ፖለቲካዊ ከመይነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ “ከምዚ እዩ” ዝብል መግልጺ ክትህበሉ ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ  ተግባራቱ ክግመት ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ክትኣሞ ዘጸግም ጨካንን ጠላምን ስለ ዝኾነ። ብዙሓት ወገናት፡ ዲክታተር፡ መላኺ፡ ኣንባገነን፡ ጨቋኒ፡ ርእሰ-ፋሺስትን ቶታሊታርያንን ይብልዎ እዮም። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ ዝወሃቦ መግለጺ ንእኩይ ተግባራቱ ዝምጥን ኣይኮነን። ምናልባት ናብቲ ሓቀኛ መንነቱ እንተቐረበ “ሕሉፍ ዲክታተር” ምባሉ ገላጺ ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ግንዛበ እዩ።  በዚ ዝተገረሙ ኤርትራውያን ከኣ “ነዚ ሰብ’ዚሲ ምስ መን ኣወዳዲርካ ኢኻ እሞ ክትገልጾ ትኽእል?” ኢሎም ክግረሙ ምስማዕ ልሙድ እዩ።

“ንኢሳያስ ሕሉፍ ዲክታተር ምባሉ፡ እንተዘይውሒድዎስ ኣይበዝሖን’ዩ” ወገናት፡ ዘቕርብዎ ዝርዝር መግለጺ፡ ዲክታተርነት ኣብኡ ጥራይ ዝተራእየ ተግባርኳ  እንተዘይኮነ፡ ናቱ ተግባርሲ ካብ ናይ ካለኦት መለኽቲ ዝተፈልየ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ። ገሊኦም ዲክታተራት፡ ኣብ ገለ መዳያት ንህዝቦም ቁሩብ ትንፋስ ዝህቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ኢሳያስ ግና ከምኡ ዝኣመሰለ ባህሪ የብሉን። ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ክዓጽዉን መሰል ምሕሳብን ሓሳብካ ምግላጽን ዓጽዮም፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣቲኻ ገለ ፍልጠት ክትቀስም ዘይከልኡ ዲክታተራት ኣለዉ። ኢሳያስ ግና ኣብ ልዕሊቲ ኩሉ መሰላት ዝገፍፍ ምዃኑ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝዓጽዩ ድንቁርናን ድሕረትን ዘሳዕርር እዩ። ኢሳያስ ካብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ይውክሎ እዩ ዝበሃል መራሒ ሰሜን ኮርያ እውን ዝኸፈአ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ተረድኦ እዩ። ምስ ዝሓለፉን ዘለዉን ደቂ መዛምርቱ ዲክታተራት መራሕቲ፡ ጀርመን፡ ሊቢያ፡ ዒራቕ፡ ሱሪያ፡ ቻይናን ሩሲያን ክወዳደር እንከሎ ናይ ኢሳያስ ዝኸፈአ ምዃኑ ናይተን ሃገራት ህዝቢ መነባብሮ መስካሪ እዩ።

ከምኡ ዲክታተራት ኣንጻር ኣተሓሳስባኦም ንዝሓሰብ ይኣስሩን ግቡእ ፍርዲ ይነፍጉን። ኢሳያስ ከኣ ካብኦም ብዝገደደ ቤተሰብ እሱራት ቤተሰቦም ዝተኣስረሉ ቦታ ክፈልጡኳ ኣየፍቅድን። ካለኦት ዲክታተራት ዋሕዚ ሓበሬታ ካብ ህዝቢ ንምዕጋት፡ ንናይ ብሕቲ መድያታት ብኣዝዩ ዘጻብብ ሕግታት ይቆጻጸሩ፡ ብጥሕሰት ሕጊ ኣመሳሚሶም ጋዜጠኛታት ምእሳርን ምፍታሕን ከም ንቡር መንግስታዊ ተግባሮም ይወስድዎ። ኢሳያስ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩን ናይ ብሕቲ መዲያ ምስ ዓጸወን ጋዜጣኛታተን ምስ ኣሰረን ድሕሪኡ ድሃዮም የለን። ብዘይካዚ ዜጋታት ንመሰሎም ሰላማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ምስ ዝፍትኑ ዲክታተራት ክኣስርዎምን ከካላብትዎምን ይረኣዩ። ኢሳያስ ግና ዜጋታት ተሰሊፎም መሰሎ ክሓቱ ምኽላእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕማቕ እንከለዉ “ደሓን ኣለና ንክብሉ እዩ ተጽዕኖ ዝፈጥር። ካለኦት ዲክታተራት ናይ ብሕቲ ሰብ ሃብቲ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ከይወዳደርዎም ብዘይፍትሓዊ ግብርን ቀረጽን የዳኽምዎም። ኢሳያስ ግና ውጥናቶም ይምንዝዕ ኣብያተ-ንግዶም ዓጽዩ ካብ ሜዳ ውድድር ኣውጺኡ ሃገሮም ገዲፎም ከም ዝስደዱ ይገብር። ከምዚ እናበልካ ናይ ኢሳያስ ሕሉፍ ዲክታተርነት ንምርዳእ ዝቐርብ መወዳደሪ ዝርዝር ነዊሕ እዩ። ብሓጺሩ ሕሉፍ ዲክታተርነት ኢሳያስ፡ ኩሉ ጸገማት ክኢልካ ኣብ ሃገርካ ምንባር ዘየኽእል እዩ።

እቲ ካልእ፡ ፍሉይ ዲክታተርነት ኢሳያስ ዝረኣየሉ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎ ሕዱር ንዕቀት እዩ። እምብዛ ንዕቀቱ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብዛዕባ ዝሓስቦን ዝገብሮን ብዝምልከት ኣይኮነንዶ “ከምዚ እንተገበርና ከመይ ይመስለኩም?” ኢሉ ህዝቢ ክውከስ፡ “ከምዚ ጌርና ኣለና” ኢሉ እውን  ኣይሕብርን እዩ። ብመሰረቱ እውን ነዚ ዘኽእል ትካላት የብሉን። ንኣብነት ብኢደወነኑ ብትዕቢት ተሰንዲሑ ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ነቲ ብዛዕባቲ ዝኣጐዶ ሓዊ ዝኾነይኹን ሓበሬታ ዘየብሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ክተት ይብሎ። እምቢ እንተበለ የገድዶ። ንህዝቢ ድማ ንሱ ንዝጸልኦ ንክጸልእን ከጸልምን ይጉስጉሶን የፈራርሖን። እቲ ዘሕዝን ድማ ነዚ ትዕቢተኛ ኣካይድኡ ዝምርቕሉን ምሂዙ ዘቕረበሎም ጸላእቲ ክጸልኡ ዘይሓፍሩን ኤርትራውያን ዝረክብ ምዃኑ እዩ። እዚ ናይ ኢሳያስ ተግባር ንዕቀት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቶም ተዓሚቶም ዘጣቕዕሉ ስንፍናን ተሓታትነትን እውን ዘርኢ እዩ።

ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ እገለ መራሕ ሃገር ተመኩሮ እዩ ብዘይበሃል፡ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ዘስመዖም መደረታት ካልእ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘለዎ ንዕቀት ዘርኣየ፡ ክትርሰዖ እንተደለኻ’ውን ዘይርሳዕ፡ ሃላልነት እዩ። ከይሓፈረ፡ ናይ ስኽራን ድዩ ናይ ጽላለ ምልላዩ ብዘገርም “ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ እዮም ዝብሉ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጡ እዮም” ምስ በለ፡ በቲ ኩነታት ተገሪሞም ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ውሑዳት ኣይነበሩን። በዚ ከየብቅዐ ድማ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና። ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ንቐላዓለም  ዘይኮነ ሓሲበሉ እየ” ወሲኽሉ።

ነዚ ኣበሃህላ ኢሳያስ ዝደንደነ ኣብይ ኣሕመድ ብግደኡ “ኢሳያስ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ኮይነ ክሰርሕ ሓላፍነት ሂቡኒ ኣሎ። ስለዚ ንኣቶ ዑስማን ሳልሕ ተኪአ እንተሰራሕኩ ከይሕደሰኩም” ዝብል መለኣሉ። እዚ ጥራይ ኣይኮነ። ኣብይ ኣሕመድ ሆየ  ብህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዘይተሓጐሱ ኢትዮጵያውያን ንምኽሳብ ብዝመልስ፡ “ኣነን ኢሱን ተደሚርና እንካፈሎ ዓሰብ ይኸውን” ምስበል፡ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ  ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ሕጉስ ገጽን ሰሓቕን መራሕቲ ካብ ዝኽተልዎ ፕሮቶኮል ወጻኢ ጠጠው ኢሉ ኣፍልቡ እናወቐዐን ርእሱ እናነቕነቐን ሓጐሱ ገሊጹ። በዚ ብደዐ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ህግደፍ ብጽጽ ዘይምባሉ ከኣ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ምውዳቓ ዘርኣየ ተረኽቦ እዩ።

ካልእ ንዲክታተርነት ኢሳያስ ሕሉፍ ዝገብሮ፡ ተግባራቱ ብጥልመት ዝተላዕጠጠ ምዃኑ እዩ። ኣብቲ ኤርትራውያን መንእሰያት ንናጽነት ዝስውእሉ ዝነበሩ መሪር ግዜ ቃልሲ እውን፡ እዚ ዲክታተር ብድሕሪ መጋረጃ፡ ብዛዕባ ምምራሕ ዓባይ ኢትዮጵያ የንባሁቕ ከም ዝነበረ ናይ ቅድም ፈለጥቱ ብተደጋጋሚ ዘዝንተዉዎ እዩ። ናይዚ ቀረባ መዓልታት ምስክርነት ኢትዮጵያዊ ሻለቃ ዳዊት ወ/ጊዮርግስ ብዛዕባ ግደ ኢሳያስ ኣብ ሃቐነ ዕልዋ ኣንጻር መንግስቱ ሃይለማርያም ዝምልከት ዝጠቐሶ ህያውን ኣብነት እዩ። መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ “ድሕሪ ደጊም ንኣፍደገ ባሕሪ ኢና ንዋጋእ ምባሎምን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ግዜ ጉባአ ኢጋድ ኣብ ጅቡቲ  ንመረሒ ሶማሊያ ቀዳምነትና ወደብ ምርካብ እዩ ኢሉ ምሕባሩን፡” ብዝምልከት ምምሕዳር ኢሳያስ ምጽቃጡ እንታይ የመልክት። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ናይ 6 ሓምለ 2023 ናይ ፓርላማ ውዕሎኡ ብዛዕባ ህልዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን መብርሂ ክህበሉ ተሓቲቱ፡ “ንግዜኡ ብዛዕባዚ ኣይዛረብን እየ” ምባሉኸ፡ ሳዕቤን ንዕቀትን ፍሉይ ዲክታተርነንት ኢሳያስ እንታይ ክወልድ ከም ዝኽእል ኣመልካቲ እዩ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ 2018 ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ “ሓድሽ ዝምድና ፈጢርና” ኣብ ዝበልሉ ብዝተፈላለዩ እቲ ጉዳይ ሃንደበት ዝኾኖም ወገናት ብዙሓት ሕቶታት ዝተላዕልሉ እዋን ምንባሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ካብቶም ሽዑ ዝቐርቡ ዝነበሩ ክሳብ ሎሚ’ውን ዕቱብ መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ይጥቀሱ።

“ክልቲአ ሃገራት ክምረሓሉ ዝጸንሓ ፖሊሲታት ዝተፈላለየ ክነሱ፡ ኣበየናይ መራኸቢ ነጥቢ ኣቲክሎም እዮም ተሰማሚዖም?፡ ከዕውትዎ ዝተለምዎ ናይ ቀረባን ርሑቕን፡ ውጥኖም እንታይ እዩ?፡ ዝምድናኦም ግሉጽን ወግዓዊ መስርሕ ዝተኸተለን ናይ ዘምዃኑ ምስጢርከ እንታይ እዩ?፡ እዚ ዝምድና በቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቀላቐል ዝነበረ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣውንታዊ ጽልዋዶ የሕድር ወይ ብናይ ኢሳያስ ሕዱር ምልኪ ይኹለፍ?”  ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ሒደት እዮም።

