ብምኽንያት መበል 44 ዓመት ልደት ህወሓት 11 ለካቲት ዝተዋሃበ ውድባዊ መግለፂ ህወሓት

2019-02-17 13:55:57 Written by  ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት!! Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1825 times

ህዝቢ ትግራይ ወፅዓን ባርነትን ኣይቅበልን ኢሉ ህዝባዊ ዕላማ ተሓንጊጡ ቃልሲ ዝጀመረሉ መበል 44 ዓመት ነኽብር ኣለና። በዓል 11 ለካቲት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞና እንዝክረላን ንናይ ሎምን ፅባሕን ዘይነፅፍ ትምህርቲ እንወስደላን ዕለት እያ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ወጋሕትኡ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ቃልሲ እንትጅመር እንተሎ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ሃገርና ተፃዒኑ ዝነበረ ፍፁም ፀረ ህዝቢ ስርዓት ብምግላስ ኩሎም ህዝብታት ብማዕርነት ዝነብሩላ ሓዳሽ ዲሞክራስያዊት ኢትዮዽያ ንምፍጣር ዝብል ዕላማ ሒዙ እዩ ተቓሊሱ። ህዝቢ ትግራይ ብረት ኣልዒሉ ዝተቓለሰ ባህጊ ኩናት ሃልይዎ እንተይኮነስ ነዚ ቅኑዕ ዕላማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካሊእ መማረፂ ስለዝተስኣነ እዩ። መሰሉን ረብሓታቱን ክሕለወሉ እምበር ናይ ካሊእ መሰልን ረብሓን ንምድፋእ ኣይነበረን። ጭቆናን ግፍዕን ንምውጋድ ‘ምበር ንሓደ ጭቆናን ግፍዕን ብካሊእ ጭቆናን ግፍዕን ንምትካእ ኣይነበረን።


ህዝቢ ትግራይ: ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ብሰላም፣ ብማዕርነትን ሕውነትን ንምንባር፤ ብፃዕርና ብራሃፅና ካብ ድኽነትን ጥምየትን ሓራ ንምውፃእ ኢሉ እዩ ክባር ዋጋ ከፊሉ። ነቲ ዝተሓላለኸን ዓቐብ፣ ቁልቁል ዝበዝሖ ቃልሲ ኣብ ሃገርና ዝነበረ ዘይተመጣጠነ ቃልሲ መብረ ከይሓተተ ነቲ ከቢድ ሸከም ሓላፍነት ወሲዱ ንምግማቱ ዘፅግም ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ እዩ። ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ሃገርና ብዝተፈጠረ ሓዱሽ ምዕራፍ ናይ ድኽነትን ጥምየትን ተምሳሌት ዝነበረት ሃገር ብዝሓዝናዮ ህዝባዊ ቅኑዕ መስመርን ብናይ ህዝብና ዘይተሓለለ ፃዕርን ቃልስን ካብ ናይ ምብትታንን ምንቁልቋልን ሓደጋ ወፂኣ ከም ሃገር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ክትሰጋገርን ምስሊ ሃገርና ብመሰረቱ ክቅየር ገይርና ኢና።


