ኤርትራውያን ሎሚ እውን ኣብ ቅድሜና ዓበይቲ ብደሆታት ስለ ዘለዉ ጉዳይና ኣሰካፊ እዩ። እቶም ካብዚ ዘለናዮ ደልሃመትን ወጽዓን ክንወጽእ እንደሊ ብዙሓት ምዃና ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ብኣንጻሩ ነዚ ዘሎ ሕማቕ ዘበን ዝረዓሙን ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ሕማቕ ዘበን ህግደፍ ዝንእዱን ውሱናት ኤርትራውያን ናህሪ እንዳቐሃመ ዝኸይድ ከም ዘሎ ዘርኢ ምልክታት ንዕዘብ ኢና። እዚ ናይዞም ተቓወምቲ ምብዛሕ ክብርን ወሳንነት ህዝቢ ንዝርዳእ መንግስቲ ዓብይ መቕጻዕቲ እዩ። ህግደፍ ግና ኣብ ሓይልን ወሳንነትን ህዝቢ ስለ ዘይኣምን ንናይ ህዝቢ ካብኡ ምርሕቕን ምቕራብን ትርጉም ኣይህቦን እዩ። ብኣንጻሩ ኣሜን ኢሉ ንዘይተመሓደረ ኣገዲዱ ከም ዝገዝኦ እዩ ዝኣምን። እቲ ኣብ መወዳእታ ሒዝዎ ዝዕዘር ውሕጅ ከኣ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ንዕቀት ዝምንጩ እዩ።

እቶም ብግጉይ ኣበሃህላኡ ዝደንዘዙ፡ ዘዝበሎ ካብ ምድጋም ሓሊፎም ንምምዝዛን ዘይተዓደሉ ውሑዳት፡ ምስ ህግደፍ ተጸጊዖም ዘይወድዓዊ ስኽራን ዘዕበዶም ኤርትራውያን ነዚ ንርከበሉ ዘለና ግዜ ብጽሞና ክሓስብሉ ዝግበኦም እዩ። ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ድሂኹ ኣብ ካልእ ኤርትራውያን ዘይፈልጥዎ ዓለም ክነብር ዝወሰነ እዩ። ከምቲ “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ዝበሃል ህግደፍ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክሕባእ እምበር ናብ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ ሓሳብ ከይምጽእ ዝነጸፈ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ንክሕባእ ኣብ ዓዲ ሃሎ ባሕትዩ ዝጸንሐ መራሒ ህግደፍ፡ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝበሃል ፍቱው መራሒ ንክመስል፡ ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን ከይዱ ኣፍልቡ እንዳወቐዐ ሓጐሱ ክገልጽ ምቕናዩ ነዚ ዘመልክት እዩ። ካብ’ዚ ምእንቲ ህዝቢ ናይ ምሕሳብ ኣእምሮኡ ዝነጸፈ መራሕን ጉጅለኡን ደሓን ምጽባይ ከኣ ከንቱ እዩ። ንኣብነት ህግደፍ ጉዳይ ዶብ ምልዓል ዘይግባእ ጥራይ ዘይኮነ ነውሪ ምዃኑ ኣግሂዱ እንዳነገረካ፡ በቲ ቀደም ኢሳያስ ክደርፎ እንከሎ ሓቂ ዝመስል ዝነበረ “እቲ ሰብኣይ እዩ ልኡላውነት ሃገርና ዘኽብረልና” ምባል ናይ ብዘበን ውበ ጸሚሞም ውበ ክብሉ ዝነብሩ ኣተሓሳስባ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ዝህልዎ ኣይኮነን። ኮታ ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ካብ ማህደር ህግደፍ ካብ ዝወጽእ ሎሚ ደኣ ዝያዳ ይበርህ ኣሎ እምበር ነዊሕ ኮይኑ እዩ። “ደጊም ጉዳይና ጉዳይ ዞባ እዩ” ዝበሃል ዘሎ ምጉብዕባዕ ከኣ ናይዚ መርኣያ እዩ። ሎሚ ኤርትራን ህዝባን ሓቀኛ “ኣለኹልኩም” በሃላይ ዝጽበይሉ ናይ ዋግዋጎ መድረኽ እዩ። እቲ “ኣለኹ ባዕለይ” ክብል ዝግበኦ እምበር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ካልእ መመላእታ እዩ።

ሓድሓደ ነቲ ዝረአ ክርእዩ ዘይደልዩ ንመሰረታዊ ሕቶ መሰልን ዲሞክራስን ብቑንጣሮ ኣቕርቦት ሃላኺ ነገራት ክልውጥዎ ዝደናደኑ ወገናት፡ “ሕጂኸ ንህዝቢ ኤርትራ ጐዲልዎ ዝበሃል ዘሎ እንታይ እዩ?” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ከምቲ “ካብ ልቢ እንተሓዚንካ ንምዓት ኣይኣብን” ዝበሃል ካብ ልቢ ንዝሓስብ ኣብ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዘለዉዎ መንግስቲ፡ ኣብዚ ሎሚ ከም ራባዓይ ኣካል መንግስቲ ዝውሰድ ዘሎ ሚድያ፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን፡ መሰል ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምስዓብ ናይ ዝኣመሰሉ ብኩራት ከም ዘሎ ምርዳእ ምርምር ዘድልዮን ሕቶ ዘልዕልን ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ እውን ኣብቲ ፍታሕ ምቕራብዩ ጥልዕምልዕ ዝብልን ነቲ ንሱ ክምልሶ ዝግበኦ ሕቶ ተመሊሱ ሓታታይ ኮይኑ ዝቐርብ እምበር ነቲ ዝድህሰስ ሓቅስ ኣይክሕዶን እዩ። እቶም ዝያዳ ህግደፍ፡ ህግደፍ ክኾኑ ዝደልዩ’ሞ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘሰክሕ ኩነታት ክደፍንዎ ኣብ ዘይከኣልሉ ካብ ዘቕርብዋ መህደሚት “ኩሉ ቀስ ኢልካ እንድዩ ዝኸውን ግዜ ንሃቦ” እትብል ዝበለየት ምኽንያት እያ። ህግደፍ ግና ህዝባዊ ሓልዮት ዘብቁል ሕልና እምበር ግዜ ኣይኮነን ስኢኑ። በዓል ምምልካት ዶብን እገዳን ከኣ ምኽንያትነት በልዩ ተደርብዩ እዩ። ደጊም መመሳመሲ መጋረጃ ተቐንጢጡ ምስ ሓቂ ምፍጣጥ ጥራይ እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ እቶም ካብ ወጽዓ ህግደፍ ክንወጽእ እንብህግ ኤርትራውያን፡ ካብቶም ወጽዓ ርዒሞም ምስኡ ክነብሩ ዝደልዩ ወገናትና ኣዚና ከም እንበዝሕ ፍሉጥ እዩ። ነቶም ብልቦም ኣንጻር ወጽዓን ናይ ለውጢ ተጠቀምትን ክንሶም፡ ብሓደሓደ ምስ ህልውና ሃገርን ራህዋ ህዝብን ክወዳድር እንከሎ ትርጉም ዘይወሃቦ ግዚያዊ ረብሓታት ምስ ህግደፍ ዘውደኽድኹ ወሲኻ እሞኸኣ ኩልና ኤርትራውያን ምስ ህግደፍ የለናን ዘብል እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ኣስመራ ከይዱ እገረመንገዱ ምስ ብዙሓት ኣዕሊሉ ዝተመልሰ “ኣብ ኣስመራ ኢሳይያስ ሳልሳይ ርእሱ ጥራይ እዩ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ። ነቶም ክልተ ንሓንሳብ ንጎንደር ንሓንሳብ ንባህርዳር ርሒቑ ተተባህለ ከኣ ናብ ሱዕድያን ሕቡራት ኢማራትን ኣንጠልጢልዎም ይኸይድ። ንሳቶም እውን ሳንጣኹም ሒዝኩም ሰዓቡኒ እዮም ዝበሃሉ እምበር፡ ምስኡ ካብ ምስኣል ሓሊፎም ዝፈልጥዎ የብሎምን እዩ ዝበሃል” ዝበለኒ ከኣ ነዚ ዘረድእ እዩ።

ሓደ መሰረታዊ ነገር ግና ኣሎ። እቶም ኣንጻር ወጽዓ ተሰሊፍና ዘለና፡ ስለ ዝበዛሕና ጥራይ ኣይንዕወትን ኢና። እዚ ብዝሕና ግድን ብሓያልነትና ክስነ ይግባእ። ለውጢ እንዳደለናን ብሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን እንዳሓዘናን ተሓቢእና ንህግደፍ ምርጋም ጥራይ ለውጢ ኣየምጸኣልናን እዩ። ብዓብይ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን እንዳሓሰብና ውልቃዊ ምርጫታት ምውሳድ ኣየዋጸናን እዩ። ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ከይቀሰንና ኣብ ሓደ ናይ ጸቢብ ስምዒት ኩርናዕ ክንሕባእ ምፍታን መፍቶ ህግደፍዩ ዝገብረና። ብክብርን ሕድርን ሰማእታትና እንዳሓሰብና ንህግደፍ ምምራቕ ተጻራሪ መንገዲ ምሓዝ እዩ። ክንዲ ንመጻኢ ምምዕዳው ኣብ ሕሉፍ ምጽብጻብ ምጽማድ ኣየሰጉመናን እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ግጉይ ኣካይዳታት ነቲ ብዝሕና ኣብ ክንዲ ዘሕይሎ መሊሱ’ዩ ዘድክሞ። ናትና ናይቶም ብዙሓት ምድካም ከኣ ኣደዳ ህግደፍ ምዃን’ዩ ዘስዕብ። ስለዚ “ብዙሓትን ጥምዙሓትን” ካብ ምዃን ወጺእና ብሓባርን ውዱብ መንገድን ሓያልነትና ኣንጻር ህግደፍ ነረጋግጽ።

እንዳርጋችው ጽገ

ሎሚ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ: ዝኣስርን ዝሓንቕን ዘፍርስን ዘዕኑን: ኤርትራ ዘግነት ዝህብን: ንደቂ ሃገር ኣብ ሃገሮም ክመላለሱ: ክነብሩን: ኣንተደለየ ዘፍቅድ: እንተጸልኤ ዝኸልእ: ሓደ ንሱ እዩ።   ኤርትራ ክትነብር: ክትድምሰስ: ምስ ካሎኦት ሃገራት ክሕውስ: ደቂ ሃገር እውን ክበልዑ: ጾሞም ክሓድሩ: ክሰርሑ: ኮፍ ክብሉ፣ ክምርዓው: ክጸንቱ ክነብሩ: ክመቱ :ዝውስን ናይ ኤርትራ ናይ ምድሪ ኣምልኽ ኮይኑ ምህላው ከኣ ዘጣያይቕ ኣይኮነን።

ስለዚ ኢሳያስ: እቲ ናይ ነዊሕ ኣጀንድኡ ከተግብር: ንህዝቢ ኤርትራ ብ ናይ ወያነ ምስምስ ገይሩ : ኢትዮጵያውያን ተቃወምቲ ሽዱሽተ ውድባት ዝኾና: ኣብ ኤርትራ ዓስኪሩ: ሓንቲ ካብ ኣተን ትኹን ልዕላዊነት ኤርትራ ዘይኣምና: ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብሚስጢር ሕዝካ: በቲ ሕቡእ ኣጀንድኡ ክምልምለንን: ክጥውረንን: ድሕሪ ምጽናሕ: ሎሚ እተን ውድባት ኣብ ኢትዮጵያ ክኣትዋ ዕድል ብምርካበን: ብ ገለ ፍሉያት ብሄራት ኢትዮጵያ ዓቢ ዝና ሪኺቡ ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ።

ንኣብነት ካብኣቶም ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ሒዙ:ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሔ ካብ ኤርትራ : ብመጸዋዕታ ዶክተር ኣብይ: ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ፣ ምክትል ኣቦ መንበር ጉንበት 7 ኣንዳርካቸው ጽገ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ቓል መጠየቅ ኣብ ዝገበሮ: ከምዚ ይብል። ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ረፈረንዶም ንኽትገብር ሃዊኾም ከምዝካየድ ዝገበሩ ወያነ እዮም ።

