ንርከበሉ ዘለና እዋን ሓያል “ናይ መን ሓሳብ በለጸ” ውድድር ዝካየደሉ ዘሎ እዩ። እዚ ውድድር ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝካየድን ብዙሕ መልከዓት ዘለዎን እዩ። ውድድር ኣብ ናጻን ሕጋውን መድረኽ፡ ብምክብባርን ምጽውዋርን ዝተሰነየ፡ ብግሉጽነት ዝማዕረገ ንብዙሓት ብዘሳትፍ ኣገባብ ዝካየድ ክኸውን እንከሎ ጸጋ እምበር ሓጥያትን ዘጻልእን ኣይኮነን።
ናይ ሓሳብ ውድድር ኩልኻ ተዓወቲ ትኾነሉ መንፈስ ዝጻረር፡ ኣብ ሰዓርን ተሰዓርን ዝደረቐ፡ ሕጋውን ናጻን መድረኽ ዝነፍግ፡ ህዝቢ ዘየሳትፍ ክኸውን እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ዘይሃናጽን ዘረሓሕቕን ከምዝኸውን ምርድኡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብቲ ንሓሳብ ብሓሳብ ስዒርካ ዕዉት ትኾነሉ ምናልባት እውን ንናይ ካለኦት ዝሓሸ ሓሳብ ክትቅበል እትግደደሉ ስልጡን መስርሕ፡ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ቅንዕናኻን ዓቕምኻን ምዃኑ ብሓቀኛ ኣካይዳ “እንካን ሃባን” ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂዚ ጓሲኻ “ተቐባልነት ንክትረክብ ንካለኦት ምውቃስን ምዕማጽን” ግና ኣፍራስን ንናይ ሓባር ቃልሲ ንድሕሪት ዝጐትትን እዩ። ንናይ ካለኦት ኣበርክቶን ኣስተዋጸኦን ኣናኢስካ ምናልባት እውን ክሒድካ ክጥረ ዝድለ ተቕባልነት፡ ግዜ ተጸብዩ ዝድገስን ዘተኣማም ቀጻሊ ህድኣትን ዓወትን ዘየውሕስን ምርጫ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ምእንቲ ናይ ካለኦት ተቐባልነት ተባሂሉ፡ ኣሰተዋጸኦኡ ብሓይልን ጐነጽን ዝተመንዘዐ ኣካል ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ ሕነ ካብ ምፍዳይ ንድሕሪት ከምዘይብል ፍሉጥ ስለ ዝኸውን። ብሰንክዚ እቲ ዘይምርግጋእ ቀጻልን መዕለቢ ዘየብሉን ከም ዝኸውን ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።
ኣብዚ እዋንዚ ሓያልን ተፈራሕን ዓቕሚ ናይ ምህናጽን ምእንታኡ ንካለኦት ግዳይ ምግባርን ምዕማጽን በብኹርናዑ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናብ ህልዊ ኩነታት ሩሲያ-ዩክረይንን እስራኤል-ፍልስጤምን እንተ ኣማዕዲና ነዚ ኢና ነስተብህል። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ናይ ከምዚ ዓይነት ምእንቲ ናትካ ዝናን ረብሓን ካለኦት ናይ ምጉዕጻጽ ጓይላ መዳመቒ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ዘመስከረ እዩ።
እቲ ዓመጸኛ መንገዲ ኣብ ሃገራት ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ በዚ ዝተቓነየ ሰልፍኻ፡ ውድብካ፡ ማሕበርካን ምንቅስቓስካን ናይ ምብራኽ ሃቐነ ካብ ተመኩሮና እውን ክንርደኦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ። እቶም ንካለኦት ብምውቃስ ሓይልን ተቓባልነትን ክረኽቡ ዝደልዩ ኣካላትን ውዳበታትን ንኻልኦት ክወቕሱ ቅድሚ ምምጥጣር ናብ ውሽጦም ከድህቡ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ኣጻብዕቶም ናብ ካለኦት ከመልክቱ እንከለዉ፡ እቶም ብዘይውዓልዎ ዝውቀሱ ወገናት እውን ክምልሱን ነብሶም ክከላኸሉን ባህርያዊ እዩ። በዚ ድማ እቲ ሓሳብ ብሓሳብ ናይ ምስዕዓር ስልጡን ውድድር ይዝረግ እሞ፡ ምጽልላምን ምስሕሓብን ይስዕርር። እዚ ኣብ መንጎ ውዳበታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሕድሕድ ኣብ ሓደ ውዳበ ዝተጠርነፉ ባእታታት እውን ኣድህቦ ዘድልዮ መሰረታዊ ዛዕባ እዩ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ብናይ ሓባር ቅልጽም ተቓወምቶም ክምከቱ ዝግበኦም ጸረ ህዝቢ ኣካላት፡ ብሰንኪ ዘይምትእምማን ናይቶም ኣንጻሮም ዝቃለሱ ሓይልታት ዕድሚኦም ይነውሕ። ነቲ ምውቕቓስ ሓይልታት ለውጢ ከጋድድዎ ኩሉ ዝከኣሎም ካብ ምግባር ድሕር ኣይብሉን። ንኣብነት ናብ ቃልስና እንተመጺእና፡ ህግደፍ በቲ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ምቅንጻላት “ከበሮ ዓምሓሙ ክወቅዕ” ናይ ግድን እዩ። ጸረ ህዝቢ መርበባቱ ዘርጊሑ ከጋድዶ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ድማ ካብ ኩልና ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን በብዝመረጽናዮ ኣገባባት ተወዲብና ንቃለስ ኣለና። መሰረታዊ ናይ ሓባር ዕላማና ምውጋድ ህግደፍን ብዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትክኡን ኮይኑ፡ ኣብ ሕድሕድና ድማ ናይ “ናተይ ሓሳብን ኣገባብን እዩ ተመራጺ” ውድድር ኣለና። ህላወ ብዙሓት ሰፍልታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት፡ ምንቅስቓሳት………ወዘተ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ኣወዳድባና ነቲ ንኤርትራዊ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተነፊግዎ ዘሎ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዝምልስ ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ሓደሓደ ወገናት ዝሰግእዎ ዘሰክፍ ዘይኮነ፡ ክተባባዕ ዝግበኦ እዩ። እቲ ብዝሒ ውዳበታት ብግቡእ እንተዳኣ ኣመሓዲርናዮ፡ ከም ናይ መማረጺ ጸጋ ዝውሰድ እዩ።