ነቲ ዝጀመርናዮ ለውጥን ምዕባለን ህያው ብምግባር ብሓያልነት ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመርናን ኣብ ፅላል እዚ መስመር ዓሲሉ ተኣምር ዝሰርሕ ፅኑዕ ተቓላሳይ ህዝብናን ሒዝና ዳግም ዘሕብን ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ንምስራሕ ኣብ መንገዲ ብሩህ ጉዕዞ ኮይና 27 ዓመታት ተጓዒዝና ኢና። ሓላል ህዝብና ንክብርን ምዕባለን እዛ ሃገር ኩሉ ዝኽፈል ኸፊሉ እዩ። ከይሰሰዐ ደም ገቢሩ፣ ነቲ ከቢድ ፃውራ ተሸኪምዎ ሓሊፉ። ብጥምየት፣ ብመከራ፣ ብግፍዒ ከይተሰኮነ ሰብ ክፃወሮ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ካብ ዝግመት ሽግርን መከራን ንላዕሊ ተፃዊሩ ብፅንዓት ተቓሊሱ ናብ ዓወት በፂሑ እዩ። ድሕሪኡ እውን እንተኾነ ምስ ተፈጥሮ ገጢሙ ጎቦ ፃሕቲሩ ድኽነት ክስዕር ልዑል ርብርብ እናገበረ ፀኒሑን ኣሎን። ሕልፊ ገቢረ እየ እሞ ሓለፉ ይዋሃበኒ እንተይበለ፤ ሓለፉ ይትረፍ እቲ ዝግበኦ እኳ ከይረኸበ ቅልፅሙን ጭዋድኡን ኣሚኑ ኣብ ፀረ ድኽነት ቃልሲ ወፊሩ ተስፋ ዝህብ ለውጥን ብርሃንን ክርኢ በቒዑ እዩ።


ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ዝኸበርኩም ኣባላት ህወሓት

መበል 44 ዓመት ልደት ቃልስና እንትነኽብር ብሓደ ገፅ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ጉዕዞና ዘመዝገብናዮም ዓወታት ንምዕቃብን ንምስፋሕን ርብርብ ኣብ ንገብረሉ መድረኽ ኮይና፤ ብካሊእ ገፅ ሃገርና ካብቲ ጀሚራቶ ዝነበረት ፈታውን ፀላእን ዝመስከርሉ ለውጥን ምዕባለን ንድሕሪት ኣብ ዝምለሰሉ፤ ካብቲ ዘሕፍር ናይ ድኽነት ታሪኽና ወፂና ብርሃን ምርኣይ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን እዚ ኩሉ ተስፋን ዕድልን ናብ ስግኣትን ጭንቅን ዝተቐየርሉ መድረኽ ኮይና ኢና ነኽብራ ዘለና።
ኣብዚ እዋን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሃገርና ስእነት ሰላም እናተጋፈሐ፤ መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ልምዓትን ዲሞክራስን ንጎኒ ተገዲፉ ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ህዝቢ ስሉጥ ልምዓት ኣብ ሓደጋ ዝኣትወሉ፤ ምውፃእ ተጀሚሩ ዝነበረ ዓቐብ ምቕፃል ኣብዩ ቁልቁል ምውራድ ዝተጀመረሉ ኩነታት ይረአ ኣሎ። ን27 ዓመታት ሰላማ ተሓልዩ፣ ክብርን ልእላውነትን ሃገርና ተኸቢሩ፤ ብኩለ መዳይ ተምሳሌት ለውጥን ምዕባለን ዝነበረት ዓዲ ሎሚ ንባዕላ ምኳን ኣብይዋ፤ ዜጋታት ቀሲኖም ዘይነብሩላ፣ ብመንነቶም ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ግፍዒ ዝፍፀመሉ፣ ንብረቶምን ሂወቶምን ውሕስና ዝሳኣንሉ፤ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ጎንፅን ምፍንቓልን ዝተጋፈሐሉ ግዜ እዩ። ዋሕስ ህዝብታት ዝኾነ ፈደራላውን ሕገ-መንግስታውን ስርዓትና ብፀሓይ ቀትሪ ይሕግሐግን ይፈርስን ኣሎ። ብሽም ለውጢ ንክብርን ህልውናን እዛ ሃገር ዕድመ ልክዖም ዝተቓለሱ ዝርገምሉን ዝኹነንሉን፤ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕን በደልን ዝፈፀሙ፣ ክብሪ ሃገርና ኣሕሊፎም ዝሃቡን ምስ ሕዱራት ፀላእቲ ኢትዮዽያ ብሓባር ኮይኖም ዓዲ ዝወግኡ ዝነበሩ ዝምስገንሉን ክብሪ ክረኽቡ ዝግበረሉ ዘመነ ክሕደት በፂሕና።


