ኣብ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓ.ም 1113 ኤርትራውያን ናብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣትዮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ1. ኣባይትኹም ብዘይ ፍቓድ ሰሪሕኩም ወይ ኣሐዲስኩም ብስም ምስምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ናይ ህዝቢ ገዛውቲ የፍርስ፡ ይህግርን ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣባይትኹም ብዘይፍቓድ ኣሐዲስኩም ተባሂሎም ማእለያ ዘይብሉ ናቕፋ ዝተቐጽዑ ውን ኣለው።
ኣብ ዓዲ ቀይሕ እውን ንመስርሕ ምፍራስ ኣባይቲ ናይ ህዝቢ ከቢድ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞን ኣብ'ቲ ዝተኸስተ ዕግርግር ጕድኣት ዝወረዶም ዜጋታት ምህላዎም እሙናት ምንጪታት ካብ'ቲ ከባቢ ሓቢሮም።
2. ኣብ ከባቢ ባድመ ኣብ ዝርከባ ከም ጃረት፡ ኣርኩብ፡ ሃዳሙ፡ ኣላላን ዓዲ ማኢልን ዝኣመሰላ ዓድታት፡ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓድታቱ ገዲፉ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ክግዕዝ ብስርዓት ኢሳያስ ተኣዚዙ ኣሎ። እቲ ነዚ ምፍንቓል'ዚ ዝተዋህበ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ተቓወምትን ናይ ኢትዮጵያን ናይ ስለላ ኣባላት ዝዋስእሉ ከባቢ ኢዩ ዝብል ምዃኑ ይሕበር።
3. ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ብዝብል ስም ዝፈልጥ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ፡ ካብ'ቲ ኣብ ከባቢ ጐሉጅ ዝርከብ ብመዓስከር ሓሬና ወይ ዓድ ሸኽ ጋላ ዝፍለጥ ቦታ፡ ናብ ገርገጂ እተባህለ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ናይ ሩባ ጋሽ ኣብ ጥቓ ጐኘ ኣብ ዝርከብ ገርገጂ እተባህለ ቦታ ተቐይሩ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ካብ'ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ናይ ዲምሓኵኤ ንምህዳም ምዃኑ እቶም ምንጪታት ይሕብሩ።
ገለ ክፋል ናይ ደምህት ኣብ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሙሳ፡ ገለ ድማ ኣብ ከባቢ ዓላ ኣብ ዝርከቡ መደበራት ኢዮም ተዓስኪሮም ዘለዉ። ገለገለ ተዓዘብቲ፡ ኣስመራ ብለይቲ ብደምህት ኢያ ትሕሎ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም።
4. ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሰሪ'ቲ ቀጻሊ ህድማታት ናይ ሰራዊት እናሰሓወ ስለዝመጸ፡ ስርዓት ኤርትራ፡ ነዚ ጕድለት'ዚ ንምምላእ፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ኣስማት፡ ማለት ኣባላት ዑቝር ሰራዊት፡ ሓለዋ ከባቢ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ወዘተ ዝጽውዖም ናብ ምዱብ ሰራዊት ክጽንበሩ ዝግድድ ውሳኔ ወሲዱ ኣብ ምትግባሩ ይርከብ ኣሎ።
ህልውና ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ቅድሜና ዝተገተረ መስገደል ስለ ዝኾነ፡ በብዕለቱ ብዛዕባኡ ክንጽሕፍን ክንዛረብን ናይ ግድን እዩ። ክንጽሕፍን ክንዛረብን እከለና ግና ከም ናይ ሰናይ ኣብነት ዘይኮነስ ከም ናይ እከይ ተግባራት ኣብነት ኢና እንጠቕሶ። ተግባሩ ከምኡ ስለ ዝኾነ። “ጉጅለ ህግደፍ ህዝብን ሃገርን ንምብስባስ ዝመጸ እከይ እዩ” ኢልካውን ስቕ ምባል ይከኣል እንድዩ፡ ምረት እከይነቱ ዝያዳ ንምብራህ ዝርዝር ምቕራብ’ውን ናይ ግድን እዩ። እከይነት ናይዚ ጉጅለ ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ማለት ኣብ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ ካብ ሓደ ዲክታቶርያውን ጸረ-ህዝብን ባህርይ ዝቕዳሕ እዩ። እዚ ጉጅለ ኩሉ ተግባራቱ ሓድሽ ቅዲ ሓንጺጽካ ንቕድሚት ምስጓምስ ይትረፍ እሞ ነቲ ዝነበረ ኤርትራዊ ኩለመዳያዊ መንነት እውን ናይ ምዕቃብ ዓቕሚ ኮነ ትዕግስቲ ዘየብሉ ንድሕሪት ዝስጉም ኣፍራሲ እዩ።
ሎሚ ኤርትራ ኣብ ቁጠባኣ ኮነ ባህላ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምስላ ኮነ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድነኣ፡ ኣብ ምኽባር ደሞክራሲያዊ ኮነ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ናይ “ዓሚ ይሓይሽ” ድሑር ደረጃ እያ ዘላ። ሎሚ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ዘመናዊ ስልጣነ ናብ ቁሸት ዝተለወጠትሉ ናይ ግሎባላይዘሽንን ምዕቡል ዘበንን ናይ ወፍሪ ፖሊሲ ዝማዕበለሉን መዋእል ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ተለዊጣ ብናይ “ዕጽው ፖሊሲ ዝምድና” ተሻቢባ ብናይ ሓሶት “ነብስኻ ምኽኣል ቁጠባ” ኣብ ባይታ ዘይሽረፍ ፖሊሲ ጸምልያ ዘላ ሃገር እያ። ጉጅለ ህግደፍ በብግዜኡን መድረኹን ብዝቐያይሮ መልክዓት ዝነዝሖ ብልጭልጭ ዝብል መብጸዓታት ነይርዎ እዩ። ሕጂ’ውን ኣለዎ። ኩሎም እዞም ዝቐያይሮም መልከዓትን ዘቃልሖም መብጸዓታትን ግና ብድምር ካብ ሓደ መኹባዕቲ ዝቕድሑ ናይ ኣፍራስነት ውጽኢት እዮም። ብጥሙር ሕርሻ ኣሳቢካ መሬት ድኻ ሓረስታይ እንተላይ ጉልበቱ ምዝማት፡ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብያተ ትምህርቲ ምዕጻው፡ ብጉልባብ ምብዛሕ ኮለጃት ዩኒቨርሲቲ ምዕጻው፡ ብጉልባብ ቤተሰብ ስዉኣትን ዳግመ-ህንጻን 2% ምእካብ፡ ብጉልባብ ሉኣላውነት ንኹሉ ደሞክራሲያዊ መስርሓት ዓጺፍካ፡ ብቑርጽራጽ ኣዋጃት ተሰኒኻ ኣብ ስልጣን ምቕጻል፡ ብጉልባብ ምንዳፍ ሓድሽ ሕገመንግስቲ ዕድመ መግዛእቲ ምንዋሕ፡ ብጉልባብ ምክልኻል ሃገር ዕዳጋ ቦንድ ምኽፋት …ወዘተ፡ ኩሎም እዚኣቶም ንዝነበረ ኤርትራዊ ኒሕን ውርሻን ንድሕሪት ዝመልሱ እምበር ንቕድሚት ዘሰጉሙ ከም ዘይኮኑ ርኢናዮ ኢና።ዲክታቶር ኣቶ ኢሳይያስ እውን ኣብቲ በብግዜኡ ዝገብሮ ተጋራጫዊ ቃለ መጠይቓት እንዳመለቖ ግዲ ኮይኑ “ ኢንዱስትሪ የለን፡ ጸዓት የለን፡ ዝተዋህለለ ማይ የለን ዘመናዊ መሳርሒ … ወዘተ” እንዳበለ ነቲ ብሰንኩ ኣጋጢሙ ዘሎ ጽልሙት ሃለዋት ኤርትራ ይገልጾ እዩ። ከምዚ ክብል እንከሎ፡ “እሞ እንታይ ደኣ ትገብር ኣለኻ?” ኢሉ ዝሓተኒ ኣካል የለን ካብ ዝብል ትምክሕቲ ዝነቅል ምዃኑ እውን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።
እነሆ ከዓ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት እቲ ቃድራ መሬት ግዲ ተወዲእዎ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ኣሻሓት ኣባይቲ የፍርስ ከም ዘሎ ዝሕብሩ ዜናታት ንሰምዕን ነንብብን ኣለና። ነዚ ዝፈርስ ዘሎ ጥሻታት በቲ “ መሬት ናይ መንግስቲ እዩ” ዝብል እሞ “ መሬትስ ናይ መንግስቲ’ዩ፡ መንግስቲኸ ናይ መን’ዩ” ዝብል ሕቶ ዘኸትል ፖሊሲኡ መሰረት ድላዩ ክገብሮ እዩ። ድላዩ ክገብሮ እዩ ክበሃል እንከሎ ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ክጥቀመሉ እዩ ማለት ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣብታ ተወሊድካ ዝዓበኻላ ቁሸት መጽለሊኻ ትሰርሓላ ቅራስ መሬት ንምርካብ ብጉጅለ ህግደፍ “እሙን” ዝብል መዓርግ ክትለብስ ይግበኣካ። እቲ ጉጅለ ነዚ ዝፈርስ ዘሎ መሬት፡ በቲ ዝለመዶ ኣገባቡ ወይ ንሰብ ዶላር ክሸጦ እዩ፡ ወይ ድማ ስልጣኑ ኣብ ምንዋሕ “ኣብ ጐንኻ ኣለና” ንዝብልዎ እሙናት ኣሳሰይቱ ከም ግነዖት ክህቦም እዩ። ርግጽ እዩ ኣባይቲ ክፈርስ እንከሎ ቀንዲ ምረቱ ነቶም ሰብ ኣባይቲ እዩ። እንተኾነ እዚ ተግባር ብምፍራስ ኣባይቲ ዘይዓግብ ሃገር’ውን ከብርስ ዘንቀደ ጉጅለ ዝወስዶ ዘሎ ስለ ዝኾነ ናብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እውን ናይ ብስራት ዘይኮነስ ናይ መርድእ እዩ። ደሓር ከዓ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነስ ጽባሕ ናብ ከባቢ ካለኦት ከተማታት ዝላባዕ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ህዝብን ከፍርስ እንከሎ ዘይዓጀቦ፡ ገዛውቲ ከፍርስ እንከሎ ቅጭጭ ከምዘይብሎ ርዱእ እዩ።
ሓቂ እዩ ነዚ ጸይቂ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዓው ኢልና ከነወግዞ ይግበኣና። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢኤርትራ’ኳካብ መጀምርታኡ፡ በቲ ሓደ ወገን መሬት ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ንዘለዎ ዕዙዝ ግደ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና ብዘይምጻእ ይመጾ ከም ዘሎ ብምርዳእ ንመሬት ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ዋና መሬት ህዝቢ እዩ” ካብ ዝብምል እምነቱ ነቒሉ ኣብ ዓንቀጽ 6.1፡ “ቀጻልነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ መሬት ንምርግጋጽን፡ ንድሌትን ረብሓን ናይ ሕጅን መጻእን ወለዶታት ብምንጽብራቕ ንምቕያሱ፡ ነዚ ዘሎ ንመሬት ዝምልከት ገባትን ኣግላልን ፖሊስን ኣዋጅን ህግደፍ ኣልጊሱ መጽናዕትን ምርምርን ብዘሰነዮ ፍትሓዊ መንገዲ ናብ ዋንነት ህዝቢ ይመልሶ።” ኢሉ ኣሎ። እዞም ንጉጅለ ህግደፍ ከም ነባሪ አሲዶም ንህዝብና ዘይወግሓሉ መሲልዎም፡ ነቲ ጉጀለ እንዳቃባጠሩ ሳዕቤናቱ ዘንጊዖም ኣብ ናይ መሬት ጉዚ ዝተመራስሑ ውሑዳት ኤርትራውያን፡ ቅድሚ ሕጂ እውን ኢደ-እግሮም ንክእክቡ መጠቀቕታታት ክቐርቦም ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ክንርሰዖ ዘይግበኣና ኣብዚ መድረኽዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይና ጉዳይ ተቓወምትን ኩሉ ደላይ ለውጥን ክኸውን ዝግበኦ፡ ደድሕሪ ኣጀንዳታት ህግደፍ እንዳኸድካ ኣብ ሓደ ፍሉይ መድረኻዊ ፍጻመኡ ተወሲንካ ምእዋይ ዘይኮነስ፡ አቲ ናይ ኩሉ ግናይ ባህርያቱ መሰረት ዝኾነ ህልውናኡ ዘኽትመሉ መንገዲ ክንረክብ እዩ ዝግበና። ከነወግዶ ዘኽእለና መንገዲ ክንፈጥር ናይ ግድን ይግበኣና። በቲ ንሱ ብበበይኑ መገድታት ኣብ በበይኑ ግዜ ንከቕህመና ዝምህዞ ፈላሊኻ ናይ ምውቃዕ ተንኮሉ ከይተዓሸና ናይ ግዜን ሜላን ምምራጽ ጉዳይ ተዘይኮይኑ ኣንጻር ኩልና ዝተነጻጸረ ናይ ኩልና ጸላኢ ምዃኑ ክንዝንገዕ ኣይግበኣናን።
ሎሚ ጸረ-ህዝቢ ተግባራት እዚ ጉጅለ ክንዝርዝር ንደኽመሉ ግዜ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እንታይነት ህግደፍ ኣይኮነንዶ ንዓና ንተቓወምትን ንህዝቢ ኤርትራን ንገዛእ ርእሱ ነቲ ጉጅለ እውን በሪሁ እዩ። ካብዚ ኣዝዩ ኣሻቓልን ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ኣሰካፊ መድረኽን መዋጸኦ ክኹኑ ይኽእሉ እዮም ኢልና ንኣምነሎም ነናትና እማመታት ካብ እነንጸባቕ’ውን ነዊሕ ግዜ ኰይኑ እዩ። ነቲ ኩነታት ናይ ምቕያር ዓቕምን ሓላፍነትን ናይ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ኩላትና ውሁድ ዓቕሚ ምዃኑ ካብ እንርዳእ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እዚ ካብ ኩሉ ጉባአታትና፡ ኮንፈረንሳትናን መሪሕነታዊ ኣኼባታትናን ብዝወጹ ደምደምቲ መግለጽታት ክረጋገጽ ጸኒሑ እዩ።
እምበኣር ሎሚ ምስ ተግባራውነት ኢና ፊትንፊር ተፋጢጥና ዘለና። ሎሚ ናይ ምእዋጅን ውሳነታት ምዝርጋሕን ወይ ናይ ምቕራብ ምሩጽ መደረታት መድረኽ ዘይኮነስ፡ ብተግባር ናይቲ ብሓሳብ እትብሎ ቅዩድ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ወይ ዘይምቕራብ ወሳኒ እዋን እዩ። ሎሚ ብዛዕባ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብቲ ትሰማማዓሉ ምስራሕ፡ ሰባኺ ዘይኮነስ ተግባሪ ኣብ ዝድለየሉ ኢና ንርከብ ዘለና። “ኣነ ምእንቲ ህዝበይን ሃገረይን ክብጀው እየ” ዝብል ብኣዋጅ ዘይኮነስ ብተግባር ኣብ ዝጥለበሉ እዋን ኢና በጺሓና ዘሎና። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ “ናይ ቃላትን ጃህራን ሓሸውየ” ዝጸውር እንግደዓ ከም ዘየብሉ ይገልጽ ኣሎ። ነዚ ሻቕሎቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ተዘይፈዊስናሉ ጽባሕ “ኣይእ ንሳቶም እውን ዘይከም ህግደፍ እዮም” ኢሉ ኣብ መስርዕ ኣፍረስቲ ከይሰርዓና’ሞ ከይንጠዓስ ብዓንተቦ ክንሓስበሉ ይግበኣና። ኣብቶም ብዓላማ እንፈላለ ዘሎ ርክብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ እምበር ጽልኢ ኣይኮነን። እዚ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ድማ ብናይ ተቐራሪብካ ናይ ሓሳብ እንካንሃባን እምበር፡ ብናይ ተረሓሒቕካ ጽልኢ ዝውዳእ ኣይኮነን።
4 መጋቢት 2015
Explaining the Evil Mind that Is Destroying and Burying the Legacy of the EPLF and the Eritrean Dream: Revealing the Nature (Core Values) of Isaias Afeworki
Written by EPDP Information OfficeEPDP Editorial
PART II
The point is Eritrean people in a deadly historical mistake entrusted Isais with their public space, their fundamental freedoms, their power of citizenry and sovereignty, and their revolution that they achieved in the decades before independence.
The root causes of all contemporary Eritrean problems are political, inasmuch as the political philosophy of the dictatorial regime of Isaias, which is “equality in poverty”. Just to make it evident, the dictatorial regime in Eritrea is organized to benefit the few in power at the expense of the vast majority of the Eritrean people. In effect, the political power and vast wealth amassed by Isaias and his elites is one that buys the support and loyalty Isaias needs in order to stay in power while depriving the general populace of their basic rights.
One might ask why the regime wants to impoverish the people. Couldn’t it benefit more from the prosperity of the people and the country? The answer is “No”, at least for two reasons:
- Economic institutions that create incentives for economic progress may simultaneously redistribute income and power in such a way that a predatory dictatorship and those that support it may become worse off. Allowing such an economic progress and freedom of institutions that supports it – brings out to the open a conflict between democracy/freedom/equality and dictatorship, which could be instrumental in bringing down the regime of Isaias. For this very reason, the Isaias regime would not allow economic freedom because it threatens its power to the core.
- The nature and characteristics of the dictator at the helm of power in Eritrea is not amenable to reform, let alone to a fundamental change. Thus, in order to bring democracy and all fundamental freedoms in Eritrea, removing the dictatorial regime’s political structure should be the first order of business for the Eritrean people. To that effect, an understanding of the nature and characteristics of the regime and the man at the helm of the power is crucial.
The genesis of the dictatorial regime in Eritrea is closely associated with the nature and characteristics of its architect - Isaias Afeworki. Isaias is a narcissistic and greedy dictator. As a narcissistic leader, Isaias has been and continues to be obsessed with the desire to have an absolute power, as well as a grandiose sense of self-importance or uniqueness of his talent by exaggerating his achievements during the armed struggle and beyond. Not only that but also Isaias is a person who portrays himself as a superhuman who deserves a sense of entitlement in that he wants a special treatment from Eritreans without assuming reciprocal responsibilities – he thinks that he has the right to rule Eritrea without the consent of the Eritrean people as if the country is his own private property. To this end, he established a mythical narrative and fairytale about himself that keeps duping the Eritrean public until now.
Now, majority of Eritreans know that two decades into Isaias’ dictatorship, Eritrean individuals, families, neighborhoods and towns and villages and other traditional institutions (religious groups, educational institutions, hospitals etc) became state-centered; the popular sovereignty of citizens, freedom and liberties, which are the bedrock of democracy are nonexistent. The message here is that Isaias is a prototype of evil dictator that rose to power on the ruins of democracy and freedom, a man who lacks the basic human capability and morality or sympathy to others. And if there is a piece of human trash in our midst, Isaias would be the one. Like many notorious dictators in history, Isaias’ politics of citizenry resides on division, fear, distortion, and demagoguery. And to elaborate some of Isaias’ egocentrism, brutality, disrespect and contempt to the collective wisdom of Eritrean people, here are few examples that the public is familiar with:
- The extrajudicial killings of his close associates during and after the war of liberation period on the pretext of national security and other lies;
- The imprisonment and subsequent disappearances of top government officials such as the G-15 on trumped up charges of treason;
- Condescending comments such as “do the Eritrean people want us to slaughter lambs every Thursday and deliver them to every house” in his scornful reactions to the public complaints about the provision of public service where in reality there was little of it;
- Condescending comments such as “let’s count the number of pregnancies in Asmara and the number of pregnant girls in the National Service” when the public complained about the nonconsensual sex and pregnancies for which young girls were being forcibly raped and impregnated by his army generals and officers;
- Characterizing the 2013 Lampedusa tragedy that claimed over 360 Eritrean children, women and young people as “illegal African migrants” by his state media, which shows the depth of lack of empathy and mockery of Isaias; and
- The utter disregard to the interest of the Eritrean people when Isaias declared in his 2015 New Year interview the 1997 Eritrean constitution as dead before it was even promulgated.
In hindsight, we know Isaias exploited the unique circumstances and the critical juncture that occurred in post independence Eritrea. To put it differently, the fatigue of 30 years of destructive war and the subsequent euphoria of independence let the Eritrean people’s guard down and helped Isaias to lay the foundation of his absolutist and extractive political, economic, and social institutions. Not only that but some also believed that giving the power to Isaias was correct and acceptable as a temporary arrangement. The point is Eritrean people in a deadly historical mistake entrusted Isaias with their public space, their fundamental freedoms, their power of citizenry and sovereignty, and their revolution that they achieved in the decades before independence.
Using such an opportunity - or call it the magnanimity of Eritrean people - Isaias went on consolidating his dictatorial regime by engaging in a scheme of depriving all political rights and atomizing Eritrean society by introducing a series of draconian measures that overtime brought the breakdown of our families and communities, erosion of our cultural values and freedoms, and the destruction of Eritrea’s patriotism, harmony, courage, unity, religious life, and perseverance, which we know such values are the foundation of Eritrean people that helped them withstood all enemies and foreign occupiers, and values that cemented their unity in the last century.
In order to ensure the success and continuity of his dictatorial rule in Eritrea, he pursued a policy of politics of fear and divide-and-rule strategy such as “giving positions as compensations that excluded the civilian workforce from the public life”, “rewarding public positions both civilian and military not on merit, but on the basis of political loyalty; remuneration and entitlements based on cronyism and not on merit, etc. In doing so, the regime accumulated enormous and overarching power through its regime-controlled public space that continues to squeeze and completely suffocate Eritrea’s political and socio-economic space to the extent that the public cannot do anything outside the terms and codes the regime has established. And this has been a major obstacle for any dissent or opposition to organize and flourish inside Eritrea. Under these circumstances, those who can take the risk of acting outside this area are the Diaspora-based individuals and political groups, but they are also weak and divided to the extent that the dictator views them as a nonexistent opposition and if there are, in the eyes of the regime, they are considered as a threat to the country – a claim that the regime is exploiting solely to maintain its political legitimacy in the country.
In sum, we should not underestimate the deceiving power of Isaias. Even now, he can hide his malevolent agenda and deceive well meaning Eritreans. As a malignant narcissist leader, Isaias is adept at charming and manipulating others, camouflaging his malevolent agenda, and even sometimes appearing to be very a normal person. And yet, he is very skilled both at entrancing and putting other’s under his spell. Not only the disdainful interviews that he gives every New Year, but over the past decades, we saw Isaias portraying every trait of a narcissist leader such as lying, creating false propaganda, presenting exaggerated and dubious claims, including using nonexistent foreign threat to the country to instill fear in the minds of his followers/the public as a ‘controlling technique’.
Hence, we should not assume that the people will understand Isaias’ malicious and malevolent behavior and expect them to easily shift loyalty. Chances are that many of his followers may not voice their opposition to his regime and may never exit and shift loyalty to the justice seeking forces (camp). After all, there is the so-called “herding” (just following the flow) that the justice forces need to understand. Thus, as crazy as it is, it is not unnatural for some people to follow the dictator to his grave and perhaps put flowers in his grave, too. Importantly, for many Eritreans the distinction between “a nation, a sate, and a government” is not that clear. For many there is no difference and they consider any “opposition to the government as opposition to or even rejection of the Eritrean Nation and Eritrean State,” which we know this political attitude is to the likening of the dictator. Our role must be to educate the public on the issue of democracy, rule of law, nation, state, and opposition as related to the process of democratization in Eritrea. With this, it is time that we say enough is enough and stop Isaias from destroying and burying the legacy of EPLF and our armed struggle and thedream of our people – a dream of democracy, rule of law, and constitutional governance that is accountable to the people of Eritrea. EPDP says the justice seeking forces need to stop empty boasting and bragging, and should begin “talk the talk and walk the walk” –backing up what we say with concrete action.
