ቀዳም 18 መጋቢት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣካይዱ። እዚ ብዙሓት ኣባላት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ቀንዲ ዋኒኑ ኣብ ሓምለ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝካየድ ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ከመይ ዕዉት ይኸውን ዝብል ኮይኑ ብዝርዝር ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተመያይጡ፡

1) ጉባኤና ዕዉት ክኸውን ዘድልዮ ባጀት ከመይ ነዳሉ

2) ብናይ ሰነድ ሽማግለ ድሮ ተነዲፎም ናብ ምሉኣት ኣባላት ተዘርጊሖም ዘለዉ ክልተ ዓበይቲ ሰነዳት ማለት ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ዞባና ከመይ ይመያየጠሉን የሀብትሞን 

3) ኣብ ሓጻዪት ሽማግለ ዝለኣኸቶ መምርሒታት ክህልዉ ዝኽእሉ ሕቶታት ምርኣይ

4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ምርኣይ

5) ኣብ ወርሒ ሰነ ቅድሚ ጉባኤ ንድልውነትና ክመዝን ዝተዳለወ ናይ ምሉእ ኣባላት ሰልፊ ሰሚናር ከመይ ንዳለወሉ ዝብሉ ኔሮም። 

ኣባላት ሰልፊ ኣብ ነፍስወከፍ ኣጀንዳ ብዕምቆት ብሱል ዘተ ኣካይዶም። 

1) ዕዉት ጉባኤ ክነካይድ እኹል ባጀት ክህሉ ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነ ወሳኒ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ ኮይኑ ኣብ ርእሲ’ቲ ድሮ ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ወፈያ ብዘደንቕ ልግሲ ቀጺሉ። ብዘይካ’ዚ ክሳብ ሕጂ ዝተዋጸአን ዝቕጽል ዘሎን ወፋያታት ካብ ኣባላት ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑን ነብሶም ዝኸኣሉ ደቅናን ተደናገጽቲ ሰልፍናን ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ሓበሬታ’ዚ ሞራል ኩሉ ኣባል ሓፍ ዘበለ ኔሩ።

2) ንድፊ ፖለቲካዊ ፕሮግራምን ቅዋምን ሰልፊ፡ ኣብ ጉባኤ ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ክንመያየጠሎም እኹል ግዜ ስለዘይህሉ ነፍስወከፍ ጨንፈር ተመያይጦም ኣብ’ቲ ንድፊታት ዝህልዎም ርእይቶታት ናብ ናይ ሰነድ ሽማግለ ዝሰድሉ ቅጥዒን መምርሒን ተገሊጹ። እዚ መስርሕ’ዚ ድሮ ጀሚሩ ዝኸይድ ዘሎ እዩ።

3) መስርሕ ሕጸ በጺሑዎ ዘሎ መድረኽ ብኣባላት ሓጻዪት ሽማግለ ተገሊጹ። ኣብ ዝተላእኸ መምርሒ ዝነበረ ሕቶታት ተመሊሱ። እዚ መስርሕ’ዚ ቅድሚ ጉባኤ ክሰላሰል ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ በሪሁ።

4) ጨናፍር ወኪሎም ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ንምምራጽ ብቅዋም መሰረት ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዝተላእከ መምርሒ ብዝርዝር ተራእዩ። ዝቐረቡ ሕቶታት ተመሊሶም። እዚ መስርሕ’ዚ እውን ድሮ ተጀሚሩ ዝትግበር ዘሎ እዩ።

5) ዕለታትን ሰዓታትን ናይ ቅድሚ ጉባኤ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰሚናራት ተሓቢሩ። ኩሎም ኣባላት ብዝተኻእለ መጠን ክሳተፍዎን ዘለዎም ሕቶታትን ርእይቶታትን ኣዳልዮም ክመጹን ለበዋ ተዋሂቡ። 

መላእ ኣባላት ዝዓግብሉን ሞራልን ንያትን ሓፍ ዘበለ ህድኣትን ምክብባርን ዝዓሰሎ ኮይኑ ተዛዚሙ።

ኣብ ዝመጽእ ግዜ ደሃይ ሰዲህኤ ሰሜን ኣሜሪካ ሒዝና ክሳብ ንመጽእ ተኸታተልትና ሰላም ቀንዩ። 

የቐንየልና።

ምልኪ ይፍረስ! ፍትሒ ይንገስ!

