ጉጅለ ህግዲፍ በብእዋኑ ካብ ሓቅን ክውንነትን ዝረሓቐ ምስምሳት ብምቕራብ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ክሽሕጦ ከም ዝጸንሐ ሕጂ ተቓሊዑ እዩ። ህግዲፍ ህዝቢ ዘዳህልለሉ ምኽንያት ክስእን እንከሎ፣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍቕሪ ሃገር ስለ ዝርዳእ ነዚ መዝሚዙ ድራማታት ይፈጥር። ምስ ሱዳን፣ የመን፣ ጅቡቲ ዝፈጥሮም ዝነበረ፣ ኣብ ክንዲ ህድኣትን ሕግን ትዕቢትን ታህዋኽን ዘቐድሙ ውግኣት ዕላመኦም ምድህላልን ኣቕጣጫ ምቕያርን እዩ ነይሩ። እዚ መምሃሪ ተመኩሮ ኣብ ዘይኮነሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝጻሕተሮ ውግእ ኣዝዩ ብዙሕን ብዝተፈላለዩ መዳያት ዝግለጽን ማህሰይቲ ኣስዒቡ ሓሊፉ።

እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግኣት ከምቲ ምስ ካለኦት ሃገራት ዝተኻየደ ጐንጺ ውሑድ ዋጋ ዝሓትትን ብቐሊሉ ዝድቅስን ኣይነበረን። ብሰንክዚ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ብዙሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ከከም ዓቕሞም ንብረት ዘጥረዩ ኤርትራውያን ዛሕዛሕ ኢሎም። ናይዚ ዛሕዛሕ ስንብራት ክሳብ ሎሚ ከምዘይሃሰሰ ኣብዚ እዋንዚ ዝጠፈአ ንብረቶም ንምምላስ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ፈቐዶ ቀበለታት፣ ወረዳታትን ክፍለ ከተማታትን ቀንፈዘው ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ምስክር እዮም። ጉጅለ ህግደፍ ዝገብሮን ብሰንክቲ ተግባሩ ክስዕብ ዝኽእል ጉድኣትን ዝርዳእ እንተዝነብር፣ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣብ ግምት ከየእተወ ውግእ ከፊቱ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይሃሰሰ ቅልውላው ኣይመፈጠረን። እንተኾነ ነቲ ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ኮነ ኢሉ መሪጽዎስ፣ እቲ ክወርድ ዘይነበሮ ጉድኣትን ክሳራን ወሪዱ። ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ህግደፍ ሓልዮት ህዝቢ ከምዘየብሉ ተረዲኦም እዮም። ገለ ውሑዳት ግና ሓንሳብ በቲ ናይ ህግደፍ ኣምሱልነት ምስተሰልቡ ናብ ልቦም ዘይተመልሱ ኩነታት ረጊጽዎም ዝሓለፈ ይህልዉ ይኾኑ።

መራሒ ህግደፍ ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግማይ ኣይክትበርቕን እያ ከም ማለት እዩ ብዝብል ተመጢጡ ክምካሕ ምስ ጸንሐ ኩሉ ትምክሕቱ በኒኑ፣ ባደመ ጥራይ ዘይኮነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሕንብርቲ ኤርትራ’ውን ናይ ምብጻሕ ዕድል ረኺቡ። ነቲ ናይ ሽዑ ናይ ስዕረት ኩነታት፣ ካብተን ናይ ዓለምና ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሓደ፣ ቢቢሲ ኣብቲ እዋንቲ “ሰራዊት ኤርትራ ተሳዒሩ” ( Eritrean army is deffited) ዝበሎ ክሳብ ሕጂ ኣይርሰዖን። እንተኾነ ዓለም ተጓይያ ነቲ ውግእ ኣህዲኣቶ። ከም ውጺት ናይቲ ህድኣት ከኣ ስምምዕ ኣልጀርስ ተፈሪሙ። ጉዳይ ዶብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘሄግ ተወሲዱ። ንዶብ ዝምልከት ፍርዲ ከኣ ተዋሂቡ። በቲ ፍርዲ መሰረት እታ ናይቲ ውግእ መጸዊዒት ዝኾነት ባድመ ናብ ኤርትራ ተፈሪዳ። እዚ ማለት ግና ሰፊሕ ናይ ኤርትራ ዝበሃል ዝነበረ መሬት ናብ ኢትዮጵያ ኣይከደን ማለት ኣይኮነን። ብዓይኒ ቁጠባዊ ልምዓትን ህዝባዊ ምምዝባልን እንተተወሲዱ ኣብቲ ፍርዲ ኢትዮጵያ እምበር ኤርትራ ኣይኮነትን ረቲዓ ዝብሉ፣ ነቲ ኩነታት ብስምዒት ዘይኮነ ብህድኣት ዝመዝኑ ብዙሓት እዮም።

