ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ናይ ከባቢና ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝቐነዩ ክስተታት፡ ናይቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናይ ጉዕዞ እገዳ ብዝተወሰኖ ጀነራል ዝምራሕ ልኡኽ ህግደፍ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ እዩ። እቲ ልኡኽ ኣዛራቢ ዝኾነሉ ተኣምር ዝፈጥር ኮይኑ ዘይኮነ፡ ናይ ህግደፍ ዓቕሊ ጽበታዊ ሸበድበድ ካብ ዘመልክቱ ሓደ ጌርካ ስለ ዝተወስደ እዩ። እዞም ላዕለዎት ጸጥታውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ብኽንድዚ ብዝሕን ርኡይ ኣገባብን ምጉዓዞም ዘይልሙድ ምዃኑ እውን ነቲ ኣዛራብነት ኣንሂርዎ እዩ።

ጐኒንጐኒ መገሻ ናይዚ ጉጅለ፡ ዝተፈላለዩ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ኢትዮጵያ ብምግጣሞም፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ምኽንያት ዝበልዎ ግምታት ይህቡ ኣለዉ። ብመሰረት ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ መስርሕ ምምስራት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምሕዳስ ዝምድና ምስ ፈደራላዊ መንግስትን ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ምዕባለ እዩ። ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ብልጽግናን “ብህግደፍ ይሕገዝ ኣሎ” ዝበሃል ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝጸንሐ ምስሕሓብ ምግዳዱን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቂ ናይቲ ፍሉይ ሓይሊ ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ ምጅማሩን ካብቶም ጐኒንጐኒ መገሻ ጸጥታውን ወተሃደራውን ኣዘዝቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝተፈጥሩ ተርእዮታት እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝረአ ዝነበረ ብዝገደደ፡ ብኹሉ ኣቕጣጫታት ብፍላይ ከኣ ብመስመር ኦሞሓጀር-ሑመራ፡ ናብ ኢትዮጵያ ይውሕዙ ምህላዎም እውን ካልእ ኣብ ግምት ዝኣቱ ተረኽቦ እዩ።

ናይቶም ኣዘዝቲ መገሻ ኣጀንዳ ብመንጽር መንነት ናይቶም ልኡኻትን ብሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝተዓደሙ ብምዃኖምን፡ ኣጀንዳኦም  ወተሃደራውን ጸጥታውን ከም ዝኸውን ምግማት ይከኣል። ከምኡ እንተዘይነብር እሞ፡ እቶም ኣዲስ ኣበባ ዝለመዱ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን ኣይመተረፉን። እቲ ዕድመ  ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ነበረ፡ “እንታይ ስለ ዝደለየ እዩ ዓዲምዎም?” ዝብል ሕቶ ይለዓል። ነዚ  ሕቶ በቶም ቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላትኳ መልሲ እንተዘይተዋህቦ ግምታዊ መልሲ መሃብ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ንሰለስተ ጉዳያት ከም ዝተዓደሙ ይግመት።

እቲ ሓደ ክኸውን ዝኽእል ምኽንያት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝፈረሞ ስምምዕ ሰላም፡ ናይ ወጻኢ ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ትግራይ ከውጽእ ፈራሚ እዩ። እቲ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተባሂሉ ኣብቲ ስምምዕ ዝተጠቕሰ ናይ ኤርትራ ምንባሩ ብሩህ እዩ። ህግደፍ ናይቲ ስምምዕ ተጻራሪ እዩ። ኢሳያስ ብወግዒ “ኣሜሪካ ውግእ ኮሊፋትና’ያ” ዝበሎ ዘይዕግበቱ ዝገልጽ እዩ። ከም መግለጺ ናይ ዘይዕግበቱ ድማ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ኣብ ምውጻ ሓንጊዱ ጸኒሑ። እቲ ምሕንጋዱ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘቕርቦ ክስታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት፡ መንግስታትን  ማሕበራትን ዘረጋገጽዎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ብዘይምውጽኡ ተወጢሩ ከም ዝጸንሐ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብኻልእ ወገን ነቲ ዝኸተመሉ ስምምዕ ከተግብር ክብል ምስ ኤርትራ ኣብ ረጽሚ ክኣቱ ኣይደፈረን። ስለዚ ነዚ ልኡኽ ዓዲሙ፡ ጋቢ ከዲኑን በትሪ ኣባ ገዳ ኣዕቲሩን ብምቅብጣር ከም ዝወጸሉ ምግባር እሞ “ብሓደ እምኒ ክልተ ዑፍ”  ከም ዝበሃል፡ በቲ ሓደ ወገን ምስ ህግደፍ ዘይምጽላእ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስቲ “ሰራዊት ኤርትራ ኣየውጻእካን” ክብሎ ዝጸንሐ ወገን ንምትዕራቕን በዂርዎ ዝጸንሐ ሓለፋታት ንምርካብን ዝወጠኖ ክኸውን ከም ዝኽእል ርኡይ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ናይ ብልጽግና ፈጻሚ ኣካል ናይ ክልላት ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቁ ከውርድ፡ ናይ ኦሮሞ ግና ንዝተወሰነ ግዜ ምስ ዕጥቁ ክጸንሕ ወሲኑ ኣሎ። ብወገን ኣምሓራ ድማ ኣንጻርዚ ውሳነ ብጐንጺ ዝተሰነየ፡ ሓያል ተቓውሞ የርኢ’ሎ። ፈደራል መንግስቲ ነዚ  ውሳነኡ ከተግብር ኣንጻር ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ናብ ምውሳድ ኣምሪሑ’ሎ። ስለዚ ህግደፍ ነዚ ጉዳይ ክርዳእ እሞ ምስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ምድግጋፍ ተቖጢቡ ኣብ ጐኒ  ብልጽግና ንክስለፍ ንምዕጋቡ ክኸውን ከም  ዝኽእል  ናይ ብዙሓት ግምት እዩ።

ልኡኽ ህግደፍ እንተኾነ’ውን ካብዚ ዝቐነየ ወደኽደኽን ዳንኬራን ክኸስቦ ዝተለሞ ከም ዝነብሮ ዘይግመት ኣይኮነን። ከምቲ ኩሉ ዝፈልጦ ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ገበናት ከም ዝፈጸመ፡ ካብ መንግስቲ ኣሚሪካ ጀሚርካ ክሳብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካላት ብቐጻሊ ይኽሰስ ኣሎ።  ኣዘዝቲ ሰራዊቱ ብጽንተት ሰባት ከይክሰሱ ብዝለዕለ ስግኣት ተዋሒጡ’ሎ። ተቐይዶም ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ከይቀርቡ’ውን ይፈርሕ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብዚ ንምህዳም ወጢንዎ ዘሎ  ንጉዳይ ሰብኣዊ ጥሕሰት ብደረጃ ኢትዮጵያ “ናይ መድረኽ ምስግጋር ፍትሒ”  መህደሚ ንክልቲኦም ዘድሕን ስለ ዝኾነ፡ ህግደፍ በዚ ልኡኹ ኣቢሉ ንብልጽና ከተባብዖ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ሕሳብ ዘየብሉ ናይ ምዝንጋዕ መገሻ  ነይሩ ጌርካ ምውሳዱ ግርህነት እዩ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሓደ ወገን ናይ መገሻ እገዳ ዘለዎም ከም ኣብረሃ ካሳ ዝኣመሰሉ ምዕዳሙ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ንዓኣቶም ዘእንገደሉ ድራር ንድሕሪት ተመሊሱ ቋንቋ ውግእን ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ዘመጉስን መደረታት ምቅልሑ፡ ኣብ ቅድሚ ምዕራባውያን ኮነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ዋጋ ከኽፍሎ እዩ። ምኽንያቱ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ውግእ ዝመርሑ ጀነራላት ኤርትራ ሎሚ’ውን “ናይ ሕማቕ ግዜ ሰብ ጽቡቕና” እዩ ኢልዎም።

እዚ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሓሉ፡ መደበር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ህንጸት ዓብይ ግድብ ኣባይ፡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ማእከል ፈደራል ፖሊስ፡ ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ኣሩሲ ዘሎ መንግስታዊ ሕርሻ ስርናይን ካለኦት ማእከላትን እውን በጺሑ እዩ። ኣብ ማእከልቲ ሰፊሕ ሕርሻ ብዝተሳእሎ መሰረት ኢና ድማ “ኣባ ጉንባሕሲ ዘይግራቱ ይኾልል” ዝበልናዮ። ኣብቲ ዝበጽሕዎ ትካላት ዝገልጽሎም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ክኢላታት፡ ንመብዛሕትኦም ደቂደቆም ምንባሮም ከኣ ንበሓትነት ስልጣን መራሕቲ ህግደፍ ዕርቃኑ ዘውጸአ መስሓቕ ትርኢት ነይሩ። ጀነራላት ህግደፍ ክምቲ ልማዶም ብውሽጦም፡ “ነዚ ስርናይሲ ካብ ዓውዱ እንተትወርሶ” እናበሉ ከም ዘንባህቑ ርዱእ እዩ።

ውሑዳት ተስፋ ዘይቆረጹ ኤርትራዊ ወገናት፡ መራሕቲ ህግደፍ ነዚ ዝበጽሕዎ ትካላት ሪኦምስ “ቅዱስ ቅንኢ” ደኾን ይሓድሮም? ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ሕልሚ ቀትሪ እዩ። ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዘይሃንጽን ዘየልምዕን፡ ናይ ካለኦት ተመኩሮ ስለ ዘይረኣየ ኣይኮነን። ክሃንጽን ከልምዕን ከም ዝነበሮ ድማ ኢሳያስኳ ኣብ ቃለ-መጠይቓቱ ኩሉ ግዜ “ከምዚ ክግበር ነይርዎ” እናበለ  እዩ ኣዝኒ  ሰማዕቱ ዘጽምም። እንተኾነ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ሃገር ናይ ምህናጽን ምልማዕን ሕልናኡ ዓሪቡ ስለ ዝኾነ፡ በቲ “ዘይቅዱስ” ሕልሙ ምቕጻል እንተዘይኮይኑ፡ “ቅዱስ ሕልምስ” ኣይክሓድሮን እዩ እሞ ንቕበጾ። እቶም ቅዱስ ቅንኢ ሓዲሩና፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ኣማዕቢልና ህዝብና ካብ ጭቆና ከነናግፍ ዝግበኣና ንሕና እቶም ናይ ለውጢ ሓይልታት ኢና።

ኤርትራውያን ምእንቲ ናጽነትና ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ዘካየድና ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ምንባር  ስለ ዝመረረና ኢና። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር መሪር ዝኸውን ናይቶም ገዛእቲ ጓኖት ምዃን ጥራይ ዘይኮነ ዝኽተልዎ ስርዓተ-ምሕደራ ዘየናሕሲ ዘይሰብኣዊ ብምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ምረት ኣብ መዋእል ኩሎም ተኸታተልቲ ገዛእቲ ሓይልታት ተገንዚብዎ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ገዛእቲ ፍልልያቶም ኣብ ንኡሳን ኣፈጻጽማታት እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኩሎም ጨካናትን ጨቆንትን እዮም ነይሮም። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱ ክቃለስ ዝወሰነ ከኣ ብስምዒትን ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ከጋጥም ዝኽእል ውረድ ደይብን ምኽፋል ክቡር ዋጋን ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ ካብ መኽተ ሓሊፉ ካልእ ምርጫ ስለ ዘይነበሮ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሰ ጭቆና ገዛእቲ ስለ ዝመረሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝነበሮ ናጻ ሃገር ናይ ምውናን ሕጋውን ታሪኻውን መሰረት ብሓያላት  ስለ  ዝተጠልመ እውን እዩ። ናጽናት ኤርትራ ካብ ናይ ምዕዋቱ ምስጢራት ሓደ ከኣ፡ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓዊ ስለ ዝነበረ እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጋውን ታሪኻውን መሰረት ዘይነበሮ ኣብ ሓይልን ተዋጊእካ ምስዓርን ጥራይ ዝተንጠልጠለ እንተዝነብር፡ ንኤርትራ ከምዚ ንሶማሊ ላንድ ኣጋጥምዋ ዘሎ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ኣፍልጦ ናይ ዘይምርካብ  ዕንቅፋት መጋጠማ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሕጋዊ ባይታን ሓቀኛ ታሪኽን ዝተሰረተን  ብክቡር መስዋእቱ ዝተረጋገጸን ናጽነቱ፡ ብመንገዲ  ረፈረንደም ብናይ 99.83% ዓብላሊ ናይ “እወ ንናጽነት”  ድምጹ ልኡላውነቱ ከመዝግብ ኣይተጸገመን።