ነዚ ዝተጠቕሰን ካልእ ተዛማድን ሕቶታት ዝምልስ ምናልባታት ኣብ ምቕራብ ብዙሓት ፍልልያት ነይሮም። “ብፍላይ በቶም ንመናውን ጠላምን ተመኩሮ ኢሳያስ ኣብ ግምት ዘእትዉ፡ እቲ ስምምዕ  ኣብ ዝተወሰነ ዛዕባታት ንሓጺር ግዜ  ዘይቅዱስ ውጽኢት ይህልዎ ይኸውን እምበር ፈራሲ እዩ” ዝብል ነይሩ። ብኻልእ ወገን ድማ “ክልቲኦም ወገናት ነንህልውናኦም ክብሉ ነቲ ዝምድና ኣጽኒዖም ሒዞም ከቕጽልዎ እዮም” ዝበሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ዕድመ ናይቲ ስምምዕ እናነወሐ ምስ ከደን ዳንኬራ በዓል ኢሳያስ በብቑሩብ ምስ በርሀን ግና “እዚ ስምምዕ ኪኖ ሓቢርካ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምውቃዕ ካልእ ዕላማ ዘየብሉ ሓጺር ዝዕድሚኡ  እዩ”  ዝብል ብዙሓት ዝተሰማምዕሉ ግምት ኮይኑ ቀሪቡ። ክልቲኦም ናብዚ ንምብጻሕ ዝኽተልዎ ቅኒት በበይኑ ከም ዝነበረ ከኣ ካልእ ከሎ ጌና ዝተቀልቀለ ምልክት ነይሩ ።

እቲ ዝምድና ንድሕሪት ዘይምለስ ብዘምስል ወደኽደኽን ብዘይትግበር መብጸዓታትን ዝተሰነየንኳ እንተነበረ፡ ኣድቂቑ ንዝከታተሎ ግና ካብ ምንዕዓቕን ሕቡእ ጉርሕን ናጻ ኣይነበረን። እዚ ዘይብሱልን ኣብ “ኣጥፊካ ምጥፋእ” ዘትከለን ዝምድና ዝወለዶ ኣዕናዊ ውግእ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ድሕሪ ምክያዱ፡ ህዝቢ ትግራይ ብዘርኣዮ መኸተን ብናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርን ተጽዕኖን ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ተበጺሑ። ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን   ወዮ ተጐልቢቡ ዝነበረ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ዘይተመስረተ ዝምድና፡ እቲ ሓቀኛ ዘይምትእምማኑ  ባህሪኡ ተጋሂዱ። ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን ኣካል እቲ ውዕል ሰላም ኮይኑ ናይ ምዝራግ ዕድል ዘይምርካቡ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ  ኣብቲ ውግእ ብዘይምቕጻሉ ሓሪቑን ኣንጸርጺሩን “ኣሜሪካ ኣግሊላትናን ኮሊፋትናን” ብዝብል ቁጠዓኡን ሕርቃኑን ኣብ ኣደባባያት ገሊጹ። ብኣንጻሩ ዶ/ር ኣብይ ቀንዲ ናይ ሰላማዊ መፍትሒ ሰባኺ ኮይኑ ቀሪቡ። እዚ ድማ ኣንጻር ህወሓት ናብ ውግእ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ከምቲ “ክልተ ጐረሓትሲ ሓሙኽሽቲ ስንቆም” ዝበሃል፡ በበይኑ ሕሳብ ከም ዝነበሮም ተነጺሩ። ኣብዚ ጠጠው ከይበሉ ክልቲኦም እንተ ተፋቲሖም፡ ድሕሪኡ፡ ሓደ ኣንጻርቲ ካልእ ኣብ ዘካይድዎ ህልኽን ምውጣጥን ዝሕግዞም ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣሰላልፋ ሃሰስ ኣብ ምባል ኣትዮም።

ናይ ቀረባ ኣብነት ንምጥቃ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ዘይስሩዕ” ዝበሎ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ክተዓራረኽ እንከሎ፡ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ድማ ዝምድናኡ ምስቲ ኢሳያስ ከጥፈኦ ሓሊኑ ዘይሰመረሉ ብህወሓት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምድናኡ ናብ ንቡር ንምምላስ ብወግዒ ክሰርሕ ተራእዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኤርትራዊ ቀዳምነቱ ረጥሪጡ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ኣብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰላፊ ምዃኑ ከኣ ዘገርም ኣነዋሪ  ተግባር እዩ። ርሕቕ ኢልካ ካብ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ክሳብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ጉዳይ ሱዳን ክሳብ ዩክረይን ክልቲኦም ወገናት ሒዘምዎ ዘለዉ ኣሰላልፋ እውን ተጸራሪ እዩ። ኢሳያስ ሓድሽ ክልተ ቀጽራዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተጋህደ እናጠቐሰ፡ ደድሕሪ ሩሲያን ቻይናን ዞኽዞኽ ክብል እንከሎ፡ ዶ/ር ኣብይ ናብ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ምዝንባሉ ከኣ ካልእ ኣብ ግምት ዝኣትው ኮይኑ’ሎ።

ኢሳያስ ዝመርጾ ርቡጽ ኣሰላልፋ ካብ ቀደሙ እንቃወሞ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘኸትሎ ሓደጋ ከም ዘለዎ ስለ እንግንዘብ ኢና። እቲ ሳዕቤን ፈልዩ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ጥራይ ዘረኻኽበሎም ነይሩ እንተዝኸውን ግና ኣይመሻቐለናን ጥራይ ዘይኮነ ኢድና ሓዊስና’ውን መራጐድናዮ። ብመጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ክጻረዩ ዝግበኦም፡ ነቲ “ኢሳያስን ኣብይን ሎሚኸ  ናበይ ገጾም?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ጽልዋ ዘለዎም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝለዓሉ ሓያሎ ዛዕባታት ኣለዉ። “ኢትዮጵያ ሓድሽ ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪቓ ናይ ውግእ ጀላቡኣ ኣሕዲሳ፡ ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘንብየን፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓደ ዕጽዊ ኣኼባ ድሕሪ ሕጂ ነካይዶ ውግእ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን እዩ ኢሎም፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩን ናብ ሃገሮም ይስጐጉን ኣለዉ፡ ሓይልታት ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ ይዕለሙ ኣለዉ፡ ኣመርካ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝርዝር ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ መንግስታት ኣውጺኣ ካብ ኢሳያስ ክርሕቕ ቃል ኣእትያቶ…… ወዘተ” ካብቶም እዋናዊ ኣጀንዳታት ኮይኖም ዘለዉ እዮም።

እዚ ትንዕምንዕ  ነቲ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ተደኲኑ ዘሎ ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ዘይመልሶኳ እንተኾነ፡ “ኣንታ እዚ ዕቡድ ዲክታተር በቲ ሓደ ወገን ኣብ መድረኻት ኢትዮጵያ ኣፍልቡ እንዳወቕዐን ዘይውርዙይን ዘይሓላፍነታውን መደረታትት እናስመዐን በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከይዱ መዳልያታት እናተሸለመን ገለ ጸይቑ ከይከውን?” ኢልካ ምጥርጣርን ምስጋእን ግቡእ እዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጽቡቕ ዘይተፈድየ፡ ምስ ኣብይ ኮነ ናይ ካልእ ሃገር መራሒ ተዓራሪኹ “ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጨባ” ከም ዝበሃል  ከኽስሮ እንተዘይኮኑ ከርበሖ ክጽበ ኣይግበኦን። ብግብሪ ከኣ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ህይወት መላምል ደቁ ኣብ ዝኸፈለሉ ከቢድ ክሳራ ወዲቑ  ኣሎ።  እቲ ክሳራ በዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡  እቲ ብሃውኽ ሃወኽ ጠፋጢፍካ ዝተሰርሐ ዝምድና ኢስያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊኡ ፈሪሱ ከይጸቕጦውን ኣዝዩ  ዘስግእ እዩ።

ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ መበቆሉ ህግደፍ መልክዑ ድማ ብዙሕ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብቶም ብዙሓት ጸገማት ሓደ ዕጽዋን ተንጽሎን እዩ። እቲ ዕጽዋ ካብ ብዙሓት መሰላት ዝግድብ ኮይኑ፡ ናብን ካብን ኤርትራ ሓበሬታ ምኽልካል ሓደ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እታ ዝነብራ ህይወት ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጣ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ኮይንካ ብዛዕባኡ ዝፍላጥ ውሱን እዩ። ናይዚ ጠንቂ ኣብታ ሃገር ትሕተ ቅርጻ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዝርካቡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ምብሓቱ እዩ። ህግደፍ ከኣ ነቲ ህዝቢ ምስቲ ዕጽዋ ከለማምዶ እንተዘይኮይኑ ካብቲ ዕጽዋ ከውጸኦ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮን ሎሚ’ውን የብሉን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብኢንተርኔት ዝጥቀም 1% ጥራይ ምዃኑ እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶ ዓለምለኻዊ ትካል ምግላጹ ናይዚ መረጋገጺ እዩ።

ንህግደፍ ዘስገኦ ናይ ገዛእ ርእሱ  ምህላውን ዘይምህላውን እዩ። እዚ ከኣ በብግዜኡ ብሰንኪ ናቱ ነጻጊ ፖሊሲ ከሳቕዮ ዝጸንሐ ናይ ተንጽሎ ስግኣት እዩ። ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዝነበሩ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ክሳቐዮ ዝጸንሐ ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ህይወቱ ንምድሓን ኣብ ኣስመራ፡ ዓዲ ሃሎን ምጽዋዕን ዝሕበኣሉ ዝነበረ እዋን እዩ።

ኣብ 2018 ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣገባብ ዘይሓለወን ዘይግሉጽን ዝምድና ኣብ ዝፈጠረሉ፡ ካብቲ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ ጐዳጉዲ ወጺኡ ከተንፍስ ጀመረ። መንግስቲ ኣመሪካን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን እውን ምስ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ዝምድና “ቀጻልን ኣብ ኤርትራ ናይ ለውጢ ጽልዋ ዘሕድርን ክኸውን እዩ” ዝብል ተስፋ ኣሕዲረን ስለ ዘተባብዕኦ፡ ካብ ዝነበሮ ተነጽሎ ክወጽእ ክኢሉ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኣካላት መንግስቱ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ድማ ክለዓለሉ ጀሚሩ። ቅድም ብሰንኪ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን እገዳ ወሪዱኒ ኢሉ ከማርር ጸኒሑ፡ ደሓር ድማ ብሳላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣመሪካን እገዳ ተላዒሉለይ ክብል ጀሚሩ። ምኽንያቱ ናይ ሽዑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ንኤርትራ ማዕቀብ ንክለዓለላ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ናብ ኣመሪካን ደብዳበ ክሳብ ምጽሓፍ በጺሑ ከም  ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ተነጽሎ ህግደፍ-ኢሳያስ ካብ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት እውን እዩ ነይሩ። ኢሳያስ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፎም ዘይፈልጡ መራሕቲ ሃገራት እዩ። ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡  ተሳቲፉ ዘይፈልጥ ምዃኑ እውን ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። እዚ ካብ መርኣያታት ተነጽሎኡ ምዃን ሓሊፉ፡ ክቱር ስግኣት ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ። ኣብቲ መጋባእያታት ከይሳተፍ ናይ ፍርሑ ቀንዲ መንቀሊ ከም መራሒ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝፈሸለ ሕሱም ዲክታተር ብምዃኑ እዩ። ካብ ኢጋድ እውን ብሰንኪ ትዕቢቱ ንሓያሎ ዓመታት እዩ ተነጺሉ ጸኒሑ። ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ግና ብኣፍደገ ወጺኡስ ብመስኮት ክኣቱው ክልምን ጸኒሑ፡ ኣብ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ናይቲ ትካል ኣባልነቱ ተሓዲስሉ። እንተኾነ ኣብዚ ኢድን እግርን መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ተሳሊሙን ነዊሕ ግዜ ተጸብዩን ዝረኸቦ መድረኽ ብሰንኪ ስግኣቱ ከም ልማዱ ኣይተሳተፈን።

