ካብ ምዝራብ፡ “እንታይ‘ዩ መትረፊኦም በል“ ብዝብል ኣርእስቲ ከም ሰብ ኣብ ሓቂ ተሞርኲሰ ሓሳባተይ ክህብ እንከለኹ፡ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። ዝኸበርካ ተዛራባይ፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ንሕና ከም ደቂ ሰባት 5 ሕዋሳት ዘሎና ክንስና፡ ወዲሰብ ቅድሚ ምዝራቡ ኣንታይ ይብልን ይዛረብን ክፈልጥ ኣለዎ እብል። ኣብዚ እቲ ዘገርም፡ ከም ሰብ ነቲ ዝበሃል ዘረባታት ምስ ሰማዕኩ ብዙሕ እዩ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ መጀመርያ ወዲ-ሰብ ክቡር እዩ። ካብ ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ ሽግሮም ወይ ኩነታቶም ባዕሎም ከም ዝፈልጡዎ ምስትውዓል የድሊ።

ኣነ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን፡ ንነዊሕ ዓመታት ዘስተብሃልኩሉ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ እቲ ዝገርም፡ ዝኾነ ነገራት ናይ ሃገርና እንተብኣዎንታዊ  እንተብኣሉታዊ ኣብ ክንዲ ከም ዘለዎ እንዛረበሎምን እንገልጾምን፡ ንኩሉ ነገራት ብዕበጦ- ዕበጦ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸይድ ዘሎ‘ዩ። እንታይሞ ረኺብና። እንሆ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ - ኤኮኖሚያዊ - ማሕበራዊ ናብራና፡ ብሰንኪ ዘሎ ኩነታትና “ስለምንታይ“ ኢልና ስለ ዘይሓተትና፡ እንሆ ዘዝተወልደ ንስደት ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ከኣ ወዲ-ሰብ መጻኢ ራኢ ክሳብ ዘይሃለዎ ቀጻሊ‘ዩ።

ሕሰብ ኤርትራዊ/ት፡ ኩሉ ስደት ከብቅዕ “ስለምንታይ“ በል። ክቡራትን ክቡራንን፡ ከም ደቂ ሰባት ካብ ስነምግባር ወጻኢ ኢና ንዛረብ ዘሎና። እቲ ዘገርም ናይዞም ኣፎም ዝሃቦም ተዛረብቲ ነቶም “ሃገራዊ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ“ ተመሪጾም ዝመጹን 2 ግዜ ዓወት ዘመዝገቡን ክንሶም፡ ብሰንኪ ኣብ ዝገሹዎ ምትራፎም ከይሓፈሩ “ደይሪዘርቫ እዮም ፕሮፈሽናል ተጻወትቲ ኣይኮኑን“ እናበሉ ከነኣእሱዎም ከለዉስ ከም ሰብ መጠን ኣይገርመኩምንዶ? ኣንታ ተዛራባይ ጠንቂ መትረፊኦም እንታይ‘ዩ ኣቐዲምካ ክትፈልጥ ይግበኣካ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣእሙራዊ ብስለት ዝተሓወሶ ብክልተ መገዲ ፖለቲካዊ መልእኽቲ  ኣመሓላሊፎም ኣዮም። ኣነ ድማ ከም ጸሓፍን ሓሳብ ኣቕራብን ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ጽቡቕ ዕድል እምነየሎም።

ክፍላይ ተኪአ

ጀርመን       

እቲ ብሓልዮት ኤርትራዊ ማሕበር መኽሰብ ኣልቦ ትካል ኣብ ጀርመንን፡ ምትሕብባር ኣባላት ፖሊቲካዊ ሓይ-ልታት ኤርትራን፥ ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዝካየድ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ፥ እንሆ እዚ ዓመት እዚ እውን ንማሕበራውን ፖሊቲካውን ኲነታት ሃገርና ኤርትራ ዘንጸባርቅ መድረኻዊ መደባት ዝሓዘ ምድላዋት ሰሪዑ ይርከብ። ፈስቲቫል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ዕለት 07 ክሳብ 09.08.2026 ኣብ ዘሎ ግዜ ክካየድ ኢዩ። ስለዚ ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ንኽሳተፎ ብኽብሪ ጸዊዒትና ነቕርብ ።

ኣብዚ ኣገዳሲ፥ ተነፋፊቑ ዝጸንሔ ኤርትራዊ ዝራኸበሉ ፈስቲቫል‘ዚ፥ ብመሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝቐርብ መግለጺታትን ንተሳተፍቲ ዕድል ዝህብ ሰሚናርን ይዳሎ ምህላዉ እንዳሓበርና፥ ቆጸራና ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት 2026 ክኸውን ኩሉ ግዱስ ኤርትራዊ ንኽሳተፎ ንጽውዕ።

ቦታ ፈስቲቫልን ስሩዕ መደባትን በዓል ንዝምልከት፥ ብቀጻሊ ሓበረታ ከነስዕብ ኢና።

ብሓድነት ንሓርነት !!!

ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል 2026

ንመላእ ምእመናን ክርስትና ብሓፈሻ: ብፍላይ ድማ ንኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እንኳዕ ጾመ-ልጋም  ፈትሓልኩም። ጸሎትኩምን ጾምኩምን ኣብ ሰማይ ዓሪጉ፣ ገባቲ  ስርዓት ወዲቑ፣ ፈልሲ ቅዋማዊ  ምሕደራን: ግዝኣተ ሕግን: ዲሞክራስን: ዝጥጥዓሉ ዓመት ክኾነልና ንምነ ። ክዉን ንምግባሩ ድማ አእጃምና ከነበርክት በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ ።

ኣብ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ብሰላም ዝዓርፍ ይግበሮ ።

ሓጎስን ቅሳነትን ራህዋን ሰላምን ዝመልኦ ቅነ-በዓላት ክኾነልና ብልቢ ንምነ።

ገረዝጊሄር ተወልደ 

ኣቦ መንበር ፖሓኤ 

11 ሚያዝያ 2026

ብቐዳምነት ነቶም ኣብ ጾምን ጸሎትን ጾመ-ኣርበዓ ዝጸንሑ፡  ኣመንቲ ክርስትና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ-ልጓም ተፈቲሑ ብሰላም ናብቲ ክቡር በዓል ትንሳኤ 2026 ኣብጸሓኩም ኣብጸሓና”። ትንሳኤ ክርስቶስ ናይ ሰላም፡ ሓጐስን ሕውነትን በዓል  ክዀነሎም   ዘሎና  ልባዊ ትምኒት ከኣ  ክንገልጸሎም ንፈቱ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ መጻኢ ግዜ ኣብ ዓለምና ከምኡ እውን ኣብ ዞባናን ሃገርናን ዝዝንቢ ዘሎ ስግኣት ውግእን ወረ-ውግእን ተቐንጢጡ፡ ህዝብታት ዓለም ተሓጋጊዞምን ተሓባቢሮምን ሰላም፡ ፍትሕን ቁጠባዊ ዕቤትን  ዘሰስንሉ፡ ከምኡ ድማ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ዝዕቀበሉ ክኾነልና፡ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ተስፋና ልዑል ምዃኑ ንገልጸልኩም።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

12 ሚያዝያ 2026

መጻብቦ ክልተ ሰፋሕቲ ማያዊ ኣካላት ዘራኽብ ጸቢብ ማያዊ ኣካል እዩ። ብመንጽርዚ  ሆርሙዝ ንማያዊ ኣካላት ወሽመጥ ፐርሺያን ዖማንን እተራኽብ መጻብቦ እያ። ኣብቲ ዝጸበበ ቦታ ጎኒ ናይቲ ማያዊ ክፋል ኣስታት 33 ኪሎ ሜተር  ምዃኑ ናይ ጀኦግራፊ መዛግብቲ የረድኡ። ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክቲ ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን  ዝኣጐድዎ ውግእ፡ መዓልታዊ መተሓላላፊት 20 ሚልዮን በርሚል ዘይተጸራየ ነዳዲ ዝጸዓና ካብ 138 ክሳብ 140 መራክብ ኮይና ዝጸንሐት ሆርሙዝ፡ ብሰንክቲ ውግእ ኣስጋኢት ስለ ዝኾነት ብደረጃ ዓለም  እውናዊት ኣጀንዳ  ኮይና’ላ።

ቅድሚቲ ውግእ ብደረጃ ዓለም ካብ ዝንቀሳቐስ ነዳድን ጋዝን 20% በዛ መጻብቦ ይመሓላለፍ ነይሩ። ብዘይካዚ ኣብ ገማግም ወሽመጥ ፐርሺያ፡ የማነ ጸጋም ናብ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ርእሲ እቲ ምንቅስቓስ ነዳድን ጋስን፡ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ዝኣትውን ዝወጽእን በዛ መጻብቦ እዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋንዚ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝሓልፋ ዝነበራ መራክብ ስለ ዝተዓገታ ዋጋ ነዳዲ ብደርጃ ዓለም ንበርሚል ክሳብ 112-115 ዶርላር ስለ ዝበጸሐ፡ ብሓፈሻ ኩለን ሃገራት ግዳይ ናይቲ ቅልውላው ኮይነን ኣለዋ። ካብ ዝጥቀማሉ ነዳዲ 60-75% በዛ መጻብቦ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ በዚ ቅልውላው ዝያዳ ተጨኒቐን ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ ፍሊፕንስ፡ ጃፓን፡ ሲንጋፖርን ደቡብ ኮርያን፡ ይርከበአን።