ምርግጋጽ ናጽነት፡ ውሑስን ቀጻልን ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሓርነት ክትሃንጽ መሰረታዊ ቅድመ ኩነት እዩ። ነጻነት ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ብዛዕባ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ማህበራዊ ርግኣት፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ውሑስ ሰብኣዊ መሰልን ከተዕውት ዘይከኣል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዘይሕሰብ እዩ። ምስዚ ግና ምስ ምርግጋጽ ናጽነት ከም ውሁብን ርዱእን ኩሉ ሓርነታትን መሰላትን ይእመም እምበር፡ ይረጋገጽ ማለት ኣይኮነን። ምእንቲ ናጽነትን ካለኦት መሰላትን ሓርነታትን ዝግበሩ ቃልስታት ነናቶም ምዕራፋት ዘለዎምን ነናቶም ግዜ ዝወስዱን ዋጋ ዘኽፍሉን ይጽናሓለይ ዘይበሃሉ እዮም። ስለዚ ክልቲኦም ምዕራፋት ቃልሲ ዝመጋገቡ እምበር እቲ ሓደ ካብቲ ካልእ ነጻጺልካ ዝረኣዩ ኣይኮኑን። ኤርትራውያን ዝሓለፍናዮ፡ ንሓልፎ ዘለናን ኣብ መጻኢ ዝጽበየና ዘሎን  ህይወት ድማ ነዚ  መስካሪ እዩ።

እዚ ሎሚ ንኹለ-መዳያዊ ሓርነት፡ ራህዋ፡ ዕቤትን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ነካይዶ ዘለና ናይ ድሕሪ ናጽናት ቃልሲ፡ ካብቲ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝወሰደልና ግዜ ዝነውሐን ካብቲ ሽዑ ዝኽፈልናዮ ዋጋ ዝኸበረን ዝበዝሐን ክሓተና እዩ ዝብል ናይ መብዛሕትና ግምት ከምዘይነብር ርዱእ እዩ። ናይዚ ምኽንያት ከኣ ብክንድቲ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ንህዝቢ ዝጠልምን ዝያዳ ገዛእቲ ጨካንን ጠላምን ኤርትራዊ ሓይሊ ክመጽእ ይኽእል እዩ ዝበል ትጽቢት ናይ መብዛሕትና ዘይምንባሩ እዩ። ብግብሪ ግና  ከምቲ ውሑዳት “ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ዝበሃል ሰማዒ እዝኒ ኣይረኸቡን እምበር፡ ብዓንተብኡ  ዝጠርጠርዎን ዝተቓለስዎን፡ ህግደፍ ንህዝብናን ሃገርናን “ዳርጋ ግዜ መግዛእቲ ናብ ዘናፍቕ” ደልሃመት ኣጥሒልዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ቀደም እውን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ወጽዓ ንዘይምንባር እዩ ተቓሊሱ እሞ፡ ሎሚ’ውን  መሪጽዎ ዘይኮነስ ተገዲዱ፡ ኣንጻር ኣርዑት ህግደፍ  ይቃለስ እነሆ። ህዝብና ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱኳ ናጽነቱ ዘረጋገጸ፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ’ውን ብዘይጥርጥር  ተዓዋቲ እዩ።

ሎሚ ብሰንኪ ምረት ወጽዓ ህግደፍ ድሕሪ ናጽነት፡ ገለ ኤርትራዊ ወገናት ብውልቂ ይኹን ብእኩብ  ኣብ ኣድላይነትን ዘይኣድላይነትን ናጽነት ክማትኡ ይስምዑ ኣለዉ። ከምቲ ነርእስትና “ጠንቂ ህልዊ ጸገምና፡  ኣይኮነን ናጽነትና“ ዝበልናዮ፡ ናይ ኩሉ ጸገማትና ጠንቂ ዘይፍትሓዊ ምምሕዳር ህግደፍ ክነሱ፡ ብሰንኪ ናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ምውናና ዝወረደና ዘሎ ሳዕቤን ገይሮም ዝወስድዎ ኣለዉ። ካብዚ ነቒሎም ንመስርሕ ቃልሲ ንናጽነትን ንክብሪ ናይቶም ኣብቲ ጉዕዞ ዝተሰውኡ ሓርበኛታትን ዘነኣእሱ ስምዒታት እውን ክንጸባረቑ ንዕዘብ ኣለና። “ብኻ እዛ ናጽነት እዚኣ ተሪፋ፡ ምስ መግዛእቲ ተመሳሲልና መነበርና” ብዝብል ኣስማት ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ኤርትራ ዝነበሩ ስርዓታት ዘኮማስዑ እውን ኣይተሳእኑን። እዚ ስምዒታት ሕድሪ ስዉኣት ተረኪብካ ግቡእካ ናይ ዘይምፍጻም ድኽመትካ መሸፈኒ ከይከውን ኣስተብህሎ ዘድልዮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ናይቶም ኤርትራዊ ሃገርነትን ሓድነትን ዘይተዋሕጠሎም መዕለበጥቲ መዳመቒ ምዃን’ውን እዩ።

“ተረጋጊጻ ዘላ ናጽናት እታ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጸበያ ዘይኮነት ህግደፍ ንዓኡ ዝሰርሓ እያ” ዝብሉ ኤርትራዊ ወገናት እውን ኣለዉ። ኣብዚ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ እንተዘይኮይኑ ህግደፍ ናጽነት ኣየምጸአን። ህግደፍ ንናጽነት ካብ ህዝቢ ጨውዩዋ ንምባል እንተኮይኑ ግና ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። እቲ መፍትሒ ከኣ ብቃልሲ ዝተዓመጸ ናጽነትካ መሊስካ ዲሞክራስያዊ ሓርነት ምልባስ እምበር፡ ብውዲታት ናይቲ ተቓሊስካ ክትስዕሮ እትኽእል ዓመጸኛ ጉጅለ ተስፋ ቆሪጽካ ኣብ  ናጽናት ተዋጊኻን ተጣዒስካን ንድሕሪት ምምላስ  ኣይኮነን።

ብዛዕባ ኣገዳስነት ናጽነት ኣብ ዝግበር ክተዓት፡ ንናጽነት ዘይድግፉ ወገናት “ናጻ ሃገር ምዃን ማለት እኮ ከም ኤርትራ ምዃን እዩ” ዝብል ተስፋ ናይ ዝቖረጹን ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ክርድኡ ዘይከኣሉን ድምጽታት ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ናጽናት ረኺብካ ሓርነት ናይ ምስኣን ኣብነት ምዃና ከኣ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕድላትን ብደሆታትን ኣዝዩ ዕዙዝን ፈታንን ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ስዉኣትና፡ ናጽነትናን  ታሪኻዊ መስርሕ ቃልስና ምእንቲ ናጽነትናን ኣነኣኢስናን ማእዝና ስሒትናን መፍቶ ህግደፍን ብናጽነትና ዓይኖም ደም ዝነብዕን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክንከውን ኣይግበኣናን። ኣብ ክንዳኡ ንናጽነትናን ምእንታኡ ዝተገብረ ቃልስን ዓቂብና፡ ናጽነት ኤርትራ ጠንቂ ህልዊ ጸገምና ዘይኮነ መሰረታዊ መንጠሪ ንመጻኢ ሓርነትና ምዃኑ ብምሉእ ልቦና ኣሚና ንቀበል። እታ መፍቶ ኢሳይስን ጉጅለኡን ኮይና ዘላ ናጽነትና ናይ ብሓቂ ናይ ህዝባ ክንገብራ ድማ ቃልስና ብሓድነት ካብ ምቕጻል  መተካእታ የብልናን።

ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ሃላዋት ኤርትራን ተግባራት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝባን ክለዓል እንከሎ፡ “ዘይተነግረ እምበር፡ ዘይተገብረ በደል የለን” ዘብል እዩ።  እቲ ከም ሓድሽ  ዜና ዝኸውን ኣየጋጥምን እምበር፡ ኣውንታዊ ምዕባለ እንተዝረአ ምኾነ። ኣብ ሃገርና ኣውንታውን ኣሉታውን ተርኽቦታት ህግደፍ ከተወዳድር እንተፈቲንካ፡ እቲ ኣሉታዊ ብብዙሕ ሸነኻቱ ከም ዝዕብልል ዘወላውል ኣይኮነን። እዚ  ናብ “ኩሉ ተግባራቱ ኣሉታዊ ኢዩ” ዝብል ሚዛን ዘብጽሕ’ውን ኢዩ። ዲክታተር ኢሳያስ እውን ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ካብ ንቡር ኣገባብ ወጻኢ ብዝኾነ፡ እንዳተቖራረጸ ሓደ ወርሒ ዝወሰደ ቃለ-መጠይቑ ነቲ “ኩሉ ኣሉታዊ እዩ”  ዝብል፡ ንኹሉ “ኣይተገብረን ኣይተሰርሐን” ብዝብል  ኣረጋጊጽዎ እዩ።

ኣብ ተመኩሮ ህግደፍ ዘየለኻ ክነስኻ፡ ዓይንኻ ብጨው ተሓጺብካ፡ ንሓደ መላኺ ክትብል “ኣለኹ እምበር”  ዝብል ሓሶትን ምህዞን ዝተለምደ መታለሊ እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታትኳ፡ ሕገመንግስትን ተዛመድቲ ሕግታትን ኣብ ዘይብላን ውልቀ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣብ ዝተሰርዓላን ሃገር ኤርትራ “ሚኒስተር ፍትሒ እየ” በሃሊትን ሓንቲ ካብ መጋበርያታት ኢሳያስ ዝኾነትን ፎዚያ ሓሽም ከይሓፈረት ብዛዕባ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ኣብ ኤርትራ ከተላግጽ ቀንያ። ፍትሒ ኣብ ዘይብላ ሃገር “ናይ ፍትሒ ሳምንቲ” ክዝከር እውን ተዓዚብና። እዚ ካብ ሓሶት ሓሊፉ ዕዉር ድርቅና እዩ።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቁጠባን መነባብሮ ህዝብን መሬት ዝዘበጠ ምዃኑ እንዳ ኩሉ ኤርትራዊ መስካሪ እዩ። ህግደፍ  ሓቀኛ ንክመስል ናብቲ ውድቀት ዘብጸሐ ዝበሎ ምኽንያታት ክምህዝ ደኣ ኮለል ይብል እምበር፡ ነቲ ኣብ ቁጠባን መነባብሮን ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ውድቀት ብናይ ደገ ሓይልታት ኣማኻንዩኳ ክኽሕዶ እንተፈተነ እቲ ጠንቂ ንሱ ምዃኑ ክሓብኦ ኣይከኣለን። ዝተፈላለዩ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን እውን ብኹሉ መለክዒ ቀጥዕታት ንቑጠባ’ውን ኩለ መዳያውን ድቀት ኤርትራ በብግዜኡ መጽናዕታዊ ምስክርነቶም ዝሃብሉ እዩ።