ክንዕወት ኢና!

ዜና ቤት ጽሕፈት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

19 መጋቢት 2023

ጎቦ ተጎሩባን ካብ ጀጋኑኣን

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡  1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ብረታዊ ቃልስና፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን። ናይ 15 መጋቢት 1964ን  ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረ ዝሓለፋ ዕለትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 59 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ጦርሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማ፣ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፋእ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታት ካብ ትጽቢቶም ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም ልዕሊ 80 ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘውፈርዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ሓይልኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ  ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ ((ኣቡ ርጀላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብቲ ውግእ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 4 ከኣ ተወጊኦም።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ  ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ፍሉይ ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 59 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ግቡእን ብጽሒትን መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ  ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተር ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።

ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡  ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየ ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ብዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ሓላፍነት እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ናይ ሎሚ መንእሰይ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ሓላፍነት ተረኪቡ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐበኝነትን ወሪሱ ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣብ ርእሲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ሒዝዎ ዘሎ ናይ ጸለመን ምጽሕታር ጽልእን መንገዲ ኣዝዩ ሓደገኛ ምዃኑ ኤሪጋዜት/ Erigazette፡ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ ቀረባ ብዘውጸኣቶ ጽሑፍ ኣቃሊዓ። እዚ ተግባር ኢሳያስ፡ ካብቲ ኣንጻር ጐረባብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ ተጻራሪ መርገጻቱ ዝነቅል፡ ኣብ ጸጥታ እቲ ከባቢ ሓደጋ ዘኸትል ምዃኑ ከኣ ሓቢራ። ብመንጽርዚ ኢሳያስ ስለምንታይ ከምኡ ይገብር ከምዘሎ ምፍላጡ ኣድላይ ምዃኑ እቲ ናይ ኤሪጋዜት ጽሑፍ ኣጠንቂቑ።   

ሓደ ካብቲ ኢሳያስ ኣንጻር ምዕራብ ክስለፍ  ዝመረጸሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ዝመርሖ መንግስቲ ሰብኣዊ ግህሰትን ቁጠባዊ ውድቀትን ንምኽዋል እዩ። ናይ ወጻኢ ጸላኢ ብምፍጣር፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዝፍጽሞ ጸረ ህዝቢ ተግባራትን ብሰንኩ ክወርዶ ዝጸንሐ ወቐሳ ምሕባእ ከኣ ካልእ ድሌቱ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቶም ዝምድናኦም ምስ ምዕራብ ኣብ ምብልሻው ተጸሚዶም ዘለዉ ጨቆንቲ መራሕቲ ቻይናን ሩሲያን ምሕጓስ እውን ካልእ ዕላማ ኢሳያስ እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣተሓሒዙ ኩሉ ፈተነታት ዲክታተር ኢሳያስ ቅቡልን ርትዓውን ከምዘይኮነ ይጠቅስ።

ኢሳያስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) “ፈጺማ ሞይታ እያ” ኢሉ ዝኣወጆ ቅኑዕ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ኣብ ግዜ ውግእ ክፍጽሞ ዝጸንሓ በብዓይነቱ ግህሰታት ንምህዳም ዝሃንደሶ እዩ። እቲ ጽሑፍ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ  ምስቓይ፡ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣልማማ ቅትለትን ከም ዝፈጸመ ይሕብሩ ከምዘለዉ ኣስፊሩ።  እዚ ተግባርሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ነቲ ጸገም ብሰላማዊ ኣገባብ ናይ ምፍታሕ መስርሕ ዝዕንቅፍ እዩ።

እቲ ጽሑፍ ኣብ መወዳእታ፡ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ኣንጻር ተግባራት ኢሳያስን ምምሕዳሩን፡ ካብ ቁጠባዊ እገዳ ጀሚሮም ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ክቐጽዕዎን ብቐጻሊ ንተግባራቱ ዘቃልዑ መግለጽታት ከውጽኡን ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት ንዝቃለሱ ኤርትራዊ ውዳበታት ክሕግዙ ኣተሓሳሲቡ።

