ወካሊ ሽማግለ በይ-ኤርያ ካብ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ተነዲፉ ዝቐረበ ዓንዲ-ሕጊ ንምኽላስ፣ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ብ20 ጥቅምቲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ።  ካብ ሒዝዎ ዝቐረበ ዛዕባታት ድማ፡

  1. ምንቅስቓስ ይኣክል ዝምርሓሉ ዝተነድፈ ዓንዲ-ሕጊ ንህዝቢ ንምግላጽ፣ ካብ ኣኼበኛ ዝቐረበ ሕቶታትን ርእይቶታቱን ተቐቢሉ ናብ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ንኽሰድድን
  2. ግዱሳት ወለንተኛታት ኣብተን ሸውዓተ ሓይሊ ዕማማት ብድሌቶምን ከከም ክእለቶምን ንኽሳተፉ መብርሂ ብምሃብ ክምዝገቡ ጻውዒት ገይሩ።

Bay Area Yiakil Movement Reviewing Bi laws 1ወካሊ ሽማግለ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ምስጉን ሓጎስ፣ ወልደየሱስ ውበ፣ ነጋ ወልደሩፋኤል

ወካሊ ሽማግለ፣ ድሕረ ባይታ ኣበጋግሳን ዕላማን ናይ ምንቅስቓስ ይኣክል ክገልጽ ከሎ፡ ብመራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሃገራዊ ጥልመት ምስተጋህደ፣ ልዑላውነትና ንምክልኻል ዝተላዕለ ማዕበል ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ዝምርሓሉ ሕጊ ኣይነበሮን፡ እነሆ ሕጂ ግን ንድፊ ኣዳልዩ ብህዝቢ ንኽኽለስ ቀሪቡ። ነቲ ዝጸንሐ ድንጉር ሓሳብ “ንፕረሲደንት ኢሳያስ ዝትክእ ሰብኣይ ኣበይ ይርከብ ኢልካ ምንዳይ፣ ወይ ከምቲ ንኣይሁዳውያን ካብ ባርነት ግብጺ ኣውጺኡ፣ ንቐይሕ ባሕሪ ጨዲዱ ናብታ ናይ መብጽዓ ሃገሮም እስራኤል ዘስግር ሙሴ ብተኣምር ክርከብ ምጽባይ” ኣይኰነን እንቃለሰሉ ዘለና ዕላማን ኣገባብን። ዋና ሃገርና ኤርትራ ህዝባ እዩ፡ ስለዝዀነ ድማ ንህዝቢ ዝወከለ ባይቶ ብሓባር ኣቝምና፣ ብዝሓንጸጽናዮ ቅዋም ዝምራሕ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝመረጾ መሪሕነት፣ ብልዕልና-ሕጊ ንዝተመዘዞ ሓላፍነት እሙን ኰይኑ ዝመርሕ መሪሕነት ንምምስራት ኢና ንቃለስ ዘሎና። ካብ ሕጂ ንንየው ኣብ ውልቀ-መራሒ ምእማን ዘይኰነ ኣብ ሓባራዊ መሪሕነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኣለዎ ክብል ኣስሚሩሉ።

Bay Area Yiakil Movement Reviewing Bi laws 2ካብ ከተማታት በይ-ኤርያ ተጓዒዞም ንድፊ ዓንዲ-ሕጊ ንምምሕያሽ ኣብ ኣኼባ ኦክላንድ ዝተሳተፉ

ወካሊ ሽማግለ ኣብ መደርኡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መድረኽ ሕቡራት ሃገራት ቀሪባ ክንዲ መንእሰይ ወለዶ ኣናተጣበቐት ዝመደረት ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝዕድሚኣ ጓል ኖርወይ ብምድናቕ፡ ካብ ዓቐን ሓሊፉ ዝፍኖ ዘሎ በካሊ ካርቦን-ዳዮክሳይድ ክንቆጻጸሮ እንተዘይክኢልና ፈጢሩዎ ዘሎ ግሎባላዊ-ኣየር ብከላ ኣብ ሂወት ፍጡራት ዘስዕቦ ሓደጋታት ከቢድ ምዃኑ ኣጠንቂቓ። ብደገፍቲ ድሕነት ከባቢ ድማ ድሙቕ ደገፍ ስለዝረኸበት ለውጢ ክግበረሉ ትጽቢት ዘንበረ እዩ።  መንእሰያት ኤርትራ ተሳትፎኹም ኣብ ቃልሲ ክዓዝዝ፣ ለውጢ ዝጠልብ ድምጽኹም ክብርትዕን ንምምራሑ ድማ ክትዳለዉን ኣሎኩም ክብል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ምንቅስቓስ ይኣክል፣ ሓላፍነት ዝጐደሎም ባእታታት ብኢደወነኖም ዝዝርግሕዎ ሓቀኛ ዘይኰነ ኣደናጋሪ ወረታት ተራእዩ ነይሩ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ባይቶ ብዕቱብ ኣጽኒዑ ዝግባእ መፍትሒ ረኺብሉ እዩ። ነዝን ከምኡ ዝመሳሰልን ዝልዓል ጸገማት ብቐጻሊ ንምእላዩ፡ “ፍልልያትን ግርጭታትን ዝኣሊ ሽማግለ” ኣቝሙ ኣሎ ክብሉ ወከልቲ ኣብሪሆም።

ወኪል ሽማግለ ነቲ ዘምጽኦ ሰነድ ንድፊ ስርዓተ-ሕጊ ኣባዚሑ፡ ከምኡ’ውን ተሳተፍቲ ርእይቶታቶም ዝጽሕፍሉ ወረቓቕትን ቀሪቡ እዩ ናብ ኣኼባ ኣትዩ። ተሳተፍቲ ነቲ ሰነድ ሒዞም ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክከታተሉን፣ ሕቶታቶም ኰነ ርእይቶታቶም ንኸቕርቡን ጥጡሕ ኵነታት ስለዝፈጠረ ስሉጥ ኣኼባ ክካየድ ክኢሉ። ተሳተፍቲ ኣኼባ ንዝነበሮም ሕቶታት መልሲ ተዋሂብዎ፣ ክመሓየሽ ዝበልዎ ሓሳባት ድማ በብዓንቀጹ ኣቕሪቦም ዕቱብ ምይይጥ ተኻይዱ። ተሳተፍቲ ብጽሑፍ ዘቕረብዎ ናይ ምምሕያሽ  ርእይቶታቶም ብወካሊ ሽማግለ ተኣኪቡ። እቶም ጊዜኹም ወሲድኩም ርእይቶታትኩም ክትሰዱ እትደልዩ ድማ ናብ ኢመይል ኣድራሻ ባይቶ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. ክሳብ ሓደ ሕዳር ዘሎ ጊዜ ስደዱ ዝብል ሓበሬታ ተዋሂቡ። እትህብዎ ናይ ምምሕያሽ ርእይቶታትን ለበዋታትን ናብ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣመሪካ ክበጽሕ ምዃኑ’ውን ሓቢሮም። ከምኡ’ውን ኣብተን ወጺአን ዘለዋ ሸውዓተ ሓይሊ ዕማማት  ንኽትነጥፉ እትግደሱ ኣስማትኩም መዝግቡ ክብሉ ተማሕጺኖም።

ሰላምን ምርድዳእን ዝዓሰሎ ኣኼባ ተዛዚሙ።

ወካሊ ሽማግለ በይ-ኤርያ ምንቅስቓስ ይኣክል ባይቶ ሰሜን ኣመሪካ

ኦክላንድ 20 ጥቅምቲ 2019

                 

                

                     

ኣብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ዝተኣከቡ መንእሰያት፡ ኣንጻር ኣብዪ ተቓውምኦም እናስምዑ Image copyright Reuters ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ዝተኣከቡ መንእሰያት፡ ኣንጻር ኣብዪ ተቓውምኦም እናስምዑ

ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተወልዑ ተቓውሞታት ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ሰበስልጣን እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምክትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ፡ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጸዒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድ ዝተወስደ ዝጉምቲ ብምኹናን፡ እቲ ጉዳይ መን ከም ዝፈጸሞ "ኣጻሪና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ መንግስታዊ መደበር ዜና ኢቢሲ ሓቢሩ።

"ነቶም ሎሚ ዝሞቱ ወገናትና፡ ብስም ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም" ክብል መግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ንክልል ኦሮሚያ ናብ ዓውደ-ኲናት ክቕይርዋ ዝደልዩ "ሓይልታት" ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት "ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ከትሕዝዎ ይጽዕሩ ኣለዉ" ክብል ነቒፉ።

ክልተ ካብቶም ግዳያት ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተቐትሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓደ ድማ ኣብታ ታሪኻዊት ከተማ ሃረር'ዩ ተቐቲሉ።

ኣብዪ ኣሕመድ Image copyright Getty Images ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዋህበ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ይሳተፍ ኣሎ

ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኢላ እትርከብ ከተማ ኣምቦ'ውን ሰለስተ ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ'ሎ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስዱ ጽርግያታትን፡ ካልኦት ከተማታት ክልል ኦሮሚያን ተዓጽዮም ኣለዉ።

ኣብ ኦሮምያ ንድጋፍ ኣክቲቭስት ጀዋር መሓመድ ዝወጹ ሰልፈኛታት፡ ቁጠዐኦም ዝገለጹ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመረቐ ሓዳሽ መጽሓፍ ኣብዪ ኣሕመድ 'መደመር' ከቃጽሉ ተራእዮም።

ትማሊ ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤት ኣክቲቪስት ጃዋር መሓመድ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ክስተት፡ ስዒቡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፍታት፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፡ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት "ኣብዪ ይውረድ" እናበሉ ድማ ጨሪሖም።

ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ፡ ነቲ "መደመር" ዝተሰምየ ሓድሽ መፍሓፍ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣቃጺሎም።

ኣብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ዝተኣከቡ መንእሰያት፡ ኣንጻር ኣብዪ ተቓውምኦም እናስምዑ Image copyright Reuters ናይ ምስሊ መግለጺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ጃዋር መሓመድ ዝተኣከቡ መንእሰያት፡ ኣንጻር ኣብዪ ተቓውምኦም እናስምዑ

ኣንጻር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተወልዑ ተቓውሞታት ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ሓያሎ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ሰበስልጣን እታ ሃገር ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ምክትል ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ፡ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፡ ኣማስያኡ ኣብ ዝሃቦ መግለጸዒ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ጃዋር መሓመድ ዝተወስደ ዝጉምቲ ብምኹናን፡ እቲ ጉዳይ መን ከም ዝፈጸሞ "ኣጻሪና ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ኢሉ መንግስታዊ መደበር ዜና ኢቢሲ ሓቢሩ።

