አገዳሲ ናይ ሓባር መግለጺ ፖሎቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ጀርመን

2018-09-27 19:25:47 Written by  ጊዜያዊት ሽማገለ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2033 times

ዝሐለፈ ብዕለት 04/05.08.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብ ሰዲህኤ ዝተዳሎ ፈስቲቫል ኤርትራ ተረኺቦም፡ ፖሎቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ከምቲ ልሙድ ናይ ደገፍ መልእኽቶም ከስምዑ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ካብኡ ፍለይ ዝበለ፡ ነዚ መድርኽ ዝበቅዕ ናይ ሓባር ስራሐት ከተግብሩ ዝኽእለሉ ኩነታት ክርእዩን ክፈጥሩን መታን ተባሂሉ እውን ብሓባር ኮፍ ኢሉ እንታይ ክግበር ይካአል ክፍትሽን ክእምትን ክኢሉ'ዩ። ብዝዋሐደ ከአ ነቲ አብቲ ፈስቲቫል ተጨሪሑ ዝነበረ ,,ብሐባር ነድምጽ ከነስምዕ! ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ!,, ዝብል ጭርሖ ከም ናይ ሓባር ጭርሖ ወሲዱ፡ ኩሉ ከአ ንምትግባሩ ክቃለስ ብቃሉ መብጽዓ አትዩ።

ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ጀርመን ንዝተኣተወ መብጻዓ ንምትግባር ሐላፍነት ወሲዱ ነተን አብ ፈስቲቫል ኤርትራ ዝተረኽባ ፖሎቲካዊ ውድባትን ስቪካዊ ማሕበራትን ብዕለት 16.09.18 ኣብ ከተማ ፍራንክፍርት ክራኸባ አኼባ ጸዊዑ። አብቲ አኼባ 10 ፖሎቲካዊ ውድባት 2 ከአ ስቪካውዊ ማሕብራት ወከልተን ተረኹቦም ኣብዞም ኣብ ታሕቲ ዝስዕቡ አርእስታት ተመያይጦም።

1.     ኩነታት ህዝብን ሃገርን ዘንጸላልዎም ዘሎ ሐደጋታትን

2.     ቀንዲ ናይ'ዚ እዋን ተባራዕቲ ሕቶታት ምልላይን መልሲ ምውህላልን ምርካብን

3.     ተመክሮን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞ ምድህሳስ፡ ሓያልን ድኹምን ጎድኑ ምልላይን

4.     ንሕና ከም አካል ደምበ ተቓውሞ ህልዊ መደረኽ እንታይ ይጠልባና አሎ ዝብል'ዩ።

ኩሉም ተሳፍቲ አኼበኛታት ነዚ አብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ አርእስትታት በቲ ኣብኡ ዝተረኽበ ዓቕሚ ሰቡ ክመያየጠሉን ክካታዓሉን ኮይኑ። ንነብሲ ወከፍ አርእስቲ ናይ ጊዜ ገደብ ተገይርሉ ስለ ዝነበረ ኩሉ ሰብ ድማ ሓላፍነት ተሰሚዕዎ ጓል ነገር ገዲፉ፡ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገነገር ረጊጹ ሓሳቡ ስለ ዘቕረበን ተውሲኽዎ፡ እቲ አኼባ አብ ጊዚኡ ክውዳእ ኮይኑ። ቀንዲ ነዚ አኼባ'ዚ ስሉጥ ክኸውን ዝገብሮ መኽንያት ነቲ እንመያየጠሉ አርእስቲ አመልኪቱ ዝተዳለወ ሓርፋፍ ሰነድ ቀሪቡ ስለ ዝነበረ'ዩ። ከምዚ ዓይነት ናይ ስራሕ ልምዲ ከነማዕብልን ጊዜና ብግቡ ስለ ዝተጠቕመሉን ከአ ኩሉ ሰብ ተስፋ ሰኒቑ ሕጉስ ኮይኑ ነኒቦትኡ ተመሊሱ እዩ።

ቀንድን ቁምነገር ናይዚ ፍልመ አኼባ'ዚ ግን ነዞም አብ ላዕሊ ተሰሪዖም ዘሎው አርእስትታት ኣብ ምዕማቖምን ኣብዝርዝር ትሕዝቶኦምን ብዝምልከትን መብዛሕትና ዳርጋ ሐባራዊ አረዳድአ ዘዕረፍናሎም ብምዃኑ'ዩ። ዝተረፈ ብቐጻሊ እና ተራኽብና ብዛዕብኡ ክንዝትን ዝተርፉና ክንምልእን ከም ዘሎና ተራዳዲእና አሎና። ቀጺሉ ከአ አብ ጀርመን ብሐፈሽኡ ቀንዲ ከአ አኣብ ከባቢና ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝዓለመ ስራሐት ከነተግብር እንተ ድአኮይኑ፡ ካብ ዝጸንሐና ሕጽረታት ድኽመታት ተጋላጊልና፡ ኣብ ነብስናን ሕድሕዳዊ ምትእምማን ፈጢርና ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ስረሓት ንምዕዋት ብቕድም ነብስና መዚዝና ክንረባረብ ከም ዝግባእና ኩሉ ተሳታፊ አኼባ ብሐደ ቃል አዲምጹ አሎ። አብዚ አኼባ'ዚ ነዚ እተዋሃህድ 5 ሰብ ዝአባላታ ጊዝያዊት ሽማገለ ተመዚዛ አላ።

ካልእ አገዳሲ ነጥቢ አብ ጀርመን ዝርከቡ ፖልቲካውያን ውድባትን ስቪካውን ማሕበራትን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ ተብግሶ ብሓባር ምስራሕ ብዝምልከት ከተጎልብትዎን ዋናታት ኮንኩም ክትዋስእሉን ስለ ዝግባእ ብሐባር ተጠሚርና ንስርሐሉ መድርኽ ክንፈጥር በዚ አጋጣሚ መጸዋዕታ ንቕርብ።

ጊዜያዊት ሽማገለ

ፖሎትካዊ ውድባትን ስቭካዊ ማሕበራትን ጀርመን

ዕለት 22.09.18

Last modified on Thursday, 27 September 2018 21:46