ዋላ’ኳ እቲ ፍርዲ ቀያድን ናይ መወዳእታን እንተኾነ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምትግባር ቅሩብነት ኣይተራእየን። ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ናይቲ ንኻለኦት ዘቤታዊ ጉዳያት ጅሆ ሒዝሉ ዝነበረ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምውዳእ ብውሽጡ ዘይድግፎ’ኳ እንተነበረ፣ ከም ደጋፊ ግብራውነት ናይቲ ብይን መሲሉ ቀሪቡ ክፍክርን ናይ ልኡላውነት ተሓላቒ መሲሉ ክቐርብን ጸኒሑ። ዋላ’ኳ ገለ ንባህርያት እቲ ጉጅለ ዝፈልጡ፣ ናይ ህግደፍ ናይ “ቅድሚ ኩሉ ዶብ ይመልከት” ፈኸራ፣ ካብ ልቢ ከምዘይነበረ የተብሁ እንተነበሩ፣ ብዙሓት ውገናት ግና ምጉብዕባዕ ህግደፍ ሓቂ መሲልዎም “መን ከማኻ” ክብልዎ ጸኒሖም። ኣብ መወዳእታ ዞናዊ ረብሓኦም ንምውሓስ፣ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዳእ ዝደለዩ ናይ ርሑቕ ጎብለላት ንመራሒ ህግደፍ ምስ ሸረጥዎ፣ ኣይኮነንዶ ዶብ ከጥርር ነታ “ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን” እትብል ሓረግ ናይ ምጥቃስ ልሳኑ ከም ዝተዓጽፈ ንዕዘቦ ኣለና። ብኣንጻሩ ነቲ ኩነታት ንምድውዋስ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ኣብ ዝተተኽሉ ጓይላታት ኣህተፍቲፉ። ኣይኮነንዶ ደገፍቱስ ንሕና ተቓወምቱ እውን እቲ ኤርትራውነት ግዲ ቀንጥዩና ከክንዱ እምብዛ ሓፊርና።

ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ’ዚ ወደኽደኹ ግዜ ከይወሰደ፣ ወዮ ብጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓብዒቡ ዝጸንሐ፣ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፣ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር፣ ኩሉ መሰላት ምኽባር፣ ልዕልና ሕጊ ምስፋን ወዘተ ዝብል ሕቶታት ኣጉሊሑ፣ “እሞኸደኣ ሕጂ” ክብሎ ጀሚሩ። ህግደፍ ስለ ዝደለዮ ዘይኮነስ፣ ብዘይተጸበዮ ኩነታት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተኸፍተ፣ ተዓጊቱሉ ዝነበረ መንደቕ ከም ዝተሰብረ ማይ፣ ኤርትራዊ ናብ ትግራይን ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያን ብምውሓዝ ንህግደፍ “ምሳኻ የለኹን” ኢልዎ። ኣብዚ ህሞትዚ ወዮ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፍራሕ ዝነበረ ህግደፍ ውቃበኡ ተገፊፉ ካብ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ “ከምዚ ይኹን፣ ከምዚ’ባ ይገበር” ዝብል ዓቕሙ ጠሊምዎ ኣንጐልሒጡ ይዕዘብ ኣሎ። ኮታ ዓይኑ እንዳረአየ እዝኑ እንዳሰምዐ ተሳዒሩ። ወዮ ብጉዳይ ህዝቢ ዘሽካዕልልን ዝምካሕን ዝነበረ ሓጫጪ ልሳን ኣቶ ኢሳይያስ ተዓጺፉ። ክሳብ ሎሚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዉ ዝመስሎም ዝነሩ፣ ኣብ ስእሊ ተሰሪዕም እንርእዮም ግና ድምጾም ዘይንሰምዖም ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት’ኳ ሎምስ “ሓሚመ ጸሚመ” ክብሉ ምጅማሮም ይውረ ኣሎ። ንምንታይ ከምኡ ክብሉ ጀሚሮም ዘዛርብ ኣይኮነን። ህዝቢ ኣግሂዱ “ኣይናትናን ኢኹም” ኢሉ ክሳብ ዝነድሖም ምጽንሖም ግና ዘተዓዛዝብ እዩ።