"ነቶም ሎሚ ዝሞቱ ወገናትና፡ ብስም ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም" ክብል መግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ንክልል ኦሮሚያ ናብ ዓውደ-ኲናት ክቕይርዋ ዝደልዩ "ሓይልታት" ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ ነቲ ዝተፈጥረ ኩነታት "ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መልክዕ ከትሕዝዎ ይጽዕሩ ኣለዉ" ክብል ነቒፉ።

ክልተ ካብቶም ግዳያት ኣብ ከተማ ኣዳማ ዝተቐትሉ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሓደ ድማ ኣብታ ታሪኻዊት ከተማ ሃረር'ዩ ተቐቲሉ።

ኣብዪ ኣሕመድ Image copyright Getty Images ናይ ምስሊ መግለጺ እቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሽልማት ኖበል ሰላም ዝተዋህበ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ይሳተፍ ኣሎ

ኣብታ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኢላ እትርከብ ከተማ ኣምቦ'ውን ሰለስተ ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተፈሊጡ'ሎ።

ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስዱ ጽርግያታትን፡ ካልኦት ከተማታት ክልል ኦሮሚያን ተዓጽዮም ኣለዉ።

ኣብ ኦሮምያ ንድጋፍ ኣክቲቭስት ጀዋር መሓመድ ዝወጹ ሰልፈኛታት፡ ቁጠዐኦም ዝገለጹ እንትኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተመረቐ ሓዳሽ መጽሓፍ ኣብዪ ኣሕመድ 'መደመር' ከቃጽሉ ተራእዮም።

ትማሊ ለይቲ ኣብ መንበሪ ቤት ኣክቲቪስት ጃዋር መሓመድ ኣጋጢሙ ዝተባህለ ክስተት፡ ስዒቡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ሰልፍታት፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ፡ ዝተቖጥዑ ሰልፈኛታት "ኣብዪ ይውረድ" እናበሉ ድማ ጨሪሖም።

ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዝኾነ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ዘለዎም ተቓውሞ ንምግላጽ፡ ነቲ "መደመር" ዝተሰምየ ሓድሽ መፍሓፍ ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣቃጺሎም።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50154513

 

  • 21 ኦክተውበር 2019
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል Image copyright Mary Harper ናይ ምስሊ መግለጺ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ንዝርከብ ኣምባሰደር ጀርመን ጸዊዑ፡ ነቲ ማዕከን ዜና ዶቸ ቬለ ዘቃለሖ "ልጓም-ኣልቦ ጎስጓስ" ዝበሎ ትሕዝቶ ዘለዎ ተቓውሞ ከም ዘስምዐ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

ብዛዕባ'ቲ "ፍንፉን" ዝበሎ ጸብጻብ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ "መብርህን/መኣረምታን" ካብቲ ኣምባሳደር ከም ዝጠልብ'ውን ኣቶ የማነ ብትዊተሩ ወሲኹ ገሊጹ።

ዶቸ ቬለ ብመንግስቲ ጀርመን ዝምወል መደበር ዜና እዩ። እቲ መደበር ዜና ይኹን መንግስቲ ጀርመን ዛጊት ብዛዕባ'ቲ ክሲ ግብረ መልሲ ኣይሃቡን።

መንግስቲ ጀርመን፡ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ከተመሓይሽ ብምሕታቱ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዘሎ ርክባት እናሓርፈፈ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።

ንምዃኑ ደቸ ቬለ እንታይ ኢሉ'ዩ ጽሒፉ?

ኣብ ደቸ ቨሌ ሓላፊ ክፍሊ ኣምሓርኛ ዝኾነ፡ ሉድገር ሻዶምስኪ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ መደበር ዜና ዝጸሓፎ ርእይቶ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝተውሃበ ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ "ኣብ ግጉይ ኢድ ወዲቑ" ክብል ገሊጽዎ።

ሻዶምስኪ ኣብ ጽሕፉ፡ "ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓቢ ትእምርታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ" ድሕሪ ምባል፤ "እቲ ዝተባህለ ሰላም ፈንተት ኣብ ዘይበለሉ፡ ነዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ጸጋናይ መንእሰይ ምሽላሙ ግጉይ ምርጫ እዩ" ኢሉ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሸለመሉ ሰላም "ዳርጋ ኣብ ወረቐት ጥራይ ዝሰፈረ ሰላም'ዩ" ክብል ብምቃፍ፡ እቲ ብኽንደይ ዳንኬራ ዝተኸፍተ ዶባት፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምዕጻዉ ናይዚ ኣብነት'ዩ ክብል ይምጉት።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ በረራታት'ውን፡ እቲ ብምኽፋት ዶባት ክረብሕ ዝኽእል ህዝቢ ዘይኮነ፡ ነቶም "ላህመት" (ኢሊትስ) ዘገልግል ጥራይ'ዩ ክብል ጽሒፉ።

እቲ "ምኒኑ ውልቀመላኺ" ዝበሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈውርቂ'ውን ተኻፋሊ ናይቲ ሽልማት ብዘይምዃኑ ባህ ኣይበሎን ኢሉ።

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ነቲ ሽልማት ድሕሪ ምዕዋቱ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ከመሓላለፍኡ ተሰሚዖም።

እቲ ብሞት ኣዲኡ ወግዓዊ መግለጺ ሓዘን ዝሰደደ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ነቲ ሽልማት ስዒቡ፤ ወግዓዊ ናይ 'እንኳዕ ድስ በለካ' መግለጺ ክህብ ኣይተሰምዐን።

ዶቸ ቨሌ ህንጻ Image copyright MARIUS BECKER

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ግን ብመንገዲ ትዊተር ዮሃና ኢሉ ነይሩ።

ሉጀር ሻዶምስኪ፡ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘምጸኦ ለውጢ እንተነኣዶኳ፡ እዚ'ውን እንተኾነ ፤ ዝገደደ ዓሌታዊ ጎንጽታትን ምቅትታልን ዝዓሰሎ ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ብዝተሓሓዝ ንኣምባሳደር ብሪጣንያ ብምጽዋዕ ተቓውሞኡ ኣስሚዑ ከም ዝነበረ እቲ ሚኒስተር ዜና ምሕባሩ ዝዝከር'ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-50131640

“ዋላ’ኳ ምስ ጐረባብትና ሓደ ዓይነት ኩነታት ኣየር እንተሃለወና፡ ሕጸረት መግብን ዝስተ ጽሩይ ማይን የብልናን”

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ቃል፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝበጽሕ ዘሎ፡ ናይ ህግዲፍ “ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር” ዑስማን ሳልሕ ምስ ኡሪች ኮፐል ዝተባህለ ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ካብ ዝሃቦም ምላሽ ዝተወስደ እዩ። ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሃገርናን ህዝባን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት እንከለዉ ነዚ ብዱዕ ቃል ከም ዝሃበ ንኹላትና ብሩህ እዩ።

ሎሚ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፡ ጭቆና፡ ምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ኢደ-ወነናዊ ምምንዛዕ ስልጣንን ሓላፍነትን፡ ምጥላም ህዝቢ፡ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ኣብ ዝሳዕረረሉ ህሞት ከምዘላ ርዱእ እዩ። ማሕበራዊ ትካላትን ኣቕርቦትን ጠቕሊሉ ተዳኺሙ፡ ብዙሓት ኣብያተ-ትምህርቲ እንተላይ ዩኒቨርስቲ ተዓጽየን፡ ኣብተን ዝርካበን ትልኽ ይብላ ኣለዋ ዝበሃላ ድማ ጉዳይ ጽሬት ትምህርትስ ይጽናሕ እሞ፡ እቶም መባእታዊ ባእታታት ኣብ መስርሕ ትምህርቲ ዝዋስኡ ተመሃራይን መምህርን እውን ዳርጋ የለዉን። ጉዳይ ሕክምና ከኣ እሞ ፈጺምካ ዘይልዓል እ’ዩ። ሕክምናዊ  ክኢላ የለን። መድሃኒት የለን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ሃገሮም ጥዕናዊ ኣገልግሎት ዝሰኣኑ መሳኪን ኤርትራውያን፡ ኣብያተ-ሕክምና ሱዳን፡ ትግራይን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ኣዕለቕሊቖም ኣለዉ።

ኤርትራ ብፍርያምነት ደረጃ፡ ንዜጋታታ ኮይና ንኻልኦት እትኾውን ልሙዕ መሬትን ብጽፍሩ ዝሓድር ጻዕራም ህዝብን እትውንን ሃገር እያ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ግና፡ እዚ ኩሉ ሰብኣዊ ጸጋኣ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ኣፍራይ ዓቕሚ ሓይሊ ሰባ፡ ብሰንኪ  ግጉይ ፖሊስን ተግባርን ምምሕዳር ህግዲፍ ተደፊኡ ስለ ዝተሰደ ዘፍሪ ዓቕሚ ሰብ የብላን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ መዕንገሊ ምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

 ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገም፡ ናብ ኤርትራ ዘእትዉ ብሎኮታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ክቋመትን ከማዕዱን ተገዲዱ ከምዘሎ ንማንም ብሩህ እዩ። ነቲ ካልእ ኣቕርቦት ዝምልከት እውን፡ ኣብ ዓዲ ዝፈሪ ኮነ ካብ ወጻኢ ተገዚኡ ዝመጽእ ኣቑሑትን ሃላኺ ሸቐጣትን ስለ ዘየለ፡ ድንኳናት ገረውረው ኢሉ ናብ ካብ ጉረባብቲ ሃገራት ብመጽዓኛ ዝኣቱ ንብረት የመዓዱ ከም ዘሎ ዝሕባእ ኣይኮነን። እቲ ኣዝዩ ዝገደደን ዘሕዝንን ከኣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግዲፍ ኮነ ኢሉ፡ እንዳዞራ ማይ ዝዕድላ ዝነበራ መካይን ኣጊዱ፡ ማይ ኣጻርየን ዓሽገን ዝሸጣ ዝነበራ ቀደመን እውን ድኹማት ዝነበራ ትካላት ዓጽዩ ብፍላይ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ካብ መንግስቲ ቀቢጹ፡ ናብ ተፈጥሮ ኣንቃዕሪሩ ዝናብ ዝጽበየሉ ዘሎ ህሞት እዩ። ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ኤርትራ ተጠሊዑ “ናይ ዝስተ ጽሩይ ማይ ጸገም የብልናን” ዝብል ዘሎ እዚ ጠፊእዎ ኣይኮነን።

