ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ እገዳ ይለዓል ዝብል ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩ ንደገፍቱ የጓሳጕስ ኣሎ

2015-02-28 18:44:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2841 times

ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ግዳም ዝርከቡ ደገፍቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክለዓል፡ ኣብ ዘዝነብርሉ ከተማታት ሰላማዊ ሰልፍታት ክገብሩን መዘክራት ንዝምልከቶም ኣካላት ከቕርቡን ክጕስጕስ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጪታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሮም። እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት'ዚ ብናይ ብሽክለታ ጕዕዞ ካብ ሽወደን ክሳብ ስዊዘርላንድ ዝስነ ክኸውን ምዃኑ እውን እቶም ምንጪታት ወሲኾም ሓቢሮም።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብሰሪ'ቲ ምስ ጥሩፋት ምንቅስቓሳት ዝነበሮ ዝምድናታትትን ዝፈጠሮ ዘይምርግጋኣትን፡ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ተነቢሩ ምጽናሑ ዝዝከር ኢዩ።

ሕጂ፡ ካብ'ዚ እገዳ'ዚ ንምግልጋል፡ ቅዋም ክነድፍ'የ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ 18 ኣዋርሕ ክድርቶ'የ፡ እሱራት ክፈትሕ ኢየ እናበለ፡ ንምዕራባውያን መንግስታት መብጽዓታት ክኣትወሎም ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ሰላማዊ ሰልፍታት'ዚ ከኣ፡ እቲ ስርዓት ህዝባዊ ደገፍ ከምዘለዎ ንምርኣይ ዝገብሮ ዘሎ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኤርትራውያን ዜጋታት፡ በዚ ከይደናገሩን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝጽበዮ ዘሎ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲን ብልጽግናን ምዃኑ ዘርኢ ሰላማዊ ሰልፍታቶም ክቕጽሉ ኣለዎም።

Last modified on Saturday, 28 February 2015 19:47