ንኢሳይያስሲ፤ ዘራጊቶ’ኳ ክውሕዶ!

2019-01-03 10:01:45 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1799 times

ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናይ መዋእል ክበሃል ብዝኽእል ናይ ህዝቢ ኤርትራ  ኣጀንዳ ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እቲ ዝምድና ንሓንሳብ ክብ ዝብል ንሓንሳብ ከኣ ለጠቕ ዝብል፡ ወይ ንሓንሳብ ዝሕርፍፍ ንሓንሳብ ከኣ ዝለምጽ እኳ እንተነበረ፡ ብሓፈሻ ግና ብቓልሲ ዝግለጽ ዘይርጉ ምዃኑ ምጥቃስ ይከኣል። ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ምዃና ምስ ኣረጋገጸት፡ እቲ ዝጸንሐ ምትፍናን ናይ መወዳእታ መልክዑ ሒዙ እዩ፡ ምስ ተባህለ ዝተፈጥረ ሓድሽ ሓጐጽጐጽ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ዓለምና ኮይኑ። ብፍላይ ከኣ ድሕሪቲ ግቡእን ኣብ መጽናዕቲ ዝተመስረተን ስም ዘይተዋህቦ ንግዜኡ ግና ከም ናይ ዶብ እንጠቕሶ ውግእ ምስ ተባረዐን ቀያድን ናይ መወዳእታን መለቢ ምስ ተገብረሉን ኣጀንዳነት ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝያዳ ሰማይ ዓሪጉ።

እቲ ብናይ ቅድም ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዳርጋ ንዕኡ ዝምጥንን ንተግባራቱ  ዝገልጽን “ዘራጊቶ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ባዕላውን ተጋላባጥን መርገጻት ክወስድ ጸኒሑ። ንሓንሳብ ብጉዳይ ልኡላውነትን ክብርን ኤርትራ ይምሕልን ይጥሕል። ንሓንሳብ ድማ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ  ክልተ ሃገራት ህዝቢ እዮም ንዝብሉ “ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ብዝብል ውርጽጽና ክገልጾም ሰሚዕናዮ። እዚ ምድብላቕ ናይ ዘይጠዓየ ሰብ እምበር ሓላፍነት ህዝብን ሃገርን ወሲዱ ናይ ዝመርሕ ኣካል ኣበሃህላ ከምዘይኮነ ብዙሓት ዝሰማምዕሉ እዩ። እንተኾነ ከምኡ ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነስ፡ ዘራጊቶ ኢሳይያስ፡ ኮነ ኢሉ ኣተሓሳስባ ናይ ህዝቢ ንምድብላቕን ኣብ ናቱ ኣጀንዳ ንምጽማድን  ዝፈጥሮ ዘርጊ ምዃኑ እውን ምስትብሃል ዘድልዮ እዩ።

እቲ ክብ ለጠቕ ቀጺሉ ድሕሪ ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስን መራሒ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብን ካብን ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምልላስ ቅድሚ ሰለስተ ወርሕን ፈረቓን ኣቢሉ ይኸውን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኸፊቱስ ህዝቢ ብናጻ ክሰጋገር ጸኒሑ። እቲ ዶብ ምስተኸፍተ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ኣወሓሕዛ ከምዚ ቤት ማእሰርቲ ዝተኸፍተሉ እሞ ዳግማይ ከይዕጸዎ ስጊኡ ዕጉግ ኢሉ ዝወጽእ እሱር ይመስል ከም ዝነበረ ተዓዚብናዮ ኢና። እሞ ከኣ መብዛሕትኡ ዝምለስ ዘይኮነ ንኤርትራ ኩቦ ዝደርበያ እዩ ነይሩ። ነዚ ኩነታት ኢሳይያስ ኣይተጸበዮን እኳ እንተዘይተባህለ፡ ካብ ትጽቢቱ ንላዕሊ ከም ዝኾኖ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይነበረን። በቲ ዋሕዚ ዓይኑ ደም ዝነጠቦን ካብ ህዝቢ ከም ዝተነጸለ ዝተቓልዐን ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ምዃን መለለይኦም ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ኩነታት ክዘርግዎ ክሓልሙ ምስ ጸንሑ፡ እነሆ ቅድሚ ሓደ ሰሙን “ብናይ ይሕለፍ ፈቓድ እምበር ከም ድላይካ ምዃድ የለን” ብዝብል ነተን ብዙሕ ህዝቢ ክኣትወለንን ክወጸለንን ዝጸንሓ ፍደገታት ዛላንበሳን ራማን ዓጽየምወን። ነቲ ምዕጻው ንምምልኻዕ ከኣ “ተዕጽዩ ዘይኮነስ ሕጋዊ መልክዕ ክሕዝ እዩ” ተባሂሉ ክበሃለሉ ንሰምዕ ኣለና። ንገዛእ ርእሱ ሕጋዊ ዘይኮነ ዘትሕዞ ሕጋውነት ከመይ ምዃኑ ደሓር ንርእዮ እዩ።

