ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ካብ ካርቱም ናብ መደበራት ዝውሰዱ
ላዕለዎት ሰብ መዚ ሱዳን፡ ኣብ ከተማ ካርቱም ዘለዉ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ናብ ሰለስተ ኣብ ዶብ እታ ሃገር ዝርከባ ምምሕዳራት ክወስዱ ከም ዝጀመሩ፡ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ። እቶም ላዕልዎት ሓለፍቲ ነቲ ስጉምቲ ናይ ሱዳን ጸጥታ ኣብ ምርግጋእ ዝሕግዝ እዩ ከም ዝበልዎ’ውን እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ስጉምቲ መቐጸልታ ናይቲ ምስ ፍሉይ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ኮይኖም ኣንጻርቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሓይሊ ኮይኖም ዝተዋግኡ፡ ኢትዮጵያውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ንምፍላጥ ክካየድ ዝጸንሐ ምጽራይ እዩ። ኣማሓዳሪ ከተማ ካርቱም ኣሕመድ ዑስማን ብወገኑ መንግስቱ ናይቲ መስርሕ ቀዳማይ ገጽ ምትግባር ከም ዝጀመረን ኣብ ምምሕዳራት “ዋይት ናይል፡ ገዳርፍን ከሰላን” ናብ ዝርከብ መደበራት ይውሰዱ ከም ዘሎን ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ። ኣብዚ ቀዳማይ ደረጃ ምግዓዝ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከም ዝርከቡ እውን ተፈሊጡ’ሎ።
ቅድሚ ኣብ ሱዳን እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ምጅማሩ እቲ መንግስቲ ነቶም ኣብ ካርቱም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ዝምልከት ሕግታት ብግቡእ የተግብር ከም ዘይነበረ ድማ እቲ ዜና ጠቒሱ። በመሰረትቲ ኣብ ዝሐልፈ ወርሒ ማዝያ ዝተሓደሰ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ብጠቕላላ 824 ሺሕ ስደተኛታት ከም ዘለዉን ካብዚኣቶም እቶም 69% ኣብ መደበራት ከም ዝነብሩን ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ተጠቒሱ።
እቲ ዜና ብተወሳኺ፡ እቲ ስጉምቲ ብዘይኣፈላላይ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ወጻእተኛታት ዝውሰድ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብቲ መደበራት ምስ በጽሑ፡ ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ካለኦት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ብምትሕብባር መሰረታዊ ቀረባት ክማለኣሎም ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣባላት ጸጥታ ከተማ ካርቱም ወጻእተኛታት እናሃደንካ ናይ ምሓዝ ስረሖም ከም ዝቕጽልዎ’ውን ተገሊጹ።
ኣልሳዲቕ ሱለይማና ዝተባህለ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኮሚሽነር ሰደተኛታት ብወገኑ እቲ ሓድሽ መደብ ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ ካርቱምን ማሕበራዊ ጉዳይ ስድራቤታትን ህጽናትን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብቲ መደበራት ንመግቢ፡ መጽለልን ጥዕናን ናይቶም ዝውሰዱ ዝምልከት ምድላው ከም ዝተገብረ ኣፍሊጡ።
نضال من أجل التحرير وألعدالة : مسيرة مستمرة بلاهواد
Written by EPDP Information Officeفي مثل هذا اليوم , 24 مايو من عام 1991 , قبل 34 عاما , تحقق النصر العظيم بطرد المستعمر الاثيوبي من كامل التراب الارتري , جاء هذا الانجاز التاريخي بفضل التضحيات الجسيمة التي قدمها أبناء الشعب ألارتري ألأبي , الذين ناضلوا بشجاعة واصرار لنيل الاستقلال .
ومنز ذلك اليوم المجيد, اصبحت ألأرض والمياه وألأجواء الارترية محررة , لتبدأ أرتريا فصلا جديدا من تاريخها كدولة مستقلة ذات سيادة . وفي هذا اليوم الاغر , نرفع أسمى أيات التهاني والتبريكات الى الشعب الارتري البطل , داخل الوطنن وفي المهجر متمنين له دوام العزة والكرامة والازدهار.
كان الهدف الاساسي من نضال الشعب الارتري هو طرد المستعمر , وازالت جميع مخلفاته السياسية والاقتصادية والثقافية , ثم الشروع في وبناء دولة حديثة – دولة تستوعب جميع مكوناتها دون اقصاء , ولا يتغول فيها طرف على اخر , ولا يستغل فيها احد لصالح أجد . دولة يسودها الامن والسلام وتحكمها أنظمة ديمقراطية تستند الى دستو عادل يعبر عن ارادة الشعب . كان الامل كبيرا , والطموح مشروعا , بأن تكون ارتريا بعد التحرير وطنا مستفرا مزدهرا , يضمن الكرامة والحرية والعدالة لجميع ابنائه.
لكن سرعان ما بدأت تلك الاحلام تتبدد , وظهرت الحقيقة المؤلمة : فقد وقعت البلاد تحت قبضة نظام استبدادي احترف التضليل , ورفع شعرات جوفاء لا تمت للواقع بصلة , نظام جاء متخفيا بنوايا مشبوهة , استغل تضحيات الشعب ليحكم قبضته على الوطن , ويحيل مشروع الدولة الحلم الى سراب.
رغم خيانة النظام الحاكم , ومصادرته لكافة حقوق الشعب الارتري , وتعريض الوطن لدمار هائل وتحويله الى سجن كبير يطارد ابنائه في الداخل والخارج , نؤكد في هذه المناسبة العظيمة انه لاخيار امامنا سوى مواصلة النضال حتى تحقيق أمال وطموحات شعبنا , ولن نتراجع قيد انملة عن واجبنا الوطني في الدفاع عن استقلال ارتريا وصون كرامة شعبها وضمان سلامة اراضيها , فهذا عهد قطعناه على انفسنا وسانواصل المسيرة حتى تتحقق العدالة وتبنى الدولة التي حلم بها شهداؤنا وناضل من اجلها شعبنا
في الذكرى ال 34 للاستقلال , لا يكمن ان نمر مرور الكرام دون التوقف عند قضيتين بالغتي الاهمية .