ሕግን ልዕልነት ሕግን ይከበር፣ ሕገ-መንግስቲ ይከበር፣ ዋሕስ ብሄር ብሄረሰባት ዝኾነ ፈደራል ስርዓትና ይከበር ዝበለ እንትግፋዕ ሕገ-መንግስቲ ንዝጠሓሱ፣ ሕንከት ብዘይብሉ ስርዓት ፈደራሊዝም ንዘፍርሱ፣ ንዜጋታት ዘፈናቕሉን ዘርኢ ዝፈለየ መጥቃዕቲ ብጉሁድ ንዝፈፀሙ ዝሽለምሉ ግዜ ንርኢ ኣለና። ናይዚ ኩሉ ሽግር ምኽንያት ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ እናተዋህለለ ዝመፀ ፅግዕተኛ ናይ ምብስባስ ሓደጋ ናብ ዝኸፈአ ደረጃ በፂሑ ብምህላው እዩ። መሪሕነት ኢህወደግ ኣብ ውሽጡ ዝጀመሮ ናይ ምህዳስ ምንቅስቓስ ከይተዓወተ ስለዝተረፈን ናይ ግዳም ኢድ ኣእታውነት ተሓዊስዎ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም እዩ።


ሕዚ ዘላ ኢትዮዽያ ዘይጠዓመቶም ሓይልታት ነቲ ዋሕስ ህዝብታት እዛ ሃገር ዝኾነ ስርዓት ከፍርሱ ላሕ ይብሉ ኣለው። እዚ ንምግባር ድማ ነቲ ፅኑዕ እምነት ሒዙ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ንምስኳንን ንምምብርኻኽን ለይትን ቀትርን ይረባረቡ ኣለው። ኣብ ኩሉ ዓለምን ከባብን ተበቲኑ ዝነብር ዝነበረ ደንበ ትምክሕቲ ሎሚ ግንባር ፈጢሩ ካሊእ ከምዘየለ ብዘምስል ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ክዘምቱ ንርኢ ንሰምዕ ኣለና። ናይ ኩሉ ጥፍኣት ተሓታቲ ወያነ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢ ገልጠም ዝበለ እንተይተረፈ ወያነ እናበሉ ካብቲ ሓው ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮዽያ ንምንፃል ሰፊሕ ፃዕሪ ይገብሩ ኣለው።


ብናሃቶም ትርጉም ወያነ ኣረኣእያ፣ እምነት፣ ዕላማን ናይ ሚልዮናት ህዝብታት ረብሓ ዘረጋገፀ ምዃኑ ተሪፉ፣ ትግራዋይ ንምውቓዕ ናይ ውሱን ሓይሊ ወይ ህዝቢ ገይሮም ክስእልዎ ይፅዕሩ ኣለው። ልዕሊ መሰልን ክብርን ህዝቢ ንመሬት፣ ንጎቦን ሽንጥሮን ዘፍቅሩ፣ ንናይ ህዝቢ ዘይትካእ ዓቕሚ ኣምኪኖም ብናይ ግዳም ደገፍ ንምንባር ይፍትኑ ኣለው። እዚ ክገብሩ እንተኾይኖም ነቲ ምሕላፍ ከሊኡና ዝብልዎ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ምስኳን ዝቐለለ ኮይኑ ተራእይዎም። ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ትግራይ ንምምብርካኽ፣ ንምስኳንን ብዘይ መሪሕ ንምትራፍን ካብ ደገ ታዓሲቡ ዝመፀ’ስ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝተኣከበስ ብሓባር ተወዲቦም ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካሊእ ጫፍ ሸኾርተት ክብሉ ንርኢ ኣለና።