ኣብቲ ውድድር፡ ዝሓየልካ መሲልካ ንምቕራብ፡ ዝረአ ዘይምክብባርን ውሽጣዊ ድኽመትካ ንምሽፋን ነቲ መወዳድርትኻ ተሓታቲ ክትገብሮ ምፍታንን ነቲ ኣብዘሓ ኣወዳድባና ጸጋ ዘይኮነስ ጥፍኣትን ውድቀትን ከምስሎ ንዕዘብ ኢና። ኣብዚ ከምቲ ንስኻ ናትካ ናይ ኣተሓሳስባ ምርጫ ዘለካ፣ እቲ መወዳድርትኻ እውን ናቱ ምርጫ ከም ዘለዎ ክትርደኣሉን ከተኽብረሉን ከም ዝግባእ ምግንዛብ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዘሰማምዕ መፍትሒ ድማ ናይ ሓዴኻ ጫፍ ኣጋኒንካ ምቕራብ ዘይኮነ፡ ንመንፈስ ናይቲ ተወዳዳሪ ኣተሓሳስባታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኩልኻ እትዕወተሉ ክኸውን ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ “እታ ቅንዕቲ ሓሳብ ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ምባል ዘይኮነ፡ ብሓባር ተቓሊስካ ምእንቲ ክትዕወት ክትከፍሎ ዝግበኣካ ዋጋ ከምዘሎ ምግንዛብ የድሊ።
ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ሓያል ናይ ለውጢ ቃልሲ የካይድ ኣሎ። እዚ ቃልሱ መቐጸልታ ናይቲ ካብ 50ታት ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መልክዑ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ሎሚ ካብ ሰማይ ዝነጠበ ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ነቶም ነባራት ተቓለስትን ሃብታም ተመኩሮኦምን ክኽብርዎን ካብ ተመኩሮኦም ነዚ ናይ ሎሚ ቃልሲ ይምጥን ንዝበልዎ ክወርሱን ይግበኦም። እቶም ኣውረስቲ ቃልሲ ሓርበኛታት ብወገኖም፡ ነቲ ንቕሎ ናይ ወረስቶም ከተባብዕዎ ግድን እዩ። እቲ ምስግጋር ቃልሲ ወለዶታት ከኣ ብኸምዚ እዩ ክረጋገጽ ዝግበኦ።
ብኣንጻሩ ናይቲ ኣብ ቃልሲ መንእሰይ ኤርትራ ሓሓሊፉ ዝረአ ድኽመታትን ዘይምክብባርን ተሓተቲ እቶም ነባራት ተቓለስትን ተኾስኲሶም ዝዓበዩለንን ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሱለንን ውድባቶምን ኣምሲልካ ምቕራቡ ክእረም ዝግበኦ ጌጋ እዩ። እዚ ተረድኦ’ዚ “ዝወደቐ ግረብሲ ምሳር ይበዝሖ” ከም ዝባሃል፡ “ተቐባልነት ንምርካብ ክትብል ንካለኦት ምውቃስ” ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ድኽመትካ ሓቢእካ ናብ ደገ ምምዕዳው ዘመልክት’ውን እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ግቡእ መልክዕ ሒዙ፡ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ክበጽሕ፡ እቲ ወሳኒ ናቱ መንእሰያዊ ኣተሓሳስባን ዓቕምን’ኳ እንተኾነ፡ እወንታዊ ተመኩሮ ነባራት ተቓለስቲ እምነ-መሰረት ቃልሱ ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ነባራት ውድባት ኤርትራ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ነናተን ታሪኻዊ ቦታ ስለ ዘለወን፡ ጠንቅን ተሓተትን ናይዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ድኽመታት ጌርካ ምቕራበን ቅኑዕ ኣይኮነን።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ ብ11ን 12ን ሕዳር 2023 ሓፈሻዊ ኣኼባታት ኣባላት ሰልፊ ኣካይዱ። እቲ ናይ 11 ሕዳር ምስ መሰረታት ሰልፊ ኣብ ኤውሮጳ ኣሜሪካን ካናዳን፡ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ምስ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ ኣወስትራሊያን ሱዳንን ድማ ብ12 ሕዳር 2023 ተቓኒዑ።
ኣቦመንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ኣኼባታት፡ ንተሳተፍቲ ስለቲ መጸዋዕታ ኣኽቢሮም ዘርኣይዎ ተሳትፎ ኣመስጊኑ፡ ኣብቲ ኣኼባታት ዝዝረበሎም ኣጀንዳታት ኣፋሊጡ። በዚ መሰረት ኣብ ክልቲኡ ኣኼባታት ሰፊሕ ምይይጥ ዝተገብረሎም፡ ገምጋም 4ይ ጉባአ ሰዲህኤን ጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዝኣትዎ ዘሎ ሓድሽ ምዕራፍን ግደ ሰዲህኤ ኣብቲ መስርሕን ዝብሉ ነይሮም።
ኣቦ-መንበር፡ ኣብቲ ዝሃቦ መበገሲ ሓሳብ፡ መስርሕ ምድላው 4ይ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ድሕሪ ምጥቃስ፡ ውጽኢቱ ድማ ዲሞክራሲያዊ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ነዚ ዛዕባ ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ምድህሳሱ ዘድለየሉ ምኽንያት ድማ መጻኢ ጉባአታት ኣብ ምድላው፣ ካብቲ ኣውንታዊ ኮነ ኣሉታዊ ተመኩሮ ንምቕሳም ምዃኑ ኣስፊሑ ገሊጽዎ።
መግለጺኡ ብምቕጻል እቲ ንነዊሕ ግዜ ክጸዓረሉ ዝጸንሐ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ናብ ተግባር ኣብ ዝኣትወሉ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎን ነዚ ዝምልከት ኣብ ሓጺር ግዜ ናይ ሓባር መግለጺ ንክወጽእ ከም መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎን ብዝርዝር ኣበሲሩ። ብዘይካዚ ኣቦመንበር ገረዝግሄር ድሕሪ 4ይ ጉባአ ካብ ዝተራእዩ ንጥፈታት ሰዲህኤ ነቶም ቀንዲ ቀንዲ ጠቒሱ።