أولاهما: أطماع اثيوبيا المتجددة في الموانيء الارترية تحت ذرائع زائفة مثل "الحق القانوني والتاريخي " - وهي ادعاءات لا يدعمها اي سند من الحاقائق التاريخية ولا من القوانين والاعراف الدولية . بل ان التصريحات الاثيوبيا الصاريخة بشأن نيتها "ألسيطرة" على هذه الموانيىء بأي وسيلة , تثير القلق وتشكل تهديدا مباشرا للسيادة الوطنية.
أم ألثانية: هي التحركات المثيرة للريبة من قبل النظام الارتري لعقد شراكة مشبوهة مع اقليم تقراي الاثيوبي دون مراعاة لمصالح الشعب وأمنه القومي .
هتان القضيتان لا يمكن فصلهما من سياق تصعيد اقليمي خطير , قد يفضي الى حرب جديدة لا يعرف مألاتها , وهو مايثير قلق لدى الشعب الذي دفع في السابق ثمنا باهظا في حروب النظام العبثية .
ومن الجانب الأخر , في معسكر المقاومة , تتواصل المساعي لبناء مظلة وطنية جامعة تضم كافة التنظيمات السياسية , ومنظمات المجتمع المدني , والجمعيات ألاجتماعية وتتحرك هذه القوى بشكل مستمر واضعة هدف بناء الوعاء الحاضن لتصب امكانياتها نحو ازالت النظام في صدارة أولوياتها , كما تجلى ذلك في مبادرة القوى السياسية الارترية , ومبادرة الامهات , الا أن النتائج ألمحققة حتى ألأن ما زالت دون مستوى التطلعات , الأمر الذي يتطلب من الجميع الحادبين على مصلحة الوطن تكثيف الجهود وبذل المزيد من المساعي الجادة لانجاز هذه المهمة الوطنية بما تحقق الهدف المنشود.
عاشت ارتريا حرة مستقلة
المجد والخلود لشهداء الوطن
I was deeply saddened to hear of the passing of Bo Bjelfvenstam at the age of 101. His departure is a profound loss, not only to his family and close friends, Christina Bjork and Prof. Tomas Bergstrom but also to those of us who were fortunate enough to witness his unwavering support for the Eritrean people's struggle for independence.
I first had the privilege of meeting Bo in 1977 in Stockholm. It was a moment that I will never forget. Bo kindly accompanied me to my first public meeting, where we aimed to raise awareness among the Swedish masses about the ongoing struggle in Eritrea. His presence and support on that day were invaluable—both for me personally and for the cause we championed. It was clear from the outset that Bo's commitment to the Eritrean cause was not just professional, but deeply personal.
Bo was a humble man with a great sense of humor, always thoughtful and reflective in his conversations. His kindness and generosity shone through, especially in his willingness to listen, learn, and help others. Throughout his life, he demonstrated an unwavering dedication to the Eritrean people, and his support was not just limited to words; he was actively involved in tangible efforts to provide material support to the people in the liberated areas through Eritrea Gruppen, a solidarity group that he helped establish. This initiative played a pivotal role in ensuring the delivery of much-needed aid to the Eritrean Liberation Front during some of its most challenging times.
Bo’s contribution to the Eritrean cause extended far beyond the meetings and the aid he helped mobilize. Through his book, Tre resor till Eritrea (Three Travels to Eritrea), he gave a voice to those who were fighting for their freedom, capturing the essence of the Eritrean struggle with compassion and clarity. His reflections, both personal and political, allowed readers to see the conflict through the eyes of those who were living it—resilient, courageous, and determined. His experiences, as documented in that book, will continue to resonate for generations to come, preserving a unique and important perspective on Eritrea's path to independence.
Bo's legacy is one of deep commitment, both to the Eritrean people and to the values of justice, freedom, and human dignity. He will be remembered fondly for his humble nature, his unwavering support, and his quiet yet powerful way of making a difference.
