ቤት ጽሕፈት ውደባ ዝጸውዖ ናይ መራሕቲ ዞባ፡ ንኡስ ዞባን ጨናፍርን ኣውሮጳ ኣኼባ ተኻይዱ

2015-02-27 23:20:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ (ዞባ ኤውሮጳ) Published in EPDP News Read 2847 times

ቤት ጽሕፈት ውደባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝጸውዖ፡ ሓላፍቲ ዞባ ኣውሮጳ፡ ንኡስ ዞባ ጀርመንን ጨናፍርን ዝተኻፈልዎ ኣኼባ ብ15 ለካቲት 2015 ብመራኸቢ ብዙሓን ተኻይዱ።  ኣቦ መንበር ዞባ ኣውሮጳ፡ ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ፡ እዚ ኣኼባ'ዚ፡ ከም'ቲ ኣቐዲሙ ተሓቢርኩም ዝነበረ ብቤት ጽሕፈት ውደባ ዝተጸውዐ ኰይኑ፡ ኣጀንዳታቱ ድማ እዚ ዝስዕብ ኢዩ ኢሉ።

1ይ ትካላዊ ኣሳራርሓና ከመይ ኣሎ?

2ይ ፖለቲካዊ ጎስጓስናን ንጥፍታትናን ኣበይ በጺሑ ይርከብ?

3ይ ርክባትናን ውዳበናን ከመይ ይመስል?

4ይ ቁጠባዊ ኣበርኩቶና ብኸመይ ነዕብዮ?

5ይ ምድላው ካልኣይ ጉባኤናን ምስንዳው ፈስትቫልናን ከመይ ይስጉም ኣሎ?

ኣቦ መንበር ቤት ጽሕፈት ውደባን ሓላፊ ኣሳናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤን፡ ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፣ ምስ ሓላፊ ውደባ ክሊ ኤውሮጳን ኣባል ማእከላይ ባይቶን ሓው ኣሰፋው በርሀ፣ ከምኡ ውን ኣባላት ምምሕዳር ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት-- ሓብቲ ትዕበ ተኪአ፡ ሓብቲ ኣዲያም ተፈራን ሓው ነጋሲ ሓምደን፡ ነዚ ኣጀንዳታት ከብርሁልናን ምሳና ሓቢሮም ክዛተዩን ኣብ ሞንጎና ምርካቦም እናመስገንኩ፡ መድረኽ ናብኦም አመሓላልፎ ብምባል ሓው ብርሃነ ገብረክርስቶስ መእተዊ ቃሉ ናይ ኣኼባ ደምዲሙ።

ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ 2015 ዓ.ም ናይ ራህዋን ሰላምን ዓመት ክትኰነልና፤ ህዝብና ድማ፡ ካብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ዝገላገለሉን፡ ናብ ግዝኣተ-ሕግን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ ስርዓት ዝሰጋገረሉን ዓመት ክኸውን እምነ ብምባል ኢዩ መግለጺኡ ጀሚሩ። 

ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ንሃለዋት ውደባና ዝግምግምን ንኣሰራርሓና ዘማዕብልን ኣኼባ ተረኺበ ምሳኹም ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጥ ከለኹ ክብርን ደስታን ይስምዓኒ። ኣኼባና፡ ዓለምና ኣብ ቅልውላት ተሸሚማ፡ ውግእን ምንዕዓባትን ኣብ ዝነገሰሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ህዝቢ ኣብ ዝፈናቐለሉን ንስደት ዘምርሓሉን ዝሃልቀሉን ዘሎ ወቕቲ ኢና ነካይዶ ዘለና።  ብወገና ነዚ ድቃስ ዘይህብ ሃለዋት  ዓለምን ሃገርናን፡ ብዕምቆት መዚና፡ ንውልቀ መላኺ ስርዓት ኤርትራ ካብ ስሩ ምሒና፡ ኣብ ሃገርና ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ግዝኣተ ሕግን ንምስፋን ዘይተሓለለ ቃልሲ ነካይድ ኣሎና ኢሉ።