ናይዚ ብመንገዲ ዙም ዝተኻየደ ኣኼባታት ተሳተፍቲ፡ ድሕሪቲ መግለጺ ሕቶታትን ርኢቶታትን ብምቕራብ ነቲ ምይይጥ ኣህብቲመሞ። ኣቦመንበር ድማ ንዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣዕጋቢ መልስታት ሂቡ። መስርሕ 4ይ ጉባአ ዲሞክራሲያዊ ከም ዝነበረን ከኣ ማእከላይ ዕግበት ተሳተፍቲ እዃ ይኹን እምበር፣ ንዝያዳ ጽፈት መጻኢ ጉባአታት ድማ፡ ማእከላይ ባይቶ ብዓንተብኡ፡ ብዛዕባ እተን ኣብ ምድላው ጉባአ ወሳኒ ግደ ዘለወን ሓጻይትን ኣሳናዳኢትን ሽማግለታትን ካለኦት ኣካላትን ጽጹይ ቅድመ-ምድላው ዝግበረሉ መንገዲ ክፈጥር ካብቲ ኣኼባ ለበዋታት ቀሪቡ።
ብዘይካዚ ኣንጻር ዓመጸኛ ስርዓት ህግደፍ ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ ምፍጣር መተካእታ ከምዘየብሉ ብምጥቃስ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ክቕጽልን ኣብኡ ከይተደረተ ናብ ዝሰፍሐ ደረጃ ዝብርኸሉ ኩነታት ንምፍጣር ቃልሲ ንክቕጽል ተሳተፍቲ ኣኼባ ዕዙዝ ለበዋ ኣቕሪቦም።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራውያን ዝረአ ዘሎ ህዝባዊ ናዕብታትን ምንቅስቓስ መንእሰያትን፡ ግደ ሰዲህኤ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦን በተሳተፍቲ ተላዒሉ፡ ሰፊሕ መብርሂ ድማ ተዋሂብዎ። ከምኡ እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ተላዕሉ ዘዛርብ ዘሎ ዛዕባን ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ነዚ ብዝምልከት ብ21 ጥቅምቲ 2023 ዘውጸኦ መግለጽን ዘተኮሩ ሕቶታት ተላዒሎም መብርሂ ተዋሂብዎም።
ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ እቲ ኣኼባታት፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ርክባት መሪሕነትን መሰረታትን ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ ንክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም። ኣቦመንበር ብወገኑ እዚ ርክባት ቀጻሊ ዝኾነሉ መደብ ተሰሪዑ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ፡ ህልውናን ሓያልነትን ሰዲህኤ፡ ብኣበርክቶ ኣባላቱ ከም ዝውሰን ብምጥቃስ ኣብ መጻኢ እውን ነፍሲ ወክፍ ኣባል ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኩሉ መዳያት ቃልሱ ንከሕይል ጸዊዑ።
بيان صحفي للجنة التنفيذية لحزب الشعب الديمقراطي الارتري
Written by EPDP ECبيان صحفي للجنة التنفيذية لحزب الشعب الديمقراطي الارتري
عقدت اللجنة التنفيذية لحزب الشعب الديمقراطي الإرتري اجتماعا طارئا بقيادة المناضل قرزقهير تولد, رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري, في 20 أكتوبر الجاري. تم خلال هذا اللقاء تبادل المعلومات حول مختلف القضايا الإرترية والإقليمية الراهنة وإجراء تقييمات متعمقة حول القضايا المهمة. وأخيرا، اتخذ الاجتماع قرارات بشأن قضايا الساعة الهامة كما يلي:
1- كلمة الدكتور آبي أحمد حول قضية ميناء عصب
وحتى بعد استقلالها، ظلت إرتريا على جدول أعمال السياسيين الإثيوبيين. ولم يكن لدى الحكومة الإثيوبية التي تقودها الجبهة الثورية الديمقراطية الشعبية موقف متردد بشأن السيادة الإرترية. إلا أن مختلف المجموعات والعناصر التي لم تكن في السلطة كانت ولم تزل تعبر عن عدم قناعاتها باستقلال وسيادة إرتريا بحجة ان "إثيوبيا أصبحت بلا منفذ البحر". بعد وصول حزب الازدهار الإثيوبي إلى سدة السلطة في عام 2018، تحدى العديد من وسائل التواصل الاجتماعي والسياسيين الاثيوبيين السيادة الإرترية بحجة “كيف يمكن لإثيوبيا أن تكون دولة كبيرة بدون منفذ البحر"
وبعد عدة محاولات غير مباشرة في الأيام الأخيرة، أعلن رئيس الوزراء أبي أحمد رسميًا وقال "سوف نمتلك ميناء عصب بالقوة أو سلميًا" في جدول الأعمال الرسمي لاجتماع أعضاء حزب الازدهار الحاكم ثم في البرلمان الإثيوبي اعتبارًا من 13 أكتوبر 2023. وأشارت اللجنة التنفيذية إلى أن تعليقاته تم قبولها من قبل المنتديات المؤسسية. كما غطتها وسائل الإعلام الحكومية الإثيوبية. وتنبهت اللجنة التنفيذية بأن هذه المحاولة يمكن أن تؤدي إلى عواقب خطيرة وإراقة الدماء، رغم أنها لن تغير سيادة إرتريا المبنية على أساس قانوني متين.
