ሰነዳት ዓባይ ብሪጣንያ፡ F0371/ 41499፡ ብስም ናጻ ኤርትራ ኣንድነታዊ ውዲት

2018-11-28 14:03:45 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2221 times

ሃገራዊ ቤተ-መዝገብ ዓባይ ብሪጣንያ

ኣብ ሃገራዊ ቤት መዝገብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ (F0371/ 41499) ዝመለለይኡ መዝገብ ምስ እትመዝዝ፡ ኣብ ኣርብዓታት ብስም ናጻ ኤርትራ ኣንድነታዊ ውዲት ይካየድ ምንባሩ ዝሕብር መዝገብ ትረክብ።

እቲ ታሪኽ ብዛዕባ ኤርትራ ክነሱ ግን ብዙሓት ኤርትራውያን ነዚ ታሪኽ ኣይፈልጥዎን እዮም። ኣብ ስነዳ ታሪኽ ብግቡእ ኣይነጠፉን።

ዛንታታት እቲ እዋን መብዛሕትኡ፡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ካብ ሰማዒ ናብ ሰማዒ እናተለዋወጡ ዝመሓላለፉ ኣፋዊ ታሪኽ እዮም። ንጽዋ ኣፈ-ታሪኽ ግን ተመራመርቲ ከም መወከሲ ክጥቀምሉ ኣይክእሉን።

ኣብቲ መዝገብ ዝርከቡ ጽሑፋት ብ 1944 ኣብ መንጎ ኣስመራን (ወትሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ) ኣዲስ ኣበባን (ወኪል ለጋስዮን ዓባይ ብሪጣንያ) ዝተኻየዱ ናይ ደብዳቤ ምልልሳት ዘርእዩ ዀይኖም እቲ ዛዕባ ድማ ብ"ናጻ ኤርትራ" ዚፍለጥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመስረተ ንኡስ ማሕበር ኤርትራውያን ዘካይዶ ዝነበረ ኣንድነታዊ ዉዲት ይገልጽ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ስቲቭን ሄምሲ ሎንግሪግ፡ ዋና ኣማሓዳሪ ኤርትራ፡ ብ 7/6/1944 ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከ መልእኽቲ (ለጋስዮን ዓባይ ብሪጣንያ) ብዛዕባ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማሕበር ኣቚሞም ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ኣልዒሉ እዩ ዝዝቲ። ይብል ከኣ ...

"ብዛዕባ እቶም ብኢትዮጵያ ተደጊፎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ዝንቀሳቐሱ ዘሎዉ ሰባት ወረ በጺሑኒ ኣሎ። እቲ ነዚ ምንቅስቓስ ዘበገሶ ሰብ ጸሓፊ-ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ወልደዮሃንስ ምዃኖም፡ ምስኦም ከኣ ኤርትራውያን ዳዊት ዑቕባዝጊ (ምኽትል ኣማሓዳሪ ኣዲስ ኣበባ)፡ ገብረመስቀል ሃብተማርያም (ዳይረክቶር ሚኒስትሪ ጶስጣን ቴለግራፍን)፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ይሰርሑ ከም ዘለዉ በጺሕናዮ ስለ ዘሎና ብዛዕባ እቲ ማሕበር ተወሳኺ ሓበሬታ ክትልእኩልና ነማሕጽነኩም" ይብል እቲ ደብዳቤ።

ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ዝሰፍሐን ዝዓበየን ስለ ዝነበረ ልኡኻን መንግስቲ ካበዮ ኵርንዓት ዓለም ንለንደን ዝልእክዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ብግቡእ ተሰኒዶም ኣብዚ ሃገራዊ ቤተ-መዝገብ ይርከቡ።

መቸም ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ኣዝዩ ሰፊሕን "ኣብ ግዝኣትና ጸሓይ ኣይትዓርብን'ያ" ዝበሃለሉን ብቀዳማይን ካልኣይን ዉግእ ዓለም ዳርጋ ንሓደ ርብዒ ህዝቢ ዓለም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ኣእትዮምዎ ዝነበሩ እዋን እዩ ነይሩ እቲ እዋን።