ብዕለት 11-03-2023 ዓ.ም.ፈ ካብ ሰዓት 20.00 ክሳብ ሰዓት 22.00 ብኣዝዩ ህዱእን ልዙብን መንፈስ ብተሳታፍነት ናይ ኩሉ ኣባል ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ኣኼባኦም ኣካይዶም ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ቁ. 2  ሕጂ እውን ዳግማይ ክሳራ ኣብ ከተማ ሉንድ ድሕሪ  ክብርቲ ነብሰሄር ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ብጻይና ሃብተኣብ ተስፋይ እውን ብዕለት 04032023 ተፈልዩና ብምባል ናይ ድርብ ደቃይቅ ሕልናዊ ጸሎት ብምግባር ኣኼባ ከፈቶ። ሲዒቡ ዝተሰርዔ ኣጀንዳ ብቀደም ተከተል ህልዊ ሓለዋትን ንጥፈታትን ኣብ ጉዕዞ ዘሎ መደባትን ሰዲህኤ ንኡድ ተሳትፎ ኣባላት ኣብ ምጣኔ ሃብቲ ብዝርዝር ቀሪቡ ። ኩሉ ከም ዝከታተሎ ዝቀነየን ዘሎን ሓያሎ ኣባላት ሰዲህኤ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ቀሪቦም ዝሃብዎ ብሓቂ ጽፉፍን ልክዕ ትሕዝቶን ዕላማን መነንት ትሕዝቶ መትከላቱን ዓይነት ኣባላት ሰልፊ ዝሓበርዎ ኣዎንታውን ሰሓብን ብምንባሩ ቀጻሊ ክኸውን ኩሉ ኣባል ክሳተፍ ጸዊዖም። ኣኼባ ብፍላይ ኣዕሚቁ ዝተካትዓሉ ምስ ፖሊቲካዊ ዉድባት ዝኸይድ ዘሎ ሓባራዊ ቃልሲ ኣውራ ምስተን 4ተ ዉድባት ኣብ ድሓን ስምምዕ ይኸይድ ንዘሎ ተግባራውን ክኸውን ድሌት ህዝብና ዘማልእ ክኸውን ኣስሚሩሉ ንመሪሕነት ሓደራኡ ከማላልፍ ተሳማሚዑ። ኣብ ጉዕዞ ዘሎዉ ዓበይቲ ዉራያት ሰልፊ ማለት ቀዳማይ 4ይ ጉባኤን ፈስቲቫል 2023 ፍራንፎርትን  ” ሰዲህኤ ንቅዋማውን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ይቃለስ !!! ዝብል ሓባራዊ ጭርሖ ክካየዱ  ምኻኖምን ንምዕዋቶም ከኣ ቅሩብነቱን ዕጥቁን ከም ዝድርቡ ኣስሚሩሉ።  ኣኼባ ብተወሳኺ እዚ ኣብ ዞናና ዝኸይድ ዘሎ ቅልጡፋት ሓደስቲ ተርእዮታት ዋላ እቲ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝዉሃብ ዘሎ ንቁሕ ብሩህ መግለጽን ዕጉብ ይኹን ብዝያዳ ምስ መሰረታት ቀጻሊ ቅልጡፍ ርክብን ሓበሬታን ክህሉ ተላብዮም ከም ጨንፈር እውን ኣብ ቀረባ ጊዜታት ንክራኸቡ ተሳማሚዖም ኣኼባኣኦም ዛዚሞም።

ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!

ዉድቀት ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ።

11-03-2023

 

 

ፍሪዶም ሃውስ/FREEDOM HOUSE፡ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጸኦ ናይ 2022 ዝርዝር ሓበሬታ፡ ካብተን ቀዳሞት ናጽነትን ሓርነትን ዝበኾረን ሽዱሽተ ሃገራት ኤርትራ ሓንቲ ኮይና ሰፊራ። በቲ መጽናዕቲ መሰረት ካብ ሚእቲ 95 ካብኡ ንላዕልን ዝረኸባ ሃገራት 5 እየን።  እቲ መምዘኒ ፖለቲካዊ መሰልን ሲቪላዊ ሓርነትን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ዛዕባታት ዝተኸፍለ እዩ። እቲ ፖለቲካዊ መሰል 40% ዝሕሰብ ክኸውን እንከሎ እቲ ሲቪላዊ ሓርነት ድማ 60% ዝሕሰብ እዩ።