ረፈረንዶም ሓደ 5ዓመት ዶንጉዩ ተኻይዱ እንተ ዝነብር: ህዝቢ ኤርትራ 99.8 ንናጽነት ኣይምመረጸን ነይሩ : ልክዕ ከምዚ ሕጂ ሰላም ምስ ኮነ ንሪኦ ዘሎና ሲሚዒት ማለት እዩ። ደርጊ ምስ ወደቀ: ብወገን ህዝባዊ ግንባር: ሓቢርካ ናይ መሳጋገሪ መንግስቲ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሓይልታት ምምስራት እዩ ነይሩ ዕላምኦም ። ብወገን ወያነ ግን: ንሱኹም ኤርትራ ናጻ ኣውጺእኩማ ኣለኹም: ኪዱ ኣብኡ ኣማሓድሩ ኢሎም ፣ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከም ትንጸል ዝገበሩ ናይ ወያነ መደብ እዩ ነይሩ በለ። ወይ ጉድ ንኽትበልዓ ዝደለኻ ኣባ ጎብየ ዛግራ ይብሉዋ ኮይኑ ነገራቱ።

ከም ትፈልጥዎ ኣንዳርካቸው ጽገ: ምቅማጡ ኣብ ሎንደን ዓዲንግሊዝ ኮይኑ፣ ዘግነቱ ኢትዮጵያዊ እንግሊዛዊ እዩ: ካብ ሎንዶን ንኤርትራ ናብ ጎይቱኡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኽከይድ ኣብ የመን ትራንዚት ክገብር፣ ናይ ወያነ ጸጥታ ጠሊፎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምውሳድ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእሳሩ፣ ትማሊ ብዶክተር ኣቢይ: ካብ እስርቤት ናጻ ድሕሪ ምልቃቁ፣ ኣብ ሎንዶን ስድርኡ ድሕሪ ምብጻሕ፣ እንደገና ናብ ጎይትኡ ኢሳያስ ናብ ኤርትራ ብምኻድ፣ ምስ ኢሳያስ ድሕሪ ምምኻሩ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ ሰብ እዩ።

ስለዚ እዞም ኩሎም ኣብ ኤርትራ ተቃወምቲ ኢትዮጵያውያን ዝነበሩ: ሽዱሽተ ውድባት ዝኾኑ: ኤርትራ ሓንቲ ክልል ኢትዮጵያ ንምግባር እዩ ክስራሓሉ ዝጸንሔ : ሕጂ ብጉሁድ ንሪኦን ንምልኮተ ዘሎና ጉዳይ ኣዩ።

ኢንዳርካጨው ጽገ ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ንናጽነት ከም ዝተቃለሰ ዝፈልጥ እውን ኣይመስለንን፣ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ዝድለ ተዝነብር ድኣ፣ እንታይ እዚ ኹሉ ሽግርን መከራን መስዋእቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣድለየ፣ ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ንሓሙሽተ ዓመት ክጽበ ይትረፈ: ነተን ንምቅርራብ ሪፈረንዶም ዝተበልዓ ዓመታት እውን ደንጉይዎ ከም ዝነበረ ክንገልጸልካ ንፈቱ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ድሕሪ ናጽነት: ህዝቢ ኤርትራ እንካይዶ ምስ ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ ክቅጽል: ስም ኢትዮጵያ ትባሃል እውን ክሰምዕ ኣይደልን እዩ ዝነበረ።

ስለዚ እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ: ኢሳያስ ህዝቢ ኤርትራ ብዱቁሱ: ብገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ: ይሰርሓሉ የውጻኣሉን ነይሩ እዩ። ኢሳያስ ናይ መጨረሽታ ታርገቱ እዚ ሎሚ ብዓይንና ንሪኦ ዘለና እዩ: ድሕሪ ናጽነት እውን ፈቲኑ ነይሩ እዩ: ክሰልጦ ኣይካኣለን። ዓሌቱ ትግራዋይ: በዲኡን በቡኡን: ከም ምኻኑ: ብዙሓት ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ብጹሑፍ ይኹን ብቃል ተዳጋጋሚ ይሕበሩ ነይሮም እዮም: መብዛሕቲኡ ኤርትራውያን ግን ከኣምን ኣይካለን።

ስለ ዝኾነ ሎሚ እነሄለ ንሃገሩ ይሰርሕ: ኢሳያስ ንምንታይ ሂወት ታሪኹ ዘይጽሕፍ: ዝብል ጥዑይ ሓታታይ ምስ ዝርከብ: ዝብእስ ስጋዕ ዝደልዎ ይሕንክስ ከም ዝባሃል ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራዊ ጋዘጠኛ ቃለ መጠየቅ ምስ ገበረሉ: ከምዚ ኢሉ እውን ሓተቶ : ክቡር ፕረሲደንት ኢሳያስ: ማኣስ ኢኻ ሂወት ታሪኽካ ትጽሕፍ ምስ በሎ: መልሲ ናይ ኢሳያስ: ኣብ ሳሕል ከለና ጀሚረ ነይረ፣ ናጽነት ምስ መጸ ካብቲ ዝነበርናዩ ነስመራ ክንቅይር ከለና: ኣብቲ ምቅያር ጠፊኣ: ግን ድሕሪ ሕጂ ክጽሕፍ ኢየ በለ። ናይ ሎሚ 27 ዓመት ። ሕጂ ግን ታሪኽ ሂወቱ ኣብ ወረቀት ምጽሓፍ ዘይኮነ ብተግባር ንሪኢ ኣሎና።

ስለዚ ኩቡር ህዝቢ ኤርትራ እቶም ኣብ ደገ ንነብር: ናይ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ገዲፍና፣ ብጉዳይና ቡዙሕ ተዛሪብና ንዛረብ እውን ኣሎና : ብዘረባ ዝኽውን ነገር ግን የለን : ሎሚ ክሳድ ማሓዝ እዩ፣ እዚ ማለት ካኣ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ኩርና ዓለምና ዘሎና ደለይቲ ፍትሒ ብሓደ ንስራሕ ዝብል መርሆ ተላዒሉ ስለ ዘሎ: ኣብ ዘዘለናዮ:ዞባ ድዩ ወረዳ ከመይ ንጥርነፍ ቀዳምንት ክንህበሉ ዘለና ጉዳይ እዩ።

ሰለዚ ጉዳይና ኣብቲ ዝኸፍኤ ናይ ሓደጋ ጥርዚ በጺሑ ከም ዘሎ: ነዚ ሓደጋ እዚ ዓጺፍካ ዝሓሸ ለውጢ ንምምጻእ ልባዊ ድልውነት እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ:ብቕሉዕ ኣንፈት ናይ እዚ ገጢሙ ዘሎ ጸገም: እዝን ብኸምዝን እዩ መፍቲሒኡ ኢልካ፣ ብድሕሪት ሕቱኽቱኽ ምባልን ከምዘይዋጽእ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ተማሂርና: ነፍስወከፍ ነፍሱ ፈቲሹ ንሓቀኛ ዘተ ድልዋት ምኻን እዩ ኣንኮ መፍቲሒና። ኣታሃላልዋና ሩጉእ ከምዘየለ ዘመልክት እዩ: ሃለዋትና ዘይሩጉ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ: ገሌና ኤርትራውያን ክንድቲ ንሻቐሎ ዝግባኣና ንሻቐል ዘይምህላውና ከአ ዘታዓዛዝብ እዩ። ነዚ ዘለናዩ ህሞት ኣብ ክንዲ ክንቅይሮ ንቃለስ ለሚድናዮን ርዒምናዮን ከይነራጥጥ ኣውን ዘሰክፍ እዩ፣ ስለዚ ጉዳይ ጉዳይ ኩልና እዩ: ደጋፊ ዘይብሉ: ተቃዋሚ ዘይብሉ: ሃገር ኣድሕን እዩ መልእኽቱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሓምሳታት ዝተገብረ ገጋታት: እቲ ኣደራዕ ዝወረደ መንእሰይ ኤርትራ እዩ: ኩላህና ንፈልጦ ሓቂ እዩ: ብኡ ስለ ዝሓለፍና፣ ሕጂ እውን ነዚ ዝመጽእ ወለዶ ንሕሰበሉ: ምሉእ ሂወቱ ውግእ ወረ ውግእ ኮይኑ ከይተርፍ። ንዝሓለፉ ሰማእታትና ክንድብስ፣ ንዝተኣስሩ ክነፍትሕ፣ ስደት ከብቕዕ ሓቢርና ብሳላም ናይ ምንባር ዕድል ከየምልጠና፣ብስሙር መኸተ ንህግደፍ ይኣክል ንበል።

     ዓወት ንሓድነትና !!

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና !!

  ብሚካኤል ኣጎስቲኖ ጀርመን

    17.11.2018

    

ኣብቲ ብዕለት 10-11-2018 ኣብ Huhngasse 45 PLZ 50676 ከተማ ኮለን ሃገረ ጀርመን ብማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን፣ ብምሉእ ምትሕብባር ማሕበረ ሰብ ኮለን ንጀጋኑ ውጉኣት ሓርነት መደበር ከሰላ ንምሕጋዝ ካብ ሰዓት 14.00 ክሳዕ 19.00 ድሕሪ ቀትሪ ዝተገብረ ቅዱስ ኣኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ኣብዚ ሓው ኣፈወርቂ ኣባይ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ሃገረ ጀርመንን ሓው መዓሾ ኣስራት ተሓዝ ገንዘብን ተረኺቦም ብህሉው ኩነታት መደበር ክሰላን ኣቋም ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ብቃልን ብተንቀሳቐሲ ስእሊን ንዕዱማት ገሊጾም።

ብድሕሪዚ ብውሑዳትን ግዱሳትን ዓበይቲ ሰብ ንያትን ዝዀኑ ዕድመኛታት ዝተወፈየ ገንዘብ 910.00 (ትሸዓተ ሚእትን ዓሰርተን ) ኤውሮ ተዋጺኡ።

እዚ ዝተገብረ ኣዝዩ ብርኩት ሓገዝ ንውጉኣት ሓርነት ድራርን ዓቢ ሞራልን ክኸውን እንኰሎ፣ በቲ ሓደ ወገን ድማ ነቶም ገበርቲ ሰናይ ዝዀኑ ገዱሳት ኤትራውያን ኣሕዋት: ዓቢ ንያት ምዃኑ ርኡይ ሞያ ኢዩ። ብዘይካዚ በቲ ዝተዋህበ ሓበሬታ መሰረት እቶም ኣብዚ ብግዜ ምሕጻር ዘይተረኽቡ ብባንክ ኣቢሎም ክሰዱ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራን

ማሕበረ ሰብ ከሎንን ቦንን ከባቢኡን

ብቀዳምነት፡ ከም ደቂ-ሃገረይ መጠን ዝኸበረን ዝዓዘዘን ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ቀጺለ ኣብ ጥዕናኹም ይኹን ዕለታዊ መነባብሮኹም ሰናይ ትምኒተይ ይገልጸልኩም።

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡

ኣብ ፖለቲካዊ ሂወት፡ ምድጋፍን ምቅዋምን ከም ባህርያዊ መባእታዊ መሰል ዜጋታት ንቡር ምዃኑ ኩላትና እንሰማማዓሉ ሓቂ ኢዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ንስርዓት ህግደፍ ምድጋፍኩም ዋላ ዕረ እንዳጠዓመንን እንዳኣገረመንን ከሎ፡ መሰልኩም ምዃኑ፡ ክውሕጦን ክርዕሞን ዘሎኒ ጉዳይ ምዃኑ ይኣምን። እቲ ዕረ ዝጥዕመኒ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ናትኩም ህግደፋዊ ደገፍ፡ ንምልክን ሕሰምን ጭቆናን ኤርትራዊ ስድራ-ቤት ትድግፉ ምህላውኩም ስለዝርዳእ ኢዩ። ብዘይ-ሕብእብእ ክዛረብ እንተኾይነ፡ ሓያለ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፡ የዕሩኽትን ፈተወትን መተዓልልትን ኣሎውኒ። እቲ ዕርክነትናን ርክብናን ክቕጽል ዝኸኣለሉ ምኽንያት ከኣ መብዛሕትኡ ርእይቶታና ተኸባቢርና፡ ፍልልይ ውሁብ ምዃኑ ስለዝተረዳእናን ኢዩ። ኣብ እንነሃሃረሉ ግዜ ከኣ፡ ኣብ ዕርክነትና ጥዕና ክህብ ከምዘይክእል ኣስተብሂልና ንግዚኡ ኣወንዚፍናን ኣቋሪጽናን ብካልእ ዕላላት ከምዝትክኡ ብምግባር ተኻኣኢልና ስለእንጉዓዝ ጥራሕ ኢዩ። ብወገነይ፡ ግዜ ክምልሶ ሓደ ግዜ ዝጠዓስሉ ግዜ ክመጽእ ኢዩ ብምባል ነቲ ዕርክነትን ማሕበራዊ ርኽክብን ክኽሰር የብሉን ካብ ዝብል ብትዕግስትን ብምጽውዋርን ዝተሓልፈ ቀሊል ኣይኮነን። ብዙሓት ዝጸርፉና ዝነበሩ ምስ ተረደኦም፡ ቅድም ዝገብርዎ ዝነበሩ ጌጋ ኣሚኖምን ተጣዒሶምን ኣብ ጎንና ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዘጋጠሙኒ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ዝምህረና ከኣ፡ ሰብ ክጋገ ከምዝኽእልን፡ ተመራሚሩ ሓቂ ምስ ፈለጠን ምስ ተረደኦን፡ ኣብ ጎኒ ሓቅን ፍትሕን ክመጽእ ከምዝኽእል ኢዩ።