ንሱ ኣብዚ ምስ ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ “ነቲ ብሰንኪ ኩነታት ውግእ ጠጠው ኢሉ ዝጸንሐ ሕገመንግስተና ምሉእ ብምሉእ ክንትግብሮ ንደሊ ኢና” እውን ኢሉ ኣሎ። ኣየናይ እዩ እቲ ክትግበር ዝባሃል ዘሎ ሕገመንግስቲ? እቲ ኢሳይያስ ሓደ ግዜ “ምትግባሩ ከይተጀመረ  ሞይቱ” ዝበሎ ድዩ ዳግማይ ህይወት ሰዂዑ ክተንስእ። ወይስ እቲ “ይንደፍ ኣሎ” ንዝተባህለ እዩ ብምስጢር ብኢሳይያስ ጸዲቑ። በቲ ኮነ በዚ፡ እዚ ኣበሃህላኡ ዝሕብሮ ከምቲ “ሰራቕ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ” ዝበሃል፡ ሃገር ብዘይሕገመንግስቲ ይገዝኡ ምህላዎም፡ እቲ መሰረታዊ ኢንታኦም ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ፡ ቀዲሙ ንምጽናሕ “በል” ተባሂሉ ዝሃንደሶ እዩ።

እዚ ኣበሃህላ ዕሽነትን ንዕቀትን ዝወረሮ እዩ። እቲ ዕሽነቱ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሎሚ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ካብ ዓይንን ቀልብን እቲ ዝሓተቶ ጋዜጠኛን ነቲ ቃለመጠይቑ ዘንብቡ ወገናትን ዝተሰወረ መሲልዎ፡ ንኤርትራ ዘየብላ ምስሊ ክህባ ምፍታኑ እዩ። እቲ ንዕቀቱ ድማ ከይሓፈረ፡ እቲ ብጽምኢ ማይ ብጐረርኡ ዝነቐጽ ዘሎ ህዝቢ ከተማ ኣስመራን ካልእ ከባብታትን እንዳሰምዐ “ጸገም ዝስተ ጽሩይ ማይ የብልናን” እንክብሃል፡ ክሳብ ከንደይ መራሕቲ ሕግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ርእሱ ከም ዝሸነሉ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኢደእግሩ ዝተኣስረን ኣፉ ዝተለጐመን ኮይኑ ስለ ዘሎ “ኣበይ ከይበጽሕ” ካብ ዝብል ዝበሎ  ምዃኑ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን፡ ወዮም ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ጸገም ክኢሉን ዝተሓተቶ ዋጋ ከፊሉን ኣብ ወተሃደራዊ ድዩ ሲቪላዊ መናብር ኮፍ ዝበሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግዲፍ እውን ክሳብ ክንድዚ ንሓላፊ ውልቃዊ ረብሓ ክብሉ፡ ነቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ምጥላሞም እዩ። ርግጽ እዩ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ካብ ጀርመን ናብ ኤርትራ ክምለስ እንከሎ ስንቁ ቋጺሩ ስለ ዝምለስ፡ እቲ ካብ ጀርመን ዘምጸኦ ክውዳእ እንከሎ ድማ፡  ደብዳበ ዲክትስቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከብጽሕ፡ ናብ ዓረብ ኤምረትስ ወይ ሱዕድያ ምስተላእከ ዘድልዮ ቀለብ ሒዙ ስለ ዝመጽእ ኣይጸምእን ኣይጠምን ይኸውን። ካለኦት ብዋጋ ህዝብና ጁባታቶም ዘህጠሩ ደቂ ህግዲፍ  እውን፡ ብመንገዲ እቶም ሕቘ ዝኾንዎም መሻርኽቶም ነጋዶ ካብ ባህ ዝበሎም ሃገር፡ ኣምጺኦም ከም ድላዮም ከም ዝሰትዩን ከም ዝበልዑን ፍሉጥ እዩ። እዚ ኩነታት፡ ከምቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መራሒ ኢትዮጵያ “ እቶም ዊስኪ እንሰቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ማይ ዝሓረሞ ህዝቢ ከም ዘለና ኣይንዘንግዕ” ዝበልዎ እዩ ነገሩ።

ወዮ ደኣ ሓድሽ ክመጽእ እንከሎ መመሊሱ ዝሕደሰና ኮይኑ እምበር፡ ናይ መራሕቲ ህግዲፍ ብደዐን ጥልመትን ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብቲ መጀመርያ ምስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሽሉ ንዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ “ምቕሉል መራሒ ረኺብና ኣለና” ዝበለ እዩ። ንሕና ደቂ ልቢገርሃ ከኣ፡ ምላቕ ዘረባ መሲሉና ብዙሕ ተዛሪብና። ደሓር ግና እቲ ጥልመት ምላቑ ዘይኮነስ እቲ ዕቡይ ሰብኣይን ኣዳኸርቱን ኮነ ኢሎም፡ ዝወጠንዎ ምዃኑ ተረዲእና። ኣብ መጻኢ እውን ብቃልሲ እንተዘይኮሊፍናዮ፡ እቲ ጥልመት መልክዑ እንዳቀያየረ ናይ ምስዕራሩ ዕድል ክፉት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኣርብዓታት ዝተራእየ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ኤርትራ ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቓ ናብ ንጽነት ዝኸዳ፡ብዘይምኻዳ ኩሉ እቲ ዓቕሙ ነታ ኤርትራ ክውንቲ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነጻ ንምግባር እዩ ዝጀመሮ።

  እቶም ዝጀመሩዎን እቶም ዝተሳተፉዎን ካብ ዝተፈላለየ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ምእንቲ ሓንቲ ሃገር ኤርትራ ነጻነት ብዙሕ ደም ተኸፊሉ፥ ብዙሕ ናይ ህዝብና ንብረት ነዲዱ፥ ህዝቢ ተረሺኑ፥ ዓዲ ነዲዱ ተቓለስቲ ኣብ ቤት ምእሰርቲ ጠፊኦም ፥ ደቒ ኣንስትዮ ኤርትራ ተደፊረን፥ ደቀን ስኢነን ሰብኡተን ከሲረን ኮታ እታ ስድራ-ቤት ነቕነቕ ኢላ።

 እዚ ዝወረዶ ህዝቢ በቲ እዋን ዝጠልቦ እቲ ንሜዳ ኤርትራ ዝኸይድ ኣብተን ዝነበራ ውድባት ተሓኤን  ህዝባዊ ግንባርን ክስለፍ እቲ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝነበረ ህዝቢ እውን ዘለዎ ዓቕሚ ተጠቒሙ ሓጊዙ፥ ኣስኒቑ ወፍዩ ታተ ኣቢሉዎ ነቲ ሰውራ። እቲ ህዝቢ ኤርትራ እሞ ብዝያዳ ደቁ ከፊሉ ነቲ ሰውራ፡ ኣግማሉ ኣእዱጉ እናሃበ ፥ እናሰንከተን እናመገበን ዝድለ ኣበርኩቶ ፈጺሙ።

 እቶም ኣነ ምእንቲ ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ፥ ህዝቢ ኤርትራ ድማ  ኣብ'ታ ኤርትራ ሃገር ድማ ዜጋታታ ሓራ ንኸኾኑ ኢሉ ካብ ትምህርቱ  ካብ ዩኒቨርስቲ ከይተረፈ ፥ ስርሑ ገዲፉ ፥ ሓዳሩ ገዲፉ ፡ማሕረሱ ጠንጢኑ ናብ ሜዳ በብእዋኑ እናተሰለፈ ነታ ዝተጀመረት መስከረም ሓደ 1961 ብ ግንቦት 24 1991 ብኸምቲ ዝድለ ደምዲሙዋ።

 ኣብ'ዚ ናይ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ብደረጃ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ህይወት ተኸፊሉሉ እዩ። መስዋእትን ምስንካልን ምዝንባልን ናይ ህዝብና ተራእዪ እዩ።

እቲ ዝተቓለሰ እንበኣር ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነብር ዝነበረ ህዝብና እቲ ናይ ገድሊ ወለዶ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ዝገበረ ፥ ነታ ጥልያን ብ1890 ንባዕዳዊ መግዛእቱ ኢሉ ዝፈጠራ ኤርትር እትብል ሃገራዊ ኤርትራዊ መንነት ፈጢሩን ክውንቲ ሃገር ዝገበረ፡ ክምስገን ዝግብኦ ናይ ገድሊ ወለዶ እዩ።

   እቶም ነጻነት ዘምጻእና ናይ ገድሊ ወለዶ፡ ምስ'ቲ ጽቡቕ ዝገበርናዮ፡ ምልኪ ኣብ ኤርትራ ዘምጻእናን ክነግስ ዘተባባዕናን  ግጉይ መንገዲ ክተሓዝ እንከሎ ትም ዝበልናን ስለዝኾና ንሕና እቶም ትማል መንእሰያት ዝነበርና ኩልና ኢና ነቲ ሓልፍነት ክንስከሞ ዝግበእና።ስለዚ ንስርዓት ኢሰያስ ጥራሕ ዝግደፍ፡ “ኣነ እንታይ ዘይገበርኩ” ኢልና ነብስና ከነድሕን ወይ ነጻ ከነውጽእ ኣይንኽእልን ኢና።

 ሓደ ምልካዊ ስርዓት ስቕ ኢሉ ንህዝቢ ኣይመርሕን እዩ፡ ዘገልግልዎን ዝጣበቑሉን ዝድግፎ ህዝቢን ኣለዎ። እቲ ዝቓወም ዘሎ እውን ኣነ ድኣ ይቓለሶ ነይረ እንድየ ኣይኮነን እቲ መልእኽቲ። ንሕና እዚ ናይ ትማል ወለዶ ( ገድሊ ) ነጻነት ዘምጻእናን ምልኪ ዘምጻእና ዝብል እምነት ኣለኒ። በዚ መሰረት ንሕና ነቲ ምልኪ ንኽነግስ ዘተባባዕናን ግቡእ ቃልሲ ዘየካየድናን ትም ዝመረጽናን ተሓተትቲ ስለዝኾና ነዚ ተካኢ ወለዶ/ መንእሰይ ወለዶ ብዘይቃለ ዓለም ይቕረታ ክንብሎ ይግባእ።