ኢሳያስ ካብ ኢጋድ ዝወጸሉ ምኽንያት፡ ክስማዕ እምበር፡ ክሰምዕ ዘይተዓደለ፡ ኣብ ምጽውዋርን ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ዘይዋሳእ ስለ ዝኾነ እዩ። ንመጻኢ እውን ካብዚ ባህርያቱ ስለ ዘይወጽእ ኣብቲ ትካል ናይ ምቕጻሉ ዕድል ዘተኣማምን ኣይኮነን። ካብዚ ኣኼባ ኢጋድ ምብኳሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ድሮ እዚ ኣባልነቱ ዝተሓደሰሉ ኣኼባ ንዝምድናኡ ምስ ክልተ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ኣብ ዝምልከት፡ “ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብመሬት ዘራኽባ ዶባት ዓጽያ” ዝብል ዜና ኣብ ማሕበራዊ መድያ ኣጀንዳ ኮይኑ ምቕናዩ፡ እንታይ ከም ዘመልክት ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ዲክታቶር፡ ከምቲ ድሕሪ 2018 ኮለል ኢሉ ዘይቀነዖ፡ ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድና ፈጢሩ ካብ ዕጽዋ ከም ዝወጽእ ርግጸኛ ስለ ዘይኮነ፡ ናብ ርሑቕ እዩ ዝመጣጠር ዘሎ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ናብ ቻይናን ሩሲያን ምጋሹ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። መገሽኡ ናብዘን ሃገራት ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ፡ እቲ ሓቂ ከምቲ ንምምልኻዑ “ናይ እገለ ሃገር መራሒ ብዝገበረሉ ዕድመ” ዝበሃል ዘይኮነ፡ ኣድሕኑኒ ንክብል ባዕሉ ማዕጾ ደፊኡ ዝኸዶ መገሻታት እዩ። ንሱ ምስኣተን ተጸጊዑ ንክድሕን እንተዘይኮይኑ፡ ንሳተን ብዘይካ ኣብ ኣኼባታት ኢድካ ኣልዒልካ መባዝሕቲ ምዃን ካብኡ ዝጽበየኦ፡  እምብዛ ከምዘይኮነ ርዱኡ እዩ። 

ናብ ቻይና ከይዱ ካብ ጅቡቲ ምስ ተረፈ፡ ብዙሓት ወገናት “ካብ ጅቡትስ በጅንግን ሞስኮን ይቐርባ ማለት ድዩ?” ዝብል ሓውሲ መዘናግዒ፡ ሕቶ ከቕርቡ ጸኒሖም። ካብ ኣኼባ ኢጋድ ምብኳሩ በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ምስታ ነቲ ኣኼባ ዘሰናድአት ጅቡቲ ዘለዎ ጸገም ምዃኑ ብሩህ እዩ። ዋላ ብዞባዊ ጉዳይ ናብ ጅቡቲ ዘይምኻዱ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ጽልእን ቂምን ዝነብር ዘይእመን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኢጋድ ኣብዚ ኣኼባኡ ካብ ዝተዛረብሎም ጉዳያት ሓደ ህልዊ ኩነታት ሱዳን እዩ። ነቲ ኩነታት ዝከታተል ብመራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ሶማሊያን ዝቖመ ኣካል ድማ መዚዙ። ኤርትራ መዳውብቲ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነት ህዝባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ መልከዓት ጥቡቕ ምትእስሳር ዘልዎ ክነሱ፡ ኤርትራ ኣባል ናይዚ ኣካል ዘይምዃና፡ ኢሳያስ ነገር ከሳውር እምበር፡ ብኡሳት ክዓርቕ እምነት ዘይንበረሉ  ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

ናይዚ ኩሉ ተነጽሎ መሰረት ካብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ፡ ምትእምማን ዝረሓቖ ዝምድና ዝነቅል እዩ። ብህዝቡ ዘይእመንን ንህዝቡ ዘይኣምንን መራሒ ምስ ካለኦት ኣሳንዩ ካብ ተነጽሎ ክወጽእ ከኣ ዘይመስል እዩ። ኢሳያስ ነቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዘይምትእምማን፡ ብጉልበትን ኣስገዳድን እዩ ዝፈትሖ። ናይቲ ኩሉቲ ተነጽሎ ጠንቂ፡ ዝኽተሎ ዓመጸኛ ናይ ዝምድና  ፖሊሲኡ እዩ። ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ናይ ኣገልጋልን ተገልጋልን ምዃኑ ባዕሉ’ውን ዝኽሕዶ ኣይመስለናን። እቲ ቀንዲ ኢሳያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮ ብሰንኪ ነገረኛ ባህርያቱ ኣብ ዝኸፍቶም ውግኣት ዝጥበስ ሓይሊ ሰብ ንምርካ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ማሕበራዊ መድያ፡ “ኣብ እንዳ ኤርትራዊ ስድራቤት ተሰቒሉ እትረኽቦ ስእሊ፡ በዚ ሞያዚ ናይ ዝተመረቐ መንእሰይ ዝብል ዘይኮነ፡  ናይ ስዉእ ወይ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናይ ዘሎ መንእሰይ ምስሊ እዩ”  ዝበሎ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ ነቚትዎ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ተንጽሎ ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ሰማይ ካብ ዓረገ፡ መሊእካ ንምልኣሙ ሓቢርና ንበገስ።

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃን  መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካልእ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ ንሰማእታት ኤርትራ፡ “ብሳላኹም ልኡላዊ ሃገር ኮይንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና” ምባሎም፡ እንተዘይውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ። ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክንዝክሮ ከም ዝግበኣና ምውሳን ሕገ መንግስታዊ ክኸውን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላ ዝምስገኑላን ዕለት ክትህልዎም መን ወሲንቃ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡  ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብደብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓኤ ብምቕንጻሉ፡ ሕነ ንምፍዳይ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን  ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም  ዓዶም ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት። 

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንኽትከውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገ መንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ስሱዕ ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ካልእ መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡  ሰማእታት ዝዝከሩላ ዕለት’ውን ብወግዒ ዝተወሰነት ኣይነበረትን።

ስለዚ 20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና እንዝክረላ መዓልቲ ጌርና ክንወስዳ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳ ናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን  ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን። ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ዘብጽሕዎ’ውን ኣለዉ። እቶም ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ፡ ኣባላት ካለኦት ውድባት ኤርትራ ኮይኖም ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ተነጺሮም ክውሰኽዎ እንከለዉ፡ እቲ ኣሃዝ ክንደይ ከም ዝበጽሕ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ  “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተረፈ ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ተባሂላ ዝተወሰነት ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ ናይ በኹሪ መግለጺኡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ክብል ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ሕድሮም ከይዝንጋዕ ዝገደፍዎ ቃልን ዝጠለመ እዩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ብኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶኡን ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ መዋጽኦ ይኸውን ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን መሊኡ ከይረግጽ፡ እግሩ ተኣሲሩን እናተሽቑረረ ይነብር ኣሎ።

ሕድሪ ሰማእታት ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ኢዩ። እንተኾነ ህግደፍ ብናይቶም ዝጠለሞም ክብሪ ንክጥቀም ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም እናሸቀጠ፡ ሃብቲ ምኻዕባትን ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ኣንጻር ህግደፍ ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ንናይ ህግደፍ ጥልመት ምእራም፡ ኣሰሩ ብምስዓብ፡ ክብሪ መስዋእትነት፡ ሰማእታት ዘናእሱ ወገናት ይቀላቐሉ ምህላዎም እዩ።

እቲ ቀንዲ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታት ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ተረካቢ ሕድሪ   መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ድማ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ብምጭራሕ ጥራይ፡  ሕድሪ ሰማእታት ምኽባር ኣይኮነን።  ወለድን ስድራቤትን ሰማእታት ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ሕድሪ ደቅና ይከበረልና” ብዝብል ስሙር ደራኺ ድምጺ ክኸውን ይግበኦ። ውላድካ ተሰዊኡ፡ ውላዱ እናተሰደ ሕጂ’ውን “ኢስያስ ይንበረልና” ኢልካ ምጽላይ ቅቡል ኣይኮነን።

ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም  ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ሕድሮም ብተግባር ብምኽባር እዮም ዝቐስኑ። ዘቕስኖም ከይሰራሕካ “ቅሰኑልና” ምባሎም ግና ዋጋ የብሉን። 

እቲ ትማሊ ብጾቱ ኣብ ሜዳ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ተጋዳላይ”፡ ሎሚ ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ፡  ክልተሻብ’ዩ ተራእዩ። ሓርበኛዊ  ታሪኹ ተደዊኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪ፡ ሰራቕን መሰል ንጹሃት ዝግህስን”  እናተባህለ ይኽሰስ ኣሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ድማ ሕድሪ ብጾቱን ባህጊ ህዝቡን ዘይምኽባሩ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ተጠቒሙ ነብሱ ከድሕንን ሕድሪ ሰማእታቱ ከኽብርን  ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና።  እንተ ሕድሪ ሰማእታት ኣግራብ ብምትካል ዘይኮነ፡ ፍትሒ ብምንጋስ እዩ ዝትግበር።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

20 ሰነ 2023

ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት እውን ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ እዮም ጸኒሖምን  ዘለዉን። ቃልሶም ንብዙሕነታዊ ዲሞክራሲ፡ ንሰላም፡ ንልዕልና ፍትሕን ልምዓትን እዩ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ከምቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕራፍ፡  ብዘይውዳበ ከም ዘይዕወት ብምርዳእ ዝተፈላለያ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ኣብዚ መስርዕ ቃልሲ ተሰሊፈን ዝተፈላለዩ ኣተሓሳስባታት የሰጉማ  ኣለዋ። ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኩሉ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ዓንዲ ሕቖ እዩ።

ምዕዋት ናይዚ ቃልሲ ካብ ምውጋድ እቲ ኣካላቱ ማህሚኑ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ወዲቑ ዘሎ ህግደፍ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ’ቲ ንህዝቢ ኤርትራ በዂርዎ ዘሎ  ዲሞክራሲያዊ ጸጋታትን መሰረታዊ መሰላትን ቀንዲ ጠንቅን ተሓታትን እቲ ጉጅለ ስለ ዝኾነ። ህግደፍ ክሳብ’ዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ፡ ንህዝብና ከየድከየን ምስሊ ኤርትራ ከይደወነን ብኣግኡ ክውገድ እናተገበኦ፡ ክሳብ ሎሚ ትልኽ ይብል ናይ ምህላዉ ምኽንያት፡ ብርታዐኡን ጥበቡን ወይ ብህዝቢ ኤርትራ ብዘለዎ ተቐባልነት ገይሮም ዝርድእዎ ገለ ወገናት ኣለዉ። ርግጽ ህግደፍ ነብሱ ከድሕንን ዕድመ ስልጣኑ ከንውሕን ዝምህዞ ተንኮላት፡ ኣብ ሕድሕድ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማንን ዝምስርቶ ዘይቅዱስ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናታትን ግምት ኣይወሃቦን እዩ ማለት ኣይኮነን። እንተ’ቲ ወሳኒ ናይ ዘይምውጋዱ  ምኽንያት ግን፡ ናይቶም ንምውጋዱ ዝቃለሱ ዘለዉ  ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ውዳበታት ድኽመት ምዃኑ ክሰሓት ዘይግበኦ ሓቂ እዩ። ድኽመትካ ምእማን መፍትሒ ንምርካብ ፍርቂ መንገዲ ምጉዓዝ ምዃኑ ከኣ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።