ብመንጽር እዚ ኤርትራ ካብቲ 40፡ 1 ክትረክብ እንከላ ካብቲ 60 ድማ 2፡ ብድምር 3% ጥራይ  ከም ዝረኸበት፡ እቲ ንኩነታት 210 ሃገራት ኣብ ግምት ዘእተወ መጽናዕቲ ኣርእዩ። ኣብቲ ዝርዝር ናጽነት ክበሃል እንከሎ ካብ ውልቀሰብ ጀሚርካ ክሳብ ብሓባር፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ግዜ ምርጫ፡ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ማዕረ ነጻነት ኣብ ቅድሚ ሕግን ዝኣመሰሉ መዕቀንታት ዝዝርዝር እዩ።

እተን ከም ኤርትራ ካብ ሚእቲ ትሕቲ 5% ድምር ውጽኢት ዝረኸባ ሃገራት፡ ደቡብ ኮርያ 3%፡ ቱርክመኒስታን 2%፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶርያን ቲበትን ድማ ነፍሲ ወከፈን 1% ድምር ውጽኢት ዘመዝገባ እየን። እተን ካብ 100% ክሳብ 95% ዝረኸባ ቀዳሞት 5 ሃገራት፡ ነርወይ፡ ኦስትሪያ፡ ኔዘርላንድ፡ ኒውዜላንድን ፊንላንድን ኮይነን፡ ነርወይን ፊንላንድን ከኣ ነፍሲ ወከፈን 100% ዘመዝገባ እየን።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳያት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ 14 ክሳብ 17 መጋቢት 2023  ኢትዮጵያን. ኒጀርን ከም ዝበጽሑ ቤት ጽሕፈቶም ብ10 መጋቢት 2023 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ሰክረታሪ ብሊንከን 15 መጋቢት 2023 ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣተገባብራ ውዕል ሰላም ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ምትእትታው መሰጋገሪ ፍትሕ ኣብ ኢትዮጵያን ዝምልከቱ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ክመያየጡ ከም ዝኾኑ ተፈሊጡ።

ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ  ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን   ተራኺቦም ብዛዕባ ዝርጋሐ ሰብኣዊ ሓገዛት፡ ውሕስነት መግብን ሰብኣዊ መሰላትን ክዘራረቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝጸንሕሉ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ መሓመድ ተራኺቦም ብዛዕባ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ሓበሬታ ክለዋወጡ እዮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕብቲ ኣብ ርክብ መራሕቲ ኣሜሪካ-ኣፍሪቃ ኣብ መዳያት፡  ምቅይያር ኩነታት ኣየር፡ ውሕስነት መግቢ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ዲያስፖራን ኩነታት ጥዕና ዓለምን ክመያየጡ ምዃኖም እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ጠቒሱ።  ከምኡ እውን ኣብዚ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ምይይጥ፡ ብሊንከን ኣሜርካ ኣብቲ ምስ ኣፍሪቃ ብሓባር ዝካየደ ስረሓት እትህቦ ሓገዝ ከጉልሑ እዮም።

ኣንቶኒ ብሊንከን 16 መጋቢት 2023 ኣብ ኒጀር ኣብ ዝበጽሕሉ ድማ፡  ምስ ናይታ ሃገር መራሒ መሓመድ ባዜምን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሃሶሚ ማሳውዶን ኣብ ከተማ ኒያሚ ክራኸቡ እዮም። ኣብቲ ርክቦም ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኣሚሪካን ኒጀርን ኣብ መዳያት፡ ዲሞክራሲ፡ ዲፕሎማሲ፡ ዕቤትን ሓይሊ ምክልኻልን ዘሎ ርክባት ዝምልከቱ ጉዳያት ከልዕሉ ምዃኖም ተፈሊጡ። ብዘይካዚ ብሊንከን ካብቲ ጐንጺ ዝነበረሉ ከባቢ ኒጀርያ ዕጥቆም ምስ ዝፈትሑ መንእሰያት ከም ዝራኸቡ ተሓቢሩ።

መሰረታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ናብ 4ይ ጉባአ ሰልፎም ቀሪቡ ኣብ ዝጸድቕ ንድፊ ሰነድ ክመያየጡ ከም ዝጀመሩ ካብታ 4ይ ጉባአ ከተሰናድእ ብማእከላይ ባይቶ ዝተመዘዘት 13 ዝኣባላታ ሽማናግለ  ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። እቲ መሰረታት ብደረጃ ጨናፍርን ዝተፈላለዩ ትካላዊ ጽፍሕታትን ዝመያየጥሉ ንድፊ፡  ብንኡስ ሽማግለ ምድላው ሰነዳት ተዳልዩ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምቕራቡ ዝተዘርግሔ እዩ።

ኣባላት ሰልፊ ኣብቲ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ዘካይድዎ ምይይጥ፡ ኣብቲ ሰነድ ክተኣታቶ ኣለዎ ዝብልዎ ምምሕያሻት ናብታ ኣቐዲማ ነቲ ንድፊ ዘዳለወት ንኡስ ሽማግለ ከቕርቡ እዮም። ድሕሪዚ እቲ ሰነድ መሊሱ በቲ ካብ መሰረታት ዝቐርብ መመሓየሺ ሓሳባት ምስ ሃብተመ፡ ቅድሚ ኣብቲ ወርሒ ሓምለ 2023 ዝካየድ 4ይ ጉባአ ቀሪቡ ወግዓዊ ምዃኑ፡ ብመንገዲ ሰሚናር መላእ ኣባላት ሰልፊ ክሓልፍ ትጽቢት ኣሎ። እቶም ናብ ምይይጥ ቀሪቦም ዘለዉ ንድፊ ሰነዳት፡  ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን እዮም።

ንኡሳን ሽማግለታት ክፍሊ ሎጅስቲክስን ገንዘብን ኣሰታትፋ ኣባላት ናብ ጉባአን እውን ስረሓን ብጽቡቕ ዘሰላስላ ዘለዋ ኮይነን፡ ናይ መሰረታት ተሳትፎ ኣብቲ መስርሕ ምድላው  ዝነኣድ ከም ዝኾነ እውን ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ 4ይ ጉባአ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ስእሊ መኣዛ መሓመድ፡ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ኢትዮጵያዊት ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ፡ ሓንቲ ካብተን 11 ናይ 2023 ተዓወቲ “ዓለምለኸ ሽልማት ትብዓት ደቂ ኣንስትዮ”  ከም ዝኾነት፡ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሚሪካ ሓቢሩ። 

እዚ ሽልማት ንመበል 17 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ክሳብ ሎሚ ካብ 180 ሃገራት ን180 ኣብ ጽንኩር ኩነታት መጻኢ ብሩህ ንክኸውን ብትብዓት ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍልጦ ከም ዝሃበ፡ እቲ መግለጺ ጠቒሱ። እተን ነዚ ሽልማት ዝበቕዓ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብዝርከቡ ኣሜሪካውያን ዲፕሎማት ዝርቆሓ ኮይነን  ኣብ መወዳእታ ዝውሰን ከኣ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ኣሜሪካ እዩ።

ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ወናኒትን ኣመሓዳሪትን “ሮሃ ቲቪ” ዝተባህለ መድያ ክትከውን እንከላ፡ ቀንዲ ቆላሕተኣ ብሰንኪ ውግእ ንዝተበደላ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ምዃንን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ምፍጣርን እዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ዘለዋ መድያ ተጠቒማ ዝተሸገራ ደቂ ኣንስትዮ  ሕክምናውን ካልእ መሰረታውን ሓገዝ ዝረኽባሉ ኩነታት ንምፍጣር ጐስጓስ ምክያድ እውን ክትሰርሓሉ ዝጸንሐት እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ምስ ብዙሓት ኣብ ግዜ ውግእን ምምዝባልን ብዝተፈላለዩ ወገናት ግዳይ ጾታዊ ዓመጽ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ቃለ መጠይቓት ኣካይዳ ነቲ ሓበሬታ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ክትዝርሕ ከም ዝጸንሐት እቲ ንሽልማት ዝተመርጸትሉ ምኽንያት ዝትንትን ጸብጻብ ይሕብር።