ዝኸበርኩም ደቂ-ሃገር

ኩላትና ፍቕሪ እንፈትዋ ኤርትራን ህዝባን ከምዘሎና እንፈላለየሉ ጉዳይ ኣይኮነን። ህዝቢ ብዘይ ሃገር ክብረት ከምዘይብሉ፡ ንዓና ንኤርትራውያን፡ ተሞክሮ መግዛእትን ስደትን ኣጸቢቑ ይምህረና። ሃገር ልዕላውነታ ክዕቀብን ክኽበርን ጥራሕ ዘይኮነ፥ ንከይግሃስ ከኣ ዚጋታት ክሳብ መስዋእቲ ክኸፍሉ ሃገራዊ ግቡእን ግዴታን ኣሎዎም። ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ሰብ ዘይብሉ ምድረ- በዳ እንተበልናዮ ጌጋ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ክኣትውን ክሳጥሑን ከሎው፡ ካብ ደንበ ተቓወምትን ደገፍትን ናይ ፍልልይ ዛሬባ ወጺና፡ ሃገርን ህዝብን ከነድሕን ሓቢርና ክንሰርሕ ታሪኻውን፡ ሕልናውን ሓላፍነት ክንስከም ይግባእ። ኣብ ዝሓለፈ፡ እቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቛወምትን ዝነበረን ዘሎን ፍልልይ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዝነበረናን ዘሎናን ናይ ኣረኣእያን እምነትን ፍልልይ ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ፡ ደገፍቲ፡ ንህግደፋዊ ስርዓት ከም ዋሕስ ናይ ኤርትራ ጌርኩም ክትርእይዎ ከሎኹም፡ ብወገን እቶም ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ እንብህግ ደለይቲ ፍትሒ ከኣ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንኤርትራን ህዝባን ቀንዲ ጠንቅን ሓደጋን ኢዩ ዝብል ኢዩ። እቲ እንኣምነሉን እንድግፎን ኣብ ሓቅን መርትዖን ዝተመርኮሰን፡ ሃገርን ህዝብን ማእከል ዝገበረን እንተኾይኑ፡ ኩላትና ኣብ ሓደ መደምደምታ ኢና ክንበጽሕ እንኽእል። እቲ ሓቂ ዝነግረና ከኣ፡ ኤርትራን ህዝባን ኣብ ኢድ’ዚ ዘሎ ናይ ኢሳያስ ስርዓት፡ ማእለያ ዘይብሉ ዕንወትን ብርሰትን ከምዝወረዳ ኢዩ። ህዝብና፡ ናይ ኣማኢት ኣሸሓት ደቁ ከፊሉ ዘረጋገጻ ሃገር፡ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘይክበረላ፡ ብሕግን ቅዋምን ዘይትመሓደር፡ ኢደ-በይዛ ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ኮይና ከምዘላ እትስሕትዎ ጉዳይ ኣይኮነን። ኢሳያስ ምስ ዉሑዳት እሙናት ኣገልገልቱ፡ ንዕድመ ስልጣኑ ከም ንህዝብን ሃገርን ተሓላቒ ክመስል ሃገራዊ ጭርሖታት ብምልዓል ከታልልን ከደናግርን ከምዝጸንሐ ዝያዳ ዝግሃደሉ እዋን በጺሕና ኣሎና። ስርዓት ኢሳያስ ንድኽመታት ምሕደርኡ ክሽፍን ኣብ ተጻብኦ ኣመሪካን ወያኔን ዝብል ዕባራ ምኽንያትን ሓሶትን ክሕባእ ኢዩ ጸኒሑ። እቲ ሓቂ ዝነግረና ግና፡ ብትእዛዝ ናይ ኢሳያስ ደሴት ሓኒሽ ይኹን፡ ነቲ ኣብ 1986 ብትእዛዙ መሬት ኤርትራ እንክነሱ፡ ንባድመ ንወያኔ ሓርነት ትግራይ ከተመሓድሮ ዝገደፈን ዘፍቀደን፡ ኣብ 1998 መሬትና ተጎቢጥና ኢሉ ባዕሉ ናይ ባድመ ወራር ዘበገሰን፡ ብዓለም-ለኸ ደረጃ እውን ከም ወራሪ ዝተፈረደሉን ዝኣመነሉን ጉዳይ ምዃኑ ኣሉ ዘይበሃሎ ሓቂ’ዩ። ኢሳያስ ግን ብዘይ-ጸላኢ ኣብ ሰላም ክነብር ከምዘይክእል ስለዝፈልጥ፡ ደገፍቱ ከይክዕብዎን ከይገድፍዎን፡ ኩሉ ጸገማት ኤርትራ ናብ ኣመሪካን ወያኔ ሓርነት ትግራይን ከላግቦ ኢዩ ዝፍትን። ንኣስታት 18 ዓመታት ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጉድጓድን በረኻን ኣስፊሩን ጅሆ ሒዙን፡ ንነጻነት ኣብ ምምጻእ ብጅግነነት ዝመርሑ መቓልስቱ ብክሕደትን ብጥልመትን ኣጸሊሙ፡ ሃለዋቶም ኣብ ዘይፍለጠሉ ቦታ ናይ ማእሰርቲ ዳጒኑ፥ ህዝብና ሓቂ ንከይፈልጥ ንጋዜጠኛታት ኣብ ማሕዩር ከምዝመቱን ከምዝኣርጉን ዝገበረ ናይ ኢሳያስ ስርዓት’ዶ ኣይኮነን?

ብድሕሪ ምቕዛፍ ናይ ሓርበኛታት ሓርነት ውግኣት ኣብ ማይ-ሓባር ብህዝብና ክቕበጽ ዝነበሮ ስርዓት ኢዩ ነይሩ። ኢሳያስ፡ 30 ዓመት ኣገልጊካዮ ሓንቲ መዓልቲ እንተድኣ እምነት ኣጉዲልካ ይቕረ ዘይፈልጥ ጨካን ኣረሜናዊ መራሒ’ዩ። ንወዲ 90ዓመት ፓትርያርክ ናይ ተዋህዶ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከምዝሕለዉ፥ ንተባዕ ኣቦና ሓጂ ሙሳ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝሞቱ ዝገብር፥ ርህራሄ ዘይፈልጥ ፍጡር ኢዩ። ንልዕሊ 40 ዓመት የማናይ ኢዱ ዝነበረ ተጋዳላይ ናይዝጊ ክፍሉ ከይተረፈ፡ ኣብ ሃገሩ ሓመድ ኣዳም ንከይለብስ፡ ምስ ኣስከሬን ናይ ናይዝጊ ዝበኣስን ሕነ ዝፈድን ሰብ’ዩ። ኣነ ብወገነይ፡ እዚ ኩሉ ዝወርደና ዘሎ መስጣ ናይቶም ኣብ 1973 ብስም መንካዕ ዝብል መጸለሚ ስም ኣጠሚቑ፡ ኢሳያስ ኣብ ግዜ ሰውራ ኣቐዲሙ ዘሕቀቖም ዲሞክራስያውያን ተበዓት ተጋደልቲ፥ ንድሕነቶም ጠጠው ስለዘይበልናን የሕሊፍና ስለዝሃብናን ኮይኑ ይስመዓኒ። ንጀጋኑኣን ንዝሰንከሉ ሓርበኛታት ሓርነት ውግኣታን ንመንእሰያታን ዘይትኸውን ሃገር ከመይ ኢላ ጥዕና ክህሉዋ ይኽእልን ንጽበን።