ብዕለት 07.09.2018 ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርን ከባቢኣን ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ዝጀመረ ኣኼባኡ ብኣቦ መንበሩ ብሰናይ ምንዮት ምስ ተኸፈተ፡ ኣብ ውሽጣዊ ምዕባሌታት ሰልፍን፡ ዞባን፡ ደምበ ተቓውሞን፡ ጀኦ-ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከቱ ጉዳያት ስፍሕ ዝበሉ ምርድዳኣት ኣካይዱ።

ኣኼበኛ፡ ነቲ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ውሽጣዊ ይኹን ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ምዕባሌታትን ኮነ፡ ነቲ ብብዙሕ ሸነኻት ዝርአ ዘሎ ተቓውሞታት ደለይቲ ፍትሒ‘ውን ኣሞጒሱ። ነቲ ብዶ. ኣቢይ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ውልቀ መላኺ ሰርዓት ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ህዝብና ዘይፈልጦ ውዕላትን ምፍርራማትን ድማ፡ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ከኸትል ስለ ዝኽእል፡ ዘይቅቡል ምዃኑ ኣኼበኛ ኣስሚሩሉ።

እቲ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታትን ለውጥታትን ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ግሉጽነት ዘይብሉን ንልዑላውነቱ ዝደናደንን ንህዝብና ድማ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ስደት ዋሕዚ ሸሚሙዎ ዘሎን ስለ ዝኾነ፡ ኣዝዩ ኣሰንባዲ ከም ዝኾነ ኣኼበኛ ብሰፊሑ ተዘራሪብሉ። ኣብዚ ኩነታት እዚ እቲ ክግበር ዝግብኦ ኣዝዩ ህጹጽ ዝኾነ ጉዳይ እምበኣር፡ ከምቲ ሰዲህኤ ጀሚሩዎን ዝቃለሰሉ ዘሎን ጉዳይ ሓቢርካ ምስራሕ ናይ ሓይልታት ተቓውሞ፡ ናህሪ ብዝወሰኸ ክቀላጠፍ ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ርእዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዝያት፡ ማለት ኣብ ፍርቂ ወርሒ መስከረም ኣብ ፍራንክፎርትን ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ቀረባ ማዓልታት ድማ ኣብ በርሊን ዝተራእዩ ናይ ምጥርናፍን ሓቢርካ ምስራሕን ንጥፈታት ተስፋ ዝህቡ ምዃኖም ኣኼበኛ ኣሞጒሱ። ሓባራዊ ስራሕ ንምዕዋት፡ ብዘይምቍራጽ ክድፍኣሉ ከም ዘለዎ ኣኼበኛ ኣብ ውሽጢ ስልፊ ዝካኣል ጻዕርታት ክገብርን፡ ምሕጽንታኡ ናብ ደምበ ተቓውሞ ኣመሓላሊፉን።

ኣኼባ ድማ ልክዕ ኣብ ሰዓቱ ተዛዚሙ።

 

ናይ ኢትዮጵያዊ ህዝብታት ወያናይ ዲሞክራስያዊ ግንባር (ኢህወደግ) ኣብ መበል 11 ጉባአኡ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ኣቦ-መንበር ኦሮሞ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ: እንደገና ኣቦ-መንበ ናይቲ ግንባር ገይሩ መሪጹ። ኣብዚ ካብ 3 ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2018 ኣብ ከተማ ኣዋሳ ዝተኻየደ ጉባአ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣቦመንበር ኣምሓራ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ከኣ ምክትል ኣቦ-መንበር ናይቲ ግንባር ኮይኖም ተመሪጾም። ብመሰረት ቅዋም ኢህወደግ ኣቦመንበርን ምክትሉን ዝመርጽ እቲ ካብ ኣርባዕቲአን ውድባት ብማዕረ ቁጽሪ ዝቐውም 180 ዝኣባላቱ ማእከላይ ቤት ምኽሪ እዩ። እዚ ማእከላይ ቤት ምኽሪ ኣቦመንበርን ምክትሉን ሓዊስካ ካብ ኣርባዕቲኣን ውድባት ብማዕረ ዝቐውም 36 ዝኣባላቱ ፈጻሚ ስርሕ እውን ይመዝዝ እዩ፡