እዚ ሓው ብርሃነ ዘርዚሩ ኣቕሪብዎ ዘሎ ኣጀንዳታት ክከታተሉ ዝጸንሑ ሓለፍትን ኣካየድትን ናይ ዞባ ኣውሮዓ ምሳና ስለዘለዉ፡ ብዝያዳ ንኸብርህዎ ንዕኦም ዕድል ክህብ ኢየ ብምባል ሓው ተስፋሚካኤል ዘረብኡ ዛዚሙ።

ሓው ኣሰፋው በርሀ ብወገኑ ሕውነታዊ ሰላምታኡ ድሕሪ ምቕራብ፡ ነቲ ሓው ተስፋሚካኤል ዝሃቦ መግለጺ ብምስማር፡ ሰዲህኤ፡ ንዅሎም ደለይቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ጽላል ጠርኒፉ፡ ብህዝባዊ ፖለቲካዊ ናዕቢ ኣቢሉ ንመላኺ ስርዓት ኤርትራ ኣልጊሱ ሰላምን ፍትሕን ንምስፋን ዝቃለስ ውድብ ኢዩ ኢሉ። ኣስዒቡ፡ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ፡ ሰልፍና ካልኣይ ጕባኤኡ ፈስቲቫልን ንምድላው ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን እነካይዶ ዘለና ኣኼባ፡ ንኣሰራርሓና ዘጽፍፍን ንሰልፍና ዘሐይልን ሓሳባትን ምምሕያሻትን ዝምንጭወሉ ኣኼባ ክዀነልና እትስፎ ብምባል ናብ ነቲ ኣጀንዳ መእተዊ ክኸውን ዝኽእል መግለጺ ምሃብ ኣትዩ።

ትካላዊ ኣሳራርሓና ኸመይ ኣሎዝብል ኹላትና  ኸም እንፈልጦ ብሓፈሻ ትካላት ውድብና ጹዑቕ ፣ስርሓት ቤት ጽሕፈታተን ከካይዳ  ብምጽናሕ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓበራዊ፡መኣዲ ዘተ ኸገበርና ምጽናሕና ሕጽረት  ይኹንእምበር ኣብ ዝተፋላእየ ውድባዊስርሓት ንራኸብን ሓቢርና ንሰርሕን ምንባርና ግን ዘይከሓድ  ፍሉጥ ነገር ኢዩ። ሕጽረታትና ንምውጋድ ንዝመጽእ ግዜ ስሩዑን ምድቡን ኣጋባብ ኣኼባታት ከነካይድ ኽንጽዕር ይህልወና።እዚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ኣርእስትታት ካብ ተልእኾናን ራኢናን ዝመንጨወ ትካላዊ ኣሳራርሓና ኣብቲ ፩ይ ጉባኤና ዝሓለፈ ውሳኔታትብምምርኳስ ኹለንቤት ጽሕፈታትና ብፍላይ ክኣ ህዝባዊ ስርርዕ ኻብ ዕለት ናብ ዕለት ስራሓቱ ኸጻፍፍን መደብ ዕዮታት ብምውጻእ ናብ ስራሕ ኽጸምድ ይጽናሕ አምበር ብዙሓት ብድሆታት ኣጋጢምዎን  የጋጥምዎን ኣለዉ፡ንምስዓሮምዝተፋላለዩ ስልትታትን ስትራተጂን ብምውጻእ ኽንብድሆም እኳ እንተ ፈተና ምስቲ ናይ ኣባላትና ውሕደት ፣ ሙሉእ ግዚኦም ወፍዮም ዝሰርሑ ሓርበኛታትና፣ መብዛሕትና ብትርፊ ግዜና  ድሕሪ ውልቓዊ ስራሕና ስለ እነካይዶ ርኡይ ሃጓፋት ኽህሉ ግዴታ እኳ እንተኾነ ብዘለና ዓቕሚ ብምትሕግጋዝን ምምልላእን ስርሓትና ክካናወን  እንርእዮ ዘሎና ውድዓዊ ኩነት እዩ፡ ስለዚ ውፉያት ንኽሉዉናን ኒስርሓትና ዝሓሸ ውጡን  ምምሕያሽን ኣሎ እንብሎ ተራዳዲእና ሓሳባት ወይ ንድፊ ኣውጺእና ኣብ ስራሕ እንትርጉመሉ ኒዝመጽእ ገምጋም እናገበርና እነመሓይሸሉ መላት ኽንጥቀም ኢና፡፡