ሰዲህኤ ዝርከቦ ኤርትራዊ ልኡኽ ኣብ ኣገዳሲ ኣኼባ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ስዊስ ተኻፊሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ወከልቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ): ሓዲሽ ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ስዊዘርላንድን ዝርከቡዎ ሓባራዊ ኤርትራዊ ልኡኽ: ብዕለት 2 መጋቢት 2015 ኣብ ከተማ በርን ኣብ እተጋብኤ ኣገዳሲ ኣኼባ ማሕበረ- ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ (ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት) ስዊዘርላንድ ተረኺቦም ንሃለዋት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቦም።
ዕላማ ናይዚ ብናይ ወጻኢ ጒዳያት ሽማግለ ማሕበረ- ዲሞክራሲያዊ ሰልፊስዊስ እተጸውዐን እተመርሐን ኣኼባ: መንግስትን ሃገርን ስዊዘርላንድ: በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ፖለቲካውን ናይ ሰብኣዊ መሰላትን: ናይ ስደተኛታትን ጸገማት እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዋ ንምጽናዕ፣ ከምኡ ከኣ ኣብ መጻኢ ክውሰድ ንዝግብኦ ስጒምትታት ንምድህሳስ ነይሩ።
ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ኣቦ መንበር ሽማግለታት ወጻኢ ጒዳያት ሃገራዊ ባይቶ ስዊስን ናይ ሶሻል ዲሞክራት ሰልፍን ዝኾነ ሚስተር ካርሎ ሶማሩጋ ነይሩ። ጒዳይ ኤርትራ ዝምልከቶም ተባሂሎም ኣብ ኣኼባ ካብ እተዓደሙ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ተሳተፍቲ: ናይ ፈደራላዊ ምኒስትሪታት ወጻኢን: ፍትሕን ፓሊስን ወከልቲ: ከምኡውን ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን መራሕቲ ነይሮም።
ኣባል ባይቶ ካርሎ ሶማሩጋ፣ ህንጻ ባይቶ ሃገረ ስዊስ፣ ኣምባሳዶር ሉጎን-ሙላን
ኣብ ኣኼባ ከም ቀንዲ ተዛረብቲ ኰይኖም ዝቐረቡ: ናይ ሰዲህኤ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ: ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፣ ናይ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃን ናይ ፍራንኮፎንን ጒዳያት ሓላፊት ኣብ ወጻኢ ምኒስትሪ ስዊስ ዝኾነት ኣምባሳዶር ኣን ሉጎን-ሙላን፣ ከምኡ ወኪል ካብ ናይ ስዊስ ናይ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ሚስተር ዳኒኤል ሲሊንገን ነይሮም። ኣቶ ጸጋዘኣብ ገብረሚካኤልን ኣቶ ተስፋጋብር ገብረን እውን: ከም ወገልቲ ጽላል ማሕበር ኤርትራውያንደለይቲፍትሒ: በቲ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ብዘጓንፎም ጸገማት ንምብራህ ኣኻሊ ዕድል ተዋሂብዎም።
ኤርትራውያን ተዛረብቲ: ክሳዕ ሎሚ መንግስቲ ስዊስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ከቢድ ፓለቲካውን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታትን: ብዕሊን ብኣዋጃትን ዘይምዂናና ቅር ከምዘበሎም ኣይሓብኡን።
ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰነ ኣብ ናይ ስደት ቦታታት ንዝርከቡ ኤርትርውያን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ድሕሪ ምሕባር፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ 20,000 ዝበዝሑ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጹ እሞ መብዝሕትኦም መንእሰይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብምህላዎም: መንግስቲ ስዊስ ፍሉይ ናይ መነባብሮን ናይ ትምህርትን ቈላሕታ ክገብረሎም ተማሕጺኖም።
እቲ ኣኼባ ናይ ኤርትራን ህዝባን ጸገማት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ተገንዚቡ፤ ብመንግስቲ ስዊስ ኮነ: ብደረጃ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ውደባታትን ክግበር ዘለዎ ጻዕርታት ከኣ ክቕጽል ከም ዝግብኦ ተረዳዲኡ። ኣብ ፈደራላዊ ፓርላማ ስዊስ ክልዓል ዘለዎ ነጥብታት እውን ካብ ሓያለይ ተዛረብቲ ተዋህሊሉ።
ኣቦ መንበር ኣኼባ ሚስተር ሶማሩጋ: ኣብቲ ኣኼባ እተላዕለ ነጥብታትን ወኸሳታትን ኣብ ግብሪ ክውዕል ቀጻሊ ጻዕርታት ክግበር ምዃኑ ገሊጹ። ሚስተር ሶማሩጋ: ክብ ዝበለ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣባል ባይቶ ኢዩ። ኣቐዲሙ ከም ጠበቓን መራሒ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ኰይኑ ኣንጻር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዓሌታዊ ፍልልይ ልሉይ ቃልሲ ዘካየድ ብምዃን ይፍለጥ።
ብሸነኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቓል እተመሓላለፈ መግለጽን፣ ክግበር ናይ ዘለዎ ዕማማትን ብጽሑፍ ከይተረፈ ናብ ኲሎም ኣኼበኛታት ከም ዝበጽሕ ተገይሩ።
EPDP & Eritreans in Switzerland Address Policy Meeting of Social Democrats in Bern
Written by EPDP Information OfficeBy EPDP Information Office
The external affairs committee of the Swiss Social Democratic Party has organized an important meeting in the Swiss capital of Bern on 2 March 2015 at which Eritreans made strong presentations on the political and human rights problems encountering Eritreans at home and in their heartbreaking displacement in diaspora.
Chaired by MP Carlo Sommaruga, who is the president of both his party’s foreign committee as well as being the president of Swiss National Assembly’s Commission for External Affairs, the meeting was attended by over 30 senior federal government officials from the ministries of foreign affairs, justice and police, representatives of parties and non-governmental organizations that were interested to question and discuss Switzerland’s policy towards Eritrea on human rights, refugees and related external policy matters.
MP Carlo Sommaruga Swiss Federal Palace/Parliament Amb. Anne Lugon-Moulin
Keynote presentations were made by Mr. Woldeyesus Ammar, foreign relations head of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP), followed by Ambassador Anne Lugon-Moulin, director of the Sub-Saharan and Francophone Division in the Swiss Foreign Ministry, and Mr. Daniel Zollinger, senior official at the state secretariat for migration in the Ministry of Justice and Police which is headed by the current Swiss President, Ms Simonneta Sommaruga of the Social Democratic Party. Other speakers who were invited by the chair to give their inputs were Mr. Tesfagaber Ghebre and Mr. Tseghazeab G/Michael who represented at the meeting the newly formed umbrella to coordinate various Eritrean refugee and politico-civil society groupings in Switzerland.
The Eritrean speakers regretted that Switzerland, and the Swiss parliament in particular, did not so far strongly formally condemn the human rights abuses in Eritrea, including the use of forced labour, and hoped that such important actions will be taken in the future. They also highlighted the situation of Eritrean refugees in Switzerland and called for attention by federal and cantonal authorities as well as by the fraternal political and civil society organizations in the country. In particular, Mr. Tsegazeab G/Michael, chairman of the umbrella, and Mr. Tesfagaber Ghebre committee member (and also chairman of the Swiss branch of EPFP) emphasized the importance of protecting asylum seekers from agents of the Eritrean regime in Switzerland, like Toni Locher of Zurich, who are creating problems to refugees opposed to the dictatorship in Eritrea.
Ambassador Lugon-Moulin briefed the meeting on measures taken by the federal foreign office in the Horn of Africa and areas of Swiss support tuned to refugees in the region. Mr. Zollinger of the Ministry of Justice and Police and his two colleagues closely working with Eritrean asylum seekers briefed the meeting on the real hardships Eritrean refugees face in their risky journeys to reach Europe. They said every care is taken to support them adjust to life in this country.
Mr. Carlo Sommaruga, a jurist-trade unionist who built huge renown in his anti-apartheid and related campaigns in the past, thanked all meeting participants and reassured that their inputs will be taken care at many levels of action in Switzerland.
After briefing the meeting on the internal political and human rights situation in Eritrea and the suffering of its refugees, the EPDP head of foreign office made the following summary regarding what Switzerland can do to help avert a much worse situation from occurring in highly militarized Eritrea that can further complicate matters in the region and outside it, as did the state failure and breakdown of society in Somalia.
What Switzerland Can Do to Help Eritrean Refugees in this Country
Most of the recent caseload of over 20,000 Eritrean refugees in Switzerland are young, almost all with poor educational background. They are also extremely traumatized by the difficult situation they experienced in Eritrea and the problems they faced on their hazardous journey to Europe. Therefore, to help them to eventually become useful citizens anywhere, they would primarily need immediate support/assistance like:
- Special attention to their emotional/mental status;
- Basic education, including technical skills; and assist them obtain jobs through a special agency catering this support;
- Periodical seminars/conferences in their language on basics of human rights, anti-militarism/anti-violence etc
- Grant them appropriate legal/political protection with the condition that those who misuse this right by collaborating with the Eritrean Consulate General in Switzerland will be sent back to Eritrea.
Action on the Government in Eritrea
The repressive regime in Asmara has not been receptive to outside pressure in the past. However, continued efforts can yield fruit. For example,
- Strictly implement the targeted UN sanctions, especially regarding the 2% tax and the denial of entry visas to Eritrean government officials;
- Switzerland can work with some known organizations like the ICRC to pressurize the regime to allow at least visitations to known prisoners such as the members of G15 (senior government officials) and journalists imprisoned since 2001;
- Pose to the regime serious questions about the status of the national service and the use of forced labour in Eritrea. In addition, it would be greatly helpful if the Swiss Government (preferably by the Swiss Federal Assembly) could issue a statement condemning (a) Eritrea’s use of forced labour, (b), misuse of national service beyond humanly acceptable limits in the past two decades, and (c) the incarceration without any charge and a day at court of the 11 members of the Eritrean “National Assembly” since 18 September 2001.
At the Horn of Africa Level
- Put more pressure on both Eritrea and Ethiopia to normalize relations;
- Ethiopia can help by accepting the final and binding arbitration decision of the Eritrea-Ethiopia Border Commission;
- Initiate a solid support for Eritrean refugees in the Horn of Africa region. This will require a special package project for academic and vocational education in East Sudan and North Ethiopia partly using technical development resources that several countries suspended from Eritrea due to the human rights condition there.
Capacity Building for Democracy and Human Rights
- Empowering the mainstream non-state actors (civil society and political movements in diaspora) through capacity building can help in bringing about a positive change in Eritrea (eg. Help radio broadcasts to Eritrea);
- In particular, some Swiss political parties have a stake in working closely with the Eritrean community in this country to influence positive developments in Eritrea today and in constitutional governance in post-dictatorship Eritrea.
ብድሕሪት ተኲሱ ዝወግእ እንግዳዓ
ኣድራጋ ዝሃረመ ካብ ብሻዓ፣
ካብ ፈለማ ኣደልዲሉ ድርዒ
ዝሕባኣሉ መጸግዒ።
ሓርበኛታት፡ ከቋሙቱ ቅድሚት
ወራር ጀመረ፡ ካብ ድሕሪት፣
እናጨመተ ንዝሃብረረ
ሃገር ኣልቢስዋ ናይ ሓዘን ቋረ።
ወራር፡ ገጽ`ዶ ኣልይዎ መልክዕ?
ዓመጽ እንዳኣሉ ደም ዘጉስዕ፣
ስሰዐ ዝማእከሉ ጨካን ወፍሪ
ኣረመኔ ባህሪ፡ ቀዛፊ፡ ዓምጣሪ።
ካብ ናይ ራዛ ፕሮጀክት- ዝሻሕከረ
ካብ ዳግመ-ወራር- ዝጠንከረ፣
ካብ ምክልኻል ናቕፋ- ዝሓለ
ካብ ሰላሕታ ወራር- ዝመረረ።
ሃገር ደመየት ብወሓዚ ስደት
ንማእሰርትን መቕተልትን ካብ ተፈርደት፣
ሕሱም ወራር`ሲ እዚ እንዳኣሉ
ሃገር ዝረማስስ ካብ ውሽጢ ነቒሉ።
ኣለዋ፡ ዓድታት ዳርጋ ዝጸነታ
እታ ጽብቕቲ ቤቶም ብውቅብታ፣
ራሕሪሖማ ከይዶም፡ ነፊጾም
ተስፋ-ኣልቦ ኮይንዎም ቀቢጾም።
ኣልቦ መዋጸኦ፡ ልኩት፡ ኩሕኖ
ንሓሳረ-መከራሞ እንታይ ክሳኣኖ!
ኣንቱም ሰባት! ሕሱም`ዩ እዚ ወረራ
ረኺብና ከንስእና ኤርትራ?