እዚ ጉባአ ኢህወደግ ስረሓቱ ክዛዝም እንከሎ፣ ሸውዓተ ነጥብታት ዝሓቖፈ ደምዳሚ መግለጺ ኣውጺኡ። ብመሰረቲ መግለጺኡ፣ ዋላኳ ብዙሓት ወገናት እዚ ጉባአ ኣብ ሓያሎ ነጥብታት፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ግንባር ክምርሓሉ ዝጸንሐ ርእዮተ-ዓለምን ኣብ ኢትዮጵያ ተዘርጊሑ ዘሎ ስርዓት ፈደራሊዝምን ለውጢ ክገብርዩ ዝብል ግምት እንተነበሮም፣ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ኣይገበረን። ጉባአ ኢህወደግ ዝተኻየደሉ ኩነታት ኣብተን ኣባል ውድባት ኣብ ሓያሎ ዛዕባታት ፍልልያት ኣብ ዝተንጸባረቐሉ፣ ኣብ ብዙሕ ኩርነዓት እታ ሃገር ዓሌት ዝመሰረቱ ጐንጽታት ኣብ ዝሓየለሉን ኣብ መንጎ እተን ክልላዊ ምምሕዳራት ሓሓሊፉ ናይ ዶብ ምስሕሓባት ኣብ ዝረኣየሉ ዝተኻየደ ብምዃኑ፣ ብሓድነት ኣይክወጽእን እዩ ዝብል ስግኣታት ሓዲርዎም ነይሩ። እንተኾነ እቲ ጉባአ ጉዳያቱ ኣከኣኢሉን ሓድነቱ ሓልዩን ብምዝዛሙ ኣብ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ተስፋን ሓጐስን ኣሕዲሩ ኣሎ።

ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ኣብ ቅድሚ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ካብ ዘለዉ ብደሆታት ሓደ መስርሕ ምትኽኻእ ወይ ምውርራስ ሓላፍነት እዩ። እዚ ዛዕባ ብፍላይ ኣብቶም ብጐነጻዊ ኣገባ መግዛእትን ወጽዓን ስዒሮም ስልጣን ዝሓዙ ሓይልታት ጐሊሁ ዝረአ ዘሎ እዩ። ርሑቕ ከይከድና እዚ ኣብቶም ንናይ ሓባር ጸላኢኦም ስርዓት ደርግ ኣወጊዶም ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ቅድሚ 27 ዓመታት ስልጣን ዝጨበጡ ሓይልታት ጐሊሁ ዝረአ ዘሎ እዩ። ንሕና ተቓወ’ቲ እውን ዋላ’ኳ መንግስታዊ ስልጣን እንተዘይሓዝና ቃልስና ንምቕጻል እዚ በዳሂ ዛዕባ ዝጓስየና ኣይኮነን። ካብ’ዚ ከባቢና ርሒቕና እንተደህሰስና እውን እዚ ዛዕባ ጐሊሁ ዝረአ ናይ ምስሕሓብ ጠንቂ እዩ።

ኣብቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ እንተመጺእና ምትኽኻእ እናተቐባበልካ ሓላፍነት ምቕጻል እምበር ምጥፍፋእ ማለት ኣይኮነን። ሓደ ኣካል ነዚ ክርዕም ግና ዓቕሙ ዝፈልጥን ሓላፍነታውን ክኸውን የድሊ። ከምዚ ናይ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰለ ብናይ “ኣነ እንተሞይተላ ዳንዴር ኣይትብቆላ” ኣምር ዝምርሑ ኣካላት ግና ንምትኽኻእ ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለ ፈርሕዎ ኣይቅበልዎን ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣንጻሩ እዮም ዝሰርሑ። ብመሰረት እቲ “ተካኢኡ ዘይፈጥር መሪሕነት ብቑዕ መሪሕነት ክበሃል ኣይክእልን” ዝብል ዘረባ ለባማት፣ በዓል ኣቶ ኢሳይያስ መራሕቲ ንክበሃሉ ዘኽእሎም መዕቀኒ ኣየማልኡን።

ኣብ ጐረቤትና ኢትዮጵያ እዚ ዛዕባዚ ከም ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ካብ ዝለዓል ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብብዙሕ ዕንቅፋታት እንዳሓለፈ ሕጂ እውን ቀጻሊ ኣሎ። ንኣብነት ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጉባአአን ዘካየዳ ነቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ዝቖማ ውድባት ንኣገዳስነት ምትኽኻእ ግቡእ ቆላሕታ ብምሃብ ብሓርፋፍ ገምጋም ካብ ሓደስቲ መሪሕነታተን ክልተ ሲሶ ሓደስቲ መዚዘን ኣለዋ። ብርግጽ እቲ ናይ ሓድሽነት መምዘኒ ጉዳይ ዕድመ ጥራይ እንተኾይኑ ፋይዳ የብሉን። ነቲ ዕድመ ዝምጥን ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ዘሰነዮ እንተኮይኑ ግና ሃናጺ እዩ። ኣብዚ ኣብቲ ንኡስ ዕድመ ኣረጊት ኣተሓሳስባ ኣብቲ ነባር ዕድመ ድማ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ሓድሽ መሪሕነት ክንብል እንከለና ኣብ ናይ ዕድመ መምዘኒ ጥራይ ከይንድረት ጥንቃቐ ከድልየና እዩ።