መንእሰያት ኤርትራ፡ ሃገሮም ሲኦል ኮይናቶም፡ ሞትን ሓደጋን ኣብ ቅድሜኦም ከምዘሎ እንዳፈለጡ፡ ኩሉ ሞት ኢዩ ኢሎም ክስደዱን ብሂወቶም ክጣልዑን ዝገብረ ስርዓት ኢሳያስ’ዶ ኣይኮነን። ካብ ስርዓት ደርጊ ዝበዝሐ ኣብ ስርዓት ኢሳያስ ብዕጽፍታት ህዝብና ናብ ስደት ከምዘምርሐን፡ ስድራ-ቤት ኤርትራ ብዝያዳ ከምዝተበታተነትን፡ ኣብ ዓድታት ኤርትራ ዘይንቡር ብዙሕ ገዛውቲ ተዓጽዩ ማይ-ቤታት መጸውዒ ዘይብለን ይተርፋ ከምዘሎዋ ከመይ ኢሉ ይኽወለኩም። ህዝቢ ኣሰመራ፡ ምስ’ዚ ዘሎ ሃለዋት ብምንጽጻር፡ ንናይ ደርጊ ግዜ ጽቡቕ መነባብሮ የሕልፍ ከምዝነበረ፡ ኣብ እዋን ነጻነት ከም’ዚ ኢሉ ከማርር እንዳሰማዕክምዎ፡ ንህዝቢ ራህዋ ዘምጽእ ስራሕ ክንዲ ትሰርሑ፡ ነቲ ናይ ሕሰሙ ቀንዲ ጠንቂ ዝኾነ ስርዓት ክትድግፉን ንክጸንሕ ዘድሊ ሓገዛት ክትገብሩሉ ከሎኹም እቲ ሕልናኹም ብኸመይ ይቕበሎ? ኣቶ ኢስያስ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊትን ቅዋማዊትን ብሕግን ፍትሕን ትዳነ ኤርትራ ብሰላም ክነብር ከምዘይክእል ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። እዚ ከኣ፡ ቀንዲ ተሓታቲ ደም ናይ ኣማእታት መቓልስቱን፡ ብምስምስ ናይ ዶብ ኢሉ ናይ ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ደም ዘፍለሰን፡ እታ ብሰላም ክነብረላ ዝኽእል ቦታ፡ ኣብ ኮረቻ ስልጣን ጥራሕ ምዃና ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥን ዝርዳእን ሰብ ኢዩ። ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕን ውሕስና ዝህብን ኮይኑ እንተረኺብዎ ከኣ ክሳብ ልዑላውነት ኤርትራ የሕሊፉ ክህብ ድሕር ከምዘይብል ክንርደኦ ዘጸግም ኣይኮነን። ብቑጠባዊ መዳይን ምስ እንዕዘብ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ስርዓት ናይ ኤርትራ ቁጠባዊ ድኽነት ዓመት-ዓመት እንዳኸፍኣ ከምዝመጸ እትኽሕድዎ ጉዳይ ኣይኮነን። እቲ ስርዓት ንፖለቲካዊ ሃልኪ፡ “እገዳ” እትብል መሸቀጢትን መታለሊትን እንተተሓበአ፡ እቲ ሓቂ ግን፥ እቲ ጠንቂ እቲ ግጉይ ምሕደራን ፖሊስን ናይ’ቲ ስርዓት ምዃኑ እቲ ዘስተውዕል ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ። እንታይ ስለዝተኣገደ ኢዩ ቁጠባ ሃገር ተዳኺሙ ዝብል ሓታታይ ግን ኣይተረኽበን። እዞም ኩሎም ሃብታማት ኤርትራውያን ዝፈትውዋ ሃገሮም ራሕሪሖም፡ ኣብ ጁባ፡ ኡጋንዳ፡ ዛምብያ፡ ደቡብ-ኣፍሪቃ ወዘተ... ገንዘቦም ከዋፍሩ ዝገበረ ህግደፍ ድኣምበር፥ እገዳ ከምዘይኮነ ንዓኻትኩም ዝጠፍኣኩም ኣይመስለንን። ካብ ወጻኢ ትካል ክገብሩ ናብ ዓዲ ዝኣተው ብዙሓት ትካሎም ዓጽዮም ንዳግማይ ስደት ዝተሳጠሑን ዝተመዛበሉን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ዝተፈረደና መሬት ናይ ኤርትራ ከይወጸት ኣብ ዝርርብ ኣይንኣቱን ኢና ኢሉ ን18 ዓመታት ንመንእሰያት ኤርትራ ጅሆ ሒዙ፡ ቅዋም ከይትግበር ከም መመኽነይታ ክጥቀም ከምዘይጸንሐ፡ ሕጂ ናይ ዶብ ሕቶ ሓንቲ ንእሽቶ ጉዳይ ካብ’ቲ ዓበይቲ ጉዳያት ከምዝበለ፡ ኢሳያስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሓትት ዝሰማዕክምዎ ጉዳይ ኢዩ። ብይን ዶብ ምሕንጻጽስ ይትረፍ፡ መሬት ኤርትራ ክሳብ ዕለት ሎሚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይርከቦ። ከነስተብህለሉ ዘሎና፡ እቲ ብናይ ነፍስሄር መለስ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ናይ ዝርርብ ዕድመን፡ ዶብ ከይተሐንጸጸን ሰራዊት ኢትዮጵያን ከይወጸን ኢሳያስን ዶ/ር ኣብይን ዝገብርዎ ዘሎው ዝርርብ ብተግባራዊ ትሕዝቶኡ ፍጹም ፍልልይ የብሉን። ዶ/ር ኣብይ ብኣፉ ብዘይቅድመ- ኩነት ናይ ዶብ ብይን ተቐቢላናዮ ኣሎና ስለዝብለ ድዩ እቲ ፍልልይ? ኢሰያስን ኣብይን ክሕተትዎ ዝግበኦም፡ ብዘይቅድመ ኩነት እንተተቐቢልዎ ብተግባር ቅድሚ ዝርርብ ስለምንታይ ኢዩ ዘይተተርጎመ ዝብል ኢዩ? ሕጂ ኣቶ ኢሳይስ ዝብለና ዘሎ፡ ቅድሚ ዶብ ምሕንጻጹ መራሕቲ እንዳተረኻኸቡ ምትእምማን ክፈጥሩ ኣሎዎም ይብለና ኣሎ። ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብብርሃነ ገብርሂወት ንደገፍቲ ስርዓት ዝቐረበ ናይ መታለሊ መግለጺ ምስ እንምልከት፡ እቲ ናይ ሕጂ ዝርርብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፡ እቲ ናይ ቅድም ምስ መራሕቲ ወያኔ ስለዝኾነ ፍልልይ ኣሎዎ ዝብል ዘስደምም መልሲ ተዋሂቡ። እዚ ዓይነት መግለጺ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘየስተውዕል ኣነኣኢሱ ዝርኢ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ፍልልዩ ኣይከስተብህሉሉን ኢዮም ካብ ዝብል ግምት ዝብገስ ይመስል። ጠ/ሚኒስተር መለስ፡ ወግዓዊ ሓላፍነቱ መርሒ ናይ ሃገረ ኢትዮጵያን ድኣምበር፡ መራሒ ናይ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ኮይኑ ኣይኮነን ምስ ኢሳያስ ዝራኸብ ነይሩን፡ መልሲ ነቲ ብይን ሂቡሉን። ኢሳያስ ንዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ኮይኑ እንተረኺብዎ፡ ንዶ/ር ኣብይ ገዲፉ ምስ መራሕቲ ወያኔ ክሻረኽ ድሕር ከምዘይብል ታሪኽ ምግልባጥ ናይ ኢሰያስ ይምህረና። ኣብ 1980 ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተኻየደ ውግእ ሕድሕድ፡ ምስ መራሕቲ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ተሻሪኹ ኢዩ ንሓደ ሃገራዊ ሓይሊ በታቲኑ። ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ ዘሎዎ ሓቂ ግን፡ ውድብ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ነጻነትን መሰል ርእሰ-ውሳኔን ኤርትራ ብመትከል ዝተቐበለን ዝደገፈን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ንረብሓ ክልቴኦም ህዝብታት፥ ኣብ ኤርትራ ደሙ ዝኸፈለ ውድብን ህዝብን ምዃኑ ክከሓድ ዘይብሉ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ። ምስ ህዝቢ ከበሳ ካብ ዝኾነ ካልእ ጎረቤት ዝተዋሰብን፡ ተመሳሳሊ እምነትን ባህልን ልምድን ዘሎዎ ሓው ህዝቢ ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ኢሳያስ ብዘይ ጻላእቲ ክነብር ስለዘይክእል ግን፡ ምስ ኢትዮጵያ ሰላም እንዳበለ ነታ ኣካል ናይ ኢትዮጵያ ዝኾነት መዳውብቲ ዝኾነት ትግራይ ከዋስን ጥራሕ ዘይኮነ ንመሪሕነት ወያኔ፡ ጸወታ ኣብቂዑ (Game Over) እንዳበለ ቆልዓዊ ፖለቲካ ምቁሻሽ የካይድ ኣሎ።

ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ናይ ሓባር መንግስቲ ምስ መራሕቲ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ከቕውም ድሌት ከምዝነበሮ መቓልስቱ ዝምስክርዎ ሓቂ ኢዩ። ኮንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ነዊሑ-ሓጺሩ ተግባራዊ ክኸወን ከምዝኽእል ከምዝብህግን እውን እቲ ዝበሎ ኣብ ቪድዮ ዝተቐርጸ ኢዩ። ናይ ባድመ ውግእ መመሳመሲ ድኣምበር እቲ መበኣሲ ካልእ ጉዳይ ከምዝነበረ ባዕሉ ዝተዛረቦ ሓቂ ኢዩ። ኢሳያስ ክንየው ዶብ ዕላማታት ዝነበሮ ሰብ ምዃኑ ንወያኔ ሓርነት ትግራይ ባድመ ምርካብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ካልእ ብዙሕ ኣብነታት ኣሎው። ሰራዊት ናይ ግንባር ዓሰብ ከይተረፈ ንክስሕብ ትእዛዝ ከምዝሃበን መራሕቲ ናይ’ቲ ግንባር ዝነጸግዎን ዝዛረብሉን ሓቂ’ዩ። ዶ/ር ኣብይ ከይተሰከፈን ከይሓፈረን ዓሰብ ክንካፈላ ኢና ምባሉን፡ ጀነራል ሰዓረ እውን ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ክህሉዋ ኢዩ ከምዝበለ በእዝንትኹም ዝሰማዕክምዎ ጉዳይ ኢዩ። እንተድኣ፡ እዚ ዝተባህለ ሓሶት እንተኾይኑ፡ ስርዓት ህግደፍ ስለምንታይ መልሲ ዘይሃበሉ? እቲ ኢሰያስ ምስ ኢትዮጵያ ብቀዳምነት ምትእምማን ክንፈጥር ኣሎና ዝበሎ፡ ነቲ መሬትናን ባሕርናን ዓዲልና ዲና፡ ስለ ምትእምማን ክፍጠር ዋጋ ክንከፍለሉ ዝድለ ዘሎ? ዶ/ር ኣብይ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝመጻኣሉ እዋን፡ ኢሳያስ ብዘይቀልዓለም እስኻ ክትመርሓና ወኪለካ ኣሎኹ ክብል ከሎ፡ ከም ሓደ መራሒ ናይ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር፡ ፖለቲካዊ ተግባራዊ ትርጉሙ እንታይ ማለት ምዃኑ ይርደኣና’ዶ ኣሎ? ጋሻ ኣብ ገዛኻ ይኹን ሃገርካ ስለዝመጸ እምነት መታን ከሕድር ኣባኻ፡ ገዛይ ወይ ሃገረይ ከተካይዳ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ’ዶ ይበሃል ኢዮ? ርስትን ጉልትን ሂብካ ዝርከብ እንታይ ዓይነት ምትእምማን ኢዩ ከረጋገጽ ዝደለ ዘሎ? ከም ደገፍቲ እቲ ስርዓት መጠን፡ ነዚ እትድግፍዎ ዘሎኹም መራሒ ኣሚንኩሞ እንተሃልዩኹም፡ ከደግፈኩም ዝኽኣለ ምኽንያት ክርዳእ መደለኹ።

ህዝባዊ ግንባርን ህግደፍን ፍልልይ ዘይብሉ መሲሉኩም ደገፍኩም ነዚ ስርዓት እትህቡ ዘሎኹም፡ ጌጋኹም ክትእርሙ ይግበኣኩም። እዚ ዘሎ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ፥ ካብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ተፈጢሩ፥ ንዕላማን ራእን ህዝባዊ ግንባር ዝጠለመን፥ ንህዝባዊ ግንባርን ህዝባዊ ስርርዓቱን ኣብ 1994 ኣፍሪሱ ብህግደፍ ከምዝተከኦን ከመይ ጌርኩም ትስሕትዎ። እወ ንከምስል ንመታለሊ፥ ነቲ ንህዝባዊ ግንባር ዝድግፍ ዝነበረ ህዝቢ ንክኸስብ ህዝባዊ ግንባር እትብል ስም ኣብ’ቲ ዘካይድዎ ኣኼባታት ትስማዕ ከምዘላ ዝሰሓት ኣይኮነን። ደገፍኩም፥ ብግዚያዊ ረብሓ-ስጋ (ጠቕሚ) ዝተኣሳሰረ እንተኾይኑ እቲ ደገፍኩም፡ እዚ ስርዓት’ዚ ከያዳይ ምዃኑ ካብ ታሪኽ ክተርድኡ የድልየኩም። ሓለፋ እቲ ውጹዕ ህዝቢ ረብሓ ምድላይ ከኣ፡ ብላዕሊ ብሰማይ ይኹን ብታሕቲ ብምድሪ ዘሕብን ኣይኮነን። ታሪኽካ ምብልሻው ጥራሕ ኢዩ ፋይድኡ። ነዚ ስርዓት’ዚ ከም ናይ ሓደ ኣውራጃ ብዝያዳ ዝበጽሓኩም መሲልኩም፡ የሕሊፍና ክንህቦ የብልናን ኢልኩም እትድግፍዎ ሰባት እንተሃልይኹም፡ ኢሳያስ ብጀካ ስልጣኑ፥ ዘገድሶ ኣውራጃ ወይ ወገን የብሉን። ብወገነይ፥ እቲ ዝያዳ ዝተወጸዐ ህዝቢ እንተሃልዩ፡ ከባቢ ኣስመራን ማእከልን ኢዩ። እቲ ዝያዳ ክብሪ ከውጽእ ዝኽእል መሬቱ በዚ ስርዓት ተገቢቱ፡ ኣደዳ ስእነትን ሕሰምን ገይርዎ ዘሎ ህዝቢ ምዃኑ ኢየ ዝርዳእ። እቲ ዝያዳ ዝተወጸዐ ህዝቢ፥ ብዝይዳ ክቃወም እንዳተጸበኻዮ ዝይዳ ደጋፊ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ ግን ብጣዕሚ ዘስደምም ተርእዮ ኢዩ። ደገፋና ካብ መበቆልን ትውልድን ዝተበገሰ እንተኾይኑ ከኣ ኢሰያስ ካብ ደቂ- ጸሎት ንላዕሊ፡ ነቶም ወያኔ ኢሉ ዝጸርፎም ዘሎው ይቐርብዎ። ኣነስ፥ ናይ ደቀባት ጸሎት ኣብ ልዕሊ እንዳ ኣቦይ ኣፈወርቂ ማይቤት ናይ ማእከላይ ዓሌት ምንእኣስ ከይነብር፥ ሕነ-ዕዳ ንኸፍል ከይንህሉ እውን ሓደ-ሓደ ግዜ ይጠራጠር ኢየ። ስለምንታይ ተጋሩ ኣብ ሃገርና ክስደዱ እንከሎው፡ ገሌና ኣፍና እርኑብ ኣይኮነን። እታ ዓጋመ እትብል ቃል ንባዕላ ኣብ ክንዲ ናይ ሓደ ወረዳን ህዝብን መጸውዒ ስም ጌርና ብኣኽብሮት እንርደኣ፡ ከም መነኣኣሲት ጸርፊ ጌርና እንጥቀመላ ውሑዳት ኣይኮናን። ንኢሳያስ ኣብ ናይ ርእስን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሕክምና (psychoanalysis) ወሲዱ ዝመርመሮ ሰብ ስለዘየለ ግን እቲ ንኢሳያስ ዝድርኾ መንገዲ ጥፍኣት ብስነ-ፍልጠታዊ መንገዲ ክንፈልጦ ኣጸጋሚ ይኸውን። ብስነ-ኣእምሮ ጸገም ጥዕና ዝጎደሎ ሰብ ንምራሕ እንተሃሊና ኸኣ፥ እቲ ጥፍኣትን ውርደትን ኣባና ኣብ ህዝቢ ድኣ’ምበር ኣብ ኢሳያስ ኣይኮነን።