እንተኾነ ግን ባህግን ድልየትን ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን እዚ ኣይኮነን። ኣጀንዳና ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራስን ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ንኹሎም ህዝብታት ብማዕረ ዕድል ዝህብ ሕገ-መንግስታዊ ፌደራላዊ ስርዓት ከይትንከፍ ምቅላስ እዩ። ሕገ-መንግስትን ፈደራል ስርዓትን ንምፍራስ ዝግበር ዘሎ ሽርሕን ሸበድበድን ብፍፁም ተቐባልነት የብሉን ጥራሕ እንተይኮነ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን በዙይ ከምዘይደራደሩ ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ በዚ መስመርን ስርዓትን ዓወትን ውፅኢትን ኣብ ዝዓተረሉ እዋን ዝቅይሮ ወይ ዝትክኦ ሓዱሽ ዕላማ ኣይብሉን። ህዝቢ ትግራይ ኣብ መፃብብ ኣእቲኻ ርእሱ ከድንን ይኽእል እዩ ኢሎም ዝግምቱ እንተደኣ ሃልዮም ንህዝቢ ትግራይ ዘይፈልጡ ወይ ሕሉፍ ታሪኽ ዝረስዑ እዮም። ኣብ ድሕንነት ሃለዋትን ህዝብና ዘነፃፀረ ዝኾነ ይኹን ውዲት ፍፁም ከምዘይንፈቅድን ከምዘይኾነሎምን ክግንዘቡ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ይትረፍ ሎሚ ኣብቲ ክፉእ ግዜ እኳ ኣይተሰኮነን፣ ኣይተንበርከኸን፣ ርእሱ ኣየድነነን። ሓድግን ሕላገትን ህዝቢ ትግራይ ትዕግስቲ፣ ዓቕሊ፣ ቃልሲ፣ ፅንዓትን ተዓዋታይነትን እዩ። ሕዚ እውን እንተኾነ ፍትሓዊ ቃልሲ ክሳብ ዘካየድና፤ ፅሩይ መስመርና ክሳብ ዝሓዝና፤ ፈተኽ ዘይብል ተቓላሳይ ህዝብና ሒዝና ዘይንሰግሮ ፈተና ኣይህሉን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ፅኑዕ ህዝብና ሎሚ እውን እንተኾነ ከምቲ ሕሉፍ ኣብ ዙርያ መስመርካን መሪሕ ውድብካን ዓሲልካ ብዘግርም ንቕሓትን ትዕግስትን ፀኒዕኻ ትቃለስ ኣለኻ። ንውድብካ እናፅረኻን እናጎልበትካን ዕጥቅኻ መስመርካ ገይርካ ብመትከላዊ ፅንዓትካ፣ ብውሕሉል ኣካይድኻን ጥበብካን ኣብ ጉዕዞ ቃልስኻ ንዘጋጥመካ ፈተናን ማሕለኻታትን እናሰገርካ ንቅድሚት ትምርሽ ኣለኻ። ኣብ ጉዕዞ ቃልስኻ ብዙሓት ፈተንቲ ኩነታት ሰጊርካ ኢኻ። ቀፃሊ ጉዕዞኻ እውን እንተኾነ ፈተና ኣይገጥምን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ኣብ ልዕሌኻ ማእለያ ዘይብሉ ሓሶትን ፀለመን እናኾመሩ ካብቲ ዝሓዝካዮ መንገዲ ከውፅኡኻ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው። ንሓድነትካን ፅንዓትካን ክዘርጉ ዝፅዕሩ ጉላላት እውን ኣይተሳኣኑን። ነቲ ትማሊ ምእንቲ ኩሎም ውፅዓት ህዝብታት ሕልፊ መስዋእትን መጉዳእትን ዝኸፈልካዮ እቶም ትማሊ ብቃልስኻ ዝስዓርካዮም ሓይልታት ከራኽስዎ ይፅዕሩ ኣለው።