إن اجتماع اللجنة التنفيذية، في أعقاب البيان الرسمي الأخير للدكتور أبي أحمد الذي أظهر جرأة ضد سيادة إرتريا في مختلف المحافل، يدرك بعمق أن سيادة إرتريا البرية والمائية والجوية لا تقهر، وينبه قائد اثيوبية باقوى العبارات أن يتراجع عن الأخطاء التي أرتكبها بحق شعبنا حتى الأن مطالبا اياه التجنب عن دخول في مثل هذه الجرأة الواهية ضد سيادة إرتريا وشعبها والتي يمكن أن تعرض كلا الشعبين لمخاطر لا يحمد عقباها.
إثيوبيا ليست الدولة الوحيدة التي ليس لديها منفذ بحري وهناك دول أخرى مثلها. ومع ذلك، لم تكن هناك دولة تأخذ بالقوة ميناءً ليس ملكا لها لأنها كانت بحاجة إلى منفذ بحري. أما بالنسبة لمستوى استخدام الموانئ، فقد تتفهم اللجنة التنفيذية أنه من البديهي وأنه من الممكن استخدامها حسب الاتفاقيات المبرمة والتي لا تتعارض مع سيادة إرتريا وتحكمها المعاهدات الدولية بهدف خلق وضعا ينمو فيه الشعبان معا.
وفي هذا الصدد، أدرك اجتماع اللجنة التنفيذية أنه كما يقول المثل “يلومون زوجة ابنهم دون أن يسبوا ابنهم” ولذلك أشار بأن الديكتاتور اسياس أفورق هو المجرم الرئيسي ويجب محاسبته بالدرجة الولى. إن علاقة إسياس الشخصية والمبهمة وغير المؤسسية في العلاقات الإرترية الإثيوبية بعد عام 2018، ودعمه السيئ السمعة لسياسة “الوحدة” في مختلف المحافل الإثيوبية، وإطلاق الوعود التي تعرض السيادة الإرترية للخطر، هي السبب في كل ذلك اليوم. بعد تصريح د. آبي أحمد كان تعليق الطقمة الحاكمة في ارتريا خجول وغامض. ولذلك، فإن اللجنة التنفيذية تاخذ في عين الاعتبار بما كان يقوله إسياس "من يقولون بأن الشعب الارتري والاثيوبي شعبان فهم الذين لا يعرفون الحقيقة" وهنا يكفي استحضار سياسة الدكتاتور إسياس غير المسؤولة والتي اصلا اعطت المسؤولية للإثيوبيين في التحرك باسم إريتريا وتدينها بشدة.
وأخيرا، في هذه المرحلة الحرجة وسيادة إرتريا تسير في اتجاه مقلق بسبب الباب الذي فتحته لها جماعة إسياس الخائنة دعت اللجنة التنفيذية للعمل المشترك بين قوى التغيير الارترية وضرورة توحيد صفوفها عاجلا.
2- الحرب بين فلسطين وإسرائيل
وكانت الحرب الدامية بين الفلسطينيين وإسرائيل منذ 7 أكتوبر 2023 قضية الساعة الأخرى التي ركزت اللجنة التنفيذية على تقييمها. ووصف الاجتماع المذبحة التي تعرض لها الأبرياء وتدمير البنية التحتية بأنها أمور مؤسفة. ورأت اللجنة التنفيذية أن الحرب ليست الحل للخروج من هذه المذبحة المستمرة، وحثت أطراف الصراع على احترام المعاهدات والمواثيق المبرمة والتي تنص "أن تصبح فلسطين وإسرائيل دولتين مستقلتين وفقا لقرارات الأمم المتحدة" ودعت مجلس منظمة الأمم المتحدة ومجلس الأمن الدولي أن تعزز ضغوطها لضمانه.
بالأضافة الى ذلك, دعا الاجتماع جميع الأطراف المعنية إلى ممارسة الضغط على إسرائيل لوقف هجماتها المستمرة على المدنيين الفلسطينيين العزل ورفع الحصار وحرية وصول المساعدات والإمدادات الإنسانية الفلسطينية.