እዚ ወረ ብወገን ኤርትራ ኣብቲ ዶብ ዘለዉ ወተሃደራት ዝብልዎ እንተዘይኮይኑ፡ ነዚ ዝምልከት ዝወጸ ወግዓዊ መግለጺ የለን። እቲ ዘይግሉጽ ኣካይዳ ዝመረጾ ዘይኮነስ ዝለመዶ ስለ ዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ ኣይኮኖን። “በሉ እቲ ዝበልኩምዎ ይሕለፍ ሃቡና” ይብሉ ንዘለዉ ኤርትራውያን ክሳብ ሕጂ ዝምልስ ኣካል የለን። ብወገን ኢትዮጵያ ከኣ ዝለዓሉ ናይ መንግስቲ ኣካላት “ንሕና ብዛዕባዚ ብወገን ኤርትራ ኣብ ዶባት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ  ንፈልጦ የለን፡ ሓበሬታ ምስ ረኸብና ክንነግረኩም ኢና” ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂቡ። ካብዚ ብውሕዱ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምንባብ ከምዘየለ ምግንዛብ ይከኣል። ከምዚ ምዃኑ ዝተረድኡ ተዓዘብቲ እዮም ከኣ፡ ነቲ ኩነታት “ብገልታዕታ ዝተኸፍተን ብገልታዕታዕ ዝተዓጽወን” ዝብልዎ ዘለዉ።

ኣብዚ ኩነታት ብወገን ኤርትራ ኢሳይያስ ኣብቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት “ድላየይ እንተገበርኩ ዝእውደኒ የብለይን” ዝብል ትዕቢቱ መመሊሱ የራጉዶ ከም ዘሎ’ዩ ዘረደኣና። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘለዎ ሕዱር ንዕቀት ዝነቅል እዩ። እቲ ከምስል ሓሓሊፉ ንህዝቢ ኤርትራ ዝንእዶ ናይ ሓሶት ሽሕጣን ምዃኑ ከኣ ምስትብሃል ይከኣል። ይዝከረኒ ብዙሓት ዘይቀብጹ ኤርትራውያን ነቲ ኢሳይያስ ብናቱ ናይ ሓሶት መስመራት ዝዝርገሖ መደንዘዚ ወረ እንዳተቐባበሉ “ ኣብ ባሕቲ ሓድሽ ዓመት 2019 እሞ እዚ ሰብኣይ ገለ ክገብር እዩ፡ ከምኡ እንተዘይገይሩ ካልእ ነገር ክፍጠር እዩ” ክብሉ ምስ ጸንሑ፡ ነዚ ወረዚ ማይ ንምጅላሕ እነሆ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቅድሚት ዝስራዕ ኣጀንዳ ከም ዝኸውን ገይሩ። ስለዚ ንጉዳይ ዶብ ሓድሽ መልክዕ ምትሓዙ ትጽቢትን ኣቕጣጫን ህዝቢ ንምቕያር ዝተሃንደሰ ምዃኑ በሪሁ። ነቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ተወጊኡዶ ተሳሒቱ ዝብል ድራማ እንተወሲኽካሉ ከኣ ነቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ታሕቲ ከም ዝሰርዖ ምርዳእ ይከኣል። ናይ ህዝቢ ናይ ኣተሓሳስባ ኣቕጣጫ ምቕያር ህግደፍ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝጥቀበሉ መዳህለሊ ሜላ እዩ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ካብ ህዝቢ ተሓቢኦም ስረሖም እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ኩሉ ስረሓም ከኣ ብዋጋ መሰልን ናጽነትን ህዝብና ዝካየድ እዩ። እቲ ከዛርበና ዝግበኦ ቀንዲ ጉዳይ እምበር ብዛዕባና ብዛዕባቶም ኤርትራዊ መሰልና ስለ ዝተነፍገና ንምምላሱ ንቃለስ ዘለና እዩ፡ ህግደፍ በኣና ክጻወት እነከሎ፡ ሕነ ክንፈዲኳ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ንግበር እንተዘይበልና፡  ግዳዩ ንዘይምዃንን ዝተጠልመ ኤርትራዊ መሰልና ንምምላስን ክንቃለስ ግና ግደታና እዩ። ነቲ ዘይናትና ምዃኑ እንፈልጦ ህግደፍን ዘራጊቶ መራሒኡን ብውሕዱ “ንሕና ኣይናትኩምን ንስኻትኩም’ውን ኣይናትናን” እንብሎም ባዕልና እምበር፡ ካልእ ክዓመልና እንጽበየሉ ሓላፍነት ኣይኮነን። ከምዚ እንተዘይጌርና ግና ህግደፍ ዘይኮነ ዝውጸዓና ዘሎ ንሕና ኢና ንወጽዓ ንጠዓዓመሉ ዘለና።

Last modified on Thursday, 03 January 2019 11:07