ንኣብነት፡ ሓደ ካብ'ቶም ኣብዚ ሃገራዊ ቤተ-መዝገብ ዚርከቡ ሰነዳት እቲ 1833 ዝወጸ ኣዋጅ ውገዳ ባርነት ኢዩ።

ኣብዚ መዝገብ ኣስማት ናይ 46,000 እንግሊዛውያን ወነንትን ሸያጦን ባሮት ኣብ ግዝኣቶም ከም ዝነበሩ የርኢ።

እቲ ዘገርም ነገር ንግዲ-ባሮት ንክውገድ መንግስቲ እንግሊዝ ንዅሎም ወነንትም ነገድትን ባሮት እስትሕጋጎም (መዕበስ-ኣፍ) ከፊሉ ነቲ ዘስካሕክሕ ንግድ ክሰርዞ ከም ዝኸኣለ ንርኢ።

ካልእ ኣብነት፡ ደይቪድ ኦሉሶጋ ዝተባህለ ተማራማሪ-ታሪኽ ነቶም ዕቑራት መዛግብ ተጠቒሙ ዘገርም ዛንታታት'ዩ ኣቕሪቡ።

"ታሪኽ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ እንፍትሽ ኣብ ዉሽጡ ብዙሕ ጊዜ ታሪኽ ጸለምቲ ኣህዛብ ንረክብ ኢና" ይብል።

ንሱ ብዛዕባ ቀዳማይ ዉግእ ዓለም ዘካየዶ ምርምር - ኣብ ጐድኒ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰለፉ ግን ዝተረስዑ ኣፍሪቃውያን፡ ህንዳውያን ካልኦት ኤስያውያን ወትሃደራት ግዝኣት እንግሊዝ ከም ዝነበሩ ስለ ዘርኣየ ዓቢ ኣድናቖት ኣትሪፉ'ዩ።

ኣብዚ ቤት-መዝገብ'ዚ ልዕሊ 11 ሚሊዮን ህዝባዊ ሰነዳት ተዓቂቦም ይርከቡ፣ እንተላይ መዛግብ ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ደይቪድ ኦሉሶጋ - ዕቑር መዛግብ ተጠቒሙ ዓሚቝ ምርምር ዘካየድ ናይ ታሪኽ ምሁር'ዩ። ናይ ምስሊ መግለጺ ደይቪድ ኦሉሶጋ

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መዛግብ እንግሊዝ

እቶም ብዓባይ ብሪጣንያ ዝተዓቀቡ ፋይላት (ብዛዕባ ዉሽጢ ዀነ ወጻኢ ሃገራት) ብዙሕ ምስጢራት መንግስቲ ዘሎዎም ስለ ዝዀኑ ንህዝቢ ክቐርቡ ኣይክእሉን።

እቶም ካብ ፈቐዶ ኤምባሲታት ዓባይ ብሪጣንያ ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ዝለኣኹ ደብዳቤታት ይዅኑ ካልኦት ጽሑፋት፡ ሰላሳ ዓመት ምስ ዝመልኡ፡ ናብ ሃገራዊ ቤት-መዝገብ ይሰጋገሩ'ሞ ኣብኡ ይዕቀቡ ማለት'ዩ።

ነዞም ከምዚኦም ዘኣመሰሉ ጽሑፋት፡ ማለት ሓለፍቲ ኤባሲታት ንሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ዘካፍልዎም ሚስጢራዊ ሓሳቦምን ርእይትኦምን ከመይ ከም ዚመስል ገናጺልና ከነንምብቦም ንኽእል።

ፋይል Image copyright Getty Images

እዚ ማለት፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከነብብ እንተድኣ ደሊና ክሳብ 1988 ዝተሰነዱ ሓበሬታ እምበር ብድሕሪኡ ዝተኸሰቱ ፍጻሜታት ከነንብብ ኣይካኣልን።

ነቲ ንፈለማዩ ኣብ ሃገራዊ ቤት-መዝገብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝበጽሕ ሰብ በየን ከም ዝጅምር'ዩ ዝጠፍኦ።