21 اكتوبر 2023
ቀዳማይ ርክብ ሳዑድ ዓረቢያን ኣፍሪቃን ብ10 ሕዳር 2023 ኣብ ሪያድ ተኸፊቱ። ኣብዚ ንክልተ መዓልታት ክቕጽል ትጽቢት ዝግበረሉ ርክብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሓዊስካ፡ ናይ ናጀርያ፡ ጋቦን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ማውሪታንያ፡ ማውሪተስ፡ ማላዊ፡ ታንዛንያን ኢትዮጵያን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ።
ናይዚ ቀዳማይ ርክብ ሳዑድ ዓረብን ኣፍሪቃን፡ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ፖለቲካዊ ምትሕብባር ምሕያል፡ ምድህሳስ ዘባዊ ጸጥታዊ ስግኣት፡ ብምምርማርን መጽናዕትን ዝተሰነየ ቁጠባዊ ዝምድና ምሕያል፡ ሓድሽ ጸዓታዊ መፍትሒ ምርካብን ወፍርን ምትሕብባርን ምትብባዕን ከም ዝርከብዎ ማዕከናት ዜና ሳዑዲ ዓረብ ዝሃበኦ ኣፈናዊ ሓበሬታ የረድእ።
ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ መንጎ እዛ ዝለዓለ ሃብቲ ነዳዲ ዘለዋ ሳዑድ ዓረብን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘሎ ዓመታዊ ንግዳዊ ልውውጥ ክሳብ 18 ቢልዮን ዶላር ዝበጽሕ እዩ። ካብዚ እቲ 13 ቢልዮን ዶላር ካብ ሱዕድያ ናብ ኣፍሪቃ ዝለኽ እዩ።
ሱዕዲያ ነዳዲ፡ ሓጺን፡ ፕላስቲክ፡ ተፈጥሮኣዊ ቀመማትን ዘመናዊ ድዅዒን ዝኣመሰሉ ናብ ኣፍሪቃ ክትልእኽ እንከላ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ብወገነን፡ ኮፐር፡ ስርሓት ሓጺን፡ ፍረታት፡ ቡን፡ ቆጽሊ ሻህን ዝርከብዎም ፍርያተን ናብ ሱዕዲያ ይልእካ።
እቲ ማዕከን ዜና ከም ዝገለጾ፡ እዚ ርክብ መቐጸልታ ናይቲ ንግስነት ሳዑድ ዓረብ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ብተናጸል ኮነ ምስ ዝተፈላለያ ዞባዊ ትካላት ከካይዶ ዝጸንሐ ናይ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ጻዕርታት እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሳዑዲ ዓረቢያ እቲ ኣብ መንጎ ዓረብን ኣፍሪቃን ክካየድ መዲባቶ ዝነበረት ርክብ፡ ብሰንክቲ ኣብ ፍልስጥኤም ዘሎ ኩነታት፡ ንካልእ ግዜ ምስተሰጋገረ እዚ ኣኼባ ኣብ መንጎኣን ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ክካየድ ከም ዝወሰነት ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ኢያሱ ጉድኣት ከውርድ ዝፈተነ ደጋፊ ህግደፍ: ን22 ኣዋርሕ ክእሰር ተፈሪዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱን ን 22 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ዝተፈርደ ያቆብ ገ/መድህንን
ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛን መስራትን ተለቪዥን ኣሰና፡ ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ጉድኣት ከውርድ ዝፈተነ ዕሉል ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ ያቆብ ገብረመድህን 22 ኣዋርሕ ንክእሰር ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝበየነ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ሓቢረን።
ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባቲ ተረኽቦ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ እቲ ዕሉል ደጋፊ ህግደፍ፡ ካብ ብሪጣንያ ናብ ኤርትራ ኣብ ዝገሸሉ፡ “ክቐትለካ እየ” ዝብል ናይ ቴለፎን መልእኽቲ ሰዲድሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ እዚ ገበነኛ ኣብ 2019 እውን ኣብ ልዕሊ ኣማኑኤል ብደረጃ ጉጅለ ጉድኣት ብምውራድ ተኸሲሱ፡ ናብ ኣማንኤል ገጹ ከይቀርብ ተኣዚዙ ነይሩ። እንተኾነ ነቲ ትእዛዝ ብዘይምኽባሩ 5 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ድሕሪ እዚ ናብ ቤት ፍርዲ እንዳተመላለሰ ክሱ ክከታተል ምስ ጸንሐ እዩ ብ7 ሕዳር 2023፡ 22 ኣዋርሕ ንክእሰር ተፈሪድዎ።
ያቆብ ገብረመድህን ኣብ ልዕሊቲ ኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደስ፡ ጋዜጠኛ፡ ተመራማርን ደራስን ማርቲን ፕላውት እውን መጥቃዕቲ ክፍጽም ፈቲኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ 4ተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ መንግስታዊ መዝነቶም ኣውሪዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤአቶ ዓለም ገብረ ዋህድ፡ ወ/ሮ ሊያ ካሳን ኣቶ አማኑኤል አሰፋን
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ካብ መንግስታዊ መዝነቶም ከም ዘውረደ ማዕከናት ዜና ክልል ትግራይ ሓቢረን። እቶም ካብ መዝነቶም ዝወረዱ፡ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ብመዓርግ ምክትል ፕረሲደንት፡ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ፕረሲደንት ናይ ህዝባዊ ውደባ ኣማኻሪ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት፡ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣማሓዳሪት ዞባ ደቡባዊ ምብራቕን ኣቶ ተኽላይ ገብረመድህን ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ምዃኖም ተሓቢሩ።
ኣቶ ጌታቸው ናብዞም ካብ ሓላፍነት ዝወረዶም ሓለፍቲ ብ25ን 26ን ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ስንብታ ደብዳበ፡ ነቲ ከበርክትዎ ዝጸንሑ ኣመስጊኑ መውረዲኦም ምኽንያት ግና ከምዘይጠቐሰ ተፈሊጡ። ብደረጃ ውድብ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ክኸውን እንከሎ እቶም ሰለስተ ድማ ኣባላት ማእከላይ ኮሚተ ህወሓት እዮም።