ጸጋይ ነጋሽ
03 03 2015
HAILEMELEKOT BITEW HAILE: JANUARY 15, 1953 – FEBRUARY 15, 2015
ዝኸበርኩም ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን እትርከቡ ቤተሰብን፡ ፈተውትን፡ ናይ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ኣብያተ-ክርስቲያናትን፡ ናይ ኤርትራ ማሕበረኮምን ንኹሉቲ ፍቑር ሓውናን ኣቦናን ሃይለመልኮት ቢቶው ካብ ዚሓመመሉ ግዜ ክሳብ ዓሪፉ ሓመድ ኣዳም ዚለበሰላ እዋን፡ ዝገብርኩሞ ዘይስልኪ ጸሎት፡ ዘርኣኽሞ ወሰን ዘይብሉ ፍቕሪ፡ ዚለገስኩሞ ደረት ዘይብሉ ደገፍ ልባዊ ምስጋናና ነቕርብ።
ብኣካል ተረኺብኩም ይኹን ብስልኪ ብጽሑፍተሳተፍቲ ናይ ሓዘና ምዃንኩም ብምግላጽ ዘጸናናዕኩምና፡ ምስጋናና ወሰን የብሉን።
የቐንየልና! ሕሰም ኣይትርከቡ::
ስድራቤት ኣቶ ሃይለመለኮት ቢቶው ሃይለ
We would like to sincerely thank our dear family, friends, all of the churches, and our community for your constant prayers, love, and support. There are no words that can express our gratitude for all that you have done. May God Bless You.
With Much Love,
Hailemelekot’s Family
ቀዳማይ ክፋል
- እቲ በትረ ስልጣኑ ብምልኪ ዝፈለመ፣ ህዝቡን ህዝቢ ዓለምን ዝፈንፈኖን ሞራላውን ንዋታውን ደገፍ ዝተሓረሞን ስርዓት ህግዲፍ ከም ነባሪ እምባ ንሊዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ስልጣኑ ይነብር ካብ ሃለወ፣
- እቲ ካብ ቅድሚ ነጻነት ሃገር ኣትሒዙ ለውጢ ከምጽእ ክቃለስ ዝጸንሐ ሓይልታት፣ ድሕሪ ነጻነት እውን እንተኾነ ገለ ክፋል ሓይሊ ህዝቡውን ተወሲኽሉን ኣሰንይዎ እንከብቅዕ፣ ፈራይን ጸጋይን ዝኾነ ነባሪ ቃልሲ ካብ ምክያድ ሓሊፉ ናይ ዓወት ጩራውን ከምጽእ ካብ ዘይከኣለ፣
- ብሔራት ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ንኡሳን ብሔራት ድማ ብፍላይ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይ ኣፈላላይ ንኹሉ ዜጋ፣ ብሔር፣ ሃይማኖት፣ ብማዕረ ዝድህኽ፣ ንዝኾነ ጸግዒ ዘይህም ጨካን ስርዓት ምዃኑ እንዳፈለጣን እንዳገለጻን፣ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ግን ንብሔራዊ ህልውንአንን ንብሔራዊ መሰላተንን ግን ብመንገዲ ሃገራዊ ውደባን ሃገራዊ ቃልስን ዘይኮነስ ብመንገዲ ብሔራዊ ውደባን ብሔራዊ ቃልስን ምዃኑ ኣሚነን ንብሔራተን ዝውክል ካብ ሕድሕድ ዝተናጸለ ኣወዳድባ ካብ ኣተኣታተዋ፣
- እቶም ካብ ኢድ እዚ ንናይ መዋዕል ኣገልጋልነት/ባርነት ዝፈረዶም ጨካን ስርዓት ኣምሊጦም ኣብ ውሑስ ሃገራት ዝኣተዉ ኤርትራውያን መንእሰያት እውን እንተኾኑ፣ ኣብቲ ፋልማይ ጸረ ምልካዊ ምንቅስቃሳቶም፣ ነቲ ዝጸንሐ ገዲም ቃልስን ገዳይም ተቃለስቲ ኣያታቶምን፣ እዚኣቶም ናይ ቲሕቲ ሃገራውነት ሕማም ዘለዎም እዮም እሞ ከይምርዙና ካብኣቶም ተፈሊና፣ ኣብ ትሕቲ ሃገራውነት ተጥርኒፍና መንእሰያዊ ምንቅስቃስ ከነካይድ ኢና ብማለት ዝተጎጀለ ምንቅስቃስ ጀሚሮም እንከብቅዑ፣ ሎሚ ንሳቶም እውን በቲ ዝጸንሐ ናይ ኣያታቶም ሕማም ተለኺፎም ነቲ ዝነበረ ፍልልያት ካብ ዝነበሮ ናብ ዝበኣሰ ደረጃ ካብ ኣዕረግዎ፣
- እቲ ዝበዝሐ ክፋል ምሁራውን ፈሊጣውን ዓቅሚ ዘለዎ ኤርትራዊ ማሕበረ ሰብ ከም ፍሉይ ውህብቶን ጸጋን ናይ ሓንቲ ሃገርን ህዝብን መጠን፣ ምሁራዊ ሓላፍነት ወሲዱ ንድሕነት ሃገርን ህዝቡን ሓርኮት ብምባልን፣ ዝተወሃሃደ ቃልሲ ብምክያድን መርሕ ታራ ኣብ ክንዲ ዝጻወት ዝበዝሐ ክፋሉ ስቑታ ካብ መረጸ፣ ገለ ክፋሉ ድማ ኣብ ናይ ምጉጅጃል መሳርዕ ተሰሊፉ በቲ ጸላዊ ዓቅሙ ንዘሎን ዝጸነሐን ፍልልያት ኣብ ክንዲ ምጽባብ ከጋፍሖን ከባዝሖን ይርከብ ካብ ሃለወ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ነቲ ዘይምኽነየሉ ሃገርን ህዝብን ዘብርስ ዘሎ ምሕደራ ሰርዓት ህግዲፍ ከመኽንየሉን ክሕለቀሉን ይርከብ ካብ ሃለወ፣
- ነቲ ብብዝሒ ተሳትፎ ህዝቢ ተነዲፉ ኣብ 1997 ዝጸደቀ ዓንደ ሕጊ ሃገር/ National Constitution/ ኣብ ከይዲ ምንዳፉን፣ ኣብ ከርሰ ትሕዝቶኡን ርኡይ ኣበራት ንዝነበሮ ሰነድ፣ ስርዓት ህግዲፍ ንፖለቲካዊ መኽሰብን ንመናወራን ኢሉ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ኣልቦ ዝኾነ ቅዋም ወኒና ኣሎና ኣብ ዝበለሉ ህሞት ነዚ ናይ ጃህራ ኣዋጅ መጕሊሕን ደገፍን ዝኾኑ፣ ሎሚ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ነቲ ካብ ዕለተ ምእዋጁ ባዕሉ ዓፊኑ ንዝቀተሎ ዓንደ ሕጊ ሃገር፣ እዚ ዝሞተ ሰነድ እዩ፣ ህይወት ኣልቦ ሰነድ ስለዝኾነ ድማ ድጊም ብዛዕብኡ ክንዛረብ እውን የብልናን፣ ኣነ ድማ ብተኣዘዝተይን እሙናተይን ገይረ ካልእ ቅዋም ኣብ ምንዳፍ ይርከብ ኣሎኹ፣ ምስተዛዘመ ጥራሕ እዩ ድማ ንህዝቢ ዝንገር እንክብል ንህዝቢ ብብደዐ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን ድማ ነዚ ኣዋጅ እዚ ከም ቅቡልን ምኽኑይን ብምግባር ንምልክን መላኽን ዝጣበቅን ዝሕለቅ ምሁራውን ፈሊጣውን ድምጺ ከበሳ ይስማዕ ካብ ሃለወ፣
- ኣንጻር ናይዚውን ነዚ ቅዋም እዚ ካብ መስርሕ ምንዳፉ ኣትሒዙ ጌጋ ከም ዝነበሮን፣ ውክልናን ተሳትፎን ናይ ህዝቢ ከምዘይነበሮን፣ ንመሰላት ህዝቢውን ዘየውሕስ ቅዋም ምንባሩ ብምግላጽ ነቲ ከፊላዊ ኣወንታውነቱውን ዝኽሕዱ፣ ምስዚ ኣተኣሳሲሮም እውን ህዝቢ መታሕትን፣ ህዝቢ ኣማኒ ምስልምናን ካብ ምምስራት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ኣትሒዙ ብህዝቢ ከበሳ ምስ ተበደለ እዩ፣ እሞኸኣ እቲ ትማሊ ህዝቢ ከበሳ ንኣንድነት እንዳኣድመጸ ንነጻነትን ዘድመጸን ሰውራ ዝመስረተን ህዝቢ ባርካ/መታሕት ኢሉ ዝማጎት ምሁራውን፣ ፈሊጣውን፣ መታሕታውን፣ እስላማውን ድምጺ እንዳተቀልቀለን እንዳጎልሐን ይምጽእ ካብ ሃለወ፣
ነገሩ፣ እዛ ብርኩታ ኣብ ውሽጣ ገለ ኣላታ ስለዝመስል፣ እዚ ኣብ ላዕሊ ርእሰ ዓንቐጽ ናይዚ ጽሑፍ እዚ ዝኾነ ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን እዩ. ሓበርቲ ኣጻቢዕትና ገበነኛን ዓማጺናን ንዝኾነ ሰርዓት ኢሰያስ ንምሕባር፣ ንምዃናኑ ድማ ልሳናትና ዘስመርና እንክንስና፣ ነቲ ናይ ሓባር ጸገም ዝኾነ ስርዓት ንምእላዩ ቅልጽምና ካብ ዘየስመርናን ዘየወሃሃድናን ናይ ግድን እዩ ክዝረብን፣ ክግለጽን ዘለዎን፣ ድሕሪ ግቡእ ተረድኦ ድማ ናይ ሓባር ፍታሕ ክንናደየሉን ዘለዎ ድጉል ዝኾነ ጽገማት ከምዘሎ ጎሊሑ ይረኣየካ. ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ምልኪ ጥራሕ እዩ ኢልካ ክትድምድሞ እውን ዘይከኣልን ካብ ባይታ ዝምስክሮ ሓቅን ክተምልጥ ምፍታንን ጥራሕ እዩ ክኸውን::
ብመሰረቱ ሕማምካን ሽግርካን ኣቀዲምካ የዐሪኻ ምፍላጦም፣ ቀጺሉ ድማ ከይተሰከፍካን ከይሸፋፈንካን ኣውጺእካ ክትዛረበሎምን ክትገልጾምን ምኽኣል መፍትሕን መድሃኒትን ኣብ ምርካብ ዓቢ ግደ ኣለዎም:: ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ እውን እንተኾነ ንዝድለ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ክበቅዕ እንተደኣ ኮይኑ፣ ኣቀዲሙ እቲ ፍታሕ ዘድልዮ ቀንዲ ጽገማት ህዝቡ ፈልዩ ክፈልጥን ብቀዳምነት ንዑኡ ፍታሕ ክረኽበሉን ክኽእል ኣለዎ:: እንተዘይኮይኑ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ኩሉ ደላይ ለውጥን ንለውጢ ዝቃለስን እንክንሱ፣ ኣብ ፖለቲካውያንን በርገሳውያንን፣ ገዳይምን ሓደስትን/መንእሰያትን፣ ሃገራውያንን ብሔራውያንን፣ ሃይማኖታውያንን ዕልመናውያንን፣ መታሕታውያንን ከበሳውያንን፣ ኣኮለጉዛይ፣ ሰራየ፣ ሓማሴን፣ ኣባላት ኪዳንን ዘይ ኣባላት ኪዳንን፣ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ዘይኣባላት ሃገራዊ ኣይቶን፣ ጀብሃ ነበርን ህዛዊ ግንባር ነበርን/መድረኽ፣ ፈደራላውያንን ዘይምእኩል ምሕደራውያንን ወዘተ ወዘተ ኣብ ዝብል ናይ ፍልልያት መሳርዕ ተገማሚዕና ክነብርን ክንደክምን ምዃና ክሳብ እዛ ዕለትዚኣ ዘመዝገብናዮ ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ እዩ::
ክፍለጥ ዘለዎ ድማ እዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢስያስ ዘለዎ ጽልኢ ዓቢይ ኮይኑ ኣብ ሊዕሊ እዚ ኣብ ዝተገማምዐ ደምበ ተቃውሞ ዘለዎ ስኽፍታን ስግኣትን ግን ካብኡ ዝዛየደ እዩ:: ከምቲ እተጽገኒ ቅጫስ ኣብ መቑሎኣ እንከላ ይፈልጣ ዝብል ብሂል ኣበው፣ ህዝብናውን ብሓደ ጥርኑፍ ሓይሊ/ህግዲፍ ዘይቀሰንኩዶ ብተጎጃጂሉ ዘመነ ውራውራ ዝኣወጀ ሓይልታት ክርህወለይ ኢሉ ጽባሕ ካብ ሎሚ ከይትገዶ ኣብ ስኽፍታን ሽቁረራን ይነብር ከምዘሎ እዩ::
ካብ ትዕዝብተይን ተረድኦይን እምበኣር ክንዮ መላኽን ገባትን ስርዓት ህግዲፍ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ብብሔር፣ ሃይማኖት፣ ዞባ ተጎጃጂሉ ኣብ ነንሕድሕዱ ምትእምማን ዝበሃል ኣጥፊኡ ይርከብ ኣሎ:: እዚ እዩ ድማ እቲ ብቀንዱ ፍታሕ ዘድልዮ ዘሎ ጉዳይ:: ጠንቂ ናይዚ ዘይምትእምማን ብዙሕን ካብ ብዙሕ ኩርነዓት ዝመንጨወን ክኸውን ይኽእል. ኣብ ዝቅጽል ጽሑፋተይ ድማ ክገልጾ ክፍትን እየ::
ንሕጂ ግን እዚ ወደሓንኩም!!!
