ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ፡ ረሊዝ ኢንተርናሽናል/Release International ዝተባህለ፡ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ጉዳይ እምነት ዝግደስ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ  218 ዝኾኑ መብዛሕትኦም ህጻናትን ኣዴታትን  ምእመናን ከም ዝተኣስሩ ኣፍሊጡ። እቲ ትካል ነዚ ዘፍለጠ ብ3 ሓምለ 2024 ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ እዩ።


እቲ ነዚ ብዝምልከት ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት 2024 ጥራይ 110 ኤርትራውያን ምእመናን ከም ዝተኣስሩ ጠቒሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪ እምነቶም ብዘይፍርዲ  ንዘይተወሰነ ግዜ ተኣሲሮም ዘለዉ ከባቢ 400 ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ። ናይቲ ትካል ከባብያዊ ወኪልን ቅድሚ ሕጂ ተኣሲሩ ዝነበረን ዶር ብርሃነ ኣስመላሽ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ምሉእ ኣባላት ስድራቤት ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ከም ዘለዉ ምጥቃሱ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ኣቃሊዑ።.

ዶር ብርሃነ ኣስመላሽ ኣተሓሒዙ ብፍላይ ናይቶም ዝተስሩ ህጻናት ኣካላዊ ኮነ ስነ-ኣእሙራዊ ኩነታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ደረጃ ከም ዝርከብ ከም ዘሰክፎ ምጥቃሱ ተፈሊጡ። እቲ ጸብጻብ ኣብዚ እዋንዚ ስርዓት ህግደፍ ንእምነት ብዝምልከት፡ ንተዋህዶ፡ ሱኒ ምስልምና፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ጥራይ ኣፍልጦ ከም ዝህብኳ እንተ ገለጸ፡ እቶም ኣፍልጦ ረኺቦም ዝተባህሉ እምነታት እውን ዝኾነ ናጽነት ከምዘየብሎም ዝፍለጥ እዩ።

ፍሊስ ሂስለር ዝተባህለ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ክርስትያን ብወገኑ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፡ ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣመንቲ ክርስትና ቀጻሊ ጥሕሰትን ኢድ ኣእታውነትን ኣብ መሰረታዊ እምንነቶምን ሰብኣዊ መሰሎምን የጋጥሞም ከም ዘሎ ምስክርነቱ ሂቡ።

Friday, 05 July 2024 00:39

Dimtsi Harnnet Kassel 04.07.2024

Written by

ኤርትራዊ ተወዳዳሪ ብሽግለታ ቢያም ግርማይ፡ ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ደ ፈረንሳ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ዕዉት ብምዃን ኣብቲ መዳይ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዘመዝገበ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ኣብቲ ካብ ከተማ ኪካንዛ ናብ ቶሪኖ ዝተዘርገሓ  230.8 ኪሜ ዝርሕቀቱ ብቅጽበታዊ ውድድር ከም ዝውዳእ ግምት ተዋሂብዎ ዝነበረን ቅድድም፡ ቢንያም ግርማይ፡ ንኮሎምብያዊ ፈርናንዶ ጋቪርያን ቤልጅማዊ ኣርኖድ ደ ሊን ሓሊፉ እዩ ዓወት ኣመዝጊቡ።

