ኢትጵያውያን ምሁራትን ፖለቲከኛታትን፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረረ ርእይቶታት ይህቡ

2019-02-08 15:33:25 Written by  Radio Erena Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2118 times

Radio Erena: 08 February 2019

Isaias and Abiy 1ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ መድረኽ፣ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ምሁራትን እታ ሃገር፣ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ዘተን ክትዓትን፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ርእይቶታት ይህቡ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ ብዝምልከት፣ "ኢትዮጵያ ነቲ ወደብ ናይ ምውናን ሕጋዊ መሰል ኣለዋ" ኣብ ዝብል ነጥቢ ናይ ዘተ መድረኽ ምኽፋቶም፣ ንሉኣላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝቓወም መርገጺታት ዘግህድ'ዩ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጀሚሮም ዘለዉ ንህዝቢ ኤርትራ ንጹር ዘይኮነ ርክባት፣ ብወገን ብዙሓት ኢትዮጳውያን፣ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተመልሰት ክሳብ ዝሕሰብ በጺሑ ይርከብ።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት'ውን፣ ኢትዮጵያውያን፣ ንኤርትራ ዝሓወሰት ካርታ ኢትዮጵያ እናልዓሉ፣ ሰለማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ይርኣዩ'ዮም።

ኤምባሲ ኢትይዮጵያ ኣብ ብሪጣንያ፣ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፣ ኢትዮጵያውያን ሒዞማ ዝነበሩ ንኤርትራ ዝሓወሰት ካርታ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ምዝርግሑ፣ ብኤርትራውያን ድሕሪ ዝገጠሞ ተቓውሞ፣ ብወግዒ ይቕሬታ ሓቲትሉ'ዩ።

እዚ፣ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ተርእዮታት፣ ብዝያዳ ገኒኑ ዝርከብ፣ በቶም ንሓያሎ ዓመታት ብመንግስቲ ኤርትራ ክድግፉ ዝጸንሑን፣ ቤት ጽሕፈታቶም ኣብ ኣስመራ ዝነበረን ጉጅለታት ኣምሓራ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ መላእ እታ ሃገር እናስፋሕፈሐ ይኸይድ ኣሎ።

እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ፣ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነትን ንህዝቢ ብንጹር ዘይተሓበረን ርክባት መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺታት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት የመልክቱ።

ኣቐዲሙ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ "ኣይከሰርናን። ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ'ዩ ኢሉ ዝሓስብ፣ ታሪኽ ዘይፈልጥ ጥራይ'ዩ፣" ክብል መግለጺ ምሃቡ ኣይርሳዕን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ'ውን ኣብ ብዙሕ ጉዳያት፣ ንሉኣላዊት ኤርትራ ወኪሉ ይዋሳእን መግለጺታት ይህበሉን ምስ ምህላዉ፣ ነቲ ብዝተፈላለዩ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን ዝርአ ዘሎ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር ርእይቶታት የራጉድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዚ ብወገን ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝርአ ዘሎ ንሉኣላውነት ኤርትራ ዝጻረር መርገጺታት፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ኣቖጢዑ ከምዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝዝርግሑ መልእኽታት የነጽር።

Source=https://erena.org/index.php/zena/4700-ኢትጵያውያን-ምሁራትን-ፖለቲከኛታትን፣-ኣብ-ዘካይድዎ-ዘለዉ-ዝተፈላለየ-ዘተ፣-ንሉኣላውነት-ኤርትራ-ዝጻረረ-ርእይቶታት-ይህቡ-ኣለዉ

Last modified on Friday, 08 February 2019 16:38