ናይዚ ቁጠባዊ ድቀት ጠንቂ ስእነት  ተፈጥሮኣዊ  ሃብቲ ወይ ዘይህርኩት ህዝቢ ዘይምዃኑ፡ ርዱእ ስለዝኮነ፡ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ክሕብሮ እትጽበዮ ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ህግደፍ  ክሕብረና ዝነበሮ ስለምንታይ ንሱ ጠንቂ ቁጠባዊ ድቀትን ድኽነትን ኤርትራ ከም ዝኾነን መፍትሒኡን ክኸውን ምተገብኦ። እንተኾነ እቲ ጉጅለ  ኮለል ካብ  ምባል ሓሊፉ፡ ነቲ ሓቂ ናይ ምግላጽ ድፍረት ኮነ ግሉጽነት የብሉን። ኣብ ሃገረን ክሰርሓ ዝግበአን ዝነበራ ኤርትራዊ ኣእዳውን ርእሰ-ማለን ኣሲርወን ከብቅዕ፡ ስለምንታይ ደጋጊሙ “ኣብ ኩሉ ጽላታት ኣይተሰርሐን” እናበለ ተመሊሱ ሕቶታት ምዝርዛሩ  ዘገርም እዩ።

ህግደፍ ከምቲ “ኣይበልዓኪ ወይ ንበላዒ ኣይህበኪ”  ዝበሃል፡ ባዕሉ እዩ ኣፍደገታት ዕቤትን ወፍሪ ኣብ ንግዲ፡ ሕርሻ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ካለኦት መዳያት-ምዕባለን ብሒቱን ዓጽዩን ንህዝብና ሓኒቕዎ ዘሎ። በዚ ዕጽዋ ዓቕሎም ዝጸበቦም ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ወላዲት ሃገሮም ራሕሪሖም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተሰዲዶም ዕዉት ወፍርታት የካይዱ ኣለዉ። ነዚ ኣዳዕዲዑ ዝፈልጥ ሕሉፍ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ነቶም ትማሊ ኣብ ኢዱ ዝነበሩ እሞ ምሕጽንታኦም ነጺጉ  ኢደ-እግሮም ምስ ኣሰሮም ከይፈተዉ ዓዲ ክለቁ ዝተገደዱ ኣውፈርቲ፡ ሎሚ ተመሊሶም  ሃገሮም ከልምዑ ከምለሲሉ ክጽወዖም ሰሚዕናዮ። እዚ “ልጓም ፈኒኻ በቕሊ ተይ-ተይ” ዘብል እዩ። እቲ መጸዋዕታ ልቢ ግሩሃት ሰሊብካ ግዜ ንምዕዳግ እምበር ናይ ብሓቂ ከምዘይኮነ ተገማቲ እዩ።

ኢሳያስ ካብቲ ዘይሓፍር ምዃኑ ዘረድእ ኣበሃህላኡ፡ ኣብ ኤርትራ ወጻእተኛታት ከውፍሩ ዝኽእሉን ዘይክእሉን ምዃኖም ተሓቲቱ፡ “እወታ ዘእንፍት” ናይ ላግጺ መልሲ ምሃቡ እዩ።  በቲ ሓደ ወገን ዜጋታታ ኣብቲ ዘመሓድሮም ኣካል እምነት ኣጉዲሎም ካልእ ምርጫ ከናድዩ ኣብ ዝተገደድሉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ካብ ሕገመንግስቲ ጀሚርካ ኩሉ ሕግታት ኣብ ዘይብላ ሃገር፡ ወጻእተኛታት ንዋቶም ውሕስነት ኣብ ዘየብሉ ከውፍሩ ምሕሳቡ የገርም። “ላምሲ ብኢዳ ዝቐርባ ብእግራ ትሓክኽ” እውን ዘብል እዩ። ኤርትራ ዜጋታታኳ ክነብሩላ ውሕስነት ስኢኖም ከም ዝስደዱ ዝርድኡ ወጻእተኛታት “ኣብ ሃገርና ኣውፍሩ” ኢልካ ምጽዋዕ ክሳብ ክንደይ ኣተሓሳስባኡ ናይ ዝተመዛበለ ኣካል እምንቶ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ነቶም ትማሊ ንሓንሳብ “ሓተላ”፡ ንሓንሳብ ድማ “ናይዚኣቶም ካብ ሃገር ምውጻእ ሕመቕካ ምርጋፍ እምበር ዝፈጥሮ ተጽዕኖ የብሉን” እንዳበለ ደፋፊኡ ዘፋነዎም፡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ተሰዲዶም ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት’ውን ክጽወዖም ኣይሓፈረን። እቲ ዘገርም ከኣ ኩሉ ሃሙን ቀልቡን ምስ ገንዘብ ስለ ዝኾነ፡ “ኣብ ወጻኢ ዘለዉ መንእሰያት ክንደይ ምዃኖምን ናይ ገንዘብ ዓቕሞምን መዝጊብና ክንፈልጦም ይግበኣና”  ክብል ምስምዑ ከኣ ካልእ መስደመም እዩ።

ካብዚ ንላዕሊ ብዛዕባ ጥልመትን ዓመጽን ህግደፍ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝርዝር ምቕራብ “ንቐባሪ ምርዳእ” እዩ ዝኸውን። ገበናት ህግደፍ  ክሳብ  ሎሚ በጺሕዎ ኣብ ዘሎ ጠጠው ዝብል ከምዘይኮነ፡ ኣቐዲምና እንፈልጦን ኢሳያስ ኣብ ናይዚ ቀረባ ግዜ ቃለ-መጠይቑ ተረጊጹ  ዝደርጐሓልና እዩ። ከምቲ ስነጥበባዊ ነፍሰ-ሄር ኣብርሃም ኣፈወርቂ፡ “ነቲ ሕማቕ ዝሓመቐ ኣለዎ” ዝበሎ፡ እቲ ጉጅለ ንህዝብናን ሃገርናን ካብዚ  ናብ ዝኸፈአ ክወስዶም ከም ዝኽእል ምልክታቱ ይረአ ኣሎ። ኣዕሚቕካ ክረአ እንከሎ፡ ህዝብና በቲ ኣብ ጐረባብትና ዝተኣጉደ ሓዊ ዝተሸልበቦ ከይኣኽሎ፡ ግዳይ ሳዕቤን ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ከይገብሮ ዘየስግእ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ሱዳን ሲቪላዊ መሰጋገሪ ምምሕዳር ንከይምስረት፡ ሶማሊያ ካብ ጐረባብታ ሃገራት ንክትንጸልን ኢትዮጵያ በቲ ጀሚራቶ ዘላ ጸገማታ ብሰላም ናይ ምፍታሕ መንገዲ ከይትቕጽልን ዝፍሕሶ ዘሎ  ናይ ስግኣት ተንኮላት ሳዕቤኑ ብቐሊሉ ዝረአ ስለ ዘይኮነ፡ ህዝብና ክሓስበሉን እምቤታኡ ከስምዕን እዋኑ  እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊኡ ዝፈጸሞ በደላት ክመልሶ ኣይክእልን እዩ። ክምኮረሉን ክመሃረሉን ግና ይኽእል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ሕጂ ተቓውሞኡ ውሒጡ፡ ልቢ ኣዕብዩ ምጽቃጥ መፍትሒ ከምዘየምጽኣሉ ህግደፍ ባዕሉ እውን ኣርእይዎ እዩ። ሎሚ ቀንዲ ዕማም ህግደፍ ምስ ናይ ቀረባን ርሑቕን ናይ ግዳም ወገናት ብህልኽ ጽልኢ ኣብ ምጽሕታር እምበር፡ ኤርትራዊ ዛዕባ ዋኒኑን ጉዳዩን ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ  ነቲ ስቕታ ሰጊርካን ካብ ህዝብታት ጐረባብቲ ሃገራት ተመኲርካን  ንህግደፍ ብጋህዲ ኣብ ኣደባባይ ነቲ መሪር ሓቂ  ክትነግሮ ኣብ እትግደደሉ ደረጃ ከም ዘለኻ ክትርዳእ ነዘኻኽረካ።

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ገበናት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ)፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝቃላዕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህግደፍ ብዝፍጽሞ በደላት ኣብ ዓይኒ ሕብረተሰብ ዓለምን ዓበይቲ ብዲሞክራስን ሰብኣውነትን ዝግደሱ ትካላትን ካብ ዝኣቱ እውን ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ሕብረተሰብ ዓለምን ንገበናት ህግደፍ ዝርእይሉ መነጸርን ዝቓንይሉ መምዘንን በበይኑ ምዃኑ ከኣ ኣብ ተመኩሮና ክንከታተሎ ዝጸናሕና እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ “ገበነኛ እዩ” ክብሎ እንከሎ፡ ሚዛኑ ርትዓውን ብመንጽርቲ ኣብ ኩለ መዳያዊ ባይታ ኤርትራ ክርአ ዝጸንሐን ዘሎን ናይቲ ጉጅለ ጨካን ተግባራት እዩ።  ብመሰረቱ ህግደፍ ነቲ ክቡር ዋጋ ከፊሉ ሃገሩ ናጻ ኣውጺኡ ሓርነትን ፍትሕን ሃንቀው ዝብል ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ጠሊምዎ እዩ። ካብቲ ስዉኣት ክስውኡ እንከለዉ ዝገድፍዎ ሕድሪ፡ ብኣንጻሩ ደኣ ከይዱ እምበር ንዋላ ሓደ ኣየኽበረን። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ብሰንኪቲ መጀመርታኡ እምበር መወዳእታኡ ዘይፍለጥ ግዱድ ውትህድርና፡ ክመሃሩ፡ ክሰርሑን ማሕበራዊ ህይወት ክሰርዑን ስለ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ክንዲ ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ፡ ኣደዳ ስደትን ዝተፈላለዩ ብድሆታቱን ይኾኑ ኣለዉ። ብዘይድሌቶም ምስተዓስከሩ ኣብ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ውግእ ዝሞቱ፡ ዝሰንከሉን ዝተማረኹን ኤርትራውያን ብዙሓት ምዃኖም ኣይኮነንዶ ካብ ኤርትራዊ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም’ውን ዝሕባእ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ህግደፍ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝፍጽሞ ገበናት እውን ኣይሓዝንን እዩ ማለት ኣይኮነን።

ኣብ ገዛእ ሃገሮም ገንዘቦም ኣውፊሮም ንገዛእ ርእሶም ክረብሑን ሃገሮም ክሃንጹን ዝግበኦም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰብ ሃብቲ ብህግደፍ ዕድል ምስተነፍጎም፡ መተካእታ ስኢኖም ኣብ ኤርትራ ክፈስስ ዝነበሮ ሃብቲ፡ መማዕበሊ  ቁጠባ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ክገብርዎ ይግደዱ ኣለዉ። ኣብ ዓዶም ዝሰኣንዎ ክብረት፡ ዕድልን መሰልን ብጐረባብቲ መንግስታት ክረኽብዎ እንከለዉ ከኣ ገበናት ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ንዜጋታቱ ኣቐንዛዊ ከምዝኸውን ዘገንዝብ ኢዩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ኣውፈርትን ላዕለዎት ሰብ መዚ ኡጋንዳን ብዛዕባ ኣተገባብራን ኣመዓባብላን ወፍሪ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዘካየድዎ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ከኣ ሓደ መርኣያ  እዩ። ኣብ ደቡብ ሱዳንን ኣንጎላን ዘለዉ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ዘተሓሳስብ ከኣ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ከይኣኽሎ፡ ኣብ ዘዝኸድዎ እናሰዓበ ከዕንቅፎም ዝፍትን ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ገበናት ናይቲ ጉጅለ በዚ ዝተጠቐሰ ዕንቅፋታትን ዝኣመሰሉ ጭካነታትን እዩ ዝመዝኖ። ምምዛን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርእሲቲ ካብዚ ገበናት ክናገፍ ባዕሉ ዘካይዶ ቀጻሊ ፍትሓዊ ቃልሲ፡ ብሓፈሻ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ እቶም ጽልዋ ናይ ምሕዳር ልዕልና ዘለዎም ትካላትን መንግስታትን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከሕይሉ ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ  ዘማርር ናይቲ ህግደፍ ዝፍጸሞ ገበናት ቀዳማይ ግዳይ ስለ ዝኾነ እዩ።