ናይቶም ንህግደፍ ስዒርካ ለውጢ ንምምጻእ ተሰሊፎም ዘለዉ ኣካላት ድኽመት፡ ብዝተፈላለዩ መልከዓት ዝግለጽ እዩ። እቲ ድኽመታት ገሊኡ በዓል ቤታዊ ገሊኡ ከኣ ወድዓዊ እዩ። እዞም ሓይልታት ብውሕዱ በዓል ቤታዊ ድኽመታቶም ንምውጋድ ካልእ ኣካል ክጽበይሉ ዘይግባእ እዩ። ካብዚ ጸገማትዚ ክወጽሉ ካብ ዝኽእልሉ መንገድታት እቲ መሰረታዊ  ነቲ ተበቲኑ ዘሎ ናይ ለውጢ ዓቕሞም ናብ ሓደ መድረኽ ከሰልፍዎ ምብቃዕ እዩ። እዚ መዋጸኦ  ኣብ ኢድካ ዘሎ ዋጋ ዘኽፍል እምበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ዝከኣል እዮም ዘይክእልዎ ዘለዉ። እቲ “ወሳኒ ክንሱ ዝተዘንገዐ ተግባር” ዝበልናዮ እምበኣር ነቲ ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ክትስለፍ  ዘይምብቃዕ መሰረታዊ ሕጽረት ንምዝኽኻር እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ድምጺ እንከለዎ፡ ኣብ ዘየስመዓሉ ደረጃ ብምህላዉ እንተዘይኮይኑ፡ ድሌቱ ከምቲ “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ወይ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ” ዝብል ቁምነገር ብምስትውዓል፡ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብቶም ዘሰማምዕዎም መሰረታዊ ዛዕባታት ሓቢሮም ኣንጻርቲ ወጻዒኡ ክቃለሱ ቀጻሊ ጸዋዒቱ ምዃኑ ብዝረኸቦ ጸቢብ ኣጋጣሚታት ዘንጸባርቖ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ዝምርሕሉ ፖሊሲታትን ዘቕርብዎ ጸዋዒትን ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለስ ምዃኑ እዮም ዘቃልሑ። ህዝቢ ንጸዋዒቶም ሰሚዑ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ለውጢ ንክስለፍ ናይ ወትሩ ምሕጽንተኦም እዩ። እንተኾነ ክንድቲ ሰሚዑ ኣብ ጐኖም ክስለፍ ደጋጊም ዝጽውዕዎ፡ ንሳቶም ግና ምሕጽንታኡ ክሰምዑን ክተግብሩን  ክንድቲ ዝድለ  ቅሩባት የለዉን። ጸዋዒት ህዝቢ ኤርትራ ብሓጺሩ “ንህግደፍ ስዒርኩም ናብ ራህዋ ንክንበጽሕ ኣንጻሩ ሓቢርኩም ተሰለፉ” ዝብል እዩ። ካብቲ ብዛዕባ ሓይልታት ለውጢ ቅር ዝብሎ ሓቢሮም ዝቃለስሉ መድረኽ ክፈጥሩ ዘምኽኣሎም ምዃኑ ከኣ ደጋጊሙ ኣተንቢሁ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ሒዝካ ምውጣጥ ልሙድ ኣብ ዝኾነሉ ኢና እንርከብ።  ጫፋት ሒዝካ ምጉታት ዕድመ ህግደፍ ከንውሕ እንተዘይኮይኑ  ንዋላ ሓደ ናይ ለውጢ ኣካል ከምዘየዕውት ኣብ ተመኩሮና ዝረኣናዮ እዩ። እቲ ዘዕውት ካብ ጫፋት ምጉታት ወጺእካ ብመስርሕ እንካን ሃባን ምጽውዋርን ኣብ ማእከላይ ነጥብ ክትራኸብ ብምብቃዕ ጥራይ እዩ። ናይቲ ማእከላይ መራኸቢ ነጥቢ መዕቀኒ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ ክኸውን እንከሎ ከም ዘዕውት ከኣ ርዱእ እዩ። መባእታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንህግደፍ ኣወጊድካ ህዝባዊ ልዕልና ብዘውሕስ፡ ብተሳትፎኡ ሕገመንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ምትካእ እዩ። እዚ ሓቢርካ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ናይ ምዕዋት ኣካይዳ ኣባና ዝጅመር ዘይኮነ፡ ብመትከል ብዙሕነታዊ ሓድነት ብዙሓት ዝተዓወትሉ  መንገዲ እዩ። ነቲ ህዝቢ ዝደልዮን ዝጽበዮን ካብ ምዝርዛር ሰጊርካ፡ ብግብሪ ከምኡ  ኮይንካ ምቕራብ ትብዓትን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ናብዚ ኩሉ ክትበቅዕ ከም ሓደ ኣገዳሲ ግንዛበ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት መወዳደሪ እምበር ምጻልእን መጻረፍን ጌርካ ዘይምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ እቲ ቀንዲ ዘሻቕለና ኤርትራዊ ኣተሃላልዋን ናይ ለውጢ ቃልስናን እዩ። ኣብ ከባቢና ዝፍጠር ዘሎ ናዕብታት ነቲ ሻቕሎትና፣ ሻቕሎት ዝውስኸሉ ምዃኑ ድማ ኣዝዩ ዘሰክፍ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ተኣጒዱ ዝነበረ  ውግእ ኣብ ርእሲ ሻቕሎት፣ ክሳብ ክንደይ ዋጋ ከም ዘኽፈለናን እንርደኦ እዩ። ኣብ መወዳእታ በቲ ደጋጊምና ዝኣመምናዮን ዝጸዋዕናዮን ኣገባብ ምፍትሑ ድማ ዘተባብዕ እዩ። ሎሚ ድማ ዋላኳ በሰላኡ እንተዘይሓወየ፡ ጉዳይ ትግራይ ሰላማዊ ምስርሕ ብምሓዙ እናተተባባዕና፡  ካልእ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ናይ ጐረቤት ተርእዮ ኣብ ሱዳን ተፈጢሩ።

ብሰንክዚ ናይ ቃልስና ባይታ ኣብ ምምድማድን ህዝብና ኣብ ምዕቋብን ፍሉይ ታሪኽ ኣብ ዘለዋ  ሱዳን ውግእ ምብርዑ፡ ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ዓብይ እጃም ዝነበሮም ኤርትራውያን ተመዛቢሎም ንሱዳን  ኣብ ዘዳውብ ከባብታት ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ቻድን ይሳቐዩ ኣለዉ።  ብዓብይኡ ከኣ ገለን ተጨውዮም ገለን ድማ ዓቕሎም ምስ ጸበቦም መተካእታ ዝሰኣንሉ ምርጫ ወሲዶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ዜጋታትና ውሑዳት ኣይኮኑን። ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ ናይዞም ግዳያት ድምጺ ናይ ምዃን ሓላፍነት ኣለዎም።  ዘስምዕዎ ድምጺ ኣድማዒ ዝኸውን ግና  ብተናጸል ዘይኮነ፡ ብሓባር እዩ። ስለዚ እቲ “ኣገዳሲ እንከሎ ዝተዘንገዐ ዕማም”  ዝበልናዮ ዕማም  መድረኻዊ እውን እዩ።

ኤርትራን ህዝባን፡ ዝነበሩ፡ ዘለዉን ዝቕጽሉን እዮም። ህግደፍን በሓቲ ምምሕዳሩን ግና ሎሚ ዘለዉ፣ ጽባሕ ግና ዘይህልዉ ሓለፍቲ እዮም። ናይ ነባሪ ህዝብን ሃገርን ናይ ሓላፊ መንግስታዊ ምምሕዳርን ርክብ፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዓለምና’ውን ዘሎ ዘየቋርጽ መስርሕ እዩ። እዚ ዝምድና ናይ ህዝቢ ነባርነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣይኮነንዶ ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ካብ ቀደሙ ጠላም፡ ህዝቦም ብልቦናን ቅንዕናን ዘመሓደሩ መንግስታት እውን ዘይርሳዕ ኣውንታዊ ዝናን ተመኩሮን ደኣ ይገድፉ እምበር፡ ነበርቲ ከምዘይኮኑ ዘረድእ እዩ።

ብሰንኪ ግጉይ ምምሕዳሮም፡ ካብ ህዝቦም ዝተነጸሉ፡ ኣገዲዶምን ኣርዒዶምን ክገዝኡ እንተዘይኮይኖም፡ ህዝቢ ኣዕጊቦም ከመሓድሩ ዘይተዓደሉ መንግስታት፡ ነብሶም ንምድሓንን ብስም ህዝባዊ ወገናውነት፡  ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑን ዘይፍንቅልዎ እምኒ የለን። ጉጅለ ህግደፍ ካብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ ንዘይምውራድ፡ ዘስመዖ መዝሙር “ንሕና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ድማ ናይዚ ኣብነት እዩ። ጨቆንቲ  እንታይነቶም ንምሕባእ ንክጥዕሞም፡ ንሳቶም ብዛዕባቲ ህዝቢ ከምቲ ዝደልይዎ ክዛረቡ እምበር፡ ህዝቢ ብዛዕባኦም ክዛረብ ኣይፈቕድሉን እዮም። ናይ ህግደፍ ብዘይካተን መሳርሒኡ መድያታት፡ ብሕታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ምዕጻውን ጋዜጠኛታተን ምእሳርን ድማ ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓቂ ክሒዱ ማዕረ ኤርትራን ህዝብን ነባሪ መሲሉ ንምቕራብ ዝፈጥሮ ምድንጋራት ብዙሕ እዩ። “ኤርትራ ህግደፍ ከም ዘምጸኣን ኣብዘይህላወኡ፣ ህልውና ከም ዘየብላ” ኣምሲልካ ንምስኣላ ዝግበር ጻዕሪ፡ ካብቲ ሓደገኛ ምህዞታቱ ሓደ እዩ። ንከምዚ ዝኣመሰለ ተግባሩ  ንምንኣድ “ኣንታ ንበረልና”  ብዝብል ዜማ ክስነ እንከሎ ከኣ ንብዙሓት ዘገርም እዩ። በዚ ግጉይን ዘይንቡርን ኣረዳድኣ ዝዓወኑ ወገናት ከኣ፡ “ንህግደፍ ምቅዋም ከም ንኤርትራ ምቅዋም፡ ንህግደፍ ምድጋፍ ከኣ ከም ንድሕነትን ህልውናን ኤርትራ ምጥባቕ”  ዝብል ተረድኦ የሕድሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንህግደፍ ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ተግባራቱ ዝቃወሙን ንምውጋዱ ዝቃለሱን ወገናት “ሃገሮም ዝኸሓዱ” ዝብል ዘይምልከቶም ኮር ተገልበጥ፡  ስም ክዋሃቦም እንከሎ ድማ ዘተዓዛዝብ እዩ። እዞም ብዛዕባ ዝምድና ህዝብን ህግደፍን ግጉይ ኣረዳድኣ ዘኮማስዑ ወገናት፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ስርዓት ፈሊኻ ምርዳእ ዝሰኣኑ፡ ወይ ድማ እናፈለጡ ኩለንተናኦም ንህግደፍ ኣረኪቦም ዕርቃኖም ዝወጹ እዮም። እቲ ሓቂ ግና፡ እቶም ንህግደፍ ዘምልኹ እዮም ንህዝቦምን ሃገሮምን ጠሊሞም  ግዳይቲ መላኺ ጉጅለ ኮይኖም ዘለዉ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ፈታውን ጸላእን ዘይክሕዶ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት፡ “ህዝብን ሃገርን ምስ ህግደፍን ሓደ እዮም” ዘብል ዘይኮነ ብኣንጻሩ እዩ። ህዝቢ ምስ መንግስቲ ሓደ ኣይኮነን ዝብል ተረድኦ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን፡ ኣብቶም ሕቶ ህዝቦም ብዝግባእ ዝመለሱ መንግስታት እውን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ “ህዝብን ሃገርን ነበርቲ እዮም፡ ስርዓታት ግና ሓለፍቲ እዮም” ዝብል መደምደምታ ኣድማሳዊ ሓቂ ስለ ዝኾነ። ኣብ ኤርትራ በጺሑ እቲ ስነመጐት ክቕየር እሞ፡ ህግደፍ ማዕረ ህዝቢ ነባሪ ክኸውን ምሕላም ግና፡ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ዝሓስቦ ኣይኮነን።

