ሕድሪ ሰማእታት፡ ዕዳ ህሉዋት እዩ

2023-06-20 05:52:44 Written by  ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1044 times

ኤርትራ ሃገርና ብመስዋእቲ ደቃን  መስተንክራዊ ጽንዓት ህዝባን እያ ናጻ ኮይና። ስለዚ ኣይኮነንዶ ክንዲ ህይወት ዝኣክል ክቡር ዋጋ ንዝኸፈለ፡ ካልእ ጽቡቕ ንዝገበረልካ እውን ምምስጋን ግቡእ ስለ ዝኾነ ንሰማእታት ኤርትራ፡ “ብሳላኹም ልኡላዊ ሃገር ኮይንና ኢና እሞ፡ ክብርን መጎስን ንዘልኣለም ይኹንኩም፡ ኣብ ዘለኹምዎ ቅሰኑ፡ ሕድርኹም ከኣ ከነዐውቶ ኢና” ምባሎም፡ እንተዘይውሒድዎም ኣይበዝሖምን እዩ። ኣበይን መዓስን ብወግዒ ክንዝክሮ ከም ዝግበኣና ምውሳን ሕገ መንግስታዊ ክኸውን ከኣ ቅቡል እዩ። ብመንጽርዚ ኤርትራውያን ሰማእታት ዝዝከሩላ ዝምስገኑላን ዕለት ክትህልዎም መን ወሲንቃ ብዘየድስ፡ ዝቃወሞ የለን። ቅድሚ ሕጂ እውን ብፍላይ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡  ባሕቲ ታሕሳስ መዓልቲ ሰማእታት ኮይና ክትዝከር ጸኒሓ እያ። ምኽንያት መንቀሊኣ ድማ ድሕሪ ኢትዮጵያዊ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብ1970 ኣብ ከባቢ ሃብረንቃቓ ብደብያ ተበዓት ተጋዳልቲ ተሓኤ ብምቕንጻሉ፡ ሕነ ንምፍዳይ ኣማኢት ሲቪል ኤርትራውያን ኣብ በሲግድራን  ዖናን ከባቢ ከረን ብሰራዊት መግዛእቲ ተቐቲሎም  ዓዶም ነዲዱ ዝሃለቑላ ዕለት ስለ ዝኾነት። 

መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ልቦና ኩሉ እትሓድርን ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ንዝተሰውኡ ዕጡቓትን ሲቪልን ኤርትራውያን እተማእክልን ንኽትከውን፡ ኩሎም ኤርትራውያን ዝሰማምዕላ ብሕገ መንግስቲ ዝተደገፈት ምኽንያታዊት መዓልቲ ምግባራ ኣገዳስነቱ ዕዝዙ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ቀዳምነት ክወሃቦም ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓንቲ ክትከውን ምተገበኣ። እንተኾነ ብሰንኪ ዘይግሉጽን ዘይሓላፍነታውን ስሱዕ ኣካይዳ ህግደፍ ከምቲ ካልእ መድረኽ  እሂንምሂን  ዘይተፈጥረሉ ዛዕባታት፡  ሰማእታት ዝዝከሩላ ዕለት’ውን ብወግዒ ዝተወሰነት ኣይነበረትን።