እዚ ወዲ 24 ዓመት ተወዳዳሪ  ብሽግለታ ቢንያም ግርማይ፡ በቲ ዕለት ዘመዝገቦ ውጽኢት እዩ ኣብ ውድድር “ቀጠልያ ማልያ” ቅጽበት ብ76 ነጥቢ ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ካብ ዘሎ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉት ነርወጃዊ ኣራሃምሰን ብ10 ነጥብታት ድሒሩ 29 ደረጃታት ኣመሓይሹ እዩ ናይዚ ዓመት ክዕወት ክኸውን ክኢሉ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት‘ውን ኣብ ውድድር ግራንድ ቱር ጂሮ ዲ ኢጣልያ፡ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዕዉት መድረኽ ክኸውን ዝበቕዐ ቢንያም፡ ድሕሪ`ዚ ሎሚ 210 ነጥብታት ኣብ ዘዋህለለሉ  መድረኽ ውድድር፡ ብሓጐስ ክስዕሮ ንዝደለየ ንብዓት እናተቖጻጸረ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይሊ ንዝሃቦ እግዚኣብሄር፡ ከምኡ`ውን ንስድርኡ፡ በዓልቲ ቤቱን ደገፍቱን ብድሕሪ ምምስጋኑ፡ “ኣብ ካልኣይ ዓመት ተሳትፎይ ናይ ቱር ዲ ፍራንስ፡ ንብሉጻት ክኢላታት  ስዒረ ብምዕዋተይ ክእመን ዘይከኣል እዩ ከም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር ዲፍራስን ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ። ኣብ 2023 ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዘመዝገቦ ናይ ሳልሳይ ደረጃ ውጽኢት እቲ ዝበለጸ ብጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣብ ቱር ዲፍራንስ ዝተባህለሉ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ነይሩ።

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት፡ ኢትዮጵያ፡ ቱርክን ሶማሊያን

ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብቲ ብ1 ሓምለ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርክ ኣንካራ ዝገበርዎ ርክብ ስለ ዘይተሰማምዑ ኣብ መጻኢ 2 መስከረም 2024 ኣብ ኣንካራ 2ይ ዙር ዘተ ከካይዱ ከም ዝተቛጸሩ ነዚ ብዝምልከት ካብ ኣንካራ ዝወጸ ናይ ሓባር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ ከም ዝሓበሮ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ታየ ኣጽቀስላሴን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሶማሊያ ኣሕመድ መዓልምን ዝመርሕዎም ልኡኻት፡ ኣብ መጻኢ ፍልልያቶም ብዘተ ክፈትሑ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም፡ ነቲ ዘተ ንምድላው ተበግሶ ንዝወሰዱ ፕረሲደንት  ሃገረ ቱርኪ ረሰፕ ታይፕ ኢርዶጋን ኣመስጊኖም።

ፕረሲደንት ሶማሊያ ሓሰን ሼክ ማሕሙድ ድሕሪቲ ርክብ ብዘይውጽኢት ምብታኑ ካብ መቃድሾ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ካብቲ ምስ ሶማሊላንድ ዝኸተመቶ መረዳድኢ ሰነድ ናይ ምምላስ ምልክት ከም ዘየርኣየት ብምጥቃስ ወቒስዋ።  ኣተሓሒዙ ከኣ ናብ ቱርኪ ናይ ኣዛትዩና ሕቶ ዘቕረበት ኢትዮጵያ ምዃና ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ፡ እቲ ብወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ክልቲአን ሃገራት ዝተመርሐ ልኡኻት ብዘይካ ንክሰኣል  ፊትንፊት ተራኺቡ ከምዘይተዘራረበ  ኣስፊሩ።

ናይ ሶማሊያ ልኡኽ ብወገኑ፡ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ብርኢቶ እቲ ንከዛትዮም ዝተመዘ ቱርካዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሃካን ፊዳን ዝወጸ ምዃኑ ጠቒሱ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፍልልይ ሰፊሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ሶማሊያ ኢትዮጵያ ነቲ ብ1 ጥሪ 2024 ምስ ፕረሲደንት ሶምሊላንድ ዝኸተመቶ እሞ ናይቲ ወጥሪ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ፡ መረዳድኢ ሰነድ ብወግዒ ክትስርዞ ከም እትጽበ ገሊጹ።

Tuesday, 02 July 2024 09:51

Poster Festival 2024

Written by

ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ን2 ዓመታት ዝተኻየደ ውግእ ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ ግዝያዊ መጽለሊ ዝጸንሑ ተጋሩ ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ነናብ መረበቶም ክምለሱ ከም ዝጀመሩ፡ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓቢሮም። በዚ መሰረት ካብ ደቡብ ትግራይ ኣላማጣን ከባቢኣን ተመዛቢሎም ኣብ ፈቐዶ ግዝያዊ መጽለሊ ዝጸንሑ ኣሸሓት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምምላስ ጀሚሮም ኣለዉ። ብኻልእ ወገን ከኣ  መስርሕ ምምላስ ናብ ምዕራብ ትግራይ (ወልቃይትን ጸለምትን) ብ30 ሰነ 2024 ከም ዝጀመረ መርበብ ሓበሬታ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ።

