ዜና ውሽጢ ሃገር

2015-03-06 14:32:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3888 times

1. ኣባይትኹም ብዘይ ፍቓድ ሰሪሕኩም ወይ ኣሐዲስኩም ብስም ምስምስ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ናይ ህዝቢ ገዛውቲ የፍርስ፡ ይህግርን ኣሎ። ከምኡ'ውን ኣባይትኹም ብዘይፍቓድ ኣሐዲስኩም ተባሂሎም ማእለያ ዘይብሉ ናቕፋ ዝተቐጽዑ ውን ኣለው።

ኣብ ዓዲ ቀይሕ እውን ንመስርሕ ምፍራስ ኣባይቲ ናይ ህዝቢ ከቢድ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞን ኣብ'ቲ ዝተኸስተ ዕግርግር ጕድኣት ዝወረዶም ዜጋታት ምህላዎም እሙናት ምንጪታት ካብ'ቲ ከባቢ ሓቢሮም።

2. ኣብ ከባቢ ባድመ ኣብ ዝርከባ ከም ጃረት፡ ኣርኩብ፡ ሃዳሙ፡ ኣላላን ዓዲ ማኢልን ዝኣመሰላ ዓድታት፡ ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓድታቱ ገዲፉ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ክግዕዝ ብስርዓት ኢሳያስ ተኣዚዙ ኣሎ። እቲ ነዚ ምፍንቓል'ዚ ዝተዋህበ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ተቓወምትን ናይ ኢትዮጵያን ናይ ስለላ ኣባላት ዝዋስእሉ ከባቢ ኢዩ ዝብል ምዃኑ ይሕበር።

3. ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ብዝብል ስም ዝፈልጥ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ውድብ፡ ካብ'ቲ ኣብ ከባቢ ጐሉጅ ዝርከብ ብመዓስከር ሓሬና ወይ ዓድ ሸኽ ጋላ ዝፍለጥ ቦታ፡ ናብ ገርገጂ እተባህለ፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ናይ ሩባ ጋሽ ኣብ ጥቓ ጐኘ ኣብ ዝርከብ ገርገጂ እተባህለ ቦታ ተቐይሩ ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ ካብ'ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተኻየደ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ናይ ዲምሓኵኤ ንምህዳም ምዃኑ እቶም ምንጪታት ይሕብሩ።

ገለ ክፋል ናይ ደምህት ኣብ ከበሳ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሙሳ፡ ገለ ድማ ኣብ ከባቢ ዓላ ኣብ ዝርከቡ መደበራት ኢዮም ተዓስኪሮም ዘለዉ። ገለገለ ተዓዘብቲ፡ ኣስመራ ብለይቲ ብደምህት ኢያ ትሕሎ ክብሉ ይስምዑ ኢዮም።

4. ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሰሪ'ቲ ቀጻሊ ህድማታት ናይ ሰራዊት እናሰሓወ ስለዝመጸ፡ ስርዓት ኤርትራ፡ ነዚ ጕድለት'ዚ ንምምላእ፡ ነቶም ብዝተፈላለየ ኣስማት፡ ማለት ኣባላት ዑቝር ሰራዊት፡ ሓለዋ ከባቢ፡ ህዝባዊ ሰራዊት ወዘተ ዝጽውዖም ናብ ምዱብ ሰራዊት ክጽንበሩ ዝግድድ ውሳኔ ወሲዱ ኣብ ምትግባሩ ይርከብ ኣሎ።

Last modified on Friday, 06 March 2015 15:35