 ኣንታ መንእሰይ ወለዶ ተካኢ ዝኾንካ ካብ ብኸንቱ ግዜኻ “ህዝባዊ ግንባር ሽፍታ ነይሩ፥ ጀብሃ ናይ ኣስላም ነይራ፥ ሰብ ጋንባለ ሓንቲ ኣፍልጦ ወይ ራእይ ኣይነበሮምን፥ ስውእት ንዓይ ኢሎም ኣይተሰውኡን” እንዳበልካ ኣብ ፍቐዶ  ፓልቶክ፡ ፈይስ ቡክ፡  ወዘተ ብዝብል ቕድመኻ ንዝነበረ ወለዶ ከተናሹ ትውዕል ዘለኻ ብህድኣት ሓሲብካ ነዚ ቕድሜኻ ዝነበረ ወለዶ ይቕረ ክትገብረሉ እዋን ይጠልበካ ኣሎ። ኣብ ጉዕዞ ሕድገት ኣገዳሲ ባእታ ኢዩ። ይቕረታን ሕድገታትን እንተዘይጌርካ ንቕድሚት ብዙሕ ኣይትስጉምን ኢኻ። ንድሕሪት እናተመለስካ  ኮፍ ኢልካ ብዛዕባ ትማል ምቑዛም ኢኻ ተተኺልካ ትነብር ሎሚ ገዲፋትካያ ድማ ትኸይድ።

 ምእንቲ እቲ ሓላፍነት ክትስከም ከም ተካኢ ወለዶ ንቕድሚት ክትሓስብ፥ እታ ናትካ ሓልፍነት ነታ ኤርትራ ከም  ሃገር ዓቒብካ  ምልኪ ኣልጊስካ ሓንቲ ቅዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ሃገር ፍጠር።

 ኣብ ምጥቕላል ንሕና እቶም ናይ ገድሊ ወለዶ፡ ብዘበርከትናዮ እጃም ንተሓበን። ነቶም ነቲ ዝኸፈልናሉ ዕዮ ከነኣእሱ ዝውዕሉን ናይ ኤርትራዊ መንነት ንምጥፋእ ዝደልዩን ሓይልታት ግዳም ብሓባር ንከላኸል፥እቶም መንእሰያት ድማ ነታ ጽብቕቲ ናትና ኣኽብሩዋ፡ ነታ ጌጋ ዝገበርናዮ ድማ ብሕድገት እናጠመትኩም ንቕድሚት እጃምኩም ግበሩ። ንሕና ድማ ነታ ጌጋ ንምእራምን ተሪፉና ዘሎ ዕማም ክሳብ ብሂወት ዘለና     " ሕድገታት ዘድልዮ እዋን"ኢዩ።  ይኣክል ንምልኪ ኢልና ንኽሓሶ ህዝብና።

ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓይኒ ግዳማውያን ወጺኡ ኣይፈልጥን እዩ። ቃልስና ቀልጢፉ ኣብ ዓወት ከይበጽሕ’ሞ ህዝብና ጻማኡ ከይረክብ ካብ ዘደናጉዮን ዝሓላልኾን ምኽንያታት እዚ ናይ ግዳም ዘይቅዱስ ኣእዳው ሓደ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ኣብቲ ብቐጥታ ናጽነትና ክንረኽበሉ ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ኣርበዓታት፡ ኣብ ጠለብ፡ ትጽቢትን ባህግን ህዝብና ዘይነበረ፡  ፈደረሽን ዝቖረኑና ምኽንያት ናይ ግዳም እስትራተጅያዊ ረብሓ ዝፈጠሮ ኢድ ኣእታውነት ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብቲ ካብ ወጽዓን መግዛእትን ናጻ ክንወጽእን ኣብ ሃገርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንተክልን ዘካየድናዮ ናይ ሰላሳ ዓመታት ነዊሕን መሪርን ቃልሲ እንተኾነ እውን ናይ ደገ ኣእዳው ውጥም ቅልቅል፡ በብግዜኡ መልክዑ እንዳቐያየረ ከምዘይተፈልየና እንዝንገዖ ኣይኮነን። እዚ ናይ ግዳም ኣእዳው ብቐጥታ በቶም ኣብቲ ጉዳይ ረብሓ ዝብህጉ ግዳማውያን  ዘይኮነ፡ ነዚ ብዝምጥን ኢድ ኣዙራዊ ዝትግበር ዝነበረ ምዃኑ  ካልእ ሓቂ እዩ።

እዚ ኢድ ኣእታውነት’ዚ ንሓንሳብ ክብ ንሓንሳብ ድማ ለጠቕ እንዳበለ ዝጐዓዝ ምቹእ ግዜ እንዳመረጸ ገሃድ  እዩ። እቲ ንዝተወስነ ግዜ ድምጹ ናይ ምጥፍኣሉ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምድህላል እዩ። እዚ ሓደገኛ ንኤርትራን ህዝባን ናይ ምዕማጽ ሓደጋ ዘይግሉጽነት ንዝተወሰነ ግዜ ኣድብዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ክልተ ዓመታት በቲ ናይዚ ዛዕባዚ ናይ ነዊሕ ግዜ ዕሉል ተዋሳኢ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ህዝብና ብዘይተጸበዮ ኣቕጣጫ ደበኽ ኢሉ። ክሳብ ሎሚ ከኣ መመሊሱ እናገደደ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዝተፈላለዩ መርዛማት ሓረጋት ክነቱግ ዝጸንሐ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ወስታታት፡ እነሆ ሎሚ ከኣ ንውሱናት ኣዋርሕ ሃዲኡ ምስ ጸንሐ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ናይ ኤርትራ ውክልና ወሲዶም ኣብ ኣደባባይ ብስም ኤርትራ ክምድሩ ሰሚዕናዮም።

ከምዚ ብምዃኑ ከኣ በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ናይ ኢሳይያስ ኣዝዩ ኣሰካፍን ጠላምን ሃቐነታት  ክሻቐል ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዳግማይ ነዲሩ ናይ ቁጠዐ ድምጹ የስምዕ ኣሎ። ነድሪ ጥራይ ዘይኮነ ዝተወሰኑ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ “ኣብዘይ መንጠቢትክን ኣይተእትዋ ኢድክን” መልእኽቲ ልኢኸን። እቲ ናይ ቁጠዐን “ዓገብ”  ምባልን ድምጽታት በዚ ጠጠው ዝብል ከምዘይከውን ከኣ ፍሉጥ እዩ። ብኽምዚ ኣገባብ ናይ ስምዕታ ድምጽኻ ምቅላሕ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ከምቲ “ወደንያ ከይሓምያስ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል ምስላ ወለዲ፡ እንቲ ቀንዲ ጠንቅን ናይ ከምዚ ዓይነት ክሕደት ሃንዳስን፡  ህዝብን ሃገርን ኣሕሊፍካ ንምሃብ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ደቂሱ ዘይሓድር፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓወተን ንመጻኢ እውን ናይ ምዕዋት ግምት ዘይወሃቦ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስን ዝመርሓሉ ዘይዕቱብ ኣተሓሳስባን ምዃኑ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን።

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ኢሳይያስ ወኪሉኒ’ዩ” ዝበለ፡ ንብኩራት ናይቲ ዲክታቶር ንምኽዋል እምበር፡ ዝወከሎ የለን ዝብሉ ድሕሪዚ ኩሉ ምልክታት እውን ካብዚ ዲክታቶር ዘይቀበጹ ወገናት ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፎምም ንምትህድዳእን ናይ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኩራ ብሰንኪ ካብቲ ንዶ/ር ኣብይ ዝተዋህበ ናይ 2019 ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ዘይምክፋሉ ንምእባድ ዝተባህለ እዩ ዝብሉ እውን ኣለዉ። ኢሳይያስ ደኣ ክልተ ኣንበሳድራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣቐሚጡ ከብቅዕ ከመይ ኢሉ ከምኡ ይገብር ዝብሉ ወገናት እውን ኣለዉ። እዚኣቶም ንቡር ኣሰራርሓ ዝፈልጡ፡ እንተኾነ ኢሳይያስ ካብ ንቡር መንገዲ ካብ ዝወጽእ ነዊሕ ግዜ ከም ዝገበረ ዘይተረድኡ ደለይቲ ጽቡቕን ልዕልና ሕግን እዮም።  

ነቶም ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፡ ንኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ “ምርሕና፡ ወክለና፡ ክልቲኡ ህዝቢ ሓደ እዩ፡ ከምዚ ዝብለኩም ዘለኹ ንቓለዓለም ዘይኮነ ካብ ልበይ እየ” ክብል ዝሰማዕናዮ ኢሳይያስ ነዚ ክሕደት ኣይውዕሎን’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። ደሓር ከኣ እንተደኣ ዘይወከሎ ክነሱ “ወክለኒ ኢሉኒ” ይብል ሃልዩ “ኣነ ኣይወከልኩዎን” ከይብል መንዶ ከሊእዎ እዩ። ወይስ ከምቲ ንምትላል “ህግዲፍ መልሲ ናይ ምሃብ ባህሊ የብሉን” ዝበሃሎም ክብሉና እዮም። ስለዚ ነቲ ኩነታት በቲ “ሰሚዕካ ስቕ ምባል ሓደ መልክዕ ናይቲ ዝተባህለ ምቕባል’ዩ” ዝብል ተረድኦ ወሲድካ፡ ኢሳይያስ ወክለኒ ኢልዎ እዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ደሓር መዓስ እዚ ጥራይ፡ ዲክታቶር ኢሳይያስኮ ካብ ቀደም ጀሚሩ ንኤርትራ ኣረኪቡ መራሒ ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምዃን ሃንቀውታን ሕልምን ከም ዝነበሮ ባዕሉ ዝነገሮም ሰባት ምስክርነቶም ክንሰምዑ ጸኒሖም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳይያስ ካብዚ እኩይ ዓላምኡ የዕንቅፉኒ’ዮም ዝበሎም ንጹሃት ኤርትራውያን እንዳወሓጠ ዝመጸ ሰብኣይ እዩ። ስለዚ ኢሳይያስ ጥጡሕ ግዜ ዝጽበ ዘሎ እምበር ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ካብ ምሃብ ድሕር ከምዘይብል ፍሉጥ እዩ። እቲ እንኮ ናይዚ መድሃኒት ከኣ ከይቀደመና ምቕዳሙ ጥራይ እዩ።

ስለዚ ከምቲ “ንዓኻ እንተዝይንዕቁ ማዕጾኻ ነይንቕንቑ” ዝበሃል፡ ኢትዮጵያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ዲክታተር ኢሳይያስ ፍኹሰትን ዘይረዊ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ህርፋንን እንተዘይርድኡ፡ ኣፎም መሊኦም  ነዚ ልኡላውነት ህዝቢ ኤርትራ ዝግህስ ቃል ኣይመስምዑን። ብኸምቲ ዝተገልጸ ናብ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ  ብምልኣኽ ናይ “ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኢዶም ከየእትዉ”  ምሕጽንታ ምቕራብ እዋናዊ መዕገሲ ኮይኑ፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ ግና ነቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ፈኸም ዝብል ዘሎ ንኤርትራ ኣሕሊፍካ ናይ ምሃብ ሓደጋ ካብ ሱሩ ምብርቋቕ እዩ። እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ከምኡ እንተዘይኮኑ ግና እቲ ኣተሓሳባ ክሳብ ዘይደረቐ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን እውን መልክዑን ተዋሳእቱን እንዳቐየረ ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ።