መድሃኔ ሃብተዝጊ
(LLM)
Swiss Foreign Minister Reassures Continued Solidarity with Eritreans in Need of Support
Written by EPDP Information OfficeOn 25 February 2015, the incumbent Foreign Minister of Switzerland, Mr. Didier Burkhalter, reassured his country’s commitment to “promote and encourage universal respect to human rights” and continued solidarity with Eritreans in need of help. He said it is for this reason that Switzerland continually asks the Eritrean authorities to give access to the UN Human Rights Rapporteur and the UN Commission of Inquiry on Eritrea to visit the country and accomplish their mandated tasks. “Also the need of the International Committee of the Red Cross to have unhindered access to prisons in Eritrea is emphasized by Switzerland on every occasion”, Mr. Burkhalter stated in his message.
Swiss Foreign Minister Didier Burkhalter
This Swiss response was made in reference to the 19 November 2014 memorandum of the Eritrean People’s Democratic Party (EPDP) which updated the Swiss Government on the situation in Eritrea and urged it to play more effective role in addressing the problems facing Eritrea and its people.
Mr. Burkhalter, who is one of the seven Swiss Federal Councilors (i.e. cabinet ministers elected by the parliament for seven-year term) was serving as President of the Swiss Confederation while also acting as the foreign minister when the EPDP memorandum reached him last autumn.
His response addressed every issue raised in the EPDP that touched upon the situation inside the country, the plight of refugees in the Horn of Africa and North Africa and the need of special care the mostly young Eritrean refugees who entered Switzerland in the past few years.
The Swiss Foreign Minister reassured that every asylum case of Eritreans is scrutinized with adequate care taking into consideration the situation in the country and that “Switzerland will continue to offer assistance and solidarity while searching for lasting solutions”, the message added.
More...
ፈደራላዊ ካቢነት ስዊዘርላንድ ብጒዳይ ኤርትራ ካብ ፓርለመ ንዝቐረበሉ ዕቱብ ሕቶታት መልሲ ሂቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤእቲ ብኮንሰይ ፈደራል ዝፍለጥ ሸውዓተ ዝኣባላቱ መንግስቲ (ካቢነት) ስዊዘርላንድ: ብሃገራዊ ባይቶ (ፓርላማ) ሃገር ኣቢሉ ብጒዳይ ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ብዕለት 25 የካቲት 2015 መልሲ ሂቡሉ። እቲ ወኸሳታት ብኣባል ሲሻል ደሞክራት ስዊስ ብዝኾነት ኣባል ባይቶ ወይዘሮ ፈህር ጃኵሊን (Fehr Jaqueline) ብዝሓለፈ 8 ታሕሳስ ኢዩ ቀሪቡ።
ከም ዝዝከር: ብዝሓለፈ 19 ሕዳር 2014: ላዕለዋይ ልኡክ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ንጸገማት ህዝብና ብዝርዝር ዝገልጽ ርክብ ኣካይዱ፣ ሰፊሕ መዘክር እውን ናብ ዝምልከቶ ሰልፍን መንግስቲ ስዊስን ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ወኸሳታት ኣባል ባይቶ ስዊስ ከኣ ኣብኡ እተመርኰሰ ኰይኑ: ኤርትራ ኣብ ፍሽለት መንግስትን ውድቀት ሕብረተሰብን ገጻ ተንቈቊል ብምህላዋ: መንግስቲ ስዊስ ዝከኣሉ ክገብር ዝሓትት ነይሩ። ነቲ ብባይቶ ሃገረ ስዊስ ኣቢሉ ናብ መንግስቲ ስዊስ ዝቐረበን: መልሲ እተዋህበሉን 8 ሕቶታት ካብ ቋንቋ ተርጒምና ነቕርቦ ኣሎና፤ ጽቡቕ ንባብ:-
1- ብዛዕባ ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ: ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ክልተ ጊዜ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብዘቕረበቶ ጸብጻባት መንግስቲ ስዊስ እንታይ ርእይቶ ኣሎዎ?
2- ነቲ ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻባትን: ነታ ብ2014 ቈይማ ንዘላ መርማሪት ኮምሽንን ንምዕዋት: ከምኡውን ተመሓላሊፉ ንዘሎ ለበዋታትን መጽናዕትታን ተመዲቡ ንዘሎ ርክባትን ንምዕዋት: ብሸነኽ መንግስቲ ስዊስ እንታይ ገንዘባውን ሰብኣውን ፖለኣቲካውን ሓገዛት ተዳልዩ?
3- ንናይ ዓለም ቀይሕ መስቀል ማሕበር (ICRC) ብከመይ መገዲ ንናይ እሱራት ምብጻሕን ምርኣይን ስራሓ ከተካይድ ክድፍኣሉ ይከኣል? ብቐንዱኸ ናይ ዓለም ቀይሕ መስቀል ኣብ ኤርትራ ኣትያ ስራሕ ከተሳልጥ ትኽእል ዲያ?
4- ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ሸነኽ: ኣብ መንጎ ኤርራን ጅቡትን ከኣብ ብኻል ሸነኽ ተኸሲቱ ንዝርከብ ናይ ዶብ ሽግራት ንምፍታሕ እንታይ ግደ ክጻወት ይኽእል?
5- ካብ 1993 ጀሚራ ኤርትራ ናይ ዓለም-ለኸ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO) ኢያ፣ ብ2000 ከኣ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ ቁጽሪ 105 ዝሰፈረ ናይ ግዱድ ስራሕ (ባርነታዊ ገባብ ስራሕ) ናይ ምውጋድ ውዕል ዝፈረመት ኢያ። መንግስቲ ስዊስ ኮነ ናይ ሰራሕተኛታት ዓለም ማሕበር ነዚ ውዕል እዚ ኤርትራ ከተኽብሮ እንታይ ክገብር ይኽእል?
6- ኣብ ከባቢ ምብራቓዊ ሱዳንን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ክንደይ ዝኾኑ ዑቕበኛታት ኤርትራውያን ኣለዉ? መንግስት ስዊስከ እንታይ ክትገብረሎን ትሓስብ -- ፍላይ ኣብ ትምህርትን ማሕበራዊ ናይ መነባብሮ ምምሕያሽ ኣብ ምግባርን?
7- ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ዑቕበኛታት ማእከላይ ዕዲሚኦም ክንደይ ኢዩ? እንታይ ዓይነት ተመክሮ ዘወነኑ ይመስሉ? ከመይ ገርካ ነቲ ዘለዎም ጉድለት ትምህርቲ ክምዕብልን ክመሓየሽን ክግበር ይከኣል?
8- መንግስቲ ስዊስ ካብ ክፍዕታት መንግስቲ ኤርትራ ንምክልኻል ንኤርትራውያ ዑቚበኛታት እንታይ ዓይነት ምክልኻል ወይ ውሕስነት ይገብር ይኽእል? መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስደተኛታት ብኣስገዳት ንዝእከቦ ገንዘብ ብዝርኢ መንግስቲ ስዊስ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ? ነቶም ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ከም ተርጐምቲ ኣምሲሉ ዝቕርብ ናይ በዓል ቶኒ ሎሸር (Toni Locher ዝኾነ ማሕበር (SUKE) እንታይ ገደብ ክገረሉ ተኻኢሉ?
ብዕለት 25-02-2015 ዝተዋህበ መልሲ መንግዝስቲ ስዊስ ()
መንግስቲ ስዊስ (Conseil Federal - ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ) ንኣገዳስነት ምኽባር ሰባኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ትዅረት ኢዩ ዝርእዮ። እዚ ኤርትራ ዝርኤ ኣስጋኢ ዝኾነ ማሕበራዊ ህይወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጠንቂ ስደትን ፋሕ ምባል ሰባትን (ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልእ ዞባታትን) ኣስዒቡ ኣሎ። ካብዚ ዘጨንቕ ኩነታት ዝነቐለ ስደት: ንብዝሒ ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ኣብ ሃገርና ክብ ኣቢልዎ ይርከብ። ነዚ ኣሻቓሊ ጸገማት እዚ ምስ ዓለም ለኸ ሓይልታት ተሓባቢርካ ፍታሕ ምድላይ ኣገዳሲ ይኸውን።
1- እዚ ብፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ቅጽበታዊ ወይ ድራማዊ ኩነት ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኢዩ። ስዊዝ ምስ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ንኤርትራውያን ተቛወምቲን ተጣበቕቲ መሰል ወድሰብን በቲ ኣብ ሃገሮም ዘጓንፍ ዘሎ ሕርመት መሰል ደቂሰባት ትዛተ ኢያ። እሱ ጥራይ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ኤርትራ ምስ ፍልይቲ ሓላፊት ሕቡራት መንግስተት ሃገራት ክትሓባበራኣ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ክትዕዘብን ትዕድም እኳ እንተኾነ ውጽኢት ኣይረኸበን፡ ይኹን እምበር ካብ ምዕዳም ኣይከነቋርጽን ኢና።