My thoughts are with all who loved him, and with the Eritrean community who lost a true ally and friend. May his memory live on through the impact he made on so many lives.
With deepest sympathy,
Ghere Tewelde, EPDP Chairman
መበል 34 ዓመት ዝኽሪ ነጻነት ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ ተዘኪሩ። ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም፡ ካብ ድሮታ ዕለት ጀሚሮም፡ ዘለዎም ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ “ንነጻነትን ልኡላውነትን ሃገሮም” ዘለዎም ክብሪ ኣንጸባሪቖም፡ ምእንቲ ነጻነት ክቡር ህይወት ንዝኸፈሉ ስዉኣት’ውን ኣመጒሶም። ኣዝዮም ውሑዳት ግና “እዛ ነጻነትሲ እንታይ ስለ ዘርባሓትና ኢና እነኽብራ?” ዝብል ስምዒት ኣንጽባራቖም። ርግጽ’ዩ ካብታ ክቡር ዋጋ ዝኸፈልካላ ሃገር ተሰዲድካ ኣደዳ ሓሳረ-መከራ ምዃን ኣብ ትርጉምን ምቓረትን ነጻነት ሕቶ ከተልዕል ክድርኽ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ነጻነት ብኤርትራውነትና እንሕበነላ ስለ ዝኾነት ከም “ናይ ዓይንና ብሌን” ከነኽብራን ክንሕለዋን ይግበኣና። ኣብቲ ዕለተ-ዝኽራ ትጽቢት ካብ ዝተገብረሉ ሓደ “እቲ ቀቢጽካ ዘይቅበጽ” መደረ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነይሩ።
“ኢሳያስ ዝበለ እንተበለ፡ ተስፋን ራህዋን ዘመልክት መልእኽቲ ኣይከምጽእን እዩ” ዝብል እምነት ዳርጋ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ነይሩ። እዚ ከኣ ካብ ጽልኢ ወይ ጸቢብነት ዝነቅል ዘይኮነ፡ ካብ ተመኩሮ መደረታቱን ዓመጸኛ ባህሪኡን ዝብገስ እዩ። ሓደ ሓደ ተስፋኦም ዘይጸንቀቑ ግና፡ ምስቲ ጭቆና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ይመርር ምህላዉ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን መመሊሱ ዝገድድን ናብ ውግእ ከም ዝዓርግ ብዙሓት ዝግምትዎ ዘለዉ ወጥሪን ዝፍጠር ዞሎ ዞባዊ ቅልጡፍ ምቅይያር ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሃገራትን “ገለ ሓድሽ ጉዳይስ የምጽእ ይኸውን?” ኢሎም ካብ ምጽባይ ዓዲ ኣይወዓሉን። ብዝያዳ ድማ ነታ በዚ መጸት ከይተባህለት ዳንኬራ ክውቀዓላ ጀሚሩ ዘሎ በዓልቲ ቅነ “ጽምዶ” ዝምልከት ካብኡ ከስምዑ ዝተጸናጸኑ ነይሮም እዮም።
“መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ከም ዝበሃል፡ 24 ጉንበት 2025 ከተፍ በለት፡ ናይ መደረ ሰዓት እውን በጽሐት። ኢሳያሳ ኣብቲ ናይ 21 ደቓይቕ መደረኡ፡ ከምቲ ግምጥልሽ ኣካይድኡ ብግዳማዊ ዛዕባ ብምጅማር፡ ንኣሜሪካ፡ ናቶ፡ ቻይናን፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት “ጣሕሞሽሞሽ” ኢሉ። ከምቲ “ክንዳኻ ዘይኣኽላሲ በኣኻ ይወዓላ” ዝበሃል ምሳለ፡ ናብ ኣሜሪካ ተመጣጢሩ ብቁጠባዊ ኮነ ወተሃደራዊ መዕቀኒ “ሓያልን ሃብታምን ዘይኮነት ክነሳ፡ መሲላ ክትቀርብ እትፍትን” ብምባል ብኣሃዛት ዕዳኣ እናጠቐሰ ኣነኣኢስዋ። ነቶም ናይ ቅድም መራሕታ ብውድቀታ ተሓተቲ ገይሩ፡ ናብ ህልዊ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ “ኣሻርዩ ኢድ ክነስእን መሻርኽቱ ምዃኑ ከርእን” ፈቲኑ። ኣብ ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባና እውን ኮሊሉ።
ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣተኲሩ ንምድህሳስ ዝያዳ ግዜ ወሲዱ። ኣብቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብታ ሃገር “ብመደማር” ጀሚሩ ብሰልፊ ብልጽግና ዝቐጸለ፡ “ምትዕርራይ (reform)” ዝበሎ ተስፋ ከም ዝነበሮ ኣመልኪቱ፡ ንምዕዋቱ ከም ዝጸዓተ ኣግሂዱ። ዋላ’ኳ ሎሚ ነቲ ተስፋ ተነቢርሉ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ኢትዮጵያ “ሃንቀውታና በኒኑ” እንተበሎ፡ በቲ ክሳብ ውዕል ፕሪቶርያ ዝኽተም ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝገበሮ ከምዘይጠዓስን ነቲ ዝበነነ ህይወት ኣብ ምስራጽ ክቕጽል ምዃኑን ክሕብር ኣይሓፈረን። እዚ ድማ ነቲ ሓደ እዋን “ተኾሊፍና” ዝበሎ ተመሊሱ “ብሃንቀውታና በኒኑ” ዘድምቖ ዘሎ ምዃኑ የርኢ። እቲ ዘገርም ከኣ ነቲ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ዘራጊ ኣካይዳ “ኣይጠዓሰሉን እየ” ምባሉ እዩ።
እቲ ኣይጠዓሰሉን እየ ዝበሎ፡ እቲ ኣብ ኣደባባያት ኤርትራን ኢትዮጵያን “ኣንታ እዚ ሰብኣይሲ ዓቢዱ ግዲ እዩ” ክሳብ ዝበሃል፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብሉ ነቲ ታሪኽን ሓቅን ዘይፈልጡ እዮም፡ ድሕሪ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ንክመርሓና ብስምዒት ዘይኮነ ብሓቂ ወኪለዮ ኣለኹ። ኣነ ድማ ኣብ ጐንኻ ኣለኹ …ወዘተ” ንዝበሎ፡ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ቀበጥበጥ እዩ። “ስለ ዘይጠዓሰሉ፡ ዝንቕጽሎ እዩ” ምባሉ ከኣ፡ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ “ናይ ጥዕና እዩ” ክትብሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅድሚ ሃንቀውታኡ ካብ ሰልፊ ብልጽግና ምብናኑ፡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ተመሓዝዩ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩ ጠንቂ ህልቂት ኤርትራውያንን ተጋሩን ብምዃኑ፡ ኣብ ክንዲ ንወለዶም ከምቲ ንቡር ኣርዲኡ ይቕረታ ምሕታት “ክንቅጽሎ ኢና” ምባሉ፡ ነቲ ሓደ እዋን “ኣይከሰርናን” ኢሉ ልቢ ኤርትራውያን ወለዲ ዘድመዮ፡ ደሓር ድማ “ተኾሊፍና” ብዝብል መዓንጣ ኣደታት ትግራይ ዘሕረሮ ሎሚ ድማ ሃንቀውታና በኒኑ ክብል ምድፋሩ፡ ክሳብ ክንደይ ብዘይተኣደነ ምፍሳስ ደም ዘይረወየ ብስቓይ ሰባት ዝሕጎስ ርጉም ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