በቲ ሓበሬታ መሰረት ድሮ ኣስታት 1,456 ኣብ ከተማ ሽረ ካብ ዝነበሩ ተመዛበልቲ  ማይዓይኒ፡ መድሃኒኣለምን ወሃዳትን ዝበሃሉ ወሲኽካ ናብ 6 ቀበለታት ተመሊሶም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ። ኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ግብራዊ መስርሕ ናይቲ ምምላስ ዘለዉ ኣካላት ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ፡ እቶም ናይ ሓደ ወርሒ መቑነን መግቢ ጥራይ ሒዞም ዝምለሱ ዘለዉ ተመዛበልቲ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዘለዎም ናይ ጸጥታዊ እውን ከም ዘሻቕሎም ኣፍሊጣ።

በቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣስታት 80 ሺሕ ተመዛበልቲ ምዕራብ ትግራይ ናይ ምምላስ መደብ ከም ዘሎን ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ካብ 8,500 ክሳብ 10 ሺሕ ዝኾኑ ከም ዝምለሱ ተፈሊጡ’ሎ። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ኣካላት ከም ዝገልጽዎ እቲ መስርሕ ምምላስ ተመዛበልቲ ኣብ ራያን ምዕራብ ትግራይን ምስ ተወደአ ናብቲ ኤርትራን ትግራይ ዘዳውብ ከባቢ ከኣ ክቕጽል እዩ።

ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ ካብቶም ኣብ መስርሕ ትግባረ ጸገም ከየጋጥሞም ከስግኡ ዝጸንሑ ዓንቀጻት፡ ምምላስ ዝተመዛበሉ ናብ መረበቶምን ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

ትካል መግቢ ዓለም፡ 3 ናይ ረዲኤት መግቢ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን ናብ ማእከላይ ዳርፎር እናተጓዕዛ ከም ዝተጨውያ ብ30 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። “ዝተወሃሃደ ደሕንነት መግቢ” ዝተባህለ ኣካል ብወገኑ፡ ኣብ ሱዳን 755 ሺሕ ናብ ደረጃ ዓጸቦ ዝበጽሑ ወሲኽካ፡ 26.6 ሚልዮን ሰባት ተጸባይቲ ረዲኤት መግቢ ምዃኖም ኣፍሊጡ። እዚ ጸገም ናብ 14 ኣብ ኮርደፋን፡ ዳርፎንን ስናርን ዘለዋ ከባብታት ዝያዳ ከይሰፍሕ ስግኣት ከም ዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ ትካል መግቢ ዓለም፡ መንነት ናይቶም ነተን መግቢ ዝጸዕና መካይን ዝጨወዩ ዕጡቓት ኣይተፈልጠን። እቲ ትካል ኣተሓሒዙ ነዚ ኣሸሓት ሰባት ክምግብ ዝነበሮ መግቢ ንዝወሰዱ ኣካላት ተሓተትቲ ንክገብርዎም  ናብ ሓለፍቲ  ናይቲ  ከባቢ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።።