ስለዚ 20 ሰነ ጓይላ፡ ጃህራን ዳንኬራን ህግዲፍ ንምድማቕን ንሸፈጥን ዘይኮነ፡ ንክብሪቲ ዘይሃስስ ሕድሪ ሰማእታት ብንጹህ ሕልና እንዝክረላ መዓልቲ ጌርና ክንወስዳ ኣገዳሲ ነይሩ። ዝያዳ ንምዕዛዙ፡ ኤርትራዊ ሰማእትነት ነቶም ኣብ ዓውዲ ውግእ ዝተሰውኡ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነ፡ እንተላይ እቶም ኣበይን መዓስን ብዘየገድስ ምእንቲ ኤርትራን ናጽነታን ዝወደቑ ኩሎም ኤርትራውያን ጀጋኑ ዘጠቓልል እዩ። ብመንጽርዚ እቲ ልዕሊ 60 ሺሕ እንዳተባህለ ዝጥቀስ ቁጽሪ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኣብቲ ወተሃደራዊ ሜዳ ናብ ዝተሰዉኡ ጥራይ ዘተኩር ኮይኑ፡ እዚ እውን  ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ፡ ብዙሓት ነዚ ዛዕባ ቆላሕታ ዝህቡ ኣካላት ዝሰማምዕሉ ኣይኮነን። ልዕሊ ሚእቲ ሺሕ ዘብጽሕዎ’ውን ኣለዉ። እቶም ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ፡ ኣባላት ካለኦት ውድባት ኤርትራ ኮይኖም ዝተሰውኡ ሓርበኛታት ተነጺሮም ክውሰኽዎ እንከለዉ፡ እቲ ኣሃዝ ክንደይ ከም ዝበጽሕ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን።

መዓልቲ ሰማእታት እቲ ቀንዲ ዕላማኣ  “ሕድሮም ክሳብ ክንደይ ተኸቢሩ?” ዝምዘነላን ኣብ መጻኢኸ እቲ ዝተረፈ ብኸመይ ይትግበር ዝትለመላን ክትከውን ምተገበአ። መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ግና ብኣንጻሩ ኣብዛ ንክብሮም ተባሂላ ዝተወሰነት ዕለት እዩ ብኣዋጅ ዝጠለሞም። ብ1991 ኣብዛ ዕለት ድሕሪ 25 መዓልታት ናጽነት ኣብ ናይ በኹሪ መግለጺኡ ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ኣስመራ ብወግዒ “ደጊም ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን። ንህዝቢ ብቕሉዕ ይኹን ብጉልባብ ናይ ምክፍፋል ስልትታት ከቢድ ገበን ከም ዝቑጸር ክዝንጋዕ ኣይግባእን” ክብል ኣውጁ። እዚ ኣዋጅ ነቲ ኤርትራውያን ሰማእታት ህዝቦም ድሕሪ ናጽነት ናይ ምውዳብ፡ ሓሳብካ ምግላጽን ሓርነት ንክህልዎ ዝኸፈልዎ ዋጋን ሕድሮም ከይዝንጋዕ ዝገደፍዎ ቃልን ዝጠለመ እዩ። ብሰንኪቲ ጥልመት ከኣ እነሆ ናጽነት ኤርትራ ናይ ውሑዳት መዕንደሪ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግና 32 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ገዛእ ብሰማእትነት ደቁ ብኣዝዩ ዕዙዝ ኣበርክቶኡን ናጻ ዝኾነት ሃገሩ፡ መዋጽኦ ይኸውን ዝበሎ ሓሳብ ከየቕርብ ኣፉ ተለጒሙን መሊኡ ከይረግጽ፡ እግሩ ተኣሲሩን እናተሽቑረረ ይነብር ኣሎ።

ሕድሪ ሰማእታት ብጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ ኢዩ። እንተኾነ ህግደፍ ብናይቶም ዝጠለሞም ክብሪ ንክጥቀም ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ሰማእታት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ክብሪ ቦታ ስለ ዝፈልጥ ብስሞም እናሸቀጠ፡ ሃብቲ ምኻዕባትን ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕን ካብቲ ዝጥቀሞ ሜላታት ሓደ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ፡ ኣንጻር ህግደፍ ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ክንዲ ንናይ ህግደፍ ጥልመት ምእራም፡ ኣሰሩ ብምስዓብ፡ ክብሪ መስዋእትነት፡ ሰማእታት ዘናእሱ ወገናት ይቀላቐሉ ምህላዎም እዩ።

