ቃልስና ኣንጻር ሰባት ዘይኮነስ፡ ኣንጻር ኣተሓሳስባኦም’ዩ!

2018-12-24 11:43:11 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1731 times

ወጻዕቲ ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ንምህዳምን ንምድንጋርን ካብ ዝጠቀምሎ ሜላታት ሓደ ናይቶም ኣንጻሮም ዝቃለሰኡ ውጹዓት ኣቕጣጫ ምስሓት እዩ። እዚ ማለት እቲ ዓሚቕ ህዝባውን መሰረታውን ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ዕምቆት ዘየብሉ ኣንጻር ውልቀ ሰባት ዘተኮረ ኮይኑ ከም ዝውሰን ምግባር እዩ። ነቲ ወጻዒ ውልቀሰብ ኮነ ጉጅለ ንገዛእ ርእሱ ዕላማ ገይሮም የቕርብዎ እሞ፡ ወጻዕቲ ምስ ናይዞም ውልሰባት ወይ ጉጅለ ተሰከምቲ ወጽዓ ምእላይ መሰረታዊ ፍታሕ ከም ዘምጽእ ኣምሲሎም ክጸልዉዎም ይጽዕሩ። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና እቲ መሰረታዊ ጸገም ኣብቲ ናይ ወጽዓ ኣተሓሳስባ ኮይኑ እዚ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ሰሪሩ ዘጋልቦም ሰብ  ጽልዋን ግደን የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ተመኩሮና ወጻዕቲ ነቲ ኪኖ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ካልእ ምርጫ ዘየብሉ ውጹዕ ህዝብና ምስ ውልቀሰባት እንዳተሓሓዝካ ምድንጋራት ምፍጣር ዝተለምደ እዩ። ንኣብነት ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ካብ ኮነስ ወዮ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ መጺኡ ኢሉ ከራጥጥ ዝተመሃዝ ተንኮላት ብዙሕ እዩ። በብግዜኡ ኢሳይያስ ናይ ርእሲ ዓሶ ሒዛቶ፡ ኣካላቱ ለሚሱ፡ ንሓንሳብ እውን ሞይቱ እንዳተባህለ ብናይቲ ንሱ ዝመርሖ እኩይ ጉጅለ ተኸሽኑ ዝንዛሕ ወረ ዕላምኡ ከምዚ እዩ። ህዝቢ ንጉዳያት ኣብ ክንዲ ኣስፊሑ ብዓይኒ ኣተሓሳስባ ዝሕዞ ብውልቃዊ ጽልኢ ከም ዝርእዮ ንምግባር። እዚ ኣገባብ ናብቲ ምእንቲ ለውጢ ኣተሓሳስባ ዝቃለስ ወገና ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ደጋፊ ህግደፍ እውን ዘደናግር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እንተተዓዚብና እቶም ዝርካቦም ደገፍቲ ህግደፍ፡ ንኢሳይያስ ብውልቂ ምናልባት እውን ንህግደፍ እምበር “እዚ እዩ እንድግፎን እንቃለሰሉን” ዝብልዎ ኣተሓሳስባ የብሎም። ድሕሪ ኢሳይያስ እትዓርብ ጸሓይ እያ ዘላቶም። ኢሳይያስ ኣብ  ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ዝሰፈረ ሰይጣን ምዃኑ ዝርድኡ እውን ኣይመስለናን። “ኣንታ ንበረልና” ክብልዎ እንከለዉ ዕድመ  ኩሉ ወጽዓታት ኣብ ኤርትራ ክነውሕ ሰማዒ እንተረኺቦምስ ይጽልዩ ከም ዘለዉ ዝርድኡ እውን ኣይመስሉን።