ህግደፍ በብግዜኡ ዝፈጥሮም መድረኻት ኣለውዎ። መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ሓደ ካብቲ መድረኻት እዩ። እዚ መድረኽ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ስለ ዝኾነ፡ ብትሕዝቶኡ ኤርትራዊ መድረኽ እዩ። ህግደፍ ግና ኣቕጣጫኡ ኣስሒቱ ህግደፋዊ ፖለቲካውን ገንዘባውን ረብሓ ናብ ዝሓፍሰሉን መንነቱ ዘመላኻዓሉን ኩርናዕ እዩ ዝወስዶ። እቲ ኣብ ምድላዉ ዝፈስስ ጉልበትን ገንዘብን ብዙሕ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ  ገበነኛ ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ እዩ። እንተ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብምጽብባቕ  ግናይ ምስሊ ህግደፍ ዝምለስ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብቲ በዓላት ዝሳተፉ፡ እቶም ምእማኑ ክሳብ ዘጸግም ዝቖጻጸዩን ብዘይጭበጥ ተስፋ ዝዓብዱን ዘገርሙ እዮም። እቲ ዕብዳኖም ምስቲ “ዘይሓስብ ኣይንገድ” ዝበሃል ዝመሳሰል ብፖለቲካዊ ሕሳብ ዘይተሰነየ  ዕንደራ እዩ።

ኤርትራውያን ናጽነት፡  ዋጋ መስዋእቶም ስለ ዝኾነ፡ ክዝክርዎ ግቡእ እዩ። እንተኾነ  እቲ ዝኽሪ ኣብቲ ህግደፍ ዝተኽሎ ጓይላ ዝትግበር ኣይኮነን። እቲ ዘገርም ግና ብገለ ዘይተረድኡ ወይ ተረዲኦም ክንሶም ዘይተረድኡ መሲሎም ክቐርቡ ዝወሰኑ፡  “ናብ ጓይላ ህግደፍ ዘይምኻድ ከም ንሃገርን ህዝብን ምኽሓድ” ገይሮም ዝርድእዎ ምዃኖም እዩ። ገለ ንህግደፍ ክቃወሙ ዝጸንሑ ሓሳቦም ምስቀየሩ ጓይላ ናይቲ ጉጅለ  ስለ ዘድመቑ፡ “ናብ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተመልሱ” ዝብል መደዓዓሲ ቅጽል ይወሃቦም።

መገሻ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ናብ ቻይና፡ ሩሲያን ዝኣመሰላ ሃገራትን፡ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከም ዝውዕል ኣምሲልካ ምቕራብ ካልእ ሓድሽ መደንዘዚ ኣጋጣሚታት እዩ። እዚ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ካብ ዘይምርዳእን ኣብ ሃገሩ ዘየድመዐ ጉጅለ ኣብ መገሻ ከድምዕ ካብ ምጽባይን ዝነቅል እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ኣብዘሓ ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ምሕላው ኩሉ መሰላት፡ ብድምጹ ዘደይቦ ብድምጹ ዘውርዶ መራሕነት……..ወዘተ ምውናን ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እዚ ድማ ብቓልሲ እምበር፣ ኣጋጣሚታት ፈጢርካ ካብ ዝትከል ጓይላ ዝሕፈስ ወይ ካብ ወጻኢ ዝመጽእ ሸቐጥ ኣይኮነን።

እቲ ካልእ ህግደፍ ኣበሳኡ ንምሕባእን ስምዒት ግሩሃት ንምስላብን ዝጥቀመሉ፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላም ናይዚ ዞባ እያ”  ዝብል ሸፈጥ እዩ። ነዚ ንምግናን ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ቅድሚ ምማቱ “ኣብ ዓላም ዘተኣማምን ሰላም ዘለዋ ሃገር ኤርትራ ጥራይ እያ” ብምባሉ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ንሰላም ብመንጽር ድምጺ ጥይት ብምስማዕን ዘይምስማዕን ጥራይ፡ ካብ ምምዛን ዝነቅል ዘይዕቱብ ኣረዳድኣ እዩ።  እንተ ግደ ሓቂ፡ እቲ ካልእ ኣበሳ ገዲፍካ፡ “ደቃ ኣብ ዘይጉዳዮም ውግእ ኣትዮም ዝውዱኡላን ብዓለም ደረጃ ብወራርን ገበንን ዝኽሰሱላን፡ መንእሰያታ ገሊኦም ሃጽ ኢሎም ዝስደዱላ ገሊኦም ድማ ካብ መንግስታዊ ግፋ ንኽሃድሙ ምስ ኣህባይ ኣብ በዓትታት ዝሰፍሩላ፡ ኣባላት ሓደ ስድራ ቤት ምትእምማን ስኢኖም፡ ናይ ልቦም ዘይዘራረቡላ” ኤርትራስ ኣብ ሰላም ኣላ ምባል፡ ነብስኻ ምዕሻው እዩ። ደሓር ናይ ካልኦት ሰላም ክትዘርግ እንከለኻ፡ “እቲ ሓደ ንዓኣቶም እቲ ሓደ ድማ ንዓኻ ክልተ ጐዳጉዲ ኩዓት” ደይኮነን ዝበሃል። ወዮ “እንተ ክትድቕስ ጐረቤትካይ ይደቅስ” ዝበሃል ተረካብ ዘረባ ወለድናኸ ተረሲዑ ማለት ድዩ።  ስለዚ “ህዝቢ ኤርትራን ህግድፍን ሓደ ኣይኮኑን” ካብ በልና፡ ካብቲ ህግደፍ ንህልውናኡ ክብል ዝኹዕቶ ህጉም ንጠንቀቕ ጥራሕ ዘይክነ ዕድመኡ ከነሕጽሮ  እዩ ዝግበኣና።

ብሓፈሻ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን  ዝህሉ  ዝምድና ብቐንዱ ከም ናይ ጎረባብቲ ርክብ ብዲፕሎማስያዊ መለክዒታት ዝመሓደር ምቅርራብ እዩ። ናይ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ዝምድና ኣብ ልዕሊቲ ጀኦግራፍያዊ ቅርበቱ፡ ብናይ ቋንቋ፡ ባህሊ፡ መውስቦ፡ ንግድን ታሪኽን ተመሳሳልነት ዝተደረዐ ምዃኑ እሙን እዩ። እዞም ዘመሳስልዎ ነጥብታት፡ ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ግዜ ጽቡቕን ሕማቕን ንክተሓጋገዝ ዝድርኹ ምዃኖም ብግብሪ ክርአ ዝጸንሐ እዩ። እንተኾነ እቲ ዝምድና ብመንጽር ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብዝተፈላለዩ ሓጐጽጐጻት ዝተሰነየ እምበር ልሙጽ ጉዕዞ ኣይነበረን። ምስቲ ሓጐጽጐጽ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ምስ ኩሉቲ ኣሉታዊ ገጹ፡ ኣብቲ መስርሕ ብዙሕ ዘይተኣማመንሉኳ እተሃለወ፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብሓባር ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ብሓባር ተቓሊሶም ምዕዋቶም ዘይከሓድ እዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚዚ ደሙ ዘይነቐጸ ውግእ 2020፡ ካብ ዕስራ ዓመታት ዝያዳ ኣብ ትግራይ ኣብ መደበራት ከም ዝተዓቖቡን፡ ኣብ ዩኒቨርሲታት ከም ዝተማህሩን መርኣያ ጥቡቕ ኣውንታዊ ዝምድና ናይ ክልቲኡ ህዝብታት ኮይኑ ዝጥቀስ እዩ። ነቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ለጋስን ሰናይን ኣቀባብላ ጐረቤት በቲ መስርሕ ዝሓለፉ ኤርትራውያን መንእሰያት ደጋጊሞም ዝመስከርዎ እዩ። ምስዚ ግና ንዝምድናኦም ብኣሉታ ዝጸለዉ፡ ከምቲ እቶም ነቲ ውግእ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ኣካላት ከይተረፉ “ትቲርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ፡ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ወገናት ሰፍ ዘይብል ኩለ-መዳያዊ ዕንወት ዘውረደ ውግኣት፡ 1998-2000ን 2020-2022ን ኣካይዶም እዮም።

ኣብ ትግራይ፡ ብ2020 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደረላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይቲ ክልል ሓይልን ውግእ ምስ ተኸፍተ፡ ኣብ ህዝብና ዘሕደሮ ሻቕሎት ከቢድ ነይሩ። ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዓው ኢልካ ናይ ምዝራብ ዕድል ዘለዎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ ናይ ኣረአእያ ምምስቓል  ከም ዘጋጠመ፡ ጋና  ክሳብ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ክስተት እዩ። እዚ ምስሕሓብ ኣብቲ ኣንጻር ጭቆና ህግደፍ ተሰሊፉ ዘሎ ኤርትራዊ ወገን እውን ክረኣ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ነጸብራቕ ናይዚ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ምንጽጻግን መፍቶ ህግደፍ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ህግደፍ ካብ ምፍልላይ ናይቶም ንምውጋዱ ዝቃለሱ ሓይልታት እምበር፡ ካብ ምቅርራቦምን ሓድነቶምን ዘይዕንገል  ስለ ዝኾነ። እዚ ምትፍናን ንናይ ለውጢ ሓይልታት ከም ዘዳኸም ርኡይ ስለ ዝኾነ፡ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ዘይምልከቶ ውግእ ትግራይ ምእታው፡ ኤርትራውያን ነቲ ኩነታት ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእይዎን ብኣተሓሳስባ ንክዋጠጡን ካብቲ ቀንዲ ምኽንያት ሓደ ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ናይ ጐረባብቲ ምዕባለታት ክሳብ ክንደይ ሓያል ምጽልላው ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ኣብ መጻኢ ክህሉ ብዛዕባ ዝግበኦ ዝምድና፡ ኣብ ኣተዓቓቕናኡን ኣተገባብራኡን፡ ድሕሪ ውዓል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ፍልልያት የረኢ’ሎ። ኣብ ሓደ ጉዳይ ፍልልያት ምንጽብራቕ ንቡር ኮይኑ፡ ኣብዚ እቲ ቀንዲ ክስገር ዘይግበኦ፡ መሰረታዊ ጉዳይ ኤርትራውያንን ተጋሩን፡ ምስ ኩሉቲ ዘለዎም ብዙሕ ተመሳሳልነት፡ ኣብ ሃሃገሮም ዝነብሩ ክልተ ጐረባብቲ ህዝብታት ምዃኖም እዩ። እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ዜጋታት ምዃኖም ዘመልክት ቀይሕ መስመር እንተ ተጋሂሱ ግና፡ ክሳብ ክንደይ ጸገምን ምትሕልላኽን ከም ዘኸትል ኣሉታዊ ምልክቱ ይረአ ስለ ዘሎ፡ ንምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ነዚ ክስገር ዘይግበኦ መስመር እናዓቀብና መንፈስ ኢድ ኣእታውነትን ምግዳድን ብምግዳብ፡ ተሓጋጊዝና ሰላምናን ዕቤትናን ነውሕስ ምባል ግና ቅቡልን ውሕሉል ኣተሓሕዛ ዝምድናን እዩ። ንናይ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ዘሊልካ ምእታው ዝተቓወምናሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ብዘይካቲ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይና ዘስዓቦ ኣሉታዊ ስንብራት፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ክህልወና ዝግበኦ መንፈስ ምትሕግጋዝን ተኸባቢርካ ምንባርን ኣጸልሚቱ፡ ሕዱር ጽልእን ቅርሕንትን ዝዘርእ ኣዕናዊ ተግባር  ስለ ዝኾነ እዩ።

ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት፡ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ህልውናና ከም ልኡላዊ ሃገርን ህዝብን ብኣና ዝወሓስ ምዃኑ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትው ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና ብናትና ፈቓድ ብናይቲ ካልእ ወገን ቅሩብነት፡ ኣብቲ ዝጐድለና ደገፍ ስለ  ዘየድልየና ማዕጾና ንዕጸው ማለት ኣይኮነን። ህልውና ትግራይ ይኹን ካለኦት ጐረባብትና እውን ከምቲ ናትና ባዕላቶም ዘውሕስዎ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከም ኤርትራውያን ህልውናና ከም ህዝብን ሃገርን ብናይ ካለኦት ኢድ ኣእታውነት ከም ዝውሰን ጌርካ  ምርድኡ፡ ብሓጺሩ ሓድነትና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትልን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን እውን ኣብ ናይ ካለኦት ህልውና፡ እንተ ገደደ ብደረጃ ደጋፊ እሞ ድማ ብፈቓድ ናይቲ በዓል ቤት እምበር፡ ወሳኒ እጃም ከምዘየብልና፡ ካብ ሃላሊ ፖሊሲ ህግደፍን ንዕዘቦ ዘለና ሳዕቤኑን  ተመኩሮ ምቕሳም ኣገዳሲ እዩ።

ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል፡ በቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ምምስሳላት ምኽንያት ፡ ዝምድናና ምስ ትግራይ ዝያዳ ከም ዝዓዝዝ ዝሰሓት ኣይኮነን። እዚ ሚዛናዊ ኣተሓሕዛ ጉርብትና  እንተ ተሳሒቱ ግና ናይ ምትሕልላኽ ሓደጋ ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝነጥፉ ዝተወሰኑ ተጋሩ፡ ናብ ገለ ኤርትራውያን “ደጊም ንስኻትኩም ጉዳይኩም ግበሩ፡ ንሕናውን ጉዳይና ክንገብር፡ ምትሕግጋዝና ግና ህያው ይኹን”  ዝብል መልእኽቲ የመሓላለፍ ምህላዎም ብጽሞና ምስትውዓል ዘድልዮ እዩ።

እቲ ካልእ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ ንሕና ኤርትራውያን ብዛዕባ መጻኢ ዝምድናታት ክንሓስብ እንከለና፡  ዘይወገናዮ መሰረታዊ ዘቤታዊ ዕዮ ገዛ ኣለና። ሎሚ እቲ ብዛዕባኡን መጻኢ ዝምድናታቱን ንዛረብ ዘለና ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳዩ ብናጻ ክውስን ኣብ ዘይክእለሉ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ እዩ ዘሎ። ቅድሚ “ብኸመይን ምስመንን እዛመድ” ምሕሳቡ፡ “ብኸመይ ህልውናይ ኣረጋጊጸ፡ በዂሩኒ ዘሎ መሰረታዊ መሰላተይ ይመልስ?”  ዝብል ሕቶ ምምላስ ከም ዘቐድም ውሁብ እዩ። ስለዚ ህዝብና ኣብ ጉዳዩ ኣብ ውሑስ መድረኽ ብናጻ ኣብ ዝውስነሉ ደረጃ ናይ ምብጻሕ መሰረታዊ ቅድመ-ኩነት ኣብ ዘይተማለኣሉ፡ ኣብ መሰረታዊ ጉዳያት ህዝብን ሃገርን፡ ርኢቶ ካብ ምቕራብ ሓሊፍካ ኣብ ዘይህላወኡ ክትውስነሉ ምህቃን ጸገም ዘለዎ ኣተሓሕዛ እዩ።

ምስሊ፡ መርበብ ኤሪጋዜተ

ጉንበት 24፡ መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት፡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለዩ ስምዒታትን ኣገባባትን ከም ዝዘከርዋ ተዓዚብና። ካብቶም ኣብ ቅነ እዛ መዓልቲ ዝተንጸባረቑ ስምዒታት፡ “ናጽነትና ፍረ መስዋእቲ ጀጋኑናን ናይ ኩሉ መጻኢ ሓርነትና፡ ዕቤትናን ህንጸትናን መሰረት ስለ ዝኾነትን ብሓበን እትዝከር እያ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተናጊፍና ናብ ሓዲሽ ዘቤታዊ ወተሃደራዊ ምልክን ጭቆናን ዝኣተናላ ዕለት እያ፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓርነት ዘይተሰነየ ናጽነት በቲ ካልእ ድማ ባርነት ዝተኣወጀላ ዕለት ስለ ዝኾነት ፍይዳ የብላን” ፡ ዝብሉ ስምዒታት ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ብፍላይ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ኣብ መሰረታዊ ትሕዝቶን ክብደትን ናይዛ ዕለት ዘይምስምምዑ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብኤርትራውያን ዝተቐብጸን ዝፈሸለን መራሒ ምዃኑ ንኹሉ ርዱእ እዩ። ንሱ እውን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ከም ዘየብሉ ስለ ዝርዳእ፡ “ካብ ተቐባልነት ረኺብካ ምምራሕ ናብ ኣገዲድካ ምግዛእ” ካብ ዝሰጋገር ነዊሕ ግዜ ኮይንዎ እዩ። ኣብ ከምዛ መዓልቲ ናጻነት ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ፡ ካብ ሓቂ ዝሃድመሉ እምበር ርትዓውን ንብሩህ መጻኢ ዝእምትን መደረ ከም ዘየስምዕ ከኣ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ዝተጽበዮ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና “ሎሚ ዘበንከ እንታይ ቅዲ መህደሚኾን የምጽእ?” ኢሎም ዝተጸበይዎ ኣይተሳእኑን። ኢሳያስ ግና ነቲ ናይ ቀደም ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ብካለኦት  ናይ ምስባብ ኣመሉ ኣጸባቢቑ ምቕራቡ እንተዘይኮይኑ፡ ሓድሽ ኣየምጸአን። ከምቲ ልማዱ ድማ ንሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ከም ኔቶ ዝኣመሰሉ ዓብይቲ ምዕራባዊ ትካላትን ከም ቀዳሞት ጸላእቱ ጠቒሱ፡ ብፍሽለቱ ከም ዝሕተቱ ኣምሲሉ  ጉጅለታት  ብዝብል ቃና ኣነኣኢስዎም።

ኢሳያስ ኣብ መደርኡ፡ ዝጠፈሸትን ዝኣረገ መዛግብቲ እትግንጽልን ንዝበላ ኣመሪካ፡ “ጥሙር ሃገራዊ እስትራተጂ” ዝብል ሰነዳት ኣዳልያ ኣንጻሩ ትሰርሕ ከምዘላ ጠቒሱ። ዕላማኣ ከኣ ግደ ኢሳያስ ኣብ ዞባና ንምግዳብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ጠቕሊላ ካብ ስልጣኑ ንከተወግዶ ምዃና ብምጥቃስ፡ ኣውያት ኣስሚዑ። ኣሜሪካ ንሰራዊት ኤርትራ ብገበን ከም ዝኸሰሰት እውን ኣግሂዱ። ነብሱ ንከተዓባቢ ድማ ኣመሪካ በቲ ንኤርትራውያን ደም ዘንብዕ ዘሎ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት መደቡ ከም እትሰግእ ከይሓፈረ ጠቒሱ። ነቲ ኣብ መንጎ መንጎ መደርኡ፡ ፍረ ሓሳቡ ብዘይምርዳእ ኣብዘይቦታኡ ብቐጻሊ ዝስማዕ ዝነበረ ጣቓዒትን ዕልልታን ሰሚዕካ እቲ ኣውያቱን እንጽርጽሮቱን፡ ናይ ድፍረቱ፡ ትብዓቱን ሰዓርነቱን ኣንጻር ኣመሪካ ገይሮም ዝተረድእዎ ግሩሃት ወገናት ከም ዘለዉ ምግማት ይከኣል። ሓቀኛ ትሕዝቶ ናይቲ ክቱር እንጽርጽሮቱ ግና ናይ “ስግኣትን ጠፋእኩን” ኣድሕኑኒ ስምዒቱ መግለጺ እዩ። ነቲ ብሰንኪ ተናኻስን ስሱዕን ፖሊሲኡ በብግዜኡ ኣብ ዞባናን ርሑቕ ከባብን ከጋጥሞ ዝጸንሐ ተነጽሎን ፍሽለትን እውን ናብ ኣመሪካን መንግስታት ምዕራብ ኤውሮጳን ከላግቦ እዩ ተሰሚዑ።

ኢሳያስ ንኤርትራ ኣብ ምምራሕ ከም ዝፈሸ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ንሱ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ደጋጊሙ “ከምዚ ክንገብር ይግበኣና ነይሩ ግና ኣይገብርናዮን” እናበለ ዝናዘዞ እውን  ፍሽለቱ ናይ ምቕባል ምልክት ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ኤርትራ ኣብቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኮነ ብደረጃ ዓለም ብዝተፈላለዩ ዘይሻራውያን ትካላት ኣብ  ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ሰብኣውን ካልእ ዛዕባታትን  ዝግበሩ መጽናዕትታት፡ ኩሉ ግዜ ካብተን ቀዳሞት ዝሓመቓ፡ ዝደኸማን ዝሓሰማን ተርታ ናይ ምስርዓ ምስጢር እውን ናይ ኢሳያስ ፍሽለት ዘርኢ እዩ። ኣብ ድሮ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ 2023፡ ብዛዕባ ዘመናዊ ባርነት ብዝኸፈአ ደረጃ ዝዝውተረለን ሃገራት ዝወጸ መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም 2ይቲ ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ 1ይቲ ዝኸፈአት ምዃና ምግላጹ ከኣ ካልእ ንፍሽለት ኢሳያስን በሓቲ ምምሕዳሩን ዝያዳ ዘራጉድ እዩ።

ነዛ ኩሉ ጸጋታትን ህርኩት ዓቕሚ ሰብን ዘለዋ፡ ብዝተሓደሰ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት መሰረት ከባቢ 3.6 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኤርትራ ምምራሕ ስኢኑ ከብቅዕ፡ ኣብዚ ናይ መበል 32 ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት መደርኡ እውን፡ ነቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መህደሚ ንክኾኖ፡ “ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ንሓስብ፡ ብዛዕባ ኣስታት 400 ሚልዮን ህዝቢ እዚ ዞባ ኢና ክንሓስብ ዝግበኣና” ዝብሎ መመሳመሲ ቃሉ ደጋጊሙ ኣቃሊሕዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ቅኑዕ ኣሰራርዓ ቀዳምነት ኣብ ክንዲ ምኽታል፡ “ዘቤታውን ዞባውን ዛዕባታት ብሓደ ሚዛን ኢና ንርእዮም” ምባሉ ካልእ ንህድማኡ ካብ ኤርትራዊ ጉዳይን ህዝቢ ኣብ ሕልሚ ናይ ምንባር ተንኮሉን ዘመልክት እዩ። ኣብ ዞባዊ ጉዳይ ዓጀውጀው  ምትኳሩ፡ ነቲ ብደረጃ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣኸደምቱ ዝተቐበሎ ናይ ተለኣኣኽነትን ኣገልጋልነትን ተልእኮ፡ ኣመላኺዑ  ንምቕራብ  ዝዓለመ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ዘየድመዐስ ኣብ ዞባ ከፍሪ እዩ ማለት ዘይሕሰብ እዩ።