እቲ ካልእ ዘገርም ኣብ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ነይሩ ዝበሎ መስርሕ ለውጢ ምብናኑ ዝሻቕሎ ምዃኑ ዝጠቐሶ እዩ። ኣብ ኤርትራ “ድምጺ ለውጢ ንከይስማዕ” ከይደቀሰ ዝሓድር ዲክታተር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ መቐጸሊ መሲሉ ክቐርብ ምፍታኑ ክሳብ ክንደይ ብተገራጫዊ ኣተሓሳስባ ይህወጽ ከምዘሎ የመልክት። እዚ ከኣ ካልእ መርኣያ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘለዎ ኣሽካዕላልን ንዕቀትን ምዃኑ፡ ምስትውዓል ዘድልዮዩ። ኢድ ኣእታውነተይ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክቕጽሎ እየ ክብል እንከሎ፡ ነቲ ምስ ብልጽግና ኮይኑ ክዘራርጎ ወጥንዎ ዝነበረ’ሞ ዝበርዓኖ ዕብዳን፡ መጣፍእቲ ቀይሩ ክቕጽሎዩ ይሸባሸብ ከምዘሎ ዘርኢዩ።
እዚ መደረ ኢሳያስ መልእኽቱ ብሓፈሻ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ኮይኑ፡ ብፍላይ ድማ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቕነዐ እዩ። ትሕዝቶኡ ከኣ ኣብ ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዘኡ ምስሊ ህዝቢ ኤርትራ ደዊኑ፡ ኣብ ዘይምልከተቶ ውግኣት እናተጠበሰ፡ “ወላድ መኻን” ንክገብሮ ይፍክር ምህላዉ እዩ። ስለዚ ህዝብና ንከምዚ ዝኣመሰለ ዘይሓላፍነታዊ መልእኽቱ ክሰምዕ ናይ መጀመርታኡ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዝኾነ ነገር ደረት ስለ ዘለዎ፡ “ደጊም ኢደ-እግርኻ ኣክበልና” ክብሎ ምርጫኡ ዘይኮነ ግደታኡ’ዩ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኩሉቲ ኢሳያስ ዝኣጉዶ ሓዊ ቀዳማይ ግዳይን ተሓታትን ዝኸውን ንሱ እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ ድሒኑ ህዝቢ ከድሕን እናተገበኦን፡ ካብ ኣገልጋልነት ፈሊኻ ብዘይረአ ኢደበይዛ ጥፍኣት ህግደፍ ኮይኑ ክቕጽል ነውሪ’ዩ። ብውሕዱ ንገዛእ ርእሱ ዘይምድሓኑ ድማ ክሳብ ክንደይ ኣብ ትዕዝብቲ ከም ዘውድቖ ከስተብህል ይግበኦ።
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ በዚ ናይ ኢሳያስ መደረ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ሃገርና ይሻቐል ከምዘሎ ርዱእ’ዩ። እንተኾነ ካብኡ ትጽቢት ዝግበረሉ ሻቕሎት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዘሻቕል መፍትሒ ምርካብ’ዩ። ነዚ ዘብቅዖ ውሁድ መደርኽ ናይ ምፍጣር ጻዕሩ ዝያዳ ከቐልጥፍ ከኣ ህልዊ ምዕባለ ዘሰክሞ ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት እዩ።
االستقالل الوطني اإلرتري ... مراجعة األداء ومضاعفة النضال
Written by EPDP Arabic Section
ارتريا , يا وطنا نبت فينا كما تنبت الجذور في الارض , يا حكاية صبر ونضال طويلة , رسمت على صفحات التاريخ ملامح ألأمل ,ارتريا , ياموطنا تغنى بك قلوب شعبك قبل ان تنطقه شفاه. في هذا اليوم , تعود الذكرى ,
ذكرى يوم شروق شمسك سطع فيه النور بعد الظلام وزهق الظلم , ونهض فية الوطن بكل مكوناته من تحت ركام المعانات ونير الاستعمار البغيض , ليقول للعالم نحن هنا , هذا وطننا , وهذا قرارنا.
اربعة وثلاثون عاما مضى من الاستقلال , وان كنا لم ننعم بعد باستحققات الاستقلال ولم نر ثماره كما حلمنا , تحت ظل النظام المستبداد الحاكم , فأننا لم ننسى كيف تحقق ,
بدماء الشهداء , ودموع الامهات , وبرفض الاطفال وبقلب رجال لايعرف الانكسار .
من الجبال و السهول والادغال و من الريف حتى المدن والعاصمة , ينبض اسمك يا ارتريا في صدورنا , عرا وفخر لا يزول , وكرامة لا تساوم .
نحتفل اليوم , لا فقط بذكرى , بل نظل أوفياء , أن نحميك كما اوصوا ابطالنا الشهداء , وان نرفع الراية عالية خفاقة , ونضمد جراح الوطن , لايزال يبحث عن العادالة وحكم القاون كمابحث عن هذا اليوم المجيد الرابع والعشرين من مايو.
ዓለምና ብኩሉ ነገራ ኣብ ቀጻሊ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ መስርሕ እያ ትነብር። እቲ ለውጢ ግን፡ እወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ክኸውን ይኽእል‘ዩ። ወዲ ሰብ ከኣ ምስዚ ቀጻሊ መስርሕ ክነብር ናይ ግድን እዩ። ምስቲ ዘይተርፍ መስርሕ፡ ኣብ ክንዲ ምስናይ ካብኡ ምትራፍ ወይ ምቕዳም ከኣ ናቱ ሳዕቤን ኣለዎ። ፖለቲካዊ ኩነታት እውን ከም ዝኾነ ተረኽቦ በዚ ዝተጠቕሰ መስርሕ ዝግዛእ እዩ። ማለት ንጉዳያት ከም ድላይካ እትገብሮ ዘይኮነስ፣ ምስ ከቢብዎ ዝርከብ ምዕብልናታት ዝግዛእ እዩ። እዚ ከኣ፤ ናይ ፈታዊ ኮነ ናይ ጸላኢ ጽልዋ ዘጠቓልል ሰፊሕ ኣምር እዩ።