ምስቲ ኣብ ዳርፎር ዘሎ ዝተሓላለኸ ኩነታት ጸጥታ፡ ትካል መግቢ ዓለም እቲ ጭውያ ዝተኻየደሉ ውሱን ቦታ ኣይጠቐሰን። ኣብ ዳርፎር 6 ከባብታት ኣብ ትሕቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ ዝመሓደራ ክኾና እንከለዋ፡  3 ከባብታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ብዓብደል ዋህድ ዝምራሕ  ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን ከም ዝመሓደራ እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ፡ “ዓለምለኻዊ ትካል ዝምድና” ብወገኑ፡ ብ24 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት እቶት ሕርሻን ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ረዲኤትን ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም 2024 ናይ ህዝቢ ዳርፎርን ኮርደፋንን 15% ማለት 2.5 ሚሊዮን ናይ ሞት ሓደጋ ከጋጥሞ ይኽእልዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉዳይ ሱዳን ይሓላልኹ ካብ ዘለዉ ሓደ ህግደፍ እዩ። በዚ መሰረት ካብ ዝተፈላለዩ ብሄረሰብ ምብራቕ ሱዳን ዝተዋጽኡ 4ተ ውድባት፡ ብድምር ኣስታት 7 ሺሕ ሰራዊት  ኣብ መሬት ኤርትራ ብናይ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ለኮይብን ሳዋን ይዕለሙ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ይሕብሩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ ኣብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣሰሓሓብቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ: ጉዳይ ባንዴራ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ኣብ ኤርትራ ነናተን ታሪኻዊ ኣመጻጸኣን ጽልዋን ዘልወን ክልተ ባንደራታታት ስለ ዘለዋ እዩ። በዚ መሰረት ሓደ ወገን ናይታ ነባር ሰማያዊት እቲ ካልእ ድማ ናይታ ሓዳስ 3ተ ዝሕብራ ልዕልና ንምርግጋጽ ብዝፍጠር ምውጣጥ እዩ እቲ ምስሕሓብ ከጋጥም ዝጸንሐ።

እታ ኣብ ማእከላ ብ34 ኣቑጽልቲ ኣውሊዕ ዝወቀበት ሰማያዊት ዝሕብራ ተጋዳሊት ባንደራ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ናይ 1952 ሕገመንግስቲ ኤርትራ ኣፍልጦ ዝረኸበት፡ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ማዕረማዕረ  ባንደራ ኢትዮጵያ ዘምበልበለት እያ። እቲ ናይ ሽዑ ካብ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተወኪሉ ዝተመርጸ 68 ወናብር ዝነበሮ  ፓርላማ ኤርትራ፡ ነታ ሰማያዊት ባንዴራ ከም ምልክት ኤርትራ ንክቕበላ ቀሊል ኣይነበረን። ዝተፈላለዩ ምርጫታት ስለ ዝነበሩ ንዓኣ ተቐቢሉ ንከጽድቓ፡ ክንድቲ ትግርኛን ዓረብኛን ከም ናይ ስራሕ ቋንቋታት ንክቕበል ዝገበሮ ጻዕሪ ነዊሕ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዘይተፈልዮ ክተዓት ኣካይዱ እዩ። እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላማ ኤርትራ ብዝጸፈዮም ኤርትራውያን ኣባላት ፓርላማ ኣቢሉ መስርሕ ምፍራስ ፈደረሽን ብግህዶ ምስ ጀመረ ሰማያዊት ባንደራ ብ3 ታሕሳስ 1958 ካብ ዝነበራ ክብሪ ብዓመጽ ወሪዳ ብባንደራ ኢትዮጵያ ድማ ተባሒታ።

ምውራድ ሰማያዊት ባንደራን ምፍራስ ፈደረሽንን ፖለቲካ ኤርትራ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ  ንክሰጋገር ካብ ዝደረኹ ተርእዮታት ነይሩ። ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ1961 ምስ ተበሰረ፡ ወያ ኣብ ከተማታት ኣብ ትካላት መንግስቲ ተምበልብል ዝነበረት ውቅብቲ ሰማያዊት ባንደራ ናይ ጽንዓት ምልክትን ኣርማን  ኮይና   ናብ ሜዳ ተሰሊፋ።  ንክብሪ እዚ ሓርበኝነታ ከኣ ኣብ ሜዳ ብዝነበሩ ወናማት ተጋደልቲ “እንቲ ሰማያዊት ኣብ በረኻዶ ሰፊርኪ ከም ኣራዊት” ተዘይሙላ። መግዛእቲ ስዒራ ብናጽነት ተሰንያ ናብ ክብራ ከም እትምለስ ንምምልከት ከኣ ብተቓለስቲ ስነ-ጥበባውያን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ)፡ “ሰማያዊት ምልክት ናይ ዕድል ግዜኺ መጺኡ ዘደላድል “ ተዘሚሩላ። ናጽነት ኤርትራ ከምዘይተርፍ ዝተኣማመና ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣብ ዘዝረኸበኦ ኣጋጣምታት’ “ኣውሊዐይ ባንደራይ ስየ፡ ክሳብ ዝመጹለይ ኣሕዋተይ ክጽበ እየ” ኢለን ደሪፈናላ። ክሳብ ናጽነት ድማ ኣርማን ጽላልን ኮይና ቀጺላ። ናጽነት ክብሰር እንከሎ ከኣ ኤርትራዊ ካብቲ ብምስጢር ዓቂብዋ ዝጸንሐ እናውጸአ ክሳብ ብ1993 እትትካእ ኣምበልቢልዋ።  እነሆ  ሎሚ ድማ ቃልሳ ምእንቲ ሓርነት፡ ዲሞክራስን  መሰረታዊ መሰላትን  ትቕጽል ኣላ።