ኣብ ኮምፕዩተር ኣስፊልካ ምስ እትኣቱ 'ኤርትራ' ዚብል ቃል ዘሎዎም ፋይላት ኣምጽእለይ ዚብል ትእዛዝ ምስ እተቕርብ '1292' ፋይላት ስሒባ ኣየናይ ኢኻ ትደሊ ትብለካ።

'ኢትዮጵያ' ዚብል ቃል ዘሎዎም ፋይላት ከኣ ማዕረ 5683 ይዀኑ። እዚኦም ላዕለ-ላዕሎም'ዮም፣ ዝተጠናገጉ ኣርእስትታ ስለ ዘሎዉ ኣፈታትሻና እንተድኣ ኣጸቢቕና ምስ ካልኦት ዛዕባታት ዝተኣሳሰሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዛንታታት ክንረክብ ይከኣል'ዩ።

መዝገብ

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላእከ መልሲ ...

"ዋላ'ኳ እቲ ቍጽሪ ኣባላት 'ናጻ ኤርትራ' ክንፈልጦ እንተ ዘይከኣልና ብቤት ጽሕፈት ጸሓፊ-ትእዛዝ ይድፍኣሉ ከም ዘሎ ነረጋግጸልኩም።

እቲ ማሕበር ዘዋጽኦ ዘሎ ገንዘብ ሓገዝ ንጽጉማን ኤርትራውያን ዚብል ምስምስ'ኳ እንተዀነ ናብ ኤርትራ ሰዲድም ንናይ ፕሮፓጋንዳ ስርሓት ይጥቀምሉ ከም ዘሎዉ ንፈልጥ።

"ከም ዝመስለኒ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ በዚ ማሕበር ዝግደሱን ብሸዋ ክግዝኡ ዝደልዩን ኣይመስለንን።

እቶም ቀንዲ ኤርትራውያን ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሩ - ሎረንዞ ታእዛዝን ኤፍረም ተወልደመድህንን - ምእንቲ ኣብዚ ጕዳይ ኢዶም ንኸየእትዉ ይመስል ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣርሒቖም ናብ ሞስኮን ዋሺንግቶንን ተመዲቦም ከም ዝሰርሑ ተገይሩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ዝርአ ፍሩይ ኤርትራዊ ኣብ ልዑል ስራሕ መንግስቲ የሎን።

"ኤርትራውያን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዓቢ ዘተኣኻኽቦም ረቛሒ፡ ኤርትራ ተመሊሳ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ጣልያን ከይትወድቕ'ዩ ዚብል ግምት ኣሎኒ።

ይዅን'ምበር እዞም ኣብ ሞንጎኦም ስምምዕ የለን። ጸሓፊ ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ግን ንገብረመስቀል ሃብተማርያምን ዳዊት ዑቕባዝጊን ሒዞም ይደፍኡ ኣሎዉ"።

"እዚ ማሕበር'ዚ፡ ዋላ'ኳ ቅርጹን ስርሑን ጋሕማጥ ይዅን ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ከም ዘለዎ ግን ክፈልጥ ምደለኹ ..." ብምባል እቲ ወኪል ኤምባሲ (ሻርጅ-ዳ'ፈር) መልእኽቱ ይድምድም።

እቲ ምልልስ እናቐጸለ ንሓድሕዶም ሓበሬታት ክለዋወጡ ምንባብ የስደምም'ዩ፣ እንግሊዝ ክሳብ ክንደይ ብኣትኵሮ ነቲ ጕዳይ ይከታተልዎ ምንባሮም ግን ዘደንቕ'ዩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኤርትራውያን (ኣባላት 'ናጻ ኤርትራ') ብጸሓፊ-ትእዛዝ ወልደጊዮርጊስ ተመሊኾም ነቲ ኣብ ኤርትራ ብ 1943 ዝጀመረ "ኤርትራ ንኤርትራውያን" ዚበሃል ምንቅስቓስ ክድህኽኩዎ ከም ዝተበገሱ የርኢ።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት ከኣ ኮሎኔል ነጋ ሃይለስላሴ ዝበሃል ኢትዮጵያዊ ንኤርትራ ተላእከ፣ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ከኣ ኢዱ ኣብ ፖለቲካ ከእቱ ጀመረ፣ 'ናጻ ኤርትራ' ኸኣ ምስ በዓል ኣቡነ ማርቆስ ዀነ ተድላ ባይሩ ብኣይድዮሎጂ ኣንድነት ተኣሳሲሮም እቲ ዝግበር ገበሩ - ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ተቘጻጸሩ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምጽንባር ከኣ ስርሖም ኣዕዘዙ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ...