ገለ ውድባት ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘካየደኦ ጉባአታት፣ ኣብ ሜዳ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ባእታታተን ምሉእ ብምሉእ ብኽብሪ ኣፋንየን፣ ብሓድሽ ክትከኣ በቒዐን ኣለዋ። ኩነታት መራሕቲ ኤርትራ ብመንጽርዚ ንምርዳእ ከኣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሕ ክዝረበሉ ዝግበኦ ዛዕባታት እንዳሃለወ፣ ብፍርቂ መዓልቲ ኣኼባኡ ናይ ዝዛዘመ ካቢነ ሚኒኢስትራት ስእሊ ምዕዛብ ጥራይ እኹል እዩ። እዚ እንተዘይኣኺሉ ከኣ ንዕድመ ዲክታቶር ኢሳይያስን ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድን ምውድዳር ይከኣል።

ምትኽኻእ ስሙ ከም ዝሕብሮ ናይ ስልጣን ዘይኮነ ናይ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ምውርራርስ መስርሕ እዩ። ኣብዚ ምውርራስ ክልተ ማዕረ ሓላፍነት ዘለዎም ተዋሳእቲ ኣለዉ። እቲ ሓደ ኣረካቢ እቲ ካልእ ከኣ ተረካቢ። ናይዚኣቶም ማዕረ ቅሩብነትን ምክብባርን ኣብ ዘይሃለወሉ እቲ ምርኽኻብ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። ካብ ናትና ተመኩሮ ጥራይ እንተነቒልና ኣብ መንጎ ኣረከብትን ተረከብትን ክንድቲ ክኽዕኖ ዝግበኦ ምንባብ ኣይረአን። እዚ ምርኽኻብ ሓላፍነት ግብራዊ ኣብ ዘይኮነሉ፣ ክልቲኦም ወገናት ተሓተቲ እዮም። እቲ ነባር ተካኢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነቱ ብዘይምፍጻሙ። እቲ ተረካቢ ድማ ንኡስ ትውልዳዊ ሓላፍነት ክፍጽም ድልውነት ብዘይምርኣዩ። እቲ ኣረካቢ እቲ ዝርከቦ ካብ ናቱ ዓቕሚ ዝሓሸ ምስ ኩነታት ዝኸይድ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ክኣምን ይግበኦ። እቲ ተረካቢ ድማ ንተመኩሮ ናይቲ ዘረክቦ እንዳ እነኣኣሰን እንዳነጸገን ዘይኮነ ከም መንጸፍን መንቀልን ንቐጻሊ ጉዕዞ እንዳኽበረ ክርከብ ከም ዝግበኦ ብሓላፍነት ክግንዘብ ይግበኦ። እዚ እንተዘይኮይኑ ናይቲ ነባር ተመኩሮን ናይቲ ተቐባሊ ሕድሪ መንእሰይ ውዑይ ዓቕምን ኣብ መዓላ ክውዕል ኣይክእልን እዩ።