ድሕሪ ረፈረንደም ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1993 እዛ ብሰለስተ ስሉስ ኩርነዓት ዝቖመት ሰማያዊ፡ ቀይሕን ቀጠልያን ዝሕብራ፡ ኣብ ማእከላ ወርቃዊ ሕብሪ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዘለዋ ባንደራ፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰቒላ ወግዓዊት መለለይት ኤርትራ ናይ ምዃን ሕጋውነት ረኺባ። እዛ ዳሕረወይቲ ባንደራ ብውሳነ ሓደ ውድብ ምናልባት’ውን ብናይ ሓደ ውልቀሰብ፡ ብዘይ ቀጥታዊ ይኹን ዘይቀጥታዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወሰነት፡ ሕገመንግስታዊ መሰረት ዘየብላ እያ። እንተኾነ ብሳላ ናይ ታሪኽ ትዕድልታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ስለ ዝተሰቕለት  ኣህጉራዊ መለለይት  ሃገረ ኤርትራ ክትከውን ግድን ኮይኑ።

ስለዚ ክልቲአን ባንደራታት እታ ቀዳመይቲ ብዘለዋ ታሪኻውን ሓርበኛውን ክብሪ፡ እታ ዳሕረወይቲ ከኣ ብዝረኸበቶ ተቐባልነት ኣድለይቲ ኮይነን ኣለዋ። ኣብ መንጎአን ዝነበረ ናይ ኣጠቓቕማ ፍልልይ ንምትዕራቕ ቀሊል ኣይነበረን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናይ ክልቲአን ታሪኻዊ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ድሕረባይታ ዘለዎም ኤርትራውያን ሓቢሮም ንሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ሓዳስ ኤርትራ ንክቃለሱ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ፍልልያት ንምዕራቕ ሓያል ጻዕሪ ኣካይዱ እዩ። ክሳብ ህዝቢ ኤርትራን ዝተፈላለዩ ውዳበታቱን ብናይ  ሓባር ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎኦም “ናትና እዩ” ዝብልዎ ሕገመንግስቲ ወኒኖም ብኡ መሰረት ባንደራ ዝቐርጹ፡ ክልቲአን ባንደራታት ኣርማ ናይቲ ሰልፊ ክኾና ወሲኑ።

ሰዲህኤ ነዚ ብምውሳኑ ዘጋጠሞ ብድሆታት’ኳ እንተነበረ፡ ሎሚ ግና እዚ ውሳነ’ዚ ዳርጋ ብኹሉ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ተቐባልነት ረኺቡ ዝትግበር ዘሎ እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሰዲህኤ ሰማያዊ ሕብሪ ከም መለለይኡ ውሲዱ፡ ኣብ ቅዋሙ ኣብ  ናይ መላለይ  ዓንቀጽ 1.2 መለለይ ሕብሪ ሰዲህኤ ሰማያዊ እዩ።  ትርጉሙ ከኣ፡ ንሰላም፡ ህድኣት፡ ንልምዓትን ብልጽግናን፡ ንጸጋታት ባሕሪ ኤርትራን ንተስፋታት መንእሰይ ሃገር፡ ከምኡውን ንሕሉፍ ተመክሮ ቃልሲ ህዝቢ ይገልጽ”  ዝብል ቀዋሚ ሕጡብ ኣስፊሩ’ሎ። ብዘይካዚ ካብ ጠቕላላ ጉባአታቱ ጀሚሩ ክሳብ ፈስቲቫላቱ፡ ብሰውራዊ ባይቶ ዝተጀመረ ብምቕጻል፡ ንሰማያዊ ሕብርን  ቆጽሊ ኣውሊዕን ብደረጃ ማልያ፡ ቆቢዕን ካልእ ምልክታትን ብቐጻሊ ከም መለለይኡ የንጸባርቕ።