ስለዝኾነ ናይዞም ፀላእትኻ ስልትን ሽርሕን ምኳኑ ተገንዚብካ ከምቲ ልማድካ ብስሚዒት እንተይኮነስ ብውሕሉል መንገዲ ጉርድን እኽልን እናፈለኻ ብንቕሓት፣ ብብስለትን ትዕግስትን ውዲቶም ትምክቶ ኣለኻ። ናይ ክልልካ ሰላም ሓሊኻ ንሃገር ኣብነት ዝኾነ ተግባር ትፍፅም ኣለኻ። ንቅድሚት እውን ሰላምካ ውሕስ ኮይኑ ክቕፅል ዝጀመርካዮ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ክትቅፅል ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ዝጀመርካዮ ፀረ ድኽነት ቃልሲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣጠናኺርካ ክትቅፅል ይግባእ። ድሕንነትካን ሃለዋትካን ውሑስ ንምግባር ሓድነትካ ኣስጢምካ ኣብ ዙርያ መስመርካን ውድብካን ዕሰል። ዝበሉ እንተበሉ ኣብ ዕላማኻ ፅናዕ፤ ውሕስናኻ ኣብ ስጡም ሓድነትካን ፅንዓትካን እዩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ትማሊ ብሓደ ሰሚርካን ረቢብካን ኩሉ ሻዕ ኩነታት ብንቕሓት ተኸታተል። ናይ ክሳብ ሕዚ ቃልስን ፅንዓትካን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝላዓለ ክብርን ናእድኡን እናገለፀ ንዝበለፀ ቃልስን ዓወትን ክትዳሎ ፃውዒቱ የቅርብ።

ዝኸበርኩም አባላት ህወሓት

ሕዚ ዘለናሉ ምዕራፍ ብሓደ ወገን ክልልና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተመዝገቡ ዓወታት ዓቢይ ዓቕሚ ዝሃነፅናሉ ብካሊእ ገፅ ነዚ ጉዕዞና ዘተዓናቕፉ ናይ ዉሽጥን ደገን ፈተናታት ዘለውሉ መድረኽ እዩ። ስለዝኾነ ብሓደ ገፅ ናይ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ስራሕትና ንፃት እውን ከይተደናጎየ ሩኡይ ለውጢ ንምምፃእ በቲ ካሊእ ገፅ ዘጋጠመና ፈተና ብዝተወደበ ናይ ህዝብና ቃልሲ እንምክተሉ እዋን እዩ። ናይቶም ኣሽሓት ስውኣት ዝተቐበልናዮ ሕድሪ ኣሎ። ነዚ መስመርን ቃልስን ሒዙ ብፅንዓት ዝቃለስ ህዝቢ ኣሎ። ስለዚ መላእ ኣባላት ህወሓት ነዚ ተረዲኢኹም ንዝላዓለ ቃልስን ዓወትን ቅድመ ግንባር ኮይንኩም ክትቃለሱ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ።ዝኸበርኩም ስድራ ስውኣት፣ ጉድኣት ኩናት፣ ተጋደልትን ነባር ዓቕምታት ቃልስናደምን ኣዕፅምትን ተቓለስትና ኣብ ሙሉእ ሃገር ፈሊሱን ተዘሪኡን፤ ብሂወት ዘለኹም ድማ ንኩሉ ህዝቢ ኢልና ደምና፣ ኣካልና ገቢርና ዝመፀ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ኣሎ ዝብል ስግኣትን ቁጠዐን ከምዘለኩም ውድብኩም ህወሓት ዝግንዘቦ እዩ። እዙይ ብምዃኑ እውን በታ ዝተረፈት ኣካልኩምን ዕድመኹሙን ነዚ ስርዓትን መስመርን ንምሕላው ዘለኩም ፀገማት ንጎኒ ኣፅኒሕኹም ዕረፍቲ ስኢንኩም ትቃለሱ ኣለኹም።ንቕድሚት እውን ከምቲ ሕሉፍ ተወዲብና ብፅንዓት ካብ ምቅላስ ወፃእ ካሊእ መማረፂ የለን። ስለዚ ነቲ ኣብ ቅድሜና ዝኒሀ ቃልሲ በታ ዝተረፈት ኣካልኩምን ዕድመኹምን፣ ዘይነፅፍ ውህሉል ዓቕምኹም ተወዲብኩም ንድሕነትን ሃላዋትን ህዝብኹምን መስመርኩምን ከም ልማድኩም ብፅንዓት ቃልስኹም ክትቕፅሉ ውድብኩም ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም መናእሰይ ትግራይ

