውሕለላን ትካል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝዘረፉ ገሊፆም።ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ዝርከቡ ኣስታት 37 መንግስታዊ ትካላት ብሓዊ ኣባሪዖም ክብሉ ዋና ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ ኣቶ ገመቺስ ተመስገን ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣብ ላሎሳቢ ወረዳ ልዕሊ 20 ኣባያተ ፅሕፈት መንግስቲ ከምዝተቓፀሉ እውን ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣቶ ጂሪኛ መላኩ ንቪኦኤ ሓቢሮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ናይ ኦሮሞ ዴሞክራቲክ ፓርቲ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ኣቶ ታየ ደንደኣ ትማሊ ንርእይቶ ኣብዝሃብዎ ር እይቶ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ይኽሰት ናይ ዘሎ ስእነት ሰላምን ዘይምርግጋእ ኦነግ እዩ ኢሎም።

ኦነግ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ክልቲኦም ወለጋ ኣብዝተኻየደ ወራር ባንክታት ኢዱ ከምዘይብሉ ገሊፁ’ሎ።ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ቶሌራ ደባ ንቪኦኤ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ናይ ኦነግ ዕጡቕ ጉጅለ ንባንክታት ከምዝዘረፈ ዝግለፀ ዘሎ ሽም ኦነግ ንምፃልም እዩ።ዕጡቓት ኦነግ ንባንኪ ይዘርፉ እዮም ኢልና ኣይንኣምንን።እዚ ንናይ ኦነግ ሽም ንምፅላም ዝካየድ ዘሎ ውዲት እዩ።”

መንግስቲ ብነፈርቲ ዝሕገዝ ውግእ ከፊቱ’ሎ ዝበሉ ኣቶ ቶሌራ ይካየድ ዘሎ ውግእ ደው ኢሉ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ ኦነግ ድልዊ እዩ ኢሎም።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/መንግስቲ-ኣብ-ምዕራብ-ኦሮምያ-ዘካይዶ-ብነፈርቲ-ዝተሓገዘ-መጥቓዕቲ-ይቕጽል-ምህላው-ነበርቲ-ገሊጾም/4742641.html

ጥሪ 14, 2019


ናብ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ኣስመራ ኣብ ውሽጢ መደበር ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ።እቲ ሓደጋ ከባቢ ሰዓት 2:00 ናይ ለይቲ ከምዝጀመረን ካብ ሰዓት 2:30 ክሳብ ሎሚ ንግሆ ሰዓት 8:00 ሓሙሽተ መካይን መጥፋእቲ ሓዊ ኣዋፊሩ ብዝገበሮ ጻዕሪ ነቲ ሓደጋ ባርዕ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸርዎ ከምዝኸኣሉ ቤ/ጽ ኣሃዱ ምክልኻል ባርዕ ሓዊ ዞባ ማእከል ሓቢሩ።

 

በቲ ሓደጋ ኣብ ሂወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየሎ ተፈሊጡሎ።

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ኣብ-ኣስመራ-ኣብ-ውሽጢ-መደበር-ዘጋጠመ-ሓደጋ-ባርዕ-ሓዊ-ጉድኣት-ኣውሪዱ/4742304.html

ፍሉይ ምስጋና

እዞም  ግዱሳት ሰብ  ሕልናን፡ ገበርቲ ሰናይን  ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሉዛን ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ሎሚውን ከምቀደሞም ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት ኤርትራ መደበር ከሰላ ሃገረ ሱዳን ዘወፍይዎ  ዘለዉ ብርኩትን ተደጋጋምን ኣስተዋጽኦም  ሎሚ ዓመት እውን፥ ዝተጸገሙ ኣሕዋቶም ንምሕጋዝን ኣብ ሕማቕ ከይወድቁን ብዘለዎም ሓልዮት ግዲኦም ብምብርካቶም፣ በዚ ኣጋጣሚ  ብፍሉዩነት ኣመስጊና ንኣመስገንቲ ክነበስር  ንደሊ።

ገበርቲ ሰናይ ከምቲ ኣቐዲሙ ተጠቂሱ ዘሎ ብርኩትን ግዙፍን ወፈያኦም እንሆ ድሮ $2.200.00-ዶላር ኣመሪካ ( ክልተ ሽሕን ክልተ ሚእቲን ዶላር ኣመሪካ) ሰዲዶምስ ሎሚ ዕለት 10.01.2019 ኣብ ኢድ ምምሕዳር መደበር ከሰላ ከምዝበጽሔ  ምስ ምሉእ ምስጋና ንሕብር።

ነዞም  ብምሉእ እምነትን፡ ዕግበትን ተበጊሶም  ንውጉኣት ሓርነት ኣብ ምሕጋዝ ዝርከቡ ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ብስም ምምሕዳርን ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን ፡ ብስም’ቶም ንነዊሕ ዓመታት ብጽሓይን ደሮናን ምስ ኩሉ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማምን ዝሳቐዩ ዘለዉ ብጾትን ኣሕዋትን ንኣስተዋጽኦም ክብ ዝበለ ፍሉይ ምስጋና ነቕርብ።

ሰላምን ጥዕናን  ሓጐስን ዘለዎ  ዓመት 2019 ይግብረልና።

 ምምሕዳር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