ምዕራባውያን ኣጻብዕተን ኣንጻር ህግደፍ ካብ ዝቕስራ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ኢለን ከም ዘጠመቐኦን ድማ ዝዝከር እዩ። ናብዚ መደምደምታ ዝበጸሓሉ ቅኒትን መበገስን ግና ካብቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘቤታዊ ኣጠማምታ ዝፍለ እዩ። ንሳተን ገበነኛ ተግባር ህግደፍ ንምምዛን ቅድሚት ዝሰርዐኦ መዕቀኒ ብመንጽርቲ በብግዜኡ ዝኽሰት ዞባውን ዓለምለኻውን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ኣብ ረብሓአንን ክብረንን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ዝቃነ እዩ። ንህግደፍ ብቐዳምነት ዝረግመኦን ዝቐጽዐኦን ከኣ ብመንጽርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ገበናት ከምዘይኮነ ፍሉጥ  እዩ።

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብ2009 ኣብ ልዕሊ ህግደፍ  ዘመሓድራ ዘሎ ኤርትራ እገዳ ወሲኑ ነይሩ። ብ2018 ድማ ብመንጽርቲ ዘይብሱልን ዘይግሉጽን  ዝምድና ኢሳያስ ኣፈወርቅን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብምርኣይ  ነቲ እገዳ ኣልዒልዎ። ኤርትራውያን ነቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣይተቓወምዎን። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ እገዳ  ክኸውን ዝነበሮ፡ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ገበን ዳርጋ ተዘንጊዑ፡ “ህግደፍ ኣብ ሶማሊያ ምስ ኣልሸባብ ተሓባቢሩ” ዝብል ግዳማዊ  ጠንቂ ጥራይ ኮይኑ ምቕራቡ፡ ግቡእ ሚዛን ከምዘይነበረ ኣብቲ እዋኑ ስምዕታኦም ኣቃሊሖም እዮም። ኣብ ኤርትራ ገበናት ጉጅለ ህግደፍ ርኡይ እናሃለወ እቲ እገዳ ብ2018 ምልዓሉ ከኣ ንምእጋድን ዘይምእጋድን ገበናት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣብ ግምት ከምዘይኣተወን  ከምዝተዘንግዐን  ዘርኢ ነይሩ።

ህግደፍ ድሕሪ ኣብ ውግእ ትግራይ ምእታዉ እንደጋና ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ጸጥታውን ሓለፍቱን ናይ ንግዲ ትካላቱን እገዳ ተወሲኑ። ናይዚ እገዳ ጠንቂ እቲ ኣብ ትግራይ ዝኽሰሰሉ ዘሎ እሞ “ናብ ደረጃ ገበን ጽንተት ደይቡ ድዩ ኣይደየበን” ንምጽራዩ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ላዕልን ታሕትን ዝበሃለሉ ዘሎ ዝተፈላለየ ገበናትን ዓመጻትን እዩ። እዚ ገበናት ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ብህግደፍ ካብ ዝፍጸም ነዊሕ ግዜ ዝገበረ ክነሱ፡ በቶም ገበናት ዘጻርዩን እገዳ ዝውስኑን ኣካላት ግቡእ ክብደት ተዋሂብዎስ ኣብ ግምት ዝኣተወ ኣይመስልን። ገበናዊ ተግባራት ናይቲ ጉጅለ፡ ካብ ሱዳን፡ ትግራይ ወይ ሶማሊያ ናብ ኤርትራ ዝፈስስ ዘይኮነ፡  ኣብ ኤርትራ ምስ መልአ ናብዘን ጐረባብቲ ክፈስስ ዝጸንሐ  እዩ። 

እቶም እገዳ ዝውስኑ ኣካላት ንኤርትራዊ ዘቤታዊ በደላት ኣብ ቅድሚት ካብ ዘይሰርዕሉ ምኽንያት ሓደ፡ ናታቶም እስትራተጅያዊ ልዕልና፡ ክብርን ተሰማዕነትን ስለ ዘቐድሙ እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ብገበናት ህግደፍ ይሳቐ ከምዘሎ ስለዘይርድኡ ኣይኮኑን። እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ ንሕና  ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን፡ ንገበናት ህግደፍ ብኽንድቲ ክኾኖ ዝግበኦ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ከነቃልዖ ዘይምብቃዕና እዩ። ሎሚ እውን ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ከቢድ እገዳ ናይ ምውሳንን ብዝፈጸሞ ገበን ናይ ምኽሳስን ምልክታት ይቀላቐል ኣሎ። ስለዚ “ገበናት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከይዝንጋዕ” ናይ ምዝኽኻርን ምምሕጻንን እቲ ቀንዲ ህግደፍ  ክቕጸዓሉ ዝግባእ ጠንቂ ኮይኑ ንኽቐርብን ክንሰርሓሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ናይ ሓይልታት ለውጢ ዕማም እዩ።

 ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ኤርትራውያን እቲ ምእንቲ ናጻነት ዝገበርናዮ ነዊሕን መሪርን ናይ ቃልሲ ጉዕዞ፡ ንካልኦት በሃግቲ ናጽነት  እውን፡ ናይ ጽንዓትን ተወፋይነትን ኣብነት ክኸውን ብዝኽእል ደረጃ ኣዕዊትናዮ ኢና። ብዝሒ ህዝብና፡ ብቕዓት ዕጥቅና፡ ንዋታዊ ትሕዝቶናን ዲፕሎማሲያዊ ርክባትናን ኣብ ግዜ  ቃልሲ ዝተዓዘቡ እሞ ናይ ምዕዋትና ምስጢር እንታይ ምንባሩ ዘገረሞም ብዙሓት እዮም። ንሕና ዋናታቱ ከም እንርደኦ ግና፡ እቲ ሓቀኛ ናይ ምዕዋትና ምስጢር ብመሰረቱ ሕቶና ፍትሓዊ ምንባሩ ክኸውን እንከሎ፡ ዝሓዝናዮ ናይ ቃልሲ መንገዲ ቅኑዕ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ከኣ  ክቡር  ምንባሩ እውን፡ ንምዕዋትና እጃም ነይርዎ እዩ።

ኣብ ጉዕዞ ቃልስና እቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበረና ሓያል ግጥም ጥራይ ዘይኮነ፡ ውሽጣዊ ጸገማትን ሓጐጽገጽን እውን ነይሩና እዩ። እቶም ውሽጣዊ ጸገማትና ንመሰረታዊ ዕላማናኳ እንተዘይኮለፍዎ፡ ኣብ ምድንጓይ ዓወትና ግና  ግደ ኣይነበሮምን ማለት ኣይኮነን። ጸላእትና እውን ኣይተዓወቱን እምበር፡ ነዚ ድኹም ጐድንና ንምስፋሕን ቃልስና ንምምካንን ኩሉ ዝከኣሎም ገይሮም እዮም። እቲ ተጣዒስካ ክምለስ ዘይክእልን ኣብ ታሪኽና ጸሊም በሰላ ገዲፉ ዝሓለፈን፡ በብግዜኡ ዘጋጠመና “ውግእ ሕድሕድ”  ንኣብነት ዝጥቀስን መንእሰይ ወለዶ ክመሃረሉ ዝግበኦን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ፡ ካለኣይ ምዕራፍ ኮይኑ፡ ናይ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ኣውንታዊ ውርሻ ዘይዝንግዕ፡ ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ፡ ምውሓስ ሰላም፡ ምትካል ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ህዝቢ ዝማእከሉ ዕቤት ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ምህናጽን እዩ። ካብቲ ዝሓለፈ ምዕራፍ ዘይፍለ  ፍትሓውን ተዓዋትን እውን እዩ። ምኽንያቱ መሰረቱን ዋንኡን ህዝቢ ስለ ዝኾነ። ናብቲ መሰረታዊ ሸቶ ብምብጻሕ ዓወት ንምቅልጣፍ እምበኣር፡ “ነቲ  ዘደናጐየና መንገዲ እንተዘይኣዕሪናዮ!” ውሕስነት የብልናን። 

ካብቶም ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ሓርነት ቃልሲ ብጥንቃቐ ክንሕዞ ዝግበና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ንምጥጣሕ እንገብሮ ዘለና ቀጻሊ ጻዕሪ እዩ። ምኽንያቱ ቅድም ኮነ ሎሚ ሓደ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር በይኑ ከዕውቶ ኣብ ዘይክእለሉ ኩነታት፡ ንሓቢርካ ምቅላስ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብሉ። ሓቢርካ ምቅላስ ህግደፍ ንምስዓር ቀንዲ ቅድመ ኩነት ምዃኑ፡ ብክለሳ ሓሳብ ደረጃ ኣብ ምርድዳእ ካብ እንበጽሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እዚ መሰረታዊ ተረደኦ ሎሚ ኣባና ዝጅመር ዘሎ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ብዙሓት ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣኽቢሮም ተቓሊሶም  ዝተዓወቱ ዝተራእየ እዩ።  ነቲ ክለሰ ሓሳባዊ ግንዛበና ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘካየድናዮምን ጌና ኣብ መስርሕ ዘለዉን ፈተነታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ክሳብ ሎሚ ካብቶም ፈተነታት፡  ዘዕግብ ውጽኢት ኣየመዝገብናን። ምኽንያቱ እቲ ናብቲ ንደልዮ መስርሕ ምውሓስ ሓባርዊ ምቅላስ  ክንከደሉ ዝጸናሕና መንገዲ ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ። ሕጽረትና እዚ ካብ ኮነ፡ ኣብ ቅድሜና ካብቲ ክንከዶ ዝጸናሕና ዝተፈልየ ኣገባብ ሃሰስ ክንብልን ዝያዳ ሓላፍነትን ምጽውዋርን ከነጥርን ኣብቲ መስርሕ ከጋጥሙ ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ኣለሊና ከነዕርን  ዘይስገር ኮይኑ ኣሎ። በቲ ዘለናዮ ዘይሰርሐ ስምዒታት እንተቐጺልና ግና ውጽኢቱ እቲ ከጋጥማና ዝጸንሐ  ዘይምዕዋት እዩ ክኸውን። ምኽንያቱ ካብ ተመሳሳሊ ዘርኢ ተመሳሳሊ እቶት ክትሓፍስ ግድን ስለ ዝኸውን። በየናይ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ሓድነትና  ኣንጻር ህግደፍ እንዕወተሉ ፍቱን መሳርሒና ካብ ኮነ፡ ህግደፍ ካብ ስዕረት ንምድሓን ኣንጻር ሕድነትና ኩሉ ዝከኣሎ ኣእማን ካብ ምድርባይ ዓዲ ከምዘይውዕል እውን ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብቲ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ንምፍጣር እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ ድኽመታትና ከርኣየሎም  ካብ ዝጸንሑ ዛዕባታት፡ ቀዳምነታት ቃልስኻ ዘይምንጻርን ናይ ሎምን ጽባሕን ዕማማትካ ምድውዋስን፡ ፍልልያትካ እተመሓድረሉ ዝተጸንዐ ቀጥዒ ዘይምቕያስን ኣብቶም ዘሰማምዑኻ ንምትካል ዘኽእል ምትእምማን ዘይምጥራይ ንኣብነት ዝጥቀሱ እዮም። ከም ፖለቲካዊ ውዳበታት ሓላፍነት ወሲድካ ክትውግኖም ዝግበኣካን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ክውሰኑ ዝግበኦምን ከተነጽር ዘይምብቃዕ እውን፡ ሓቢርካ ኣንጻር ሕሉፍ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጸቢብ ዓንኬሉን ከይትቃለስ ዝዕንቅጽ እዩ። እቲ ሓቢርካ ንምቅላስ በብግዜኡ ዝእመም፡ መጻኢ “ብኸመይን ብመንን ይመራሕ” ዝብል ምጽብጻብ ከኣ ከምቲ “መርዓዊ ከይሓዛስ ዓርኪ ይሕዛ” ዝባሃል፡ ዓቢይ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ሕዱር ሕማም  እዩ።