ተጋድሎን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ናይ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ምንባሩ ምንጋር ኣይደልየኩምን ኢዩ። ብዝለዓለ ከኣ፡ መሰላት ዜጋታታ እተኽብር ዲሞክራስያዊትን ስልጥትን ኤርትራ ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ። ብዘይቀልዓለም ክዛረብ እንተኾይነ፡ እዚ ብውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ዝምራሕ ጉጅላዊ ስርዓት፡ ጽቡቕ ምሕደራ ጠፊእዎ ወይ ዓቕሚ ስለዝሰኣነ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢልካ ህዝቢ ኤርትራ ፋሕ-ብትን ክኣትዎን፡ ነብሱ ከይክእልን ከይሓለፈሉን ዝግበር ዘሎ መደብ ናይ ጥፍኣት ኢዩ። ኣሽንኳይዶ፡ ሃገር ሒዝካን ተቖጻጺርካን፡ ኣብ ቃልሲ ሜዳ እቲ ናይ ነብስኻ ምኽኣል ዓቕምታት ክሳብ ክንደይ ምዕቡል ምንባሩ ዝጠፍኣኩም ኣይመስለንን። ትዝክሩ እንተኾንኩም፡ በዓል ኣመሪካ ኣብ ሓምሳታት፡ “ኤርትራ ነብሳ እትኽእል ሃገር ስለዘይኮነት፡ ምስ ዓባይ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ክትቁረን ኣሎዋ” ኢሎም ክፈርድዋ። እንሆ ከኣ ኣቶ ኢሳያስ፡ ንክወዳደርዎ ዝኽእሉ ደቂ ሃገር ከምዝሰደዱን፡ ከምዝእሰሩን፡ ከምዝቕተሉን ብምግባር፡ ነፍሰ-ምትእምማን ዝጎደሎም፡ ንትእዛዛቱ ዘኽብሩ ተላኣኽቲ ኣብ ጎኑ ብምግባር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ፋሕ ብትን የእትዩ፡ ኣብ ሃገር ዝተረፈ ከኣ ኣንጸርጺሩ፡ ኒሑን ንያቱን ጸንቂቑ፡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይሕሸና ናብ ምባል ገጹ ክሳብ ዝበጽሕ፥ ብተግባር የዳኽሞን ይሰርሓሉን ከምዘሎ ምስትብሃል የድሊ። ሕጂ፡ ንመሰል ዜጋታታ ከተኽብርስ ትትረፍ፡ ከም ሃገር ክንቅጽልን ኣይንቕጽልን ኣብ ሕቶ ኣትዩ ኣሎ። ከም’ቲ ኣቶ ኢሰያስ ምስ ሰኸረ “ብድሕረይ ዓጋመ ከም እትብሉኒ ይፈልጥ’የ፡ ከም’ቲ ነዛ ሃገር እዚኣ ዘምጻእክዋ፡ ከጥፍኣ ኢየ” ኣብ ልቡ ዝነበረ ዝበሎ፡ ንዝመደቦ ከተርጉም ይሰርሓሉ ከምዘሎ ተግባራቱ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ብስም ዞባዊ ምትሕብባር ዝተኸለሰ፡ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ብዝብል መታለሊ ሽፋን ተጠቒሙ፡ ናብ’ቲ ናይ መወዳእታ ዝሓሰቦ ሸተኡ ክወቅዕ ባይታ የጣጥሕ ኣሎ። ንነገራት ካብ ጽልእን ስምዒትን ወጺና፡ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ተራ ኣብ ግዜ ተጋድሎ ይኹን፡ ድሕሪ ነጻነት ምርግጋጽን ዝገበሮን ዝገብሮ ዘሎን ብወድዕነትን ብደቂቕን ክንምርምርን ሓቂ ክንፈልጥን የድልየና። ንክበጽሖ ዝደሊ ብከመይ ከምዘረጋግጾ፡ በየናይ መስርሕ ሓሊፉ፡ ንመን ኣታሊሉን ንመን ሒዙን፡ ንመን ኣጥፊኡን ኣሲሩን መንገዱ ዝፈልጥ ሓያል በዓል ዕላማን መደብ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን፡ እሱ ዕላምኡ ከሰላስል ከሎ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ግን፡ ጌለና ቆዘምቲ፡ ገሌና ተዓዘብቲ፡ ገሌና ከኣ ናይ እከዩ ተሓባበርቲ ኮይና ሓድነትና ላሕሊሑ፡ ከም ደቂ ዛግራ መኣዝና ስሒትና ኣብ ድሮ ጥፍኣት ንርከብ ኣሎና። ዕላማ ኢሰያስ ምስ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኤርትራን ባህግኹምን ዘይቃዶ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ከም’ቲ ሃጸይ ሃይለስላሴ “ኤርትራ መሬታ ድኣ’ምበር ህዝባ ኣየድልየንን” ዝበልዎ ህዝቢ ክበታተንን ክበርስን ዝሰርሕ ዘሎ ሰብ፡ ካብ’ቲ ናይ ሃይለስላሴ ብተግባር ፍልልይ የብሉን። ፈደረሽን፡ ኮንፈደረሽን ይኹን ምጽንባር ምስ ኢትዮጵያ ብምእዋጅ ጥራሕ ኣይኮነን ክረጋገጽ ዝኽእል። ንህዝቢ ብምድንጋር፡ ባይታ ብምጥጣሕን ብሜላ(Systematic)፡ ነቲ ህዝቢ ተስፋ ብምቑራጽን፡ ኣማራጺ ስኢኑ ከምዝንብርከኽን ከምዝርዕሞ ብምግባር ከተረጋግጾ ከምእትኽእል ኩነታት ሃገርና ይምህረና ኣሎ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደገፍቲ ስርዓት፥

እምነት ኣብ ሓደ ውልቀ-ሰብ፡ ወሰን ወይ ገደብ ክህሉዎ ምስተገብአ። እዞም ኩሎም ዘየተኣማምኑ ምልክታት ብኢሳያስ እንዳረኣኻ፡ ፍጹም እምነት ኣብ ኢሳያስ ምሕዳር ግን እንዳሰማዕካ ምጽማም፡ እንዳረኣኻ ኸኣ ዑረት ኢዩ። ብፖለቲካዊ ትርጉሙ ከኣ፡ እቲ እንድግፎ ዘሎና ንሓልዮት ሃገርን ህዝብን ዘይኮነ፡ ንሓልዮት ናይ ሓደ ውልቀ-መላኺ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ብተግባር ከኣ፡ ንሃገር ምክልኻል ዘይኮነ፥ ንሃገር የሕሊፍካ ምሃብ ኢዩ። ነፍሲ-ወከፍና ከም ሰባት እቲ ኣምላኽና ዝፈትዎን፡ ነታ ዘላትና ሓጻር ዕድመ ንጽቡቕ ታሪኽ ንሃገርን ህዝብን ዝኸውን ቁም-ነገር ክንገድፍ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ንናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ መሰል ከይሓለኻን ከየኽበርካን፡ ናይ ህዝቢ መሰል የኽብርን ይሕሉን ኢዬ ክንብል ኣይንኽእልን። ናይ ህዝቢ መሰል ከየኽበርካ ከኣ፡ ንሃገረይ ይፈቱ ወይ ምእንቲ ድሕነት ሃገር ይድግፍ ኣሎኹ ምባል ከንቱ ኢዩ። ነቲ ንመሬትን ህዝብን ኤርትራ፡ ኣብ ጸልማትን፡ ደልሃመትን ብርሰትን ዘእተወን ዘእቱ ዘሎ ስርዓት እንዳደገፍና፡ ከመይ ኢልና ተጣበቕቲ ናይ ህዝብን ሃገርን ክንከውን ንኽእል? ኢሰያሳዊ ስርዓት እኮ፡ ኢደ-ወነናዊ ባዕሉ ስልጣን ሕዛእቲ ዝገበረን፡ ብሓይሊ ዝጨበጠን ስርዓት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ይኹን እስኻትኩም ከም ደገፍቲ እቲ ስርዓት እውን እንተኾነ፡ ንኢሳያስ ምርሓና ኢልኩም ስልጣን ኣይሃብኩሞን። ከም’ቲ ኣብ ሓደ ቃለ-መሓትት ዝበሎ፡ ፕረሲደንት ክኸውን እኮ፡ ኩንትራት ዝሃበኒ ኣካል የለን ኢሉ ሓቂ ዝተዛረቦ ትርስዕዎ ኣይብልን። ባዕሉ ኩንትራት ወሃቢ ድኣ’ምበር፡ ኣብ ኤርትራ ኩንትራት ዝህቦ ህዝቢ ከምዘየለ ኣብ ህዝብና ዘሎዎ ንዕቀት ብግልጺ ኢዩ ተዛሪቡ። እዚ ከኣ፡ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ፡ ኣብ ውግእ እተዉ እንተበሎም ኣብ ውግእ ዝኣትዉ፡ ሰላም ተገይሩ ኢዩ ጓይላ ግበሩ እንተበሎም ዳንኬራ ዝገብሩን፡ ዝበሎም ዝደግሙ፡ ንሕና ንሱ ዝብሉ፡ ኣባኻትኩም ደገፍቲ ተኣማሚኑ ዝበሎ ጉዳይ ኢዩ። ሕጂ፡ ዝሓለፈ ሓሊፉ፡ ኢሳያስ ብስም ሃገር፡ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ህዝብና ዘይፈልጦ፡ ንመሬት ኤርትራ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክሻየጣን ክዛተየላን፡ ውዑላት ክፈራረም እንከሎ ኣብ ጎኒ ኢሳያስ’ዶ ወይስ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን ሃገርኩምን ትኾኑ? እዚ ብጽሞና፡ ምስ ነብስኹም ተላዚብኩም ክትምልስዎ ዘሎኩም ናይ ሕልና ሕቶ ኢዩ። ኣብ መደምደምታ ከኣ፡ ንዝሓለፈ ንሃገርን ህዝብን ዝበደልክምዎን ዝተጋገኹምዎን ዝድምስስ፡ ብሰንኪ ደገፍኩም ንኢሳያስ ዝሓዘነ ህዝቢ ዝድብስ፡ ታሪኽኩም ከኣ ዘሐድስ፡ ተቓዋማይን ደጋፋይን ከይበልና፡ ከም ሓደ ህዝቢ ሓቢርና ክንቃለስን ብህጹጽ ሃገርና ከነድሕን ከም ኤርትራዊ ዜጋ ይጽወዓኩምን ይምሕጸነኩምን።