 

ኣርማ ኢህወዴግ

ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣማስዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ: ህወሓት ብዛዕባ ውህደት ኣመልኪቱ ደጋጊሙ ዘውፅኦ ዘሎ መግለፂ: ውድባዊ ኣሰራርሓን ስነምግባርን ዝጣሓሰ: ከምኡ'ውን እዋኑ ዝሓለወ ስለዘይኮነ ክእረም ከምዘለዎ ይገልፅ።

ህወሓት ኣብ መግለፂኡ ብኢህወዴግ ዝሕሰብ ዘሎ ውህደት "ኣሃዳዊ መንግስቲ ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ" ምባሉ፡ ኮነ ኢልካ ንምድንጋር ተሓሲቡ ዝቐረበ መግለፂ እዩ ክብል'ውን ነቒፉ።

ኢህወዴግ ናብ ሓደ ሃገራዊ ውሁድ ውድብ ንምስግጋር ካብ 1996 ዓ.ም ኣብ መበል 5ይ ውድባዊ ጉባኤ ጀሚሩ ክለዓል ዝፀነሐ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ: ነቲ ውህደት ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት ኣብዚ እዋን እዚ ኣሉታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መግለፅታት ደጋጊሙ የውፅእ'ሎ ኢሉ።

እቲ መግለፂ: ብዛዕባ ውህደት ኢህወዴግ ኣብ መፅናዕቲ ዝርከብን ዕልባት ዘይረኸበን ዛዕባ እዩ ክብል ሓቢሩ።

መወዳእትኡ ድማ ብመስርሕ ገና ንቕድሚት ዝረአ ከምዝኸውን ኣፍሊጡ።

ቅዋም ኩሎም ኣባላት ውድባት ኢህወዴግ ኣብ ዘይተገለፀሉ ኩነት: ህወሓት ኣቐዲሙን ንበይኑን መግለፂታት እሞ ድማ ደጋጊሙ ከውፅእ ምኽኣሉ: ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን ኢህወዴግ ዝጠሓሰ እዩ ብምባል ነቒፉ።

ኣብ መወዳእታ: ኢህወዴግ :ብዛዕባ ሕብረ ብሄራዊ ውህደት ኣመልኪቱ ዝሓልፉ ውሳነታት: ብመሰረት ውድባዊ ኣሰራርሓን ስነ ምግባርን: ንኹሎም ውድባዊ ደረጃታትን ህዝብን ግልፂ እናገበርና ክንከይድ ኢና ክብለ ኣፍሊጡ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝሓለፈ ሰሙን ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ: ብዛዕባ ውህደት ኢህወዴግ እናሰረሐ ከምዝመፅአ ብምግላፅ: ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፍልልይ ኣተሓሳስባ ውድባት ኢህወዴግ: "ሓውን ሓሰርን ክወሃሃዱ ኣይኽእሉን" ምባሉ ይዝከር።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ መስከረም 26 ክሳብ ጥቅምቲ 2 ንተኸታታሊ 7 መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ኣብ 2011 ዓ.ም ዝተታሓዙ መደባት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር፣ ውድባውን ፖለቲካውን ስራሕትን ኢሉ እውን ኣብዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ህልውናን ድሕንነተን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ዝተኻየደ ኩለ መደያዊ መኸተን ቃልስን ነዚ መሰረት ገይሩ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝርዝር ገምጊሙ ኣሎ። ከምኡ እውን ኣብዚ ፉሉይ ናይ ቃልሲ ምዕራፍ ዝተራኣዩ ጥንካረታትን ጉድለታትን ብልክዑ ገምጊሙ ካብዚ ክወስድ ዝኽእል ትምህርቲ ብምፍላይ ኣብዚ ዓመት ክስርሑ ዝግበኦም ልምዓታውን ፖለቲካውን መደባት እውን ኣፅዲቑ ኣሎ። ካብዚ ብተወሳኺ ሕዚ ዘሎ ጭቡጥ ሃገራዊ ኩነታትን ምዕባለታቱን ብምግምጋም ኣብ ቀፃሊ ንዝህሉ ቃልሲ መሰረት ዝገበረ ናይ መኸተን ድሕንነትን ኣንፈታትን መደባትን ብዝርዝር ተማይጡ ኣብዚ ዓመት ክህሉ ዝኽእል ኩለ መደያዊ ቃልስን ርብርብን ናብ ልዑል ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእል ውሳነታት ብምሕላፍ ኣኼብኡ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣብ ሕሉፍ ዓመት ዝሓዝናዮም መደባት ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳርን ሰላምን ብቀፃልነት ንምስፋሕን ንምጉልባትን ዘኽእል ኩለመደያዊ ርብርብ እናተኻየደ ፀኒሑ ኣሎ። ካብቲ ዝጀመርናዮ ፀረ ድኽነት ቃልሲ ንፃት እውን ከይተዘናጋዕና ኣብ ቀንዲ ውራይና ክንረባረብ ዘኽእል ኣንፈት ሒዝና ኣብ ሰፊሕ ርብርብ ፀኒሕና ኣለና። ብናይ ህዝብና ዝተወደበ ቃልስን ምንቅስቓስን ካብታ ቅንዕቲ መንገድና ከይወፃና ኣብ ናይ ልምዓት ተግባራትና ፀኒሕና ኣለና። ኩሉ ቅኒት ምውፋርናን ርብርብናን ብመንፅር ድሕንነትን ሃላዋትን ህዝብና ሰሪዕና፣ መእሰሪ ኩሉ ነገር ልምዓትን ተጠቃምነት ህዝብና ምርግጋፅን እዩ ኢልና ደድሕሪ እቶም ኩሉ ገዲፎም ኣጫሂዮም ናብ ጥፍኣት ዝኣተው እሞ ድማ ናዓና እውን ጎቲቶም ካብ መንገድና ከውፅኡ ዝፅዕሩ ከይተደናገርና ኣብ ስራሕና ፀኒሕና ኣለና። ኣብ ትግራይ ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መስመርና ዓትዒትና ሒዝና ተጠቃምነት ህዝብና ንምርግጋፅ ብፍላይ ካዓ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንምስፋሕ ዝሕግዙ ተግባራት ክፍፅሙ ገይርና ኢና።

ህዝብና በቢእዋኑ ዘልዕሎም ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ኣሎ። ኣብ ሰናይ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእን በዚ መዳይ ዝፀንሐ ሽግር ፈቲሕና ናይ ህዝብና ጠለባት ንምምላስ መሓውር ጣብያ ንምትዕርራይ ዝተጀመረ ናይ ሪፎርም ስራሕቲ ተስፋ ብዝህብ ደረጃ ናብ ተግባር ኣትዩ ኣሎ። ስዒቡ እውን ሰፊሕን ዓሚቕን መፅናዕቲ እናተገበረ ፀኒሑ ኣብዚ ዓመት ናብ ሙሉእ ተግባር ዝሰግር ናይ ወረዳ ሪፎርም ንልምዓትን ንናይ ህዝብና ስሉጥ ኣገልግሎት ብዝጥዕም ንምትዕርራይ ልዑል ትኹረት ረኺቡ ክፍፀም ምንቅስቓስ እናተገበረ ፀኒሑ እዩ። እዚ ኣብ ቀፃሊ ንዝህልወና ስራሕቲ ሓደ ዓብይ መበገሲን ርኡይ ለውጢ ንምምፃአ ክሕግዝን እዩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ናይ ልምዓት ስራሕትና በቲ ዝድለ መጠንን ስፍሓትን ትፅቢት ዝግበረሉ ውፅኢት ዘየመዝገብናሉ መደያት ኣሎ እዩ። ብዓብይኡ ድማ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ሕዚ እውን ፀገማትና ሰፋሕቲ ምዃኖም ርኢና ኢና። ብምኽንያት ተዋሂሊሎም ዝፀንሑ ፀገማትን ናይ ምፍፃም ዓቕምና ምጉዳልን ዘይፈታሕናዮም ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ሽግራት ከምዘለው ተገንዚብና ኢና። ብፍላይ ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንሰትዮን ሕዚ እውን ሰፊሕ ሽግር ከምዘሎ፣ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝረአ ዘሎ ናይ መሬት ምሕደራ ሽግር፣ ኣብ ኣገልግሎት ኣዋሃህባ ዝኒሀ ፀገምን ምንግልታዕን፣ ንልምዓት ምችው ኩነታት ኣብ ምፍጣር ዝራኣዩ ምድንጓያትን ምትዕንቅቓፍን ካልኦት ተዛመድቲ ሽግራትን ማእኸላይ ኮሚቴ ብዝርዝር ዝራኣዮም ጉዳያት እዮም። ብምዃኑ እውን ኣብዚ ዓመት እዞም ፀገማት ብግዜ የለን መንፈስ ክፍትሑ ልዑል ፃዕርን ርብርብን ከምዘድሊ ተቐሚጡ እዩ። ስራሕቲ ልምዓት ንዘላቒ ሃለዋትናን ድሕንነትና ኢልና ክንወፍርን ክንምርሽ ይግባእ። ካብቲ ዝህሉ ናይ ልምዓት ምንቅስቓስ ተጠቃምነት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ንምርግጋፅ ርብርብ ክግበር እዩ ጥራሕ እንተይኮነ ማእኸል ናይቲ ምንቅስቓስ እውን እዚ ክኸውን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከባቢታት ብዘለወን ፀጋ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ልምዓት ኣወዳድባን ምውፋርን ክግበርን ኣብዚ ዝምስረት ገጠር ይኹን ከተማ ናብ ሓድሽ ምንቅስቓስ ልምዓት ዘእቱ ኣንፈታት እውን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣነፂሩ ኣሎ። ዝጀመርናዮ ናይ ጣብያን ወረዳን ሪፎርም ስራሕቲ ተጠናኺሩ ናብ ተግባር ክኣቱን በዚ ኣቢሉ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ምንቅስቓስ ክግበር ማእኸላይ ኮሚቴ ኣንፈታት ኣነፂሩ እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ገፅ ፀረ-ድኽነት ቃልሲ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ መኸተ ኣንፃር ሓይልታት ትምክሕቲ እናካየድና ፀኒሕና ኣለና። ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ንምስኳን ካብ ኩሉ ሸነኽ ክጋጥመና ዝፀንሐ ፈተና ቀሊል ኣይነበረን። ምሕላፍ ዝኸልአና ከምድላይና ከይንኸውን ኩርኳሕ ዝኾነና ዘሎ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዩ ኢሎም ማእለያ ዘይብሉ ሽርሕን በደልን ክፍፅሙ ዘይፈተንዎ ፀረ ህዝቢ ተግባር ኣይነበረን። ይኹን እምበር ዕላማኦምን ባህጐምን እዚ ምዃኑ ስለዝተረደአና ኣብ ቅኑዕ መንገድን ፍትሓዊ ቃልስን ተመስሪትና ዘካየድናዮ መኸተ ንሕልምን ባህግን ፀላእትና በዲህና ንቅድሚት ንስጉም ኣለና። ሳላ ናይ ህዝብና ፅኑዕ ሓድነትን ስምረትን፣ ሳላ ብሱል ንቐሓትን ምኽንያታዊ ቃልስን፣ ሳላ ዘይነፅፍ ሓቦን ፅንዓትን፣ ሳላ ዓቕልን ትዕግስትን ህዝብናን ውድብናን ሃለዋትን ድሕንነትን ዘረጋግፅ ዕውት መኸተ እናካየድና ፀኒሕና ኣለና። ህዝቢ ትግራይ ካብ ናሃትካ ፃዕርን ትዕግስትን ወፃኢ ከምዚ ኣይምኾነን። ኣብ መዋእል ታሪኽካ ካብ ቃልስካን ፃዕርኻን ወፃኢ ፈቒዱ ዝህበካ መሰልን ረብሓን ኣይነበረን ሎሚ እውን ኣይህሉን። ኩሉ ግዜ ንፍትሒ ንማዕርነት ደው ምስበለካ፣ መስመርካን ዕላማኻን ሒዝካ ብፅንዓት እናተቓለስካ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቃልሲ ዘጋጥመካ መሓልኻን ዕንቅፋትን እናጋላሕኻ ትቕፅል ኣለካ። ንቅድሚት እውን ብሕታዊ መንገዲኻ እዙይን እዙይን ጥራሕ እዩ። ኣብዚ ህልኽካ ዘወድእ ምዕራፍ ቃልሲ ንዘካየደካዮ ፅኑዕ መኸተ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ መናእሰይ ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ፣ ምሁራት ትግራይ፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድማ ብፍላይ ንዝፍፀምኩምዎ ዘሕብን ተግባር ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተሰመዖ ክብርን ሓበንን በዚ ኣጋጣሚ ክገልፀልኩም የፈቱ።