እዚ ንሕና፤ ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይልታት ንርከቦ ዘለና ፖለቲካዊ መስርሕ ብቐጻሊ ብደሆታት ዝተመልአ እዩ። ምስኡ ኣሳኒኻ ምንባር ከኣ ነቲ ብደሆታት ዘመክት ኣገጣጥማ ምርካብ ናይ ድሌት ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ብመሰረቱ እውን ኣብ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምቕጻል ማለት በብግዜኡ ዘጋጥሙ ግድላትን ብድሆታትን ምፍታሕ ማለት እዩ። ብደሆታትና ሓንሳብ ምስ ፈታሕናዮም ንሓዋሩ ዘይምለሱ ዘይኮኑስ፣ መልክዖምን ትሕዝተኦምን እንዳቐያየሩ ብዘይምቁራጽ ዝገሃዱ መናብርትና እዮም። ነፍሲ ወከፍ ብደሆ ከኣ ምስ ኣመጻጽእኡ፣ ጠባዩን ባህሪኡን ሓድሽ ንዕኡ ዝምጥን ኣገጣጥማ ዘድልዮ እዩ። ንጉዳያት ብኸምዚ ዝተጠቕሰ ኣገባብ ክትሕዝ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ከኣ ብደረጃ ውድብ ኮነ ውልቂ ሰብ፣ ንዓቕምኻን ብቕዓትካን ዝፈታተን እዩ። ብህዝቢ ዝቐርቡ ናይ ለውጢ ጠለባት፡ ኣብ መወዳድርትኻ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ ምእራም ምንቅስቓሳትን ዝረአ ለውጥታት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ብኣንጻር እትቃለሶ ዘለኻ ጸላኢኻ ዝፍጠሩ ምዕብልናታት፣ ብደሆታት ሒዞም ዝመጹ እዮም።
ኣብ ሓደ ውሱን መድረኽ ንሓደ ብደሆ ንምግጣም ዝተጠቐምናሉ ሜላን ኣታሓሕዛን ኣብቲ እዋኑ ድማ ዘዐወተና ኣገባብ፡ ኣብ ኻልኦት መደካት ኣዐዋቲ ኮይኑ ይነብር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ናይ ዝሑል ውግእ ጉዳያት ንምውጋን ንጥቀመሉ ዝነበርና ናይ ሓቢርካ ምስራሕን ካልእ ጉዳያትን ኣተሓሕዛ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ናይ ዓለማውነት (globalization) መዋእል ከም ዘለዎ ከነስርሖ እንተ ፈቲንና ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩሉ ፍልልያት ብናይ ሰዓርን ተሰዓርን ኣገባብ እዩ ዝውዳእ ነይሩ። እዚ ብናትና ናይ ኤርትራውያን ተመኩሮ እነረጋግጾ እዩ። እቲ ኩሉ ግዜ ብሓዘንን ጓህን እንዝክሮ ውግእ ሕድሕድ ምስክር ስለ ዝኾነ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና ፍልልያት ኩልኻ ተዓዋቲ ብእትኾነሉ መንገዲ ናይ ምፍታሑ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ስለዚ ናይቲ እዋንቲ ቀጥዒ (format) ኣተሓሕዛ ብደሆታት ሎሚ ክንጥቀመሉ እንተ ኢልና፤ ድሕሪት ተሪፍና ኣለና ማለት እዩ። ድሕሪት ምትራፍ ድማ ሓደጋ ኣብርእሲ ምዃኑ ጉዳያት ከየርከብካዮም ማኣዝኖም ቀይሮም ንኽስዕሩካ ዕድል ዝህብ ይኸውን።
ቅድም ዝፈላልዩኻ ዝነበሩ ጉዳያት ኩነታት ምስ ተቐየረ ሎሚ ዘይፈላልዩኻ ክኾኑ ይኽእሉ። ኣብ እዋኑ ዘሰማምዑኻ ዝነበሩ ሓሳባት ከኣ፤ ሎሚ ዘየሰማምዑኻ ናይ ምዃኖም ኣጋጣሚ ኣሎ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ‘ዩ፣ ኣብ ደንበ ተቓውሞና እዚ ጉዳይዚ ግቡእን ሓላፍነታውን ግንዛበ ከምዘይረኸበ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ካብ ቀንዲ ጸገማትና ሓደ እዚ ምዃኑ’ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝረአ ዘሎ፡ ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት እንዳጠመትካ ዝፈላልየካ ዝነበረ ሕሉፍ ተመኩሮ ምጽሕታ ናይዚ መርኣያ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ንድሕሪት ምጥማት ወጺእና ንቕድሚት ተዘይኣቋሚትና፡ ንሓድሽ ብደሆታት ሓድሽ ኣተሓሕዛ ከነምጽእ ከም ዘይንኽል ብምርዳእ እዩ፡ ንተጻባኢ ድሕረ-ባይታታት ገድሊ ኤርትራ ሰጊሩ፡ ብሓባር ንቕድሚት ንምምዕዳውን ንምስጓምን ዘኽእል ተባዕ ምርጫ ዝወሰደ። እዚ ስጉምቲ ብመትከል ደረጃ ቅኑዕን መተካእታ ዘይብሉን ምዃኑ ይኣምን። ምኽንያቱ መምስ ድሕረ-ባይታና ንነብረለን ካብ ሓደ ንላዕሊ ኤርትራታት ስለ ዘይብልና። ነዚ ተመኩሮ ካለኦት ፖለቲካዊ ወገናት’ውን ክስዕብዎ እምነቱ እዩ። እዚ ስጉምቲ መርኣያ ወሳኒ ኣድላይነት ንሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ኣገጣጥማ ምርካብ ከኣ እዩ። ዕዉት ዝኸውን ግና ስለ ዝተሓንጸጸ ዘይኮነስ፡ ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ሕድገትን ተወፋይነትን ከሰንዮ እንከሎ እዩ።
ብዛዕባ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ድኽመቱ ክንዛረብ እንከለና ቅድሚት ዝስራዕ ብሓባር ክሰርሕ ዘይምኽኣሉ እዩ። እዚ ድኽመት እዚ፤ ንተቓውምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብኻልኦት ዝንገሮን ካብ ካላኦት ዝማሃሮን ዘይኮነስ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ውድብ ኮነ ምንቅስቓስ፤ ክምድርን ክጽሕፍን እንከሎ ዝተቐበሎ ሓቂ እዩ። መደረን ጽሑፍን ኮይኑ ምትራፉ ድማ‘ዩ ዓወት ክኸውን ዘይካኣለ ዘሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ደንበ ተቓውሞ፡ ንሓደስቲ ብደሆታት ኣብ ክንዲ ብሓድሽ ኣገባብ ዝገጥሞም፣ በቲ ዝኣረገን ዘይሰርሕን፣ ቕርሕንቲ ብዝተመልኤን ቀጥዕታት ክሕዞም ከም ዝጸንሐ ዘመልከት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ ንናይ ውልቂ ኮነ እኩብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ንቃለስ ኣለና እንዳበልና፡ መሰሎም ንዝተጠቕሙ ወገናት ኣብ ክንዲ ምትብባዕ ክንወቅስን ክንከስስን ህርድግ ካብ ምባል ክወጽእ ይድለ። እዚ ተወሳኺ፡ ንካልእ ሓድሽ ብደሆ ሓድሽ ናይ ኣገጣጥማ ሜላ ከተቕርብ ናይ ዘይምብቃዕ ኣብነት እዩ። ሰዲህኤ ሓደ እዋን ኣብ መጋባእያ ተወከልቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ንደምበ ተቓውሞን ብሓፈሻ ይሕግዝ‘ዩ ዝበሎ ሓሳብ ብምቕራቡ ጥራይ፡ በቶም ንሱ ሓይሎም፤ ንሳቶም ድማ ሓይሉ ክኾኑ ዝነበሮም ወገናት፡ ዘጋጠሞ ውግዘት ከም ኣብነት ክጥቀስ ዝከኣል እዩ። እቲ ኣገባብ ብቕንዕና ትሕዝትኡ መሚኻ ንኩሉ ተቓልሳይ ከገልግል ብዝኽእል መንገዲ ስለዘይተራእየ ድማ ዲፕሎማስያዊ ክፍተት ኣስዒቡ። ክሳብ ሎሚ ክንመልኦ ዘይካኣልና ሃጓፍ ከኣ ፈጢሩ። እዚ ከም ኣብነት እንጠቕሶ ዘለና እዩ‘በር፡ ከምኡ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብዙሓት ዘምለጡና ምህላዎም ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ንመጻኢ ንሓድሽ ብደሆ፡ ሓድሽ ኣጋጣጥማ ናይ ምርካብ ባህሊ ሰዊዱ መምሃሪ ክኸውን ከኣ ተስፋ ንገብር።
More...