ኣብ ናይ ሎሚ ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ይኹን ስብሓት፡ የማነታት ድዮም ዑስማን ሳልሕ ምናልባት እውን ካለኦት ጀነራላት እንተሓመሙ ወይ’ውን እንተሞቱ እቲ ወጽዓ ብኡንብኡ የብቅዕ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ካለኦት እውን ዝሰፈረ ጸረ ህዝቢ ህዋስ (ቫይረስ) ስለ ዝኾነ መልክዑ ቀይሩ ናይ ምቕጻል ዕድሉ ዕጽዊ ኣይኮነን። ስለዚ ናይ ውልቀሰባት ምእላይ ብኡ ንብኡ እቲ እንቃለሰሉ መሰረታዊ መፍትሒ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣብ ምስራጽ ናይቲ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ገዚፍ ብጽሒት ዝነበሮም ኣካላት ክኽወሉ እንከለዉ ኣብ ደንበኦም ስንከልከል ኣይፍጠር ማለት ኣይኮነን። እንደጋና ከምዚ ጸምሊዩ ዝጸንሐ ዘራእቲ ሓጋይ ማይ ምስ ረኸበ ህይወት ዝመልስ ዳግማይ ኣይበራበርን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ብዝብል ጥበብ እቶም ወረስቲ ዓራት ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝሓሹ መሲሎም ዝቐርብሉ መረሳስዒ ኰነት ይፍጠር እዩ። ከምቲ ግቡእ ለውጢ ተረጋጊጹ ምባል እንኽእል ኪኖ ናይ ሰባት ምሕላፍ ምብሳር ናይቲ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ብውሕስነት ክረጋገጽ እንከሎ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ኣፍና መሊእና ልዕልና ሕግን ዲሞክራስን ተረጋጊጹን እንብል ዘይነበረ ጭርሖታት ዘስምዕ ሓድሽ ሓይሊ ክመጽእ እንከሎ ዘይኮነ፡ ለውጢ ብግብሪ ክረአ እንከሎ ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ዲክታቶር ኢሳይያስ እውን ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ሲኦል ንክበጽሕ ብብዙሕ ናይ ደሓን ዝመስል ሰላሕታዊ ስልታት እዩ ሓሊፉ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኪኖቲ ንምድንጋሩ ዝስናዕ ናይ ሕልሚ እንጀራ ግብራዊ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ኣትኪሉ ክቃለስ ይግበኦ። ኩሉ ካብ እንዳ ህግደፍ ዝንዛሕ ወረ ከኣ ማእከሉ ዕድመ መግዛእቲ ምንዋሕ እምበር ምርግጋጽ ለውጢ ክኸውን ባህርያዊ ኣይኮነን። እዚ ነቶም ጉልባቦም ቀሊዖም ኣንጻር ኢሳይያስ ዝመራሒኡ ጉጅለ ህግደፍ ዝቃለሱ ዘለዉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ተደሪኾም ኣንጻር መሰረታዊ መሰላት ህዝቦም ተሰሊፎም ዘለዉ እውን ንኢሳይያስ ብውልቃዊነቱ ምምላኽ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ንሱ ተኾድጭሉ ዘሎ ኣተሓሳስባ ክድህስስዎ ይግበኦም። ከምኡ እንተገይሮም ከኣ ኣብ ጐኒቲ ህዝቦም ዝውጽዕ ዘሎ ውልቀሰብ ንበሎ ጉጅለ ክስለፉ ሕልናኦም ከምዘይፈቕደሎም ርግጸኛታት ኢና። ከምቲ ወለድና “ ንሰብ ሃገሩ ምግባሩ” ዝብልዎ ሰብነት ብተግባርዩ ዝግለጽ። ብመንጽር እዚ ሰብነት ኢሳይያስን ውሱናት ሰዓብቱን በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸምዎ ዘለዉ ወጽዓን ክሕደትን እዮም ክምዘኑ ዝግበኦም።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርና ዝስማዕን ዝረአን ዘሎ ዓረበሰረቐ ጥቡቕ ምክትታል ዘድልዮ እዩ።  ንንቕሎ በዓል ወዲ ዓሊ ኮነ ተበግሶ ብርሃነ ኣብርሃ ኣብ መሰረታዊ ኣተሓሳስባዶ ኣብ ውልቃዊ ጽልኢ ዘትከለ ነይሩ ዝብል ከም ተመኩሮ ምድህሳሱ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እውን (ሓቂ እንተደኣኮይኑ) ኣስማት በዓል  ኮ/ል ብርሃነ ሃይለ (ወዲ ውነሽ) ከምኡ `ውን ኮ/ል ደረስ ገብረኣምላኽ ምስ መውጋእቲ ጀነራል ስብሓት እንዳተዛመደ ይጥቀስ ኣሎ። ዒላምኦም ውልቀመላኺ ከም ሰብዶ ምልክነት ከም ኣተሓሳስባ ነይሩ ዝብል ከኣ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ። “ደሓን ኢሳይያስ ደኣ ከም ገለ ይኹን እምበር ካብኡ ዝኸፍእዶ ከይመጽእ” ዝብል ኣበሃህላ ኣብ ኤርትራውያን ዝውቱር እዩ። እቲ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ በደል ዝፍጽመሉ ዘሎ ጸይቂ ህዋስ (ቫይርስ) ኣብ ካለኦት እውን ስለ ዝህሉ ኣካይዳ ኢሳይያስ ብድሕሪኡ ምናልባት እውን ብዝኸፈአ ኣገባብ ከይቅጽል ውሕስነት የብሉን። እቲ ኣተሓሳባ ዳግማይ ግዜ ሓልዩ ከምዘይጥጥዕ እንተዘይተበቚቑ ናይ ውልቀሰብ ወይ ውልቀሰባት ምእላይ ንቐጻሊ ራህዋ ውሕስነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ናይ ከም ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ዕሉላት መለኽቲ ምፍጥፋእ ኣብ ደንበ ወጽዓ ስንባደ ኣይፈጥርን ማለት ግና ኣይኮነን።

Last modified on Monday, 24 December 2018 12:47