እትገብርዎ ዘለኹም ምኽንያታዊ ቃልሲ ህወሓት ብዕምቆት ዝግንዘቦ እዩ። ኩነታት ምስተፈጠረ ሕድሪ ኣያታትኩም ኣይጠለምኩምን። ሓደራ ኣፅኒዕኹም ብግብሪ ቃልኩም ኣኽቢርኩም ታሪኽ ትሰርሑ ኣለኹም። ሳላ ብሱሉን ምኽንያታዊ ቃልስኹም ዘኩርዕን ዘሕብንን ታሪኽ ትሰርሑ ኣለኹም። ዘለኩም ፀገማትን ሽግራትን ንጎኒ ኣፅኒሕኹም ኣብ ሃለዋትን ድሕንነትን መስመርኩምን ህዝብኹምን ዓሲልኩም ትጋደሉ ኣለኹም። ኣብ ልዕሊ ናይ ኣያታትኩም ታሪኽ ናይ ባዕልኹም ሓዱሽ ታሪኽ ትፅሕፉ ኣለኹም። ንቅድሚት እውን ብስምዒት ከይተደፋእኹም ብዝተበረዘ ንፋስ ከይተደናገርኩም መንገዲ ከይሳሓትኩም ትገብርዎ ቃልሲ ክጠናኸር ይግባእ። ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት በቲ ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ ዝለዓለ ሓበንን ክብርን ይስምዖ። ንዝጀመርክምዎ ቃልሲ ምጥንኻር ጥራሕ እንተይኮነስ ንዘለኩም ፀገማት ንምፍታሕ ብልዑል ትኹረት ኣብ ቅድሜኹም ኮይኑ ከምዝቃለስ እውን ከረጋግፀልኩም ይፈቱ።

ዝኸበርክን ደቂ አንስትዮ ትግራይ

መስነቕትን መርኣያን ፅንዓትን ሓቦን ዝኾንክን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ: ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ታሪኽ ንዘልኣለም ዘይርሰዖ ቅያን ጅግንነትን ሰሪሕኽን ናብ ዓወት በፂሕኽን ኢኽን። ድሕሪ ምውጋድ ስርዓት ደርጊ እንተኾነ እውን እዛ ሃገር ሃገር ኮይና ንኽትቕፅልን ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ብማዕርነት ክነብሩ ዘኽእል ሕገ መንግስቲ ብምፅዳቅን ሃገርና ካብ ምብትታን ወፂኣ ናብ ህዳሰ ጉዕዞ ክትአቱ ዝተፃወትክንኦ ተራ መተካእታ ኣይነበሮን። እቲ ዝተቓለስክናሉ ዕላማ ሕዚ እዉን ገና ተጀሚሩ እምበር አይተወደአን። ኣብዚ እዋን ኣጋጢሙና ንዝኒሀ ፈተና እውን ብፅንዓት ትቃለሳ ኣለኽን። ኣብ ቀፃሊ እውን ዝማዕበለት ትግራይ ንምህናፅን ሰላም ትግራይ ውሑስ ንምግባርን አንፃር ትምክሕትን ፅግዕተኛታት አትገብርኦ ዘለኽን ቃልሲ አጠናኪርክን ክትቅፅላሉ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ሙሁራትን ሰብ ሃፍትን ተጋሩ

መበገሲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ነቲ ዋርድያ ድኽነት ዝኾነ ስርዓት አግሊስካ ቃልሲ ፀረ ድኽነት ብምጥንኻር ድሕረትን ጥምየትን ካብ ክልልና አወጊድካ ምዕብልቲ ሃገርን ክልልን ምህናፅ ምንባሩ እትፈልጥዎ ሓቂ እዩ። አብ ቃልሲ ፀረ ድኽነት ይኹን ሕዚ ዘጋጥመና ዘሎ ፈተና ኣብ ምብዳህ ብፍፁም ሓላፍነትን ብስለት ብዘለዎ መንገዲ ትገብርዎ ዘለኹም ቃልሲ ህወሓት ዘሎዎ ናእዳን ክብርን ክገልፀልኩም ይፈቱ። ንቅድሚት እውን ነቶም ዘለው ዕድላት ናብ ረብሓ ንምቅያርን ዘጋጥሙና ፈተናታት ድማ ብፅንዓት አብ ምምካትን ብዝለዓለ ደረጃ ንክልልኩምን ህዝብኹምን ክተውፍዩ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ፃዊዒቱ የቐርብ።

ዝኸበርኩም ኣብ ወፃኢ ትነብሩ ተጋሩ ከምቲ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልስን ናይ ልምዓትን ሰላምን ቃልሲ ምስ ህዝብኹም ሰሚርኩም ዓወት ዝዓተርኩም ኣብዚ ግዜ ኣጋጢሙና ንዘሎ ፈተና ኣብ ምብዳህ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ ፍፁም ናይ ዕላማ ሓድነትኩም ብምስጣም ዳግም ታሪኽ ክትሰርሑን ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩሉ ዓለም ክስማዕ ኣብ ምግባር መተካእታ ዘይብሉ ተራኹም ክትፃወቱን ኣብ ልምዓትን ምዕባለን ክልልኩም ተሳትፎኹም ክተሕይሉ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ሓይልታት ወያናይ ዴሞክራሲን ማሓዙት ውድባትን

ሓቢርና ብዘካየድዎ ቃልሲ ኹሎም ህዝብታት ብማዕረ ዝነብሩላ፣ ብሩህ ተስፋን ዕድልን ዘለዋ ሃገር ክትህሉ ገይርና ኢና። ኣብዚ ብሓባር ዝገበርናዮ ቃልሲ ዘመዝገብናዮም ዓወታት ይኹን ዝተርኣዮ ድኽመታት ብሓባር ዝሰራሕናዮም ምኳኖም እትርድእዎ ሓቂ እዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ብሓባር ዘመዝገብናዮ ለውጢ ፀለሎ ይኽደን አሎ። እቶም ብናይ ሓባር ቃልስና ዝሳዓርናዮም ተረፍመረፍ ደርግን ሓይልታት ትምክሕትን ዘካይድዎ ዘርአዊ መጥቃዕቲ ተጠናኺሩ እናቐፀለ ይርከብ። እዚ ኣካይዳ ብመሰረቱ ኣዕናዊን ሃገርና ናብ ሓደገኛ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ዝወስድን ኣካይዳ ምዃኑ ህወሓት ብፅኑዕ ይኣምን። ስለዚ ሰላምናን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትናን ኣብ ምሕላው፤ ብዓብይኡ ድማ ህልውና ሃገርና ኣብ ምርግጋፅ ብሓላፍነት እንረባረበሉ እዋን እዩ። ብሽም ለውጢ ዓዲ ዝብትን ተግባር ደው ክብል ይግባእ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እውን ነዚ ብከቢድ መስዋእቲ ዘረጋገፅናዮ ህዝባዊ ስርዓት ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ናብ ሓደጋ ንምእታዉ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ብፅንዓት ንምምካት ሕዚ እውን ከም ቀደሙ ፅኑዕ መሓዛ ኮይኑ ከምዝራባረብ ከረጋግፀልኩም ይፈቱ።
ዝኸበርኩም ተቃወምቲ ውድባት ክልልናን ሃገርናን ብሓፈሻ ሓይልታት ሕገ-መንግስትን ፈደራል ስርዓትን ድማ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡ ህወሓትን ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ንምግማቱ ብዝገርም ናይ ዕለማ ሓድነትን ፅንዓትን ዝኸፈልዎ መስዋእቲ እትርዱእዎ ሓቂ እዮ። ተቃወምቲ ውድባት ሃገርና እውን ውፅኢት ቃልሲ 11 ለካቲት ምኻንኩም ዘይካሓድ ሓቂ እዩ። እዚ ብከቢድ መስዋእቲ ዝተረኸበ ዓወት ካብ ሕገመንግስቲ ምኽባር ወፃኢ ቀፃልነት ክህልዎ ኣይኽእልን። ስለዚ ሕገመንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ንምሕላው ኣብ ዝግበር ምንቅስቃስን ህልውና ሃገርና ኣብ ምርግጋፅ ብሓባር ክንሰርሕ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ብሄር፤ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና

ብሓባር ዝገበርናዮ ቃልስን ዝተኸፈለ መስዋእትን መላእ ብሄር፤ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያን ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ብማዕረ ዝውስንሉን ተጠቀምቲ ዝኾኑሉን ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ተቓሊስና ዘረጋገፅናዮ ሕገ-መንግስትን ፌዴራላዊ ስርዓትን ንምፍራስ አብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊን ምስ ፀረ ዕብየትና ዝኾኑ ናይ ደገ ሓይልታት ብምትእስሳር ከቢድ ምርብራብ እናተገበረ ይርከብ። ብመሰረቱ እዚ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ሃገርና ናብ ከቢድ ምትህልላቅን ምፍርራስን ከእትዋ ዝኽእል ሓደገኛ አካይዳ ምኻኑ ተረዲእኹም መላእ ብሄር፤ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብናይ ሓባር ቃልስና ሃገርና ክነድሕን ህወሓት ይፅዉዕ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰልካን ሓርነትካን ኣብ ዘካየድካዮ ተጋድሎ ኣብ ጐኒኻ ኮይና ተቓሊስና ኢና። ኣብ ልዕሊ ቃልስናን ውድብናን ካብ የማን ፀጋም ማእለያ ዘይብሉ ፀለመን ወፍርን እናተገበረ እንተሎ እውን ሰገጥ መገጥ እንተይበልና ንመሰልካን ረብሓኻን ደጊፍና ተቓሊስና ኢና። ነፃነትካ ምስ ኣወጅካ እውን እንተኾነ ንውሳነኻ ደጊፍና ጠጠው ኢልና ኢና። ብናይ ባዕልኻ ቃልስን መስዋእትን ነፃነትካ ኣረጋጊፅካ ኢኻ። ሕዚ እውን እንተኾነ ንራህዋን ምዕባለን ኣብ ትገብሮ ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ጐንኻ ጠጠው ክንብል ኢና።


ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ ዘይተደለየ ጐንፅን ኩናትን ፀኒሕና ኢና። ኣብ ታሪኽ እዞም ክልተ ኣሓት ህዝብታት ዝፈጠሮ በሰላ እውን ቀሊል ኣይኮነን። ይኹን ‘ምበር ሎሚ ሓዱሽ ናይ ሕውነትን ምትሕግጋዝን ምዕራፍ ተኸፊቱ ኣሎ። እዚ ዕድል ክጠናኸርን ክሰፍሕን ኣለዎ። ሓቢርና ተደጋጊፍና ናብ ምዕባለ ክንምርሽ ይግበኣና። ብዝህሉ ምንቅስቓስ ዝጥቀምን ዝጉዳእን ክልቲኡ ህዝቢ እዩ። ስለዚ ዝጀመርናዮ ሓዱሽ ራህዋን ሰላምን ውሑስ ክኸውን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ምትእስሳርን ርክብን ክጠናኸር ይግባእ። እዙይ ንምግባር ህወሓትን መላእ ህዝቢ ትግራይን ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዝፍፀሙ ደጊምና ክነረጋግፀልካ ንፈቱ።

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋኣትና!!
ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት!!
11
ለካቲት 2011 /

Last modified on Sunday, 17 February 2019 14:57