መኣዛ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ውግእ ተሓታትነት ንክህሉ መርመራ ንክካየድ ብተደጋጋሚ ብዘቕረበቶ መጸዋዕታ ናይ ብዙሓት ዝምልከቶም ናይ ወጻኢ ትካላት ቀልቢ ከም ዝሰሓበት እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በብግዜኡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስታት ተጨውየን ሃለዋት ዝጠፈአ ደቂ ኣንስትዮ ተመሃሮ ኣቓልቦ ክረኽባን ስድራቤተን ክሕገዙን ጻዕሪ ምክያዳ ሓደ ነቲ ሽልማት ካብ ዘብቀዓ መመዘኒ ምዃኑ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊሩ። መኣዛ በዚ ተባዕ ተግባራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብተደጋጋሚ ብሓይልታት ጸጥታ  ኢትዮጵያ ክትእሰርን ክትፍታሕን ዝጸንሐት እያ።

እተን ምስ መኣዛ ነዚ ሽልማት ዝበቐዓ ካለኦት ተበዓት ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ ኣፍጋኒስታን፡ ኣርጀንቲና፡ ማእከላይ ኣፍሪቃ ሪፐብሊክ፡ ኮስታሪካ፡ ጆርዳን፡ ካዛኪስታን፡ ማለዢያ፡ ፖላንድ፡ መንጎልያን ዩክረይንን ምዃነን እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ዝወጸ መግለጺ ተቒሱ።

ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሽፍ

ሊባኖናዊት ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ ብ6 መጋቢት 2023 ናብቲ ኣብ ከተማ ጀንቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 52 ጉባአ ናይቲ ባይቶ ንኤርትራ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረብኦ ሰፊሕ ጸብጻብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል  እናኸፈአ ዝኸይድ እንተዘይኮይኑ ምምሕያሽ ከም ዘየርኣየ ምብርሀን ካብቲ ጉባአ ዝተረኽበ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እተን ምክትል ኮሚሽነር ኣብ ኤርትራ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ ከም መርተዖ ኣብ ዘቕረባሉ፡ ቤት ጽሕፈተን ካብ ኤርትራ፡ ናይ ሰባት ምስቓይ፡ ብኣልማማ ምእሳርን ብዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምስቓይን ከም ዝፍጽሙ ዘመልክት ቀጻሊ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ኣረጋጊጸን። እቲ ኩነታት ድሕሪ ውግእ ኣብ ትግራይ ምጅማሩ ዝያዳ ከፊኡ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መሊሱ ከም ዝገደደ እውን ጠቒሰን።

ጸብጻበን ብምቕጻል፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝምልከት እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶም ኣካላት ኣራሚ ስጉምቲ ከም ዘይተወስደ ጠቒሰን፡ ነዚ ንምብራህ ከም ኣብነት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ  ጥሕሰት ዓለለኻዊ ሰብኣዊ መሰልን ሕግታትን  ፈጺሙ ከብቅዕ ተሓታትነት ንምርግጋጽ ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይምህላዉ ኣስፊረን። ቅድሚ ሕጂ ናይ ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ኮሚሽናት ሰብኣዊ መሰል ብሓባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ናይ ውግእ ገበን ከም ዝፈጸመ ዝሕብር ጸብጻብ ኣቕሪቦም ከም ዝነበሩ እውን ጠቒሰን።

ኣብዚ ምክትል ኮሚሽነር ናዳል ኣል-ናሺፍ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጻኢ እውን ከመሓይሽ እዩ ዝብል እምነት ከምዘየብለን ዘነጸራሉ መድረኽ፡ እቲ ባይቶ ኣቐዲሙ  ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ክከታተሉ  ናይ ዝመዘዞም ሱዳናዊ ኮሚሽነር መሓመድ ዓብዱልሰላምን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰል  ቫኔስ ስዩምን እውን ጸብጻብ ሰሚዑ እዩ።