እዚ ዲክታተር ኣብዚ መደርኡ፡ ሓድሽ ተላኣኺ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣመሪካን ካለኦት ስለ ዘቃልዕኦ ዘይፈትወን ሃገራትን ተልእኮ ተቐቢሉ ከምዘሎ ብዝግባእ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ኣብ ድሮ መዓልቲ ናጽነት ኣብ ሃገረ ቻይና ቀንዩ ብዝተዋህቦ ተስፋ ጉልበት ዝወሰኸ መሲሉ ብምቕራብ፡ ዓቕሚ ቻይና ብመንጽር ኣመሜሪካ ዘበርኽ ዘራይ ንምዃን ዘርኣዮ፡ ፈተነ፡ ምስ ኩሉቲ ናይ ሩሲያ ገበናት ደጋፍን ተሓላቕን ምጽንሑን መስርዑ ኣበይ ምህላዉ ብዝግባእ ኣነጺሩ እዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ንህዝቢ ኤርትራ ስምዒት ኣረሳሲኑ ንሓደ ዘሕዝን ጉዳይ የዳልዎ ከም ዘሎ ምግማት ይከኣል። ኣካላት ህግደፍ “ኣብዚ ሳምንቲ ዝኾነ ይኹን ናይ መርዓ ውራይ ከይቁጸር” ዝብል ወረ ታሕቲ ታሕቲ ይነዝሓ ኣለዋ ዝበሃል ናይ ማሕበራዊ መድያ ሓበሬታ፡ ምስዚ ምትእስሳር ዘለዎ ከይከውን ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

እንተቲ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ኣብቲ ኣጋጣሚ ዘይምልዓሉ፡ ከምቲ “ዓሚ ዝሞተ ምራኽ ኣይትጠይቕ” ዝባህለ ኮይኑ እዩ ተሓሊፉ። እቲ ትሕተ-ቕርጺ፡ ጸዓት፡ ማይ፡ ባሕሪ፡ ሕርሻ፡ ዕደና፡ መጐዓዝያ፡ ምስናዕን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብዝብል ዝጠቐሰሉ ኣገባብ “ንፍርዲ ኣይርትዑና” ከም ዝበሃል ንሃልኪ እንተዘይኮይኑ፡ ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጉዳይ ሃዲሙ ደገደገ ምምዕዳዉ ቀጻሊ እዩ።

 24 ጉንበት ቅድሚ 32 ዓመታት መግዛእቲ ተሳዒሩ ኤርትራ ደቃ ብሓባር ብዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእትነት  ናጻ ዝወጸትላ ታሪኻዊት ዕለት ስለ ዝኾነት፡  ናይ ዮሃና መልእኽትና ነቐድም።

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣልጊስካ ጨቋንን ተጨቋንን ዘይብላ፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት እትመሓደር ሃገር ምርግጋጽ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና ነቲ  ሓቢርካ ሃገር  ንምህናጽ  ተቐሪብሉ ዝነበረ ምዕራፍ ቃልሲ፡ ከም ውሁብ ወሲድዎ ስለ ዝነበረ ከም ዝዕወት ትስፉው ነይሩ። ኣብ ተመኩሮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ባሕቲ መስከረም 1961ን 24 ጉንበት 1991ን ብ30 ዓመታት ዝረሓሓቓ ታሪኻውያን ዕለታት እየን። እታ ቀዳመይቲ ብምብሳር ሰውራ፡ እታ ካለኣይቲ ከኣ ናጽነት ኤርትራ ብምርካብ። ኩሉቲ ኣብ መንጎ እዘን ዕለታት፡ ዝሓለፈ ግዜ፡ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ዝተወፈየ መስዋእትነት፡ ዘጋጠመ ዕንወት፡ ብርሰትን ዝሰዓበ ስደትን ምምዝባልን፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነትን ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምውጋድን  ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ሃገርን ቅሩብነት ንቃልስን ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከም እትበጽሕ ልዑል ተስፋ ነይሩ።

እተኾነ ብሰንክቲ ኢሳያስ ዝመርሖ ጠላም ጉጅለ፡ ትጽቢት ህዝብና ጌና ብግብሪ ኣይተጋህደን። እቲ ጥልመት   ብዘኸተሎ በደል ዘማረሩ ገለ ወገናት፡ ኣብ ኣድላይነት ነጻነት፡ ልኡላውነትን ሓድነት መሬትን  ኤርትራ  ሰጋእ መጋእ ክብሉ ይረኣዩ እዮም። እንተኾነ እቲ ናይ ኩሉ ከነዕውቶ ንቃለሰሉ ዘለና ባህግታትና መሰረት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ እዩ እሞ ወትሩ ህያው ኮይኑ ካብ ምዕቃቡ ምርጫ ከም ዘየብልና ንገንዘብ። እቲ ንህዝብና ዝድህኾ ዘሎ ወጽዓ ከኣ፡ ምምሕዳር ህግደፍ ዘኸተሎ እምበር፡ ናይ ኤርትራ ናጻ ሃገር ምዃን ዘስዓቦ ዘይምዃኑ ብምርዳእ ተቓሊስና ንምውጋዱ ብዝሓዝናዮ መንገዲ ካብ ምቕጻል ካልእ ምርጫ የብልናን።     

ቃልሲ ንምህናጽ ሃገረ  መንግስትን ምዕቃብ ሓድነትን ኣብ ኤርትራ፡ ካብቲ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኸፍለ  ዝተሓተ ዋጋ ዝሓትት ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ህዝብና እዩ ነይሩ።  ካብቲ ተስፋ ዘሕደረሉ ምኽንያታት፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ ሓይሊ ዘይምዃኑን ከም ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኩሎም ኤርትራውያን ማዕረ ተጠቀምቲ እዮም ዝብል እምነት ስለ ዝነበሮ ምጥቃስ ይከኣል። ኣብ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ምህናጽ ሃገር፡ ዓቕሚ እንተዘይጐዲሉና፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣዋሲኑ ስልጣኑ ቅድሚት ዝሰርዕ ስሱዕ ምምሕዳር ክህሉ  ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን። ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ንኹሉ ብሒቱ “ኤርትራ ነዓይ ጥራይ  ዝብል ግጉይ ኣሰላልፋ ክህሉ ትጽቢት ኤርትራውያን ኣይነበረን። እዚ ዘመልክቶ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግዜ ንናጽነት ዝተቓለሱ ደቁ፡ ኣብ ኤርትራ ከምቲ ዝኾኖን ዝኾኖ ዘሎን ከጋጥም እዩ ዝብል ስግኣት ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ።  ምስዚ ግን፡ ካብ ቅድሙ እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ኩነታት ከየጋጥም ስግኣት ዝሓደሮም፡ ብዓንተቦ ንምግትኡ ዝተቓለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ግዱሳት ባእታታትን ነይሮም ኢዮም።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ወርሒ ኣብዘይመልአ ግዜ፡  ሓቀኛ ጸረ ህዝቢ ባህርያቱ ሓቢኡ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግና ብጋህዲ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ሕማቕ ክፈዲ ዝተዓጥቀን ጉጅለ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ተጋሂዱ። እነሆ ከኣ እቲ ብህዱእ ኩነታት ክካየድን ብውጽኢቱ ኩሎም ኤርትራውያን ብማዕረ ዝጥቀምሉን ክኸውን ትጽቢት ዝተገብረሉ ቃልሲ ምትካል ቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት፡ “ንማይ ዝበልንዮስ ንበረድ ኮነ ከም ዝበሃል፡ ብኣንጻሩ ኮይኑ። እምበርከ እቲ 2ይ ምዕራፍ ቃልሲ ከምቲ ናይ ናጽነት  ኣብ 30 ዓመትከ ክውዳእ ድዩ ኣይፋሉን?” ዝተባህለ  እነሆ 32 ዓመቱ መሊኡ። ብመንጽር ዝተኸፍለ ዋጋ ክምዘን እንከሎ እውን፡ ኣብ ኩሉቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተኣጉደ፡ ግና ከምኡ ክኸውን ዘይነበሮ ውግኣት፡ ካብቲ ኣብ ናይ 30 ዓመታት ቀዳማይ ምዕራፍ ጉዕዞ ቃልስና  ዝተኸፍለ ዋጋ ዝበዝሐን ዝኸበረን ተኸፊሉ።   

ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብዚ ንዝክሮ ዘለና መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኮይና፡ ብዛዕባ እዚ ዝሓለፈ ናይ 62 ዓመታት በሊሕ ቃልሲ ከነስተንትን ናይ ግድን እዩ። ምስትንታን ብድፍኑ ዘይኮነ፡ በየን መጺእና? ኣብ ከመይ ኩነታትከ ኣለና? እንታይከ ይጽበየና ኣሎ? ኢልና ክንሓትትን ክንምልስን ግቡእ እዩ። ቀንዲ ጠመተና ከኣ እተን፡ ኣበይ ኣለና? እንታይከ ይጽበየናሎ? ዝብላ ሕቶታት ክኾና ይግበአን። ምስ ቃልሲና ምንውሑን ሃገርናን ህዝብናን ንቑልቁል ይንቆቱ ምህላዎምን ሻቕሎት ኩልና፡ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ዝያዳ ኣብ ዝዓረገሉ ደረጃ ኢና ዘለና። ካብዚ ብምንቃል ከኣ ህግደፍ ኣብ ምውጋድ ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ “ቃልስና ካብዚ ዘለናዮ ናብ ዝሓሸ ነሰጋግሮ  ክንብልን መዋጸኦ ክምእምም ሓድሽኳ እንተዘይኮነ እዋኑ እዩ። እንተ ህግደፍን ደገፍቱን ግና በዚ ሒዘምዎ ዘለዉ ኣዕናዊ ጐደና ክዕዘሩ እምበር ክልወጡ ኣይንጸበዮም።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ፡ ብሓባር ከቃልስ ዝኽእል ሰፊሕ ጽላል ናይ ምርካብ ጻዕሪ፡ ሎሚ እውን ዕማም ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ተበግሶ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ካለኦት ንቕሎታትን ኣብ ሕድሕዶም ዝነበረ ምጽልላም፡ ምጥቕቓዕን ምንጽጻግን ዘህደአ ምዃኑ ዘይከሓድ እዩ። ምስዚ ግና ጉዕዞና ትሕቲ ትጽቢት ናይ ለውጢ ድሌት ህዝብና ምህላዉና ተገንዚብና፡ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት ክንፍጽም ከም ዝግበኣና ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ወትሩ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ብምጽናዕ፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስሉ መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ከይሰልከየ፡ ኩሉ ካብኡ ዝድለ ከበርክት ቅሩብ ምህላዉ ደጊምና ነረጋግጽ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ክረኣዩ ካብ ዝጸንሑ ድኽመታት ሓደ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዝሓዝካዮ መስርሕ ስንኻ ነኺስካ፡ ፍልልያትካ ኣጻቢብካን ኩሉ ዓቅምኻ ጸንቂቕካን ዝረኸብካዮ ዕድላት ተጠቒምካ ኣብ ዝብጻሕ ምብጽሑ፡ ናይ በይነይ ክኸይድ’የ ኣገባብ ምኽታል እዩ።  ካብ ከምዚ ዓይነት  ምትፍናን ንምውጻእ፡ ተደኲኑ ዝጸንሐ ባይታ ብምኽሓድ ዘይኮነ፡ ንጉዳያት ቅደም ተኸተል ኣትሒዝካ፡ ኣብቲ ዝተጀመረ ብምድራዕ ነቲ ዝመጽእ ምዕባለ ነቲ ቅድም ዘመዝገብካዮ ብዘይሃሲ ሓቢርካ ብምግጣሙ ክኸውን ይግበኦ።  ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ንኹሉ ተበግሶታት፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተነጽፈ ኣውንታዊ ባይታ ብዘይክሕድ ኣገባብ  ከመሓድሮ ናይ ግድን እዩ።

እቲ ካልእ ንመበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ክንዝክር እንከለና ጓሲናዮ ዘይንሓልፍ፡ ሎሚ እውን ብሓፈሻ ኣብ ዞባና ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝተኻየደ ውግእ ሓደ እዩ። ጉዳይ ኢትዮጵያ-ትግራይ ሰላማዊ መንገዲ ሒዙ ኣብ እንብለሉ፡ ኩነታት ሱዳን ዝኸፈአ መልክዕ ምሓዙ ኣብ ርእሲቲ ናትና ጸገም፡ ካብ ዞባዊ ስግኣት ዘይምውጻእና ዘመልክት እዩ። እዚ ተርእዮታት ንኤርትራ ብቐንዱ ጉዳይ ጐረቤት እዩ። ጽልዋኡ ኣብ ጉዳይና ግና እቲ ንሃገርና ዝሕምስ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ዘርእዮ ዘሎ ጸፋዕፋዕ ተወሲኽዎ፡ ዝዓዘዘ ግምት ክንህቦ ግቡእ እዩ። ኤርትራውያን ብሰንኪ ኣተሓሕዛና ኣብ ጉዳይ ትግራይ መፍቶ ህግደፍ ኮይናዮ ዝጸናሕና ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከይንደግሞ ነስተውዕል። 

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ትንበር!