ስለዚ ኣብዞም ዝተጠቕሱ ዛዕባታት፡ ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ መዚና ዝተጸንዐ፡ ሓዳግ፡ ሓላፍነታውን ኣራምን ስጉምቲ ክንወስድ እንተዘይበቒዕና ኣብቲ እንብህጎ ዘተኣማምን ናይ ሓባር መኣዲ ቃልሲ ክንበጽሕ ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ “ዋላኳ ርሑቕ እንተተጐዓዝካ እቲ ዝሓዝካዮ መንገዲ ግጉይ እንተኾይኑ፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ኣርሞ።”  ዝበሃል፡ ናብቲ ንቡር ተመሊስና ሃጓፍና ክንመልእ ክንግደድ ኢና።

ብፍላይ ኣብዚ ብሓፈሻ ዓለምና፡ ብፍላይ ከኣ ዞባና ሓድሽ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክትወልድ ትጸዓረሉ ዘላ ተሃዋሲ እዋን፡ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን፡ ብሓባር ዘቃልሰና ጽላል ክንፈጥር እንተዘይበቒዕና፡ በበይንና ኣይኮነንዶ ክንዕወት ክንህሉ’ውን ከጸግመና እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ናይዚ እዋንዚ ቃልስና ናይ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ዝኸውን።

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገሽሉን ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ኣብ መበል 52 ጉባአኡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ዞባና ከም ቀንዲ ኣጀንዳኡ ኣብ ዝሓዘሉን ቅነ ኢና ንርከብ ዘለና። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሱዳን፡ መራሕቲ ሱዳንን ሶማልያን ድማ ናብ ኤርትራ ምጉያዮም ቅልውላው ከባቢና ደድሕሪ ኩነታት ዩክረይንን ሩሲያን ተሰሪዑ  ኣብየናይ ደረጃ ቅልውላው በጺሑ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ። ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተግብሩ ይጽዕሩ ኣብ ዘለዉ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ጉጅለ ኢሳያስን ድማ ብድሕሪ መጋረጃ ዘርእይዎ ዘለዉ ምዕልባጥን ኢድ ኣእታውነትን  ናባና እውን፡ ኣሰላልፋና  ከነዕሪ  ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ከም ዘለዎ ኣይንዘንግዕ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደቂ ኣንስትዮ ብቁጽሪ ዘይኮነስ ብተሳትፎን ኣበርክቶን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ንሳተን ከይተሳተፈኦ ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕን ዕብየትን የለን። ወሳንነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕብረተሰብ  ኣብ ኩሉ ዓውዲ ህይወት ወዲ ሰብ ዝንጸባረቕ እዩ። ካብዚ መሰረታዊ ቦታአን ብዝነቐለ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኸዊት  መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ክትክበር ተወሲና።  8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን ቀጻሊ ቃልስን እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ  ቦታ ንክትሕዝ ዝኸኣለት ኣብታ መዓልቲ ብ1908 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ብዘንቀሎ  ኣስታት 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ምልዕዓል ስለ ዝተራእየላ እያ።  ቀንዲ ሕቶ ናይተን ደቂ ኣንስትዮ፡ ማዕረ ክፍሊት ንተመሳሳሊ ስራሕ፡ መሰል ምድማጽ ኣብ ምርጫን፡ ገደብ ናይ ስራሕ ሰዓታትን ከም ዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ብሳላዚ ብቃልሰንን ዝተኸፍሎ መስዋእትን፡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብ28 ለካቲት 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክትክበር ጀሚራ። ድሕሪዚ ብ1910 ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ካብ 17 ሃገራት ዝተወከላ ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ኮንፈረንስ ተኻይዱ። ዕላማ ናይዚ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ድርብ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን መፍትሒኡን  ምዝታይ ነይሩ። ብምቕጻል ብ19 መጋቢት 1911 ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻየደ።  እዚ ምብርባር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1914-1918 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ነይርዎ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ኣጉራዊ  ማዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ብደረጃ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።

ደቂ ኣንስትዮ  ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ርእሲ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት፡ ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። “ንጓለንስተይቲ ምስትምሃር ሕብረተሰብ ምስትምሃር እዩ”  ዝበሃል እውን ወሳኒ ግደ ጓለንስተይቲ ኣብ ኩለመዳያዊ ዕቤት ንምንጽብራቕ እዩ። እዚ ተሳትፎን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ብጭረሖን ድልየትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እቲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር፡ ብናተን ፍሉይ ኣበርክቶን ጻዕርን ጥራይ ክረጋገጽ ከምዘይክእል ከኣ ካልእ  ኣብ ተመኩሮ ዝተረጋገጸ  ሓቂ እዩ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ።  ድሕሪ ናጽነት፡  መላእ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ብሓርነትን ማዕርነትን ክካሓሳ ትጽቢት ዝነበረን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። እቲ ዝዝከረሉ ኣገባብ ግና ምስቲ እዋናዊ ምዕባለ ዝቃነ እዩ። መሰረታዊ ዕላማ ምዝካር 8 መጋቢት፡ ደቂኣንስትዮ ከም ፍርቂ  ሕብረተሰብ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ብማዕረ ክሳተፋን መሰል ናይ ተጠቃምነተን  ከውሕሳን እዩ። ነዚ ንምዕዋት “ኣብ መጻኢ እንታይ ይገበር?” ኣብ ዝብል ዝያዳ ዘድህብ ስራሓት ክሰላስላ ይግበአን። ብመንጽር’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2023 ከም ናይ ዓሚ ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ  ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ፡ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና  ዘለና።  ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል ከኣ፡ ኤርትራውያን ኣደታት መንእሰያት ደቀን ተገዲዶም ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ኣትዮም ዝሃለቕሉ መርድእ ንምስማዕ ኣብ ስግኣት ኣብ ዘለዋሉ ኢና  8 መጋቢት 2023 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦ ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃል ክኣትዋ ይግበአን። እዚ ብደሆ ናብ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ’ውን ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ዘቕርብ ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልሰንን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ናብ ወለዶታት ዝሰጋግራላን መሰለንን ማዕርነትንን መሊኡ ንክረጋገጽ “ብድሆ” ዝብላላ ዕለት ክትከውን ይግባእ።  ከምኡ’ውን ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዝጸርጋላ ክትከውን ዝግበኣ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ  ኣነኣኢስካ ዝረአ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ክወጻ ምቃል ጐነን ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ምስኣተን ናይ ምስላፍ ሓላፍነት ኣለወን። ናብዚ ንክበቕዓ ከኣ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዘብቅዐን ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዛ ግድን’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ፡ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ናቱ ምኽንያታትኳ እንተለዎ፣ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታትና ሓደ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ግምት ሂቡ እዩ ዝቃለሰሉ።  በዚ መሰረት ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ፡ ”ሰዲህኤ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ  ዘይጎነጻዊ ቃልሲ’ውን ብትግሃት ክዋስኣ ዘኽእለን ባይታ ንምጥጣሕ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል   ምቅላስ ከኣ ቀንዲ ዕማም እዩ።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታትና

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ህግደፍ ክምልሰሉ ዝጽበዮ ዝነበረ ሕቶታት ብዙሓት እዮም። እንተኾነ ዋላ ሓደ ብህግደፍ ዝተመለሰ  ህዝባዊ ሕቶ የለን ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ካብቶም ክሳብ ሎሚ ዘይተመለሱ ኣብ መጻኢ እውን ብህግደፍ ክምለሱ እዮም ኢልካ ዘይትጽበዮም ብዙሓት ሕቶታት፡ ሕቶ ዲሞክራስን ሰላምን፡ ማሕበራዊ ድሕነትን ቁጠባዊ ዕቤትን፡ ፍትሕን ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ወሲኽካ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ዘውሕስ ዝምድና ምስ ጐረባብትን ……… ወዘተ ዝምልከቱ ይርከብዎም። ህግደፍ ክሳብ ሎሚ ካብዚኣቶም ንዋላሓደ ዘይምምላሱ ድማ መርኣያ ናይቲ ፍሉይን ክቱርን ወጻዒ ባህሪኡ እዩ።

“ህግደፍ ስለምንታይ እዩ ነዚ መሰረታዊ ሕቶታት ዘይምልስ?”፡ ዝብል ሕቶ ናይ ብዙሓት  ኣዛራቢ ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን ሰፊሕ ዝርዝራዊ መልሲ ዘድልዮን እዩ። እቲ መልሲ ካብቲ ዓመጸኛ ጉጅለ ክመጽእ ዝግበኦኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግና “ይምልከተኒ እዩ”  ከምዘይብሎ ብግብሪ ኣርእዩና ስለ ዝኾነ፡ ካብኡ ካብዘይንጽበዮ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ካብ ተመኩሮና ነቒልና ግና ካብ ዝርዝር ናይቲ መልስታት “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት እዩ”  ዝብል ንኣብነት ዝጥቀስ እዩ። እቲ ቀንድን መሰረታውን ማእከል ናይቲ መልሲ ግና፡ “ናይዚ ሕቶታት ብግብሪ ምምላስ ዕድመ ስልጣኑ ዘሕጽር ስለ ዝኾነን ንኹሉ ድሕሪ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ስለ ዝሰርዖን እዩ” ኢልካ ምስፋሩ ይከኣል። እዚ ብንጹር ባህጊ ህዝቢ ኤርትራን ምርጫ ህግደፍን ኣብ ኩሉ መዳያት ተጻረርቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ።

ህግደፍ ካብቲ ኤርትራዊ መሰረታዊ ዘቤታዊ ዛዕባ ንምልጋስን ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስን ብጥሪኡ “እምብለይ” ኣይብልን። ኣብ ክንድኡ  ዘቕርቦም ናይ ሓሶት ምስምሳት ኣለዉዎ። ንመሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ በብግዜኡ ካለኣይ ሳልሳይ ደረጃ ብምትሓዝ ወይ ፈጺሞም ከም ዝዕበጡ ብምግባር፡ በብግዜኡ ናእሽቱ ጸገማት ብምትዕብባይን ንልኡላውነት ኤርትራ ከም መፈራርሒ ብምጥቃምን ምስ ዝተፈላለያ ጐረባብቲ ሃገራት ውግእ ይኸፍት፡ ናይ ውግእ ቁስልና ኣይሓወየን ዝብል ዕባራ ምኽንያት ይፈጥር፡ ንሓንሳብ እውን ከም ምርጫ ንዝኣመሰሉ ዲሞክራስያዊ ኣዕኑድ “መፍትሒ ኣይኮኑን እዮም” እናበለ ምንእኣስን ምብጫውን ካብቶም ዝጥቀመሎም መህደሚ ተንኮላት እዮም።

ናይ ቀረባ ጸላኢ ምፍጣር ክጽግሞ እንከሎ ድማ፡ ምስ ናይ ርሑቕ ሓይልታት ኣብ ዳርባ ቆይቊ ምእታው ልሙድ ተግባሩ እዩ። ኣንጻር ኣሜሪካ ምኩርባቡን ኣብ ሕቑፊ ሩሲያ ክሕባእ ምፍታኑን ናይዚ ኣብነት እዩ። ዘይትግበር መብጸዓ እናኣተኻ ምጥላው እውን የዘውትር። ሕገመንግስቲ ምጽዳቕ፡ እቲ ዝጸደቐ ከይተሰርሓሉ መይቱ ምባልን ደሓር መሊስካ ሓድሽ ንነድፍ ኣለና ምባልን ናይዚ ዕንክሊል ኣካይዳኡ ሓባሪ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ዕላማኡ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናብ ውሽጣዊ ኤርትራዊ ጉዳዩ ዘቕልብ ናብ ደገ ጥራይ ከማዕዱ ንምሽባቡ ዝተኣልመ እዩ። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ኩሎም’ዞም ምህዞታት ኣይኮነንዶ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ኣሪጎም ኣገልግለቶም ዝውድኡ  እዮም።