ክብርን ሞጎስን መንግስተ-ሰማያትን፡ ንሰማእታት ኤርትራ
ጎይትኦም ኢማም
ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ናይዚ ከም ኣርእስቲ መሪጸዮ ዘለኹ ኣበሃህላ ትርጉም፡ ኣብ ከባቢኻ ሓደ ምዕባለ ክፍጠር እንከሎ፡ ናባኻ ምምጻኡ ከምዘይተርፎ ተረዲእካ ሽዑ ሃንደበት ከይኮነካ ንኣገጣጥምኡ ዝምልከት ምቅርራብ ምግባር ኣድላይ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እቲ ዘጋጥም ምዕባለ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ ማሕበራዊ ውዘተ፡ ክኸውን ይኽእል። ምናልባት እውን ምስቲ “ውጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ” ዝብል ምሳልያዊ ኣዘራርባ ዘሳኒ ይመስለኒ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ናይ ቀረባን ብብዙሕ መምዘንታት እትመሳሰለናን ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ናይ ለውጢ ምዕባለታት ይረአ ኣሎ። ኣብዚ ናይ ምዕባለ መስርሕ፡ ምፍታሕ እሱራት፡ ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ዝጸውርን ተቓወምቲ ብናጻ ናብ ህዝቦም መማረጺ ርኢቶኦም ዘቕርብሉ ሰፊሕ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ምፍጣር፡ ናይ መንግስቲ ኮነ ናይ ብሕቲ ሚድያታት ናጽነት፥ ልዕልና ሕግን ነጻ ፍርዳዊ ኣካላትን ምስፋሕ፡ ዜጋታት ሃገሮም ኣብ ምህናጽ ዝሳተፍሉ ውሑስ ዕድል ምርካብ፡ ኣብ ምጥፍፋእ ሃብቲ ሃገር ዝተሳተፉ ኣካላት ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምቕራብ፡ ምክያድ ዲሞክራስያዊ ምርጫ፡ ብዝያዳ ከኣ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ምኽባር ዝብሉ ዛዕባታት መድረኻውያን መዛረብቲ ኮይኖም ቀሪቦም ኣለዉ። ኩልና ከም እንፈልጦም እዞም ዛዕባታት ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዓንጽቃጺ ባህርያት ህግደፍ፡ ዘይትግበሩ እዮም ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕበኣቶም ምሕሳብ’ውን ነውርን ዘቕጽዕን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ዝጽበዮም፡ ዝሃርፎምን ክትግበርሉ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝቃለሰሎምን እዮም። ኣብ ከባቢኡ ብኸምዚ ዝተገልጸ ኣጀንዳ ምዃኖምን ከኣ ንቃልሲ ህዝብና ሓጋዝን ጸላውን እዩ።

ኣብ ኤርትራ ነዞም ዝተጠቕሱ መሰላት ዓፊኑ ብዘይሕገመንግስቲ ዝገዝእ ዘሎ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ኣይኮነንዶ ብዛዕባዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ኣብ ኤርትራ ክዝረብ ከፍቅድ ነዚኣቶም ዝሓዘ ንፋስ ናብ ኤርትራ ገጹ ከይነፍስ እንተዝኽእልስ ብመንደቕ መዓገቶ። እንተኾነ ሳላ ዘመናዊ ናይ መራኸቢ ዕቤት፡ ኣይኮነንዶ ካብ ጐረቤት ካብ ርሑቕ ዝመጽእ ምዕባለ እውን ኣይኮነንዶ ብኣዝዩ ድኹም ዓቕሚ ህግደፍ በተን ብዕቤተን ዝንየታ ሃገራት እውን ዝከኣል ኣይኮነን። እንተ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ካልእ ህዝቢ ዝብህጎ መሰል፡ ሰላምን ራህዋን ከም ዝብህግ ርዱእ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እሞኸኣ ን30 ዓመታት ምእንቲ መሰል ተቓሊሱ ናጽነት ዘውሓሰ ህዝቢ ስለ ዝኾነ፡ ንሰላም፡ ንዲሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ከም ዝጽበን ከም ዝቃለሰሉን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ነታ መወዳድርቲ ዘየብላ፡ ብዘይካ ንኢሳይያስን ዘይህዝባዊ ኣተሓሳስባኡን ምውዳስ ካልእ ዋኒን ዘየብላ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምምዕዳው ናብ ድሕሪት ምምላስ ዝቐላ ኤሪ-ቲቪ ዓጽዩ፡ ምስተን ብቋንቋ እውን ዘየጸግመኦ መስመራት ተለቪዥን ኢትዮጵያ እዩ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ። እቲ ዝከታተሎ ከኣ እቲ ቅድም ዘልዓልናዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት እዩ። ኣብ ሕልንኡ ዘሰላስሎ ከኣ ብዛዕባቲ ዝነብረሉ ዘሎ ህይወት ጉዳይ ምስዋር እሱራት፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ዝመስለካ ዓው ኢልካ ዘይምዝራ፡ ብገዛእ ገንዘብካ ናይ ባንክ ናይ መቑነን ኣሰራርሓ፡ ተኸሲስካ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ነብስኻ ክትከላኸል ዘይምኽኣል፡ ዝመርሓካ ኣካል ዘይምምራጽ፡ ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይትመሓደር ሃገር ምንባር፡ ብሰንኪ ደረት ዘየብሉ ውትህድርናን ካልእ ብኩራትን ኣብ ጉዕዞ ስደት ይጠፍእ ዘሎ ህይወት መንእሰያት ወዘተ ዝምልከት እዩ። ባህጉ ከኣ ኩሉ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታት ብመሰረቱ ክቕየረሉ እዩ። ብዘይካዚ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መገሻ መንገዲ ማይ ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ እቲ ካብን ናብን ዝመላለስ ሃላኺ ኣቑሑት ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ሓሳባት ስለ ዝኾነ ናይቲ ምዕባለታት ምስግጋር ዘጸግም ኣይኮነን። ከም ርዱእ ከኣ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግር ትዕዝቢቲ፡ ድሕረትን ሕሱም ህይወት መነባብሮን እዩ። ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝኸይድ ከኣ ብቕንዕና ንዝመዘን ናይ ዝሓሸ ህይወትን መነባብሮን ትዕዝብቲ እዩ። ሓደ ሰብ ከም ዘዕለለኒ፡ ብናይ 5 ሺሕ ናቕፋ ወርሓዊ መቑነን ዝደንዘዙ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ መዛንኦም ኢትዮጵያውያን መንእሰያት፡ ባንክታት ኣብ ዝተዓጸወሉ ሰዓታት’ውን ዝደለይዎ ዓቐን ገንዘብ ብማሽናት ኤቲኤም (ATM) ከውጽኡ ርእዮም ኣዝዮም ተገሪሞም። ምስቲ ኣብ ኤርትራ መንበሪ ገዛ ክትሰርሕ ክልኩል ምዃኑ፡ ብውልቀሰብ ዝተሃንጸ ሰማይ ዝዓረገ ርሻናት ርእዮም ዝግረሙ ኤርትራውያን ገያሾ ናብ ኢትዮጵያ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን። “ንኣስመራ ደኣ ዓዲ ግራት’ኳ በሊጻታ” ዝብሉ’ውን ብዙሓት እዮም። እዚ ኩሉ ኣበሃህላ መልእኽቱ ናብ ኩልና ኤርትራውያን ዘደቅስ ኣይኮነን።

እዚ ጸላዊ ምዕባለ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ከም ዝልሑኽ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ናይ ኣባ ተኽለሚካኤል ተወልደ ናይዚ ቀረባ ግዜ መልእኽቲ ናይዚ ምልክት እዩ። እቲ ዘድሊ ነቲ ጽልዋ ምድላው ማለት ክትቅበሎ ጭሕምኻ ማይ ምልካይ እዩ። እቲ ጭሕምኻ ማይ ምልካይ፡ ንኹሎም ኤርትራዊ ኣካላት ዝምልከት እምበር ሓደ ወሃቢ ሓደ ተቐባሊ እንኾነሉ ዕማም ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ናብ ኤርትራ ዘቕንዕ ማዕበል ክዓግቶ እንተ ደለየ እውን ኣይክእልን እዩ። ኣሜን ኢሉ ክቕበሎ’ውን ባህርያቱ ኣይፈቕደሉን እዩ። ምስኡ ዝነበሩ ካብ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ እንዳጣዐ ከፋንዎም እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ተመሳሳሊ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ኤርትራዊ ወገን ክቕበል ክዳሎ መተገብኡ። እንተኾነ ባህሪኡ ስለ ዘይፈቕደሉ ኣይክገብሮን እዩ። ዜና ኣብ ምጥፍፋእ ዝተሳተፉ ናብ ሕጊ ምቕራብ ክሰምዕ እንከሎ፡ ብዛዕባቶም ውሽጣዊ ኣካላት ወዲሰብ ከይተረፈ ሸይጦም ሃብቲሞም ዘህብተምዎ እሙናት ጀነራላቱ ክሓስብን ጭሕሙ ማይ ክለክን መተገብኦ ግና እንድዒ። ብኣሸሓት ዝቑጸሩ እሱራት ተፈቲሑም ክበሃል እንከሎ፡ ብዛዕባ ዒራዒሮን ካልኦት ልዕሊ 300 ግሁዳትን ስዉራትን ኣብያተ-ማእሰርቱ ክሓስብ ጭሕሙ ማይ ክለኪ መተገብኦ። እዚ እውን ዝስወጦ ኣይመስለንን። ኮታ ህግደፍ ጭሕሙ ማይ ክለኽየሎም ዝግበኦም ኣብ ቀረባ ግዜ ክገሃዱ ትጽቢት ዝግበረሎም ዛዕባታት ቆጺርካ ዝውደኡ ኣይኮኑን።

እቲ ጭሕሙ ክለኪ ዝግበኦ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ መንእሰያትን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ንኣተሓሕዛ’ቲ ዘይተርፍ ለውጢ ክቕረቡን ጭሕሞም ማይ ክለኽዩን ይግበኦም። ደጊም ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ ህግደፍ ዝደለዮ ዓይነት መንደቕ ነዲቑ ጠጠው ከብሎ ኣይክእልን እዩ። ከምቲ “ዘይቐንእ ኣይወለድ” ዝበሃል ቅዱስ ናይ ለውጢ ቅንኢ ክሓድረና ግድን እዩ።

ኣብዚ ናይ ምቕጻሉ ስኑድን ግሉጽን ውሕስነት ዘየብሉ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብ ክልቲኡ ወገና ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ይዋስኡ ኣለዉ። ናይዚ ምስታፎም ዕላማ ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ቀንዲ ጐሊሖም ዝረአዩ ቁጠባዊ እንካን ሃባን ምብጽጻሕ ቤተሰባትን እዮም። ናይቲ ምብጽጻሕ ቤተሰብ ምኽንያትን ውጽኢትን ንጹር እዩ። ብሰንክቲ ቅድም እውን ትርጉም ዘይነበሮ ዝያዳ ከኣ ሎሚ ኢሳይያስ ትርጉም ዘስእኖ ዘሎ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ምርኻብ ዕድል ተዓጽዩ ስለ ዝጸንሐ ናፍቖት ዝወለዶ እዩ። እቲ ቑጠባዊ ተግባር ግና ብዙሕ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት ዝሓቁፍ እዩ። እዚ ቁጠባ ብመሰረቱ እውን ናይቲ ምፍልላይ ኮነ ናይቲ ምርኻብ ቀንዲ መሰረት እዩ።

እዚ ዓውዲ እዚ ብመጽናዕቲ ተስንዩ ብዝወጽእ ንጹር ሕግታትን ኣቕጣጫን እንተዘይተሰንዩ ሳዕቤኑ ኣብ ክንዲ ጠቓሚ ጐዳኢ ናይ ምዃኑ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስንኩፍ ኣተሓሕዛ ቁጠባዊ ዝምድና ዓብይ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ከኣ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣብ ከምዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኩነታት እቲ ተሃሳይ ዝኸውን እቲ ኢዱ ተኣሲሩ ምስ ኣእዳዎም ዘይተኣስሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዝወዳደር ኤርትራዊ ወገን እዩ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ምስቲ ብዙሕ ማሕለኻታት፡ ኤርትራዊ ኣብ ወርሒ ካብ ባንክ ዘውጸኦ ዓቐን ብገዛእ ገንዘቡ 5 ሺሕ ናቕፋ ጥራይ ክኸውን እንከሎ ኢትዮጵያዊ ግና ዓቕሙ ክሳብ ዝፈቐዶ ብሚልዮናት ዘውጽእ ምዃኑ ምጥቃስ ጥራይ እኹል እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ብቑዕ ባይታ ከየንጸፈ ንገንዘባዊ ምዝውውዋር ዘመናዊ ክገብሮ እየ ምባሉ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕቢሉ ዘሎ ገንዘባዊ ትካላትን ኣሰራርሓን ዝወዳደር ኣይኮነ። ንተሰዓርነት ኤርትራዊ ነጋዳይ ከኣ ካልእ ጠንቂ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ ብዛዕባቲ ሳላ ምኽፋት ዶብ ሃላኺ ነገራት ብሕሱር ናይ ምግዛእ ዕድል ምርካቡ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዝንቢ ዘሎ መጻኢ ቁጠባዊ ሓደጋ ክሓስብ ይግበኦ።