ህዝብና ንድሕንነትካን ሃላዋትካን ኢልካ ትገብሮ ቃልሲ ሕዚ እውን ከም ቀደምካ እኳ ዳኣስ ካብ ሕሉፍ ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ክትቅፅል ይግባእ። ኩነታት እናኸበደን እናኸፍአን እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ክገጥምና ዝኽእል ፈተና፣ ነዚ ፈተና ንምስጋር ዝሓተና ፅዕርን ቃልስን ኣዕርዩ ክዛይድ እዩ። ንቅድሚት ምኻድ እንተኣብዮም፣ ብናይ ባዕሎም ሕመቕን ፀረ ህዝቢ ተግባርን ፈተና እንተበዝሖም ናብ ካሊእ ወገን እናለጠፉ ምድንጋርን ዕድመኦም ንምንዋሕን ይፅዕሩ ኣለዉ። ሓድነትካን ፅንዓትካን ንምዝራግ ኣብ ውሽጥና ዝራኣዩ ፀገማት ከምዕድል ተጠቒሞም ክረባረቡ እውን ይፍትኑ ኣለዉ። ዝረአ ዘሎ ከባቢያውነት፣ ብሽም ሃይማኖት ካብ ውሽጥን ካብ ደገን ክፍጠር ዝድለ ዘሎ ነቓዕ ናይ ምፍጣር ተግባር፣ እዚ ኩሉ ክፍፅም ተዓሲቡ ዝለኣኽ ባንዳ ቀሊል ግምት ዝዋሃቦ ኣይኮነን። እዚ ከምዝኸውን ተገንዚብካ ከምታ ናይ ቀደምካ ሓድነትካ ኣስጢምካ፣ ኣብ ሓደ ሰሚርካ ንዝለዓለ ቃልሲ ተዳሎ። ውሕስናኻን መንገዲ ዓወትካን ሓፂናዊ ስጡም ሓድነትካ፣ መስመርካን ፅንዓትካን እዩ። መናእሰይ ትግራይ፣ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲ ትግራይ፣ ምሁራት ትግራይ ከምቲ ዝሓለፈ ኣብ ሓደ ሰሚርኩም ንዝህሉ ቃልሲ ብዝለዓለ ደረጃ ክትዳለው ይግባእ። መላእ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብና እውን ነዚ ልዑል ፅንዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት ምዕራፍ ቃልሲ ህዝብና ሒዝና ናብ ዘላቒ ዓወት ንምምራሽ መሪሕ ተራኹም ክትፍፅሙ ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ንምርግጋፅ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ናይዚ ቃልሲ ዝፀንሐ ኩሉ ዓቕምታት ንምንቅስቓስ ክስራሕ እዩ። ኣብ ትግራይ ምስ ዘለው ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን እውን ብሓባር ንምስራሕ ህወሓት ዝተፈለየ ትኹረት ሂቡ ከምዝሰርሕ ከረጋግፅ ይደሊ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብስፍሓት ካብ ዝራኣዮም መሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ሓደጋን ንቅደሚት ክምዕብል ዝኽእል ኣጠቓላሊ ኩነታት ዝምልከት እዩ። ኣብዚ እዋን ኩነታት ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ፀገማት እናተበራኸቱ፣ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት እናተደረበ ስፍሓትን መጠንን ናይቲ ሓደጋ በቢማዓልቱ እናወሰኸ ናብ ዝኸፍአ ሃገር ናይምብታን ደረጃ ይበፅሕ ኣሎ። እዚ ሓደጋ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክኸይድ ካብ ዝገብር ዘሎ ሓደ ምኽንያት ኣብዚ እዋን ዝግበር ዘሎ ውህድ ፓርቲ ናይ ምምስራት ምንቅስቓስ እዩ። ናይ ውህድ ፓርቲ ሕቶ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ እናተለዓለ ዝፀንሐን እዚ ንምግባር ክማልኡ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ክራኣዩን ኣብ መፅናዕቲ ተመስሪትካ ክምልስ ምርድዳእ ዝተገበረሉን ጉዳይ እዩ። ህወሓት እውን እንተኾነ ብመሰረተ ሓሳብ ደረጃ ዝተፈለየ እምነት ኣይነበሮን። እንተኾነ ግን እዚ ክግበር ተኾይኑ ኣብ ኩሎም መሰረታዊ ሕቶታት ናይ መስመር፣ ፕሮግራም፣ ስትራተጂ ሓደ ዝጠምር ኣረኣእያን እምነትን ኣብ ኩሎም ኣሓት ውድባት ክፍጠር እንተኺኢሉ ጥራሕ እዩ ክትግበር ዝኽእል። ሓደ ዝገብር ናይ ሓባር ኣረኣእያን ናይ ተግባር ሓድነትን ኣብ ዘይብሉ እዋን ሓደ ውድብ ከምውድብ መጠን ህልውና ክህልዎ ኣይኽእልን። ቅድሚ ውህደት ዘዋሃህድ እምነትን ኣረኣእያን ክንፈሊ ኣለና። ካብቶም ኢህወዴግን ዓድን ዝብትኑ ዘለው ደባልን ዝተዓደጉን ኣረኣእያታት ዝፈልዩ መስመር፣ ሓፁር ብንፁር ከየቐመጥካን ከየፈለኻን ውህደት ምሕሳብ ኣይካኣልን። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ዝተዘረገ ኣረኣእያ፣ ብሓባር ክሰምሩ ዘይኽእሉ ሓዉን ሓሰርን ዝተሸከመ ኢህወዴግ ይትረፍ ውህድ ፓርቲ ክምስርት ከም ግንባር እኳ ክቕፅል ዘይኽእል ዝተበተነ ውድብ እዩ ዝኒሀ። ከምዚ ዝበለ ዝተበተነ ውድብ ናብ ሓደ ውህድ ፓርቲ ክመፅእ ኢልካ ምሕሳብ ንባዕሉ ነቲ ውድብ ካብ ምብታን ሓሊፉ ዓዲ ዝብትን ተግባር እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ እምነትን መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ግንባር ወፃኢ ሓደ ውህድ ፓርቲ ንምምስራት ዝግበር ዘሎ ጉያ እቲ ሽግር ክጋደድ ክቀላጠፍን ዝገብር ፀረ ዴሞክራስያዊ ኣካይዳ ይሰፍሕ ምህላው እዩ። እዚ ጥራሕ እንተይኮነ ክፍጠር ዝድለ ዘሎ ውህደት ናይ ቅርፂ ተይኮነስ ብትሕዝቶ ብዝሓዘ ፕሮግራም ብመሰረቱ ዝተለወጠ ሓድሽ ፓርቲ ንምምስራት እዩ ፃዕሪ ዝግበር ዘሎ። ከምዚ እንትኸውን ህዝብታት ኢትዮዽያ ኢህወዴግ ንዝሓዘ ፕሮግራም መሰረት ገይሮም ዝሃብዎ ዓዲ ናይ ምምራሕ ስልጣን የቋርፅ ኣሎ። ዓዲ ክመርሕ ሓላፍነት ዘይተዋሃቦ ሓድሽ ፓርቲ ክምስረት እዩ ዝግበር ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ሓድሽ ፓርቲ ድማ ብሕጊ ምዝገባ ፖለቲካዊ ውድባት ሃገርና ዘይሓለፈ፣ ብናይ ህዝብታት ፍቓድ ኣብ ስልጣን ክፀንሕን ይኹን ስልጣን ክሕዝ ክወዳደር ዘይኽእል ዘይሕጋዊ ውድብ እዩ ክኸውን።

ብምዃኑ እውን ብሽም ውህደት ብፍፁም ፀረ-ዴሞክራስያዊ መንገዲ ሓድሽ ኣሃዳዊ ውድብ ክምስርት ኣይግባእን። ብኩሉ መዐቀንታት ሓደ ፓርቲ ንምዃን ዘኽእል መበገሲን ምኽንያትን ኣይብዘይብሉ ኢህወዴግ ኣፍሪስካ ካሊእ ፓርቲ ንምጥያሽ ምሕሳብ ዓዲ ዝብትን ተግባር እዩ። ሰለዚ ኢህወዴግ ከም ግንባር ተወዲቡ ፀገማቱ ብቓልሲ እናፈተሐ ዓዲ ክመርሕ ይግባእ። ብግዜ ኣንፃር እውን ክፀንሕ ዝግበኦ ጉዳይ እዩ። ኣጋር ውድባት እውን እዚ ብሽም ውህደት ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ህልውናኹም ዘጥፍእ ተግባር ምዃኑ ክትግንዘቡ ይግባእ። እንተኾነ ግን ኣጋር ውድባት ኣብ ኢህወዴግ ብሙሉእ ኣባልነት ኣቲኹም ብናይ ሓባር ቃልስን ፃዕርን ዓዲ ዘድሕን ተግባር ክትገብሩ ህወሓት ብፅንዓት ይኣምን። ካብዚ ወፃኢ ህወሓት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓዲ ዝብትን ተግባር ጨብረቕረቕ ክብል ከምዘይደሊ ክፍለጥ ይግባእ። መላእ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ ነዚ ብሽም ውህደት ኢህወዴግ ንምፍራስ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓላፍነት ብዝተመልኦ ጉቡእ ቃልሲ ክትገብሩ ህወሓት ይፅውዕ።