እቲ ቀንዲ ተረካቢ ሕድሪ ሰማእታት ብሓፈሻ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ድማ እቲ ተረካቢ ሕድሪ   መንእሰይ ወለዶ እዮም። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኣቶም ካብቲ ሓንሳብ ኣንጻር ሰማእታት ጨኪኑ ናብ ልቡ ናይ ምምላስ ዕድሉ ዝዓጸወ ጉጅለ ምጽባይ ዘይኮነ፡ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይግበኦም። እዚ ድማ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ክሓስብሉ ዝግባእ ዓብይ ዛዕባ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽቢሩ ሃገርን ህዝብን ዝምርሕሉ ሕግን ህዝባዊ ስርዓትን ክተክል ቅሩብ ዘይኮነ ጉጅለ፡ ግበር ስለ ዝበለካ ፈልሲ ብምትካልን ሽምዓታት ምብራህን ወይ በል ስለ ዝተበሃልካ “ስዉኣትና ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና” ብምጭራሕ ጥራይ፡  ሕድሪ ሰማእታት ምኽባር ኣይኮነን።  ወለድን ስድራቤትን ሰማእታት ፍቕሪ ሰማእታቶም ዝገልጽሉ ኣገባብ፡ ኣብ ገዛ ተዓጺኻ ኣሳእሎም እናረኣኻ ብምንባዕ ዘይኮነ፡ ኣብ ኣደባባያት “ሕድሪ ደቅና ይከበረልና” ብዝብል ስሙር ደራኺ ድምጺ ክኸውን ይግበኦ። ውላድካ ተሰዊኡ፡ ውላዱ እናተሰደ ሕጂ’ውን “ኢስያስ ይንበረልና” ኢልካ ምጽላይ ቅቡል ኣይኮነን።

ብዝተፈላለየ መልከዓት ተወዲቦም ንለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት  ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት መግለጽታትን ኣዋጃትን ብምውጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተጠልመ ህዝባዊ ሕድሮም  ዘኽብር ናይ ሓባር ዓቕሚ ንምፍጣር ብዛዕባ ዝኽእልሉ ክሓስቡ ይግበኦም። ዘለካ ፍልልያት ኣመሓዲርካ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ተቢዕካ ንህግደፍ ክትስዕር ምብቃዕ ክሳብ ክንደይ ንሰማእታት ከም ዘቕስኖም ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ኮይኖም ክሓስብሉ ይግባእ። ምኽንያቱ ሰማእታት ስሞም ደጋጊምካ ብምጽዋዕ ዘይኮነ፡ ሕድሮም ብተግባር ብምኽባር እዮም ዝቐስኑ። ዘቕስኖም ከይሰራሕካ “ቅሰኑልና” ምባሎም ግና ዋጋ የብሉን። 

እቲ ትማሊ ብጾቱ ኣብ ሜዳ ቀቢሩ ዕጥቆምን ሕድሮምን ዝተረከበ፡ “ናይ ናጽነት ተጋዳላይ”፡ ሎሚ ኣካል ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ፡  ክልተሻብ’ዩ ተራእዩ። ሓርበኛዊ  ታሪኹ ተደዊኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም “ወራሪ፡ ሰራቕን መሰል ንጹሃት ዝግህስን”  እናተባህለ ይኽሰስ ኣሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከኽብርስ ይትረፍ ክብሩ እውን ክዕቅብ ኣይከኣለን። ናይዚ ኩሉ ውርደቱ ጠንቂ ድማ ሕድሪ ብጾቱን ባህጊ ህዝቡን ዘይምኽባሩ እዩ። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዓልቲ ሰማእታት ክበራበርን፡ በታ ዘላቶ ዕድል፡ ተጠቒሙ ነብሱ ከድሕንን ሕድሪ ሰማእታቱ ከኽብርን  ሎሚ’ውን ንጽወዖ ኣለና።  እንተ ሕድሪ ሰማእታት ኣግራብ ብምትካል ዘይኮነ፡ ፍትሒ ብምንጋስ እዩ ዝትግበር።

ዝኽርን ክብርን ንሰማእታት ኤርትራ!

20 ሰነ 2023

Last modified on Tuesday, 20 June 2023 07:59