ቀጺሉ እቲ ዝኸፈትናዮ መዝገብ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ከም ዝተላእከ የርኢ። እቲ መልኽቲ ከምዚ ዚስዕብ ይብል ...

"ማሕበር 'ናጻ ኤርትራ' ንመጀመርያ ኣብ ቃልዕ ወጺኦም ብ 8/2/1944 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሓደ ቤት ሲነማ ኣኼባ ኣካዪዱ።

እቶም ዕዱማት ብህዝባዊ ማዕከናት ዘይኰነስ ብሰበ-ሰብ 'ዮም ዕድመ ልኢኾም። ዘይኣባላቶም'ውን ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝተረኽቡ (ኢትዮጵያውያን እንተላይ) ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ።

"ነቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣቶ ገብረመስቀል ሃብተማርያም'ዮም መሪሖምዎ። እቶም ዝቐረቡ ዲስኩራት ካብ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ሓሊፎም ሓዲስ ነገር ከም ዘይነበሮም፡ ግንከ ሓደ ተባዕ ሰብኣይ፡ ብላታ ኪዳነማርያም ኣበራ ዝበሃሉ ሰብኣይ፡ ተንሲኦም ሕቶ ከም ዝሓተቱ ንፈልጥ።

"ብላታ ኪዳነማርያም ከኣ 'ከበሳ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብታሪኽን ባህልን ልምድን ሓደ ኢና በልኩምና፡ ግናኸ እቲ ዘገድስ ጕዳይ ንሱ ድዩ ወይስ ብቕዓት ኢትዮጵያ ... ኢትዮጵያ ንኤርትራ ከተካይድ ትበቅዕ ድያ?' ኢሎም ዱብ-በላ ሕቶ ኣቕሪቦም' ብምባል፡ ብዙሓት ኣኼበኛታት ከኣ ብዉሽጦም ዘረባ ብላታ ኪዳነማርያም ሰሚዖም ብዉሽጦም ከም ዝተሓጐሱ ይገልጽ።"

ኣብቲ እዋንቲ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ይሰርሑ ነይሮም'ዮም።

ከም በዓል ኣቶ እምባየ ወልደማርያም፡ ሚኪኤል ተሰማ፡ ሰሎሞን ኣብርሃ፡ ክፍለዝጊ ይሕድጎ ዘኣመሰሉ ሰባት ኣብ ቤት ፍርዲ ፣ ከም በዓል ጳውሎስ ብርሃነ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ገብረሚካኤል ፍስሃየ ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳይ፣ ሓጎስ ተወልደመድህን ኣብ ሚኒስትሪ ኮመርስን ኢንዱስትርን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ምክልኻል፡ ሚኒስትሪ ዉሽጢ ሃገር ... ወዘተ ድሓን ቦታ ሒዞም ዝሰርሑ ኤርትራውያን ነይሮም'ዮም።

ካብ ሰነዳት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሕ ንመሃሮ ነገራት ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎዉ ቤተ-መዛግብ ክህብትሙ ጻዕርታት ክካየድ ይግባእ።

ብቑዕ ቤት መዝገብ ሃገር ምስ ዚህሉ ንመወከሲ ታሪኽ ጥራሕ ዘይኰነስ መንግስቲ ምስ ዝጋገ ኣብ ናይ ትማል-ኣብነታት፡ ፍጻሜታት፡ ፍርድታት ኰኑ ካልኦት ሓቕታት ተመርኲስና ዓገብ ክንብል ንኽእል።

Last modified on Wednesday, 28 November 2018 15:08