“ጽምዶ” ሰፊሕ ትርጉም ዘለዋ ቃል ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ ሕርሻዊ መስርሕ ነባር ባህላዊ ትርጉም ኣለዋ፡ መልእኽታ በበይኖም ከድምዑ ዘይክእሉ ኣካላት ተላፊኖም ንክወፍሩ እተኽእል መራኸቢት እያ። ጽምዶ ንምዕሩይ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ናይቶም ተጻመድቲ ከም እትውዕል ንምግባራ ድማ ምስትውዓልን ምትሕልላይን ይሓትት። ኣብዚ እዋንዚ ከኣ ምስ ፖለቲካዊ ትርጉም መድረኽ ሒዛ’ላ
ኣብ ሕብረተሰብና ብሓደ ኢድካ ከምዘይጣቓዕ፡ ብቓንጃ ብዕራይ’ውን ስለ ዘይሕረስ፡ ሓደ ብዕራይ ዝውንን ተመሳሳሊ ኩነታት ምስ ዘለዎ ተራኺቡ ምጽማድ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ። ኣብዑር ኣላፊንካ ምጽማድ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ እቲ ወሳኒ ግና እቲ ዕርፊ ጨቢጡ ነቶም ዝተጸምዱ ዝሓርሶም ሓረስታይ እዩ። እቲ ሓረስታይ፡ ተበላጺ፡ ተንኮለኛን ስሱዕን እንተኾይኑ፡ እቲ ጽምዶ ይዳኸም ወይ ይፈርስ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ እቶት’ውን ኣይሕፈስን። በዚ መሰረት ጽምዶ ሃንደፍ ኢልካ ዝእቶ ክስተት ዘይኮነ፡ ዕላማኡን ቀጻልነቱን እንታይን ከመይን እዩ? ናይቶም ተጻመድቲ ዓቕሚኸ ክሳብ ክንደ እዩ ዝመጣጠን? ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ኣብቶም ተጻመድቲ ምምጥጣን እንተዘየልዩ ግና ምግድዳዕን ምጥልላምን የስዕብ። እቲ ርክብ፡ ዝተፈላለየ ኣተሓሕዛን ብቕዓትን ብዘለዎም ስለ ዝዝወር ንተጻመድቲ ክሳብ ክንደይ ከም ዝኸብዶም ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ንሳቶም ብዝኣጐድዎ ውግኣት፡ ህይወት ኣእላፍ ዘጥፍኡን እልቢ ንብረት ዘዕነዉን ውድባት ህግደፍን ህወሓትን ሎሚ ከኣ፡ ብመጉላሕቶም ኣቢሎም “ጽምዶ ንፈጥር ኣለና” ዝብል ጽዑቕ ዘይቀጥታዊ ዜናታት ይዝርግሑ’ለዉ። ቅድሚ ሕጂ ክስራሕ ክፈርስን ዝጸንሐ ናይ ጉርሒ ዝምድናኦም’ውን፡ ዋላ ዝተፈላለየ ኣስማት ይወሃብዎ ብትሕዝቶኡ ካብዚ ሎሚ ዝጉስጐሰሉ ዘሎ ጽምዶ ዝፍለ ኣይነበረን። ሃናጺ ኣይነብረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን ካብ ዝበሃለሉ መሰረታዊ ምኽንያት ከኣ “ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ህዝቢ ዘይፈልጦን ዘይተሳተፎን” ምንባሩን ብምዃኑን እዩ። ብመሰረቱ’ውን ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝግበር ርክብ፡ “ጽምዶ ክባሃል ይካኣል ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘኸትል እዩ። እቲ ካልእ ኢንታኡ ከኣ ወትሩ ተዘራሪኻ ንግዝያዊ ህልውና ናብ ውግእ ምእታው እንተዘይኮኑ፡ ዋላ ንይምሰል ምእንቲ ንሰላም ዝሰብኽ ዘይምዃኑ’ዩ።
ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክ’ዚ ናይ ጽምዶ ሸበድበድ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣዝዩ በሊሕ ፍልልይን ምትህልላኽን ይፍጠር ኣሎ። እቲ ፍልልይ ብዙሓት መልከዓት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ኣብ ውሽጢ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኣብ ሕድሕድ ደገፍቲ ህወሓት፡ ኣብ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ……ወዘተ እናበልካ፡ ነዊሕ ዝዝርዘር ኣለዎ። ኣብ መንጎ ህወሓትን ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ከኣ ኣዝዩ ዘተፋንን ዘሎ እዩ። እቲ ናይ 2018 ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ናብ ዘይተጽበዮ ዘየረዳድእ ኣጀንዳ ዘእተዎ ከይድገም ዘየሰክፍ ኣይኮነን። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እምበኣር፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ተማሂሩ፡ ብሰንኪዚ ዝእለም ዘሎ መጻወድያ፡ መሰረታዊ ተልእኮኡ ከይስሕት ከስተውዕል ይግበኦ።
ናይዚ ጽምዶ እናተባህለ ዝፍጠር ዘሎ ሸበድበድ፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ከባብና ናህሩ ዝውስኽ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ከምቲ ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሰነይት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ንዘይርጉእ ኩነታት ዞባና፡ ክድህስሱ እንከለዉ፡ “ኤርትራን ኢትዮጵያን ንትግራይ ኣብ ማእከሎም ገይሮም ኣብ ሓያል ምውጣት ተጸሚዶም ኣለዉ” ዝበልዎ፡ “ንህልዊ ኩነታት ትግራይ መን መዝመዘ” ኣብ ዝብል፡ ሓያል ምውጣጥ ይካየድ ኣሎ። ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ትግራይ ነዞም ዝዋጠጡ ዘለዉ ዝተቓለዐ ምዃኑ ከኣ፡ ንብዙሓት ዘተሓሳስብ ኮይኑ’ሎ። ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባዚ ከቢድን ዝተሓላለኸን ክስተት ተጠንቂቑ ክውስን ከቢድ ሓላፍነት ኣለዎ።
ነዚ ናይ ኣሰላልፋ ምግልባጥ፡ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝበሃል፡ ተዓዛባይ ጥራይ ኮንካ “ድላዮም ይግበሩ” ኢልካ ዝሕለፍ ዘይኮነ፡ ብትሪ “ዓገብ” ክትብሎ ዘገድድ ኮይኑ’ሎ። ምኽንያቱ ናይዚ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ “እንዶ ዘየብሉ ጽምዶ ” ሳዕቤንን ዕዳን ዝኸፍሎ እቲ መንቀሊኡ ኮነ መዓርፍኡ ዘይፈልጦ ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዝኸውን።