ኣብዚ  ኣተኲርና ኽንርእዮ እንደሊ ኣቃራርባ ጸብጻብ ኽማሓየሽ ምዕቡሉን ፣ኻብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ኸምኡ ኻብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ስሉጡን ግዝያዊ መራኸቢ ብግቡእ እና ተጠቐምና ርክባትና ክድልድል ይግባእ፡፡

# መዳይ ፖለቲካዊ ጎስጓስን ውደባን፣ ኣብዚ እውን እንተኾነ ኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ስጋብ ሎሚ ተኻይዱ ዘሎ ስርሓት ዝንኣድ እኳ እንተኾነ  ኣዕጋቢ ንምብጻሑ ፣ ኣሳራርሓና ኸነማዕብልን ቑልጡፍ ሓቤረታት ተሞክሮታት ኽንላዋወጥ ሓደ  ንኹላትና ኣብ ኤውሮጳ ኸራኽበና ዝኽእል ጎግል ( ኻብ ኣባላት ዝተዋህበ ሓቤረታ )ኽንጥቀም ኣድላይነቱ ዑዙዝ ምዃኑ ተራኢዩ፡፡

# መዳይ ርክባትን ምእካብ ሓቤረታን፣ ኣብ እነብረሉ ዠሎና ሃገራት ምስ መንግስታዊ ትካላትን ፣ ውድባትን ሰልፍታትን ፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ፣ ገበርቲ ሰናያትን ብምርኻብን ንቓልስናን ንዑቑበኛታት ኤርትራዊያን ዝዳጋገፋሉን ዝምድናታትና ዝድንፋዓሉ ምግባር ሓደ ኻብቲ እንሰርሓሉ  ዝጸናሕና ኾይኑ ብዝያዳ ኽብርትዕ ዘለዎ ህሞት ኢዩ፡፡

ምስ ኩለን ኣብ ደምበ ፍትሕን ዲሞክራስን ብውልቀ ይኩን ብእኩብ ውድባት ይኹና ምንቅስቓሳት፣ በቲ ሓቢርካ ምቅላስ ዘኽእል መደያቱ ኽንሰርሕን፣ ምስተን ተልእኾን ራኢን  ዝማሳሰል ዘለወን ክኣ ኣብ ሓደ ንምምጻእ ጻዕሪ ምⷋድ፣ ነቶም ራኢኦም ፍሉይ ዝኾነ  ብናይ ሓባር ስራሕ አቢልካ አብ ሰፊሕ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ጽላል ዘብጽሕ  ባብ ምኽፋት ኣድላይ ስርሓት ምክያድን ውጺኢቱ ብዝቐልጠፈ ንመሪሕነት ምትሕልላፍ ንስራሕ ኣሳልጦ ልዑል ተራ ዘለዎ እዩ፡

