መጻኢ ዕድላት ኢትዮ-ኤርትራ

2018-12-27 08:47:46 Written by  ብወዲ ባሻይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1945 times

ኣብ ሓደ ሕማቕ ኣጋጣሚታት ባህርያዊ ጸጋታትካን ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣኻን ክዘርዩኻ ከም ዝኽእሉ እዙ ናትና ኣብነትን  ከም ጭቡጥ መርኣያን መረዳእታን ይሕግዝ‘ዩ። 

<<መሰረተ-ምዕብልናታት ሓበሻ! ጎይታን ዋናን ኣኽሱመ-ኣዶሊስ ዝነበረ ሕብረተ-ሰብ፣ 

<<ፊደል ቀሪጹ፣ ብራና ኣንጺፉ፣ ቀለም ጠሚዑ፣ ምስ ቋንቁኡ ዘናበበ ሕብረተ-ሰብ። 

<<ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ተቐቢሉ መንፈሳዊ እምነታቱ ዝዓቀበ ሕብረተ-ሰብ፣ 

<<ኣብ ዓለምና ታሪኻውን ጥንታውን ቅርስታት ዘበርከተ! ጥንታዊ ሕብረተ-ሰብ፣ 

ሎሚ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ምጽውዋር ስኢኑ‘ስ ኣብ ሕድሕድ ምብልላዕን ክምሳስን ተረግሪጉ፣ መሳርሒ ምዕራባዋንን ኣሳሰይቶም ዝኾኑ ኣዕራብን ክኸውን ከሎ ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርንው‘ዩ። ህዝብታት ሓበሻ ብፍላይ ሰሜናዊ ክፋሉ! ሰለስተ ዓበይትን መሰረታውን ጸላእቲ እዮም ዘለዉዎ፣ ንሳቶም ድማ! 

1ይ ምዕራባውያን ሓይልታት፣ 

2ይ ኣዕራብን ናይ ምስፍሕፋሕ ሕልምታቶምን 

3ይ ውሽጣዊ ድኽነታትን እዮም።

ኣዚኣቶም ምስ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣን ተደማሚሮም ነዙ ሎሚ ንሪኦ ዘሎና ጭቡጥ ናይ ጥፍኣት ጎደና ከም ዝመርሑዎ የረጋግጹልና። መንግስትነት ኣኽሱም ምፍራስን እቶት ወደብ ኣዱሊስ ምቁራጹን ንህዝቢ ሓበሻ ታሪኻዊ ውድቀቱ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።

ስልጣኔ ማእከላይ ምብራቕን፣ ምብራቕ ኤውሮጳን ተዳኺሙ ብምዕራብ ኤውሮጳ ምስ ተ‘ተከአ፣ ካብ 15ተ ክፍለ-ዘመን ንደሓር ኣብ ምጉህጓሕ ተፎጥሮኣዊ ጸጋታትን ንግዲ ባራዩን ክነጥፉን ክህብትሙን እተወዳደሩ ምዕራባውያን፣ ኣብ ሞባእታ 19ተ ክፍለ ዘመን ድማ ዓለም ኣብ በርሊን ጠቅሊሎም  ተማቂሎማ። ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓበሻ ንሓንቲ መዓልቲ ደቂሶም ዘይፈልጡ ኣዕራብን፣ ብንግዲ ባራዩ እተዛመዶም፣ ዛይላዊ መቦቆል ዝነበሮ መሓመድ-ግራኝን፣ ብቱርክን ዙቤይዳውያን እተደገፈ ናይ ሰብን ኣጽዋርን ዝረኸቦ ሓያል ደገፍ ተኣማሚኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓበሻ ብፍላይ ኣብ ክርስትያናዊ ሰሜናዊ ሓበሻ ዘውረዶ ዕንወት ታሪኽ ኣይርሰዖን። ኣብ‘ዙይ ክንሪኦ ዘሎና፣ ኣብ 15ተን 19ተን ክፍለ ዘመናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓበሻ ዝወረደ ዕንወትን ጥፍኣትን ደረት ኣይነበሮን።

ድሕሪ ምዝዛም 2ይ ኲናት ዓለም ዝሰዓበ ዝሑል ኲናት‘ውን ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ ህዝቢ ሓበሻ። ብህንጥሻ ምዕራባያን ትነቓነቕ ኢትዮጵያ፣ ህወሓት ጸጋጊኑ ከም ሓንቲ ሃገር ደው ከብላ ከሎ፣ ኤርትራ ድማ መግዛእቲ ኣምሓራ ዝለቐቐላ ሓራ መሬት ክትከውን ከኣለት። ኣብ‘ዙይ ክረአ ዘለዎ ዓለማዊ ፖለቲካውን ወታደራውን ውድድራት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ፈላልዩ ኣየጥቅዕን፣ ንህዝቢ ሓበሻ ሓደ ዓይነት ናይ ጥፍኣት ብዪን እዩ ዝብየኖ። 

