ኢሳያስን ኣብይን ሎሚኸ  ናበይ ገጾም?

2023-07-04 09:26:27 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1217 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ 2018 ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን፡ “ሓድሽ ዝምድና ፈጢርና” ኣብ ዝበልሉ ብዝተፈላለዩ እቲ ጉዳይ ሃንደበት ዝኾኖም ወገናት ብዙሓት ሕቶታት ዝተላዕልሉ እዋን ምንባሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ካብቶም ሽዑ ዝቐርቡ ዝነበሩ ክሳብ ሎሚ’ውን ዕቱብ መልሲ ዘይረኸቡ ሕቶታት ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ይጥቀሱ።

“ክልቲአ ሃገራት ክምረሓሉ ዝጸንሓ ፖሊሲታት ዝተፈላለየ ክነሱ፡ ኣበየናይ መራኸቢ ነጥቢ ኣቲክሎም እዮም ተሰማሚዖም?፡ ከዕውትዎ ዝተለምዎ ናይ ቀረባን ርሑቕን፡ ውጥኖም እንታይ እዩ?፡ ዝምድናኦም ግሉጽን ወግዓዊ መስርሕ ዝተኸተለን ናይ ዘምዃኑ ምስጢርከ እንታይ እዩ?፡ እዚ ዝምድና በቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቀላቐል ዝነበረ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ኣውንታዊ ጽልዋዶ የሕድር ወይ ብናይ ኢሳያስ ሕዱር ምልኪ ይኹለፍ?”  ዝብሉ ካብቶም ብዙሓት ሒደት እዮም።

ነዚ ዝተጠቕሰን ካልእ ተዛማድን ሕቶታት ዝምልስ ምናልባታት ኣብ ምቕራብ ብዙሓት ፍልልያት ነይሮም። “ብፍላይ በቶም ንመናውን ጠላምን ተመኩሮ ኢሳያስ ኣብ ግምት ዘእትዉ፡ እቲ ስምምዕ  ኣብ ዝተወሰነ ዛዕባታት ንሓጺር ግዜ  ዘይቅዱስ ውጽኢት ይህልዎ ይኸውን እምበር ፈራሲ እዩ” ዝብል ነይሩ። ብኻልእ ወገን ድማ “ክልቲኦም ወገናት ነንህልውናኦም ክብሉ ነቲ ዝምድና ኣጽኒዖም ሒዞም ከቕጽልዎ እዮም” ዝበሉ’ውን ኣይተሳእኑን። ዕድመ ናይቲ ስምምዕ እናነወሐ ምስ ከደን ዳንኬራ በዓል ኢሳያስ በብቑሩብ ምስ በርሀን ግና “እዚ ስምምዕ ኪኖ ሓቢርካ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምውቃዕ ካልእ ዕላማ ዘየብሉ ሓጺር ዝዕድሚኡ  እዩ”  ዝብል ብዙሓት ዝተሰማምዕሉ ግምት ኮይኑ ቀሪቡ። ክልቲኦም ናብዚ ንምብጻሕ ዝኽተልዎ ቅኒት በበይኑ ከም ዝነበረ ከኣ ካልእ ከሎ ጌና ዝተቀልቀለ ምልክት ነይሩ ።

እቲ ዝምድና ንድሕሪት ዘይምለስ ብዘምስል ወደኽደኽን ብዘይትግበር መብጸዓታትን ዝተሰነየንኳ እንተነበረ፡ ኣድቂቑ ንዝከታተሎ ግና ካብ ምንዕዓቕን ሕቡእ ጉርሕን ናጻ ኣይነበረን። እዚ ዘይብሱልን ኣብ “ኣጥፊካ ምጥፋእ” ዘትከለን ዝምድና ዝወለዶ ኣዕናዊ ውግእ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመታት ድሕሪ ምክያዱ፡ ህዝቢ ትግራይ ብዘርኣዮ መኸተን ብናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻዕርን ተጽዕኖን ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ተበጺሑ። ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን   ወዮ ተጐልቢቡ ዝነበረ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ኣብ ጽኑዕ ባይታ ዘይተመስረተ ዝምድና፡ እቲ ሓቀኛ ዘይምትእምማኑ  ባህሪኡ ተጋሂዱ። ኢሳያስ በቲ ሓደ ወገን ኣካል እቲ ውዕል ሰላም ኮይኑ ናይ ምዝራግ ዕድል ዘይምርካቡ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ  ኣብቲ ውግእ ብዘይምቕጻሉ ሓሪቑን ኣንጸርጺሩን “ኣሜሪካ ኣግሊላትናን ኮሊፋትናን” ብዝብል ቁጠዓኡን ሕርቃኑን ኣብ ኣደባባያት ገሊጹ። ብኣንጻሩ ዶ/ር ኣብይ ቀንዲ ናይ ሰላማዊ መፍትሒ ሰባኺ ኮይኑ ቀሪቡ። እዚ ድማ ኣንጻር ህወሓት ናብ ውግእ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ከምቲ “ክልተ ጐረሓትሲ ሓሙኽሽቲ ስንቆም” ዝበሃል፡ በበይኑ ሕሳብ ከም ዝነበሮም ተነጺሩ። ኣብዚ ጠጠው ከይበሉ ክልቲኦም እንተ ተፋቲሖም፡ ድሕሪኡ፡ ሓደ ኣንጻርቲ ካልእ ኣብ ዘካይድዎ ህልኽን ምውጣጥን ዝሕግዞም ናይ ርሑቕን ቀረባን ኣሰላልፋ ሃሰስ ኣብ ምባል ኣትዮም።