2- ኣብ 2012 ብመሰረት ዳግመ ርእይቶታት ወይ ወኸሳ ዓለም ለኸ ስሩዕ_ኣኼባ(UPR) መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ኤርትራ፣ ስዊዘርላንድ ምሕጽንትኣ ንምምሕያሽ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብንጹር ኣቐሚጣ ነይራ ኢያ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃገርና ብምርካብ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝኣክል ሓበረታ ብዛዕባ መሰላት ዲሰብ ኣብ ኤርትራ ረኺባ ከም ዝነበረት ዝዝከር ኢዩ። ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዕዞ ቁጠባዊ ሓገዝ ምሃብ ነዚ ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት ተሳታፊት ኢያ ዘላ። ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ንስራሕ ተመራማሪት ኮሚተ (Commission of inquirey) ምሉእ ደገፍ ትህብን ነቲ ተካይዶ ዘላ ሓበረታት ምጥርናፍ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ብምኻድ ርጉጽን እዋናዊ ሓበረታ ትእርንብ ዘላ የሞጉስ።
3- ስዊዘርላንድ ብተደጋጋሚ ንስርዓት ኣስመራ ምስ CICR ክትተሓባበርን ንኤርትራ ኣትዮም ኩነታት ኣብያተ ማእስርቲ ትዕዝብቶም ክስፍሩ ድሌታ ኢዩ።
4- ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ኣብ ከባቢ እቲ ዞባ ዝመሰረቱ ኩሎም ርጉእን ቅሱንን ሰላማውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህሉ ድሌቶም ኢዩ። ድሕሪ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ናይ 198-200 )ክልቲኤን ሃገራት ብሓደ መንጎኛ ፈራዲ ኣካል ዝቖመ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ተሰማሚዔን ነቲ በዚ ቤት ፍርዲ እዚ ዝሓለፈ እግባይ ዘይብሃሎ ፍርዲማንዛ (virtual) ዶብ ከም ዝተሓንጸጸን ኽልቲኤንተቐቢልናዮ ክብላ ከብቅዓ፡ ከም ፍርዲ መጠን ከተማ ባድመ ንኤርትራ ከምዝተወሰነ ዝዝከር ኮይኑ ብወገን ኢትዮጵያ ከምዘይቅቡል ጌራ ከም ዘወሰደቶ ብሰንኪ ጠንቂ እዚ ዘይምቕባላ ኣብ መንጎ ክልቲኤን መንግስታት ሓሓሊፉ መጥቃዕትታትን ከብድ ዝበለ ዝሑል ውግእ ይረኤ ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ዘሎ ዶባዊ ግርጭት፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካብ 2008 ጀሚሩ ፍታሕ ንምርካብ፡ ምስርካብን ምልውዋጥን ናይውግእ እሱራት ኽግበር ይጽዕር ከምዝነበረን ዘሎን ይፍለጥ።
5- ዓለም ለኻዊ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO) ውዑል ዓንቀጽ 105 ኣብ ኤርትራ ክኸብርን ንተግባራውነቱ ዝጠቅም ምቁጽጻር ስልቲ ኣለዎን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣገባብ ማሕበር ሰራሕተኛ ለውጢ ከተኣታቱ ጸቕጢ ካብ ምግባር ኣየዕረፈን። ዓለም ለኻዊ ሕጊ- ሰራሕተኛ ከተእታትው ይሕብር። እንተደአኣ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ተጣሒሱ ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ዝግበር ኣኼባ ከም ዝዝተየሉ ይፍለጥ ኢዩ። ስጋብ እዚ እዋን ኢ ሰነድ ወይ ጸብጻብ ብዛዕባ ኤርታ ኣየቀረበን ዘሎ። ኣብ ዝመጽእ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ እንተደአኣ ጉዳይ ኤርትራ ዘይተላዕለ፡ ሲዊዘርላን ነዚ ባርነታዊ ኣገባብ ሰራሕተኛ ኸቋርጽ ወይ ክድምሰስ ክተልዕሎ ኢያ።
6- ንጹር ወይ ርጉጽ ዝኾነ እኩብ ሓበረታ ቁጽሪ ናይ ዑቕበኛ ኣብቲ ከባቢ የለን። ብግምት ስጋብ 107,000 ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ 110,000 ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከም ዘለዉ ይሕበር። ሲዊዘርላንድ መደብ ወይ ትልሚ ናይ ምኽልካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተካይድ ኢያ። ኣብዚ ዝተመርኰሰ ምስ ኣህጉራውያን ማሕበራት ብፍላይ ከም UNHCR, IOM,NGO ኣብ ውጥን ወይ ትልሚ ድሕነት ናይቶም ብፍላይ ንሓደጋ ዝተሳጥሑ ሰባት ምሉእ ምትሕብባር ትገብር ኢያ። ሲዊዘርላንድን ብምትሕብባር UNHCR ንትሕተ ዕድመ ዝኾኑ ንምክልኻልን ኣብ ሽረ ( ሰሜን ኢትዮጵያ) ዝኣተዉ ምስ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (NRC) ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ መቆቢ ሰደተኛታት ይኹን ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ደገፋታት ሂብናን ንህብን ኣሎና። ሲዊዘርላንድ ኣባል ኣንጻር መሸጣ ደቂ ሰባት ክምኡ ማፍያዊ ምትሕልላፍ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ ተዓዝቢ ወይ ተኸታታትሊ ሕጋዊ መስርሕ ካርቱም ንንግዲ ድቂ ሰባት ዘርኢ እውን ኢያ።
7- ማእከላዊ ዕድመ ዑቕበኛታት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝ 25 ኢዩ። ጠንቂ ዓዶም ራሕሪሖም ዝመጽሉ ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ መብዛሕትኦም እቲ መጠረስታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸውን ከሎ፡ ወይ ብዲክታትርያዊ መለለዪ ዝከጽዕዎ መብዛሕትኦም ብጥህሰት መሰል ደቂ ሰባት ዘጓንፎም ኣብ ሕማቕን ድኽነትን ንመጻኢ ተስፋ ዘይብሉ ሃገር ዝሓስቡን ዝኣመሰሉ ኢዮም። ምስ ኣብ ቅዋም ፈደራላዊ ሕጊ ብምምርኳስ ኩለን ካንቶናት መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ካብኡ ንላዕሊ ምስ ዓቕምታቶም ዝተወሃሃደ ንምሃብ ይጽዕር። ኩለን ካንቶናትና ንዑቕበኛታት ምውህሃድ (ጽንባረ) ወይ ጥምረት ምስ ሕብረተሰብ ወይ ማሕበራዊ ናብራ ንምዕቃብ 110 ሚልዮን ፍራን ንውዝዕ። ዑቕበኛታት ዕድል ምህደረ ትምህርቲ (scholarship) እውን ኣለዎም። ደቆም ብሕጋዊ መልክዕ ልክዕ ከም ዜጋታት ስዊስ ኢዮም ዝቑጸሩ። ከም ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ ካብ ተላማድነት ኣብ ስራሕ ሞያዊ ትምህርቲ ከምኡ ኣካዲኣሚያዊ ትምህርቲ ከም ብቕዓቶም ፍቑድ ኢዩ። ፈደራላዊ ስዊስ ንመጀመሪ ዝኸውንን ንፍሉይ ውጥን (project) ምስ ዝቐርብ ገንዘባዊ ሓገዝ ክውዝዕ ይኽእል። ንመሓደስ ኣብ ምስግጋር ካብ ብስነ ምግባር ዝተቐየደ ትምህርቲ ናብ ሞያ ዘጠቓለለ ብመልክዕ ለቓሕ እውን ይውዝዕ ኣሎ። ብማዕሪኡ ነቶም ድሕረት ወይ ኣብ ትምህርቲ ዝተገድዑ ማሕበራዊ ናብራን ቋንቋን ቁጠባዊ ሓገዝን ስበኣዊ ደገፍን ይፍቀድ ኢዩ።
8- ሓይሊ ፖሊስ ቤት ፍርዲ ፈደራላዊ ስዊዝ እቲ ናይ ሃገራዊ ታክስ ኣነጺሩ ኢዩ ዝፈልጦ። ስጋብ እዚ እዋን እዚ እቲ ወግዓዊ ታክስ ንመንግስቲ ኤርትራ ይወሃብ ዝበሃል ብወገን እዚ ናይ ምቁጽጻር ታክስ ስዊዝ ኣብ ባይታ ዘራጋገጾ ኣይተራእየን። ብዘይ ርጉጽን መሰረት ዘለዎ ምስክርን (penal) መቕጻዕታዊ ኪ ክተቕርብ ኣይከኣልን ኢዩ። እቶም ክኽሰሱ ይከኣሉ ዝበሃሉ እውን መቕጻዕታዊ ክሲ ኣብ ርእስኦም ክኽፈት ኣይኽእልን ኢዩ። ስለዚ ኣብ መስርሕ ሕጊ ስዊዝ ከም ዘይገበነኛታት ህይወቶም ክቕጽሉ ግድነት ኢዩ። እቶም ንምትርጓም ዝዋስኡ ዜጋታት እውን ቅድሚ እዚ ዕድል ዝወሃቦም ዝተፈላለየ ፈተናታትን ማሕላን ዘይኮነ ከይትርጉሙ እቲ ኣብ መወከስ ዝግበር ዕቱብ ካብታ ቤት ጽሕፈት ከምዘይወጻ ዝሓልፉ ባእታታት ኢዮም። እንተደኣ ሰለይቲ ስርዓት ኤርትራ ካብቶም ተርጐምቲ ኣህሊዮም ወጻኢ ካብ (SEM) ጸጥታዊ ሓለዋ ስዊዝ ኮይኖም ማለት ኢዩ። እንተደአኣ ጥርጠራ ሃልዩ እሞ ተሓቢሮም ኣብ ትሕቲ መጽናዕቲ ጸጥታዊ ስዊዝ ከም ዝኣትዉ ኣይጠራጠርን ኢዩ። እንተደኣ ተረኺቦም ግን እቲ ውዑል ስራሕ ይብተኽ ኢዩ። ብወገን ሓተቲ ዑቕባ ጥራዓኖም ኣብ ዝኾነ እዋን ከቕርቡ ይኽእሉ ኢዮም። ምስኡ ናይቶም እምነት ዘሕደርሉ ተርጓሚ እውን ከቕርቡ ይኽእሉ። ኣብ ርእስኡ ኣብ ስዊዝ ኣብ ግዜ ወከሳ ማሕበራት ስበእነታዊ አይ ግብረሰናያዊ ወከልቲ እውን ንውህስነትን ርግኣትን ተሓታቲ ይሳተፉ ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ስውስን ማሕበር SUKE (ንስርዓት ኢሰያስ ዝድግፍ ማሕበር ስዊስ) ዋላ ሓንቲ ርክብን ወይ ምትሕብባር የለን።
ህጹጽ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስዊዝ ( ላዕለዋይ ባይቶ ስዊዝ)
Eritrean Tv Demtsi Hezbi 1 March 2015
ኣብ ዓድዋ 1 መጋቢት 1896 ዓቢይ ታሪክ እዩ ተፈጺሙ ። ታሪክ ጽቡቅ ይኩን ሕማቅ ክድፈን ኣይክኣልን እዩ ። ንታሪካ ሕማቅ ሽነኹ ገዲፍካ በብትጽቡቅ ከተቀናጅዎ ፍጹም ዝኸኣል ኣይኮነን ። ነቲ ሕማቕ ካልኣይ ግዜ ከምዘይድገም ምግባር ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እዩ ።ኣብ ዓድዋ ዝተገብረ ፍጻሜ ንኤርትራን ኢትዮጳያ ዓቢዩ ትምህርቲ ክከውን ነይሩዎ ። እንተኮነ ህዝብታት ናይቲ ከበቢ ለባማትን መስተውዓልትን መራሕቲ ስለ ዘይተዓደሉ፣ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመታት ዓመታት ሓሊፉ ክሳብ ሕጂ ከም ኤርትራውያን ኣብ ስቓይ ንርከብ ኣሎና።ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጂለ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝከፍኤን ዝመረርን ህዝብን ሃገርን ኣብ ምጥፋእ ተጸሚዱ ይርከብ ኣሎ ። ብሓባር ንተስእ ይኣክል ከኣ ንበሎ!