ብዘይካዚ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት እውን፡ 6ተ ብደረጃ ዞባ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበሩ ካብ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ከም ዘውረደ ዝዝከር እዩ።
ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ኩምሳ ደሪባ/ጃል መሮ (ስእሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)
“ጃል መሮ” እናተባህለ ዝጸዋዕ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኩምሳ ደሪባ፡ ዝሳተፈሉ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበር 2ይ ዙር ዘተ ብ7 ሕዳር 2023 ኣብ ኣብ ከተማ ዳረሰላም-ታንዛንያ ከም ዝተጀመረ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢራ።
እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ኩምሳ ደሪባ፡ ብሓገዝ ነቲ ዘተ ዘሳልጡ ዘለዉ ወጻእተኛታት እዩ ካብ ወለጋ መዓርፎ ነፈርቲ ደንቢደሎ ናብቲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ንመጀመርያ ግዜ ብኣካል ዝተራኸብሉ ቦታ ተወሲዱ። ካልኦት ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ ከኣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዛተ ኣካል፡ ጀነራል ጌታቸው ጉዲና ብዝበሃል ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝምራሕ እዩ።
ኣዲስ ስታንዳርድ ከም ዝገለጸቶ፡ ቅድሚዚ 2ይ ዙር ዘተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክልል ኦሮሞን ክልተ ካብ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ብስቱር ክዛተዩ ከም ዝጸንሑን ዘተኦም ኣውንታዊ ውጽኢት ከም ዝነበሮን ተሓቢሩ። እቶም ኣብቲ ናይ ቅድመ-ወግዓዊ ርክብ ዝተሳተፉ ኣካላት እንተደኣ እዚ 2ይ ዘተ ተዓዊቱ ኣብ ምክታም ስምምዕ ተበጺሑ ኣብቲ መድረኽ ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።
ዞባዊ ትካል ኢጋድ ካብቶም ቀንዲ ኣቀራረብቲ ናይዚ 2ይ ዙር ዘተ ኮይኑ፡ ናይቲ ትካል ፈጻሚ ዳይረክተር ኢትዮጵያዊ ዶር ወርቅነህ ገበየሁ ምስ ክልቲኦም ወገናት ጥቡቕ ርክብ ስለ ዘለዎ፡ ናይቲ ርክብ ናይ ምዕዋት ዕድል ሰፊሕ ምዃኑ እቶም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ይግምቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2023 ኣብ መንጎ እዞም ኣካላት ዝተኻየደ ቀዳማይ ርክብ፡ ኣብ ስምምዕኳ እንተዘይበጽሐ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጽታት፡ እቲ ርክብ ኣንታዊ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ ከም ዝቕጽልዎ ቃል ምእታዎም ዝዝከር እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ከቲሙ፡ ሎሚ ድማ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዘተ ክጅምር እንከሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከኣ ኣብ ሓያል ውግእ ኣትዩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ህጻናት ዝግደስ ትካል ዩነሴፍ፡ ሕብረተሰብብ ዓለም ህጻናት ሱዳን ካብቲ ብሰንኪ ውግእ ዝሓልፍዎ ዘለዉ መከራ ንምድሓን ኣባርክተኦም ከሕይል ጸዋዒት ኣቕሪቡ። ናይቲ ትካል መግለጺ ኣተሓሒዙ “ህጻናት ሱዳን ብሰንክ’ቲ ዘይፈጠርዎ ውግእ ከቢድ ናይ ህይወት ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ’ውን” ኢሉ።
መግለጺ ዩነሴፍ ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ሱዳን ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ ቁጽሪ ህጻናት ዝተመዛበሉላ ሃገር ኮይና ከምዘላ ኣስፊሩ፡ 3 ሚልዮን ህጽናት ካብቲ ዝወርዶም ዘሎ ግህሰት ንምድሓንን መግቢ፡ ውሑስ መዕቆብን ጥዕናን ንምርካብን ኣብ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጽእን ናብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ይሃድሙ ከምዘለዉ ጠቒሱ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን 14 ሚልዮን ህጻናት ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝ ይደልዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ። መብዝሕትኦም ኣብ ትሕቲ ናይ ሞት፡ መቑሰልትን ግዱድ ዕስክርናን ሓደጋ ዝነብሩ ዘለዉ እዮም። እቲ ጸገም ጾታዊ ዓመጽ እውን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ብፍላይ ድሕሪ ውግእ ኣብ ካርቱም፡ ዳርፉርን ኮርዶፋንን ምሕያሉ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ህጽናት ዝወርድ ዓመጽ መሊሱ ይገድድ ከም ዘሎ እቲ መግለጺ ኣቃሊዑ።
ኣብዚ እዋንዚ 19 ሚልዮን ህጽናት ሱዳን ካብ መኣዲ ትምህርቲ በዂሮም ኣለዉ። እዚ ከኣ ሱዳን ብደረጃ ዓለም ኣብ ዝለዓለ ትምህርታዊ ቅልውላው ዝወደቐት ሃገር ኮይና ተመዝጊባ ኣላ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ዩነሴፍ ኣብ ሱዳን ኮነ ጐረባብቲ ሃገራት ህይወት ህጽናት ንምድሓን ናይ ጽሩይ ማይ፡ ሕክምና፡ መግቢ፡ ውሑስ መጽለልን ትምህርትን ሓገዝ ይገብር ከም ዘሎ፡ እንተኾነ ናይ ቀረብ ሕጽረት ከም ዘጋጠሞ ኣፍሊጡ።
ብዘይካዚ ከም ናይ ኮሌረላን ዓሶን ዝኣመሰሉ ሕማማት ኣብ ሱዳን የስፋሕፍሑ ስለ ዘለዉ፡ በዚ ሓደጋ ይጥቅዑ ካብ ዘለዉ ህጻናት መብዛሕትኦም ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ምዃኖም ዩነሴፍ ኣስፊሩ።
More...
