ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ዓመተ 2019 ኣባላት ሰዲህኤ ጨንፈር ቁ.2 ሃገረ ሽወደን ተካይዱ

2019-02-07 20:10:15 Written by  ጸሃየ ቀለታ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1704 times

                                                                  

ብዕለት 01/02/2019 ካብ ሰዓት 19.00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 21.00 ድ.ቀ ኣብ መራኸቢብዙሓን ፓልቶክ  4ተ ኣጀንዳታት ዝሓዘ ኣኼባ ብተሳታፍነት ምልኣት ኣባላት ሙዉቅን ኣገዳሲ ኣኼባኦም ኣሳላሲሎም። ተሓዝ ገንዘብ ጨንፈር ኣስዒቡ ዘቅረቦ  ብዝርዝር ጸብጻብ ናይ ወርሓዊ ዉጺኢትን ወፈያን ሙሉእን ስሩዕን ብምዃኑ ፡ ኣባላት ብተወፋይነቶም ብሓቂ ዝምስገንን  ዘኩርዕን ክብል ገሊጽዎ። ብምቅጻል ሽማገለ ጨንፈር ብዝሰርዓቶ ኣብ ምጽፋፍ ኣርካይቭ ኣባላት ንሓጻይት ሽማገለ ዝሕግዝ ሰነድ ሓቢራ። ናይ መጨረስታ ኣጀንዳ ከኣ ምንባብ እቲ ናብ መሰረታት ወሪዳኡ ዘሎ ሰነድ ናይ ታሪኻዊ መስመሪ ጉባኤ ኣብ ምድላው ዝርከብ ቅዋም ሰልፊ ኣብ ክልተ ብምክፋል ፡ ማለት  ቀዳማይ ክፋል ካብ ዓንቀጽ ሓደ ክሳብ ዓንቀጽ ኣርባዕተ ብምንባብ ፡ ኣባላት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ተወሳኽን ክመሓየሽ ዘሎዎን ርእይቶታ ብምሃብ ጌና ንቀጻሊ ኣኼባ  ከስፍሕዎምን ከሄብትምዎን ንካልኣይ ርክብ ክቅጽልዎ ኣስሚሮምሉ ።

Last modified on Thursday, 07 February 2019 21:21