ዓወት ኩናት ዓድዋ ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ እተቓለሓሉ ፣ ንብዙሓት ኣፍሪቓውያ ወይ ጸለምቲ ዓቢይ ክብሪን ኩርዓትን ነበረ። ነቶም ኣብ ኣፍሪቓዊ መግዛእቲ ክዋፈሩ ዝሓስቡ ዝነበሩ ከኣ ዓቢይ መርድእን ኮኖም ፣ ሓሳባቶም ዳግማይ ክለሳ ክገብሩሉ ዘየዳግም መልእቲ ኣማሓላሊፈሎም እዩ ።ኣብ ኣፍሪቓ ክንድዚ ዝኣክል ጻዕዳ ወተሃደር ዝተማረኸሉ ኩናት ዓድዋ፣ ነባሪ ታሪክ ናይቶም መራሕን ናይታ ሃገርን ኮይኑ ክነበር እዩ ። በቲ ካልእ ከኣ ፣
መራሕቲ ኩናት ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዓስከር ዝወሰንዎ ፍርዲ ምስ ኹነታቶም ዝመጣጠን ኣይነበርን ካብ ኤውሮጳ እዚ ኩሉ ባሕሪን መሬትን ስጊሩ ክወረካ ንዝመጸ ብገንዘብ እናፈትሓካ ነቶም ብዘይ ድልየቶም ተገዲዶም ዝተዓስከሩ ኤርትራውያን ብመሪርን ኢሰብኣዊ ተገበር ምቅጻዕ ፍትሓዊ ኣይነበረኝ። ብሓደ ወገን ኣብ ጣልያን ተዓስኪርካ ተባሂሉ ፣ በቲ ካልእ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ሓዲምካ ተባሂሉ ንኤርትራዊ ብኩሉ ዕድሉ ሞት ነበረ።ስለዚ ኤርትራዊ መንነት ንጉጂለ ህግደፍ ኣጥፊእካ ናይ ግድን ክዕቆብ ዘሎዎ እዩ ።
ዝኸበርኩም ተከታተልቲ እዚ መርበብ፣ ሎሚ ዘቅርበልኩም ጽሑፍ ካብ ናይ ታሪክ ተመራማሪ ራይሞንድ ጆናስ ዝተተርጎመ ኮይኑ ፣ ብዛዕባ ናይ ምትርጓም ሕጽረታት እንተልዩ ናተይ ጉድለት ይኸውን ።
ኣብ ልዕሊ እሱራት ኹናት ዓድዋ ዝተወሰደ ውሳኔ ።
መጋቢት 2 ፣ ምድሪ ምስ ወግሔ ፣እቶም ካብ ኩሉ ሰብ ንላዕሊ ዝድለዩ ዝነበሩ እቶም ንጉስ ነበሩ ። ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ምስ ኮነ እቶም ጣልያናውያን ምሩኻት ብምእትታት ናብቲ ኣደራሽ ሚኒልክ ዝነበሮ ተኮብኲቦም ተወስዱ ። እታ ተንዳ ናይቶም ንጉስ ብቀሊሉ ትልለ ነብረት ፣ ምስጋና ነተን እክባት ተንዳታትን እታ ቀያሕ ተንዳን እቲ ኣዳራሽ ወሲክኻ ።እቲ ኣዳራሽ እኩል ስፍሓት ዘለዎ ክሳብ 12 ሰባት ደው ክብሉሉ ዝክእሉ ፣ ሚኒልክ ፍርዲ ዝህበሉ ነበረ።
ሚሊልክ ኣጋይሽ ዝቅበለሉ ስፊሕ ክዱን ተንዳ ፡ ናብ ግዜዊ ሆፒታል ተቀይሩ ክግልገሉሉ ፍቂዱ ። ስለዚ ኢጣልያናውያን ሕካይም ነቶም ዝቆሰሉ ኢትዮጵያውያን ይሕክሙ ነበሩ ። ጣልያናውያን ውጉእት ረዲኤት ኣብ ዝሓተቱሉ በቶም ጣልያን ኣሕዋቶም ይንጸጉ ነበሩ ።
እቶም እሱራት ነቶም ንጉስ ክርእዩ እናተጸበዩ እንከለዉ ምስቲ እንኮ ብናይ ዓድዋ ዓወት ምስክርነት ክህብ ዝኽእል Mr. Clochette ዝብሃል ጥሮታ ፈረንሳዊ ወተሃደራዊ መኮነን ክላለዩ ክእሎም ። Clochette ሓደ ካብቶም ኤውሮጳውያን ነጋዶን / ኣማኸርትን ምስ ሚኒልክ ጽቡቅ ዝምድና ክምስርቱ ዝከኣሉ ሓደ ሰብ ነይሩ ። በቲ ካልእ clochette ብጻይ ናይ Mondon Vidailhet ዝብሃል ፣ኣብ ኤውሮጳ ምስሊ ሚኒልክ ብኣውንታ ዝገልጽን ዝሕበርን ሰብ ነበር።Clochette እቲ 8,000 ሽሕ ጠበናጁ ናብ ሚኒልክ ክሸይጥ ዝተሓባበረ ሰብ ነበረ ፣ ናይ ሚኒልክ ሓያል ኒሕን ቀራጽነትን ከኣ ክዕዘብ በቂዑ እቶም እሱራት ምስ ሚኒልክ ክራኸቡ እናተጸበዩ Clochette ኣብ ትሕቲ ዳዕሮ ኮፍ እሉ ብታሕጓስ ነቶም ኢጣልያውያን ይስሕቆም ነበረ ። እቶም ምሩኻት ድሕሪ ናይ 3 ሰዓታት ምጽባይ ንሚኒሊክ ከይረኣዩዎ ክብተኑ ተገብረ ።
ንጽባሒቱ 3 መጋቢት እቶም ምሩኻት ነቲ ናይ ኢትዮጳያ ቤተ መንግስቲ (ኣዳራሽ) ምስ ኩሉ እቲ ሽልማቱን ግርምኡን ክዕዘቡ በቂዕም ። ዑደት ቅድሚ ምጅማሩ ሰብኡት ኣንስት ቆልዑትን ካብቲ ካምፕን ካብቲ ቁሸታት ናይቲ ከባብን ናብቲ ንጉስ ዘለዎ ቦታ ኣምሪሖም ። ኣቅሽሽቲ ታቦት ተሰኪሞም እናዘመሩ ናይ ምምራሕ ተራ ወሲዶም ። ሓደ ጉጅለ ዘመርቲ ድምጺ ከበሮን እምብልታ እናኣስሙዑ ስዓብዎም ። እዚ ኩሉ ስለ ዓወት እተጓነጽፉ ንኣምላክ ምስጋና ንምቅራብ ነበረ። ኣብ ማእከል እዚ ኩሉ ከኣ ምኒልክ ነበሩ ።
እቲ ዝዓበየ ኣፍሪቓዊ ዘመናዊ ወተሃደርዊ ዓወት ዝሃንደሰን ፣ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓወት ዘመዝገበ ሚኒልክ ወዲ 49 ዓመት ነበረ።
ብ 3 መጋቢት ሚኒልክ ድሮ ኣካል ሕብረተሰብ ናይቶም ዓበይቲ ሰባት ኣብ ዓለም ብብዝሒ ዝውረየሎም ኮይኑ ንኢትዮጳያውያን ምኒልክ ጅግና ኮነ ። ንኤውሮጳውያን ፣ ንጣልያ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ሚኒልክ ኩሉ ሕማቕን ጽቡቅን ተባሂሉ ። ብሓደ ወገን መለኮታዊ መንፈስ ዝሓደሮ ፣ በቲ ካልእ ከኣ ሕማቅ ከም በላዕ ሰብ ዝግምትዎ ነበሩ ።
ገለ ካብቶም እሱራት ኣብ ቅድሚ ሚኒልክ ቀሪቦም ፣ ዝበዝሑ እናፈርሑ ናብቲ ተንዳ ናይቲ ንጉስ ቀሪቦም ፡ ዝተጸበዩዎ ሓደ ግፍዔኛን ዕቡይን ንካልኦት ኣትሒቱ ዝርኢ ክኽውን ተጽበዩዎ ። እዚ ተምሳል እዚ ግን ብሰንኪ ዓወቱ ዝተጋነን ነበረ። እንተኮነ ሚኒልክ ከም ሰብ ሕያዋይ ዘይጓዳእ ኮይኑ ጸንሖም ። ሓደ ህዱእ ስብ ፡ ሰላምዊ መንፋስ ዝሓደሮ ፣ ጸጸኒሑ ፍሽክ ዝብል ነበረ ። ኣዕንቱ ነቲ ናቱ ሓያልን መሳጥን ምሉእ ፈልጠት ዝገልጻ ነበራ።
ኣብ ገጹ ዝርኤ ዝነበረ ብዕምቆት ናይ ምሕሳብ ናይቲ ህሉው ኩነታት ዝገልጽ ኮይኑ ፣ መንፋስ ናይ ምትእምማን ሓዲሩዎ ነበረ ። ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ንሚኒልክ ዝዓበየ ገድሊ ዝኮኖ ነቶም እሱራት እንታይ ይግበሮም ዝብል ነበረ። ብናይ ኢትዮጵያውያን ባህሊ ፣ ዝተሳዕረ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ናይቲ ዝሰዓረ እዩ። ብዓወት ውግእ ሃረረ ጀሚርካ ፣ ቀጺሉ ወፍሪ ኣንጻር ዋላይታ ናይ ኢትያጵያውያን ልማድ ንጹር ነበረ ። ዝበዝሑ ዝተሳዕሩ ወተሃደራት ብህወትም ይኸፍሉ/ይቅተሉ ፣ ሙሩካት ባረዩ ንምግባሮም እንተዘይኮይኑ ምሓዞም ሳሕቲ ነበረ።ንብረት ናይቶም ዝተሳዕሩ እንተላይ ናይ ሰላማውያን ከከም ዓቅሚካ ምግፋፍ ነበረ።
ዓድዋ ብብዝሒ እሱራት ድሮ ፍሉይነት ኣመዝጊባ ነበረት ። ሚኒልክ ኢሉዎ ከም ዝብሃል ፣ ፍሬ ነብሲ ዘይኮነስ ሰብ ኣምጹኡለይ ! እዚ ብሩህ መምሪሒ ኣንጻር ምቁራጽ ፍሬ ነብሲ ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ብዙሓት ናይ ጸላኢ ወተሃደራት ብህወቶም ንምሓዝ ዘርቢሕ ስለ ዝነበረ። ሚኒልክ ምቅታል ዘይኮነ ምሩኻት ክመጽዎ ዝደለየ። ረኽቡዎም ከኣ፣
ብዕለት 2 መጋቢት ሚኒልክ 1,900 ምሩኻት ጣልያን፣ ከምኡ እውን ካብ 1,200 ክሳብ 1,500 ዓስከር ተረከበ ።ሚኒልክ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ምሩኻት ጣልያን ከም ኣብነት ክጥቀመሎም ካብ ኣማኸርቱ ብርቱዕ ተጽዕኖ መጾ። ምሸት ድሕሪ እቲ ኹናት ከምኡ እውን ኣብ ወጋሕታ ናይ 2 መጋቢት ሓደ ዓቢይ ክትዕ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሚኒልክ ተካይዱ ። ኣብ ውሽጢ ናይቶም ንጉስ ቴንዳ ፣ ፀሃይቱ ከምኡ እውን ራስ መንገሻ ፣ ብምትሕብባር ራስ ወለ ሓው ፀሃይቱ ፤ ዝበረኸ ሕሉፍ ዝኮነ ሓሳብ ወሲዶም ። እቶም ወተሃደራት ጣልያን ክቅተሉ ፣ እቶም ዓስከር ከኣ መቅጻዕቲ ክወሃቦም ፣እዚ መሰረትዊ ፍትሒ ፣ ኹሎም ናይ ሚኒልክ ወተሃደራት ከምኡ እውን ኩሎም ኢትዮጵያውያን ዝሓትዎ ነበረ። ራስ ኣሉላ እቲ ስሙ ምስቲ ዘድንቅ ምድምሳስ ወተሃደራት ጣልያን ኣብ ዶጋሊ ዝፍለጥ ፣ ምስቶም ዝለዓለ መቅጻዕቲ ዝጠለቡ ንክሕወስ ተጽዕኖ ዘድሊዮ ኣይነበረን ።ከምቲ ናይ ዶጋሊ ኣደናቂ ተግባር ምርኣይ ፣ እነተኮነ ብዝዓበየ ደረጃ ፣ ኢትዮጵያ መላገጺ ከምዘይኮነት ሓያል መልእክቲ ክስድድ ዝኽእል ዝብል እምነት ነበሮም’።
ራእሲ መኾነን ማእከላይ ውሳኔ ክህሉ ተማጒቶም ። ርእይቶኦም ኣጋዳሲ ነይሩ እንተኮነ ኩነታቶም ሕልክልክ ዝበለ ነበረ።ንብዙሕት ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ራእሲ መኾነን ጥርጡር ነበሩ ። ኣብ ጉዳይ ኤወሮጳውያን ልስሉስ ተባሂሎም ብታሕቲ ታሕቲ ናይ ጣልያን ፈታዊ ወይ ደጋፊ ኮይኖም ይርኣዩ ነይሮም ።ብኣንጻሩ ፀሃይቱን ራስ ኣሉላ ክልቲኦም ዝኮነ ስሚሚዕ ምስ ኤውሮጵውያን ሓደገኛ እዩ ።ሓደ ስጉምቲ ኣብ መንገዲ ክሕደት ሸተት ምባል ክብሉ ተቓወሙ ። እንተኮነ ምስ ራስ መኾነን ፣ ተክለሃይማኖት ንጉስ ጎጃምን ፣ ራእሲ ሚካኤልን ናይ ወሎ ሕድገታት ክህሉ ሚዕዶም /ተላብዮም። ከምኣ እውን Clochette እቲ ጥሮተኛ ፍረንሳዊ ወተሃደረዊ ኣማካሪ ናይ ሃጸይ ሚነሊክ ሕድገታት ክግበር ተላብዩ።
ምሩካት ወተሃደራት ጣልያን ዋግኦም ከድሕኖም ኪኢሉ ። ንሚኒልክ ወተሃደራት ጣልያን ካብ ምውታት ብህወቶም ዝያዳ ዋጋ ነይሩዎም ። እቶም ምሩኻት ብህወቶም ኣብቲ ብርግጽ ክስዒብ ዝክእል ዝርርብ ሓያል ግደ ስለ ዝህሉዎም ንመንግስቲ ጣልያ ጥራሕ ኣእምንካ ከፊሎምሎም ብሰላም ንዓዶም ከም ዝምለሱ ምግባር ነበረ። ስለዚ ከኣ ዝኮነ ሕማቕ ኣታሓሕዛ ኣብ ልዕሊ ኢጣልያውያን ካብ መኣዲ ክቲዕ ወጻኢ ኮነ
ኹነታት ናይቶም ዓስከር ሕልክልክ ዝበለ ነበረ። ብገምጋም ካብ 1200 ክሳብ 1500 ዓስከር ኣብቲ ኹናት ተማሪኾም ። እቶም ዝሰዓሩ ወገን ፣ መቅጻእቲ ክህሉ ዝሓተቱ ካብ ርእቶኦም ፈልከት ምባል ኣብዮም ። እቶም ፈራዶ ፍጹም ጽልእን ቀጻሊ ሕማቅ ስሚዕት ልዕሊ እቶም ዓስከር ነበሮም ።ብርእይቶኦም ቀንዲ ናይ ጣልያን ዓወታት ብሰንኮም ከምእተፈጸመ ስለ ዝኣምኑ ። ሓደ ካብኦም ራእሲ መንግሻ ብሰንኪ ዓስከር ስልጣኑ ከም እተሓደገ ይገልጽ ። Baratieri ብዘይ ሓገዝ ናይ ዓስከር ካብ ዃዓቲት ከም ዝሃድም ድሕሪ ምግባሩ ፣ ስዒቡ ከኣ ካብ ሰንዓፈ ኣባሪሩዎ ።ከምኡውን ኣብ ኹናት ኣንጻር መንገሻን ፣ ባህታ ሓጎስን ፣ ራስ ኣሉላን ካልኦትን፣ እቶም ዓስከር ከም መራሕትን ተመራሕትን ናይ ጣልያን እግረኛ ወተሃደራት ኮይኖም ኣገልጊሎም ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚ ናይቶም ዓስከር ክሕደት ኮይኑ ተረክበ ። ብዝኮነ መዔቀኒ ክርኤ እንከሎ ሚኒልክ ማእከላይ ርእይቶ ነይሩዎ። Paul Lauribar ፈረንሳዊ ከምዝበሎ “ እቲ ባህሪያዊ ሕያውነቱ ንምሕረት ገጹ ደሪኩዎ” ነይሩ ይብል ።
እንተኮነ ኣብ መወዳእታ ሚኒልክ ነቲ ምስ ፀሃይቱን ፣ ኣሉላን ፣ መንገሻን ፣ ካልኦትን መቅጻዕቲ ዝሓቱ ዝነበሩ ወጊኑ ዝነብረ ኣቡነ ማቴዎስ ምኽሪ ተቀበለ ። ብተወሳኪ እቶም ኢትዮጵያውያን እዚ ደረት ዘይብሉ ሕሉፍ መቅጻዕቲ ክሓቱ ዝገበሮም እቲ ክሕደት ናይቶም ዓስከር ሕማቅ ዝኮነ ስሚዒት ስለ ዝፈጠረሎም ፣ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ምትሕስሳብ ደረጃ ክበጽሑ ኪኢሎም ።
ራስ ኣሉላ ኩሉ ግዜ ትኽ እልካ ምዝራብ ዝፈቱ ነቶም ኣብ እምባ ኣላጄ ዝተማረኹ ዓስከር ከምዚ ክብል ገሊጹ ነበረ”ንስኩም ሓበሻ እኩም ፣ ንጉስ ኣሎኩም ፣ ሃጸይ ኣሎኩም ፣ እንድገና ንካልእ ንጉስ ጥልያን ደሊኩም ፣ ንስኩም ኣንጻር ኣሕዋትኩም ትዋግኡ ኣሎኩም ፣ ስለዚ ኣእዳውኩም ብምቅራጽ ክቀጽዓኩም እየ በሎም።ስለዚ ከም ናይ ጸላኢ ተዋጋእቲ ዘይኮነስ ከም ከሓዲ ተውሲዶም እቶም ዓስከር እቲ ዝከፍኤ መቅጻእቲ ተቂቢሎም ። ህወቶም ክድሕን እንከሎ ፣ የማናይ እዶምን ጸጋማይ እግሮም ክቁረጹ ተገይሩ ።
ካብቶም ካብ 1,200 ክሳብ 1,500 ዝግመቱ ሙሩካት ዓስከር ፣ 300 ሚእቲ ጥራሕ ንኤርትራ ተማሊሶም ዕጸይቲ እግሪ ተገይሩሎም ፣ ናብ ዝከፍኤ ስራሕ ከም ዝምደቡ ተገብረ ። ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ብልክዕ ዝፍለጥ የለን ፡ ብግምት ካብ ረክስን ምውዳእ ደምን ሞይቶም ይኮኑ ፡ ንሓዋሩ ክፍለጥ ዝክኣል ኣይኮነን ።
ኣብቲ ባይታ ዝሕዛን ምርኢት ነበረ ። Giovanni Tedone ኣብ መንጎ እቶም ሚእትታት ዝቁጸሩ ዓስከር ክሓልፍ እንከሎ፣ ከም ወተሃደራዊ ኣዛዚኦም እውን ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፡ እናጸውዑ ፣ ኣይትሓዝነልናን መስኪን ጥልያን ! ማይ ማይ ! ይብሉ ነይሮም ።ነዋሕ መሳርዒ ናይቶም ዓስከር ተስፋ ቆሪጾም የማናይ ኢዶም እናሃቡ ንቅድሚት ገጾም እናሰጎሙ ነቲ ዕድሎም ይቅበሉ ነበሩ ።ዝተቆርጻ ኣእዳውን ኣእጋርን ብዝረሰነ ሓጺን ይትኩስዎ ነይሮም። ዝተቆርጸ ኣካላት ተኮሚሩ ጎቦ ክመስል ዝሕዝን ምርኢት ነበረ ። Tedone ካብቲ ምርኢት ክሃድም ፈቲኑ ። እንተኮነ ሓደ ካብቶ ዓስከር ብሓይሊ ንድሕሪት መሊሱ ነቲ ዝሕዝን ምርኢት ክዕዘብ ገበሮ ።ምናልባሽ Tedone እውን ክምዚ ዝኣመሰለ ዕድል ይጽበዮ ከም ዘሎ ንምሕባሩ ዝነበረ ይመስል ።
Carlo Diotti እውን ሓደ ካብቶም ኣዘዝቲ ፣ተመሳሳሊ ዝሕዝን ምርኢት ክዕዘብ ተገዲዱ ። ነቶም ኣብ ጎኒኡ ኮይኖም እተዋግኡ ዓስከር ንሕቶኦም ክምልስ ኣይከኣለን። ንእግረ መንግዱ ክሓልፍ እንከሎ እቶም መሳክን ዓስከር ኣብቲ ሕጻ ብቓንዛ እናተጋማጠሉ ዘቓልሓዎ ዝነበሩ ዘጨንቅ ስቓይ ፡ እናበኸዩ ጣልያን ሓወይ ! “ ማይ ዝስተ ! ማይ ዝስተ ! ማይ የለን ! ይመውት ኣሎኩ “ ይብሉ ነበሩ
ኣብዚ ኣገዳሲ ይኽውን ንምዝካር እቶም ዓስከር ካብ ጣላያን ናብ ሚኒልክ ዝከድዑ ገለ ቁሩብ ነይሮም ። ብወገን መንግስቲ ጣልያን ምስ ተታሕዙ ከም ከሓድቲ ተወሲዶም ብናይ ኤውሮጳውያን ሕጊ ብክሕደት ተከሲሶም ንሞት ይፍረዱ ነበሩ ። ሓደ ግዜ ሓደ ዓስከር ካብ ኹናት እምባ ኣላጄ ዝደሓነ ፣ በቶም ኣቅሽሽቲ መቀለ መዔቆቢ ተዋሂቡዎ ዝነበረ ምስቶም ሓርበኛታት ኣንጻር ጣልያን ተሰሊፉ ። እንተኮነ በቶም ጣልያን ምስ ተፈልጠ ጎቲቶም ናብቲ ፎርቶ ወሲዶም ቀቲሎሞ ።እቲ ናይ ጣልያንን ናይ ኢትዮጵያ ክተወዳድሮ እንከሎካ እቲ ናይ ኢትዮጵያውያን ምቁራጽ ኣካላት ፣ ይሕዝን ፣ይኩን እምበር ዝፈኾሰ ይመስል ።ብርግጽ ናይ ጣልያን ብክሕደት ምርሻን ከምዚ ድሕሪ ኹናት ዓድዋ ዝተፈጸመ ጪካኔ ዝመልኦ ምቁራጽ ኣካላት ፣ ፍጹም ዝመሳስል ኣይኮነን ።
ሚኒልክ ዝወሰዶ ወሳኔ ድሕሪ ውግእ ዓድዋ እቲ ዝከፍኤ ነበረ። ካብቲ ፍትሓውን ብቁኑዕ ፍርዲ ዝፍለጥ ፣ ንጉስ ሰሎሞን ናይ ህብሩ ዘርኢ ተወሊደ ዝብል ፣ ነቲ ቀጻሊ ደም ምፍሳስ ጠጠው ክብሎ ኣይከኣለን ። ደም ኣብ መንጎ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውይውን ምክፍፋልን ምርሕሓቅን ዝፈጥረ ።
ሚኒልክ ብዘይ ጥርጥር እቲ ሕማቅ ስሚዒት ናይቶም ዓስከር ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ብቀሊሉ ዕርቂ ንከይህሉ ዝዕንቅፍ ምዃኑ ተረዲእዎ ነበረ። ኣብዚ ነጥቢ እዚ Augustus Wylde ዝብሃል እንግሊዛዊ እውን ፣ ደድሕሪ እቲ ኹናት ከምዝገለጾ “ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እተፈጥረ ጽልኢ ንናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና ንብዙሕ ዓመታት መሪዝዎ” ክብል ገሊጹዎ ነበረ።
ኣፈወርቅ ገብረየሱስ (ደራሲ)ናይ መንገሻ ተራ ናብቲ እተፈጸመ ጉድኣት ኣራጕዱ እናገለጸ ፣ ንሚኒልክ ከም ተገዲዱ ብዘይ ዕግበት ዝወሶኖ ገይሩ ክከላከለሉ ፍቲኑ ።ኣብ መወዳእታ ግን ሚኒልክ ከም ዝኮነ ሓቀኛ መራሒ ዝገብሮ ነቲ ሓላፍነት ተሰኪሙዎ ።
ሓደ እንግልዛዊ ጋዜጠኛ ብዛዕባ እቲ ምቁራጽ ኣእዳውን ኣእጋርን ምስ ሓተቶ ፣ሚኒልክ ንነብሱ ብትሪ ክከላል ፍቲኑ ።” ሰሚዕካዶ እንታይ ከምዝገበሩ “ ክብል ሓተቶ ፡ ቀጺሉ “ ርክሰት ፈጺሞም ፣ ቤት ክርስትያናት ዘሚቶም ፣ ገጠረን ከተማን ሰሪቆም ፤ ከብቲ ዘሚቶም ፣ ክምኡ እውን ህዝበይ ቀቲሎም” ። ከም ሰረቅቲ ተወሲዶም ፣ መቅጻዕቲ ናይ ሰረቅቲ ከኣ ተቀቢሎም ። ክምኡ እልካ ንእንግሊዝ ንገር በሎዎ ! ። ዝገርም !
ኣምላክ ህገርና ይብረክልነ ርከልና
2/27/2015
ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ እገዳ ይለዓል ዝብል ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩ ንደገፍቱ የጓሳጕስ ኣሎ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ደገፍቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል፡ ኣብ ዘዝነብርሉ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩን መዘክራት ንዝምልከቶም ኣካላት ከቕርቡን ክጕስጕስ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጪታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት'ዚ ብናይ ብሽክለታ ጕዕዞ ካብ ሽወደን ክሳብ ስዊዘርላንድ ዝስነ ክኸውን ምዃኑ እውን እቶም ምንጪታት ወሲኾም ሓቢሮም።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብሰሪ'ቲ ምስ ጥሩፋት ምንቅስቓሳት ዝነበሮ ዝምድናታትትን ዝፈጠሮ ዘይምርግጋኣትን፡ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ተነቢሩ ምጽናሑ ዝዝከር ኢዩ።
ሕጂ፡ ካብ'ዚ እገዳ'ዚ ንምግልጋል፡ ቅዋም ክነድፍ'የ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክድርቶ'የ፡ እሱራት ክፈትሕ ኢየ እናበለ፡ ንምዕራባውያን መንግስታት መብጽዓታት ክኣትወሎም ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት'ዚ ከኣ፡ እቲ ስርዓት ህዝባዊ ደገፍ ከምዘለዎ ንምርኣይ ዝገብሮ ዘሎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።
ኤርትራውያን ዜጋታት፡ በዚ ከይደናገሩን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዘሎ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲን ብልጽግናን ምዃኑ ዘርኢ ሰላማዊ ሰልፍታቶም ክቕጽሉ ኣለዎም።