ተነጽሎን ዓቕሊ ጽበትን ኢሳያስ

2023-06-24 21:54:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1063 times

ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ መበቆሉ ህግደፍ መልክዑ ድማ ብዙሕ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብቶም ብዙሓት ጸገማት ሓደ ዕጽዋን ተንጽሎን እዩ። እቲ ዕጽዋ ካብ ብዙሓት መሰላት ዝግድብ ኮይኑ፡ ናብን ካብን ኤርትራ ሓበሬታ ምኽልካል ሓደ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እታ ዝነብራ ህይወት ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጣ እምበር፡ ክሳብ ሎሚ ወጻኢ ካብ ኤርትራ ኮይንካ ብዛዕባኡ ዝፍላጥ ውሱን እዩ። ናይዚ ጠንቂ ኣብታ ሃገር ትሕተ ቅርጻ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዝርካቡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ምብሓቱ እዩ። ህግደፍ ከኣ ነቲ ህዝቢ ምስቲ ዕጽዋ ከለማምዶ እንተዘይኮይኑ ካብቲ ዕጽዋ ከውጸኦ ዝብል ሓሳብ ኣይነበሮን ሎሚ’ውን የብሉን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብኢንተርኔት ዝጥቀም 1% ጥራይ ምዃኑ እቲ ጉዳይ ብዝምልከቶ ዓለምለኻዊ ትካል ምግላጹ ናይዚ መረጋገጺ እዩ።

ንህግደፍ ዘስገኦ ናይ ገዛእ ርእሱ  ምህላውን ዘይምህላውን እዩ። እዚ ከኣ በብግዜኡ ብሰንኪ ናቱ ነጻጊ ፖሊሲ ከሳቕዮ ዝጸንሐ ናይ ተንጽሎ ስግኣት እዩ። ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዝነበሩ ኣስታት ዕስራ ዓመታት ክሳቐዮ ዝጸንሐ ናይዚ ኣብነት እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ህይወቱ ንምድሓን ኣብ ኣስመራ፡ ዓዲ ሃሎን ምጽዋዕን ዝሕበኣሉ ዝነበረ እዋን እዩ።

ኣብ 2018 ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣገባብ ዘይሓለወን ዘይግሉጽን ዝምድና ኣብ ዝፈጠረሉ፡ ካብቲ ተሓቢእሉ ዝጸንሐ ጐዳጉዲ ወጺኡ ከተንፍስ ጀመረ። መንግስቲ ኣመሪካን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን እውን ምስ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ዝምድና “ቀጻልን ኣብ ኤርትራ ናይ ለውጢ ጽልዋ ዘሕድርን ክኸውን እዩ” ዝብል ተስፋ ኣሕዲረን ስለ ዘተባብዕኦ፡ ካብ ዝነበሮ ተነጽሎ ክወጽእ ክኢሉ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኣካላት መንግስቱ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ድማ ክለዓለሉ ጀሚሩ። ቅድም ብሰንኪ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን እገዳ ወሪዱኒ ኢሉ ከማርር ጸኒሑ፡ ደሓር ድማ ብሳላ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣመሪካን እገዳ ተላዒሉለይ ክብል ጀሚሩ። ምኽንያቱ ናይ ሽዑ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ንኤርትራ ማዕቀብ ንክለዓለላ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ናብ ኣመሪካን ደብዳበ ክሳብ ምጽሓፍ በጺሑ ከም  ዝነበረ ዝዝከር እዩ።

ተነጽሎ ህግደፍ-ኢሳያስ ካብ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ዞባውን ኣህጉራውን ውድባት እውን እዩ ነይሩ። ኢሳያስ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓመታዊ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፎም ዘይፈልጡ መራሕቲ ሃገራት እዩ። ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡  ተሳቲፉ ዘይፈልጥ ምዃኑ እውን ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። እዚ ካብ መርኣያታት ተነጽሎኡ ምዃን ሓሊፉ፡ ክቱር ስግኣት ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ። ኣብቲ መጋባእያታት ከይሳተፍ ናይ ፍርሑ ቀንዲ መንቀሊ ከም መራሒ ሃገር ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝፈሸለ ሕሱም ዲክታተር ብምዃኑ እዩ። ካብ ኢጋድ እውን ብሰንኪ ትዕቢቱ ንሓያሎ ዓመታት እዩ ተነጺሉ ጸኒሑ። ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ግና ብኣፍደገ ወጺኡስ ብመስኮት ክኣቱው ክልምን ጸኒሑ፡ ኣብ መበል 14 ስሩዕ ኣኼባ ናይቲ ትካል ኣባልነቱ ተሓዲስሉ። እንተኾነ ኣብዚ ኢድን እግርን መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ተሳሊሙን ነዊሕ ግዜ ተጸብዩን ዝረኸቦ መድረኽ ብሰንኪ ስግኣቱ ከም ልማዱ ኣይተሳተፈን።