እዚ መስርሕ ምትኽኻእ ኩርኳሕ ዘየብሉ ልሙጽ መንገዲ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ቃልሲ ዝሓትት እዩ። ዕምቆት ናይቲ ቃልሲ ከኣ ብናይቶም ኣረከብትን ተረክብቲ ሕድርን ቅሩብነትን ሓላፍነታውነትን ዝውሰን እዩ። ብፍላይ እቶም ኣብ መንግስቲ ኮነ ኣብ ደንበ ተቓውሞና፣ ነቲ ቃልሲ ተረኪብካን ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ቀሊስካ ናይ ምቕጻል ዜግነታውን ትውልዳውን ሓላፍነት ዘለኩም መንእሰያት፣ ኣረካቢ ማዕጾ እንተተዓጽዩኩም፣ ኣጸቢቕኩም ብቐጻሊ ኳሕኩሕዎ እምበር ተንኪፍኩምዎ ምኽፋት ምስ ኣበየኩም በጨው ኣይትበሉ። “ነባራት ምቅላስ ከሊኦምና” ዝብል ምስምስ ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን። እቲ መቃለሲ ባይታ ሰቲ ተነስኒስዎ ዝጽበየካ ዘይኮነ፣ ብቓልሲ ዝፍጠር ምዃኑ ሓደራ ከይትርስዑ። ብውሽጥኻ ንቃልሲ ከይተዳለኻ ትንክፍ ኣቢልካ ምርሓቕን ምምራርን ፈጺሙ መፍትሒ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ተወዲብካ ዝካየድ ቃልሲ በቲ ዝተጸበኻዮ ፍጥነት ምኻድ ምስ ኣበየካ፣ ኣቋራጭን ዘይውዱብን ናይ እንጽርጽሮት ዝመስል መንገዲ ንምንዳይ ዓቕለጽበታዊ ምርጫ ናይ ምውሳድ ምልክታት ሓሓሊፍና ንዕዘብ ኣለና። እዚ ነቲ “ውዳበ ሓይሊ እዩ” ዝብል ክስገር ዘይግበኦ ፍቱን ኣምር ዝጓሲ ስለ ዝኾነ፣ መፍምቶ ህግደፍ ዝገብር እምበር ዘዕውት ከምዘይኮነ ብምርዳእ ናይዚ ዘይቅርዑይ ንቕሎ ኣሳሰይቲ ናብ ልቦም ተመሊሶም ኣብ ውዱብ ኣገባብ ቃልሲ ክጸዓዱ ነዘኻኽሮም። ናይቲ መንእሰይ ተመኩሮን ናይቲ መንእሰይ ዓቕምን ከነወሃህድ እንተበቒዕና ኢና ከኣ ከም እንዕወት ዘይንጠራጠር።

ብዕለት 30 መስከረም 2108 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ምሉኣት ኣባላት ብኤለትሮኒካዊ መራከቢ ብዙሓን ኣኼባ ኣካይዶም። ብሓዳስ ጨንፈር ሽማገለ ዝቀረበ 3ተ ኣጀንዳ ተኸቲሎም ኣብ ስሪዒታውን ሰልፋዊ ሃለዋትን ምዉቅን ዓሚቅን ክትዕን ምይይጥን ኣካይዶም። ብፍላይ ኣብ ጉዕዞ ዘሎ ምድላው 3ይ ሰልፋዊ ጉባኤ ጽጹይ ሓበረታ ብምስማዕ ንምዕዋቱ ከኣ ዕጥቆም ከም ዝድርቡ ኣስሚረምሉ። ኣብ ህልዊ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ዝርኤ ዘሎ ተሃዋስን ኣሰካፍን ኩነታት ብዝርዝር ተማያይጦም። ብጉዳይ ኤርትራዊ ደምበ ተቋውሞ ፡ ናይ ሰልፊ እማመ ብሓባር ንስራሕ ዝብል ምስ ሎሚ ዝረኣዩ ዘሎዉ ንልዕላውነትን ህዝባዊ ምጽናትን ዝተንክፍ ስለ ዝኮኑ ንምድሓኑ ጊዜ ዘይህብ ኮይኑ ብቅልጡፍ ናብ ግብሪ ክትርጎም ከም ዘሎዎ ብትሪ ተላብዮም። ንጉዳይ ሰላም ዉልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ኣዝዩ ኣሰካፍን ሓደገኛን ኣንፍታት እና ተደራረበ ይኸይድ ስለ ዘሎ ካብ ምዝንባል ሓሊፉ ናብ ብርሰትን ምጽናት ከይሰግር ብምህላዉ ኩልና ኣባላት ተኻታተሊ ኣኼባታት ብምክያድ ብዕቱብ ክንዛረበሉን ክንዛየተሉን ከም ዘሎና ድሕሪኡ ከኣ ብመደብ ንህዝብና ምሕባር መደባት ክዳሎ ተሳማሚዖም። ኣብ መደምደምታ ብመስዋእቲ ሓውና ማሕሙድ ኣሕመድ ናይ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ገሊጾም ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣት ተዛዚሙ።

ኣብዚ ናይ 3ጥቅምቲ 2013 ህልቂት ላምፓዱሳ ዝዝከረሉን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ክገሹ ዝመደብሉን ኣጋጣሚ ሰለስተ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት (ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪን ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን) ዝሓደሮም ዓሚቕ ሻቕሎትን ቅሬታን ብምጥቃስ ናብ መንግስቲ ኢጣልያ መዘክር ሰዲዶም። ኣብቲ መዘክሮም ናይ ኢጣልያ ተደጋጋሚ ንኤርትራውያን ኣብ ግዜ ጸገሞምን ሓገዝ ዝደልይሉ ኣጋጣምን ናይዘይምትሕግጋዝ ተግባር ኣስፊሮም።

