ኤርትራውያን ብብዝሒ ናብ ኢትዮጵያ ይሃድሙ ኣለዉ
2018-09-27 08:27:25 Written by ማርቲን ፕላውት (ትርጉም ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1910 timesኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ጥራይ ዳርጋ 4,000 ካብ ኤርትራ ዑቕባ ክሓቱ ዶብ ሰጊሮም ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ተመዝጊቦም ምህላዎም ማርቲን ፕላውት ዝተባህለ ጋዜጣኛ ኣብ ናይ ዕለት 26 መስከረም 2018 ዘውጽኦ ዜና ኣስፊሩ ኣሎ።
ብመንጽር ናይ ቅድሚ ሕጂ ኩነታት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ 5,000 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከም ዝኣትዉ ዝሕብር ጸብጻብዩ ነይርዎም። እዚ ሓድሽ ኩነታት እንተቐጺሉ ግና ቁጽሪ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ኣብ ወርሒ 20, 000 ክበጽሕ እዩ።
ንኣብነት ዝኣክል ካብ 21 መስከረም ክሳብ 25 መስከረም 2018 ኣብ ወግዓዊ መእተዊ ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ከምዚ ዝስዕብ እዩ: ክብል ጠቂሱ ኣሎ።
ዓርቢ 21 መስከረ 526
ቀዳም 22 መስከረም 550
ሰንበት 23 መስከረም 223
ሰኑይ 24 መስከረም 1,839
ሰሉስ 24 መስከረም 575
ድምር 3,713
እዚ ዝተጠቕሰ ናይ ዝተመዝገቡ ዝርዝር እዩ፡ ካለኦት 1,500 ከኣ ኣብ ዶብ ንክምዝገቡ ዝጽበዩ ኣለዉ። ኢትዮጵያውያን ሰብ መዚ ብዓለምለኻዊ ትካል ንስደተኛታትን ብላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን እንዳተሓገዙ፥ ኩነታት ንምምሕያሽ ኣብ እንዳባጉናን ካለኦት መደበራት ስደተኛታትን ዝከኣሎም ይጽዕሩ ኣለዉ።