 ሰማያዊት ባንደራ ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ልቢ ተጋዳላይ ዝነበራ ቦታ ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ። ተጋዳላይ ክንቀሳቐስ እንከሎ ኣምሪሑዋ ይጐዓዝ። ዕድል ክረክብ እንከሎ ኣብ ቀዋሚ ቦታ እውን ምልክት ቃልሱ ገይሩ ሰቒልዋ። ኣብ ከም ጽንብል ምጅማር ሰውራ ኤርትራን ካልእ መድረኻትን ድማ ክቡር ቦታ ሂብዋ። ንምስቃላ ኩነታት ኣብ ዘይፈቅደሉ ከኣ ብኽብሪ ዓጺፉ ኣብ ሳንጥኡ ከም ናይ ዓይኑ ብሌን ዓቂብዋ ተንቀሳቕሱ። ከምዚ ሎሚ ባንደራ ኣዚዝካ ኣብ ሓጺር ግዜ ብቐሊሉ ናይ ምርባሕ ተኽእሎ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብምስጢር ሰማያዊ ዓለባን ቀጠልያ ፈትልን ገዚኡ ብወሓላሉ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥሊፉ ይሰርሓን ይሕብሕባን ነይሩ። ምስዚ ግና ገለ ወገናት ሕገመንግስታዊ ድሕረ-ባይታኣ ብምዝንጋዕ “ብሕቡራት መንግስታት ዝተተኹበትልና’ያ” ብዝብል ምስምስ ክብራ ከጉድሉ ክፍትኑ ይስምዑ እዮም።  ካብዚ ሓሊፎም’ “ባንንደራ ጀብሃ”  ብዝብል ከጽብብዋ ዝደናደኑ  ኣይሰኣኑን።

ኣብዚ እዋንዚ ሰማያዊ ሕብሪ ናይዛ ባንደራ ጥራይ ዘይኮነ፡  ክሳብ ናይ ክዳን ኮይና  ሸነን ክትብል ንዕዘባ ኣለና። ማዕበል ብሪገድ ንሓመዱ ምስ ሰማያዊ ሕብሪ ምዕሳሉ፡ ኣሰር ኣያታቱን ታሪኽ ቃልሶምን ከም ዝሰዓበ ካብ  ዘመልክቱ ሓደ እዩ። ጽልዋ ሰማያዊ ሕብሪ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ንገለወ ወገናት  ሎሚ ዝጅመር ዘሎ ዝመስሎምን ኣይኮነን። እቲ ናይ ብሪገድ ንሓመዱ ንሰማያዊት ባንደራ ምስ  ማሕበረሰብ ዓለም ዝያዳ ንምፍላጣ ዝገብሮ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ነዊሕ ሓርበኛዊ ድሕረ-ባይታኣ ኣብ ሜዳን ከተማታትን ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ሎሚ ኣብ ኣደባባያት ዲያስፖራ ከም ዝጀመረ ኣምሲልካ ምውሳዱ፡ ነቲ ዝያዳ ክሰርጽን ክዓኩኽን ዝግበኦ  መስርሕ ምትኽኻእ  ከይሃሲዮ ብልቦና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።

ብዓብይኡ ክረአ እንከሎ ከኣ’፡ ሎሚ ኣድህቦናን ቃልስናን ኣብ ምውድዳርን ምትህልላኽን ብጉዳይ ባንዴራታት ዘይኮነ፡ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ኣብ ክንድኡ ህዝቢ ኤርትራ ዝቕበሎ ቅዋማዊ ስርዓት ምትካል ክኸውን እዩ ዝግበኦ። 

Page 2 of 564