ኣብ‘ዙ እዋን‘ዙይ ከኣ! ልኡዃት ምዕራባውያንን ኣዕራብን፣ ብደረጃ ኣመራረሓ ኣብ ዓዲ ኣምሓራን ምድረ-ኦሮምን ኣዝዮም ተበራኺቶም እዮም ዘለዉ። ነዙ ኣጋጣሚ ከም ዓብዪ ዕድል ብምጥቃም ብፍላይ ሊቃውንቲ ኣምሓራ፣ ኤርትራ ትበሃል ሃገር ረሲዖም ኣፍ ልቦም ነፊሖም <ቀይ ባህር የኛ ነው< ካብ ዝብሉ፣ ብርክት ዝበለ ኣዋርሕ ኮይኑ‘ሎ። ኣብ ሞንጎ ሕልምታት ኣምሓራን ጋህዲነት ኤርትራን ዘሎ ፍልልይ ርሕቀቱ ክልካዕ ኣይከኣልን። እንተ‘ኾነ ከቢድ ዋጋ ከም ዝሓትት ምዝንጋዕ ኣዪግባእን። መወዳእታኡ ድሒሩ ዝግምገም ኮይኑ! ብሰንኪ ፖለቲካ ምዕራባውያንን ኣዕራባውያንን፣ ኢትዮጵያ ኣዝያ እናተሓመሰት ትርከብ። ብዘይካ ኣብ ሓንቲ ክልል፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ኩለን-ተን ክልላት ህዝቢ ንህዝቢ ብዓሌትን ቀቢላን ክፋለስ ይርከብ‘ሎ። ከምዙይ ኢሉ ከሎ እዩ ድማ! ኢትዮጵያ ኣብ ለውጢ ትምርሽ ምህላዋ ንጉጅለ ኣብዪን ለማን ብምዕራባውያን ሞጎስ ዝልገሰሎም ዘሎ። በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ኣምሓራ ንተጋሩ ካብ ዝሕነዩሎምን ርእሶም ካብ ዝሕንሕኑሎምን ነዊሕ ኮይኑ፣ ተጋሩ ድማ ታ‘ሩባ እንዶ‘ሞ ስግር በሉዋ ይብሉዎም ኣለዉ፣ እዙይ ካብ ምዕራዩ ሓደገኛነቱ‘ዩ ዝጎልህ።

በዙ ዝረአ ዘሎ ታህዲድን ፖለቲካዊ መጥቃዕትታት ኣዪበሎ፣ ረጽሚ እንተተላዒሉ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መንግስቲ ከም ዘይትቐውምን ንምብትታን ዘቃላጥፍን እዩ ዝኸውን፣ ኣብ ሕድሕድ ግርጭታትን ምፍላስን ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ተጋሩን ኣምሓሩን፣ ኤርትራን ህዝባን ከመይ ክኸውንዩ ዝብል ሕቶ ቀዳማይ እዩ ዝኸውን። ኣዚና ተጎዳእቲ ምዃንና ጠንቂቕና ክንርደኦ ይግበኣና። ኣብ ጥቓ እተበታተነት ኢትዮጵያ እተረጋገአት ኤርትራ ክትቅጽልያ ኢልካ ኣይሕሰብን። ብዓብይኡ ድማ ቂምታኡ ዘይተላቐቆን ዘይሓወየን መራሒ ኤርትራ፣ ኣብ ባእሲ ተጋሩን ኣምሓሩን፣ ናብ ኣምሓራ ከም ዝውግን ብኣጋኡ ይንገረና‘ሎ። 

ኣብ መደምደምታ ዝህቦ ርኢቶ እንተሎኒ! ምዕራባዊ ስትራተጅያዊ ዓብላልነትን ኢድ ኣእታውነት ኣዕራብን፣ ምስ ምእዙዝነት መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ መራሕቲ ኢትዮ-ኤርትራ ዝህንደድ ዘሎ ቅጥዒ ዝሰኣነ ፖለቲካ ተደማሚሩ፣ በዚ ዝንህር ዘሎ ኣሉታዊ ዕንደራታት ኣብ ረጽሚ እንትተኣትዩ እተበታተነት ኢትዮጵያን ነጻነታ ዘይተዕቁብ ኤርትራን ኢና ክንርኢ። ኣብ ዓለምና ምፍሻል ሃገራትን፣  ምቅያር ታሪኽን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣጋጢሙን ተራእዩን‘ዩ።

ሓደ ኣብነት ንምጥቃስ፣ ዓባይ ዩጎዝላቭያ ንምብትታን ኣብ ልዕሊ‘ቱ ዝሓየለ ጉጅለ ሰርቪያ እዩ ሰፍ ዘይብል መጥቃዕቲ ተፈጺሙ። ኣብ ማሕበራዊ ትካላቱን መራሕቱን እተፈጸመ ሓደጋ ምዕራባውያን እዛ ሎሚ እተብታተነት ዩጎዝላቭያ ክትረአ ክኢላ። እዙ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን መራሕቱን ዝወጣወጥ ዘሎ ኣብትርቲ ምስቱ ናይ ዓባይ ዩጎዝላቭያ ይመሳሰል‘ዩ። ስለ‘ዙይ እዙ ዝንህር ዘሎ ሕማቕ ፖለቲካ ሽትኡ እንተወቒዑ እቱ ናይ ሰለሰተ ኣርባዕተ ኣሸሓት ዓመታት ታሪኽን ዱልዱል መንነት ዘለዎ ብፍላይ ሓበሻ/ትግሪኛ ነበረ ክበሃል‘ዩ። ከምኡ ከይኸውን እንኮ ፍቱን መድሃኒት ኣብ ኢዱ ጥራይ እዩ ዘሎ። እምበኣር! ምዕምራር ምዕራባውያንን ምትእትታው ኣዕራብን ነዚ ዝጥቀስ ዘሎ ሓደጋታት ከምጽእ ይመስል፣ ብኣንጻሩ ጠቕምታት ሩስያን ቻይናን ኣብ‘ዙ ዞና‘ዙይ እንታይ ክመስል‘ዩውን ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ክሳብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ሰ‘ሰናዩ፣ 

ወዲ ባሻይ።

Last modified on Thursday, 27 December 2018 09:51