ግምት፡ ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ ናብ መንጎኛታት ንክምለስ ወሲኑ

2024-03-03 09:38:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 391 times

ፈረምትን ተዓዘብትን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ብኸፊል ዘርኢ

ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ግምት)፡ ኣብ መስርሕ ኣተገባብራ ናይቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተኸተመ ውዕል ሰላም  እቲ ተሪፉ ዘሎ፡ መንጎኛታት ኣብ ዘለዉዎ ክረአ ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ። እቲ ካቢነ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ነዚ ዝወሰነ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዘይምትእምማን መስርሕ ትግባረ ክቕጽል ከምዘይከኣል ኣፍሊጡ።

መግለጺ እቲ ካቢነ ከም ዝሓበሮ፡ ካብቶም ዘየረዳድኡ ኮይኖም ዘለዉ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል፡ “ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ ፋኖን ካብ ትግራይ ዘይምውጻእ፡ መሬት ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ዘይምምላስን ኣተገባብራ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን ሰራዊት ትግራይ (TDF)” ከም ዝርከብዎም ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት ክልቲኦም ፈረምቲ ኣካላትን፡ ተዓዘብትን ፓነል/መድረኽ ሕብረት ኣፍሪቃን ዝሳተፍዎ ርክብ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ክካየድ ትጽቢት ኣሎ።

ምክትል ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ ናይቲ ካቢኔ ውሳነ ንምብራህ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ እቶም ፈረምቲ ክንድቲ ዝድለ ምትእምማን ስለ ዘይተፈጥረ፡ ብዘይሳልሳይ ኣካል ምሉእ ብምሉእ ክሰማምዑ ዝገብርዎ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ ጠቒሱ፡ ኣብ ቅድሜኦም ስግኣት’ኳ እንተሎ ናብ ውግእን ግርጭትን ከይበጽሐ ነቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኩሉ ዝከኣሎም ዘበለ ከም ዝገብሩን ሓቢሩ።

ኣብቲ ላዕለዋይ ፓነል/መድረኽ ክርከቡ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም፡  ኣባሳንጆ ዝመርሖም ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት መንግስታት፡ ኢጋድ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን እዮም ።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ህግደፍ  ነቲ ብዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ኣካላት ብተደጋጋሚ ክቐርቦ ዝጸንሐ፡ “ሰራዊትካ ካብ ትግራይ ኣውጽእ”  ዝብል ምሕጽንታ ንዘይምቕባል፡ ብመንገዲ ኣብ ዓባይ ብሪታንያ ዘሎ ኤምባሲኡ ኣቢሉ  ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ሰራዊተይ ኣብ መሬት ኤርትራ እምበር ኣብ ትግራይ የለን” ኢሉ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  ግና “ኤርትራ  51 ቀበሌታ ትግራይ ብሓይሊ ሒዛ’ላ” ዝብል መግለጽታት ብተኸታታሊ ክውጽእ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ።

Last modified on Sunday, 03 March 2024 10:45