ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብ ጉባኤ ኤዲሰሃ ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዑ

2024-03-02 19:53:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 425 times

ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ፡ ብጻይ ግረዝግሄር ተወልደ ብ1 መጋቢት 2024፡ ኣብ መኽፈቲ 7ይ ጉባኤ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር (ኤዲሰሃ) ናይ ደገፍን ሰናይ ትምኒትን መልእኽቲ ኣቕሪቡ። ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ኣብቲ ዘቕረቦ ቃል  ንሓለፍቲ ናይቲ ሰልፍን ተሳተፍቲ ጉባኤን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣሰናዳእቲ ናይቲ ጉባኤ ንዘቕረብሉ ዕድመ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።

ኣብቲ መልእኽቱ ጉባኤኦም ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብሰንኪ ጭቆና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣብ ዝወደቐሉ፡ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ ዝኽእልሉ ኩነታት ስለ ዝሰኣኑ ሎሚ እውን ብዝተፈላለዩ ኣቕጣጫታት፡ ናብ ስደት ኣብ ዝውሕዝሉ ኩነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገንዚቦም፡ ነዚ ዘሻቕል ኩነታት ኣብ ግምት ዘእቱ ውሳነታት ክውስኑ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ኣስዒቡ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ጸገማት ስዕርካ ህግደፍ ንምውጋድ፡ ብሓፈሻ ናይ ኩሉ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ሰፊሕ ጽላል ንምምስራት፡ ብፍላይ ከኣ ከም ደንበ ተቓውሞ ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ህዝባውን ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ብሓባር ምንቅስቓስ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር ግዜ ዘይህብ ምዃኑ ብምጥቃስ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ጉባኤኦም ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ውሳነታት ብምውሳን ብዓወት ንክዛዘም ዘለዎ ሰናይ ትምኒት ደጊሙ ኣንጸባሪቑ።

Last modified on Saturday, 02 March 2024 21:09