ናይ ቀረባ ኣብነት ንምጥቃ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ዘይስሩዕ” ዝበሎ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ክተዓራረኽ እንከሎ፡ መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ድማ ዝምድናኡ ምስቲ ኢሳያስ ከጥፈኦ ሓሊኑ ዘይሰመረሉ ብህወሓት ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምድናኡ ናብ ንቡር ንምምላስ ብወግዒ ክሰርሕ ተራእዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኤርትራዊ ቀዳምነቱ ረጥሪጡ፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ኣብ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኢትዮጵያ ተሰላፊ ምዃኑ ከኣ ዘገርም ኣነዋሪ  ተግባር እዩ። ርሕቕ ኢልካ ካብ ኢጋድን ሕብረት ኣፍሪቃን ክሳብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ጉዳይ ሱዳን ክሳብ ዩክረይን ክልቲኦም ወገናት ሒዘምዎ ዘለዉ ኣሰላልፋ እውን ተጸራሪ እዩ። ኢሳያስ ሓድሽ ክልተ ቀጽራዊ ኣሰላልፋ ከም ዝተጋህደ እናጠቐሰ፡ ደድሕሪ ሩሲያን ቻይናን ዞኽዞኽ ክብል እንከሎ፡ ዶ/ር ኣብይ ናብ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ምዝንባሉ ከኣ ካልእ ኣብ ግምት ዝኣትው ኮይኑ’ሎ።

ኢሳያስ ዝመርጾ ርቡጽ ኣሰላልፋ ካብ ቀደሙ እንቃወሞ፡ ሳዕቤኑ ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘኸትሎ ሓደጋ ከም ዘለዎ ስለ እንግንዘብ ኢና። እቲ ሳዕቤን ፈልዩ ንኢሳያስን ጉጅለኡን ጥራይ ዘረኻኽበሎም ነይሩ እንተዝኸውን ግና ኣይመሻቐለናን ጥራይ ዘይኮነ ኢድና ሓዊስና’ውን መራጐድናዮ። ብመጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ክጻረዩ ዝግበኦም፡ ነቲ “ኢሳያስን ኣብይን ሎሚኸ  ናበይ ገጾም?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ጽልዋ ዘለዎም ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ዝለዓሉ ሓያሎ ዛዕባታት ኣለዉ። “ኢትዮጵያ ሓድሽ ኮማንዶ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪቓ ናይ ውግእ ጀላቡኣ ኣሕዲሳ፡ ነፈርቲ ውግእ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዘንብየን፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሓደ ዕጽዊ ኣኼባ ድሕሪ ሕጂ ነካይዶ ውግእ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውናን እዩ ኢሎም፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይእሰሩን ናብ ሃገሮም ይስጐጉን ኣለዉ፡ ሓይልታት ፋኖ ኣምሓራ ኣብ ኤርትራ ይዕለሙ ኣለዉ፡ ኣመርካ ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ዝርዝር ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ መንግስታት ኣውጺኣ ካብ ኢሳያስ ክርሕቕ ቃል ኣእትያቶ…… ወዘተ” ካብቶም እዋናዊ ኣጀንዳታት ኮይኖም ዘለዉ እዮም።

እዚ ትንዕምንዕ  ነቲ ኣብ ጽኑዕ ባይታ ተደኲኑ ዘሎ ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ዘይመልሶኳ እንተኾነ፡ “ኣንታ እዚ ዕቡድ ዲክታተር በቲ ሓደ ወገን ኣብ መድረኻት ኢትዮጵያ ኣፍልቡ እንዳወቕዐን ዘይውርዙይን ዘይሓላፍነታውን መደረታትት እናስመዐን በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከይዱ መዳልያታት እናተሸለመን ገለ ጸይቑ ከይከውን?” ኢልካ ምጥርጣርን ምስጋእን ግቡእ እዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጽቡቕ ዘይተፈድየ፡ ምስ ኣብይ ኮነ ናይ ካልእ ሃገር መራሒ ተዓራሪኹ “ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጨባ” ከም ዝበሃል  ከኽስሮ እንተዘይኮኑ ከርበሖ ክጽበ ኣይግበኦን። ብግብሪ ከኣ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ ህይወት መላምል ደቁ ኣብ ዝኸፈለሉ ከቢድ ክሳራ ወዲቑ  ኣሎ።  እቲ ክሳራ በዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡  እቲ ብሃውኽ ሃወኽ ጠፋጢፍካ ዝተሰርሐ ዝምድና ኢስያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊኡ ፈሪሱ ከይጸቕጦውን ኣዝዩ  ዘስግእ እዩ።

Last modified on Tuesday, 04 July 2023 11:29