ካለኦት መጻብቦታት ንምጥቃስ፡ መጻብቦ ታይዋን ንቻይናን ደሴት ታውይዋንን ፡ መጻብቦ ፓልክ ንህንድን ስሪላንካን፡ መጻብቦ ታርታሪ ንሩሲያን ደሴት ሳካሊንን፡ መጻብቦ ጹሺማ ንጃፓንን ወሽመጥ ኮርያን;  መጻብቦ በሪን ንኣላስካን ሩሲያን ዝፈላሊ ከምኡ ከኣ መጻብቦ ባብኤል መንደብን ስዊዝ ካናልን ብኣብነት ዝጥቀሱ እዮም።

ኢራን ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ብኣሜሪካን እስራኤልን ዝወርዳ ዘሎ መጥቃዕቲ ካብ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ንመጻብቦ ሆርሙዝ  ኣብ ባሕሪ ብዝቕበር ነታጒ ከይተረፈ ምዕጻው እዩ። በዚ መሰረት በዚ ዝሓልፋ መራክብ ንሓደ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ኣዝዩ ዝለዓለ ኮይኑ፡ ዝኸፍለኦ ዋሕስ (ኢንሹራንስ) ዝለዓለ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ሰጊአን ነዳዲ ዝጸዓና መራክብ ምንቅስቓስ ስለ ዘቋረጻ እዩ ድማ ዋጋ  ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣዝዩ ከቢሩ ዘሎ። ኣሜሪካ ንሆርሞዝ ካብ ኢራን መንዚዓ ከም እትቆጻጸር’ኳ እንተፈከረት ብቐሊሉ ኣይከለትን። ኣብ መወዳእታ ብኣጋር ሰራዊት ከይትጥቀም ከኣ ስግኣት ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ እታ ኣዛራቢት ኮይና ዘላ ደሴት ካርግ፡ ካብቲ መሬታዊ ገማግም ባሕሪ ኢራን 25 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ባሕሪ ፐርሺያ እትርከብ እያ። ስፍሓታት እዛ ደሴት ካብ 20 ክሳብ 22 ትርብዒት ኪሎሜተር ኮይኑ፡ ነበርታ ከኣ መብዛሕትኦም ሰራሕተኛታት መጻረይ ነዳዲ ኮይኖም፡ ካብ 8 ክሳብ 10 ሺሕ ይበጽሑ።  

ካርግ ናይ ኢራን 90% ነዳዲ ዝጻረየላ፡ ዘይተጻረየ ድማ  ዝኽዘነላን ናብ ወጻኢ ዝለኣኸላን ቁጠባዊ ማእከል  ኮይና ዝጸንሐት’ያ። እዛ ደሴት ካብ ወደብ ቡሸህር ኣስታት 55 ኪሎሜተር እትርሕቕ ኮይና፡ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ  ንወገን ሰሜናዊ ምዕራብ 660 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ። ብሰንክ’ቲ ንጸጥተኣ ተባሂሉ ዝግበረላ ወተሃደራዊ ምቁጽጻር ከኣ “ዘይትፍቀድ ደሴት” ዝብል ስያመ ክወሃባ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከኣ፡  በዚ ዝጸንሓ ወሳኒ ቁጠባዊ ብጽሒት ወተሃደራዊ ዒላማ ተገይራ ዘላ እያ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለየ ከባብታት ብ24 መጋቢት 2026 ብቢሮ ትምህርቲ ናይቲ ክልል ዝተወደበ ናይ ተመሃሮን መምሃራንን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻዱ። ናይቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዕላማ ብሓፈሻ ዝተኣገደ ደሞዝ ሰራሕተኛታት ናይቲ ክልላዊ መንግስቲ፡  ብፍላይ ድማ ናይ 16 ኣዋርሕ ዘይተኸፍለ ደሞስ መማሃራን ንክኽፈል ንምጽዋዕ ዝተወደበ እዩ። ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝተንጸባረቐ፡ መማሃራን ደሞዝ ብዘይምርካቦም ካብ ስረሖም ብምቁራጾም ናይ ኣብያተ-ትምህርቲ ምዕጻው ሓደጋ የንጸላሉ ከም ዘሎ ተገሊጹ።