# መዳይ ቑጠባዊ ስሰና፣ እዚ መዳይ እዚ ንኹሉ ኣባልና ዝምስገንን፣ ዸኺመ ኸይበለ ኻብታ ዘላቶ ብዘይ ንሕስያ ወርሓዊ ጉቡኡን፣ ወፈይኡን ዘበርክቶ  ዘሎ ሓርበኛዊ ስርሓት ኣድንቖት መለክዒ የብሉን፣ ዘሎ ግን ነዚ ኸቢድ  ጾር ኽፈኹሰሉ ዝኽእል ፕሮጀክትን  መላታትን ብምውጻእ ናብ ደገ ዝጠመተ ኣሳራርሓ ብጻዓት ኸነታኣታቱ ዘለዎ ሜዳ ሃሰስ ኽንብል ይግባእ፡፡

#መዳይ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤን ፈስቲቫልን፣ 2ይ  ጉባኤና አብቲ ዝተመደበሉን ወርሕን መዓልትን ክውዕል ዘዲሊ ምቅርራብ ኣብ ዝግበረሉ፣ ኣባላት ኣብ ምምሕያሽ ጶለቲካዊ ፕሮግርምን ፣ ቁዋምን ዝሳተፍሉ ይካየድ ምህላዉ ኹላትና እንዋሳኣሉ እውን ዘሎና ኣብ ርእሲ ምዃኑ ዘሔጉስ ተሳትፎን ኣገዳሲ ዝበልዎ ራኢኦም እውን ይልኡኹ ምህላዎም ስጋብ ክንደይ ዋንነቶም እምነት ኣብ ተልእኾን ራኢ ሰልፊ  ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕብርን ተስፋ ዝህብን ኢዩ፡፡

ብዛዕባ ፈስቲቫል ምስ ጉባኤታትና ተዛሚዱ ዝኸይድ ቡዙሓት ዑዱማን ኣጋይሽን ዘኤንግድ ንምብቃዕ ካብት ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸን ዝማዕረገን ንምብጻሑ ዝኽዕበተ ስራሕ ይጽበየና ኣሎ  ኽብል ሓው ኣሰፋው መግለጺኡ ደምዲሙ ፡፡

ድሕሪ ዚ ንመላእ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዘለዎም ርእይቶታት ከቕርቡ ዕድል ተኸፊቱ። ሓውቲ አልጋነሽ ያቆብ ኣባል ሽማግለ ዞባ ኤውሮጳ፡ ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ከምእትሰማማዓሉን፡ እዚ ዓይነት አኼባ ኣጋጣሚ ክግበር ዘይኮነስ ስሩዑን ምዱቡን ኾይኑ ብውሑዱ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ ምርኻብ ኣድላይ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲባ።

ኹሎም ተሳተፍቲ በቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝቐረበ ጠቓሚ ሓሳብን ዝረኸብዎ መግለጺን ዑጉባት ነይሮም። ገለ ካብቲ ዘቕረብዎ ሃናጺ ሓሳባትን መተሓሳሰቢታትን ድማ ከምዚ ይርከቦ -

1. ኣብ ዝመጽእ ኣኼባታትና ኣብ ክንዲ ሓለፍቲ ብዘቅርብዎ ነዊሕ መግለጺ እቲ ግዜ ዝጸብብ፡ ነቶም በዳህቲ ሕቶታት ጥራይ ኣልዒልና ከመይ ከምእንፈትሖም ምዝታይ ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል።

2. ኣብ ዲያስፖራ ናይ ዝነብር ህዝብና ኩነታትን ብዝሕን ምስ ነዚ ክፈልጡ ዝኽእሉ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብምውካስ ንምፍላት ሰልፍና ጻዕር ከካይድ

3. ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፎርት ዓመት-ዓመት ዝግበር ፈስቲቫል፡ ኣብ ክንዲ ብዞባ ኤውሮጳ ጥራይ ዝኸውን ብመላእ ኣባላት ሰልፊ ክኸውን

4. ሰልፊ ዘካይዶም ሰሚናራትን ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝገብሮም ዑድታትን ኣብ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ሓጋዚ ተራ ስለዘለዎም ኣበርቲዑ ክሰርሓሎም

Last modified on Saturday, 28 February 2015 00:22