Eritreans Ask Italian PM to Cancel Visit to Asmara 10.2018

እዚ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጂሶፐ ኮንተን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተሮም ኢንዞ ሚላነሲን ዝተላእከ መዘክር፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጨቋኒ ጉጅለ ብውሕዱ ገለ ካብቲ ንኤርትራ ዝምልከት ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝቐረበ ለበዋታት ከይተግበረ፣ ብደረጃ ላዕለዋይ ልኡኽ ክብሪ ክወሃቦ ከምዘይግባእ መንግስቲ ኢጣልያ ንክርዳእ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣብዚ መዘክር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ናብ ኤርትራ ዝመደብዎ መገሻ ንክስርዙ ወይ ድማ እቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ናይ ህልቂት ላምፓዱዛ ኣስከሬናት ምስኦም ተወሲዱ ኣብ ኤርትራ ብግቡእ ንክቕበር ሓቲቱ።

እዘን ኤርትራዊ ውድባት ኣብ መዘክረን፡ መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ቀደም ግዝኣቱ ዝነበረት ኤርትራ ክሕግዝ ዘይምብቅዑ ጠቒሰን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኢጣልያ ናይ ቀደም ግዝኣታ ንዝነበረት ሊቢያ፣ ቁስላ ንምውሕዋይን ንምኽሓስን ብ2009 ዝሃበቶ 6 ቢልዮን ዶላር ገንዘባዊ ሓገዝን ናይቲ ዝፈጸመቶ በደል ግሉጽ ኣፍልጦን ጠቒሰን።

                             

              

ዝሐለፈ ብዕለት 04/05.08.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብ ሰዲህኤ ዝተዳሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ተረኺቦም፡ ፖሎቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምቲ ልሙድ ናይ ደገፍ መልእኽቶም ከስምዑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ካብኡ ፍለይ ዝበለ፡ ነዚ መድርኽ ዝበቅዕ ናይ ሓባር ስራሐት ከተግብሩ ዝኽእለሉ ኩነታት ክርእዩን ክፈጥሩን መታን ተባሂሉ እውን ብሓባር ኮፍ ኢሉ እንታይ ክግበር ይካአል ክፍትሽን ክእምትን ክኢሉ'ዩ። ብዝዋሐደ ከአ ነቲ አብቲ ፈስቲቫል ተጨሪሑ ዝነበረ ,,ብሐባር ነድምጽ ከነስምዕ! ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ!,, ዝብል ጭርሖ ከም ናይ ሓባር ጭርሖ ወሲዱ፡ ኩሉ ከአ ንምትግባሩ ክቃለስ ብቃሉ መብጽዓ አትዩ።

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመን ንዝተኣተወ መብጻዓ ንምትግባር ሐላፍነት ወሲዱ ነተን አብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝተረኽባ ፖሎቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ብዕለት 16.09.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፍርት ክራኸባ አኼባ ጸዊዑ። አብቲ አኼባ 10 ፖሎቲካዊ ውድባት 2 ከአ ስቪካውዊ ማሕብራት ወከልተን ተረኹቦም ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ አርእስታት ተመያይጦም።

1.     ኩነታት ህዝብን ሃገርን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሐደጋታትን

2.     ቀንዲ ናይ'ዚ እዋን ተባራዕቲ ሕቶታት ምልላይን መልሲ ምውህላልን ምርካብን

3.     ተመክሮን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ምድህሳስ፡ ሓያልን ድኹምን ጎድኑ ምልላይን