ዝኸበርኩም ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮዽያ

ሕገ-መንግስትን ሕብረ ብሄራዊ ፌዴራላዊ ስርዓትና ዝሽርሽር ዝጥሕስ ተግባራት በቢማዓልቱ ምርኣይ ዝተለመደ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትምክሕቲ ብኣረኣእያን ብተግባራዊ ምንቅስቓስን ጉልበት ፈጢሮም ዓዲ ዝሕምስሉ ኵነታት ይረአ ኣሎ። ኣብ ቡዙሕ ከባቢታት ሃገርና ስእነት ሰላም እናተጋፈሓ፣ ሰላም ጠፊኡ መንግስቲ ዘይመርሖን ዘይቆፃፀሮን ከባቢታት እናተፈጠረ ይኸይድ ኣሎ። ንመሰሉን መንነቱን ዝተቓለሰ ህዝቢ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን በደልን ዝፍፀመሉ፣ ዜጋታት ቀሲኖም ዘይነብሩሉ፣ ብመንነቶም ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ግፍዒ ዝፈፀመሉ፣ ህይወቶምን ንብረቶምን ውሕስና ዝሰኣንሉ፣ ኣብ ታሪኽ እዛ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ጎንፅን ምፍንቓልን ዝተባራኸተሉ፣ መንግስቲ ናይ ዜጋታት ሰላምን ድሕንነትን ምኽባር እናተፀገመ ዝመፀሉ፣ ካብዚ ሓሊፉ እውን ላዕለዎት ወታደራውን ናይ ክልል ኣምሓራ መራሕትን ክሳብ ምንቕንፃል ዝኸደ ተግባር ዝፍፀመሉ፣ ካሊእ ተሪፉ ናይዞም ሙሩፃት ጀነራላት ቅትለት እኳ ብኣግባቡ ኣፃርዩ ንህዝቢ ግልፂ ምግባር ዘይተኸኣለሉ፣ ልዕልነት ሕጊ እናተጣሓሰ፣ ናይ ዜጋታት ሞትን ምፍንቓልን ክድሕን ዘይከኣለሉ መንግስትን ስርዓትን ይኸውን ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ ንምፍትሕን ንምዕጋትን እውን ቀንዲ ስርሑ ዘይገበርን ድልውነት ዘይብሉን ኮይኑ ኣሎ።

መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ንጎኒ ተገዲፉ ኣብ ካሊእ ዝዋዓለሉ፣ ኢኮኖሚ እናተዳኸመ ናብ ዓብይ ድቀትን ምንቁልቋልን ይኣቱ ኣሎ። ልምዓት ዝመርሖን ዝድግፎን ስኢኑ፣ ልምዓታዊ ዓቕምታት እናመኸነ፣ ሰራሕ ስእነት እናተጋደደ፣ ምኽባር ናብራ ህዝቢ ሰማይ እናተሰቐለ ይኸይድ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እውን ሓደ ፀገም ኣብ ልዕሊኡ ካሊእ ፀገም እናተደረበ ይኸይድ ኣሎ። ዋሕስ ህዝብታት ዝኾነ ፌደራላውን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትና ብምፍራስ ኣሃዳዊ ሰርዓት ንምምላስ ዝሰርሕ ዘሎን ቀንዲ ናይዚ ሓደጋን ጥፍኣትን ዝፈጥርን ዝመርሖን ዘሎ ሓይሊ ትምክሕትን ኣብ ዙሪኡ ዝተኣከበ ፀረ ህዝቢ ሓይልን እዩ።

ኣብ ውሽጦም ዘሎ ሕመቕን ፀረ-ህዝቢ ተግባር ኣብ ክንዲ ምፍታሕን ምፅራይን ናይ ኩሉ ሽግር ሳልሳይ ወገን ኣለዎ ዝበሃል ዝፀንሐ ደርፊ ክደግምዎ ይረኣዩ ኣሎ። ንህዝቢ ኣምሓራ ዘይናሃቱን ዘይምስሉን እናተሓዙ ትምክሕቲ ተባሂልካ እናበሉ በዚ ተጎልቢቦም ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝፀንሐ ዝምድናን ሕውነትን ክዘርጉ ይፅዕሩ ኣለው። ህዝቢ ኣምሓራ ንትምክሕቲ ተቓሊሱ ብማዕርነት ዝነብረላ ሓድሽ ዴሞክራስያዊ ኢትዮዽያ ክትመፅእ ዘይተካእ ተራ ዝተፃወተ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኣምሓራን ብናይ ሓባር ቃልሶም ትምክሕቲ ስዒሮም እዮም። ንቅድሚት እውን እንተኾነ ነዞም ህዝቢ ንህዝቢ ኣባሊዖም ኣጋጭዮም ኣብዚኣ ክነብሩ ዝደልዩ፣ ሓላፍነቶም ገዲፎም እዚኣ ኣብ ምግባር ዝተፀመዱን ዝተዋፈሩን ሓይልታት ብዝተወደበ መንገዲ ክትቃለሶም ይግባእ። መላእ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና እውን ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓትና ንምድሓን ኣብ ዝግበር ወሳኒ ቃልሲ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሃገርና ንምድሓን ክንረባረብ ይግባእ። ሕብረ ብሄራዊ ፌደራላዊ ሓይልታት ዝጀመርኩምዎ ቃልስን ሰፊሕ መድረኽን መማረፂ ከምዘይብሉ ተገንዚብኩም ቃልስኹም ኣጠናኺርኩም ክትቕፅሉሉን ይግባእ። ህወሓት ነዚ ዝተጀመረ ቃልሲ ናብ ልዑል ብራኸ ንምውሳድ ዝካኣል ኩሉ ከምዝገብር ከረጋግፅ ይደሊ።

በዚ ኣጋጣሚ ሕገ-መንግስቲ፣ ሰላምን ድሕንነትን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምሕላው ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለካ ሰራዊት ምክልኻል፤ ሃገርና ዘጋጥማ ዘሎ ሓደጋ ብጉቡእ ተገንዚብካ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ጥፍኣት ንምድሓን እትገብሮ ዘለኻ ርብርብ፣ ነዛ ፉሉይ ታሪኽን ክብርን ዘለዋ ሃገር ኣብ ምሕላውን ሉኣላውነትን ሰላምን ኣብ ምርግጋፅ ብዝለዓለ ህዝባዊ ሓላፍነት ትካላዊ ሓድነትካ ኣጠናኺርካ ኣብ ትገብሮ ኩሉ ዓይነት ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ጎንኻ ኮይኖም ካብኦም ዝሕተት ኩሉ ከምዝገበሩ ክነረጋግፅ ንፈቱ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሻድሻይ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ኣብዚ ዓመት ብግዲን ክካየድ ዘለዎ እዩ። ብምዃኑ እውን መረፃ ብእዋኑ ክግበር ተደጋጋሚ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን መርገፂኦም እናገለፁ ፀኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ዝኾነ ዓይነት ምድላው ኣይግበርን ዘሎ። ብቑዕ ምድላው ኣይገበርናን ኢልካ መረፃ ንምንዋሕ ዝግበር ፃዕሪ ፉፁም ተቐባልነት ክህልዎ ኣይኽእልን። ኣብዚ ሃገር ዘለዉ ተነሓነሕቲ ውድባት ናይ ምውድዳር ዕድል ረኺቦም ህዝቢ ብነፃ ድልየቱ ዝመረፆ መንግስቲ ናብ ስልጣን ክመፅእ፣ ብናይ ህዝቢ ፉፁም ፍቓድ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ ዝገብር ሕገ-መንግስታዊ መሰል ብጥብቂ ክኽበር ኣለዎ። እዚ ኣብ ዘይኮነሉ እዋን መላእ ህዝብታት ሃገርና መሰልኩምን ሕገ-መንግስታዊ ስልጣንኩም ኣብ ሓደጋ ዝኣቱ ዘሎ ምዃኑ ፈሊጥኩም ዝለዓለ ቃልሲ ክትገብሩ ኣብ ዘግድድ ዝተፈለየ ወቅቲ ኣለና።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ

ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ንናይ ሓባር መሰልን ረብሓን ብሓደ ዝተቓለሱ ኣሓት ህዝብታት እዮም። ነቲ ዝነበረን ዘሎ ዝምድናን ምድግጋፍን ናብ ዘላቒን ዘተኣማምን ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ ኣፋፍኖት ሰላም ኣብዚ ዓመት እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ። ብሓባር ተደጋጊፍና ንዘላቒ ሰላምን ምድግጋፍን ክንሰርሕ ይግባእ። ዝጀመርናዮ ሓዱሽ ራህዋን ሰላምን ውሑስ ክኸውን ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ምትእስሳርን ርክብን ክጠናኸር ክንሰርሕ ኣለና። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን እዙይ ንምጥንኻር ካብኦም ዝድለ ኩሉ ከምዝፍፀሙ ደጊምና ክነረጋግፀልካ ንፈቱ።

ዘይንሰግሮ ፈተና ኣይህሉን!!

ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና!!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

4 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም

መቐለ፤

ለተከበሩ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ

የኢትዮጵያ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ጠቅላይ ሚኒስተር

ኣዲስ ኣበባ

የተከበሩ ጠቅላይ ሚኒስተር  

እኛ ስማችን ከታች የተጠቀሰው፡ የኤርትራ የፖለቲካ ድርጅቶች እና፡ ሌሎች በኤርትራና በውጭ ኣገር የምንገጅ ፍትህ ፈላጊና ለፍትህ የምንታገል ኤርትራዊ እንቅስቃሴዎች፡ መስከረም 29/ 2012 ኣዲስ ኣበባ ላይ ብኣንድነት ፓርክ የምርቃ ስነ-ስርዓት ላይ ባሰሙት ንግግር ያለንን ተቃውሞ በግልጽ እንገልጻለን።

ሰባት የኣፍሪቃ ኣገራት መሪዎችና፡ የተላለዩ ዓለም ኣቀፍ ተቋሞች ወኪሎች በተገኙበት፡ ኤርትራን እንደሚወክሉ ስያውጁ እጅጉን ደንግጠናል። በተካሄደው የሰላሳ ዓመታት መራርና ከባድ ዋጋ በተከፈለበት ትግል ለኣላዊነትዋ ያረጋገጠችው ኤርትራ፡ በስነ ስርዓቱ በኣሁኑ ግዜ ኣዲስ ኣበባ ካሉት ሁለት የኤርትራ ኣንበሳድሮች በኣንዳቸው መወከል ነበረባት።

የተከበሩ ጠቅላይ ሚኒስተር

ባሰሙት ንግግር፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅ እንደወከልዎት በግልጽ ጠቅሰዋል። በመቀጠልም በኤርትራና በኢትዮጵያ መሃከል ያለው ግኑኝነት፡ በመወካከል ደረጃ መድረሱን በመጥቀስ በዚ ጉዳይ ላይ ለኢትዮጵያ ህዝብ ደስታዎን ገልጸዋል።

የኤርትራ ህዝብ ወድ ዋጋ የከፈለለት ነጻነቱን እጅጉን ያከብራል። እንዲሁም በጋራ ተጠቃሚነት ላይ የሚመሰረት የኤርትራና የኢትጵያ ግኑኝነት ይደግፋል። እኛ የኤርትራ ተቃዋሚ የፖለቲካ ድርጅቶችና፡ ፍትህ ፈላጊ እንቅስቃሴዎች፡ መጭው የኤርትራ ዕድል ብህዝብዋ እንጂ፡ በኣንባገነኑ የኣስመራው ስርዓት እንደማይወሰን እናምናለን። ከዚህ ኣንጻር ወደሁዋ የማይመለሰውን የኤርትራ ነጻነት እንጠብቃለን። ቀስበቀስ ነጻነታችን እየቦረቦረ ማህበራዊ እሴቶቻችንን እያፈረሰ ያለው ኣንባገነናዊ ስርዓትን እናወግዛለን። በዚህ ኣጋጣሚ ህዝባችን በላዩ እና በለኣላዊነቱ ላይ እየተፈጸመ ባለውን ክህደት ትዕግስቱ ኣየተሟጠጠ መሆኑን እንገልጻለን።

የተከበሩ ጠቅላይ ሚኒስተር

ዓለማችን ኤርትራ ላይ እየታየ ያለው ፖለቲካዊ፡ ማህበራዊ፡ ኤኮኖሚያዊ እና ሰብኣዊ መብት ሁኔታ በሚመለከት ተገቢውን ግንዛቤ ኣላት። በኣሁኑ ግዜ ኤርትራ፡ በህገ-መንግስት ኣትመራም፡ የተመረጠ ኣመራርና መሪ የላትም፡ የሕግ የበላይነትና የሚድያ ነጻነት የላትም፡ በኣጠቃላይ ብኣሁኑ ግዜ በኤርትራ መደበኛ የሚባል ህይወት የለም።

ኣሁን እየታየ ያለው የኤርትራ ህዝብ ወካዩ የመወሰን መብቱ መግፈፍ፡ ለረዥም ግዜ የሚዘልቅ ኣይደለም። እስከዛ ማነኛውም ኤርትራዊ ያልሆነ ወገን በኤርትራ ጉዳይ ላይ የመናገር መብትም ሞራልም የለውም።

ኣሁን ያለው የህዝባችን ኣሰቃቂ ህይወት ለመቀየር እያደረግነው ያለነው ትግል፡ ነገ ታሪክ እንደሚሆን እርግጠኞች ነን። ብህዝባችን ምኞትና ፍላጐት ላይ የተመሰረተ ሰላም እንደሚመጣም ኣንጠራጠርም። ዛሬ ከኤርትራ ህዝብ ጋር መወገን፡ ለወደፊቱ በኤርትራን በኢትዮጵያ መሃከል ወደ ሚመሰረተው ኣስተማማኝ ግኑኝነት የሚወስድ ትክክለኛ መንገድ ነው። በኣከባብያችን ኣስተማማኝ ሰላም እንዲረጋገጥ የሚፈልጉ ወገኖች ከጨቋኞችና ኣፍራሾት ጋር መዛመድ የለባቸውም እንላለን።

ኣገራችን ኣስቸጋሪ ሁኔታ ባለችበት በኣሁኑ ግዜ፡ የኢትዮጵያ መንግስት በሺዎች ለሚቆጠሩ ኤርትራውያን መጠለያ በመስጠቱና ሌሎች ድጋፎች በማድረጉ በድጋሚ እናመሰግነዋለን። የሰላም የኖቤል ሽልማት ኣሸናፊ በሆኑበት ኣጋጣሚ፡ በኤርትራ ላይ ባለዎት ኣመለካከት ጥንቃቄ የተሞላው ማስተካከያ እንድያደርጉ፡ ከኤርትራ ህዝብ ጋር ያለዎት ግኑኝነት እንዲያጐለብቱና በኣከባብያችን በሃገሮች መሃከል ተቋማዊና ቀጣይ ሰላም ለማረጋገጥ እንዲሰሩ ጥርያችን እናቀርባለን።

ኣክባሪዎ

የኤርትራ ኣገራዊ ሸንጎ ለዲሞክራስያዊ ለውጥ (ኤኣዲለ)

የኤርትራ ዲሞክራስያዊ ህዝባዊ ፓርቲ (ኤዲህፓ)

የኤርትራውያን ኣንድነት ለፍትህ (ኤኣፍ)

የሰሜን ኣሜሪካ የይበቃል (ይኣክል) ሸንጎ

ጥቅምት 4/ 2012 ( 15/10/2019)

ናብ ክቡር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር፤          

ንሕና እዞም ኣብ ታሕቲ ከቲምና ዘለና  ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ካልኦት ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጢ ሃገርን እንርከብ ፍትሒ እንብህግን ምእንታኡ እንቃለሰን፡ ብዛዕባቲ ብ10 ጥቅምቲ 2019 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምምራቕ መናፈሻ ሓድነት ዘስማዕኩምዎ መደረ ዘለና ንጹር ተቓውሞ ነቕርብ።

ኣብ ቅድሚ መራሕቲ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃን ወከልቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን፡ ንኤርትራ ከም እትውክሉ ምስ ኣወጅኩም ኣዚና ሰንቢድና። እዛ ኣብ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ቃልሲ  ክቡር ዋጋ ተኸፊሉላ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ኤርትራ፡  ከምቲ ንቡር ብሓደ ካብቶም ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቦም ዘለዉ ክልተ ኣምበሳድራት ኤርትራ ክትውከል ይግበኣ ነይሩ።

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር

ኣብቲ ዘቕረብኩምዎ መደረ፡ ብወግዒ ንስኹም ንኤርትራ ክትውክሉ ብፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተመዘዝኩም ገሊጽኩም። ኣተሓሒዝኩም ከኣ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ናይ ምውኽኻል ደረጃ ከም ዝበጸሐ  ሓቢርኩም። በዚ መሰረት ከኣ እቲ ዝምድና ኣብ ከምዚ ዝጠቐስኩምዎ ደረጃ ብምብጽሑ  ዝተሰመዓኩም ሓጐስ ንህዝቢ ኢትዮጵያ  ገሊጽኩም።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ክቡር  ዋጋ ዝኸፈለሉ ናጽነቱ ኣዝዩ ዓብይ ክብሪ ኣለዎ፡ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝምስረት ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ይድግፍ። ንሕና ኤርትራውያን ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን መጻኢ ዕድል ኤርትራ ብህዝባ እምበር ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ከምዘይውሰን ንኣምን። ብመንጽር’ዚ ንሕና ነቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ናጽነትና ኣትሪርና ንከላኸል። ምስዚ ብዝተተሓሕዘ ነቲ ነጻነት ሃገርና በብቕሩብ ዝብሕጉግ ዘሎን ማሕበራዊ ኣቃውማና ከዕኑ ዝፍትን ዘሎን ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ንቃወምን ንኹንን። በዚ ኣጋጣሚ ህዝብና ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊኡን ልኡላውነት ሃገሩን ዝፍጸም ዘሎ ጥልመት ትዕግስቱ ይውዳእ ከምዘሎ ንሕብር።

ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር

ዓለምና ብዛዕባቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣዊ መሰልን ኩነታት ኣፍልጦ ኣለዋ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራ ብሕገ-መንግስቲ ዘይትመሓደር፡ ህዝባዊ ምርጫን ዝተመርጸ ፕረሲደንትን ዘየብላ፡ ልዕልና ሕግን ነጻ ፕረስን ዘየብላ፡  ሃገር ኰይና ኣላ። ኮታ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ንቡር ህይወት የለን። ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ኣብዚ እዋንዚ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን እንተላይ ኣላይ ዘየብሎም ህጻናት ካብ ኤርትራ በብመዓልቱ ይፈልሱ ከም ዘለዉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዮም።

እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ፡ ንህዝብና ልኡላዊ  ወካሊኡ መንግስቲ ናይ ምውሳን መሰል  ምግሃስ ንነዊሕ ግዜ ዝቕጽል ኣይኮነን። ክሳብ ሽዑ ዝኾነ ዘይኤርትራዊ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን፡ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምዝራብ መሰልን ሞራልን የብሉን።

እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ኣሰቃቒ ህይወት ህዝብና ንምቕያር እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ጽባሕ ታሪኽ ከም ዝኸውን ርግጸኛታት ኢና። ድሌትን ባህግን ህዝብና ዝመሰረቱ ሰላም ክረጋገጽ እዩ። ሎሚ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምውጋን፡ ናብቲ ጽቡቕ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። እቶም ኣብ ዞባና ሰላም ክረጋገጽ ዝደልዩ ምስ  ጨቆንትን ኣዕነውትን ክዛመዱ ኣይግበኦምን።

ኣብዚ ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰነታት ዘላትሉ ግዜ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሻሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብምዕቋቡን ኣድላይ ሓገዛት ብምግባሩን እንደገና ነመስግኖ። ኣብዚ ሽልማት ኖበል ዝሰዓርኩምሉ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘለኩም ኣረኣእያ ጥንቁቕ ዳግመ-ርኢቶ ክትገብሩን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለኩም ምሕዝነት ከተዛይዱን ኣብዚ ዞባና ትካላውን ቀጻልን ሰላም ኣብ መንጎ ሃገራት ከተውሕሱን  ንጽውዕ።

ኣኽበርትኹም

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባዲለ)

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)

ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ (ኤሓፍ)

ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ

15 ጥቅምቲ 2019