ኣብቲ ጉባአ ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ፈረንሳን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ነቲ ኣብ ኤርትራ ለውጢ የለን ዝብል በተን ምክትል ኮሚሽነርን ካለኦትን ዝቐረበ ጸብጻብ ዝድግፍ ሓሳብ ከም ዘንጸባረቑ እቲ ካብቲ ጉባአ ዝወጸ ሰፊሕ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ኣብቲ ጉባአ ዝነበረ ኤርትራዊ ዲፕሎማት ኣደም ዑስማን እድሪስ፡ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ኣብቲ ዝተላዕለ ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ዛዕባታት ኣተኩር፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ከም ዝፍጸም ብምጥቃስ ጸብጻብ ዘቕረቡ ኣካላት፡ ፖለቲካዊ ተልእኮ ዘለዎም እዮም ብዝብል ናብ ምኽሳስ ከም ዘድሃበ ተሓቢሩ።

ብደረጃ ዓለም ን199 ሃገራት ብዝተዋህበ ደረጃ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት፡ ኣብ መበል 194 ከም ዝተሰርዐ ኖማድ ፓስፖርት ኢንዴክስ/NOMAD CAPITALIST PASSPORT INDEX ዝተባህለ ትካል ሓቢሩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት ክትጐዓዘሎም ዘይምቹኣት ብዝብል ምስ ናይ ኢርትራ ድሕሪት ተሰሪዑ ዘሎ ፓስፖርትታት፡ ናይ ፓኪስታን፡ የመን፡ ዒራቕን ኣፍጋኒስታንን እዮም።

እቲ መምዘኒ 100  ወይ ካብኡ ንላዕሊ ነጥቢ ዝህብ ኮይኑ፡ እቶም መዕቀንታት ድማ፡  ምቅስቓስ ብዘይቪዛ፡ ንዜግነት ዝኽፈል ግብሪ፡ ግንዛበ ወይ ተርድኦ፡ ብዙሕነት ዜግነትን ውልቃዊ ናጽነትን ዝብሉ እዮም። እዞም ዝተጠቕሱ መምዘንታት ብቕደም ሰብ ዓብ ካብቲ ሚእቲ፡ 50%፡ 20%፡ 10%፡ 10%ን 10% ዘውህቡ ምዃኖም ኣብቲ ሰንጠረዥ ሰፊሩ ኣሎ።

በቲ ኣብቲ እንዴክስ ሰፊሩ ዘሎ ደረጃታት መሰረት፡ ሉግዘምበርግ 115.50 ብምርካብ ካብተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝኣተዋ 199 ሃገራት ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኣፍጋኒስታን ድማ 20 ነጥቢ ጥራይ ብምርካብ መበል 199 ተሰሪዓ። ኤርትራ ኣብ መበል 194 ዝተሰርዐት ካብ ሚእቲ 26.50 ጥራይ ረኺባ እያ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ብዘይ ቪዛ ናብ 12 ሃገራት ጥራይ ምጋሽ ከም ዝከኣል ኣብቲ መጽናዕቲ ተጠቒሱ። ጎረባብቲ ኤርትራ ድማ፡ ኢትዮጵያ 32.50 ረኺባ መበል 180፡ ሱዳን 28.50 ረኺባ መበል 190፡ ጅቡቲ 36.50 ረኺባ መበል 166 ክስረዓ እንከለዋ፡ ሶማሊያ ድማ 27.50 ረኺባ ንኤርትራ ብኽልተ ደረጃ ቀዲማ ኣብ መበል 192 ሰፊራ ኣላ።

ኣብዛ ብዘይቅዋም ትመሓደር ዘላ ኤርትራ፡ ፓስፖርት ምርካብ ዜግነታዊ መሰል ክኸውን ዝግበኦ፡  ህግደፍ ካብ ናብ ግዱድ ዕስክርና ምስታፍን ዘይምስታፍን ጀሚርካ ብዙሕ ዓንቃፊ ቅድመ ኩነታት ስለ ዘቕርብ ምርካቡ ኣጸጋሚ እዩ። ኤርትራውያን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ካብ ሃገሮም ክወጹ ካብ ዘገድድዎም ምኽንያታት ከኣ እዚ ዕንቅፋት እዚ ሓደ እዩ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ፓስፖርት ምስ ረኸብካ ድማ ንክትገይሽ  መውጽኢ ቪዛ ንክትረክብ ካብቲ ፓስፕርት ክትረክብ ዘሎ ጸገም ዘይድሕር ዕንቅፋት ኣለዎ።

Page 21 of 137