ሰዲህኤ ዝርከቦ ኤርትራዊ ልኡኽ ኣብ ኣገዳሲ ኣኼባ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት ስዊስ ተኻፊሉ

2015-03-05 01:03:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3559 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ወከልቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ):  ሓዲሽ  ጽላል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ  ስዊዘርላንድን ዝርከቡዎ ሓባራዊ ኤርትራዊ ልኡኽ: ብዕለት 2 መጋቢት 2015 ኣብ ከተማ በርን ኣብ እተጋብኤ ኣገዳሲ ኣኼባ  ማሕበረ- ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ (ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት) ስዊዘርላንድ ተረኺቦም ንሃለዋት ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ብዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቦም።

ዕላማ ናይዚ ብናይ ወጻኢ ጒዳያት ሽማግለ ማሕበረ- ዲሞክራሲያዊ ሰልፊስዊስ እተጸውዐን እተመርሐን ኣኼባ: መንግስትን ሃገርን ስዊዘርላንድ: በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ፖለቲካውን ናይ ሰብኣዊ መሰላትን: ናይ ስደተኛታትን ጸገማት እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዋ ንምጽናዕ፣ ከምኡ ከኣ ኣብ መጻኢ ክውሰድ ንዝግብኦ ስጒምትታት ንምድህሳስ ነይሩ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ኣቦ መንበር ሽማግለታት ወጻኢ ጒዳያት ሃገራዊ ባይቶ ስዊስን ናይ ሶሻል ዲሞክራት ሰልፍን ዝኾነ ሚስተር ካርሎ ሶማሩጋ ነይሩ። ጒዳይ ኤርትራ ዝምልከቶም ተባሂሎም ኣብ ኣኼባ ካብ እተዓደሙ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ተሳተፍቲ: ናይ ፈደራላዊ ምኒስትሪታት ወጻኢን: ፍትሕን ፓሊስን ወከልቲ: ከምኡውን ናይ ፖለቲካዊ  ሰልፍታትን ሲቪካዊ ማሕበራትን መራሕቲ ነይሮም። 

Swiss101 ኣባል ባይቶ ካርሎ ሶማሩጋ፣                                  ህንጻ ባይቶ ሃገረ ስዊስ፣                               ኣምባሳዶር ሉጎን-ሙላን

ኣብ ኣኼባ ከም ቀንዲ ተዛረብቲ ኰይኖም ዝቐረቡ: ናይ ሰዲህኤ ናይ ወጻኢ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ: ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፣ ናይ ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃን ናይ ፍራንኮፎንን ጒዳያት ሓላፊት ኣብ ወጻኢ ምኒስትሪ ስዊስ ዝኾነት ኣምባሳዶር ኣን ሉጎን-ሙላን፣ ከምኡ ወኪል ካብ ናይ ስዊስ ናይ ስደተኛታት ቤት ጽሕፈት ሚስተር ዳኒኤል ሲሊንገን ነይሮም። ኣቶ ጸጋዘኣብ ገብረሚካኤልን ኣቶ ተስፋጋብር ገብረን እውን: ከም ወገልቲ ጽላል ማሕበር ኤርትራውያንደለይቲፍትሒ: በቲ ኤርትራውያን ኣብ ስዊዘርላንድ ብዘጓንፎም ጸገማት ንምብራህ ኣኻሊ ዕድል ተዋሂብዎም።

ኤርትራውያን ተዛረብቲ: ክሳዕ ሎሚ መንግስቲ ስዊስ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ከቢድ ፓለቲካውን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ግህሰታትን: ብዕሊን ብኣዋጃትን ዘይምዂናና ቅር ከምዘበሎም ኣይሓብኡን።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኰነ ኣብ ናይ ስደት ቦታታት ንዝርከቡ ኤርትርውያን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማት ድሕሪ ምሕባር፣ ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ 20,000 ዝበዝሑ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝመጹ እሞ መብዝሕትኦም መንእሰይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብምህላዎም: መንግስቲ ስዊስ ፍሉይ ናይ መነባብሮን ናይ ትምህርትን ቈላሕታ ክገብረሎም ተማሕጺኖም።

እቲ ኣኼባ ናይ ኤርትራን ህዝባን ጸገማት ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ተገንዚቡ፤ ብመንግስቲ ስዊስ ኮነ: ብደረጃ ዓለም-ለኸ ማሕበራትን ውደባታትን ክግበር ዘለዎ ጻዕርታት ከኣ ክቕጽል ከም ዝግብኦ ተረዳዲኡ። ኣብ ፈደራላዊ ፓርላማ ስዊስ ክልዓል ዘለዎ ነጥብታት እውን ካብ ሓያለይ ተዛረብቲ ተዋህሊሉ።

ኣቦ መንበር ኣኼባ ሚስተር ሶማሩጋ: ኣብቲ ኣኼባ እተላዕለ ነጥብታትን ወኸሳታትን ኣብ ግብሪ ክውዕል ቀጻሊ ጻዕርታት ክግበር ምዃኑ ገሊጹ። ሚስተር ሶማሩጋ: ክብ ዝበለ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣባል ባይቶ ኢዩ። ኣቐዲሙ ከም ጠበቓን መራሒ ማሕበር ሰራሕተኛታትን ኰይኑ ኣንጻር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ዓሌታዊ ፍልልይ ልሉይ ቃልሲ ዘካየድ  ብምዃን ይፍለጥ።    

ብሸነኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብቓል እተመሓላለፈ መግለጽን፣ ክግበር ናይ ዘለዎ ዕማማትን ብጽሑፍ ከይተረፈ ናብ ኲሎም ኣኼበኛታት ከም ዝበጽሕ ተገይሩ።

Last modified on Thursday, 05 March 2015 02:08