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኣብ ፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ፡ ህዝብና ብዘተኣማምን ዋና ጉዳዩ ክኸውን ዘይምብቅዑ ካብቶም ጐሊሖም ክረኣዩ ዝጸንሑን ዘለዉን ተርእዮታት እዩ። እዚ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከጋጥም እትጽበዮ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ዕላማ ገዛእትን ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ሓደ ክኾኑ እሞ ኣብቲ መስርሕ ህዝቢ ወሳኒ እጃም ክህልዎ ዘይትጽበዮ ስለ ዝኾውን። ብፍላይ ኣብ መግዛእታዊ ተመኩሮና፡ ሓይልታት መግዛእቲ “ኤርትራ፡ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን” ክሳብ ምባል በጺሖም ከም ዝነበሩ ኣብ ታሪኽ ምዝጉብ እዩ። ናይ ሽዑ ታሪኽ ከም ዘረደኣና ከኣ እቲ ኣብ ባይታ ዝነበረን ህዝቢ ኤርትራ ስኑ ነኺሱ ንኽቃለስ ዘገደዶን እዚ ናይ ገዛእቲ ወራሪ ብደዐን ጥልመትን እዩ።
ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዝእ ጉዳዩ ጓና ምዃን ድሕሪ’ቲ ብቓልሱ ዘውሓሶ ናጽነቱ ምቕጻሉ ድማ ንፖለቲካዊ ተመኩሮ ኤርትራ ፍሉይን ዘይንቡርን ዝገብሮ እዩ። እዚ ከጋጥም ከም ምኽንያት ካብ ዝውሰዱ “ደቅናሲ ከም ገዛእቲ ኣይክጠልሙናን እዮም” ዝብል ካብ ቅንዕና ዝነቅል እምነት ህዝብና ከም ዝነበረ ምግማቱ ኣየጸግምን። ህግደፍ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ህዝቢ ዘንበረሉ እምነት እዩ ጠሊምዎ። ህግደፍ ብዘይንሕስያ፡ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር፡ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመረጾ መሪሕነት፡ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ልዕልና ፍትሕን ክነፍጎ ምስ ኣስተውዓለ ግና፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ጥልመት ከይሳዕረረ “ክሳብ ትኣምን ኪድ ካብ ዘይትኣምን ተመለስ” ከም ዝባሃል፡ ብዓንተቦ ክበራበር ነይርዎ። ከምኡ ዘይምግባሩ ድማ እነሆ ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ዘገረመ ኩለ መዳያዊ ዋጋ ይኸፍል ኣሎ።
ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጠላም ኣካይዳ ህግደፍ ብስቕታ ዝሓለፎን ዝሓልፎ ዘሎን፡ ስለ ዘይተረድኦ ወይ ስለ ዘየሕመሞ እዩ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣገዳስነት ልዕልና ሕጊ፡ ካብ 50ታታት ጀሚሩ ድማ፡ ኣንፈት ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ትርጉም ምርጫ፡ ወሳንነት ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዝተረደአ ስለ ዝኾነ። ኣየሕመሞን ከይበሃል ከኣ፡ እቲ ጭቆናን መሪር ሳዕቤናቱን፡ ማዕጾ እንዳ ኹሉ ኤርትራዊ ስድራቤት ዝኩሕኩሕን ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ዝዘርግን ዘሎ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ “ህዝቢ ኤርትራሲ ስለምንታይ እዩ ነዚ ኩሉ ወጽዓ ጉጅለ ኢሳያስ ዝዕገሶ?” ዝብል ብተደጋጋሚ ዝለዓልን መልሲ ክትረኽበሉ ዘጸግምን ሕቶ ዝኸውን።
እቲ ዝያዳ ዘገርም ከኣ ናይቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝብና “ርኢኻ ከምዘይረኣኻ” ኮይንካ ርእስኻ እናነቕነቕካ ስቕታ ምምራጽ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘደንጹ፡ ነዚ ብዝኾነ መለክዒ መዚንካ ጥዑይ ዘይትረኽበሉ ምምሕዳር ናይቲ ጉጅለ ኣጸባቢቖም ዘቕርቡን ዝሕለቑን ኤርትራዊ ወገናት ምህላዎም እዩ። እዞም ህግደፍ፡ ልኡላውነት ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ተግባራት ክፍጽም፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ኣትዩ ኤርትራዊ ህይወት ክህልቕን ንብረት ከብርስን፡ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተሰቦም ከይተረፈ ዝተፈላለየ ግፍዕታትን ገበናትን ክፍጽም እንከሎ፡ ኣብ ክንዲ ዓገብ ምባል “ንኺድ ጥራይ” ዝብልዎ ወገናት ምህላዎምሲ ምስምንታይ ይቑጸር!!!። እዞም ብዛዕባ መሰልካን ናጽነትካን ምሕሳብ ዘዋደቕዎ ኣካላት ክንድታ ንእኩይ ተግባራት ህግደፍ ዘጸባብቕዋን ዕድመኡ ክነውሕ ዝልምንሉን፡ ካብ ባህግን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝርሓቑ ክግንዘቡ ይግበኦም። ነዚ ተግባሮም ግዜ ምስ ኣፍቀደ ዝሕተትሉ ምዃኖም ተረዲኦም፡ ሕጂ እውን መስዩ እምበር ስለ ዘይዓረበ ሕሳቦም ክገብሩ ደጊምና ነዘኻኽሮም።
ኣብዚ እዋንዚ እቲ ካብ ተመኩሮኡ ዘይመሃርን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዋኒኑ በዓል ጉዳይ ምዃኑ ዘይስቆሮን፡ ገታርን ጠላምን ምምሕዳር ህግደፍ፡ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈጥሮ ቀጻሊ ራዕድን ህውከትን ኣይወጸን። ብደረጃ ዞባ እውን ብርኡይ ህውከት ክጽሕትርን መጣፍእቲ ዝኾንዎ መሻርኽቲ ከናድን ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ዝርአ ዘሎ ምዕልባጣት ኣሉታዊ ሳዕቤን ከፋል ዕዳ ንሱ ምዃኑ ተረዲኡ “ባዕሉ ይፈልጥ” ብዝብል ክሓልፎ ኣይግበኦን። ራህዋ እናተጸበየ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ናይቲ ጉጅለ፡ ናብ ዝገደደ ደልሃመት ይሽመም ከም ዘሎ ከኣ ከስትውዕል ይግበኦ። ምስትውዓል ጥራይ ዘይኮነ ንዓኡ ዝምጥን ህዝባዊ እምቢታ ከርኢ ይግበኦ። እቲ እምቢታ ክሳራታት ከም ዘለዎኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ እቲ ስቕታ እውን ዋጋ ካብ ምኽፋል ከምዘየድሓኖ ዝረአ ዘሎ እዩ።