ድሮኳ ኣብቲ ኣብ ኣስመራን ካለኦት ከተማታት ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ፡ ስርዓት ዘይሓለወ ንግዲ ኤርትራውያን ይጓነዩ ከም ዘለዉ ምዕዝምዛም ኣሎ። ምናልባት ኣብ ኤርትራ ካብ ምዕዝምዛም ሓሊፍካ ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ ዕድል እንተዝነብር እቲ ዘይዕግበት ናብ ቅሉዕ ተቓውሞ እውን መሰገረ ነይሩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ናይቲ ምዕዝምዛሞም ጠንቂ ሰፊሕ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣጠቓሊልካ ክረአ እንከሎ “ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ ዝወሃብ መሰል ስለምንታይ ንኤርትራውያን ይሕረም ኣሎ። ብሰንኪ ናይዚ ንዓና ተኸልኪሉ ንኢትዮጵያውያን ዝተዋህበ መሰል ንሕና ካብ ዕዳጋ ንወጽእ ኣለና” ብዝብል ክጠቓለል ዝኽእል እዩ። እዚ ኤርትራውያን ክርድእዎን ከይሳዕረረ ክፍታሕ ድምጾም ከስምዕሉን ይግባእ።

እዚ ንዛረበሉ ዘለና ቁጠባዊ ኰነታት ኣብ ግዝያዊ ናይ ሃላኺ ነገራት ምቕራብ ዝድረት ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ዝርኢ ናይ ወፍሪ (ኢንቨስትመን) ትሕዝቶ እውን ኣለዎ። እቲ ዶብ ምስተኸፍተ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን በቲ ኣብ ዓዶም ዘሎ ናይ ውፍሪ ደረጃ ተተባቢዖምን ብኤርትራዊ ምቹእነት ተሳሒቦምን ጉዳይ ወፍሪ ከጽንዑ ገሾም እዮም። ውጽኢት መጽናዕቶም ብሓፈሻ “ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራ ንወፍሪ ምችእቲ ኣይኮነትን” ዝብል እዩ። ኤርትራ ብኸምዚ ደረጃ “ንወፍሪ ዘይምችእቲ” ዝተባህለትሉ ምኽንያት ጥጡሕ እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣን ርቡሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ስለ ዘየብላ ዘይኮነት ብሰንኪ ኩርሙይ ምምሕዳር ጉጅለ ህግደፍ ዝኣተዋ ሰለሎ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዕንወት ኩሉ ጽላታት ትሕተ-ቅርጻ ከኣ ሓደ ናይዚ ምስክር እዩ። ንኤርትራ ንወፍሪ ዘየምርጻ ዘሎ ከኣ ንሱ እዩ። ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ ክሰርሖ ዝግበኦ ዝነበረ ዘይምስርሑ ከኣ ቀንዲ ዘይብቕዓቱ ዝተቓለዓሉ እዩ። እቲ ንሓንሳብ ንደርጊ ንሓንሳብ ከኣ ንውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንዳማኻነየ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ዝፍትኖ ከኣ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ኣካል ተቐባልነት የብሉን። እቲ ተሓታቲ ንሱን ንሱን ጥራይ እዩ። ሎሚ ኤርትራ ብኢትዮጵያውያን በጻሕቲ “ዕስራ ኦኣመታት ደቂሳ ዝጸንሐት” እያ ትበሃል ዘላ። መደቀሲ መድሃኒት ሂቡ ኣደቂስዋ ዝጸንሐ ከኣ ህግደፍ እዩ።

ናይ ኢትዮጵያውያን ሃብታማት ብጉዳይ ውፍሪ ናብ ኤርትራ ምምልላስ ብዘይጽቡቕ ድሌት መራሕቲ ህግደፍ ኣይኮነን። ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣውፈርቲ ኣስማቶም እንዳተቕሰ ኣብ ኤርትራ እገለ ሆቴል ክሰርሕ እዩ፡ እገለ ናይ ብሕቲ ዩኒቨርስቲ ክኸፍት እዩ። እገለ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መዘናግዒ ቦታ ክሃንጽ እዩ። እገለ ከኣ ፋብሪካ ፍርናሽ ክኸፍት እዩ። ኣብ ትራንስፖርት ዝዋፈሩ እውን ኣስማቶም እንዳተጸርሐ ይዕለል ኣሎ። ግርም ኤርትራ ንደቃ ኮይኑ ንካልእ እውን ዝኸውን ናይ ወፍሪ ጸጋ ስለ ዘለዋ፡ ኣይኮነንዶ ካብ ጐረባብታ ካብ ርሑቕ እውን ንገዛእ ርእሶም ተጠቒሞም ንኤርትራውያን ናይ ምጥቃም ዓቕምን ድልውነትን ዘለዎም ኣውፈርቲ ተበሃጉዋ ጽቡቕ እዩ። እንተኾነ ብዋጋ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ክኸውን ከቶ ቅቡል ኣይኮነን። እቶም ሓደ እዋን ሃገሮም ንምዕባይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስረሓት ተዋፊሮም ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ምስ ኣመዝገቡ፡ በዚ ዓይኑ ደም ዝመልአ ህግደፍ ትካላቶም ራስዩ ንህግደፍ ኣረኪቡ ፈቓዳቶም መንዚዑ ምስ ሰጐጎም፡ ብዘይ ድሌቶም ካልእ ምርጫ ምስ ሰኣኑ ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ኣንጎላ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ ኮታ ክሳብ ታንዛንያ ዘለዉ ኤርትራውያንከ ክጽውዑዶ ኣይመተገብአን። ንኢትዮጵያን ዝኽፈት ማዕጾ ንዓኣቶም ዝንፈጎምከ ስለምንታይ። ፍሉጥ እዩ ቅድም ንሶም ክጽውዑ መተገብኣ፡ እንተኾነ ህግድፍ እንዳማቱ እምበር ናቱ ስለ ዘየፍትወሉ ክሳብ ሕጂ ናብኣቶም ገጹ ኣየድሃየን። ምስቲ ካልእ ባህርያቱን ሚዛኑ ኣብቲ ካልእ መዳያትን ኣረኣኢኻ ንመጻኢ እውን ኣይክጽወዖምን እዩ። ንሳቶምከ ሎሚ ኣብዚ ሓደገኛ እዋን እውን ተዓዘብቲ ድዮም ክኾኑ። በቲ ኣብቲ ዘለዉዎ ዓዲ ሰሪሖም ዝረኽብዎ ከብዶም ይመልእ ኣከዳድናኦም ይምልክዕ ይኸውን። ኤርትራዊ ሕልናኦም ቅሱን ዘይምዃኑ ግና ርግጸኛታት ኢና። ጽባሕ እቲ ጉዳይ ሱር ምስ ሰደደ ኣብ ገዛእ ሃገርካ፡ ከምቲ ታሪኽ ኮይኑ ዝሓለፈ ናይ ግዜ መግዛእቲ ተጸበይ ናይ ወጻእተኛታት ናይ ምዃን ዕድልና ክፉት ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ኣቶ ኢሳይያስ ግና ንኤርትራዊ ጉዳይ ጓስዩ ደገደገ ናይ ምምዕዳው ሕማሙ ሳዕሪሩ እዩ። እነሆኳ ኣብ ጐንደር ከይዱ መቓብር እነሓጉ/ኣቦሓጉኡ ክፍሕር ጀሚሩ።