ኣብ ምግጣም እዚ ዝረአ ዘሎ በሎበሎ፡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን መሪሕ ግደ ክጻወቱ ዝግበኦም ምዃኖም፡ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎም ተረድኦ ምዝኽኻሮም እዋናዊ እዩ። እንተቲ “ክልቲኡ ጐረባብቲ ህዝብታት ደላይ ሰላምን ስኒትን’ዩ” ዝበሃል ግና፡ ርዱእን ክንሰርሓሉ ዝጸናሕናን እምበር፡ ናይዚ ልኡላውነት ዘይንታዩን ፍኑውን ኣካይዳ ሓድሽ መጸዋዕታ ንጽበየሉ ኣይኮነን። ሰዲህኤ ኣብ 4ይ ጉባአኡ ኣብ ዘጽደቖ መደብ ዕዮኡ፡ “… ምስ ጐረባብቲ ሃገራት፡ እንገብሮ ዝምድና ኣብ ናይ ሕድሕድ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ምትእትታው ዘየፍቅድ፣ ስኒትን ሰላምን ዝመለለይኡ ናይ ከባቢና ዕብየትን ርግኣትን ዘስፍን ፖሊሲ ከምንኽተል ንምርግጋጽ ጻዕርታት ክግበር ኢዩ” ዝብል፡ ሓሳብ ምስፋሩ ከኣ ንማዕርነታዊ ዝምድና ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ዘለዎ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ።
ተጋሩ ይኹኑ ካለኦት ምስ ህግደፍ ዝጻመዱ ወገናት፡ ነታ “ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ንኻልእ ህዝብን መጻምድትን ክሓሊ ኣይክእልን እዩ” እትብል መልእኽቲ ክዝንግዕዋ ኣይግበኦምን። ሓንቲ ባህሪ ህግደፍ ዝተረደአት ኢትዮጵያዊት፡ ኤርትራውያንን ተጋሩን ደገፍትን ተቓወምትን እቲ ጽምዶ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፡ “ህግደፍሲ ቅድሚ ብባጽዕ ኣፍደገ ከፊቱ፡ ንተጋሩ ስርናይ ካብ ከናዳ ምምጺኡ ምልጋሱ፡ ቅድም እስኪ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ፍትሒ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ዲሞክራስን ሰላምን ንህዝቢ ኤርትራ ሂቡ ልግሱ የርእየና” ክትብል ተሰሚዓ። ንሕና ከኣ እቲ ጉጅለ ቅድሚ ካልእ መዛምድቲ ንምርካብ ሃንደፍደፍ ምባሉ፡ “ምስ ህዝቢ ኤርትራ እንዶ ንቡር ዝምድና ፍጠር” ኢና እንብሎ።
“ከምቲ ቀዳማይ ስሕታን ካለኣይ ዕብዳን” ዝበሃል፡ ውድብነቱ ብምስራዙ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ህወሓት፡ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ዶ ይመሃር ወይ ኣብ ኣርዑት ህግደፍ ይጽመድ? ባዕሉ ክምልሶ ዘለዎ’ዩ። ገለ ተጋሩ ንህግደፍ “ሕጹብ ከም ጲላጦስ” ገይሮም፡ ንዓኡ ምእንቲ ከሕጉሱ፡ ምእንቲ ለውጢ ንዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ከጸልሙን ናይ ትግራይ ሃገርነት ኣፍልጦ ካብ ህግደፍ ክጽበዩን ይስምዑ እዮም። ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ንህግደፍ ክሳብ ክንደይ ይረግሞ ነይሩ? ሎሚኸ?” ዝብሉ ምምዛን’ውን ንዓኡ ይምልከት።
እንተ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ብተደጋጋሚ ግዳይ ዝኾነን ዝኸውን ዘሎን ብምዃኑ፡ ቃልሱ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል እምበር፡ በቲ ካበይ መጺኡ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይፈልጦ ጽምዶ ኣይክጥበርን እዩ።
Message from the Chairman of the Political Forces of Eritrea on the Occasion of Eritrea's 34th Independence Anniversary
Written by Gerezgiher Tewolde Chairman of the Political Forces of Eritrea EPFMay 24, 2025, marks the 34th year since our country attained its sovereignty. Thousands of patriotic Eritreans wished to see this precious day but were not fortunate enough to witness it. Hundreds of thousands sacrificed their precious lives for the independence and freedom of our people. Thanks to their noble sacrifice, our country Eritrea has had its sovereignty recognized and has become a member of the United Nations. On this occasion, I extend congratulations to all our people, both at home and abroad.
However, because our country has fallen under a dictatorial regime, our people's rights have been violated, their freedoms stripped, and through indefinite, unpaid national service, their youth's potential has been extinguished, and it has become their fate to live a life of servitude. With one radio, one TV, one newspaper, and "Network 03," the dictatorial regime has been spreading confusing false information, numbing the minds of the people, and has been and continues to exploit our country's resources, and primarily our people, at its whim. The question that needs an answer is: How did we fall into this situation? And how can we overthrow the dictatorship and become free?