4.     ንሕና ከም አካል ደምበ ተቓውሞ ህልዊ መደረኽ እንታይ ይጠልባና አሎ ዝብል'ዩ።

ኩሉም ተሳፍቲ አኼበኛታት ነዚ አብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ አርእስትታት በቲ ኣብኡ ዝተረኽበ ዓቕሚ ሰቡ ክመያየጠሉን ክካታዓሉን ኮይኑ። ንነብሲ ወከፍ አርእስቲ ናይ ጊዜ ገደብ ተገይርሉ ስለ ዝነበረ ኩሉ ሰብ ድማ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ጓል ነገር ገዲፉ፡ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገነገር ረጊጹ ሓሳቡ ስለ ዘቕረበን ተውሲኽዎ፡ እቲ አኼባ አብ ጊዚኡ ክውዳእ ኮይኑ። ቀንዲ ነዚ አኼባ'ዚ ስሉጥ ክኸውን ዝገብሮ መኽንያት ነቲ እንመያየጠሉ አርእስቲ አመልኪቱ ዝተዳለወ ሓርፋፍ ሰነድ ቀሪቡ ስለ ዝነበረ'ዩ። ከምዚ ዓይነት ናይ ስራሕ ልምዲ ከነማዕብልን ጊዜና ብግቡ ስለ ዝተጠቕመሉን ከአ ኩሉ ሰብ ተስፋ ሰኒቑ ሕጉስ ኮይኑ ነኒቦትኡ ተመሊሱ እዩ።

ቀንድን ቁምነገር ናይዚ ፍልመ አኼባ'ዚ ግን ነዞም አብ ላዕሊ ተሰሪዖም ዘሎው አርእስትታት ኣብ ምዕማቖምን ኣብዝርዝር ትሕዝቶኦምን ብዝምልከትን መብዛሕትና ዳርጋ ሐባራዊ አረዳድአ ዘዕረፍናሎም ብምዃኑ'ዩ። ዝተረፈ ብቐጻሊ እና ተራኽብና ብዛዕብኡ ክንዝትን ዝተርፉና ክንምልእን ከም ዘሎና ተራዳዲእና አሎና። ቀጺሉ ከአ አብ ጀርመን ብሐፈሽኡ ቀንዲ ከአ አኣብ ከባቢና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝዓለመ ስራሐት ከነተግብር እንተ ድአኮይኑ፡ ካብ ዝጸንሐና ሕጽረታት ድኽመታት ተጋላጊልና፡ ኣብ ነብስናን ሕድሕዳዊ ምትእምማን ፈጢርና ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ስረሓት ንምዕዋት ብቕድም ነብስና መዚዝና ክንረባረብ ከም ዝግባእና ኩሉ ተሳታፊ አኼባ ብሐደ ቃል አዲምጹ አሎ። አብዚ አኼባ'ዚ ነዚ እተዋሃህድ 5 ሰብ ዝአባላታ ጊዝያዊት ሽማገለ ተመዚዛ አላ።

ካልእ አገዳሲ ነጥቢ አብ ጀርመን ዝርከቡ ፖልቲካውያን ውድባትን ስቪካውን ማሕበራትን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ተብግሶ ብሓባር ምስራሕ ብዝምልከት ከተጎልብትዎን ዋናታት ኮንኩም ክትዋስእሉን ስለ ዝግባእ ብሐባር ተጠሚርና ንስርሐሉ መድርኽ ክንፈጥር በዚ አጋጣሚ መጸዋዕታ ንቕርብ።

ጊዜያዊት ሽማገለ

ፖሎትካዊ ውድባትን ስቭካዊ ማሕበራትን ጀርመን

ዕለት 22.09.18

ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ዳርጋ 4,000 ካብ ኤርትራ ዑቕባ ክሓቱ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ተመዝጊቦም ምህላዎም ማርቲን ፕላውት ዝተባህለ ጋዜጣኛ ኣብ ናይ ዕለት 26 መስከረም 2018 ዘውጽኦ ዜና ኣስፊሩ ኣሎ።

ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኩነታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ 5,000 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከም ዝኣትዉ ዝሕብር ጸብጻብዩ ነይርዎም። እዚ ሓድሽ ኩነታት እንተቐጺሉ ግና ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ 20, 000 ክበጽሕ እዩ።

ንኣብነት ዝኣክል ካብ 21 መስከረም ክሳብ 25 መስከረም 2018 ኣብ ወግዓዊ መእተዊ ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ከምዚ ዝስዕብ እዩ: ክብል ጠቂሱ ኣሎ

ዓርቢ 21 መስከረ         526

ቀዳም 22 መስከረም    550

ሰንበት 23 መስከረም    223

ሰኑይ 24 መስከረም   1,839

ሰሉስ 24 መስከረም     575

ድምር                     3,713

እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ዝተመዝገቡ ዝርዝር እዩ፡ ካለኦት 1,500 ከኣ ኣብ ዶብ ንክምዝገቡ ዝጽበዩ ኣለዉ። ኢትዮጵያውያን ሰብ መዚ ብዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታትን ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን እንዳተሓገዙ፥ ኩነታት ንምምሕያሽ ኣብ እንዳባጉናን ካለኦት መደበራት ስደተኛታትን ዝከኣሎም ይጽዕሩ ኣለዉ።