ኢሳያስ ካብ ኢጋድ ዝወጸሉ ምኽንያት፡ ክስማዕ እምበር፡ ክሰምዕ ዘይተዓደለ፡ ኣብ ምጽውዋርን ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን ዘይዋሳእ ስለ ዝኾነ እዩ። ንመጻኢ እውን ካብዚ ባህርያቱ ስለ ዘይወጽእ ኣብቲ ትካል ናይ ምቕጻሉ ዕድል ዘተኣማምን ኣይኮነን። ካብዚ ኣኼባ ኢጋድ ምብኳሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ድሮ እዚ ኣባልነቱ ዝተሓደሰሉ ኣኼባ ንዝምድናኡ ምስ ክልተ ኣባል ኢጋድ ሃገራት ኣብ ዝምልከት፡ “ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ብመሬት ዘራኽባ ዶባት ዓጽያ” ዝብል ዜና ኣብ ማሕበራዊ መድያ ኣጀንዳ ኮይኑ ምቕናዩ፡ እንታይ ከም ዘመልክት ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ዲክታቶር፡ ከምቲ ድሕሪ 2018 ኮለል ኢሉ ዘይቀነዖ፡ ምስ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምድና ፈጢሩ ካብ ዕጽዋ ከም ዝወጽእ ርግጸኛ ስለ ዘይኮነ፡ ናብ ርሑቕ እዩ ዝመጣጠር ዘሎ። ናይዚ ቀረባ ግዜ ናብ ቻይናን ሩሲያን ምጋሹ ከኣ ናይዚ ምልክት እዩ። መገሽኡ ናብዘን ሃገራት ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ፡ እቲ ሓቂ ከምቲ ንምምልኻዑ “ናይ እገለ ሃገር መራሒ ብዝገበረሉ ዕድመ” ዝበሃል ዘይኮነ፡ ኣድሕኑኒ ንክብል ባዕሉ ማዕጾ ደፊኡ ዝኸዶ መገሻታት እዩ። ንሱ ምስኣተን ተጸጊዑ ንክድሕን እንተዘይኮይኑ፡ ንሳተን ብዘይካ ኣብ ኣኼባታት ኢድካ ኣልዒልካ መባዝሕቲ ምዃን ካብኡ ዝጽበየኦ፡  እምብዛ ከምዘይኮነ ርዱኡ እዩ። 

ናብ ቻይና ከይዱ ካብ ጅቡቲ ምስ ተረፈ፡ ብዙሓት ወገናት “ካብ ጅቡትስ በጅንግን ሞስኮን ይቐርባ ማለት ድዩ?” ዝብል ሓውሲ መዘናግዒ፡ ሕቶ ከቕርቡ ጸኒሖም። ካብ ኣኼባ ኢጋድ ምብኳሩ በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ምስታ ነቲ ኣኼባ ዘሰናድአት ጅቡቲ ዘለዎ ጸገም ምዃኑ ብሩህ እዩ። ዋላ ብዞባዊ ጉዳይ ናብ ጅቡቲ ዘይምኻዱ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ጽልእን ቂምን ዝነብር ዘይእመን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ኢጋድ ኣብዚ ኣኼባኡ ካብ ዝተዛረብሎም ጉዳያት ሓደ ህልዊ ኩነታት ሱዳን እዩ። ነቲ ኩነታት ዝከታተል ብመራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ሶማሊያን ዝቖመ ኣካል ድማ መዚዙ። ኤርትራ መዳውብቲ ሱዳን ጥራይ ዘይኮነት ህዝባ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሕ መልከዓት ጥቡቕ ምትእስሳር ዘልዎ ክነሱ፡ ኤርትራ ኣባል ናይዚ ኣካል ዘይምዃና፡ ኢሳያስ ነገር ከሳውር እምበር፡ ብኡሳት ክዓርቕ እምነት ዘይንበረሉ  ምዃኑ ዝሕብር እዩ።

ናይዚ ኩሉ ተነጽሎ መሰረት ካብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ፡ ምትእምማን ዝረሓቖ ዝምድና ዝነቅል እዩ። ብህዝቡ ዘይእመንን ንህዝቡ ዘይኣምንን መራሒ ምስ ካለኦት ኣሳንዩ ካብ ተነጽሎ ክወጽእ ከኣ ዘይመስል እዩ። ኢሳያስ ነቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዘይምትእምማን፡ ብጉልበትን ኣስገዳድን እዩ ዝፈትሖ። ናይቲ ኩሉቲ ተነጽሎ ጠንቂ፡ ዝኽተሎ ዓመጸኛ ናይ ዝምድና  ፖሊሲኡ እዩ። ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ናይ ኣገልጋልን ተገልጋልን ምዃኑ ባዕሉ’ውን ዝኽሕዶ ኣይመስለናን። እቲ ቀንዲ ኢሳያስ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝደልዮ ብሰንኪ ነገረኛ ባህርያቱ ኣብ ዝኸፍቶም ውግኣት ዝጥበስ ሓይሊ ሰብ ንምርካ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓደ ኤርትራዊ ኣብ ማሕበራዊ መድያ፡ “ኣብ እንዳ ኤርትራዊ ስድራቤት ተሰቒሉ እትረኽቦ ስእሊ፡ በዚ ሞያዚ ናይ ዝተመረቐ መንእሰይ ዝብል ዘይኮነ፡  ናይ ስዉእ ወይ ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናይ ዘሎ መንእሰይ ምስሊ እዩ”  ዝበሎ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ ነቚትዎ ከም ዘሎ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ተንጽሎ ኢሳያስ ክሳብ ክንድዚ ሰማይ ካብ ዓረገ፡ መሊእካ ንምልኣሙ ሓቢርና ንበገስ።

Last modified on Sunday, 25 June 2023 00:00