እቶም እቶ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ብፍላይ ኣብቲ ኣብ ከተማ መቐለ ባሎኒ ስታድየም ኣብ ዝተባህለ መድረኽ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ ካብ ዘቃልሕዎም ጭረሖታት፡ ትምህርቲ መጻኢና እዩ (EUDUCATIN IS OUR FUTURE)” ዝብል መሪሕ ኮይኑ፡ መሰል ህጻናት ይከበር፡ መሰልን ክብርን መማሃራን ይተዓቀብ፡ ደሞዝ መማሃራን ዘይምኽፋል ምዕጻው ኣብያተ-ትምህርቲ እዩ፡ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም፡ ተመሃሮ ከኣ ናብ  መኣዲ ትምህርቶም ይመለሱ፡ ዝብሉ ጭረሖታት እውን ተቓሊሖም።

በቲ ካብ ትግራይ ዝተረኽበ ዜና መሰረት፡ ናይቲ ክልል ክፍሊ ትምህርቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝተቛረጸ ደሞዝ ንክኽፈል ናብ ዝምልከቶ ኣካላት ፈድራል ተደጋጋሚ ስምዕታ ኣቕሪቡ መልሲ ምስ ሰኣነ ዝተሰርዐ ሰላማዊ ሰልፊ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣቶ  ሚካኤል ኣስገዶም ወሃቢ ቃል ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ  ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ቀጻሊ ሰላም ንከውሕስ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ፈርሱ እዩ ዝብል መብርሂ ምሃቡ ናይቲ ህዝቢ ናይ ውግእ ስግኣት ዝያዳ ይዓርግ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዕለት 14 መጋቢት 2026 ፈላሚ ኣኼባ ኣካይዳ። ሽማግለ ብሰለስተ ኣባላት ካብ ነፍሲ ወከፍ ንፖሓኤ ዘቆማ ኣካላት ዝተወከሉ፥ ትሻዓተ ዝቁጽሮም ኣባላት ዝቆመት እያ። ከምዝፍለጥ ኣባላት ኣሳናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምርቑሖም ብዕለት 26 ለካቲት 2026 ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ  ሓው ገብረዝጊሄር ተወልደ ሕድሕድ ናይ ምልላይን ዝተነብረሎም ሓላፍነትን ዕማማን ኣነጺሩ፥ ንኣመራርሓኣ ዝምልከት ድማ ነብሳ ባዕላ ንኽትሰርዕ መምርሒ ከምዝሃባ ዝዝከር እዩ።  ኣብዚ ናይ ሌላ ርክብዚ፥ ሽማግለ ብኡ ንብኡ ሰለስተ ናይ ስራሕ ኣማእከልቲ መዚዛ ናብ‘ዚ ናይ መጋቢት ፈላሚ ኣኼባ በጺሓ።

ኣኼባ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፥ ብኣደ መንበርነት ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ተመሪሑ፥ ንድፊ ሰነድ ጉባኤ፥ ናይ ስራሕ ምክፍፋል፥ ጉዳይ ዜናን ሓበሬታን፥ ኣጋይሽን ፋይናንስን ኣብዝብሉ ዛዕባታት፥ ኣብ ቅዋማዊ ዓንቀጻት ፖሓኤ ምርኩስ ዝገበሩ  ሰፊሕ ዝርርብ ኣኻይዳ። በዚ መሰረት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንነብሳ ኣብ ሰለስተ ንኡስ ክፍልታት ብምስራዕ፥ ንድፊ ሰነዳት ጉባኤ ቅዋም ብዘፍቕዶ መስርሕ ናብ መላእ ኣካላት ፖሓኤ ንኽበጽሕን፥ ኣብ ዝተወሰነሉ እዋኑ ተመሊሱ ክይዲ ምጽፋፍ ክግበረሉን ተሰማሚዓ። ንዜናን ሓበሬታን፥ ፋይናንስን ብዝምልከትውን ሰባታ መዚዛ ሓላፍነት ብምሃብ ወዲኣ። ኣብ ክልዚ ዝተገብረ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ነቲ ዕማማ ብግቡእ ንምክትታል ንኽጥዕም እንተዘይኮይኑ፥ ብመሰረቱ ዕማማት ሽማግለ ናይ ሓባር ስራሕ ብምዃኑ ነቲ ናይ ምትሕግጋዝን ምምልላእን መንፈስ ዝዓግት ስለዘይኮነ ኣብዝኾነ ግዜ ናይ ምውኽኻስን ምርኻብን ዕድል ክፉት ከምዝኾነ ብምርግጋጽ፥ ናይ መጻኢ ክልተ ኣኼባታት ዕለታቶም ብምውሳን ኣኼባ 14 መጋቢት ተደምዲሙ። 

ንሓርነት ብሓድነት!!!