ሃገረይ እንታይ እዩ ሽግርኪ

ወደባት ክትረግጺ ሙሉእ መዋልኪ

ወግሔ ጸብሔ ይባራረዩልኪ

መዕለብ ኩሉ ኮንኪ ሰማዒ ሲኢንኪ

ክብረተይ ባዕለይ ክሕመሎ ኣደራዕ ስቃይኪ

           እቶም ዝሓለፉ ምእንታኺ ኣሸሓት

           ምእንቲ ከይትቆሪ ከይትሓድሪ ኣብ ቅርዓት

           ብ ከይትርገጺ ኣንቲ ዕሸል መርዓት

እቶም ሰብ ጎዶቦ ኩሎም ይሃርፉኺ

ብጭሉቅ ወሲዶም ንቡር ከይከልኡኺ

ባዕለይ ኣለኹልኪ ዋሕስ ይተኽለልኪ

ጽንጽያ ዓይንኺ   ከይንፍሩልኪ

             ጀጋኑ ደቅኺ እዚ ኣስተብሂሎም

             ካብ ሽግር ከውጹኡኺ በራኻ ሰፊሮም

             መዋእል ሽገር ሕሰም ተጻዊሮም

ክዝኩሮ ኹሉ እቲ ምረት ገደል

ብመኽደን ብራሾ ማዓጎ ንማቀል

ከብዲ ብጥሚታ ዘይብላ መዓንገል

ምስ ደቂ ኣራዊት ባዓል ተመን ገበል

መደቀሲ ከናዲ ኣብ ሃው ዝበለ ገደል

                 እወ ሰጊርናዮ እቲ ዘይስገር

                 ጀጋኑ ከፊልና ህዝብና ክነብር

                 ሕላገት በቲኽና ህልውቲ ክንገብር

በሻሓት ዘይትመን ዝተኸፍላ ዋጋ

ከይሸጥዋ ዳግማይ ናብ ዕዳጋ

ብደሙ ፈሪሙላ እዩ ኤርትራዊ ዘጋ

               ኣንታ ጉሒላ መንደላይ ከም ተመን

               ንሓምሳ ዓመታት ተንኮላት ክታኣልም

               ተጋሂዱ ሕጂ ምስጥራት ናይ ቀለም

                 ሕድሪ ፈጺሙ ብዘይ ቀላዓለም

               ሕነ ንኽፈዲ ናይ ኣቦታቱ ደም።

ንዳግማይ ስቓያት ክተብርስ ርስቲ

ያኢ ክትከውን ጎብለል ተማጋቲ

ሃገር ክተጥፍእ ትመክር ትዝቲ

                     እዚ ኹሉ ሕላገት ናይ ገድሊ

                     ምእንቲ ናጽነት ጸርናዮ ብዓቅሊ

                     ንባርነት ቀንጢጥና ክንሕዛ እታ ፈትሊ

ኦ ህዝበይ ዳግማይ ከይኮነካ ድግሲ

እታ ኣርዑት ሓርነት ጨብጣ ክትከውን ቀላሲ

ከይትስእን ዳሕራይ ዘላኣለም ፈውሲ

ፍትሒ ዝነግሰላ ሰላም ደሞክራሲ

ክትከውን ሃገርካ ተጸምበር ኣብ ቃልሲ

ባሓባር ክንተኽላ እታ ውልዶ ፈልሲ

                   እወ ባሓብር ክንተኽላ እታ ቆጽሊ ኣውሊዕ

ጨንፈራታ ክእከብ ክትብለልና ውልዕ

ንዳግማይ ሓርነት ቀንዲል ከነብርህ

ንዑ ንታኣከብ ዲክታቶር ከብቅዕ

                 ኦ ህዝበይ ከይትታለል ዳግማይ

                 ቁስልኻ ከይጉዳእ ከምናይ በቀዳማይ

                   በሰል ከይገድፈልካ ከይትህሰይ ዳሕራይ

                   መድሃኒት ዘይብሉ ከይኮነካ ስራይ

ህዝበይ ንዓኻ እየ ኣይኮንኩን ንዕኡ

እንታይ ትጸበ ሕጂ ኽ ጉያ ደድሕሪኡ

ስጋዕ ማኣስ ኢኻ ትታለል ከም ቆልዑ

በሉ ተመልኮቱ ኣሽካዕላል ጸወትኡ

                     እዚ ትምክሕተኛ ዝተበለለ ብደም

                     ጎብለል ኩኾነልና ስልጣን ክቓዳደም

                     ሃተፍተፍ ጀሚሩ ዓጀውጀው ከም ቀደም

                     ምእሰሪ ዘይብሉ ታሪኽ ክደጋግም

                     ሕጂስ ያኽለካ ክፋትካ ነይድገም

ብዶብ እንተታሓተ ብባድመ

ክንደይ ኣሻሓት ዜጋ ዘህለቀ ዘስደመመ

ንድሕሪት ዝምለስ ናይ ሕነሽ ዘኽተመ

ኣለዎ ሕጂውን ነገር ዝተኣልመ

ከይትታለል ህዝበይ ያክል ዝቀደምመ

                         ይሕሊፍካ ኣይትህባን እዛ ዓባይ ሪስቲ

                         ኣለዋ ደቀባት ብሕጊ ወረስቲ

                         በሻሓት ዝቁጸሩ ኣለዋ ተጣበቅቲ

                        ደሞም ዝኻዓውላ ክትከውን ልእልቲ

                         ክትረግጽ ዜጋታት በይንኻ ገባቲ

                         ተንኮላት ክታኣልም ለይቲ ምስ ማዓልቲ

ዲክታቶር ከብቅዕ ካብ ሱሩ

ገጹን ልምጽማጹ ምስቶም ኮራኹሩ

ንዑ ንታኣከብ ምሳና ስመሩ

ይሕዋት እንተታኪቦም ታኣምር ይገብሩ

                     ተጠማቲት ኮንኪ ኣንቲ ውልዶ ኤርትራ

                     ኣደራዕ ስቃይኪ በዚሑ መከራ

                     ኣይኣኸለክንዶ እቲ ሕሰም ናብራ

                     ደቂኺ ተጥፊኢ ኣብ ፈቀዶ ሳህራ

እዞም ሰብ ጎዶቦ መጺኦም ክዓጽዱኺ

ካብ ሱርኪ ነቂሎም ባዶ ከትርፉኺ

ብሕጊ ወረስቲ ወነንቲ ኣለውኺ

ዝሓለፉ ኣሻሓት ሂወት ዝሃቡኺ

                     ሃየ ተባራበር ከይዓረበ መርየት

                     ኒሂን ሓቦ ተቀኒትካ ሃገራውነት

                     ሃገር ከይሓረጃ ከይባድመት

ዘለኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስዋትና

ሰላምን ቅሳነትን ፍትሕን ንህዝብና

 ሃገረ ጀርመን 10.11.2018

መራሕቲ ሕመቕ ካብ ዝግለጸሉ ሓደ: ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጥኻ ምቁማት ናብ ደገደገ ምምዕዳው እዩ። እዚ ሓማቕ ኣካይዳ ኣብ መራሕቲ ጥራይ ዝድረት’ውን ኣይኮነን። መራሕቲ ከምዚ ካብ ዝገብርሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ምስቲ ናብ ውሽጦም ጠሚቶም እመርሖ እየ ዝብልዎ ህዝቢ ዘየሳኒ ረብሓን ባህርን ክህልዎም እንከሎ እዩ። ናይዚ ግብራዊ ኣብነት ንምጥቃስ ናይ ሃገርና ህልዊ ኩነታት መስካሪ እዩ። ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ደው ዝብለሉ ሞራልን ፍናንን እንዳረሓቖ ምስ ከደ ኣብ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ተዓምጺጽካ ምውዓል ከዘውትር ጸኒሑ። ደሓር ግና በዚ መጸ ዘይተባህለ፡ ንሱ ግና ንሓንሳብ ክንሰርሓሉ ጸኒሕና ንሓንሳብ ከኣ ከባብያዊ ምዕብልና ዘምጸኦ እዩ ዝብሎ መስተርሆ ረኺቡ እነሆ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዕድያን ኢማራት ዓረብን መንገዲ ማይ ገይርዎ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ተለጒሙ ዝጸንሐ ልሳኑ ክወሳወስ ጀሚሩ። ኩሉ ኣካይድኡ ናቱ ዕዮ ገዛ ከም ዝወደአ ደገደገ ከመዓዱን ብዛዕባኡ ክምድርን ዝህቅን ምዃኑ ንሰምዖን ንዕዘቦን ኣለና። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዝገበሮ ዘሕፍርን ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዘይምጥንን ቃለ-መጠይቕ፡ ያኢ ብዛዕባቲ ከባቢ 5 ሚልዮን ዝብዝሑ ህዝቢ ኤርትራ ኣድሚዑስ፡ ናይ 480 ሚልዮን ህዝቢ ዞባና ኩነታት መነባብርን ዕቤትን ከም ዘጨንቖን ዝዓጦን ሃለው ክብል ሰሚዕናዮ። ብዙሓት ወገናት እንተላይ እቶም ብዛዕባኦም ዝዛረብ ዝነበረ ዘይኤርትራውያን ወገናት፡ ኪኖ ምስማዕ ተዓዚበምዎ እዮም። መራሕቲ ኣይኮነንዶ ብዛዕባ ዞባኦም፡ ብዛዕባ ዓለም እውን ክዛረቡ ልሙድን ቅቡልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ዓለማዊ ኩነታት ገዝኻ ዓጺኻ በይንኻ ምንባርን ምዕባይን ስለ ዘይከኣል። እንተኾነ ናይተን ኣብቲ ብዛዕባኡ ትዛረበሉ ዘለኻ ዞባ ዝርከባ ሃገራት ዕቤትን ርግኣትን ተደሚሩ እዩ ናይ ሓባር ዕቤትን ቅሳነትን ዘምጽእ እምበር፡ ናትካ ኣበሳ ከየዕረኻ ኣብ ሰገነት ወጺእካ ብዛዕባ ዞባ ብምምዳር ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣይኮነንዶ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ነብሱ እውን ዘይተዓረቐ ክነሱ፡ ብዛዕባ ናይ ከባቢ ርግኣት ክዛረብ እንከሎ ብዙሕ ዘዛርብ እንድዩ ብድብድቡ “ኣየምሕረሉን ኣይግብራውን ከኣ” ኢልናዮ ንሕለፍ። ናቱ ኣቐሚጡ ብዛዕባ እንዳማቱ ክዛረብ ህርድግ ብምባሉ “ናታ እንዳሓረራስ እንዳማታ ተካውስ” ምባሉ ከኣ ብግቡእ ዝገልጾ እዩ።

ከምቲ “ትውሕጦ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ” ዝበሃል፡ በቲ ቅድሚ ሕጂ ብደረጃ ክልተ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝተገብረ ርክባት ዘርኣዮ ፍኹሰት ዝሰዓቦ ውግዘት ከይኣኽሎ ሕጂ ከኣ ናብ ሓንቲ ካብ ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያ ኣምሓራ ይገይሽ ኣሎ። ሓደ ብዛዓብዚ ኣቶ ኢሳይያስ ዝገብሮ ዘሎ ጠብሎቕሎቕ ዝተገረሙ ኤርትራዊ “እንታ ንሱ እንተዓበደስ እቶም ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉስ የኽፈኣልና ኣሎ ዶ ኣይብሉን እዮም” ዝበልዎ፡ ንርኢቶ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝውክል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ። እቲ ዕብዳን ኣብኡ ጥራይ ዝተደረተ ከምዘይኮነ ግና ዘይምርሳዕ። ገለ ንኢሳይያስ ምቅላዕ ከም ናቶም ሕፍረት ዝወስድዎ መጸባበቕቲ ከኣ፡ ወዮ ኣቶ ኢሳያስ ምስ ህዝቡን ዘይተዓርቀ ኣብ ጨንቂ ዝነብር ፍጡር ምዃኑ ጠፊኡናስ ናብ ጎንደር ናይ ምጋሹ ምኽንያት፡ ጉንበት 7ን ኣርበኞችን ክዓርቕ፡ ንኦነግን ንዶ/ር ኣብይን ከሰማምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልላዊ መንግስታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ምስሕሓብ ኣብ ምህዳእ ክሕግዝ ከም ዝገሸ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ይፍትኑ። እዚ ኩሉ ንኢሳይያስ ኣብ ጥራይ መዓኮሩ ኣተዓባቢኻ ንምቕራብ ዝፍተን ብኣረጊት ትምክሕቲ ዝተላዕጠጠ ምህዞ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሕልና ኢሳይያስሲ ናይ ምጽላእ እምበር ናይ ምትዕራቕ መንፈስ የለን። ኣብ ኤርትራዊ ባይታ እነንብቦ እውን ንሱ እዩ።

ኣቶ ኢሳያስ ካብ ዝልለየሎም ባህርያት ሓደ ኣብ ከባቢኡ ህዱእ ኩነታት ከይፍጠር እሞ ንሱ እውን ከምኡ ከስፍን ንከይጥለብ ምሕንካር እዩ። እዚ ባህርያቱ ኣብ ሱዳንን ካለኦት ጐረባብትን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣምታት ተራእዩ እዩ። ሎሚ ከኣ ወየ ዕርክነቱ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቁሩብ ከይሰጐመ “ንኣምሓራይ ኣጆኻ ንትግራዋይ ከኣ ወይለኻ” ክብል እንዳሰማዕናዮስ ዓራቒ ኣምሲልካ ምቕራቡ ትርጉሙ ኣይርደኣናን ኣሎ ማለት ድዩ። ኣብ ክንድኡ “መናቖቲ” እንተዝበሃል መመልከዓሉ። ኢትዮጵያውያን፡ ኢሱን ካልእ ዘሻህርቶ ኣስማትን እንዳሃቡ ይዕዘብዎ ክህልዉ ከኣ ባህርያዊ እዩ። ኢሳይያስ ኣብቲ ናይዚ ቀረባ ግዜ ተገዲዱ ከም ዝገበሮ ዘፍልጥ ቃለ-መጠይቑ ካብ ዝጠቐሶ ንምጥፍፋእ ከም ዝጽየፍን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንዝፍጸም ከይተረፈ ክምክት ከም ዝመጣጠርን ሰሚዕናዮ ኢና። ከምኡ ዝብል ዘሎ ምስ ብንብረት ህዝቢ ኤርትራ ዝዘቕበበ ሳጹናቶም ዘህጠሩን ኣእዳዎም ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወን ወተሃደራዊ ኣዘዝቱ ይነብር ከም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ መራሕቲ ከባቢና ኣይፈልጡን እዮም ኢሉ ስለ ዝግምት ድዩ። ይፈልጥ እዩ ግና ኩሉ ግዜ ናትካ ኣቐሚጥካ ወሓለ መሲልካ ብዛዕባ ካለኦት ምዝራብ ስለ ዝመርጽ እዩ። ብዛዕባ ጀነራላት ፍሊጶስን ተኽለ ማንጁስን እንተዝዛረብ ግና ቀልቢ ኤርትራውያን መረኸበ።

በቲ ሓደ ወገን ክሳብ ኣብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኣትዩ ኣብ ኣደባባይ ክፈላሊ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ቦሶሮ ፖለቲከኛ ኮይኑ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። ገለ እቲ ቀደም ኢሳይያስ ሓቀኛ ባህሪኡ ሓቢኡ ክነብር እንከሎ ዝፈልጥዎ ኤርትራውያን፡ ኩሉ ንሱ ዝገብሮ ነዊሕ ዝጥምት ኣምሲሎም ከቕርብዎ እዮም ዝፍትኑ። እዞም ወገናት እዚ ሰብኣይ ትምክሕትን ስኻርን ዝወለዶ ዕሽነት ወሲድዎ ከም ዘሎ ምስትብሃል ከድልዮም እዩ። ኣብ ሓደ እዋን እዚ ሰብኣይ ቤት ጽሕፈቱ ዓጽዩ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ጋሽ ባርካ እንዳኸደ ኣብዘይሞያኡ ክሕንክር ተዓዚቦም “መራሒ ዝሰርሖ ስራሕ ግዳ ዘይሰርሕ” ክብልዎ ይዝከረኒ። ሎሚ እውን ነዚ እዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣዋሳ፡ ጎንደርን ባህርዳር ኣስፊሕዎ ዘሎ እምበር ሓድሽ ኣየምጸአን። ኩሉ ተግባራቱ ተደሚሩ ከኣ ዕላማኡ ካብቲ ባዕሉ ዝዛረብ ዘተሓሳስብ ኤርትራዊ ኩነታት ንምህዳም ዝሃንደሶ እዩ።