ህግደፍ ኣብ ስልጣን ምቕጻሉ ብሓይልን ጥልመትን ዘረጋግጾ እምበር ካብ ህዝቢ “እወታ” ብምርካብ ከምዘይኮነ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ምርጫኡ ህዝቢ ዝበለ እንተበለ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን ዝብል ትዕቢተኛ ኣካይዳ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ብቐጻሊ ዝፍጽሞ ኣዝዩ ሕሱምን ኣብ ቅድሚ ፍርዲ ምቕራብ ዘየፍቅድን ማእሰርትን ዕረፍቲ ዘየብሉ ብዘይ ናይ ዕድመን ጾታን ፍልልይ ዝካየድ ግፋን ምእንቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብዛዕባ  መሰረታዊ ጉዳያት ዝሓስብ፡ ኣብ ዘሻቕል ናይ ብሕቲ ኣጀንዳ ከም ዝጽመድ ንምግባሩ ዝተሃንደሰ እኩይ ምህዞ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝረአ ዝተደጐለ ሓዊ ዝሓቖፈ ስቕታ፡ ጸረ ህዝቢ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ካብ ዘይምርዳእ ወይ ካብኡ መፍትሒ ካብ ምጽባይ ዝነቅል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብዚ መዳይ ብግብሪ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ሃብታም ተመኩሮ ስለ ዘለዎ። እቲ ኩነታት ኣንጻር ህግደፍ ክለዓል ከም ዝግበኦ እንዳተረደኦን እናተገበኦን ከምኡ ዘይምግባሩ፡ ስለ ዝጸገሞ ከም ዝኾነ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ “እቲ ስቕታ ክሳብ መዓስ እዩ?” ዝብል ሕቶ ዘየልዕል ኣይኮነን። 

እዚ ከባሃል እንከሎ ግና፡ ኣዝዮም ውሑዳት ካብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብገርሂ ዘይኮነስ ብጉርሒ፡ ብህግደፋዊ ናይ ሓሶት ስብከት ተሰሊቦም በብእዋኑ ተተሰሪሑ ብዝወሃቦም “ሎሚ ናይ ደገ ጉዳዩ ወዲኡ ናብ ዘቤታዊ ዋኒኑ ክምለስ እዩ” ዝብል መደንዘዚ መዝሙር ዘቃልሑ የለዉን ማለት ኣይኮነን።  ኣብዚ ቀረባ  ድሕሪ ውግእ ትግራይኳ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጌና ምስ ኣሜሪካ ዝጀመሮ ሓድሽ ምኩርባብ ዘንጊዖም፡ ምስምሳቱ ከም ዝተወደአ ኣምሲሎም ክሰብኩ ይስምዑ እዮም። እቲ “ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ’ውን ንህግደፍ ክጽበ ድዩ?” ዝብል ሕቶ ከኣ ናብዚኣቶም ዘቕነዐ እዩ።

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ህግደፍ ተስፋ ከም ዝቖረጸ ንፈታዊ ኮነ ንጸላኢ ብሩህ እዩ። እቶም ኣብቲ ይመርሖ ኣለኹ እናበለ ዓፊንዎ ዘሎ ህዝቢ ዋላ ሓንቲ ኣውንታዊ ኣሰር ዘየንበረ ክነሱ፡ ኢሳያስ ክገሾም ዝፈቕድሉ  መራሕቲ ሃገራት ክሳብ ክንደይ ከም ዝዕዘብዎ ምግማት ዘጸግም ኣይኮነን። ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዘጋጠመ ትርኢት ነዚ ብዝምልከት ገላጺ እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኖስ ምስኡ ምዝማድ እንታይ ከም ዝጠቕሞም ከኣ ዘዛርብ እዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ኩነታት ህግደፍ ሕቶኻ ክምልሰልካ ምጽባይ ማለት፡ ኣግሂዱ “ተሪፈ እየ” ንዝበለካ በዓል ቆጸራ ካብ ምጽባይ ወይ ማይ ሓቚንካ ጠስሚ ክትረክብ ሃንቀው ካብ ምባል ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝብና ናይ ሕቶኻ መልሲ ካባኻ ምዃኑ ተገንዚብካ ክትንቀሳቐስ እንከለኻ ምሳኻ ከም እንስለፍ እናረጋገጽና፡ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ መጸዋዕታና ነቕርበልካ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ኤርትራ  ለውጢ ንምርግጋጽ ንቃለስ ዘለና ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብዙሓት ኢና። እምብዛ ብዝሒ ውዳበታትናን ምንቅስቓሳትናን ከኣ፡ ንነዊሕ ግዜ ኣሰካፍን ኣዘራብን ኮይኑ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ናይቲ ስኽፍታት  ምኽንያት፡ “ናይ ለውጢ ዓቕምና ተበቲኑ ከይንደክም” ዝብል ሓልዮት እዩ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘይሩ-ዘይሩ እነረጋግጾ ናይ ሓባር ሸቶ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍን ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢ ቅዋማውን  ዲሞክራሲያውን ስርዓት ምትካልን ክሳብ ዝኾነ ልብኻ ዝመልስ እዩ።

ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣህላኺ መስርሕ ቃልሲ፡ ምብዛሕ ውዳበታት ብኣና ዝተጀመረ ዘይኮነ፡ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ዕዉታት እውን ዝተራእየ እዩ። ምውዳብ መሰልን ሓይልን ስለ ዝኾነ፡ “ድሕሪ ክንድዚ ውድባትን ማሕበራትሲ ይኣክል” ኢልካ ዝሕጸር ኣይኮነን። ናይ በይንኻ ዝተፈልየ ውዳበ ክህልወካ ዘገድድ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘየብልካ ክነስኻ፡ ኣብ መስርሕ ክጻበብ ዝኽእል ዘይመሰረታዊ ፍልልይ መሰረት ጌርካ “ግድን ባይነይ እንተዘይተወድብኩ” ምባል ግና፡ ምርጫ ናይቲ ተግባሪኡ’ኳ እንተኾነ፡ ዝተባባዕ ግና ኣይኮነን።  ብድፍኑ ምብዛሕ ውዳበታት ጠንቂ ናይ ዘይምዕዋት ጌርካ ምውሳዱ ድማ ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብ ሕድሕድ እቲ ውዳበታት ዘሎ ፍልልያት ኣመሓዲርካን ተጸዋዊርካን፡ ኣብቲ ዘሰማመዓ ብጽንዓትን ቀጻልነትን ኣትኪልካ ብሓባር ዘይምቅላስ ግና ዕንቅፋት ዓወት  ምዃኑ ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዝተመኮረሉ የለን።

ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትና ካብቲ ንጉዳያት ኣብ ምምዛንን ምንባብን ዘለና ፍልልያት ዝነቅል እዩ። ሓደ ኣካል ጐሊሁ ዝረአ ግጉይ ኣናብባ ከንጸባርቕን ንዓኡ ተኸቲሉ ውዳበ ክፈጥርን እንከሎ፡ ናብ ወድዓዊ፡ ርትዓውን   ሓላፍነታውን ኣናብባ ክምለስን ቅኑዕ ኣቕጣጫ ንክሕዝን ክትሕግዞ ምጽዓር ንቡር እዩ። እንተኾነ “ነዓይ ዝረኣየኒ ንባብን ተረድኦን እዚ እዩ። ተረድአይ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝቃለሰሉ ውዳበ ድማ ክምስርት እየ” እንተ ኢሉ ግና፡ ነዚ ዝምልከት ቅዋማዊ ሕጊ ሰልፍታት ኣብ ዘይብሉ ስለ እንርከብ፡ ደው ከተብሎ ኣይከኣልን።  እቲ ምርጫ እምበኣር፡ ኣብ ሰላማዊ መስርሕ ናይ ሓሳብ እንካን ሃባን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተቓሊስካ ክትረትዖ ጥራይ እዩ። ኣብ ክንዲ ተመዓዳዲኻ ትተሃላለኽ ግን፡ ነቲ ዘሰማምዓካ ዛዕባታት ዝያዳ ንምሕያልን ፍልልያት ንምጽባብን ዘኽእለካ፡ ናይ ሓባር መድረኽ ምፍጣር  ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ውዳበ፡ በይኑ ናይቲ መቃለሲ ሜዳ በሓትን ቀላስን ኮይኑ፡ ነቲ ካልእ ብጉልበት ደፊኡ ከውጸኦ ወይ ርኢቶኡ ንክቕበል ከገድዶ እንተፈቲኑ፡ ምስ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ናጽነት ምውዳብን ዝራጸም ስለ ዝኸውን ዝምረጽ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ብሓፈሻ ኤርትራውያን  ሓይልታት ለውጢ፡ ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ናይ ሓባር መድረኽ ክንፈጥር ንቃለሰሉ ዘለና ምኽንያት ተቐራሪብና ፍልልያትና ነጻብበሉን ነቲ ዘሰማመዓና ነስፈሓሉን ነስርጸሉን ዕድል ንምፍጣር እዩ። ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምፍጣር፡ ሓደ ካብ ጠለባት ህዝብና ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ዝተበተነ ዓቕምና ከድምዕን ህግደፍ ናብ ንስዕረሉ ደረጃ ንኽብርኽን ንከኽእለና ኢና። በቲ ካልእ መልክዑ “ብሓባር እንተዘይኮይኑ፡ በበይንና እነምጽኦ ናይ ዓወት ውሕስነትን መዋጸኦን የለን” ዝብል ዘይስገር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ሕቶ ሓቢርካ ምቅላስ ናይ ውሱናት ውዳበታት ሓላፍነት ዘይኮነ፡ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግዱሳት ግደታ እዩ እንብሎ። ሕቶ ሓድነት ከከም ናይ ኣተሓሳስባ ቅርበትን ርሕቀትን ናይቶም ብሓባር ክጸምዱ ዝገበኦም ኣካላት ደረጃታት ኣለዎ። ንኡስ ፍልልያትካ ኣወጊድካ ብደረጃ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካን ኣመሓዲርካን ብምክብባር ቀዳምነትካ ሰሪዕካን፡ ብደረጃ፡ ግንባር፡ ልፍንቲ ወይ ምሕዝነት ብዝግለጽ ጽላል ይትግበር።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ( ሰዲህኤ)፡ ንሓድነት ብዝምልከት ኣብ ጉባአኡ ዝጸደቐ ውሳኔ ተመርኲሱ፡ ብ4 ሓምለ 2017፡ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብሓባር የቃልሳና እየን ኣብ ዝበለን፡ 1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፡ 2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፡ 3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፡ 4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል” ኣትኪሉ ናብ ምሉእ ሓድነት የብጸሕና ወይ ኣብ ትሕቲ ሰፊሕ ጽላል የቃልሰና ዝበሎ፡ እማመ ኣቕሪቡ። እዚ እማመ ምስተዘርገሐ ዋላ ብሓደ ውድብ ተቓውሞ ኣይገጠሞን። እንተኾነ ክንድቲ ዝድለ ንዓኡ ዝምጥን ግብራዊ ውጽኢት ኣይተራእየን።

ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝንጸባረቑ፡ ኣብ ሰፊሕ ጽላል ብሓባር ንምቅላስ ከዕንቅፉና ዘይነበሮም መፈላለይ ዛዕባታት ብዙሓት እዮም። መብዛሕትኦም ከኣ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ብዝጸድቕ ቅዋም እምበር ብውድባት ኮነ ምንቅስቓሳት ክውድኡ ዘይግበኦም እዮም። ካብቶም ፍልልያት ዝንጸባረቐሎም ሓደ፡ ህግደፍ ንምውጋድ እንኽተሎ ኣገባብ ቃልሲ እዩ። ጐነጻዊ፡ ዘይጐነጻዊ ወይ ክልቲኡ ዝብሉ ኣገባባት፡ ኣብ መደብ ዕዮ  ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባተታት ሰፊሮም እንረኽቦም እዮም። ውዳበታት፡ ስርዓት ህግደፍ ንምውጋድ ዝኽተልዎ ኣገባብ ብስምዒት ዘይኮነ፡ ባህርያት ጉጅለ ህግደፍ፡ ድልውነት ተሳትፎ ህዝቢ፡ ናይ ዝሓለፈ ውግኣት ስንብራት፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዓቕሚ፡ ናይ ከባቢና ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ድሕሪ ለውጢ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን …….ወዘተ ዝብሉ ኣብ  ግምት ዘእተወ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ምስትውዓል ዘድልዮ፡ ኮሎም እዞም ኣገባባት፡ እቲ ስርዓት ንክውገድ  ናይ ምግዳድ ሸቶ ዘለዎም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ኩሎም ኣገባባት ለውጢ ብኻልእ ኣካል ክመጸሎም ወይ ህግደፍ ክተኹበሎም ዝጽበዩ  ኣይኮኑን።

ስለዚ ሎሚ እውን፡ እቲ ቀዳምነት ሂብና ከነጉለሖ ዝግበኣና፡ ነቲ ዝፈላልየና ዘይኮነ፡ ዘይሩ-ዘይሩ ሸቶና ሓደ ምዃኑ ተገንዚብና ነቲ ዘሰማምዓና ክኸውን ይግባእ።

 ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሕሉፍ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዝግለጸሎም ቀንዲ ባህርያቱ ትካላውን ግሉጽን ኣካይዳ ዘይክተል ምዃኑ  እዩ። ናይዚ ዘይግልጽነቱ ቀንዲ መርኣያ ኣብቲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸንሖን ዘለዎን ዝምድና ገሊሑ ዝንጸባረቕ እዩ። እዚ ዘይግሉጽነት ኣብ ዝምድናኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝድረት ዘይኮነ፡ ምስ ካለኦት ወገናት ዝገብሮ ርክብ እውን ብሃላሊ ፖሊሲ ዝምድና ዝግለጽ እዩ። ዘይግልጹነቱ ምስቶም ናይ ቀረባ መቓልስተይ ዝብሎም ከይተረፈ ከም ዝተራእየ፡ ካብ ናይ ቀረባ ግዜ ተግባራቱ ምግንዛብ ይከኣል። እቲ ብ2018 ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝገበሮ’ሞ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ከሰጋገር ትጽቢት ተገይርሉ ዝነበረ ርክብ፡ ናይ ብዙሓት ኣጀንዳ ኮይንሉ ዝነበረ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ ዘይግልጹነቱ እዩ።

ድሒሩ ኢሳያስ ናብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ፡ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ኣዋሳ፡ ናይሮብን ካልኦትን ይገብሮ ኣብ ዝነበረ ኮለል፡ ዕላምኡ እንታይ ከም ዝገበረ ምናልባት ንዑስማን ሳልሕን የማነ ገብረኣብን እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ግሉጽ ኣይነበረን። በብግዜኡ ምስ ስዑድያ፡ ቀጠር፡ ሱዳንን ኤመረትን ዝነበሮ ወደኽደኽ እውን ተመሳሳሊ እዩ ነይሩ። ምስ ሩሲያ ዝረአ ዘሎ ሓድሽ ዝመስል ኣረጊት ዕርከነት’ውን  ከምኡ ሽፉን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባቲ ብስሙ ዝእለም ኣሻቓሊ ሕቡእ ተንኮላት ናይ ምፍላጥ ድሌትን መሰልን እኳ እንተነበሮ፡ ነዚ ብዝምልከት ዝሓተሉ ዕድልን ኣጋጣምን ግና ኣይረኸበን።

ኢሳያስ ኣብ 8-9 ለካቲት 2023 ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝገበሮ መገሻ ሳላ ውሕልነት መንግስቲ ከንያ  ዲፕሎማስያዊ መልክዕ ብዘለዎ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ስምምዓት ተፈሪሙ ተባሂሉ። ሓደ ካብቲ ስምምዓትኳ “ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ ዜጋታት ካብን ናብን ብዘይቪዛ ምጋሽ ክህሉ” ዝብል ከም ዝርከቦ ኣብቲ ወረቐት ሰፊሩ’ሎ። ብግብሪ ግና  ብምስምስ ኣብ ኤርትራ ዘሎ  ሓናቒ መጻወዲያ “መውጽኢ ቪዛን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን”  ከም ዝኹለፍ ርዱእ እዩ። ነቶም ሰብ ፍሉይ ሓለፋ ነጋዶ ኣባላት ንግዳዊ ትካል 03 ግና መንገዲ የጣጠሓሎም ይኸውን።

ኣብ መወዳእታ ነቲ ርክብ “ንቡር ዲፕሎማሲያዊ መልክዕ ንምትሓዝ” ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ጋዜጠኛታትን ወከልትን ፍሉጣት ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዓደምሉ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ ዋዕላ ተዳልዩ። ኣብዚ ዋዕላ ምናልባት ኢሳያስ ብዛዕባ ኣብቲ ስምምዕ ዝሰፈሩ ነጥብታት ዘተኩሩ ሕቶታት ክሕተት ትጽቢት ነይርዎ ይኸውን። እንተኾነ እቶም ናይ ኤርትራ ዘይግሉጽነትን ዕጽዋ ሓበሬታን ከተሓሳስቦም ዝጸንሐ ጋዜጠኛታት፡ “መጺእካለይዶ ክጽበየካ” ኢሎም፡ በቲ ኢሳያስ ዘይተጸበዮ ድኹም ጐኑ ኣትዮም፡ ናብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ክፈልጥዎ ዝደልዩ እዋናዊ ሓበሬታ ኣተኲሮም። በዚ መሰረት እቲ ካልእ ገዲፍካ፡ “ሰራዊቲ ኤርትራ ካብ ትግራይ ወጺኡዶ ኣይወጸን?፡ ሰራውትኩም ኣብ ትግራይ ፈጺምዎ ብዛዕባ ዝበሃል ናይ ውግእ ገበናት እንታይ ትብሉ?፥ ኣብ ትግራይ ክንደይ ኣባላት ሰራዊት ሞይተሙኹም?፡ ህላወኹም ኣብቲ ውግእ ስለምንታይ ን5 ኣዋርሕ ሓቢእኩምዎ ጸኒሕኩም?፡ ……….ወዘተ”  ዝብሉ ወጠርቲ ሕቶታት  ኣከታቲሎም ምስ ኣዝነብሉ፡ ቅርኑ ከም ዝተወቕዐ ብዕራይ ጽርውርው ክብሎ ጀሚሩ። ብፍላይ “ጋዜጠኛ ዋሽንግተን ፖስት” ዝብል ድምጺ ምስ ሰምዐ፡ ብምሒር ስንባደ የማነ ጸጋም እናጠመተ፡ “ይስመዓኒ የለን” ክብል ኣማኻነየ። ድሕሪዚ ዓቕሊ ጽበት ብዝተሓወሶ፡ መልሲ እዩ ክትብሎ ብዘጸግም ኣጓጣጥ ብዝተሓወሶ “ፋብሪካ ሓሶት”  ብዝብል ዘለፋ ጀመረ። ሕርቃኑ ክጻወር ከም ዘይከኣለ ብዘመልክት ምንቅስቓስ ኣካላት ድማ ኣንጸርጸረ። ነቲ ኩነታት ዝተዓዘቡን  ካብኡ ከይገድድ እሞ ዝያዳ መስሓቕ ሰብ ከይከውን ዝሰግኡን ኬንያውያን ሰብ መዚ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣቋሪጾም ኣገላጊለምዎ። ነቶም ጋዜጠኛታትን ነቲ ምርኢት ዝተዓዘበ  ህዝብን ግና፡ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት ዲክታተር  ምዃኑ ንምርዳእ እኹል መረዳእታ  ነይሩ።

ኢሳያስ ኣብ ከምዚ ወጥሪን ስንባደን ዝኣተወ፡ ቅድሚ ኩሉ ዘይግሉጽ ባህርያቱ ስለ ዝሃወጾ እዩ። እቲ ንሱ ዝለመዶ  ኣቐዲሙ ዝሃቦም ሕቶታት ዘንብቡ ብፍርሒ ዝተዋህጡ ክልተ “ጋዜጠኛታት” ኣሰሊፉ ከም ድላዩ ምዝራብ ምዃኑ እቲ ካልእ ምኽንያቱ እዩ። ካብ ኬንያ ናብ ኤርትራ ምስተመልሰ፡ ከምቲ ዝለመዶ ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ሕነ ናብ ዝፈድዩሉ መድረኽ ክኣቱ ምዃኑ ናይ ብዙሓት ግምት ነይሩ። ብ12 ለካቲት 2023 ድማ ከምኡ ገይሩ።

ኣብዚ “ናይ ናይሮቢ ፍሽለቱ  ንምሽፋን ዝሃቀነሉ” ቃለ መጠይቕ ምጽዋዕ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ እቶም ኣብ ናይሮቢ ውቃበኡ ዝገፈፍዎ፡ ናይ ቢቢሲ፡ ዋሽንግተን ፖስትን ኣሾሾይት ፕረስን ጋዜተኛታት ዘይኮኑ፡ እቶም ከም ድላዩ ዝዕንድረሎም ሱሌማ ዑስማ ዓበ ካብ ኤሪቲቪን ጳውሎስ ነታባይ ካብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን  እዮም። ኣብዚ ኮለል ክብል ልዕሊ 80 ደቓይቕ ዝወሰደሉ ቃለ መጠይቕ፡ ዘልዓሎም ነጥብታት ካብ 30 ደቓይቕ ዝያዳ ዘድልዮም ኣይነበሩን። ብትሕዝቶ ከምቲ ልሙድ ኣብ ውግእ ትግራይ ተዓዊቱ ከም ዝወጸ እምበር ዘሕትቶ ከምዘየለ መሲሉ ቀሪቡ፣ ነቲ ደጊም “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ኢሉ ነቲ ውግእ ኣቐዲሙ ምብራኹ ዘንጊዑ፡ ነቲ ውግእ ኣሜሪካ እያ ኣጀሚራቶ ኢሉ። ነቲ ውግእ ዕላማ ዘይነበሮ ኢልዎ። እቲ ዝያዳ ዕላማ ዘይነበሮስ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ውግእ ምእታው ምንባሩ ግና ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። እቶም ኣብ ከንያ ዘዋጠርዎ ጋዜጠኛትት፡ ነቲ ካብኣቶም ሃዲሙ ብትግርኛ ዝሃቦ ቃል እንተዝሰምዑ እንታይ ከም ዝብሉ ምግማቱ ኣየጸግምን። 

 እታ ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ሓዳስ እትበሃል፡ እታ ቀደም ወያነ ንምግላጽ  ጥራይ ዝጥቀመላ ዝነበረ “ጃንዳ” እትብል ቃል ሎሚ  ንዋሽንግተን እውን ለጢፉላ። ኢሳያስ ንዋሽንግተን መመሊሱ ዝሓይካ ዝነበረ፡ “ውግእ ትግራይ ተወዲኡ ስግኣትና ካብ ተቐንጠጠ፡ ናብ ጉዳይና ንእቶ” እንተተባሂሉ “ናይ  ኣሜሪካ ስግኣት ኣየለና”፡ ብምባል ከም ልማዱ  ብህዝቢ ክለዓል ካብ ዝኽእል ሕቶ፡ መህደሚት ንክትኾኖ ዝምህዛ ዘሎ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ውግእ ዩክረይንን ሩሲያን ዝሓዞ ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ እምበር ኤርትራን ህዝባን ዘይረብሕሉ መርገጹ ምኽኑይ ንምምሳል ብዙሕ ተዛሪብሉ። እቲ ዝተረፈ ፈጺሙ ምስ ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ኣብ ዘይብሉ፡ ዛንታ እዩ ሃለው ኢሉ። እዚ ኩሉ ኣንጻር ኣሚሪካ ዘንጸርጽሮ ዘሎ፡ መራሕቲ ኣሚሪካ “ምሳኻትኩም ክሰርሕ እንዶ ፍቐዱለይኢልዎምስ፡  “ነዚ ኣይትምጥንን ኢኻ” ኢሎም ስለ ዝነጸግዎ ምዃኑ  ምንስሑ  ምናልባት ኣብዚ ቃለ መጠይቑ ከም ሓድሽ ዝውሰድ እዩ። እቲ ዘገርም ኢሳያስ ንሓያላት ስለ ዝጸረፈ፡ ዝሓየለ ዝመስሎም ቁንጣሮ ደገፍቱ ምህላዎም እዩ።