ካልእ ይትረፍ ኣብዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ፡ ቀንዲ ሃንዳሲኡ ህግደፍ ምዃኑ ዘይስሓት “ሰሓቦ ጉተቶ”፡ ከምቲ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ፤ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ዝብልዎ፡ ቀንዲ ተሓተቲ ህግደፍን መዳምቕቱን ምዃኖም ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ባዕሉ ኣብቲ ናይ “ተደሚርና ኢና” ወደኽደኽ ህዝቢ ኤርትራ ክዕዘቦ ዝጸንሐ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ኣብ ኣስመራስ ወረ “ተደሚርና ኢና፡ ሓደ ኮይንና ኢና” ብዝብል ሰላማዊ ሰልፊ ተወሲኽዎ ነይሩ እዩ። ብዛዕባዚ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝደናደን ዘሎ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተሓታትን ቀንዲ መሳወርን ምዃኑ ናይ ነዊሕ ግዜ ተዘክሮ ዘለዎምን ብቐረባ ዝፈልጥዎን ነባራት ኢትዮጵያውያን ፖለቲኸኛታት ከይተረፉ፡ ምስክርነቶም የቐርቡ ኣለዉ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣብ ክንዲ “ባዕልኻ ኢኻ ተሓታቲ” ኢልካ ምውጣሩ፡ ነቲ ምዕልባጡ ከተማኻንየሉን ከተጸባብቐሉን ምፍታን ቅቡል ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ንጭቆና ተለማሚድካ መዕንደሪ ወጽዓን ወጻዕትን ምዃን ዘይኮነ፡ ነቲ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ክኢሉ ናጽነት ዘምጸአ ንያቱን ሓቦኡን ከሕድሶ እዋኑ እዩ።
ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ህግደፍ ንምቅላዕን ንምስዓርን ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ፡ ካብቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ኣቕጣጫ ብዝያዳ ሓድነት ከበርኽዎ ክጽዕቱ ይጽዉዑ ኣለዉ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣበርክቶ ናይዞም ተቓወምቲ፡ ንግደኡ ዘራጉድ እምበር ዝትክእ ከምዘይኮነ ብምግንዛብ፡ ብምዕልባጥ ህግደፍ ከይተዓሸወ፡ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ቃልሱ ንከሕይል ከም ወትሩ መጸዋዕታና እዩ።
ባህግና Bahgna175፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 05.11.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ቃል ሓዘን መስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን
Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ሰዲህኤገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን፡ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023 ብሕማም ምኽንያት ከም ዝዓረፈ ተረዲእና ብመሪር ሓዘን ተቐቢልናዮ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን ስለ ናጽነትን ሃገራዊ ክብርን ኤርትራ ዘበርከቶ ሰፍ ዘይብል ተወፋይነትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ሰፊሕ ኣገልግሎትን እናዘከረ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋልነቱ ይገልጽ።
ተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን፡ ካብ ስሳታት ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኤርትራ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1971 ኣብ እዋን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ናብ ሜዳ ክስለፍ እንክሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ብመሃንድስነት ትምህርቱ ኣጠናቂቑ፡ ኣብ ፊያት ካምፓኒ ተቖጺሩ ጀሚርዎ ዝነበረ ስራሕ ጠንጢኑ እዩ ተሰሊፉ። ድሕሪ ምስላፉ ኣብ ሃገራዊ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተሓኤ፡ ኣውራ ድማ ኣብ ምምሕዳር ጸጥታ፣ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን፣ ኣብ ዜናዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዓቢ ብቕዓትን ብተወፋይነትን ኣገልጊሉ። ሓው ኸሊፋ ዑስማን ብዕምቈት ፍልጠትን፡ ብስፍሓት ፍልስፍናዊ ርእይቶን ዝፍለጥ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ብፍላይ ድማ ዓረበኛ ዝመልኽ ዓቢ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክኢላ ተቐላሳይ ምንባሩ ዝምስከረሉ እዩ።
እንሆ እዋን ኣኺሉ፡ ኣብታ ምሉእ ዕድሜኡ ዝኸፈለላ ሃገር፣ ምስቲ ምሉእ ዕድሜኡ ዘገልገሎ ህዝቢ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ ህይወት ከስትማቕርን መሬት ሃገሩን ከረግጽ ዝተነፍገ ተጋዳላይ ኮይኑ ኣብ ግዳም ዓሪፉ ኣሎ።
ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ፡ ዑስማን ኣብ መላእ ስድራቤት፣ ቤተ ሰብን፡ መቓልስቲ ብጾቱን፡ ወሪዱ ዘሎ ሓዘን፡ ከቢድ ምዃኑ እናተረዳኣና፡ ኣኻእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም ይሃበና፡ ጠሉ ይግደፈልኩም ንብል።
ንተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን ከኣ መንግሰተ ሰማይ የዋርሶ!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር