ፈደራላዊ ካቢነት ስዊዘርላንድ ብጒዳይ ኤርትራ ካብ ፓርለመ ንዝቐረበሉ ዕቱብ ሕቶታት መልሲ ሂቡ

2015-03-01 21:20:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4132 times

እቲ ብኮንሰይ ፈደራል ዝፍለጥ ሸውዓተ ዝኣባላቱ መንግስቲ (ካቢነት) ስዊዘርላንድ: ብሃገራዊ ባይቶ (ፓርላማ) ሃገር ኣቢሉ ብጒዳይ ኤርትራ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ብዕለት 25 የካቲት 2015 መልሲ ሂቡሉ። እቲ ወኸሳታት ብኣባል ሲሻል ደሞክራት ስዊስ ብዝኾነት ኣባል ባይቶ ወይዘሮ ፈህር ጃኵሊን (Fehr Jaqueline) ብዝሓለፈ 8 ታሕሳስ ኢዩ ቀሪቡ።

ከም ዝዝከር: ብዝሓለፈ 19 ሕዳር 2014: ላዕለዋይ ልኡክ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ: ንጸገማት ህዝብና ብዝርዝር ዝገልጽ ርክብ ኣካይዱ፣ ሰፊሕ መዘክር እውን ናብ ዝምልከቶ ሰልፍን መንግስቲ ስዊስን ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ወኸሳታት ኣባል ባይቶ ስዊስ ከኣ ኣብኡ እተመርኰሰ ኰይኑ: ኤርትራ ኣብ ፍሽለት መንግስትን ውድቀት ሕብረተሰብን ገጻ ተንቈቊል ብምህላዋ: መንግስቲ ስዊስ ዝከኣሉ ክገብር ዝሓትት ነይሩ። ነቲ ብባይቶ ሃገረ ስዊስ ኣቢሉ ናብ መንግስቲ ስዊስ ዝቐረበን: መልሲ እተዋህበሉን 8 ሕቶታት ካብ ቋንቋ ተርጒምና ነቕርቦ ኣሎና፤ ጽቡቕ ንባብ:-

1-  ብዛዕባ ሰባኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ: ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ክልተ ጊዜ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብዘቕረበቶ ጸብጻባት መንግስቲ ስዊስ እንታይ ርእይቶ ኣሎዎ?

2-  ነቲ ፍልይቲ ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ጸብጻባትን: ነታ ብ2014 ቈይማ ንዘላ መርማሪት ኮምሽንን ንምዕዋት: ከምኡውን ተመሓላሊፉ ንዘሎ ለበዋታትን መጽናዕትታን ተመዲቡ ንዘሎ ርክባትን ንምዕዋት: ብሸነኽ መንግስቲ ስዊስ እንታይ ገንዘባውን ሰብኣውን ፖለኣቲካውን ሓገዛት ተዳልዩ?

3-  ንናይ ዓለም ቀይሕ መስቀል ማሕበር (ICRC) ብከመይ መገዲ ንናይ እሱራት ምብጻሕን ምርኣይን ስራሓ ከተካይድ ክድፍኣሉ ይከኣል? ብቐንዱኸ ናይ ዓለም ቀይሕ መስቀል ኣብ ኤርትራ ኣትያ ስራሕ ከተሳልጥ ትኽእል ዲያ?

4-  ሕብረተሰብ ዓለም ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓደ ሸነኽ: ኣብ መንጎ ኤርራን ጅቡትን ከኣብ ብኻል ሸነኽ ተኸሲቱ ንዝርከብ ናይ ዶብ ሽግራት ንምፍታሕ እንታይ ግደ ክጻወት ይኽእል?

5-  ካብ 1993 ጀሚራ ኤርትራ ናይ ዓለም-ለኸ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO) ኢያ፣ ብ2000 ከኣ ነቲ ኣብ ዓንቀጽ ቁጽሪ 105 ዝሰፈረ ናይ ግዱድ ስራሕ (ባርነታዊ ገባብ ስራሕ) ናይ ምውጋድ ውዕል ዝፈረመት ኢያ። መንግስቲ ስዊስ ኮነ ናይ ሰራሕተኛታት ዓለም ማሕበር ነዚ ውዕል እዚ ኤርትራ ከተኽብሮ እንታይ ክገብር ይኽእል?

6-  ኣብ ከባቢ ምብራቓዊ ሱዳንን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያን ክንደይ ዝኾኑ ዑቕበኛታት ኤርትራውያን ኣለዉ? መንግስት ስዊስከ እንታይ ክትገብረሎን ትሓስብ -- ፍላይ ኣብ ትምህርትን ማሕበራዊ ናይ መነባብሮ ምምሕያሽ ኣብ ምግባርን?

7-  ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ዑቕበኛታት ማእከላይ ዕዲሚኦም ክንደይ ኢዩ? እንታይ ዓይነት ተመክሮ ዘወነኑ ይመስሉ? ከመይ ገርካ ነቲ ዘለዎም ጉድለት ትምህርቲ ክምዕብልን ክመሓየሽን ክግበር ይከኣል?

8-  መንግስቲ ስዊስ ካብ ክፍዕታት መንግስቲ ኤርትራ ንምክልኻል ንኤርትራውያ ዑቚበኛታት እንታይ ዓይነት ምክልኻል ወይ ውሕስነት ይገብር ይኽእል? መንግስቲ ኤርትራ ካብ ስደተኛታት ብኣስገዳት ንዝእከቦ ገንዘብ ብዝርኢ መንግስቲ ስዊስ እንታይ ርእይቶ ኣለዎ? ነቶም ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራ ከም ተርጐምቲ ኣምሲሉ ዝቕርብ ናይ በዓል ቶኒ ሎሸር (Toni Locher ዝኾነ ማሕበር (SUKE) እንታይ ገደብ ክገረሉ ተኻኢሉ?

ብዕለት 25-02-2015 ዝተዋህበ መልሲ መንግዝስቲ ስዊስ ()

መንግስቲ ስዊስ (Conseil Federal - ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ) ንኣገዳስነት ምኽባር ሰባኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዓቢ ትዅረት ኢዩ ዝርእዮ። እዚ ኤርትራ ዝርኤ ኣስጋኢ ዝኾነ ማሕበራዊ ህይወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጠንቂ ስደትን ፋሕ ምባል ሰባትን (ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልእ ዞባታትን) ኣስዒቡ ኣሎ። ካብዚ ዘጨንቕ ኩነታት ዝነቐለ ስደት: ንብዝሒ ኤርትራውያን ዑቕበኛታት ኣብ ሃገርና ክብ ኣቢልዎ ይርከብ። ነዚ ኣሻቓሊ ጸገማት እዚ ምስ ዓለም ለኸ ሓይልታት ተሓባቢርካ ፍታሕ ምድላይ ኣገዳሲ ይኸውን።

1-  እዚ ብፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝቐረበ ጸብጻብ ናይ ቅጽበታዊ ወይ ድራማዊ ኩነት ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኢዩ። ስዊዝ ምስ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚታት ንኤርትራውያን ተቛወምቲን ተጣበቕቲ መሰል ወድሰብን በቲ ኣብ ሃገሮም ዘጓንፍ ዘሎ ሕርመት መሰል ደቂሰባት ትዛተ ኢያ። እሱ ጥራይ ዘይኮነስ ብተደጋጋሚ ንመንግስቲ ኤርትራ ምስ ፍልይቲ ሓላፊት ሕቡራት መንግስተት ሃገራት ክትሓባበራኣ ኣብ ኤርትራ ኣትያ ክትዕዘብን ትዕድም እኳ እንተኾነ ውጽኢት ኣይረኸበን፡ ይኹን እምበር ካብ ምዕዳም ኣይከነቋርጽን ኢና።

2-  ኣብ 2012 ብመሰረት ዳግመ ርእይቶታት ወይ ወኸሳ ዓለም ለኸ ስሩዕ_ኣኼባ(UPR) መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ኤርትራ፣ ስዊዘርላንድ ምሕጽንትኣ ንምምሕያሽ መሰላት ኣብ ኤርትራ ብንጹር ኣቐሚጣ ነይራ ኢያ። ኣብ ወርሒ መጋቢት 2014 ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሃገርና ብምርካብ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝኣክል ሓበረታ ብዛዕባ መሰላት ዲሰብ ኣብ ኤርትራ ረኺባ ከም ዝነበረት ዝዝከር ኢዩ። ስዊዘርላንድ ኣብ ጉዕዞ ቁጠባዊ ሓገዝ ምሃብ ነዚ ዝግበር ዘሎ ተበግሶታት ተሳታፊት ኢያ ዘላ። ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ንስራሕ ተመራማሪት ኮሚተ (Commission of inquirey) ምሉእ ደገፍ ትህብን ነቲ ተካይዶ ዘላ ሓበረታት ምጥርናፍ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራ ብምኻድ ርጉጽን እዋናዊ ሓበረታ ትእርንብ ዘላ የሞጉስ።

3-  ስዊዘርላንድ ብተደጋጋሚ ንስርዓት ኣስመራ ምስ CICR ክትተሓባበርን ንኤርትራ ኣትዮም ኩነታት ኣብያተ ማእስርቲ ትዕዝብቶም ክስፍሩ ድሌታ ኢዩ።

4-  ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ኣብ ከባቢ እቲ ዞባ ዝመሰረቱ ኩሎም ርጉእን ቅሱንን ሰላማውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህሉ ድሌቶም ኢዩ። ድሕሪ ውግእ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን (ናይ 198-200 )ክልቲኤን ሃገራት ብሓደ መንጎኛ ፈራዲ ኣካል ዝቖመ ናይ ዶብ ምሕንጻጽ ተሰማሚዔን ነቲ በዚ ቤት ፍርዲ እዚ ዝሓለፈ እግባይ ዘይብሃሎ ፍርዲማንዛ (virtual) ዶብ ከም ዝተሓንጸጸን ኽልቲኤንተቐቢልናዮ ክብላ ከብቅዓ፡ ከም ፍርዲ መጠን ከተማ ባድመ ንኤርትራ ከምዝተወሰነ ዝዝከር ኮይኑ ብወገን ኢትዮጵያ ከምዘይቅቡል ጌራ ከም ዘወሰደቶ ብሰንኪ ጠንቂ እዚ ዘይምቕባላ ኣብ መንጎ ክልቲኤን መንግስታት ሓሓሊፉ መጥቃዕትታትን ከብድ ዝበለ ዝሑል ውግእ ይረኤ ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጂቡትን ዘሎ ዶባዊ ግርጭት፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ካብ 2008 ጀሚሩ ፍታሕ ንምርካብ፡ ምስርካብን ምልውዋጥን ናይውግእ እሱራት ኽግበር ይጽዕር ከምዝነበረን ዘሎን ይፍለጥ።

5-  ዓለም ለኻዊ ሰራሕተኛታት ማሕበር (ILO) ውዑል ዓንቀጽ 105 ኣብ ኤርትራ ክኸብርን ንተግባራውነቱ ዝጠቅም ምቁጽጻር ስልቲ ኣለዎን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣገባብ ማሕበር ሰራሕተኛ ለውጢ ከተኣታቱ ጸቕጢ ካብ ምግባር ኣየዕረፈን። ዓለም ለኻዊ ሕጊ- ሰራሕተኛ ከተእታትው ይሕብር። እንተደአኣ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ተጣሒሱ ኣብቲ ዓለም ለኻዊ ዝግበር ኣኼባ ከም ዝዝተየሉ ይፍለጥ ኢዩ። ስጋብ እዚ እዋን ኢ ሰነድ ወይ ጸብጻብ ብዛዕባ ኤርታ ኣየቀረበን ዘሎ። ኣብ ዝመጽእ ዓለም ለኻዊ ጉባኤ እንተደአኣ ጉዳይ ኤርትራ ዘይተላዕለ፡ ሲዊዘርላን ነዚ ባርነታዊ ኣገባብ ሰራሕተኛ ኸቋርጽ ወይ ክድምሰስ ክተልዕሎ ኢያ።

6-  ንጹር ወይ ርጉጽ ዝኾነ እኩብ ሓበረታ ቁጽሪ ናይ ዑቕበኛ ኣብቲ ከባቢ የለን። ብግምት ስጋብ 107,000 ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ 110,000 ኣብ ምብራቕ ሱዳን ከም ዘለዉ ይሕበር። ሲዊዘርላንድ መደብ ወይ ትልሚ ናይ ምኽልካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተካይድ ኢያ። ኣብዚ ዝተመርኰሰ ምስ ኣህጉራውያን ማሕበራት ብፍላይ ከም UNHCR, IOM,NGO ኣብ ውጥን ወይ ትልሚ ድሕነት ናይቶም ብፍላይ ንሓደጋ ዝተሳጥሑ ሰባት ምሉእ ምትሕብባር ትገብር ኢያ። ሲዊዘርላንድን ብምትሕብባር UNHCR ንትሕተ ዕድመ ዝኾኑ ንምክልኻልን ኣብ ሽረ ( ሰሜን ኢትዮጵያ) ዝኣተዉ ምስ ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ኖርወይ (NRC) ብምትሕብባር ኣብ ውሽጢ መቆቢ ሰደተኛታት ይኹን ወጻኢ ካብ ኢትዮጵያ ደገፋታት ሂብናን ንህብን ኣሎና። ሲዊዘርላንድ ኣባል ኣንጻር መሸጣ ደቂ ሰባት ክምኡ ማፍያዊ ምትሕልላፍ ስደተኛታት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃን ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነስ ተዓዝቢ ወይ ተኸታታትሊ ሕጋዊ መስርሕ ካርቱም ንንግዲ ድቂ ሰባት ዘርኢ እውን ኢያ።

7-  ማእከላዊ ዕድመ ዑቕበኛታት ኤርትራውያን ኣብ ስዊዝ 25 ኢዩ። ጠንቂ ዓዶም ራሕሪሖም ዝመጽሉ ዝተፈላለየ እኳ እንተኾነ መብዛሕትኦም እቲ መጠረስታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኸውን ከሎ፡ ወይ ብዲክታትርያዊ መለለዪ ዝከጽዕዎ መብዛሕትኦም ብጥህሰት መሰል ደቂ ሰባት ዘጓንፎም ኣብ ሕማቕን ድኽነትን ንመጻኢ ተስፋ ዘይብሉ ሃገር ዝሓስቡን ዝኣመሰሉ ኢዮም። ምስ ኣብ ቅዋም ፈደራላዊ ሕጊ ብምምርኳስ ኩለን ካንቶናት መባእታዊ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ካብኡ ንላዕሊ ምስ ዓቕምታቶም ዝተወሃሃደ ንምሃብ ይጽዕር። ኩለን ካንቶናትና ንዑቕበኛታት ምውህሃድ (ጽንባረ) ወይ ጥምረት ምስ ሕብረተሰብ ወይ ማሕበራዊ ናብራ ንምዕቃብ 110 ሚልዮን ፍራን ንውዝዕ። ዑቕበኛታት ዕድል ምህደረ ትምህርቲ (scholarship) እውን ኣለዎም። ደቆም ብሕጋዊ መልክዕ ልክዕ ከም ዜጋታት ስዊስ ኢዮም ዝቑጸሩ። ከም ኩሉ ዓይነት ትምህርቲ ካብ ተላማድነት ኣብ ስራሕ ሞያዊ ትምህርቲ ከምኡ ኣካዲኣሚያዊ ትምህርቲ ከም ብቕዓቶም ፍቑድ ኢዩ። ፈደራላዊ ስዊስ ንመጀመሪ ዝኸውንን ንፍሉይ ውጥን (project) ምስ ዝቐርብ ገንዘባዊ ሓገዝ ክውዝዕ ይኽእል። ንመሓደስ ኣብ ምስግጋር ካብ ብስነ ምግባር ዝተቐየደ ትምህርቲ ናብ ሞያ ዘጠቓለለ ብመልክዕ ለቓሕ እውን ይውዝዕ ኣሎ። ብማዕሪኡ ነቶም ድሕረት ወይ ኣብ ትምህርቲ ዝተገድዑ ማሕበራዊ ናብራን ቋንቋን ቁጠባዊ ሓገዝን ስበኣዊ ደገፍን ይፍቀድ ኢዩ።

8-  ሓይሊ ፖሊስ ቤት ፍርዲ ፈደራላዊ ስዊዝ እቲ ናይ ሃገራዊ ታክስ ኣነጺሩ ኢዩ ዝፈልጦ። ስጋብ እዚ እዋን እዚ እቲ ወግዓዊ ታክስ ንመንግስቲ ኤርትራ ይወሃብ ዝበሃል ብወገን እዚ ናይ ምቁጽጻር ታክስ ስዊዝ ኣብ ባይታ ዘራጋገጾ ኣይተራእየን። ብዘይ ርጉጽን መሰረት ዘለዎ ምስክርን (penal) መቕጻዕታዊ ኪ ክተቕርብ ኣይከኣልን ኢዩ። እቶም ክኽሰሱ ይከኣሉ ዝበሃሉ እውን መቕጻዕታዊ ክሲ ኣብ ርእስኦም ክኽፈት ኣይኽእልን ኢዩ። ስለዚ ኣብ መስርሕ ሕጊ ስዊዝ ከም ዘይገበነኛታት ህይወቶም ክቕጽሉ ግድነት ኢዩ። እቶም ንምትርጓም ዝዋስኡ ዜጋታት እውን ቅድሚ እዚ ዕድል ዝወሃቦም ዝተፈላለየ ፈተናታትን ማሕላን ዘይኮነ ከይትርጉሙ እቲ ኣብ መወከስ ዝግበር ዕቱብ ካብታ ቤት ጽሕፈት ከምዘይወጻ ዝሓልፉ ባእታታት ኢዮም። እንተደኣ ሰለይቲ ስርዓት ኤርትራ ካብቶም ተርጐምቲ ኣህሊዮም ወጻኢ ካብ (SEM) ጸጥታዊ ሓለዋ ስዊዝ ኮይኖም ማለት ኢዩ። እንተደአኣ ጥርጠራ ሃልዩ እሞ ተሓቢሮም ኣብ ትሕቲ መጽናዕቲ ጸጥታዊ ስዊዝ ከም ዝኣትዉ ኣይጠራጠርን ኢዩ። እንተደኣ ተረኺቦም ግን እቲ ውዑል ስራሕ ይብተኽ ኢዩ። ብወገን ሓተቲ ዑቕባ ጥራዓኖም ኣብ ዝኾነ እዋን ከቕርቡ ይኽእሉ ኢዮም። ምስኡ ናይቶም እምነት ዘሕደርሉ ተርጓሚ እውን ከቕርቡ ይኽእሉ። ኣብ ርእስኡ ኣብ ስዊዝ ኣብ ግዜ ወከሳ ማሕበራት ስበእነታዊ አይ ግብረሰናያዊ ወከልቲ እውን ንውህስነትን ርግኣትን ተሓታቲ ይሳተፉ ኢዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መንጎ መንግስቲ ስውስን ማሕበር SUKE (ንስርዓት ኢሰያስ ዝድግፍ ማሕበር ስዊስ) ዋላ ሓንቲ ርክብን ወይ ምትሕብባር የለን።

ህጹጽ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት

ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስዊዝ ( ላዕለዋይ ባይቶ ስዊዝ)

Last modified on Sunday, 01 March 2015 22:22