መወዳእትኡ የጸብቆ

2019-04-13 07:01:34 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1785 times

እቲ “ቀውዒ ዓረብ” ዝብል ስያሜ ዝተዋህቦ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዕምሪ ምልካውያን ስርዓታት ዝሓጸረሉ እውን እዩ ነይሩን ጌናውን ይቕጽል ኣሎ። እዚ ዕምሪ ምልካውያን ብኽልተ መገዲ እዩ ዝሓጽር ዘሎ። እቲ ቀዳማይ ህዝባዊ ናዕቢ ኮይኑ፥ እቲ ካልኣይ ብደጋዊ ሓይሊ ዝተሰነየ እዩ።

እተን ከም ኣብነት ብደጋዊ ሓይሊ ዕምሪ ምልኪ ዝሐጸራ ሃገራት በዓል ዒራቕ፥ ሊብያ፥ ወዘተ ክኾና ከለዋ፥ እተን ብህዝባዊ ናዕቢ እሞ መወዳእትኡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ  ስልጣን ዝጨበጠለን እየን። እዚ ድማ ኣብ ከም በዓል ግብጺ፥ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ድማ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ህዝባዊ ናዕቢ እቲ ስልጣን እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ ጨቢጥዎ። እዚ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ክሳብ ክንደይናይ ሓያል ምዃኑ ትምህርቲ ክንቀስመሉ ንኽእል ኢና። እዚ ንደምበ ተቓውሞ ንሓያሎይ ዓመታት ነቲ ስነፍልጠታዊ ተንታኑ ኣዘንቢዕካ ተመኩሮ ዘይጎነጻዊ ከምዘይዕወት ገርካ ዝቐርብ ዝነበረ ዘእርም እዩ።

ብዝኾነ እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምስ ዝወድቕ ኣሉታውን እወንታውን ሸነኽ ክህልዎ እዩ። እቲ እንታይነት ናይቲ ስልጣን ዝጭብጥ ሓይሊ  ነታ ሃገር ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነት እዩ ክመርሓ ዝብል ሓደጋታት ዝሓዘለ ክኸውን ይኽእል። ናይዚ ምልክት ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ተመኩሮ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣኑ ብሰላማዊ መገዲ ንህዝቢ (ስቪል) የረክብዶ።? ወይ ስልጣን ብሒቱ ከምቶም ዝቐደሙ ስልጣን ጨቢጦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቸቸይ ዝበሉ  እዩ ከኸውን?

ንኣብነት ኣብ ሱዳን ብ1969 ብህዝባዊ ናዕቢ ኣቢሉ ጀነራል ኑመይሪ ነቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ድሕሪ 16 ዓመት ስልጣኑ ንህዝቢ ከየረከበ ነሱ ውን ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተገሊፉ። ሽዑ ነቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብጀነራል ስዋር ኣልዘሃብ ንሓደ ዓመት መሪሑ ብሰላማዊ ኣገባብ ስልጣን ናብ ስቪል ኣመሓላሊፉ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኩሉ ግዜ ስልጣን ዝሕዝ ወተሃደራዊ ሓይሊ መብዛሕትኡ ግዜ ንሱ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ምልካዊ ምሕደራ እዩ ዝኣቱ።

ስለዚ ሓድሓደ ከምቲ ናይ ጀነራል ስዋር ኣልዘሃብ ስልጣን ዝጭብጡ ናብ ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ከሰጋግር ዝገበሮ ኣይሰኣንን እዩ። ሕጂ እውን ኣብ ሱዳን ድሕሪ ህዝባዊ ናዕቢ ወይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ። ከምቲ እቲ ዝመርሕ ዘሎ ጀነራል ዝበሎ ድማ ነቲ ስልጣን  ንኽልተ ዓመት ክመርሖ ምዃኑ እምበር ድሕሪ ክልተ ዓመት እንታይ እዩ እቲ ትልሚ ኣይገለጸን። ኣብዘን ናይ ክለተ ዓመት ናይ ስልጣን ግዜኡኸ እንታይ ዓይነት ለውጢ ኢዩ ክገብር ዝብል ዓብይ ሕቶ ዘልዕል ምዃኑ ኣይንረስዕ።

ኣብ ናትና ተመሊስና ከመይ ክኸውን እዩ? ዝብል ሕቶ ክንምልስ የድሊ። ኩነታት ኤርትራ እንተተመልኪትና እቲ ወድዓዊ ኩነት ደጊም በሲሉ እዩ፥ እቲ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን በዓል ቤታዊ ዓቕሚ ግን ጋና ኣይበቐዐን ዘሎ። ኣይበቐዐን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ተመኩሮ ናይ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ኣቀላልሳ ዘይምህላው፡ ከምኡ’ውን እቲ ኣተሃላልዋ ደላይ ለውጢ ገሊኡ ንውደባን ጥርናፈን ዝጸልእ፥ ውድባትን በርገሳውያን ማሕበራትን ድማ ንሓድሕደን ዘይቃደዋን፥ ነፍሲ ወከፈን ገደብ ሓላፍነተን ኣብ ዝሰሓታሉ ህሞት ኢና ንርከብ ዘለና። ሳልሳይ ነጥቢ እታ ሃገር ንኹልና ተቓወምትን ደገፍትን ብሓባር ትምልከተና ክንሳ፡ ነቲ ደጋፊ ስርዓትየ ዝብል ብዘጓኒ ዓይነት ኣቀራርባ ንጐዓዝ ምህላውና፥ እቲ ካልእ ድማ እቲ ደጋዊ ሓይሊ ብኸመይ ዝበለ ሜላን ምስጢርን ይኸይድ ምህላው ኣይንግንዘብን ዘሎና።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኩሉ ዝካየድ ናይ ስርሕ ፍንጥሕ ጥርናፈታት ናብ ውሽጢ ዝስሕበና ዘይኮነስ ንደገ እንዝረወሉ ኮይኑ “ኣነ ጥራሕ እየ” ኣብ ዝብል ናይ ስልጣን ውድድር ደረጃ ኢና ንርከብ ዘለና። ስለዚ ነዚ ኹሉ ክንፈትሓሉ ዝግባእ ተደላዪ ዕማም ቦዂሩና ኣሎ። እቲ ስርዓት ሎሚ ዲዩ ጽባሕ ናይ ግዜ ገደብ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ክወድቕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛን ተሃዋስን ስለ ዝኾነ ክንነቕሓሉ ዝግባእ ጉዳይ ግና ኣሎ። ንሱ ድማ እዚ ኣብ ደገ ዘሎ ተቓዋሚ ብዘይወዓል ሕደር ሰልፍታት ኣብ ነሓድሕደን ከምኡ እውን በርጌሳውያን ማሕበራት ብዘይቅድመ ኩነት ተቐራሪበን  መሰጋገሪ ፍኖተ ገበይ (road map) ክሕንጽጻ ይግበአን። ካብኡ ሓሊፉ መወዳእትኡ የጸብቐልና እዩ ዝበሃል።

ድራር መንታይ

Last modified on Saturday, 13 April 2019 09:03