24 ጉንበት 2023

ጸገማት ኤርትራ ውሽጣውን ግዳማውን ገጻት ከም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ።  እንተ ንልምዓት እንተስ ንጥፍኣት እቲ ወሳኒ ቦታ ዝሕዝ ከኣ፡ እቲ ውሽጣዊ ገጽ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ናይ ግዳም ጸገም፡ ምስ ምፍታሕ ውሽጣዊ ጉዳይ ሓቢሩ ዝፍታሕ፡ ወይ ድማ ድሒሩ ዝረአ ኮይኑ፡ እቲ መሰርታዊ ኣቐዲሙ ክፍታሕ ዘለዎ፡  እቲ ውሽጣዊ ጸገም እዩ። ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምፍታሕ ረብሓ ስለዘይብሎም፡ ስለ ዘይከኣሉ ንዓኡ ጓስዮም፡ ናብቲ ግዳማዊ ጉዳይ ጥራይ ዝመጣጠሩ ካብቲ ቅኑዕ ኣገባብ ኣፈታትሓ ጸገም ክሃድሙን ክሕብኡን ዝደልዩ ጥራይ እዮም።

በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ናይ ኩሉ ሽግራት  ህዝብና ቀንዲ ጠንቂ ዝኾነ፡ ውሽጣዊ ጸገማት ዝሕተት ጉጅለ ህግደፍ እዩ። እዚ ጉጅለ  ንኹሉ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸገማት ጸማም እዝኒ ሂቡ፡ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ጥራይ ዘገድሶ ሕሉፍ ዲክታተር ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብግብሪ ዘመስከረ እዩ። ህግደፍ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጸገማት ዋንኡ ባዕሉ ስለዝኾነ“ይፈልጦን ይረደኦ እዩ” ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ዕለታዊ ጸሎት ደጋጊሙ ዝገልጾን ሓደሓደ ግዜ’ውን ከም ኣስተምህሮ ከቕርቦ እንከሎ ዝተዓዘብናዮ እዩ። በዚ እዩ ድማ “ጸገማት ዝፈትሕ ዘይኮነ ነቲ ጸገማት ኣጸባቢቑ ብምቕራብ ካብ ተሓታትነት ክሃድም ዝፍትን ስግንጢር መራሒ” ዝበሃል። ስለዚ ነቲ ጸገማት ዘይምፍትሑ፡ ናይ ምፍታሕ ዓቕምን ኣፍልጦን ስለ  ዘየብሉ ዘይኮነ፡ እቲ ፍታሕ ንረብሕኡ ከምዘኮነ ሰለ ዝግንዘብን ድሌትን ቅሩብነትን ዘየብሉ ምዃኑን ዘረድእ እዩ። ምኽንያቱ በታ ዘላቶ ዓቕሚ እውን ጸገም ህዝቢ ክፈትሕ ዝፍትን ሕልና ስለ ዘየርኢ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ሕማቕ ህይወት ከምዘሎ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ከምዘይሕበኦምኳ ዝርዳእ እንተኾነ፡ ደጋጊሙ ናይ “ራህዋ ፍጠረለይን መሰላተይ ኣኽብረለይን”  ስምዕታኡ ንነዊሕ ግዜ ኣቕሪቡ ሰማዒ ዝሰኣነ ግዳይ እዩ።

ንህግደፍ እቲ ዘገድሶ ብኸመይ ንጸገማት ህዝቢ መፍትሒ ከም ዝርከብ ምጭናቕ ዘይኮነ፡ ካብ ተሓታትነት መህደሚ ምኽንያታት ምዝርዛር እዩ። ኩሎም ምኽንያታቱ ድማ ጭካነኡ ንምሕባእ፡ ናይ ግዳም ተሓተቲ ዝብሎም ኣብ ምዝርዛር ዝተሰረቱ እዮም። እቶም ተሓተቲ ዝገብሮም ኣካላት ብዙሓት ኮይኖም፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን በቲ ቋንቋኡ “ጁንታ ወያነን” ከኣ ብዝወዓልዎን ዘይወዕልዎን ቀወምቲ ተኸሰስቲ  እዮም። ነቲ ክሱ ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ ናብ ውሽጡ ጠሚቱ፡ “ኣነኸ እንታይ እዩ ግደይ?” ዘይብል ሃዳሚ ምዃኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ከምዚ ክብል እንከሎ፡ ዝፈሓሶ ተንኮልን ዝሓዞ መህደሚ ሕሳባትን ኣለዎ። ናይቶም ቁሩብ ነቲ ጉዳይ ኣዚሮም ከይረኣዩ፡ ንኢሳያስ “ኣብዚ እነሀልካ መራሒማለት” ዝብልዎ ውሑዳት ልቦና የሕዝንን “ኤርትራውያን ከመይ ዲና ንሓስብ ዘለና?”  ኢልካ ከተስተንትን ይድርኸካ።

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት ዝፈሸለ፡ ምዃኑ ብናይ ብዙሓት ናጻ ኣካላት መጽናዕቲ ዝተረጋገጸ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብታ ኢሳያስ ዝፈሸለላ ሃገር ይነብር ስለ ዘሎ ናይ ካለኦት ምስክርነት ዘድልዮ’ውን ኣይኮነን። ብሰንኪ ኢሳያስ፡ እቲ ፍሽለት ናብ ኤርትራ ከም ሃገር ዘላግብዎ ዘይሓላፍነታዊ ወገናት ምህላዎ ከኣ ዘተሓሳስበና እዩ።

እቲ ካልእ ዘሕዝንን ዘገርምን ከኣ ኢሳያስ በዚ ዘቤታዊ ፍሽለቱ ኣብ ክንዲ ዝሓፍር፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ክዋሳእ ዝፍትን እዩ። እዚ ፈተንኡ ኣብ ኩለን ሳልሳይ ርእሱ ኮለል ዝበለን ጐረባብቲ ሃገራትን ከባብያዊ ውዳበታትን እቲ ዝሓለሞ ተቐባልነት ኣይረኸበን። እታ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ስዑድ ዓረብን ኢማራትን ኮለል ዝበለላ ምህዞ’ውን ትቕምስል ዘላ ኢያ። ፈተነኡ ተቐባልነት ዘይረኽበሉ ምኽንያት ኢሳያስ መሕደሲ፡ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር መናውን ጠላምን ምዃኑ ሓደ ምኽንያት እዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግና እቶም ክዛመዶም ዝደሊ ወገናት ዋላ ኣግሂዶም ከምኡ ኣይበልዎ፡ “ንገዛእ ህዝቡ ዘይኮነስ ምስኡ ምዝማድ እንታይ ክዓብሰልና?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም ንግዜኡ ተጠቒሞም ስለ ዘርሕቕዎ እዩ።

ኣብ ሃገሩን ዞባኡን ምስላጥ ምስ ኣበዮ፡ ምስ ኣሜሪካ ክጻረፍን ምስ ሩሲያ ክመሻኸንን ዝተዓዚብናዮ እዩ። ሎሚ ከኣ ከምቲ “ርሑቕ ዓድስ መሕሰዊ” ዝበሃል፡ ናብ ቻይና ገይሹስ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይኑ ቀንዩ። መራሕቲ ቻይና ብጀኦግራፊኳ ካብ ኤርትራ እንተረሓቑ፡ ምስቲ ኣይኮነንዶ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝፍጸም ዘይሕበኦ ናይ ቴክኖሎጂ ዕቤቶም፡  ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዝፍጽሞ በደላት ዝሕበኦም  ኣይኮኑን።

ኣብ ቻይና ንኢሳያስ ርእይዎ ዘይፈልጥ ብተኹሲ መድፍዕ ዝተስነየ ዝተገብረሉ ኣቀባብላ፡ ንገለ ወገናት ናይ ሓያልነቱን ብቕዓቱን መምዘኒ ኮይኑ ዝተራእዮም፡ ከም ዘዕሸወ ተገንዚብና ኣለና። ነቲ ድራማ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዓወት ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዘይሓፈሩ’ውን ኣይተሳእኑን። እንተኾነ “እቲ ወዛሕዛሕ፡ ብመንጽር ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ክረአ እንከሎ፡ እንታይ እዩ ሸርፉ?” ዝብል ሕቶ ክቐርብ እንከሎ፡ ናይቶም ዘጣቕዕሉ መልሲ  “እዚኣስ እንድዒ” ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ቻይና ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነቶም ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ምናልባት እውን ኢሳያስ ከምቲ ዘለዎ ጸረ ህዝቢ ኮይኑ ክቕጽል የደፋፍርዎ ይኾኑ። ምስዚ ኣብዚ እዋንዚ ንዕዘቦ ዘለና ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ቀዳምነት ቻይና፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዜቤታዊ ዋኒኑ  ጠንጢኑ ዘገልግሎም እሙን ተለኣኺ ምርካብ እዩ። ነዚ ኣገልግሎትዚ ዝበቅዕ ከኣ፡ እቲ መተካእታ ዘየብሉ ተመራጺ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ምዕሳብ እዩ። ነዚ ሓቀኛ ተልእኮ ቻይና ንናይ ምቕባል መገሽኡ፡ ልምዓትዶ ምሕዝነት፡ ሕርሻዶ ኢንዳስትሪ፡ ምህናጽ መንዲገዶ ምሕዳስ ወደብ ዝኣመሰሉ መጎልበቢ መልክዕ ከም ዝወሃብዎ ርዱእ እዩ።

ምናልባት ምስቲ ቻይና ዘለዋ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ኢሳያስ ነገራውን ገንዘባውን ትኳቦ ክረክብ እሞ፡ ህይወት ኤርትራዊ ዘመሓይሽ ኣጋጣሚ ክፍጠር ዝጽበዩ’ውን ይህልዉ። ኢሳያስ ግና ካብ ቻይና ብዝርከብ ትኳቦ ይጽናሕ’ሞ  በቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዝርካቡ ኤርትራዊ ሃብቲ’ኮ ጸገም ህዝቢ ከቃልል ፈቓደኛ ኣይኮነን። ኣብ ኢዱ ብዘሎ፡ ህዝቡ ካብ ዘየዕንግል፡ ካብ ትኳቦ ካብ ዝረኽቦ በጺሑ ክልግስን ክድንግጽን ምጽባይ ድማ ዘይመስል እዩ። ደሓር ኢሳያስ ኣብ ግዜ ኮቪድ-19 ብናጻ ንህዝቢ ኤርትራ ዝተለገሰ መድሃኒትን ካልእ ሓገዝን ምስምሳት ብምፍጣር  ዝተሓሰም ምዃኑ ተረሲዑ ማለት ድዩ?። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ኢሳያስ ካብ ቻይና ማና ከምጸኣሉ ክጽበ ዘይኮነ፡ “እቲ መፍትሒ ኣብ ኤርትራ’ምበር፡ ኣብ ቻይና ኣይኮነን ዘሎ” ዝብል ግንዛበ ከይዘንገዐ፡ ኢሳያስ ብሰንኪ ዞባውን ኣህጉራውን ተለኣኣኽነቱ መዓት ከየምጸኣሉ እዩ ክሰግእን ክሓስብን ዝግበኦ።