The Eritrean People's Liberation Front (later the People's Front for Democracy and Justice - PFDJ), which took control of Eritrea promising to establish constitutional governance allowing a multi-party system in a free Eritrea and to establish social justice, betrayed its promises. By terrorizing the people and imprisoning leaders and members of the EPLF (and its own ranks) whom it considered opponents, it spread the tentacles of dictatorship. And because the people took this abnormal situation as normal, stopped saying "enough" despite witnessing blatant oppression, and, whether out of fear or for personal gain, became complicit in the spread of an unjust culture; and because the opposition camp has been unable to be represented by one body and one voice, the life of the dictatorship has been prolonged, and the daily life of our people is going from bad to worse.
Because the dictatorial regime's hands are washed in blood, it is unthinkable that it will reform itself. As the saying goes, "The stick is in your hand, the snake is at your feet" – the solution, our people, is in your hands. There is no power that can rule you without your consent. The answer is: No to dictatorship! Yes to freedom!
Stand up for your rights! The martyrs did not sacrifice themselves for you to live cowering and hiding on Independence Day, fearing being snatched away, but for you to walk with your head held high in your country. Yes, they gave their precious lives for you to believe, think, express, organize, move, learn, farm, herd, and work as you wish; in short, for your general freedoms to be respected and for you to be governed by law and a constitution. Your duty is to protect the sovereign country they handed over to you through noble sacrifice and to reclaim your stripped rights.
On this occasion, I also call upon the opposition camp to make the necessary compromises to achieve, without delay, the unity that this current stage demands. There is no doubt that this is a step that will give hope to our people and accelerate the downfall of the dictatorship.
Gerezgiher Tewolde
Chairman of the Political Forces of Eritrea (EPF)
Victory to the just struggle of our people!!
Downfall to the dictatorial regime!!
Eternal memory to our martyrs!
Through Unity to Freedom!!
رسالة رئيس القوى الساسية الارترية بماسبة العيد الرابع والثلاثون لاستقلال ارتريا
Written by قرزقيهر تولدي رئيس القوى السياسية الارتريةالرابع والثلاثون من مايو هو يوم عظيم في نفوس الارترين , فقد مضى على هذا اليوم المجيد 34 عاما , وقد دفعو له مهرا الكثير من ابناء شعبنا حياتهم , وضحوا بأرواحهم من أجل بلوغه , دون أن يسعدوا برؤيته , لكن بفضل تضحياتهم , اصبحت ارتريا دولة مستقلة ذات سيادة تتبوأ مكانها بين الامم , وبهذه المناسبة العزيزة , أهني الشعب الارتري في الداخل والخارج .
ولكن رياح الاستقلال جاءت بما لا تشتهيه طموحات وأحلام شعبنا , اذ وقع الوطن في قبضة نظام استبدادي فردي صادر جميع الحريات , وفرض على الشباب تجنيد اجباري غير محدود الزمن , ودون مقابل , تحت غطاء الخدمة الوطنية , ولم يكتفي بذلك , بل صادر موارد الوطن وثرواته , واستغلها لخدمة اجندته , وحرم الشعب من حقه في الوصول الى المعلومات , موجها له رسائل اعلامية تابعة للنظام لا تعبر الا عن رؤيته.
وفي ظل هذا الواقع المختل و من واجبنا أن نتسائل : كيف وصلنا الى ما نحن عليه ؟ وكيف يمكننا تغييره ؟ وما هي الطرق التي ينبغي علينا اتباعها لاستعادة الوطن وتحقيق تطلعات شعبنا ؟
النظام الذي يحكم اليوم في ارتريا وصل الى السلطة عبر تضليل الشعب , من خلال وعود زأفة بأن ارتريا الحرة ستكون دولة تعددية تحترم الحريات وتدار بالدستور والقانون .
لكن الواقع كشف أن تلك الشعارات لم تكن سوى غطاء يخفي نواياه الحقيقية , منذ أن كان في الجبهة الشعبية سابقا , ثم بعد أن غير اسمه الى الجبهة الشعبية للديمقراطية والعدالة.
وبعد ان تمكن من السيطرة , خان كل الوعود , ومارس ابشع انواع الاستبداد , بزرع الخوف والرعب في أوساط الجماهير , وتصفية كل من عارضه , حتى من داخل حزبه , بما فيهم رفاق الكفاح من الحرس القديم , وللأسف اصباح غياب العدالة أمرا مألوفأ ,سكت عنه الكثيرون , أما خوفا من البطش, أو سعيا وراء مصلحة .
وفي الجهة المقابلة , فأن معسكر المعارضة لم يكن على قدر التحدي, اذ اخفقت المحاولات لتوحيد الصفوف والعمل تحت مظلة وطنية واحدة للدفاع عن حقوق الشعب , مما ساهم في اطالة عمر النظام وتعميق معانات الشعب التي تذداد سوءا يوما بعد يوم.
النظام الاستبدادي الملطخ بالدماء لا ينتظر منه أي اصلاح , فالخلاص منه واحداث التغيير هي مسؤلية الشعب الارتري . لا توجد قوة يمكنها امتطاء ظهرك شعبنا البطل ما لم تنحن لها, وبمقدورك ان ترفض هذا النظام وتنتفض دفاعا عن حقوقك , أن الشهداء الذين قدموا أرواحهم لم يفغلو ذلك لكي تهان كرامتك , بل لكي تعيش مرفوع ألرأس , حرا تملك حق التعبير , وحرية الحركة , والتمتع بالحقوق الاساسية , في ظل دولة دستورية يحكمها القانون, ومن مسؤولياتك أن تسترد هذه الحقوق المسلوبة .
وبهذه المناسبة , أوجه دعوة صادقة الى قوى المعارضة الارترية للعمل على توحيد صفوفها تحت مظلة وطنية جامعة , تستجيب لمتطلبات المرحلة , دون تأخير أو مماطلة أن تحقيق ذلك يتطلب تقديم التنازلات اللازمة , فبوحدة الصف نبعث الامل في نفوس شعبنا , ونمضي نحو انجاز عملية التغيير واسقاط النظام.
النصر لقضية شعبنا العادلة
السقوط للنظام الديكتاتوري
بالوحدة الى الحرية
المجد والخلود لشهدائنا الأبرار
قرزقيهر تولدي
رئيس القوى السياسية الارترية