እንተ  እተን ተዓዊቱ ዘይኮነ፡ ባዕሉ ብዝተኣመኖ ተኾሊፉ፡ ካብ “ትግራይ ድሕሪ ምምላሱ”፡  ህዝቢ ኤርትራ ክምለሳሉ ዝጽበየን እሞ ኣብ ናይሮቢ ጋዜጠኛታት ዘልዓልወን እዋናውያን ሕቶታት  ኣይተንከፈንን። ኣብ መጻኢ ክምልሰን እዩ ኢልካ ትጽበዮ’ውን ኣይኮነን። ስለዚ ብፍላይ ኣብቲ ዘይምልከቶም ውግእ ትግራይ ተጠቢሶም ናይ ዝጠፍኡ ደቁ ደሃይ ንምፍላጥ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ናይ ኢሳያስ ናይ ህድማ ሃበስቀደስ ክጥበር ኣይግበኦን። ኣብ ክንድኡ ዘይግሉጽነት ናይዚ ዲክታተር ቀሊዑ ጉዳይ ደቁ ክፈልጥ ምቕራብ ወጣሪ ሕቶታቱ ክቕጽል ይግበኦ። 

ካብ ተመኩሮና ንመሃር

Saturday, 11 February 2023 11:06 Written by

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ትጽቢት ህዝብና፡ ሓድነት መሬትን ህዝባን ዝዕቅብ፡ ብቕዋም ዝምራሕ፡ ብዙሕነት ዘኽብር፡ መሰል ውደባን ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ዘይጻባእ፡ ሰላማዊ፡ ዲሞክራስያውን ልምዓታውን ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምህናጽ ምዃኑ ንጹር እዩ። እዚ ኣብ ህላወ ህግደፍ ዝረጋገጽ ከምዘይኮነ ከኣ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕብረተሰብ ዓለም እውን ንጹር እዩ። እቲ ትማሊ ኮነ ሎሚ ብህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ውዳበታቱን ዝተኻየደን ዝካየድ ዘሎን ቃልሲ ከኣ  እዚ ዝተጠቕሰ ባህጊ ህዝብና ዝረጋገጸሉ ጥጡሕ ባይታ ንምውሓስ እዩ።

ናይቲ ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ ቀንዲ ቀላሲ፡ እቲ ግዳይ ወጽዓን ጥልመትን ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ሓላፍነትን ብጽሒትን ናይተን ኣብ መስመር ቃልሲ ተሰሊፈን ዘለዋ ኤርትራውያን ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ኣገዳሲ ባእታታትን ድማ እቲ ቃልሲ ኣንፈቱ ከይስሕት ኣብ ምእላይ ዕዙዝ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። እዞም ካብ ዝፈላልይዎም፡ ዘሰማምዕዎም ዝበዝሑ ፖለቲካዊ ውዳበታት ኤርትራ፡ ክሳብ ሎሚ ዝቐሰምዎ ኤርትራዊ ተመኩሮ ብምውህላል፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣፉ መሊኡ ነቲ ህዝብና ሃንቀው ዝብሎ ለውጢ፡ “በይነይ ከረጋግጾ እኽእል እየ”  ዝብል እምነት ከም ዘየብሉ፡ ካብቲ በብግዜ ዘውጽእዎ ኣዋጃትን መግለጽታትን ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ብግብሪ ግና፡ “እቲ አብግዜኡ ዝእወጅከ ናይ ልቢ ድዩ ኣይፋሉን?” ክትብል ዘገድዱ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ናይ ምዕብላል ወስታታት ይረኣዩ እዮም። ምስዚ ኩሉ “ሓቢርካ ምቅላስ ምስጢር ዓወትና እዩ”  እናተባህለ በብኩርናዑ ዝጭራሕ ዘይንጸግ’ኳ እንተኾነ፡ ግብራውነቱ እንተ ዘይሰሊጡ ግና  ዘተዓዛዝብ እዩ ዝኸውን።

ነዚ ዘይሕለፍ ኣገዳስነት ተረዲእካ፡ ብሓባር ዘቃልሰካ መድረኽ ናይ ምፍጣር  ፈተነታት ምክያድ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ተመኩሮ እዩ። ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ገዲፍካ፡ እቶም ካብ ምምስራት “ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓልታት ኤርትራ 1999” ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽሉ ዘለዉ ሃቐነታት  ኣብነት እዮም። እዞም ክሳብ ሕጂ ዝተኻየዱ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ተበግሶታት ዘይምዕዋቶም፡ ዘየቕስን ተመኩሮ ኮይኑ፡ ዝመሃረሎም እንተተረኺቡ፡ መምሃሪ ዝኸውን ኣሰር እናመዝገቡ ከም ዝሓለፉ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ብመንጽርዚ ኣብዚ እዋንዚ ተታሒዞም ዘለዉ ሓቢርካ ዘቃልሱ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ምድኳን ንቕሎታት፡ ዋነኦም መንዩ ብዘየገድስ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ሓደስቲ ምህዞታት ጌርካ ምውሳዶም ቅቡል ኣይኮነን። ልክዕ እዩ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሱ ተጽዕኖ ዘለዎ ብምዃኑ፡ እቶም ናይ ሎሚ ሓደስቲ ተበግሶታት ብተመኩሮ ዝሃብተሙ  ብምዃኖም ብልጫ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ።

ከም ብሓድሽ ዝውሰድ ተበግሶ ኮነ፡ ኣብ መስርሕ ዝጸንሐ ምፍጣር  ጥሙር መቃለሲ መድረኽ፡ “ብሉጽን መዋጺእን እዩ” ንክበሃል፡ ተሳተፍቱ ይውሓዱ ይብዝሑ ካልእ ኮይኑ፡ መዕቀኒኡ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ምምሃሩን ዘይምምሃሩን ክኸውን ይግበኦ። ነቲ ክሳብ ሎሚ ዘየዕወተ ተመኩሮ ኣመላኺዕካ ምድጋሙ ግና ውጽኢቱ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተፈልየ ከምዘይከውን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ “ዝዘራእካዮ ኢኻ እትሓፍስ”  ዝብል ምሳልያዊ ኣበሃህላ ግድን ስለ ዝኾነ። እቲ ኣብቲ ነባር ተመኩሮ ዘይተዋሰአ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ሎሚ ዘልዕሎም ዘሎ ጭረሖታት ኩሎም ፍጹም ቅድሚ ሕጂ ከምዘይተላዕሉ ጌርካ ምውሳዶም ቅኑዕ ኣይኮነን። አቶም ነባራት ምስ ሓድሽ ምዕባለ ከም ዝሳነዩ ጌርካ ምቕናዮም  ከኣ  ቅቡል እዩ።

ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ከሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ግጉይ ተመኩሮታት ሓደ፡  ኣብ መንጎ እቲ ዝእወጅን ዝትግበርን  ዘሎ ዘይምቅዳው እዩ። “እቲ ቅኑዕ መንገድን ምሩጽ ኣተሓሳስባን ምሳይ ጥራይ እዩ ዘሎ” ምባል፡ ንካለኦት ዕድልን መሰልን ዝኸልእ፡ ንመስርሕ “እንካን ሃባን” ዝዓጹ ስለ ዝኾነ፡ ዝሓለፈ ግጉይ ተመኩሮ ዝደግም እምበር፡ ናብ ዘተኣማምን መዋጸኦ ዝመርሕ ኣይኮነን። “ግድን ኣነ መመቲረ ዘኾልሰኩም ሓሳብ እንተዘይውሒጥኩም”፡ ምባል  ብሓባር ዘሰጉም  ከምዘይኮነ፡ ኣብ ብዙሕ ካብቲ ናይ ክሳብ ሎሚ ተመኩሮታትና ዝተገንዘብናዮምን ክንቃለስ ካብ ዝድርኹናን እዩ።   

እቲ እንቃለሰሉ መድረኽን ነሰጉሞ ኣተሓሳስባን ካብ መጀመርታኡ ኩልና ኢድና ዘንበርናሉን ርኢቶና  ዝሓወስናሉን ክኽውን ይግበኦ። ምናልባት ብትሕዝቶኡ ዝፈላለ፡ ነናትና ኣተሓሳስባ ይህልወና’ሞ፡ ናብቲ ናይ ሓባርና ሓዳስ ኤርትራ ናይ ምግሃድ ሸቶ ክንበጽሕ፡ ነቶም ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ሒዝና ኣብ ዙርያ ሰደቓ ተራኺብና ሓቚንና፡ ናብ ንኹላትና ዘማእክል ሓሳብ ከነጻዕዮም ይግበኣና። ቀጻሊ ሕድሕድ ርክባትና፡ በቲ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ዘጥረናዮን ዝተረዳዳእናዮን ዕግበት መሰረት፡ ምሉእ ሓድነት ወይ ፍልልያትካ ዓቂብካ ኣብ ብሓባር ምቅላስ ዘትክል ክኸውን ይኽእል። ናብዚ ንምብጻሕ ዘይተደላይ ግዜ ምብኻን ዘይምረጽኳ እንተኾነ፡ ብመጠንቲ መስርሕ ዝሓቶ ውረድ ደይብ እኹል ግምት ምሃቡ ዘይስገር እዩ።  ምኽንያቱ እምብዛ ብታህዋኽ ተሻቢብካ ኣብ ዘይብሱልን ዘይኣሳታፍን ኩነታት በይንኻ፡ “ንሕና ኬድና ኢና፡ ዝሰዓበ ይስዓበና” ምባል ደሓር ዘይሩ ዘይሩ፡ ግዜን ንዋትን ምስ ከሰርካ፡ ናብቲ “ሀ” ኢልካ  ዝጀመርካሉ ኩነታት ዝመልስ ስለ ዝኾነ።  ካብ ከምዚ ንምድሓን ብዝከኣል መጠን ምሳኻ ክኸይድ ንዝኽእል ሓይሊ ናይ ምስታፍ ሓላፍነት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ግቡእ ጻዕርን ጹረትን ከየርኣየ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጠንጢንዎ ምኻድ ግና ከምቲ “ተመሊስካ እትረዶስ፡ ሓዲካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣማስያኡ ዋጋ ዘኽፍልን ዘይተደላይ ግዜ ዝበልዕን ስለ ዝኾነ። ኣብ ደምብ ተቓውሞና ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ኣብ ምፍጣር እምብዛ ግዜ ምውሳዱ ግና ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ።

እንምስርቶ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ፡ ብኹለ-መዳያዊ ዓቕሚ ናይቶም ዘቖምዎ ኣካላት እዩ ዝምዘን። ናይ ብቑዓት መስረቲ መድረኽ እንተኮይኑ ከም ዝሕይል፡ ናይ ድኹማት እንተኮይኑ ድማ ከም ዝደክም ርዱእ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ብቑዕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ክንሓስብ እንከለና፡ ኣብ ውደባታት ናይቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝጽዕቱ ሓይልታት ትካላዊ ኣሰራርሓን ቅዋማዊ ጽንዓትን ዘደልደሉ ክኾኑ ይግባእ። ከምዚ ዘይምዃኑ ሓደ ካብ ድኽመታትና ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ተመኩሮና ከነስተብህሎ ዝግበኣና እዩ።